ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 106 ክፋል
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ ሰማይ ብጸሊም ደበና ተሸፊኑ ክዘንብ ዝቀራረብ ዘሎ ይመስል ነበረ። ሮዛ ኣንቃ ዕሪራ ንሰማይ ድሕሪ ምጥማት ጽርግያ ሰገረት። ነዊሕ ከይከደት መራሕ ዋህዮኣ ኣርከባ። ብዛዕባ’ቲ ተስፋ ዝህብ ጥሉል ክራማትን ቀንጠመንጢ ናይ መነባብሮን እናዕለሉ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ በጽሑ። ቅድሚ ሰሙን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኣዘራሪቡዋ ስለ ዝነበረ ሓድሽ ነገር ክትሰምዕ እናተሃንጠየት ገዛ ኣትያ ኣብ ሶፋ ኮፍ በለት።
“እሞ ብዛዕባ’ቲ ብቐዳማይ ዝተዛረብናሉ ጕዳይ’የ መጺአ ሮዛ። ብምርድዳእና መሰረት ከኣ ጸኒዕኪ ክትህልዊ ተስፋ’ገብር፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ መራሕ ዋህዮኣ። ኣብ ከባቢ ፊያት ንእስ ኢሉ ጋራጅ ዝነበሮ ኣዝዩ ህዱእን ርጡብን ሰብ’ዩ ነይሩ። ሮዛ ንማለቱ ውድብቲ እያ’ኳ እንተ ተባህለት ዓቢ ስራሕ ፈጺማ ኢልካ ትዛረበሉ ነገር ግን ኣይነበረን። እተድመዓሉ ግዜ ግን ኣኺሉ።
“እቲ ዕላማ ሓንሳብ ኣትየዮ’ንድየ። ቀሊሉ ከቢዱ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዘውድቐኒ ነገር እንተ ተረኺቡ ሞት ከም ዝስዕብ ይርድኣኒ እዩ። ስለዚ ኣብ ሕጂ በጺሐ ንድሕሪት ዝብለሉ ኣብነት የብለይን። ዘይክእሎ ስራሕ እንቋዕ ኣይኮነ’ምበር እዝስ ዓቕመይ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡” በለቶ ዝስዕብ ዘረባ ክትሰምዕ እናተጸበየት።
“እምበኣርከስ ነቲ ብጻይ ኣብዚ ሳልስቲ ሒዘዮ ክመጽእ ስለ ዝኾንኩ እታ ዝድቅሰላ ክፍሊ ኣዳልውያ ኢኺ። ንምጽርራይ እንተ ዘይኮይኑ ብጀካኡ ካልእ ሰብ ክኣትዋ የብሉን። እታ ኣንደር ግራውንድ ገዛ ድማ ንፍሉይ ስራሕ ክደልያ ስለ ዝኾነ ካብ ሕጂ ኣትሒዝኪ ድልውቲ ግበርያ።”
“ናይታ ኣንደርግራውንድ እንተ ኾይኑ ገለ ጋዕገልጠም’ያ ሒዛ ዘላ፡ ግዜ ኣይትወስድን’ያ ከጸራርያ እየ። እታ መደቀሲኡ ግን ኣቦስቶ ገይረያ’ለኹ።”
“ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ መንነቱ መታን ከይጠራጠር ከኣ ካብ ኣዲስኣበባ ዝመጽአ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ተመሲሉ’ዩ ክኣቱ። ወላ ደቅኺ ብኸምኡ ክርድኡዎ’ዩ ዘለዎም፡” ድሕሪ ምባል፡ ንገዛኣ ኣብ ዝመጽኣሉ መዓልቲ ባህርያዊ ዝመስል ኣገባብ ኣቀባብላ ክትጥቀም ከም ዘለዋ ብሰፊሑ ዘርዘረላ።
“ግርም! ተረዲኡኒ’ሎ፡” በለቶ እናሰሓቐት።
ቅድሚ ምኻዱ፡ “ረሲዐ’ባ ነይረ፡ ሰመረ’ዩ ዝብሃል ከይትርስዒ፡” በላ። ኣብ ሳልስቱ፡ “ምስ ሰመረ ንመጽእ ስለ ዘለና ተቐሪብኪ ጽንሒ፡” ኢሉ ንሮዛ ብቴለፎን ድሕሪ ምሕባር ብታክሲ ንቲራቮሎ ተበገሰ። ተሳፊሮምላ ዝመጽኡ ታክሲ ካብ እንዳ ሮዛ ርሕቕ ኢላ ኣውረደቶም። ሰመረ ጸሊም መነጽር ወድዩ፡ ሳንጣኡ ተሓንጊጡ ደድሕሪኡ እናሰዓበ ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ በጽሑ።
ሰመረ፡ ኣብ ኣስመራ’ኳ እንተ ዓበየ፡ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ወዲኡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ካብ ዝዋፈር ግን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ብሕትን መንግስታውን ትካላት ኢትዮጵያ፡ ከም ክኢላ ናይ ኤለትሪክ ዝሰርሐ ተጋዳላይ እዩ። ቀንዲ ስሙ ቦኽረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ቦጦሎኒ ሸውዓተ ከሎ ጸረኣብዮት እናበለ ይጻረፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክፍለ ሰራዊት ተስዓን ሽዱሽተን ክሳዕ ዝውዛዕ በዛ ሳጓ’ዚኣ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ድሕሪ ወፍሪ ባሕረነጋሽ ካብ ግንባር ሓልሓል ተሳሒቡ ናይ ስለያን ጸረስለያን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር፡ ነታጕ ምጽዋድ፡ ካርታ ምንባብን ምድላውን፡ ሬድዮ ርክብ፡ ምስባርን ምድላውን ኮድ፡ ምስ ሰብ ናይ ምልላይን ምርኻብን ሜላ፡ ናይ ሰባት ስምዒትን ድሌትን ምፍላጥ፡ መባእታዊ ስነልቦናን ወዘተ ተማሂሩ ኣብቲ ግንባር ሰሪሑ።
ብድሕር’ዚ ኣብ ምስጢራዊ ስራሕ ንኽዋፈር ኣብ ገዳርፍን ከባቢኡን ንኽልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኢትዮጵያ ዝመላለስ ነጋዳይ ዙርያ ተመሲሉ ብወገን ዓብደ ራፍዕ ንመተማ ብምእታው፡ ብጎንደርን ባህርዳርን ኣቢሉ ናብ ኣዲስኣበባ ኣምሪሑ። ኣብኡ ዝተዳለወሉ ናይ መንበሪ ወረቐት ሒዙ ንገለ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ነኣስመራ መጺኡ። መልክዑ ቀይሕ ርቕቕ ኢሉ፡ ለማሽ ጸጒሩ፡ ቍመቱ ማእከላይ ኮይኑ፡ ብናይ ጸላኢ ብሄራዊ ኣገልግሎት መታን ከይሕተት በዓል ኣዝማ ምዃኑ ዝገልጽ ወግዓዊ ናይ ሓኪም ካርድ ዝነበሮ’ዩ። ነዚ ንኽጥዕሞ ድማ ሕሙማት ኣዝማ ዝጥቀሙሉ መድሃኒት ዝሓዘ መሳርሒ (ቬንቶሊን ኢንሄለር) ካብ ጁባኡ ፈልዩ ኣይፈልጥን ነይሩ።
ሮዛ ድምጺ ደወል ምስ ሰምዐት፡ “መን’ዩ ዝኹሕኩሕ? ክፈትዮ’ስኪ ጽርሃ፡” በለት ኣብ ክሽነ ኮይና። ጽርሃ ዘብዘብ ኢላ ማዕጾ ድሕሪ ምኽፋት ነቶም ኣጋይሽ መሪሓቶም ክትኣቱ ከላ ሮዛ ኣብ ኣፍደገ ሳሎን ጸኒሓ ንኽልቲኦም ርእይ ምስ ኣበለቶም፡ “እዋይ ሰመረ ሓወይ!” ኢላ ናብኣቶም ብምስጓም ንሰመረ ሓኒቓ ክትስዕሞ ጀመረት። ንፍረወይንን መለስን ኮነ ኢላ ቀሪባቶም ስለ ዝጸንሐት ድማ “ሰዓሙዎ ኣኮኹም ሰመረ እዩ፡” በለቶም።
ሰመረ ብወገኑ፡ “ክንደይ ደኣ ጐቢዞም?” ኢሉ ንኽልቲኦም ምስ ሰዓሞም ደድሕሪኣ ናብ ሳሎን ሰዓበ።
“ቀልጥፊ’ስከ ናውቲ ቡን ቀርቢ ጽርሃ፡” በለት ሮዛ ዓቢ ጋሻ ከም ዝረኸበት ሸበድበድ እናኣርኣየት። ጽርሃ ቡን ክትቈሉ እናተዳለወት ከላ፡ “በዓል ኣያይከ ደሓንዶ’ለው? እነ ደኣ እንተ ደንጐኻ እታ ግናይ ኣዝማዶ ጀሚራቶ ኢለ ካን ተሻቒለ’ንድየ፡” በለቶ ተዋስኦኣ ብምጅማር።
ሰመረ ጸላም መነጸሩ ኣውጺኡ፡ “ደሓን’ዮም ብዙሕ ሰላም ኢሎምኺ፡” ድሕሪ ምባል ገጹ ብመሃረብ እናደረዘ፡ “ገዛ ተጋግየ ኰለል ክብል’ንድየ ውዒለ። እዚ ሓወይ ግን ዓወን ዓወን ክብል ምስ ረኣየኒ ደሓን ይእቶ መሪሑ ኣምጺኡኒ፡” በለ ብኢዱ ኣብ ፊቱ ተቐሚጡ ናብ ዝነበረ መራሕ ዋህዮኣ እናኣመልከተ።
መራሕ ዋህዮኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሳንጣ ሒዙ ኰለል ክብል ምስ ረኣኹዎ ጋሻ ምዃኑ ፈሊጠዮ። መስኪናይ ጸሓይ እናዘበጠቶ ነዛ ቲራቮሎ ብምልእታ እዩ ኰሊሉዋ፡” በለ ዘረባ ንኸጠዓዕም።
ሰመረ፡ ንፍረወይኒ ክጥምት ጸኒሑ ኢዱ ኣብ ጁባኡ ብምእታው፡ “እንኪ ፓስተ ወይ ገለ ነገር ዓድጊ፡” ኢሉ ቅርሺ ኣውጺኡ ሃባ። ምስ መለስ ተመራሪሖም ከኣ ንድኳን ጐየዩ። ሰመረ ክልተ ሳዕ፡ “ሑእ ሑእ፡” ኢሉ ድሕሪ ምስዓል፡ ናይ ኣዝማ መድሃኒት እትነጽግ መሳርሒቱ ብምውጻእ ኣብ ኣፉ ኣቕሪቡ ንማለቱ ክልተ ሰለስተ ግዜ ፊፍ ኣቢሉ ተጠቕመላ።
ሮዛ፡ ጀበና ክተገናፍል ጸኒሓ፡ “እዋይ ሓወይ! ቀቲላትካ’ንድያ። ኣዝማ ዝብሉዋስ ክንደይ ኮን ትሓስም! ኣይ ጨው’ንዲያ ኣፍርያትካ፡” በለቶ።
ኣብ ኣዲስኣበባ’ሞ ኸኣ ካን ሞይተ እየ ነይረ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ ከም ዝብሃል ግን ድሕሪ ክንደይ ሓደ ንፉዕ ሓኪም ደሮናን ጭቃን የሕመኒ ከም ዘሎ ተረዲኡዎ። ሓቁ’ዩ ኸኣ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ገዛውትና ከም ገለ ዶሮና ወይ ጭቃ እንተ ገይሩ ፈፈው’ያ ተብለኒ ነይራ። ከም መፍትሒ ኸኣ ኣስመራ ክኸይድ ሓቢሩኒ። ሕጂ’ኮ ናይዚ ክራማት ግዲ ኾይኑ፡ ኣስመራ ድማ ከም ኣዲስኣበባ ጭቃ ስለ ዘይብሉ ዳርጋ ሕሙም ኣይበሃልን’የ። ተማሒረ ኢኺ ትርእይኒ ዘለኺ።”
“ዓዲ ጥዕናኻ ይግበረልካ፡ ጥዕና’ዩ ልዕሊ ዅሉ።”
ኣወል ቡን ተቐዲሓ ምስ ተሰትየት መራሕ ዋህዮኣ፡ “በሉ ኣነ ክገድፈኩም ሕጅስ። ደሓን ወዓሉ፡” ኢሉ ተፋነዎም። ቡን ክሳዓ ትለዓል ንሳ ባዕላ ዝፈጠረቶ ናይ ኣስመራ ንሱ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዘቕረቦ ናይ ኣዲስኣበባ ዕላሎም ወድኡ። ብድሕሪኡ ሳንጣኡ ኣልዒላ መሪሓቶ ኣብታ ዘዳለወትሉ ክፍሊ ኣተወት። ሓንቲ ምጥንቲ ዓራት፡ ከብሒ፡ ጠረጴዛ ምስ ኵርሳ ዝሓዘት ክፍሊ እያ ነይራ።
ሰመረ ብሓቂ ከምኡ ኣይተጸበየን። ንሰሙን ዝኣክል ምስ ከባቢኡ ድሕሪ ምልላይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ሓደ ጋራጅ ከም ናይ ኤለክትሪክ ክኢላ ስለ ዝተቘጽረ ንግሆ ወፊሩ ምሸት ክኣቱ ጀመረ። ንሮዛ ጠባያ ከጽንዓ’ውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ብኸምዚ በብቝሩብ መዓልታዊ ንስራሕ ዘድልዮ ነገራት ሒዙ ብምምጻእ ነታ ኣንደር ግራውንድ ገዛ ንስራሕ ድልውቲ ገበራ። ኣይደንጐየን ኣብቲ ከባቢ ከም ክኢላ ክፍለጥ ስለ ዝጀመረ፡ ኩላቶም ጐረባብቲ ንቐሊል ኤለትሪካዊ ይኹን ናይ ቴፕ ወይ ሬድዮ ብልሽታት ንሰመረ ምጽዋዕ ስራሕና ኢሎም ተተሓሓዙዎ። ንሱ’ውን ተመቕሊሉ እናቐረበ ነቲ ወርቃዊ ዕድል ጽቡቕ ገይሩ ተጠቕመሉ። እዚ ምስቲ ሰንበት ሰንበት ካብ ቤተክርስትያን ዘይፍለ ምዃኑ ተደሚሩዎ፡ ብምሉኡ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ከም ሓደ ብዙሕ ጥዕና ዘይብሉ ሰብ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ብሩኽን ወዲዝጊሄርን ፈለጦ። እዚ ድማ ኣብ ምስጢራዊ ስራሓቱ ጽቡቕ ጉልባብ ፈጠረሉ። ልዕሊ ኹሉ ግን መለስ ኣዝዩ ፈተዎ። ፍረወይኒ እንተኾነት’ውን ካብ ስድነታን ቀልባዕባዓን ምሉእ ብምሉእ ተኣሪማ’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ንሱ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዛ ክትጐርሕን ሜላ ክትጥቀምን ስለ ዝጀመረት ንወላዲታ ብዙሕ ለውጢ ዝገበረት ኮይና ተሰምዓታ። ብመጠኑ ድማ ቀሰነት።
ካብዚ ዝተበገሰ፡ ሮዛ ካብ ውድባዊ ዕማሙ ንላዕሊ ኣብ ማሕበራዊ ህይወታ ዝያዳ ትጥቀመሉ ዘላ ኾይኑ ይርድኣ ነበረ። ኣብ መንጎኦም ናይ ሓውን ሓውትን ፍቕርን ሓልዮትን ማዕበለ። ብፍላይ ሰመረ፡ ብንጽህናኣን ግርህነታን ኣዝዩ ፈትዩዋ። ሮዛ’ውን ጎር ዝኾና ሰብ ረኺባ ካብ ጽምዋን ተነጽሎን ተገላገለት። ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ሮዛን ሰመረን ንርኣዪኦም ጓኖት ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝፋለጡን ኣመና ዝፋተዉን ኣሕዋት ይመስሉ ነበሩ።
ይቕጽል
Chapter 14
መበል 107 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ
* * *