ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 105 ክፋል
ኣብ መጋቢት ሰማንያን ሸሞንተን፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ብስም ናደው እዝ ዝፍለጥ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ ውሽጢ ኣርባዓን ሸሞንተን ሰዓታት ብምድምሳስ ንከተማ ኣፍዓበት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእተዋ። ስርዓት ደርግ፡ እቲ ዝምክሓሉ ዝነበረ ምሩጽ ሰራዊቱ ተደምሲሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ግንባር ከበድቲ ስትራተጂያዊ ኣጽዋር ብምውናን ንወተሃደራዊ ሚዛን ናብ ረብሓኡ ስለ ዝቐየሮ፡ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጸገም ኣትዩ። ከም ሳዕቤን ድማ እቲ ‘ሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክዕወት ኣይክእልን’ዩ’ ዝብል ናይ ገለ ወገናት ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ ፈሺሉ ተሪፉ። ሰራዊት ደርግ ብሰንክ’ቲ ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ምዝንባል ሰንከልከል ብምባል፡ ንዝተረፈ ከተማታት ንምዕቃብ መታን ክጥዕሞ ኣብ ምዕራባዊ ቈላ ዝነበረ ሰራዊቱ ብምሉኡ ሓግሒጉ ናብ ከረንን ከባቢኣን ስለ ዝኣከቦ፡ ከተማታት ባረንቱን ኣቑርደትን ሓዊስካ መላእ ባርካ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ህዝባዊ ግንባር ኣትዩ።
ምድምሳስ ናደው እዝን ምምራኽ ሰለስተ ሶቬታውያን ኣማኸርትን፡ ንፖለቲካዊ ሚዛን ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓለም ብእወታ ኣብ ምጽላው ዓቢ ተራ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸላኢ ነፍዓበት ንምሓዝ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ፈቲኑ ምስ ፈሸለ ከይፈተወ መኣዲ ዘተ ሰላም ክቕበል ተገዲዱ። እዚ ድማ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኣፍደገ ናጽነት ዘሰጋገረ ዓቢ ስጕምቲ ነይሩ። ሮዛ፡ ነቲ ዜና ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ሰምዓቶ ብሓጐስ ተፈንጨሐት። ኣብ ደምበ ጸላኢ ብዓይና ዝርኣየቶ ተስፋ ምቝራጽ ከኣ ንፍናና ሰማይ ኣዕረጐ። ኣብ ናይ ኣጋ ምሸት ዝነበረ ግዜ ንደቃ ምቁር ሕብስቲ ዓዲጋትሎም። ንሳ ከይኣክል ተረፍ ታሕጓሳ ምስ ሓንቲ ሰይቲ ተጋዳሊት መሓዛኣ ቡን ኣፍሊሓ ክሳዕ ለይቲ ወጃዕ ክትብል ሓዲራ።
ሮዛ ኵሉ ነገር ረሲዓቶ ርጉእ ህይወት ተሕልፍ’ኳ እንተ ነበረት፡ ፍረወይኒ ጓላ ግን ድሮ ጐቢዛ ሕማም መርዘን ኮነታ። ብሰሪ ስራሓ ክተርክበላ ስለ ዘይከኣለት ዙረትን ምዅብላልን ስርሐይ ኢላ ተተሓሓዘቶ። መውዓሊኣ ፈቐዶ ፓርትታትን ላተርያን ኮነ። ከም ውጽኢት ድማ ኣብ ትምህርቲ ኣዝያ ስለ ዝደኸመት፡ ሮዛ ብርእሰ መምህራን ናብ ቤትትምህርቲ ተጸውዐት። ኵነታት ጓላ ምስ ተገልጸላ ብጓሂ ሓረረት። ሽዑ እንተ ትረኽባ ንሕስያ ኣይምገደፈትላን ነይራ። ኣጋ ምሸት ገዛ ምስ ኣተወት ሓዊ ኣትዩወን ክረዳድኣ ኣይከኣላን። ሮዛ ብመልሳ ሓሪቓ ክትሃርማ ወስ እንተ በለት፡ ክንዲ ኣደኣ ዝኣኸለት ፍረወይኒ ከይሓፈረት በእዳዋ ሓዘታ።
ሮዛ ኣብ ዝነበረቶ ፈዚዛ ደው በለት። ጓላ ድሮ ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ከም ዝኾነት ሽዑ ብንጹር ተግህደላ። ክትገብሮ ትኽእል ነገር ስለ ዘይነበራ ግን ቀስ ኢላ ክተረድኣን፡ ብውሑዱ መዓልታዊ ንገለ ደቓይቕ ማህደራ እናፈተሸት ክትከታተላን ኣብ ዝጽግማ ዓይነት ትምህርቲ ክትሐግዛን ብምውሳን ኮፍ ኣቢላ፡ “ስምዒ’ስኪ ፍሬታ ጓለይ፡ እንታይ’ዩ ሽግርኪ? ህድእ ኢልና’ስኪ ንረዳዳእ። ቀዳማይ ትወጽኢ ዝነበርኪ ዓሚ ብሰንከልከል ሓሊፍኪ። እዚ ናይ ሎሚ ዝረኣኹዎ ነጥብታትኪ ድማ ሎምዘበን ከይትተርፊ ዘስግእ’ዩ። አረ እንታይ’ዩ ረኺቡኪ? ዘድለየኪ ዘበለ ኳደርኖታት ይኹን መጻሕፍቲ እዕድ ገልኪ’ለኹ፡ ትበልዒ ትሰትዪ’ለኺ፡” በለታ።
“እንታይ ዘይገበርኩ ማማ? እቲ ናይ ቍጽሪ መምህርና ኩላቶም ተመሃሮ ይፈልጡዎ’ዮም፡ ጽቡቕ ስለ ዘይምህረና ኩላትና ኢና ንጸልኦ። ናይ እንግሊሽ ኸኣ ጽቡቕ ይምህር ከሎ መርመራኡ ብርቱዕ’ዩ። ደሓር ከኣ ኣብ መርመራ ወላ ጽቡቕ እንተ ሰራሕካ ናይ ስፐሊን፡ ግራመር፡ ገለ መለ እናበለ ነጥብታት ኣጕዲሉ የትርፈካ፡” ብምባል እናቝረምረመት መለሰትላ።
“እሞ ደሓን’ዛ ጓለይ፡ ንስኺ ኵሉ ግዜ ዕዮ ገዛ ከይሰራሕኪ ንትምህርቲ ኣይትኺዲ ሓደራኺ። ኣነ ድማ ዘይተረድኣኪ ነገራት እንተ’ሎ ክሕግዘኪ እየ። በጃኺ ኣይተጕህይኒ፡ ካልአይ ይኣኽለኒ። ሕጂ እዛ ካልኣይቲ መርመራ ቀሪባ’ላ፡ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺእኪ እንተ ሓሊፍኪ ዝመረጽክዮ ዓይነት ክዳን ክዕድገልኪ’የ።”
ኣብ ጥቓአን ኮፍ ኢሉ፡ ሓንሳብ ናብ ኣዲኡ ሓንሳብ ናብ ሓውቱ እናጠመተ ክሰምዐን ዝጸንሐ መለስ ሓውቱ ከይመለሰት ከላ፡ “ኣነ እንተ ሓሊፈኸ ሓዲሽ ክዳን ትዕድግለይ ዲኺ ማማ?” ክብል ሓተታ።
“ይዕድገልኪ’ወ ኣንቲ መዓር ወደይ፡” ኢላ ሰዓመቶ።
ሮዛን ፍረወይንን ሰይጣን ኣይስማዕ ንኽልተ ቕነ ደሓን ተመሳጊነን ቀነያ።ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ከም ብሓድሽ ሓዊን ሓሰርን ኮና። ዓርቢ ምሸት’ዩ ነይሩ። ኣብ ሳሎን ፈተፊት ኮፍ ኢለን ጸኒሐን፡ “እስኪ ቦርሳኺ ኣምጽእዮ ፍሬታ፡” በለታ ሮዛ።
ማህደራ ተሰኪማ ብምምጻእ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ምስ ኣቐመጠቶ፡ ሮዛ በብሓደ ጥራውዝቲ እናገንጸለት ክትርኢ ጀመረት። ኣብ ኵሉ ከይበጽሐት ከላ ካብ ሓንቲ ጥራዝ ካርቶሊና ወደቐት። ፍረወይኒ መጋብራ ፈሊጣ ብእግራ ክትስሕባ ፈተነት። ሮዛ፡ መጀመርያ ብዙሕ ኣይተገደሰትላን። ናይ ፍረወይኒ ምምጥጣር ንኣቓልቦኣ ስለ ዝሰሓቦ ግን ነታ ኣብ እግራ ዝወደቐት ካርቶሊና ኣልዒላ ርኣየታ። ነቲ ልሙድ ናይ ከተማ ኣስመራ ስእሊ ተዓዚባ ብዙሕ ከይተገደሰት ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ክትድርብያ ወስ በለት’ሞ ገምራዊ ስምዒታ ደፊኡዋ ገልቢጣ ረኣየታ።
Freta, I love you! Do you love me?
First kiss me. True love is never die.
From your lover Johnny.
ዝብል፡ ናይ ሰዋስዉ ጌጋ ዘለዎ ግን ብውሕልነት ዝተወቀጠ ጽሑፍ ኣንበበት። ቅድሚ ሳልስቲ ካብ ዮውሃንስ ዝተባህለ ተመሃራይ ዝተጻሕፈ ምዃኑ ክትርድኦ ዝኸኣለት ሮዛ ብሕርቃን ተቓጸለት። ኣዒንታ ደም ሰሪበን ከም ስርዓት ነደረት። ብዘይልባ ካብ ዝነበረቶ ተሲኣ ንፍረወይኒ ናይ ሓይሊቦኣ ክትድግድጋ ጀመረት። ኢዳ እንተ ዘየሕምማ ሃሪማ ኣይምጸገበታን ነይራ። ፍረወይኒ ግን ቅጭጭ’ኳ ኣይበላን። ኣብ ቅድሚኣ ተገቲራ ደው ብምባል ተሰጒዲማ ጠመተታ።
“እንታዋይ’ዩ እዚ ጆን? ኣንቲ ቡታና፡ ስዲ ጓል ሰበይቲ!” ብምባል ትፈልጦ ዘበለት ጸርፊ ኣዝነበትላ።
ዘረባ ኣደኣ መሊሱ ዘናቐጻ ፍረወይኒ ግን ሓንሳብ ናብ ምድሪቤት ሓንሳብ ናብ ሮዛ እናጠመተት፡ “ሓደ ወዲ ክላስና’ዩ። ኣነ ከይረኣኹዎ’ዩ ቦርሳይ ከፊቱ ኣብ ጥራዘይ ኣእትዩዎ፡” ክትብል ኣመኽነየት።
“ኣንታ ኣምላኽ፡ እንታይ ኮን’የ በዲለካ? እንታይ መርገም ኮን’ዩ ነይሩኒ ኣነስ? በዛ ስዲ’ዚኣ ክዋረድ ክነብር!” ኢላ ርእሳ ኣብ ክልተ ኢዳ ርእሳ ኣመርኵሳ ኣብ ሶፋ ኮፍ በለት። ንስድራኡ መታን ክተሰምዕ ድማ፡ “ወዲ መን’ዩኸ? ገዝኡ ትፈልጥዮ ዲኺ?” ክትብል ሓተተታ።
ፍረወይኒ ግን እንዳ ጆን መውዓሊኣ’ኳ እንተ ነበረ ብኣሉታ መለሰትላ። ንገለ ካልኢታት እታ ሳሎን ከቢድ ህድኣት ሰፈና። መለስ ናብ ዝምቀሎ ጠፊኡዎ ውሪሕሪሕ እናበለ ንኽልቲአን ይጥምት ነበረ። ብውሽጡ ነገር ሃዲኡ ሰላም ክወርድ ተመነየ። ሮዛ ኣብ እግራ ወዲቑ ንዝነበረ ማህደር ፍረወይኒ ብእግራ ድሕሪ ምርጋሕ፡ “ጽንሒ ደሓን! ናይ ሾርሞጥሞጥኪ ከርእየኪ’የ ኣንቲ ስዲ! ንስኺ እንታይ ጌርኪ ኣነ’የ ግግይቲ። ኣቦስቶ እንተ ዘየእቲወኪ ድማ ጓልመዓሾ ኣይኮንኩን!” ኢላ ፈከረትላ። ንሰራሕተኛኣ “ጽርሃ፡” ኢላ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ “ድሕሪ ሕጂ ኣነ ኣብ ስራሕ ከለኹ ተንከስ ኢላ ካብ ገዛ እንተ ወጺኣ ንስራሕ ቴለፎን ደዊልኪ ትነግርኒ። ተጠንቀቒ! ደዊለ እንተ ስኢነያ ወይልኺ! መፍትሕ ቴለፎን ከኣ ምሳኺ ትሕዝዮ። ብደገ እንተ ተደዊሉ ድማ ባዕልኺ ትቕበልዮ። ነጊረኪ’ለኹ፡ ይትረፍ ካብ ገዛ፡ ካብዛ ካንሸሎ ስድሪ እንተ ወጺኣ ንዓኺ’የ ዝተሓሓዘኪ። ሰሚዕክኒዶ?” በለታ ጐረሮኣ ክጭደድ ክሳዕ ዝደሊ ድምጻ ክብ ኣቢላ። ጽርሃ ብእወታ ርእሳ ድሕሪ ምንቕናቕ፡ ገጻ ገልቢጣ ንኽሽነ ተመልሰት። መለስ፡ ኵነታት ናይቲ ነገር ናብ ዘይተጸበዮ ኣንፈት ከምርሐ ምስ ረኣዮ፡ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ነደኡ ኣንቃዕሪሩ ይጥምታ ነበረ። “መለስ ወደይ ከኣ እዛ ዕብዲ ሓውትኻ ኣብ ገዛ ገዲፋትካ እንተ ኸይዳ ንገረኒ ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ ኵዕሶ ክገዝኣልካ’የ። ሕራይዶ?” በለቶ።
ናይ ቈልዓ ነገር ኮይኑ፡ ኵዕሶ ትብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ኵዕሶ ምቕላዕ ስለ ዝተራእዮ ገጹ በሪሁ፡ “ሕራይ፡” ክብል ብታህዋኽ መለሰላ። ፍረወይኒ ክትቅየሞ ምዃና ዘኪሩ ግን ሽዑሽዑ ተጣዒሱ ርእሱ ኣድነነ።
ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ፍረወይንን ጆንን ኣብ ኣፍደገ ቤትትምህርቲ ምስ ተራኸቡ፡ “ቀዳም ደኣ ኣበይ ጠፊእኪ ፍሬታ? ክጽበየኪ’ንድየ ውዒለ። ኢንጆይ ከይንብል ኬፍና ክርትም ኣቢልክልና ፍሬታ፡” በላ ነቲ ጆንትራ ዝተቐምቀመ ጸጒሩ በጻብዕቱ ንቕድሚት እናወጠጠ።
“ተረኪሰ’ንድየ ጆኒ ሓወይ። ሱቕ’ባ በል! እታ ዓርቢ ዝሃብካኒ ካርቶሊና ማማ ከም ገለ ክትብል ረኺባታ ሃርድ’ንድያ ገይራትለይ፡” በለቶ መልጐም ናይ ካምቻኡ በጻብዕታ እናተናኸፈት።
“እሞ እንታይ ኢላትኪ?”
“ጆን መን’ዩ? ኣበይከ ገዝኡ? ገለ መለ ኢላ ሃላክ ገይራትለይ። ኣነ ግን ዓጢጡኒ! እዝኒ ኣይገበርኩላን፡” ብምባል ዘጋጠማ ሽግር ገለጸትሉ።
“ናይ’ዘን ዓጃውዝ ነገር’ኮ ግርም’ዩ ዝብለኒ! ኣባውት ላቭ ገለ ሰለ ዘይትፈልጥ ድያ ሃላክ ገይራትልኪ? እዋይ ኣምነ ፍሊጶስ! ማማኺ ማዕረ ክንድ’ዚ ፋራ ዘይትመስለኒ ነይራ። ደሓን ግን ዘይትግጥሞ ሽጣራ ተጠቒምና ተማም ጌርና ክነሽክዓ ኢና፡” ድሕሪ ምባል ብኢዳ ሒዙዋ ናብ ጸግዒ መንደቕ እናሰጐመ፡ “ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ከምታ ሓደ ግዜ ኣብ ጭርሒ ጌርናያ ዝነበርና ፖርቲ ክንገብር ኣና። ኵሉ ዲስኮታት ካብ ቤትሙዚቃ ዙላ ኢና ክንካረዮ። ናይ በዓል ጆርጅ ማይክል፡ ማዶናን ማይክል ጃክሰንን ደርፍታት ድማ ንኻልእ ሰብ ከይህበልና ነጊርናዮ’ለና፡” ኢሉ ኣስማት ናይ ትፈትዎም ደረፍቲ ብምጥቃስ ከም ትህንጠ ገበራ።
“ከም ናይ ብቐዳማይ ክላስ ክንቀጽዕ ኢና’ሞ?”
“ንሕምቶዶ ሕቶ! እንታይ ዝኸውን ክላስ፡ ዝበዝሑ ደቂ ክላስና’ኮ ኣብቲ ፓርቲ’ለዉ። ምናልባሽ ሓደ ክልተ ፋራታት ይመጽኡ ይኾኑ፡” በላ እናሰሓቐ። ብኸምዚ ፍረወይኒ ካብ ትምህርቲ እናብኰረት ምስ ኣዕሩኽታን መሓዙታን ምዕንዳር ስለ ዝቐጸለት ኵነታታ እናበኣሰ ከደ።
ካልኣይ መርመራ ሰሙናት’ኳ እንተ ተረፎ፡ ዕላል ጆንን ኣዕሩኽቱን ግን ብዛዕባ’ታ ኣብ ሲነማ ኦድዮን ትርአ ዝነበረት፡ “ላቭ ኢን ጐ፡” ትብል ፊልም ህንዲ ጥራይ ነበረ። ጆን ብወረ ዝሰምዖ ታሪኽ ናይታ ፊልም ንፍረወይኒ ምስ ገለጸላ፡ ብዘይ ሰጋእመጋእ ትምህርቲ በዅራ ፊልም ክትኣቱ ወሰነት። ገና ቲኬት ምቝራጽ ከይተጀመረ፡ ከባቢ ኦድዮን ብዝሒ ብዘለዎም ተመሃሮ ኣዕለቕሊቑ ክርአ ከሎ፡ ፍረወይኒ ምስ ጆን ፊልም ክሳዕ ዝጅመር፡ ኣብ ላተርያ ራንዴቩ ከዕልሉ ጸንሑ። ሰዓት ምስ ኣኸለ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንሲነማ ኦድዮን ኣምርሑ። ዝበዝሓ ክፍልታት ቤትትምህርቲ ዘርኣይ ደረስ (ቤትትምህርቲ ኢብራሂም ሱልጣን) ዳርጋ ጥራየን ተረፋ። ኣመል ተመሃሮኡ ዝፈለጠ ርእሰመምህራን ድማ ናብታ ናብ መናሃርያ ተመሃሮ ዝተቐየረት ሲነማ ኦድዮን ገስገሰ።
ርእሰመምህራን ኣብ ቤትሲነማ ኦድዮን ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ መንጎ ፊልም መብራህቲ ክጠፍኣሉ ብምሕታት፡ ንዝበዝሑ ተመሃሮ ብመለለዪ ክዳኖም፡ ንዝተረፉ ብመልክዖም ፈልዩ፡ ፍረወይንን ጆንን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሰብዓ ዝኾኑ ተመሃሮ መመዚዙ ኣውጽኦም። በብሓደ ኣስማቶም መዝጊቡ ድማ ሰስድራኦም ከም ዝጽውዑ ገበሮም። ፍረወይኒ ኣይዓጀባን ናብቲ ቀረባ ዝነበረ ስራሕ ኣደኣ ከይዳ ኣብ ቤትትምህርቲ ትድለ ከም ዘላ ሓበረታ።
ሮዛ ናይ ደሓን ክገብረላ እናተመነየት ኣብ ቤትትምህርቲ በጽሐት። ቀዳመይቲ ዝተረኽበት ወላዲት’ያ ነይራ። ንዘብዐኛ መምጽኢኣ ምስ ገለጸትሎም ኣብ ቤትጽሕፈት ርእሰ መምህራን ኣተወት። ኣብ ቅድሚ ጓላ፡ ሓላፍነት ወለዲ ኣሕጽር ኣቢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጓላ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ቕነ ሓሙሽተ መዓልቲ ከም ዘብኰረት፡ ክንድ’ዚ ዝኣክል ብኵራት ከኣ ብፍቓድ ወይ ብቁምነገር ዘይኮነ፡ ከምኣ ምስ ዝኣመሰሉ ኣተዓባብያ ዝበደሎም መንእሰያት ኣብ ፈቐዶ ሲነማ፡ መሓንበሲ፡ ጭርሒ ክትዕንድር ዘሕለፈቶ ከም ዝኾነ፡ እቲ ዝገደደ ኸኣ መርመራ ሰሙን ተሪፉዎ ክነሱ ካብ ክፍሊ ምብኳራ ክትትል ወለዲ ጐዲሉዋ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ነገር’ዩ፡” ድሕሪ ምባል ናይ መጠረሽታ መጠንቀቕታ ይወሃባ ከም ዘሎን ካብኡ ተረፈ ግን ክትስጐግ ምዃና ብምሕባር ኣጠንቀቓ።
ሮዛ፡ ንዘረባ ርእሰመምህራን ርእሳ እናነቕነቐት’ያ ሰሚዓቶ። እቲ ነገር ክትጻወሮ ካብ ትኽእል ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ክተመኽንዮ ትኽእል ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ኣሕጽር ኣቢላ ሽግራ ድሕሪ ምግላጽ ኣመስጊና ወጽአት። ካብ ክሊ ቤትትምህርቲ ቍሩብ ምስ ረሓቐት ብሕርቃን ገንፊላ ንፍረወይኒ ኣብ ማእከል ጽርግያ ክትስሃላ ድንዕ በለት። ብዝከኣላ መጠን ሕርቃና ተጻዊራ ግን “ትኽ ኢልኪ ገዛ ኪዲ’ሞ ኣንቲ ሲዲ፡ ምሸት ክንርአአ ኢና። ንዓኺ እንተ ዘይኮይነ ሮዛ ኣይኮንኩን!’ ኢላ ፈኪራትላ መንገዳ ብምቕጻል ኣብ ስራሓ በጽሐት።
ኣብ ስራሕ ብምሉእ ኣእምሮኣ ክትሰርሕ ኣይከኣለትን። ኵሉ ሓሳባታ ናብ ኵነታት ጓላ ዘቢሉ ነበረ። ብኸመይ ክተዕርያን ክትእርማን ከም ዘለዋ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክተውርድን ክተደይብን ሓያል ግዜ ወሰደት። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኣዲስኣበባ ከላ ዝነበራ ጐረቤታ፡ ንጓለን ለይትን መዓልትን ክቋየቛኣን ከሃርማኣን ከለዋ ዘከረት። “መስኪነይቲ ትም ኢለን ይደኽማ’ለዋ፡ ቈልዓ ብመውቃዕቲ ወይ ብቈየቛ ኣይዕረን’ዩ። እንታይ ደኣ ነቲ ጌጋን ነቲ ቅኑዕን ብቐስታን ልስሉስ ኣዘራርባን እናኣረዳእካን፡ ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዝሓድሮ እናገበርካን’ዩ፡” ዝብል ዘረባ ሰለሙን ኣብ ሓንጐላ ክድውል ጀመረ። ንጓላ ከም ዝበደለታ ተረድኣ። ብፍላይ ድሕሪ ሞት ወ/ሮ ገብርኤላ ምሉእ ኣድህቦኣ ናብ ጕዳይ ኣብርሃም፡ ድሒራ ኸኣ ናብ ኤልሳ ብምግባር ፈጺማ ከም ዝረስዓታ። ሓንሳብ ካብ መስመር ምስ ወጽአት ከኣ ከም ዘይተመልሰት ገምገመት። ከም መፍትሒ ድማ ብህድኣት ክትኣልያን ናብ ቅኑዕ መስመር ክትመልሳን መረጸት። ፈተነኣ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወተን።
ካብ ስራሕ ምስ ኣተወት ብዝግታ ምስ ጓላ ክትላዘብ ጀመረት። ፍረወይኒ ግን ኣብ ዘይትምለሰሉ ደረጃ በጺሓ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ክንዲ ‘ማማ ተጋግየ፡ ኣይደግምን’የ’ ምባል “ሽዑ ሓንቲ ናይ ቍጽሪ ፐርየድ ጥራይ’ያ ነይራትና። እቲ ናይ ቍጽሪ መምህር ከኣ ዋላ ሓንቲ ኣይምህረናን’ዩ። እቲ ዝተረፈ ፐርየዳት ድማ ስፖርትን ፍሪ ፐርየድን’ዩ ነይሩ። እቲ ዳይረክተር ከኣ ሰብ ንፉዕ መታን ክብሎ ‘በዚ ኣቲኹም በቲ ወጺእኩም እናበለ፡” ኢላ ብትዕቢትን ሸለልትነትን መለሰትላ።
ሮዛ ተስፋ ከይቈረጸት፡ “እሞ ፍሬታ ጓለይ፡ ደወል ምስ ተደወለ ዝኾነ ተመሃራይ ኣብ ክፍሉ ክኣቱ ስለ ዘለዎ፡ ንስኺ ድማ ኣብ ክንዲ ንቺነማ ትኸዲ ኣብ ክፍልኺ ኮፍ ክትብሊ ይግባኣኪ ነይሩ። ከምኡ ዓይነት ተግባር ከይትደግሚ ክትጥንቀቒ ኣለኪ፡” ብምባል ጌጋኣ ክተረድኣ ፈተነት።
ዘረባኣ ግን ነታ ብስድነት ዝተባዕዐት ፍረወይኒ መሻደኒኣ ኮነ። “ክንደይ መዓልቲ ቪደዮ ዴክ ዓድግልና ኢልናኪ ኣቢኽስ፡ ሕጂ ስቕ ኢልኪ ቺነማ ከይትኣትዊ ገለ መለ እናበልኪ ትርብሽና’ለኺ። ዴክ ምዕዳግ’ስኪ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ትውድእ ኮይና እያ?” ክትብል መለሰትላ።
ሮዛ ዓቕላ ተጸንቂቑ፡ “ብዘይ ቪድዮ ተጸሊለ’ለኹ መዓረይ! ቪድዮ ዴክ ከኣ ኢልኪ? ካልአይ ይኣኽለኒ ስቶማኮይ ኣይተሕርርኒ። ሰጥ ኢልኪ ትመሃሪ እንተዄንኪ ተመሃሪ፡ ካብኡ ተረፈ እንታይ ከም ዝገብረኪ ክትርእይኒ ኢኺ። ኢምበቺለ!’ ብምባል ክተፋራርሓ ፈተነት። እታ ናይ ገዛእ ርእሳ ዓለም ፈጢራ ዝነበረት ፍረወይኒ ግን ብዙሕ ኣይዓጀባን። ሮዛ ብጓላ ስለ ዘይቀሰነት መርመራ ተጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ብጥብቂ ክትከታተላ ብምቕናይ ዳርጋ ናብ እስርቲ ቀየረታ። ብዝኾነ ትምህርቲ ክዕጾ ከሎ፡ እንተ ቐዲሓ፡ እንተ ናይ ዕድል ጕዳይ ኮይኑ ናብ ዓስራይ ክፍሊ ሓሊፋ። እዚ ንሮዛ ዓቢ ሩፍታ ነይሩ።
ይቕጽል
መበል 106 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት