ካብ ዕንኳር ናብ ምካኽ
ካብ ምካኽ ናብ ትካኽ
ትብለል……ትብለል
ብዘይመደያይቦ ሰማያት ትሕዘል
ናበይ ገጽካ ክተብል እንድዒ!
ትርኢትካ ይኽወል።
ካብ ርቀት ናብ ርቀት
ኩሉ እናወረደ ዘይዓጠካ ስሕበት
ኮኮብ ድዩ ዘቕነኣካ ደበና
ርግቢት ድያ ተቕነኣካ ሽላ
ሰማየ-ሰማይ ትብል ዘይከማና።
ዘይትማልኣና ግዳ ነዞም ዝዓንኮርና
ከም ኣብ ጽኑዕ መሰረት ዝተነብረ እምኒ
ሓንሳብ ኮፍ ምስ በልና ብኾፍና ነዕነኒ፡
ዘይትማልኣና ግዳ
ነቶም ዝመስለና ጥራይ ሽታ
ህዋሳት ቀቲልና እንሓስብ በፍንጫ
እነሀናልካ ሰቲ ነስኒስና
ካብኡ ዘይንሓይሽ ኣብ ባይታ ረም ኢልና።
ግርማይ ኣብርሃም