ምልባም ቀሊል’ዩ ከምህረካ እኽእልየ
ምዕሻው’ዩ ከቢድ ዛጊት ዘይተኻእለ
መዓሾ፡ . . .
መንቃሕካኒ’ዶ ከመይ ከም ዝዕሾ?!
እመን ኣይትእመን፡ ኣነስ “ስጋኻ” ኢለ
ስጋ እቲ ሓውኻ፡ ስጋ እታ ሓፍትኻ
ስጋ እቲ ባሕሪ፡ ስጋ እቲ በረኻ
ምዕሻው’ዩ ከቢድ
እናተመዥረጥካ፡
እናተመንጠልካ፡
እናተለሎኻ፡ እናሓሰኻ
ፌስታ ኣብ ርእሲ ፌስታ
ልቢ ዝልብኻ . . . .
መዓሾ’የ መዓሾ፡ . . . .
እዚ እናረአኻስ ከመይ ኢልካ’ዩ ዝዕሾ?!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል