ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ጸልማት ድንቁርና ይቕንጥጦ፡
ዓሌት ወዲ ዓሌት
ኣብቲ ርእሱ ኣቐሚጡ ግለት፡፡
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ
ኣእምሮኡ እነሆ’ንዶ ይስለብ
ስቡሕ ድንቁርና ይቕመጦ፡
ዓሌት ወዲ ዓሌት
ኣብቲ ርእሱ ተሰቢኑ ግለት።
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ
ነዛ ሓንቲ እንዳ
ዘርኢ ኣዳም ኢሉ ንዘይወስዳ፡
ንዘየቀራርባ
ንዝበታትና ብቐቢላ።
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ጻህያይ ድንቁርና ንዝስዕሮ
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ክንዲ ሰናይ ክፋእ ንዝሕለብ።
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ
ይነቅሕ ኣሎ ይብልዎ ነዚ ሰብ!
ብሓይለ ፍልጠቱ ኣድማስ የንቀጥቅጦ፡
ካብ ኣዚለ ክሳዕ ዩኒቨርሲቲ
ይመላለስ፡ ይኸይድ ትምህርቲ
ኪኖ ምቑጻር ክፍሊ
ሽንፍላ ኣእምሮኡ ንዘይጸሪ።
ብርሃነ ገብረሂወት
(04/11/2013)