ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ኣብ ቀጽሪ እቲ ግሩም ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና፣ ኣብ ዝርከብ ምልክታን ሓበሬታን ዝልጠፈሉ ሰሌዳታት ዘይግሩም ሓበሬታ’ዩ ዝጸንሓካ። ‘ኩልኽን ደቂንስትዮ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፣ መንዲል ንጽህና- ሞዴስ ማለት’ዩ መጺኡ ስለዘሎ፣ መጺእክን ካብ ኩስቶ (ስማ ኣይጠቕሶን’የ) ውሰዳ ዝብል’ዩ እቲ ምልክታ። እዛ ኩስቶ ኢለ ስማ ዘይጠቕስክዋ ሓንቲ ካብ ዘኽብረን መሳርሕተይ ነበር ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ገዲም ተጋዳሊት’ያ። እንተኾነ ጽግያታ ዘይንጸፈት ግዲ ኮይና፣ ኣብዚ ናይ ምዕዳልን ምክፍፋልን መንዲል ንጽህና ብንጥፈት ካብ ዝዋሳኣ’ያ። ሊቃውንቲ ሳሕል ካብ’ቲ እልቢ ዘይብሉ ኣበራቶም ሓደ፣ ዋላ’ውን ነቲ ናይ ቀንጠመንጢ ንጥፈታት፣ ብሊቃውንቲ ሳሕል ጥራይ ክምራሕ ዝደልይዎ ምዃኖም’ዩ። እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ነዛ ነባር ተጋዳሊት’ውን እዚ ናይ መንዲል ንጽህና ሓላፍነት ዝተዋህባ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝነበራ ደቂንስትዮ፣ ሃየ! ነዚ ሓላፍነት ኣብርእያ እንተዝብሃላሲ ካብ ሕፍረት ዝነቐለ ዝርከብኣ’ውን ኣይመስለንን። ንሳ ግና ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ስለዝኾነት ሕፍረትን ፍርሒን ስዒራቶም’ያ።
ኣርባዕተ ዝኾና ካልኦት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር’ውን፣ መንግስቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ወግዓዊ ሓላፍነት እኳ እንተዘይሃበን፣ ባዕላተን ዝለበስኦ ሓላፍነትሲ ኣይተሳእነን። ሓንቲ ካብኣተን፣ በየን ከምዝመጸ እዝግሄር ዋንኣ፣ ሙታንቲን ረጂ ቤቶን ብብዝሒ ክትሸይጥ’ያ ትርአ። ሳሕቲ’ውን በናጅር፣ ናይ እዝን ኢድን ካትም፣ ኣዝማልቶ..ወዘተ ዝኣመሰለ መጋየጺታት ኣይሳኣናን’ዩ። ኣነ እኳ ሓደ እዋን፣ ከንፈረይ እናነቐጸ ስለዘሸገረኒ፣ ናይ ደቂንስትዮ ይኹን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብዘየገድስ፣ ቻፒስቲክ ዓዲገላ ኔረ’የ። እቲ ብዝያዳ እትሸጦ ግና ሙታንቲን ረጂቤቶ ማለት መትሓዝ ጡብን’ዩ። ንሳ’ውን ከምቲ ናይ ሞዴስ፣ ወርሒ መጸ፣ ሙታንታን ረጂቤቶን ሒዛ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ማሃያ ዝወሃበሉ ክፍሊ’ያ ደው ትብል። መንግስቲ ዝኣክል ነጋዶ ደው ኣቢሉ ኣብ ዱኳናት ሕድሪ ናቱ ንግዲ ካብ ጀመረ፣ ከመይ ደኣ እዛ ገዲም ተጋዳሊት ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ናታ ንግዲ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ዘይትኸፍት። ጸገማት ህዝቢ ኣብ ምቅላል እጃማ’ያ ተበርክት ዘላ።
ክበቡ ገዳ፣ ፍቱው ኢትዮጵያዊ ኮሜድያን’ዩ። ኣብ ሓደ ካብ ኮሜዲታቱ፣ መትሓዚ ጡብ ግዝኣለይ ኢላ ተኸኽ ንዘበለቶ በዓልቲ ቤቱ፣ ንመግዝኢ ረጂቤቶ 100 ቅርሺ ካብ ዘውጽእ፣ ዓመት ምሉእ ንጡባ ባዕሉ ክድግፈላ ዝወላወል ገጸ ባህሪ ፈጢሩ ብዙሕ ኣዋዚዩና’ዩ።እዝግር ይሃቦ። ሰሓቕ ኣብ ዝተሓረሞ እዋን ሰሓቕ ዝፈጥር። ሰሓቕ ግቢ’ዩ። እሞ ክበቡ ገዳ ኣብ ሓደ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣብያተ መግቢ፣ የሸክላ ጥብስ ከምዝጋበዘኒ’የ ዝወስዶ። በዛ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና መትሓዝ ጡብ እትሸይጥ ገዲም ተጋዳሊት፣ ግና ከበበው ገዳ ወይ ሕማቕ መኻሪ ወይ መድሓርሓሪ’ዩ። ዕዳጋኣ ዝዕንቕፍ ደኣ ከዳምን ወያነን’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምስናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደሞዝ፣ ባዕላተን መትሓዝ ጡብን ሙታንታን ክገዝኣ ዝተሸገራ መብዛሕተን ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፣ ነዕሩኽተንን ሰብኡተንን 100 ቅርሺ ዝሓተታ’ውን ኣይሰኣናን። 100 ቅርሺ ካብ ምኽፋል ከም ናይ ክበቡ ገዳ፣ ዓመት ምሉእ ጡብ ክድግፍ ዝወላወል ብዙሕ ኣሎ።
ደቂንስትዮ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፣ ወርሒ ኣኸለ፣ መሓበሲ ወይ መዕበሲ ወርሓዊ ጽግያት ክሽረፋ ጎቦ ጎቦ እናበላ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይዛ ነባር ተጋዳሊት ካብ ምምራሕ ኣየዕረፋን። እታ ጽግያት ከየዕረፈት’ሞ ከመይ ኣቢለን ክዓርፋ። ሓደው ብጥንሲ ምግልጋላ’ዩ ሓደው ድማ ወርሒ መጸ ናብዛ ነባር ተጋዳሊት ምጕያይ’ዩ። ሞዴስ ኣብ ካልእ ደሊኻ ብቐሊሉ ትረኽቦ’ውን ኣይነበረን። ኣብ ገለ ፋርማሲ እንተተረኽበ’ውን ናይ ወርሒ ደሞዝ’ዩ ክወስድ። ካብዚ ዝነቐለ፣ እዛ ኣብ ናይ ምልክታ ሰሌዳ እትልጠፍ ወርሓዊ ሓበሬታ፣ ንደቂንስትዮ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፣ ምናልባት እታ ኣዝያ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኔራ ክትከውን ትክእል’ያ።
እንተ’ቶም ደቂተባዕቶ ግና ናብቲ ሰሌዳ ቁሊሕ ዘብል ቁምነገር ረኺቦምሉ ስለዘይፈልጡ፣ ዘመናዊ ሰሌዳ ከምዘሎ’ውን ኣይመስሎምን’ዩ። ሓደ እዋን፣ ከምዚ ዋዛ- መቸም ኣብ ኤርትራ ህይወት ዋዛ’ያ፣ ከም ዋዛ ትውለድ፣ ከም ዋዛ ትነብር፣ ከም ዋዛ ድማ ትመውት ወይ ከም ዋዛ ትጠፍእ- ስለዚ ሓደ እዋን ከም ዋዛ፣ ኣብዚ ዝበልኩኹም ሰሌዳ ዘሰንብድ ሓበሬታ ይልጠፍ። ኣዝዩ ብዙሕ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ብጥቓ’ቲ ሰሌዳ ተመላሊሱ ክነሱ ዘስተብሀለ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣነ ድማ ከምዚ ዋዛ፣ ኣብታ ሰዓት’ቲኣ ኣብ ስራሕ ናብ ዘይነበረ መሳርሕተይ ደዊለ፣ “ኣንታ ኩሉኹም ናብ ሳዋ ውረዱ ይብሉና ኣለዉ” ኢለዮ። ንሱ’ውን ዋዛ ስለዝመሰሎ፣ ‘ክላ ግደፈና ግዳ’፣ “እንተኺኢልካ ግዳ ናብዚ ዘለኽዎ ቦታ ቀልጢፍካ ምጻእ” ክብል ንሓበሬታይ ሸልል ኢሉ ጎሰዮ።
“ምምጻስ ክመጽእ’የ፣ ግና እዚ ዝብለካ ዘለኹ ሓቂ’ዩ” በልክዎ። ክኣምነኒ ስለዘይካኣለ፣ ሓደው ብኣካል ተራኺብና ጽቡቕ ጌረ ከእምኖ፣ ሓደው ንጽባሒቱ ንግሆ መጺኡ ባዕሉ ክርዳእ- እቲ ሓበሬታ ከምዘለዎ ገደፍክዎ። ድሕሪ ሳልስቲ ድማ እቲ “ኩሉኹም ናብ ሳዋ ውረዱ” ዝብል ሓበሬታ ዋዛ ዝመሰሎ መሳርሕተይን ኣነን ተታሓሒዝና፣ ኣብ ድሕሪት ናይ ሓንቲ ኣረጊት ኣውቶቡስ ተኾራሚና፣ ሞራልናን ኣካልናን ደኺሙ ነብስና ኣብ ሳዋ፣ እንዳጽዋር ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኢና ረኺብና’ያ። ንሕና ጥራይ ዘይኮና፣ ኩሉ ኣባል ሚኒስተራት መላእ ኤርትራ ኣብ ሳዋ ብዘይቁምነገር ወሪሑ። ምንባር ከምዚ ዋዛ ይብልኹም ከምዚ’ዩ።
ሓበሬታ ዝልጠፈላ ሰሌዳ ሚኒስትሪ ዜና እምበኣር፣ ብዙሕ ዋዛታት’ያ ትልጥፍ። ኣንባቢ ደኣ እንዳዘንግዓ’ምበር። ኣብቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝጸናሕኩለን 10 ዓመታት፣ ኣብቲ ሰሌዳ ካብ ዘንበብክወን ምልክታን ሓበሬታን፣ ኣርባዕተ ጥራይ’የ ዝዝከር። እተን ክልተ ድሮ ጸውየኩም ኣለኹ። ሓበሬታ ሞዴስን ሳዋን። እተን ክልተ ግና መርድእ’የን ዝነበራ።
ተማሃሮ እንከለና’የ ዝፍለጦ። ኣብ ፍልስፍናን ስነ ጽሑፍን ዓሙቕ ተገዳስነትን ኣፍልጦን ዝነብሮ ቀጢን ለይለይ መንእሰይ’ዩ። ሃንደበት ከምዚ ዋዛ፣ ሓደ ንግሆ ኣብዚ ሰሌዳ’ዚ፣ ብሓደጋ ሞይቱ፣ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ሎሚ ክፍጸም’ዩ ዝብል መርድእ ይልጠፍ። ሓደጋ ስለዝተባህለ፣ ምናልባት መኪና ሃሪማቶ ትኸውን ዝብል ግምታት’የ ሂበዮ። ብዙሓት’ውን ከምዚ ናተይ’ዮም ገሚቶም። ነዚ ለይለይ በዓል ብዙሕ ተስፋ መንእሰይ፣ ኣብ ገዛ ርእሱ ላምባ ብምንስናስ ርእሰ ቅትለት ክፍጽም ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት መን ክህቦ። ኣብ ገነተ ዕረፍቲ የንብርካ ክቡር መማህርተይን መሳርሕተይን።
“ሓደ መዓልቲ’ሲ እዛ ሰሌዳ’ዚኣ፣ ጽቡቕ ዜና ተስምዓና ትኸውን እምበር…!” በልክዎ ንሓደ ካብቶም መሳርሕተይ- ሓደ እዋን። “ጽቡቕ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ጽቡቕ ካበይ ክመጽእ” ከመ ቕጽበት መለሰለይ። በታ መልሱ ተሰማሚዐ፣ ስቕታ’የ መሪጸ።
ነዊሕ ኣብ ዘይገበረ ግዜ፣ እዛ ሰሌዳ ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ መርድእ ለጢፋ ሓደረት። ዓንደረቦ ዘለዋ ሰሌዳ’ያ። ብዘይካ ሕማቕ ጽቡቕ ዘይወጻ ሰሌዳ። ዘሰንብድ ካልእ መርድእ። ‘ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ጳውሎስ ኪዳነ ብሓደጋ ዓሪፉ ስለዘሎ፣ ምብጻሕ ኣብ ገዝኦም’ዩ” ዝብል’ቲ መርድእ። ጳውሎስ ኪዳነ፣ ብዘይካ’ቲ ናይ ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ ምዃኑ፣ ኣብ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ድማ ኣብ ፊልም ኤርትራ ዝተዋስኦ ገጸ ባህርያት ብብዙሓት’ዩ ዝዝከር። ኣውራ ግና፣ በታ ኣብ ሬድዮ ዛራ ወትሩ ዓርቢ ምሸት ሰዓት 10 እትቐርብ ዝነበረት፣ ብመንእሰያት ልዑል ተፈታውነት ዝነበራ’ ዛራ ስፖርት’ ንጳውሎስ ኪዳነ ዘይፈልጥ መንእሰይ ኔሩ ክብሃል ኣይከኣልን። ጳውሎስ ካብ መጋርያ ጸቕጢ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከምልጥ፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን’ዩ ሞይቱ፣ ሬስኡ ኣብቲ ዝተረኽቦ ቦታ ተቐቢሩ ዝብል ዜና ንብዙሓት ዘጎሃየ መርድእ ነበረ።
ጳውሎስ ኪዳነ፣ ብባህልን ወግዕን ሕብረተሰብና፣ ዳግማይ ቀብሪ ተጌርሉ’ዩ። ኣብ ሰሜን ፈረንሳ፣ ዞባ ኖርማንዲ፣ ባዩ፣ ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኣብ ዝርከብ፣ ንቡር ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ዘይረኸቡ ጋዜጠኛታት፣ ሓወልቲ ኣብ ዝንበረሉ ፍሉይ መካነ መቓብር፣ ስም ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ ምስ ሓያሎ ናይ ዓለም ጋዜጠኛታት ደሚቑ በዒንተይ ምርኣይ ሓዘንን ሓበንን’ዩ ተፈራሪቑኒ። ካልኣይ ኩናት ዓለም ንምዝዛም ፈላሚ ወፍሪ ሰራዊት ኣመሪካ መሬት ኤውሮጳ ዝረገጸሉ (D-Day)፣ ኦማሃ ቢች – ዩታ፣ ካብ ከተማ ባዩ ሒደት ኪሎሜተር ጥራይ’ዩ ርሒቁ ዝርከብ። ክቡር መሳርሕተይ’ውን ምስቶም ነዚ ታሪኽ እዚ ሰሪሖም፣ ሓወልታቶም ኣብ ካልቫዶስ ዝርከብ ናይ ጠበንጃን ብርዒን ጀጋኑ ጎረባብቲ ኮይኑ ኣሎ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ። ክቡር ዕረፍቲ ይምነየልካ ክቡር መሳርሕተይ ጳውሎስ ኪዳነ። ነቶም ጎረባብቲ ሓወልቲ ጳውሎስ ኪዳነ ዘለዉ፣ ንኤውሮጳ ካብ መንጋጋ መላኺ ንምድሓን በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ’ውን ክቡር ዕረፍቲ’የ ዝምነየሎም። ንሳቶም ኣብ ዝዓረፍሉ፣ ዕረፍቲ ዘለዎ ሃገር ይነብር ስለዘለኹ።
እንሆ’ምበኣር ሰሌዳ ሚኒስትሪ ዜና፣ ሓበሬታ ሞዴስ፣ ሳዋን መርድእን ጥራይ ክልጥፍ ዓመታት ሓሊፉ
ኣሎ።
ነገረ እንዳ ዜና ካብ ኣልዓልና፣ ኣባላት እንዳዜና ኣብ ስደት ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት ክንራኸብ እንከለና፣ ዘይውዳእ ዕላላት’ዩ ዘሎና። ዝበዝሐ ካብኡ ሕሜታ’ዩ። ቀንዲ ተሓመይቲ መን ምዃኖም መቸም
ገጢምኩም ኣለኹም። ሓለፍቲ’ዮም። ማዕረ ማዕሪኦም እንሓንሳእ’ውን ካብ ሓለፍቲ ንላዕሊ ዝሕመዩ’ውን ኣለዉ። ማሕዮታት። ማሕዮ ዝነበረ፣ ማሕዮታት ክፈጥር ዘጸግሞ ኣይኮነን። ኣብ እንዳዜና’ውን፣ ከም ኢድ እግሪ፣ ከም መልሓስ፣ ከም እዝኒ፣ ከም ዓይኒ፣ ከም ኣፍንጫ፣ ከም መቐመጫ ከገልግሉ ዝተመልመሉ ማሕዮታት ኣዲኦም ትቑጸሮም። እቶም ዝያዳ ዘገድሱ እቶም ዓይኒን እዝኒን’ዮም። መቐመጫን ኣፍንጫ ብኻልኣይ ደጃ’ዩ። ኣብ ሊቃውንቲ ሳሕል፣ ማሕዮ ናብ ኦፐረተር’ዩ ዝምዕብል። ብኡ ኣቢሉ ድማ ከም ዕድሉ ዶ ክንብሎ ወይ ከም ኣመሉ፣ ናብ ዝልዓለ ጽፍሒ ክሓኩር ይኽእል። ኣብ እንዳዜና ናብ ዝልዓለ ጽፍሒ ምሕኳር የሎን። እቲ ዝርካቡ፣ ከም ሓለፋ ናብ ወጻኢ ኢኻ ትልኣኽ። እዚ እኳ ሕጂ ብሰሃራን ማእከላይ ባሕርን በጺሕናዮ ዘሎና ወጻኢ፣ ብፍላይ ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ኣብ እንዳዜና ብሓለፋ ንማሕዮታት’ዩ ዝሕዛእ። ዓቕሚን ሞያን ቦታ የብሉን። እቲ ዝሓየለ ማሕዮ ነቲ ዝደኸመ ማሕዮ ዕድል እንተረኺቡ፣ ሓንኵሉ ከውድቖ ይጋደል። ሓደ እዋን ኩሉ ዕድላት ምስ ተነፍገኒ፣ ማሕዮ ንምዃን ተማቲኤ ኔረ’የ። ቱፍ!.. ቱፍ! ማሕዮ ካብ ምዃን የድሕንኩም። ማሕዮ ምዃን ከኣ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ናቱ ስልቲ ከምዘለዎ ኣይትዘንግዑ።
ሓለፍቲ፣ መን መጸ᎒ መን ከ ኸደ᎒ መን ኣበይ ምውዓሉ᎒ ኣበይ ከ ምሕዳሩ᎒ እንታይ ተገብረ? እንታይ ከ ተባህለ᎒ ብማሕዮታት’ዮ ዝበጽሖም። ተራን ጠቕምን ማሕዮ፣ ካብ ኩለን ሚኒስትርታት ከም ኣብ እንዳዜና ንላዕሊ ዝተሰርሓሉ ኣይመስለንን። እቲ ምኽንያት፣ ሓያል ማሕዮ ዝነበረ ሓያላት ማሕዮ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ስለዘለዎ’ዩ ዝኸውን ኣብ ዝብል መደምደምታ’የ በጺሐ።
ሓደ እዋን ሓደ ካብዞም ማሕዮታት፣ ንሓደ ሓላፊ፣ ሓንቲ ኣዝያ መልክዐኛ ጓል ተመዲባ መጺኣ ከምዘላ ይሕብሮ። እቲ ግዜ’ቲ፣ ኣብ ሰራዊት ዝነበራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ፣ ናብ ሚኒስትሪታት ዝተመደባሉ’ዩ። ዝኾነ ሞያን እኹል ትምህርትን ዘለወን ሒደት’የን። እታ ዝሓየለት ተሞክሮአን ሳዋ’ያ። ንሳተን እንታይ ኣቢሰን። እንሆ ድማ፣ ካብ ግንባራትን ሳዋን ተሳሒበን ኣብ ሚኒስትሪታት ይጽንሓ ተባሂሉ። ሚኒስትሪ ዜና’ውን ከም ኩለን’ተን ሚኒስትሪታት ብዙሓት ደቂንስትዮ ተሸሪፉ።
ደቂንስትዮ፣ ካብ ሰራዊት ይሰሓባ ዝተባህለሉ ግዜ’ዩ። ህዝቢ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብደቅና ይጻወቱ ኣለዉ ዝብል ሕኒን ብብዝሒ የስምዕ ስለዝነበረ። ሓቁ ድማ’ዩ፣ ክሳብ ነፍሰጾራት ኮይነን ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተማረኻ ደቂንስትዮ ኔረን’የን። ንሓንቲ ካብኣተን እኳ፣ ነፍሰ ጾር ኮይና ተማሪኻ፣ ኣብ ናይ ምርኮ ዘመና ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓረሰታ ሰላም ዝተባህለት ህጻን ሒዛ ናብ ኤርትራ ኣብ እትምለሰሉ ዝነበረት ዕለት፣ ኣብ መረብ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ቃለ መጠይቕ ኣካይደላ ኔረ። እቲ ቃለ መጠይቕ ንዓይ ክፈልጦን ክስንዶን ደኣ’ምበር ከምዘይፍኖ እናፈለጥኩ ዘካየድክዎ’ዩ። ገለ ካብቲ ሽዑ ዘቕረብኩላ ሕቶት፣ “ጥንስቲ እንከለኺ ናብ ኵናት ብኸመይ ኣቲኺ᎒ ሓለፍትኺኸ ይፈልጡዶ ኔሮም᎒” ዝብልን ንእግረ መንገደይ ድማ እታ ህዝቢ ዘዕዘምዝመላ ዝነበረ ነጥቢ ገለ ኣንፈት እንተሃበትኒ፣ ጥንሲ ካብ መን ከምዘጋጠማን ዝኣመሰሉ ይርከቦ። ኣብ ከብዲ ኣዲኣ እንከላ ዝተማረኸት ሰላም፣ ቆልዓ ኮይና ናብ ዓዳ ኣብ እትምለሰሉ ዝነበረት ናይ ብኽያት ድምጺ’ውን ሰኒደዮ ኣለኹ። ምስ ዓበየት ሓደ መዓልቲ ተራኺብና ነዕልለሉ ንኸውን፡ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃባ ንሰላም። ታሪኽ ዘለዋ ቆልዓ’ያ። ብዝኾነ፣ እዚን ወዲ ከምዝን ዘስዓቦ፣ ደቂንስትዮ ካብ ሰራዊት ይስሓባ ተባሂሉ። ናብ ሚኒስትሪታት ተወዚዐን – ብኣገላልጻ ሊቃውንቲ ሳሕል።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ’ዩ ሓደ ማሕዮ፣ ንላዕለዋይ ሓላፊ ‘ሽኮሪና ጓል’ ኣብ እንዳዜና ተመዲባ ከምዘላ ዝሕብሮ። እቲ ማሕዮ ነታ ሽኮሪና ዝበላ ጓል ንዕኡ እንተዝምነያ ክንደይ መምሓረሉ። ኣገልጋሊ ግና ወትሩ ስለጎይትኡ’ዩ ዝሓስብ “ገጽ ሓላፊኻ ሪኢኻ ሕደር ድዩ” ዝበለ ሓደ ደራሲ። ኣጼ ሚኒሊክ ካብ ኣምሓራን ኦሮሞን ንዘምጽኦም ምልሙላት መንእሰያት ደቂ ተባዕቶዮ ፍረ ነብሶም ቀጥቂጡ፣ ስሉባት ኣገልገልቲ ዝገብሮም ዝነበረ እኮ፣ ልቦም ብጽቡቃት ኣዋልድ ከይስለብ’ዩ። እምበር ኣጼ ሚኒሊክ ንባዕሉ’ውን ሓያል ደኣ’ምበር ጽብቕቲ ሰበይቲ ከምዘይነበረቶስ ይፈልጥ’ዩ። መን ከይቀርበሉ። ካብቶም ዘምጽኦም ኣጓብዝ ዝጥምተሉ ኣይምሃለወን። ግና ኮን ዶኾን ንእግረ መንገዶም ጽብቕቲ ሰበይቲ እንተረኸቡሲ፣ ካብ ንባዕሎም ዝምነዩዋ፣ ንጎይትኦም ሚኒሊክ፣ ክምነይሉ’ዩ ፍረነብሶም ዝቕጥቕጥ ዝነበረ።
12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጥሩወርቅ ኣብ ቤተ ክርስትያን’ዩ ኔሩ ምውዓላ። ፎቖድኡ ዝዝምቢ ዝነበረ ማሕዮ፣ ጥሩወርቅ ዝተባሃለት ምልዖ ኣብ ቤተ ክርስትያን ርኣየ። “ጉዳም’ያ ክትቁንጁ” ክብል ንኣጼ ቴዎድሮስ የመላኽቶ። ከም ኩሉም ማሕዮታት ማለት’ዩ። ኣጼ ቴዎድሮስ ሰበይቲ ኔረንኦ’የን። እቲ ማሕዮ ዓስከር ግና ጉዳይ ዕስክርንኡ ጥራይ ከይገብር፣ ኣብ ምሉእ ጎጃም፣ ጎንደር፣ ደሴን ትግራይን ከምዚኣ ዝበለ ዘየለ ምልዖ እንሆለት፣ ጎይታትይ ኢሉ ስለዘጋነነ፣ ኣጼ ቴዎርዶስ መን’ያ ጓል መን’ያ ከየጣየቐ ኣምጽኡለይ በለ። ቴዎድሮስ ዝወጸሉ ዕሉል መላኺን ጨቛንን’ዩ ዝነበረ። ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ካብታ ዝነበረታ ቤት ክርስትያን ናብ መቕደላ ኣምጽእሉ። ኣጼ ቴድሮስ ድማ ብዘይ ወግዒ ብዘይንቡር ሰበይቱ ክትከውን ኣከባ። ጥሩወቅር ግና ንኣጼ ቴዎድሮስ ፈሪሓቶ ደኣ’ምበር ካብኡ ንላዕሊ ጸላኢ ኣይነበራን። ኣቡኣ ደጃዝማች ውበን ክልተ ኣሕዋታን ኣብ ማእሰርቲ ዘሳቒ ዝነበረ ስለዝኾነ። ግናይ ማሕዮ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ነዞም ብደም ዝደላለዩ ቴዎድሮስን ውበን ብጓል 12 ዓመት ምልዖ ከምዝተኣሳሰሩ ገበረ። ወይዘሮ ጥሩወርቅ ክሳብ ዘመነ ሞተን ንቴዎድሮስ ከየፍቀርኦ ብሕማም ማሲነን ከምዝሞታ’ውን ጳውሎስ ኞኞ፣ ብዝመስጥ ኣምሓርኛ ኣዘንትዩልና’ዩ።
ብዝኾነ እዚ ሓላፊ ኣብ እንዳ ዜና’ውን፣ ነታ በቲ ማሕዮ ‘ጽብቕቲ’ ምዃና ዝተሓበረቶ ጓል ናብ ክፍሊ ቴሌቪዥን ክትምደብ እሞ፣ ኣብ ቲቪ ክትቀርብ ዝብል ሓሳብ ኣምጽአ። ቅድሚኡ ግና ንሱ ክርእያ መታን ኩነታት ተመቻችአ። ሓላፊ ነታ ጓል እንተረኣያ፣ ከምቲ በቲ ማሕዮ ዝተጋነነላ ዘይኮነት- በገላልጽኡ ጋውና ኮይና ረኸባ። ከምቲ ዊልያም ሼክስፒር ዝበሎ፣ ጽባቐ ከም ጠማቲኡ ኮይኑ፣ ነቲ ማሕዮ፣ ቀመር ነቲ ሓላፊ ድማ ሓበላ ዓይኒ ኮይና ተራእየቶ። ንነገሩ ጽባቐ ኣድማሳዊ’ዩ። ኣብ ነገራት እንተዘይኮይኑ። ፈጣሪ ንሰብ ጽቡቕ’ዩ ኢሉ’ዩ ኣብ ምድሪ ፈንይዎ። ደቂ ሰብ ድማ ኣበር ኣውጺእናሉ። ኣብ ኣተሓሳስባና’ዩ’ቲ ፍልልይ። ካብዚ ወጺእና ንጽባቐ ምስ ትጽቢታትና ህንጡይነትና እንተኣተኣሳሲርና’ዮ ግና፣ ኩሉ ነገር ሎሚ ጽቡቕ፣ ጽባሕ ክፉእ እናኾነ መከራና ክንጸግብ ኢና። ሎሚ ቤላ ኬፍ ዘለዋ ጓል ኢልካ ብፍቕራ ዝሓመምካላን ዝተፈለጥካያን ጓል፣ ድሕሪ 10 ዓመት ከመይ? እንድዒ…መልሲ ናባኹም። ‘ዝፈለጥካያ’ ክብል እንከለኹ ድማ፣ ከምቲ ኣዳም ንሄዋን ፈለጣ ዝብሎ ማለተይ ምዃኑ ተረድኡለይ።
ብዝኾነ እቲ ሓላፊ ዜና’ውን እዛ ብማሕዮ ዝተነግረቶ ጓል ጠላሕ ኣይበለቶን። ነቲ ማሕዮ ጽባቕ ዘይትፈልጥ ደንቆሮ ኢኻ ዝዓይነቱ ዘለፋ ኣውሪድሉ ይኸውን’ዩ።
እንዳዜና፣ ዓመት ዓመት ካብ ሳዋን ማይ ነፍሕን ብዝመጹ መንእሰያት እናዕለቕለቐት ኣብ ዝኸደትሉ ዝቐጸለ ዓመታት፣ ብብዝሒ ደቂንስትዮ ነበራ። ሕጂ’ውን ካልእ ማሕዮ፣ ነቲ ሓላፊ፣ እታ ኮኾብ ተረኺባ ክብል ኣበሰሮ። ኣርኬመደስ ‘ኡረካ’ እናበለ ኣብ ፎርቶ ዕርቃኑ ወጺኡ ክጎዩዶ ተራእይኩም᎒
እዛ ሕጂ ተረኺባ ዘላ ኮኾብ፣ ኣነ ንባዕለይ ምስ ርኣኽዋ’ውን ስጋ ብስጋ’ሲ እንታይ ክወጻ። ንሳ ስጋ፡ ጽዕነታ ስጋ’ያ ዝነበረት። እንተ’ቲ ካልእ’ሞ እንድዒ። ተቐላጢፎም ድማ ናብ ቲቪ ኣሰጋገርዋ። ኣብ ሓጺር ግዜ ልምምድ ናይ ቲቪ ጀሚራ። በዚኣ ኣቢላ ድማ፣ ካብቶም ምስኣ ተመዲቦም ዝመጹ መዛንኣ ደረጅኣ ኣልዒላ። ክላስ ፈልያ። ምስ ሓላፊ ዘምስን ምስ ከም በዓል ኣነ ብዚንጎ ኣብ ዝተሰርሐ ናይ እንዳዜና እንዳ ሻሂ ዘምስያን እሞ ብኸመይ ሓደ ክላስ ክህልወን።
ቁሩብዶ ኣስተማሲለ? ኣስተማሲለ ኣይኮንኩን። እዛ ሎሚ ጽብቕቲ በቲ ከም ናይ መኪና ኣቑሑ መቀያየሪ ጥራይ ዝደሊ ሰብ፣ ጽባሕ ስፓናቶ ምስ ኮነት፣ ደረጅኣ (ክላሳ) ኣበይ ይኸውን? ስለዘሻቐለትኒ’ዩ።
ኣብዛ ዓድና ሓላፊ ምዃን ጥዑም’ዩ። ጽብቕቲ ጓል ካብ ሳዋ ተምጽእ፣ እንተጸላእካ’ያ ድማ ቀሊል መፋነዊ ሜላ ኣሎ። ኣብ ካልእ ዓለም ዜና ብምዃኑ ጥራይ ዝወሃቦ ፓስፖርት ምስ ሞቕሽሹ ቪዛ ሂብካ ምብራር’ዩ። ንሳ ካብ ኣገልግሎት ትገላገል፣ ንሱ ድማ ስፓናቶ ዘይኮነት ሓዳሽ እንተመጸት፣ ብማሕዮታቱ ክሳብ ዝንገሮ ይጽበ። ኣንታ ሓቀይ’የ፣ እዚ ሓላፍነት’ሲ ክጥዕም።
ዓሊ ዓብዱ ደቁ ናብቲ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ሒዙ ምምጻእ ከዘውትር ጀሚሩ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት። ማሕዮታት፣ ምስ ደቂ’ቲ ሓላፊ ማዕረ ቆልዓ ወሪዶም ተጻዊቶም’ዮም። ቁልዕነቶም ዘየሕለፉ ግዲ ኮይኖም ወይ ድማ ነቲ ሓላፍ ንምሕጓስ፣ ዳርጋ ከም ቆልዓ ጠንቕላዕላ ኢሎም። እቲ ዘሕዝን ሓደ ካብቶም ቆልዑ ናይቲ ሓላፊ፣ ናይ ኣእምሮን እዝኒን ስንክልና ዝነበሮ’ዩ። ወዮ ማሕዮታት እሞ ነዚ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ቆልዖ ከመይ ጌሮም ከጻውትዎ። ኣብ ናይ ሰርከስ ምርኢት ይዋስኡ ከምለዉ፣ ኩሉ ዓይነት ምንቕስቃሳት ኣካይዶም’ዮም። ብውሕዱ እቲ ቆልዓ እንተዘይተዘናግዐ፣ እቲ ሓላፊ ይዘናጋዕ ይኸውን’ውን። ብቐንዱ’ውን እቲ ዕላማ ነቲ ሓላፊ ንምሕጓስ ደኣ’ምበር ነቲ ቆልዓ መዓስ ኔሩ። ፍቕሪ ንቖልዑ ምዝናይ ኔርዎም እንዝኸውን ማሕዮታት፣ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝርከብ መኻዚኖታት ዝነብሩ ክንደይ ደቂ ድኻታት ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ቀጽሪ ክርእይዎም ይውዕሉ ኣይነበሩን ድዮም። ሓላፍነት ናይ ሓቂ ጥዑም’ዩ። ብውሕዱ ሽኮሪናታት ዝመርጹልካ ስሉባትን፣ ቆልዑ ዘዘናግዑልካ ድንክታትን ኣይትስእንን።
ካልእ እዋን’ውን፣ ማሕዮታት ሚኒስትሪ ዜና፣ ነቲ ዝልዓለ ሓላፊ ናይቲ ገዛ ንምሕጓስ ሓደ ውጥን ኣዳላዉ። ስርሒት’ዩ ክብሃል ዝከኣል። እቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ዒድ ክኸውን ተመርጸ። ነቲ ዕለተ ልደቱ ዘይፈለጥዎ ሓላፊ፣ ብምኽንያት ልደቱ ሳርፕራይዝ ክገብርዎ ዕድል ስለዘይረኸቡ፣ ኣብ ዒድ ሳርፕራይዝ ክገብርዎ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ተረኽቡ። ሽዑ’ስ ኳ ናብ ቤቱ የእንግዲዎም’ዩ። ድሕሪ ደጊም ግና ከምዚታት ዝኣመሰለ፣ ‘ንሳቶም ሳርፕራይዝ ዝበልዎ ንሱ ግና ቀልዲ ዝበሎ’፣ ነገራት ከይደግሙ ኣጠንቁቑ ኣፋነዎም። ከሐጉስዎ ክብሉ ማዕሪኡ ዝኾኑ ከይስምዖ ዝፈርሐ ሓላፊ፣ ትዕቢት’ውን መለለይቱ ስለዝነበረት፣ ጀነራላትን ሚኒስተራትን ክዕይድዎ እናተጸበየ ማሕዮታት? ናይ ሓቂ ደስ ኣይበሎን። ከክልተ ካርሜላ ሂቡ’ዩ ኣፋንዎም። እዛ ፍጻሜ’ዚ’ኣ ኣብ እንዳዜና ብዙሕ ተሓክያትላ’ያ። ሕሜታን እንዳዜናን ድማ ትፈልጥዎ እንዲኹም። እዛ ፍጻሜ፣ ግቡርን ዘይግብሩን ተመሊኡዋ ናብ ዕዳጋ’ያ ወሪዳ። ሓያሎ ካብቶም ኣብታ ስርሒት ዝተሳተፉ ተባዓት ማሕዮታት፣ ሎሚ ኣብ ስደት ስለዝርከቡ እንተዘውግዑና ጽቡቕ ምኾነ። ተባዕ ስርሒት’ዩ’ሞ ከነድንቖም ድማ ዕድል ምረኸብና። ንላዕለዋይ ሓላፊ፣ መዐየዲን ክብል ናብ መንበሪ ቤቱ ዝኸዱ ንሳቶም ጥራይ’ዮም። ኣኽርያ ስለዝዓበኹ፣ ብዛዕባ መዐየዲን ብዙሕ ዝብሃል ኣይሰኣነን’ዩ። ናይዞም ማሕዮታት ናይ መዐየዲን ፍጻሜ ግና ብፍሉይ’የ ዝዝክራ።
ዕላላት እንዳዜና ካብ ቀንጠመንጡ ክሳብ ቁምነገሩ (ምዃን እኳ ቁምነገር ሃልይዎ ኣይፈልጥን) ተጸውዩ ኣይውዳእን። ኣብ ኣኼባ 500 ኣባላት ትዋሕ ዘበለ ፍጻሜ’ውን ኔሩ። ካልእ እዋን ክምልኣልኩም’የ።
ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ 13-12-2010