ብሃብቶም ደበሳይ
ዕላል ምስ ገዳይም ስነጥበባዉያን
ዓመተ 2014 ንምቕባል ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀርመን፧ ብ31/12/13 ብሓው ኣለምሰገድ እተዳለወ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ነበረ፡፡ ናይ እቲ ምሸት ዕዱማት ኣላይ መድረክ ሊንጎ፧ ድምጻዉያን ተወልደ ረዳ፧ ዑስማን ዓብደልርሒም፧ ኣብራር ዑስማን፧ ዮናስ መንግስቱ፧ ሄለን ተስፋይን ሃብቶም ደበሳይን: ምስ ሙዚቀኛታት ዓብደላ ኣቡባከር፧ ነጋሽ መሓመድብርሃን፧ ሉዊጂ ፕሪሞሞ፧ ክልተ ዮናታናትን ኣዝመራን፧ ንሕጂ ስሙ ዘይዘከርክዎ ሓደ ጀርመናዊ ድራመርን (ሃራም ከቦሮን) ነበሩ፡፡ ኣብ’ዚ ምሸት ነዞም ገዳይም ድምጻዉያንን ሙዚቀኛታትን ምስ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ንምልላዮም ተሓሊኑ እተሓትመ መጽሄት ነበረ፡፡ እቲ መጽሄት ብመልክዕ ቃልመሕትት እተዳለወ ኮይኑ ብዛዕባ እዞም ገዳይም ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ሓፈሻዊ ሌላ ንምግባር እምበር ዕሙቀት ዝነበሮ ቃለ መሕትት ኣይገበረን፧ እቲ ናይ ሽዑ ዘይጽገብ ዕላል እነሆ፧
1ይ ክፋል
ዓብደላ ኣቡበከር: ኣብ ዘመናዊ ኤርትራዊ ሙዚቃ ብዙሕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዘበርከተ: ግን ከኣ ኣዝዩ ንእሽቶ እተነግረሉ ደራሲ ሙዚቃ፡ ገጣማይ፡ ኣዋሃሃዲ፡ ኪቦርዲስት … ኩሉ እዩ። ኣብ’ቲ መጀመርያ እዋን ድማ ድምጻዊ:: ጓል ምጽዋዕ እትብል ህብብቲ ደርፊ ይደርፍ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ። ካብታ ቦኽሩ ዝኾነት “ጓል ምጽዋዕ” ጀሚርካ ገለ ካብ ዝጸሓፈን ናይ ደርፊ ግጥምታት: ትበርህ ተስፍሁነይ ዘዜመተን “ደፋር ጋሻ” “ምኽሪ ናይ ክልቴና ሳልሳይ ዘይብሉ” “ስምዓኒ”፣ ሎረንዞ መሓሪ ዝደረፋ “ፍቕሪ ኣሎኒ” ዝብሉ ደርፍታት ይርከብዎም። ዓብደላ ዝያዳ ዘድምዓሉን ኣብ ኤርትራዊ ዘመናዊ ሙዚቃ ስንብራት ዘንበረሉን ግና ኣብ ምዉህሃድ ወይ (ኣረንጅመንት ወይ ኮምፖዚሽን) እዩ።
እቲ ኣብ ዘርኣይ ደረስ ባንድ ዝዓኾኸ ብቕዓት ምዉህሃድ፡ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ብዘደንቕ ኣገባብ ይቕጽል ኣሎ። ዳርጋ ብሙሉኦም ሃይለ ገብሩ ኣብቲ እዋን እቲ ዝደረፎም ደርፍታት፡ ኢድ ዓብደላ ዘይሓለፋ ዜማ ዳርጋ ኣይነበረትን። ብዘይካ እዘን ናይ ሃይለ ገብሩ ኣብቲ ግዜ እቲ እተደርፋ ዓቕሊጽበት፣ ብጻይዓርኪ…ወዘተ ዝብላ ናይ ዑስማን ዓብደልርሒም ደርፍታት እዉን ኣካል ኣወል ምውህሃድ ዓብደላ እየን። እዘን ደርፋታት እዚኣተን፡ እተደርፋሉ ግዜ (ካብ 30 ክሳብ 40 ዓመታት) ኣብ ግምት ኣእቲና ምስ እንርእየን እምበኣር ዓቕሚ ናይ ዓብደላ ብኣጋ ከምዝጀመረን ተውህቦኡ ዝልዓለ ምንባሩን ዘየማትእ ይገብሮ።
ብድሕሪኡ ዝያዳ ኣብ ስዕድያ፡ ምስ’ቶም ናይቲ ግዜ እቲ መሳርሕቱ ኮይኑ ኣዝዮም ብሉጻት፡ ብቑጽሪ እዉን ዘይውሑዳት ምስ የማነ ባርያ፣ ዑስማን ዓ.ርሒም፣ ሓጎስን ሳምን ብርሃነ፣ ኣብራር ዑስማን፣ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፣ ሃይለ ገብሩን ካሎኦትን ኣብ ልቢ ብዙሓት ኤርትራዉያን ዓሚቕ ዝኽሪ ዝገደፈን ዘይምኖን ዜማታት ኣወሃሂዱ።
ዝያዳ እዚ ኩሉ ክእለትን ልሉይ ዓቕምን ግን፡ ትሕትና ካብ’ቲ ኣዝዩ መሳጢ ትዕድልቲ ዓብደላ እዩ። ዋላ ነቲ ካብ ገዝእ ኣእምሮኡ ዘመንጨዎን ኢዱ ዘንበረሉን ስራሓቱ “እዚ ጌረ” ምባል ኣይኮነሉን። ነብሱ ዘተዓባቢ ዘሎ ይመስሎ። “ሽዑ ዝስራሕ ስራሓት ኩሉ ናይ ሓባር እዩ ኔሩ” እዩ ዝደጋግም። ኣገዳስነት ናይ ሓባር ስራሕ ንኹሉ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ናይ ዉልቀ ሰባት ተደሚሩ እዩ ናይ ብዙሓት ዚኸዉን። ኣብ’ዚ ድማ’ዩ ተራ ናይ ዓብደላ ዝጎልሕ።
ናይ ቴለፎን ዕላልና ስሓቕን ጭርቃንን ዝዓብለሎ እዩ ኔሩ ። “ምሳይ ኣሎኻ” ኣትብል ሓረግ ድማ ከም ጨው ጸጸኒሓ ትንስነስ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ይከታተሎ ከም ዘለኹ የረጋግጽ። ብመቐረት ናይ’ቲ ዕላል ተመሲጠ “ህ ድሕሪኡኸ?’’ ዝብላ ንክቕጽል ዝድርኸኦ ቃላት ይርስዕ ስለ ዝነበርኩ፡ ክሳብ መወዳእታ፡ “ምሳይ ኣሎኻ” ትብል ቃል ኣይገደፈትናን። ብኡ መንጽር ድማ ምቑሉልን ሉኡምን ባህርያት ዓብደላ ከተለልዮ ግዜ ኣይወስድን።
እዚ ሎሚ ብመልክዕ ዕላል እነቕርቦ ጽሑፍ ካብ ተመኩሮ ዓብደላ እቲ ዝነኣሰ ክፋሉ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ብዝለዓለ መንግዲ ተበርቢሩ ተሞክሩኡ ንመጻእቲ ወለዶታት ክመሓላለፍ ተስፋ ኣሎኒ። ታሪኽ ዉልቀ ሰባት ተደሚሩ ታሪኽ ሃገር ስለ ዝኸዉን ታሪኽ እዞም ቅርሲ ሃገር ዝኾኑ ገዳይም ኤርትራዉያን ሙዚቀኛታትን ደረፍትን ብኽብሪ ክዕቀብ ግዚኡ ሕጂ ኣዩ። ብዘረባ ምንዋሕ ከየሰልሽወኩም እምበኣር ናብ’ቲ ቐንዲ ዕላል ክወስደኩም።
ንሙዚቃ ዓለም ብኸመይን መዓስን ኢኻ ተሓዊስካዮ?
ማዓዘዲን ኣብ ዝበሃል ኣብ መስጊድ ዝነበረ ናይ ዓረብ ቤት ትምህርቲ፡ ምስ በዓል ዑስማን ዓብደልርሒም ክሳብ 4-5ይ ክፍሊ ብሓደ ኢና ተማሂርና። ኣብ እቲ ግዜ እቲ ኣብ እስካዉት ድራም እወቅዕ ኔረ። ዓቢ ሓወይ በይዝ ድራም፡ ምዕባየይ ታምቦሪን ንወቅዕ ኔርና። ኣብኡ’ዩ እቲ ናይ ሙዚቃ ስምዒት ጀሚሩ። ብመዛሙር ናይ ቤት ትምህርቲ ገለ። ገና ወዲ 9-10 ዓመት ከለኹ ማለት እዩ። እናጎበዝኩ ምስ ከድኩ ፋምፋም ክወቅዕ ጀሚረ። ኣብ’ቲ ግዜ እቲ መብዛሕቱኡ ደርፍታት ናይ ሱዳን እዩ ኒሩ። ሓደ ሓደ ደርፍታት ናይ ማ.ት.ኣ ድማ ክወጽእ ጀሚሩ።
ሽዑ ማ.ት.ኣ ጀሚሮም ኔሮም?
እወ ጀማሚሮም ኔሮም፡ ግን ኣበይ ክትረኽቦ፡ ኣብ ሬድዮ ኣስመራ ኣይመጽእን እዩ፡ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ረድዮ እዉን ትግርኛ ይስማዕ ኣይነበረን። ግን በዚ እንዳ ሻሂታት ክትሓልፍ ከሎኻ፡ ወይ እምበቲቶ ክንበልዕ ኢልና ምስ ኣቶና፡ ደርፍታት ናይ ተወልደ ረዳ፡ ኣልኣሚን፡ ተበርህ ተስፍሁነይ፡ ገለ ክንሰምዕ ጀሚርና። ቅድሚኡ ግን ናይ በዓል ኣቶብርሃን ሰጊድ ‘ዘነበሽ ኣብቲ ሩባ’ ‘ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ’ ይስማዕ ኔሩ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ግን ኣይትረኽቦን ኢኻ።
ኣነ ግን ኣኮይ ተክኒሻን ኮይኑ ረድዮ፡ ቴፕ ገለ የዐሪ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ገዛና ብዙሕ ዲስኮታት ኔሩ በዓል እዚ ዉባ ዉባ ገለ ዝብል ናይ ቀደም ኣብ እንዳ ’ባሓጎይ እሰምዖ ኔረ። ብድሕሪኡ ዑስማን ዓብደልርሒም ካብ ኣዲስ ኣበባ ክደርፍ ሰሚዔዮ፡ በዓል ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ ዝብል ደርፍታቱ። ሽዑ ዝያዳ ስምዒት ሒዙኒ “ዑስማን መማህርተይ ከሎ፡ እሞ ድማ ኣነ ድራም ገለ እናተጻወትኩ” ኢለ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩኒ፡ ሽዑ ናይ ዑስማን ደርፍታት እናደገምኩ ክደርፍ ጀሚረ። ነቲ ኣብ ረድዮ ዝድረፍ ዝነበረ ናይ ዑስማን ደርፍታት፡ ኣብ ገዛዉትና (ገዛብርሃኑ) ምስ ኣዕሩኽተይ ተኣኪብና ክደርፎ ጀሚረ፡ ብፋምፋም ድማ እጻወቶ። ነጋሽ ዝበሃል ሓደ ዓርከይ ኔሩ ንሱ ኮንጋ ንእሽቶ ይሓዝ ሽዑ ናይ በዓል ዑስማን፡ ናይ ማትኣ ደርፍታት፡ ምቕንጣጥ ገለ ዝበሃል ናይ ኣዋልድ ኔሩ ሽዑ ኣቡኡ ንጻወት፡ ጓይላ ምስ ተወደአ ንሕና ንጅምር። ደሓር ብናይ ማትኣ ድርፍታት ክምሰጥ ጀሚረ፡ ሽዑ በዓል ሽገይ ሃቡኒ ገለ እዩ ዝድረፍ ኔሩ: ነዚ ምስ ሰማዕኩ ተጸሊለ። ሽዑ ገለ ዓይነት ስምዒት ሓዲሩኒ ናተይ ግጥሚ ገለ ክጽሕፍ ጀሚረ። ተኣኪብና ግጥሚ ምጽሓፍ ጀሚርና ምስ ኣዕሩኽተይ ስቕ ኢልካ እዩ ብ ‘ረ’ ይወድእ ብ ‘ለ’ ይወድእ ኩሉ ግጥሚ እዩ ዝመስለና ኔሩ። ደሓር ናይ በዓል ተወልደ ረዳ፡ ናይ ሱዳን፡ ደርፍታት ብፋምፋም እናወቓዕና ኣብ ሕጸ፡ ምቕንጣጥ ገለ ምጽዋት ቀጺልና። ነገራት ብኸምኡ እናኽደ፡ ኣብ ከባቢ 1965 በዓል ዑስማን፡ ተኽለ ተስፋዝጊ ገለ ዝነበርዋ ሮኬት ትበሃል ባንድ መስሪቶም ኣብ ክለብ ማሮሶ ክጻወቱ ጀሚሮም።
ሽዑ ንስኻ ኣይጀመርካን?
ኣይጀመርኩን፡ ደቂ ገዛዉተይ ግን “ዘይትኣቱ፡ ዘይትደርፍ ሕተቶም” እናበሉ ደፋፊኦሙኒ። ሽዑ ንሮኬት ባንድ፡ ክሕወሶም ክፈቕዱለይ ደብዳበ ጽሒፈሎም። ቀልጢፉ መልሲ መጺኡኒ “ኣይተቐበልናካን” ዝብል። “ምሉኣት ኢና ምምዝጋብ ኣቋሪጽና ኣሎና” ኢሎሙኒ። እቶም ኣዕሩኽተይ ተስፋ ኣይቆረጹን “እሞ ማ.ት.ኣ ዘይትፍትን” ኢሎሙኒ። ሮኬት ከማን ዘይተቐበለትንስ! ማ.ት.ኣ? ኢለ ተስፋ ቆሪጸ። ምኽንያቱ ማ.ት.ኣን ፖሊስ ኦርኬስትራን፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዓበይቲ እዮም ኔሮም።
ሽዑ ኣጋጣሚ ምስ በዓል ዘርእዝጊ ተላሊና። (ዘርእዝጊ ሓደ ካብ’ቶም ሓያላት ድምጻዉያን ሃገርና እዩ ‘ምኹብላልኪ’ ብእትብል ደርፉ ድማ ይፍለጥ) ብድሕሪ’ዚ ከም ኣጋጣሚ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ምልክታ ኣዉጺኡ፡ “ማ.ት.ኣ ሓደስቲ ኣባላት ክትምልምል ስለ እትደሊ፡ ኩልኹም ክእለት ናይ ደርፍን ድርሰትን ዘለኩም ግዱሳት ተመዝገቡ” ኢሎም። እሞ ዘይንፍትን ተባሂልና ደብዳቤ ጽሒፍና፡ ጸዊዖሙና ኣነ ናይ ዑስማን ደርፊ ሒዘ ቀሪበ፡ ድሕሪኡ ድማ ብፋምፋም ጌረ ‘ጓል ምጽዋዕ’ ትብል ናተይ ደርፊ ደሪፈ። “እዚ ደኣ ምስ ደርፉ ዝመጻና ፋምፋም ክጻወት ከሎ እዉን ካብ ሪትም (ህርመት) ኣይወጸን” ገለ ኢሎም ተስፋ ሂቦሙኒ። 30 ሰብ ተፈቲንና 18 ካባና ወሲዶም። በዓል ዘርእዝጊ፣ ስዒድ ሽፋ፣ጸሃየ ሉቃስ፣ ተመስገን ገብርሂወት፣ ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ) ብዙሓት ኔርና ዝተቐበሉና። ደሓር ማ.ት.ኣ ምርኢት ኣዳልያ ተጻዊትና። ንጽባሒቱ ዘመን ትበሃል ጋዜጣ “ማ.ት.ኣ ትማል ኣብ ዘቕረበቶ መደብ ሓደስቲ ኣባላት ሒዛ ቀሪባ፡ ካብ’ቶም ሓደስቲ ኣባላት ኣዝዮም ተስፋ ዘለዎም ዓብደላ ኣቡበከርን ዘርእዝግን እዮም” ኢላ ጽሒፋ ሞራል ኮይኑና። ሽዑ ሕጹያት ደቂ ማሕበር ኮይንና ተመዝጊብና።
ኣብ ሞንጎ ሕጹይን ምሉእን ውዲ ማሕበር ዝነበረ ፍልልይ እንታይ እዩ?
ምሉእ ኣባል ምሉእ መሰልን ደሞዝን ኣለዎ፡ ሕጹይ ግን ፍርቂ ደሞዝ እዩ ዝወስድ።
ካብኡ ባጽዕ ኬድና ንምርኢት፡ መሊስና ንኢትዮጵያ ኪድና ንዑደት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ባህር ዳር፡ ድረዳዋ፡ ብዙሕ ምርኢት ኣርኢና።
ንስኻ ሽዑ ደራፋይ ጥራይ ዲኻ ኔርካ?
ኖ (ፐርካሽን) እሕዝ፡ ማሪካሽ፡ ካው ቤል እሕዝ ነይረ፡ ነቲ ድራመር እሕግዞ ኔረ። ዳርጋ ባዕለይሲ ነቶም ባንድ ተሓዊሰዮም እየ፡ ኣብ መድረኽ ጥራይ እየ ብወግዒ ዘይወጻእኩ። ቀንዲ ክእለተይ ከመሓይሽ ዝሓገዘኒ ድማ ኣብ እቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ምዝዋር ሓደገኛ ኮይኑ ኔሩ። ወልዒ ዝበሃሉ ኔሮም፡ ብድሕሪኡ ኣይትንቀሳቐስን ኢኻ ሕጂ ንዓይ እዚኣ መመኽነትያታ ኮይናትኒ። “ድሕሪ ሕጂ እንተ ኣምሲኻ ኣብ ዘምሳኻዮ ሕደር ተባሂለ” ቤሎ ኢለ። ኣብ ክለብ ማ.ት.ኣ በዓል ተወልደ ኣብራሃ (ማንጁ) ገለ ኣቡኡ ስለ ዘምስዩ፡ ኣነ ካብ’ቲ ክለብ ፍቓድ ወሲደ፡ ናይ ቃኘው ስቴሽን ረድዮ ወሊዔ፡ ነዚ ድራም ብጸልማት ምሉእ ለይቲ በይነይ ክወቕዖ እሓድር። ከምኡ ይገብር ምንባረይ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ደሓር ኣጋጣሚ ዓሊ ስዒድ ድራመር እዩ ኔሩ ንፉዕ ኮመዲያን ውን ኔሩ፡ ምስ ኣርኣያ በላይ ብገለ ምኽንያት ኣይተሳማምዑን ኔሮም ተዃርዮም፡ ሽዑ ክፈታትን ርእዮሙኒ ስለ ዝነበሩ ፐርካሽን ሓዝ ተባሂለ። ዓሊ ስዒድ እዩ ዝሕዛ ኔሩ። ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ክዳን ናይ ኦርከስትራ ተኸዲነ ምስታ ባንድ ተሳኢለ። እታ ስእሊ እቲኣ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ማ.ት.ኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝገበረቶ ለይታዊ ትልሂት ትወጽእ ኔራ። ኣትየ ኣብ’ቲ ኦርከስትራ ማለት እዩ። ድራመር ኮይነ፡ ሓንሳብ ድማ እደርፍ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣኮርዲዮን ክወቅዕ ጀሚረ። ሕጂ እዉን ኣኮርድዮን እፈታትን ከም ዘለኹ ኣይፈልጡን እዮም ማ.ት.ኣ።
“ኣነ እዉን ከምኡ ሰሚዔ ኣለኹ፡ “ዓብደላ ኣብ ናይ ማ.ት.ኣ መለማመዲ ቦታ እናሓደረ እዩ ዘሕልፎ ኔሩ ግዚኡ”
ሙሉእ ለይቲ እየ ዚሓድር እምበር፡ እቶም ሙዚቀኛታት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ገለ የማስዩ፡ ካብኡ ገገዝኦም ይኸዱ፡ ኣነ ድማ ሽዑ እጅምር። ጃብር ማሕሙድ ብጣዕሚ እዩ ሓጊዙኒ፡ ንሱ ባንድ ሊደር እዩ ኔሩ፡ መፍትሕ ኔርዎ፡ የፍቅደለይ ኔሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ተወልደ ኣብራሃ’ዉን የማስየኒ እዩ፡ ንፉዕ ጊታሪስትን ደራፋይን እዩ ኔሩ፡ ምስኡ ኮይንና፡ ኣነ ድራም ንሱ ድማ ጊታራ ሒዙ ምሉእ ለይቲ ክንለማመድ ንሓድር። ንሱ ጥራይ እዩ ለይተ-ለይቲ እጻወት ምንባረይ ዝፈልጥ። ኣብኡ ከለኹ ድማ ኣኮርድዮን ክወቅዕ ጀሚረ። ምስ ፋምፋም እቲ ኖታ ዳርጋ ሓደ ስለ ዝኾነ፡ ክጻወት ጀሚረ፡ ኣብ ርእሲኡ ማ.ት.ኣ ዝኾነ መደብ ክህልዋ ከሎ፡ ደራፋይ ‘ተዘይመጸ ኣነ እደርፍ ዳርጋ ናይ ኩሎም ኣጽኒዔዮ ኔረ። ነታ ኣኮርድዮን ለይቲ ለይቲ ከምዝወቕዓ ከርእዮም ይደሊ ኣይነበርኩን።
ሓንቲ ዝረሳዕኩልካ’ባ፡ ካብ ኢትዮጲያ ናብ ኣስመራ ቅድሚ ምምላስና፡ ናይ መወዳእታ ምሪኢትና ኣብ መርካቶ ሲነማ ራስ፡ እዩ ኔሩ። ክንጻወት ኣምሲና፡ “ሕጂ ድማ ዓብደላ ኣቡበከር ናብ መድረኽ ” ተብሂሉ ጓል ምጽዋዕ ትብል ደርፊ ክደርፍ ጀሚረ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ መንጎ እናደረፍኩ መብራህቲ ጠፊኡ፡ ኣቋሪጽና፡ ቁሩብ ጸኒሓ ተዓርያ፡ ኣርኣያ በላይ ካልእ ደራፋይ ከም ዝመጽእ ሓቢሩ። “እታ ጀሚራ ዝነበረት ደርፊ ትቐጽል፡ ዘይሰማዕናዮ ነቲ ደራፋይ ኢሉ ፊስካ ዋዕዋዕ ገለ ጌሩ እቲ ተዓዛባይ” እንደገና ተጸዊዔ ኣትየ፡ እናደረፍኩ ፍርቂ ምስ በጻሕኩ ድማ መሊሳ ጠፊኣ፡ እንደገና ምስ መጸት ሰብ ፊስካ ‘ታ ደርፊ ክትቅጽል ሓቲቱ፡ “እቶ በል” ተባሂለ። ምስ ኣተኹ፡ ከምዚ ናይ ትዊስት ቢት፡ ዉዕይ’ቲ እያ ኔራ እታ ደርፊ፡ ብተፈጥሮ ሓፋር እየ ሽዑ ግን እስዕስዕ ኔረ እተዓጻጸፍ፡ ኣብ ስተይጅ እንተ ደይበ እቕየር’የ፡ ዋላ ንዓይ’ዩ ዝገርመኒ። ሕጂ ሓንቲ ጓል መጺኣ ትስልመኒ’ሞ ምሳይ ክትስዕስዕ ትጅምር። ኣነ ድማ ምስኣ ክስዕስዕ ጀሚረ። ክስዕስዕ ክብል ግን ነቲ ምድራፍ፡ ነቶም ኦርኬስትራ ረሲዐዮም ሙዚቀኛታት ደርፊ ክኣቱ ተተጸበዩ ወይ ከ፡ እታ ሉቸ መሊሳ ጠፊኣ፡ ደሓር ጃብር ማሕሙድ፡ በቲ ናይ ኮቦሮ በትሪ ጌሩ ርእሰይ ኳሕ ኣቢሉኒ፡ “ሉቸ ተዘይትኸይድ ኣባላሺኻና ኮ ኔርካ!” ዝዓይነቱ’ዩ።
ብዝኾነ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደት ተወዲኡ ኣስመራ ተመሊስና፡ ማ.ት.ኣ ኣብ’ቲ ግዜ እቲ ድሕሪ 6 ወርሒ ወይ ድሕሪ ዓመት’ያ ምርኢት ተዳሉ። ኣብ ሲነማታት እዩ እቲ ምርኢት ዝግበር፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ምስ ኣርኣየት ኣኺላያ። ንሕና ድማ ሓደሽቲ ሙዚቀኛታት ስለ ዝነበርና ምሸት ምሸት ኢና ክንወቕዕ ንደሊ። እዚ ምርኢት ድሕሪ 8 ወርሒ ክግበርዩ ዝብል ኣብ ሓንጎልና የለን። ሕጂ ንማትኣ ሃዊኽናያ ማለትዩ፡ ቀዳም ቀዳም ሸው ዘይንገብር። ኣብ ፒካዲሊ በዓል ሸርሓዲን ዚባሃሉ ካብ ሱዳን ዝመጹ ምሸት ምሸት ባንድ ኮይኖም ክጻወቱ ስለ ዝራኣና ማለትዩ። እዋእ እሞ ንሕናስ ባንድ ኮይንና ቀዳም ቀዳም ዘይንጻወት ኢልና ጀሚርናያ። እዚኣ ሰሊጣትና ፍርቂ እቶም ሙዚቀኛ ተፈሊና ። ምኽንያቱ ኣባላት ማ.ት.ኣ 43 ኢና። ካብ’ዚኦም ሓደ 8 ሰባት ንምሸታዊ ትልሂት ንምረጽ ማለትዩ። እቶም ሙዚቀኛ ዎ ክልተ ደረፍቲ ይውሱኹልና በቃ… ኣጋጣሚ ኣብ’ቲ ኣነ ዝኣተኹሉ ተወልደ ረዳ ገዲፍዎ ነይሩ። ንሕና ከኣ ብናይ በዓል ተወልደ ረዳ ሙዚቃን ደርፍን ጊታራን ስምዒት ሒዙና ኢና ሙዚቃ ጀሚርና፡ ምስ’ቲ ንተወልደ ረዳ ዝነበረና ኣድንቖትን ክብርን ግን ኣብ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደት ኣይነበረን። ን ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኔሩ። ሕጂ ምሳና ስለ ዘይነበረ ኣነ ንተበርህ ደርፍታት ክህባ ጀሚረ ማለትዩ። ምኽንያቱ ዝህባ የለን ፡ ካብ’ቲ ምስ ዜምኡ ዝነበረ ግጥምታት ኣርኢናያ፡ ብዙሕ ዜማታትዩ ነይሩኒ ሽዑ። ውድድር እንድዩ ኣብ ገዛ ብርሃኑ፡ ብዙሕ ግጥሚ ኢና ንጽሕፍ ሓደ ሓሳብ ተምጽእ፥ ላላላ ዝውድእ ረረረረ ዝውድእ ዝኾነ ጥራይ ግጥሚዩ ማለትዩ ከምኡ እዩ ዝመስለና ኔሩ፡ ግን ካብኡ እናተኣራረመ እናተመሓየሽና ኬድና ሕጂ ካብኡ መሪጻ ወሲዳ።
ንተበርህ ዝሃብካየን ግጥምታት ኣየኖት እየን ነይረን? ምስ ዜምኡ ዲኻ ሂብካያ?
እወ ምስ ዜምኤን እየን። ሓንቲ ደፋር ጋሻ ትብል ነይራ፡ ሓንቲ ድማ ምኽሪ ናይ ክልቴና ሳልሳይ ዘይብሉ ትብል፡ ደሓር እታ ስለው ድማ እታ ሓደራ ሓደራ ትብል ንመን ኢኻ ገዲፍካኒ ንሳ ድማ ሂበያ ማለትዩ ተወልደ ረዳ ስለ ዘይነበረ፡ ኣለካ ሙሽ ብዙሕ ደርፊ ኣይነበራን ብዝኾነ ንሳተን ሂበያ ተሓጉሳ። ንዓይ ከኣ ዓቢ ሞራል ኮይኑኒ፡ በዚ ዜማን ግጥምን ክህብ ጀሚረ፡ በዚ ድማ ድራም እጻወት በቃ ደስ ኢሉኒ።
ናብ በዓል ዘርኣይ ደረስ ዝኣተኻሉ ኩነታትከ?
ኖ ገና ደሓር እንደገና ድማ ኣስመራ ምስ ተመለስና ኣኮርድዮን ተተሓሒዘያ። ኣብ ማ.ት.ኣ ካልድ’ዩ ዝጻወት ኣኮርድዮን፡ ተስፋልደት ዝበሃል እዉን ንፉዕ ኣኮርድዮን ዝጻወት ኔሩ። መም ኣስረስ ድማ ኣኮርድዮን’ዩ ዝጻወት፡ ሕጂ መም ኣስረስ ስራሕ በዚሕዎ ከይመጸ ቀንዩ ኔሩ። ኣጋጣሚ ሕጂ ኣብ ማ.ት.ኣ ምስ መጸ ኣኮርድዮን ክትውቃዕ ሰሚዑ፡ ሕጂ ተስፋልደት ዝጻወት ዘሎ መሲልዎ፥
“ንተስፋልደት ደልየዮ ኣለኹ ጸዉዑለይ” ይብል፡
”ተስፋልደት የሎን” ይብልዎ፡
“ሰሚዓዮ እንድየ ሙዚቃ ክወቕዕ” ይብልሞ
“ኖ ንሱ ኣይኮነን”
“መን ዳኣዩ?”
“ዓብደላ”
“ዋእ ዓብደላ ኣኮርድዮን ይወቅዕ ኣሎ?” ኢሉ ናባይ መጺኡ ገሪምዎ ውቃዕ ይብለኒ ይወቕዓሉ “ኦ” ኢሉ “ንፉዕ! ንፉዕ! በዚ ድራም በቲ ድማ ኣኮርድዮን! ደራፋይ ድማ!” ኢሉ የተባብዓኒ ኣነ ድማ ድፍረት ደሊበ። ብኸምዚ እናኸድና ኣጋጣሚ ሓደ ግዜ ኣብ ባጽዕ ብዘይ ፍቓድ ማሕበር ምስ’ቲ ባንድ ሊደር ዝነበረ ኣብ ሓደ መርዓ ተጻዊትና። ደሓር ሃይለ ገብሩ ድማ ሓደ መዓልቲ ይመጻኒ’ሞ፡ “በጃኻባ ኣብ ደቀምሓረ ናይ ተማሃሮ ሸው ስለ ዘለናስ ኣኮርድዮን ሓዘልና?” ይብለኒ። ሮኬት ሽዑ ነይራ ከም ባንድ ግን ዝተመቃቐለት ሮኬት እያ ኔራ። ኣነ ድማ ከይደ ሒዘሎም ማለትዩ፡ ሙዚቃኦም ዘይፈልጦስ ኣብቲ ሸው መዓልቲ፡ ኣብ’ቲ ሸው ውሽጢ ኣጽኒዓዮ ነቲ ሙዚቃ ማለትዩ እናኸደ እቲ ጸወታ። ሕጂ ካብ ደቀምሓረ ምስ ተመለስና ካብ ማ.ት.ኣ መቕጻዕቲ መጺኡ ማለትዩ። በዓል ኣልኣሚን፡ ጃብር ኣብ ባጽዕ ብዘይ ፍቓድ ናይ ማሕበር ስለ ዝደረፉ፡ ኩሎም 100 ቅርሺ ተቐጺዖም፡ “ዓብደላ ኣቡበከር ድማ ናብ ሕጹይ ወዲ ማሕበር ተመሊስካ ኣለኻ” ኢሎሙኒ። ሽዑ ምሉእ ኮይነስ ገና ሓንቲ ከይረኣኹላ ሰሙን ከይገበረት ሕጹይ ተመሊሰ፡ ናይ ብሓቂ ሽዑ ሓሪቐ፡ ኢትዮጵያ ድማ ክንዘውር ኢና መደብ ኔሩ ሕጂ ድማ ሕጹይ ወዲ ማሕበር.. ሕጂ ዓመት ምሉእ ከምኡ ኣሕሊፈዮ ብፍርቅሲ ደሓር ምሉእ ኮይንካ ምስ ተባሃልኩ ሓንቲ ከይጠዓምኩ እሞ ኣብቲ ቀንዲ ዑደት ናብ ኢትዮጵያ፡ እዚ ኩሉ 6 ወርሒ ኣጽኒዕና እሞ ነቶም ዓበይቲ ደረፍቲ 100 ክቕጽዑ ከለዉ ንዓይ ሕጹይ ምምላሶም ኣይወረደለይን፡ “ሕጂ” ይብሎም ኣለኹ “ሕጂ ድሕሪ ሕጸ ምሽ መርዓዩ፡ እሞ ድሕሪ መርዓ ድኣ ሕጸ ኣሎ ድዩ? ድሕሪ መርዓ ፍትሕዩ ዘሎ” ኢለዮም ተጸሊሎም። ሽዕኡ ገዲፈዮም ማለትዩ ምስ በዓል ሃይለ ገብሩ ኣትየ።
ኣብ ሮኬት በዓል መንዮም ነይሮም ሽዑ?
በዓል ተኽለ ተስፋዝጊ’ዮም ነይሮም ግን ኩሎም ዳርጋ ገዲፎሞ’ዮም ነይሮም። በዓል መምህር ሰለሙን፡ ጸጋይ ተስፋይ ብዙሓት’ዮም ኔሮም ግን መብዛሕቶኦም ከም ናይ ማ.ት.ኣ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ትያትር ዝገብሩ ሰባትዮም። ብዝሖም 30 ድዮም 40 እዮም ዝብሉ፡ ግን ኣይትርእዮምን ኢኻ ኣኼባ ኣይገብሩ … እቶም ሙዚቃ ንጻወት ግን ሓሙሽተ ኢና፡ ኣነ ሃይለ ገብሩ፡ ብርሃነ ወዲ ገ ኣዉረልዮ ጆቫኒ እዝከረኒ ጽብቕቲ ጊታራ ነይራቶ፡ ፡ ኣረፋይነ ድማ ሳክስ ይጻወት ማለትዩ። ሕጂ ንሕና ንጻወትሞ እቶም ሮኬት ድማ ዘየለዉ፡ ፍርቂ ሰልዲ ንህቦም፡ ባዕልና ኣምጺና …. እዋእ ኣበይ’ለዉ? ዘየለዉ … እሞ ናትና ባንድ ዘይንገብር ተባሂሉ ማለትዩ፡ ሽዑ በቃ ምስ ሮኬት ተፈላሊና ዘርኣይ ደረስ ትበሃል ባንድ መስሪትና።
“ዕዮና ክንጅምር እነና ተበጊስና
ዘርኣይ ደረስ ብዝብል እናተጸዋዕና “
ትብል ደርፊ ናብ ሬድዮ ሰዲድናያ መታን ሮኬት ከምዝተፈላለና ክትፈልጥ። “ሮኬት ኣይኮንናን ዘርኣይ ደረስ ኢና” ዝብል መልእኽቲ ኢና ክንሰድድ ደሊና። ተረዲኡካ’ሎ? ሽዑ ዳርጋ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ክንጻወት ጀሚርና። ኣርባዕተ ሰዓት ንመዓልቲ ልምምድ፡ ምሸት ምሸት ድማ ኣብ ፒካዲሊ ክንጻወት ጀሚርና ማለትዩ። ሰብ ዘይብሉ። ካብ ሰሉስ ክሳብ ሓሙስ ሰብ ኣይመጽእን እዩ ግና እናልመድናዮ 2 ሰብ፡ 5 ሰብ፡ 10 ሰብ፡ እናበዝሑ ንሕና ድማ ደርፍታት እናኣጽናዕና፡ ብጣዕሚ ኢና ጽዒርና እቲ ባንድ ዲሲፕሊን ነይርዎ ሕልምታት ነይርዎ ፡ በቲ ዝኣከብናዮ ሰልዲ መሳርሒ ምግዛእ፡ ዲቪዛ ምግዛእ፡ በብዓይነቱ ነገራት… ክሳብ መኪና ገዚእና። ኣምፕሊፋየራት፡ ሳውንድ ሲስተም፡ እቲ ማሕበርሲ ኣኼባ ዘይብሉ ማሕበርዩ ነይሩ፡ ዝገርመካ ኣኼባና ኣብ ግዜ ልምምድ እዩ። “ንዝመጽእ ሰሙን ክንድዚ ጸወታ ኣለና፡ ክንድዚ ከኣ ክንክፈል ኢና መብዛሕትኡ ግን ዕዳና ክንከፍል ኢና ኣቁሑት ክንገዝእ ኢና” እንተተባሂሉ ዋላ ሓደ ዝዛረብ ሰብ የለን ፡ ኖእ ዝብል የለን በቃ ንኽገርመካሲ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመት ከምኡ ከይዳ። ዋላ ሓደ ዘዕዘምዝኣም ዝቃወም የለን። ዋላ ሓደ ሰኺሩ፡ ደንጉዩ ዝመጽእ ኣይነበረን። ኩሉ ብዲሲፕሊን፡ ይገርመካዩ…ወረና ብደገ ፈጺሙ ኣይስማዕን እዩ። ብዛዕባና ዝፈልጥ ብዛዕባ’ታ ባንድ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ የለን፡ ጥራይ ኣብ ምርኢት ግዜ ኢኻ ትረኣአ ማለትዩ ፡ ናብ ከተማ እንተ ወሪድና ቢልያርዶ ገለ ንጻወት ሻሂ ንሰቲ፡ ጽቡቕ ዲሲፕሊን ነይሩና፡ ምስ’ቶም ሙዚቀኛታት እናተዋሃሃድና ማለት እዩ። ኣብ’ቲ ግዜቲ ኣብ ሓደ እዋን 10 ዝኾና ባንድ እየን ሬክላም ዘውጽኣ፡ ኩሉ ሰብ መሪጹ’ዩ ዝኸይድ፡ ጸገም ዝበሃል የለን፡ ነናትካ ኢኻ ትጻወት ኢንግሊሽ ንጻወት ገለ፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ንሕና ንጻወት ንስኹም ኣይትጻወቱን ዝበሃል ሕክያ ኣይነበረን ጌጋዩ እዚ።
ይቕጽል . . . . .
2ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 30 መጋቢት