ብርሃነ ገብረሂወት
2ይ ክፋል
“ማዕበል፡ ቅዲ ናይዚ ዘመን ስለ ዝዀነ ከምኡ ምባልካ ኣይጸላእክዎን።” መነጸር ሰኺና መለሰትሉ። “ደሓን ዝበልካ በል፡ ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ እዩ። ምድጋፍን ምቅዋምን ናይዚ እዋን ፍልልይ የብሉን። ብፍላይ ከኣ ንኣይ። ከምዚ ዘለዎ ኩሉ ሓደ እዩ መገዱ። ናይ ምውጋእን ዘይምውጋእን ካብ ተላዕለ ግን ኣበይ ምስ ተረኽበ’ምበር፡ ካብ ዘይምውጋእ ክትውጋእ ይሓይሽ’የ ዝብል። ኣይመስለኩምን? ካልእ እንተ ተረፈስ ረዘንቲ ኣምራት ትኸስብ። ምስቲ ገነታዊ ሓሳብ ዝዀነ ሃገራዊ ቻርተር ትላለ። ሃገር፡ ህዝቢ፡ ድሕነት ዝብሉ ኣምራት ቀለልቲ ኣይኰኑን። ምድግጋሞምን ኣብ ውሽጥና ምስራጾምን ኣይጽላእን። ሓደ ዘይስገር ነገር ኣሎ። ክንፈቱ ክንጸልእ፡ እታ ኣላትና እንብላ ሃገር ህግደፍ እዩ ኣምጺእዋን ሓቚፉዋን ዘሎ። ማዕበል ነዚ ትኽሕዶ ኣይመስለንን። ኣተሓቛቑፋ ኣየጸበቐላን፡ ኣይከኣሎን ዘሎ እንተ ኢልካኒ ክቕበለካ እየ። ብልክዕ ውን ኣይከኣሎን። እንተ ኽኢልካ፡ ብኸመይ ከም እትሓቑፋ ዘርኢ ንድፊ ኣቕርብ። ኣማራጺ ሓይሊ ናይ ምዃን ብቕዓትካ ከተረጋግጽ ፈትን። ደፋኢኻ ዘይፍለጥ ከም ውሕጅ ደፋእፋ እናበልካ ምጒዓዝ ዘይኰነ፡ ካበይ ተበጊስካ ኣበይ ከም እተዕርፍ ውጥን ክህልወካ ኣለዎ። ራኢ ክህልወካ ኣለዎ። ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ማይ ኮዖ ኣከቦ ቅዲ ምንቅስቓሳት ድማ ንእመኖ ንኽሓዶ ካብ ማይ ኮዖኡ ኣይሓልፍን’ዩ። ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ምምላስ’ዩ ፋይዳኡ።
“ንሎሚ ዘይኰነ ንዝመጹ ወሎዶታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምሕሳብ ከድሊ’ዩ። እተቕርቦ ንድፊ፡ ብህዝብን ሃገርን ተመዚኑ፣ ቅቡል ክኸውን ወይ ክንጸግ ተኽእሎ ኣሎ። ‘ኣማራጺ ሓይሊ’ ክበሃል እንከሎ ልዕሊ እቲ ዘሎ ሓይሊ ምዃን ወይ ምምጻእ ማለት እዩ ብናተይ ኣረኣእያ። ንብልጫታቱ ክትዕቅብን ንድኽመታቱ ክትምልእን ምኽኣል! ማዕሪኡ ወይ ትሕቲኡ ምዃን ግን ኣየዕውትን’ዩ። እመን ኣይትእመን ሸውዓተ ደረጃ ትሕቲ እቲ ዘሎ ስርዓት ኢኻ ዘለኻ። ደጊፎም እንተላሃዩኻ ዘለኻ ከይመስለካ። ብምጽራፍ፡ ምዝላፍ፡ ምጽላም፡ ምጉብዕባዕ እትኸዶ መገዲ፡ ኣማራጺ ሓይሊ ንናይ ምዃን ብቕዓትካ እዩ ዝቐትል። እዚ ናይ ዝነደዩ ሜላ’ዩ። ከምዚ ትኸዶ ዘለኻ ማለት እዩ። ቀታሊ ነብስኻ ኣይትኹን። ፈቲኻ ጸሊእካ እዚ ምጥባቕ ዘይኰነ ሓቂ እዩ። ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባ-ጉምባሕ ዛግራ ካብ ዝብሉ፡ ኣናፍራ ቈቛሕ ዘይፈልጡ ሃዳኖ ኣሚኑ ስጋ ክድረር ዝጽበ እንተሎ፡ ከብዱ እናሓኸኸ ይሕደር። ረብሓ ሃገርን ህዝብን ካብ ስርዓት ፈልዩ ዘይርኢ ኣተሓሳስባ ከመይ ኢሉ ከም ኣማራጺ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል? መን ክስዕቦ ይጽበ?” ይቀበሎ ኣይቀበሎ ብሓሳብ ሸልበበቶ።
ማዕበል ሰራውር ገጹ ተገታተሩ። ሕርቃኑ ንምድባስ ዓሰርተ ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ካልኣይቲ ሽጋራ ወልዐ። ክቃጸል እንከሎ ኣቃጺሉ መሊሱ ክቃጸል እዩ ዝመርጽ። ዝብድህዎ ሓሳባት ወይ ነገራት ክመጹ እንከለዉ ዓይኑ ጓህሪ ይመስል። ልሙድ ባህሪኡ’ዩ። ብሕርቃን ምስ ተናደደ ናብ ሽጋራ ይጐዪ። ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክሓርቕ እንከሎ ኣብ ሽጋራ እዩ ዑቕባ ዝሓትት። ከም ድፋዕ ካብቲ ዝመጾ መጥቃዕቲ ዝከላኸለሉ ኰይኑ እዩ ዝስመዖ። ኣብኡ ይሕባእ። ዝሰሓቦ ትኪ ንደገ እናውጸአ ንክምልስ ኣብ ምድላዋት ነበረ። ዕድል ግን ኣይረኸበን።
“ሓንሳብ እሞ ሓንሳብ” እቲ ኣብ ስቕታ ተዓቚቡ ዝነበረ ርግኦ ንኽዛረብ ቀዲምዎ ኣፉ ከፈተ።
ብምሉኦም ርግኦ ንዝብሎ ክሰምዑ ኣእዛኖም ኣዳለዉ። ርግኦ ከም ስሙ እዩ። ርግእ ዝበለ ባህርያት ዝውንንን ርግእ ኢሉ ዝዛረብን። ብዕድመ ንእሽቶይ ኣይኰነን። ወዲ 65 ዓመት’ዩ። ማዕረ ዝተቘጽረት ዕድመኡ ተመኩሮ ኣለዎ። ብቐሊሉ ንዘረባ ኣይትስእን። ክዛረብ እንተ ነቒሉ ከኣ ካብ ህውተታ ዝረሓቑ ዝሃርሙ ነጥብታት’ዩ ዝድርቢ። ላህማም ዘረባን ኣዘራርባን ዝጸልእ፡ ብትኽ ብትኽ እዩ ዝፈቱ። ክምሕሮም ከም ዘይኰነ ኣይሰሓትዎን። ይኹን እምበር፡ ንልቦም ዝወግእ እንተ ዘይኰይኑ ንእዝኖም ዝዀኺ ቃል ከም ዘየውጽእ ይፈልጡ እዮም። ዘይ ከም ኩሎም፡ ማዕበል ዘረባ ርግኦ ንኽሰምዕ ኣብ ህንጡይነት ኣይነበረን። ክብሎ ዝደለየ ስለ ዝነበሮ ይህውጾ ነበረ። ናይ ምዝራብ ዕድል ብምስኣኑ፡ ኣብ ኮፍ መበሊኡ ኰይኑ ተመጣልዐ። ዓቕሊ ውን ኣይገበረን።
“ያ ጀምዓ፡ ብኽንደይ ወይጦታት ህግደፍ መዋእልና ክንስበኽ ኢና። ይኣክል! ከመይ ኢሎም እዮም ልዕሌና ተሓለቕትን ሃገራውያንን ኰይኖም ዝቐርቡ? ሃገር እናዕነውን ህዝቢ እናኣበሳበሱን ዘምጻእናያዶ ዝሓቘፍናያ ክብሉና? ቁሩብ ኣይሓፍሩን! ኣበይ ዘላ ጉማማ እያ እዚኣ ……” ሒቕታኡ ተፍአ።
“ሓቁ እዩ ማዕበል። ሃገርን ህዝብን ብህግደፍ ዓንዮም እዮም። ዝተረፎም የብሎምን።” መቓልሕ ደገፉ ኣረጋገጸ።
“ማዕበል ኣይትተሃወኽ’ንዶ ኣዋህልል። ህድእ በል።” ርግኦ ንማዕበል ኣረጋጊኡ ንመቓልሕ ግዲ ከይገበርሉ ቀጸለ። “ኣብ መንጎ ዘረባኹም ደኣ ኣትየ ይቕረታ እምበር ….” ትሕትናኡ ኣንጸባሪቑ ክቕጽል እናሓሰበ፡
“ኣብ መንጎ ዘረባኹም ደኣ ኣትየ ይቕሬታ እምበር” መቓልሕ ንዘረባ ርግኦ ተቐቢሉ ደገሞ።
ርግኦ ኣብ ሓሳብ ዝጠሓለ ክመስል ዝን በለ። ኣብ ገጹ ዝንበብ ስምዒት ኣይነበረን። ንዝተዛረቦ ስለ ዝደገመሉ ይላገጸሉ ከም ዘሎ ዝተረደኦም ኔሮም እዮም። መቓልሕ ግን ኣብ ላግጺ ኣይነበረን። ሓቀኛ ባህሪኡ እዩ ዘንጸባረቐ። ርእሱ ክኢሉ ወይ ምስ ማዕበል ተደሪቡ ስሙ ብርግኦ ስለ ዘይተላዕለ ቅር ኢልዎ ነበረ። ኣጠማምታ ካብ ምኽፋእ ሓሊፉ ግን ቃል ኣየምሎቐን። በቲ ዝወሰዶ ስጒምቲ ግዜ ይጽበ ከም ዝነበረ ኣመስከረ። ስሙ ክጽዋዕ ባህታ እዩ ዝፈጥረሉ። ጸለውቲ ሰባት ክመሓዞ ይፈቱ። ምሰኣቶም ስእሊ ክለዓል ወይ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ክረአ ዕግበት ይፈጥረሉ። ካልእ ውራይ የብሉን። ንሳቶም ዝብልዎ ፈጣሪ ከም ዝበሎ እዩ ዝወስዶ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕላላቱ እገለ ከም ዝበሎ፡ ምስ እከሊት ሻሂ ምስ ሰተኹ፡ ምስ እከለ ምስ ተላለኹ እዩ ዝብል። እንታይ ከም ዝደግም እንተ ዘይኰይኑ እንታይ ክብል ከም ዘለዎ ብዙሕ ኣየገድሶን። ብዛዕባዚ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። ስሙ ግን በቲ ኢሉ በቲ ክለዓል ኣለዎ። ስሙ ክለዓል እንከሎ እዩ ከም ዝኸሰበ ዝስወጦ። የኽመስምስ። ንዓለም ከም ዝተቘጻጸራ ይፍሳህ። ስሙ እንተ ዘይተላዒሉ ከኣ ብኸመይ ከም ዝለዓል ኣይጠፍኦን። ዘዝተባህለ ከም ዘለዎ ወይ ነቲ ሓሳብ ወሲዱ ብምድጋም ህላውነቱ ከረጋግጽ ይፍትን። ነዚ እዩ ድማ ድምጺ ርግኦ ከም ዘለዎ ዝደገሞ።
“ሓንሳብ ተዓገሰና መቓልሕ” ርግኦ መቑነኑ መጠወሉ።
መቓልሕ ዝደልዮ ስለ ዝረኸበ ባህታ ተሰምዖ። ሩፍ በለ። ኩነታቱ ኣስተብሂሉ፡ ኣመት ዘረባኡ ንምግባር ርግኦ ጐረርኡ ጸራረገ። “እንታይ ይመስለኩም ኣሕዋት፡ ኣይግረምኩም፡ ንዓይ ግርም እዩ ዝብለኒ። ሽግርና ልዕሊ ካልኦት ከም ዝኸበደን ከም ዝሰብሐን ምስ እምባ ኤቨረስት ተመሓዝዩ። ጸያፋት ኣፎም ከጽርዩሉ፡ ጓህማማት ክስሕቁሉ ይውዕሉ ኣለዉ። ልዕሊኡ ወጺኡ ሰንቀ ሰማያት ከም ዝተንከፈ ዝዛረቡሉ ውን ኣይተሳእኑን። ሽግር ዘይብሉ ዓለም ግን ኣይረኣናን። ናይቶም ብኣና ዝዋራዘዩ እኳ ይብእስ። ዋናኣ ዘቕለላ በቕሊ ግን ዕዳጋ ወሪዳ እንታይ ዋጋ ከይተውጽእ!? ንሕናን ተፈላሊናን፡ ንሕናን ተጐዛዚናን! ንሕናን ተነዓዒቕናን! ንሕናን ንፋስ ኣእቲናን! ንሕናን ተሸያይጥናን! ንሕናን ተተፋኒንናን! ንሕናን ተረሓሒቕናን! ክትዛረበሉ የሕፍር። ‘ኣይትርብሑ እምበር ኣይትብዝሑስ ኣይመርገምን’ ዝተባህለ ከምዚ ምስ ተረኽበ’ዩ። ንምንታይ’ዩ እዚ ጫውጫውታ ግርም እዩ ዝብለኒ። ንግርጭታትና መን ኣብ ማእከልና ኣትዩ የንበድብዶ ከም ዘሎ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣነ ኣቐዲምና ምስ ነብስና ክንማጐት እየ ዝጠልብ። ምስ ነብስና ምስ እንዕረቕ ጥራይ ኢና ኣብ ነንሓድሕድና ንዘሎ ግርጭት ከነወግዶ እንኽእል። መድሃኒትና ክንደሊ ሕማምና ንፍለጥ። ምስ ነብስና እሞ ንዘቲ ምስ ነብሱ ዘትዩ ዝወደአ ዘረባ ይጀምር።” ይሓይሽ ዝበሎ መገዲ ምርድዳእ ኣካፈለ።
ገዛ ዋዕዋዕታ ከእንግድ ከም ዘይጸንሐ ብጸጥታ ተዋሕጠ። ትም ሕትም ኰነ። እታ ተዓብሊላ ዝጸንሐት ደርፊ ንኽትዕብልል ዕድል ረኸበት። ይሰምዕዋ ኔሮም ይዀኑ እዮም። መምስ ነብሶም ይዝትዩ ነበሩ። ክሳዶም ናብ መሬት ኣውዲቖም ደኒኖም ይረኣዩ። ኣብ ፈረስ ሓሳብ ተወጢሖም ናብ ዘይምለሱሉ ኣርሒቖም ዝገሹ ይመስሉ። ምስታ ደርፊ ተረፍኩ። ክልተ ግዜ ጀሚራ ወደአት። መመሊሳ ትሕድሰኒ ነበረት።
“ከምቲ ዝበልካዮ እዩ ርግኦ። እቲ ፈውሲ ምስ ነብስኻ ኣብ ምትዕራቕ እዩ ዘሎ።” ንስሪ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ስቕታ ሰበሮ። “ብወገነይ ንነብሰይ ክፍትሻ ጸኒሐ። ምስ ነብሰይ ባእሲ ስለ ዘይብለይ ምስ ነብሰይ ዝዕረቐሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን ዘሎ። ሰባት ብዓይኖም ገዲፎም ብእዝኖም ክርእዩ ምስ ጀመሩ፡ ምስ ብርሃን ተባቲኾም ምስ ድምጺ ክዕረቑ ግን ተዓዚበ። ኣብዚ እዩ ዘሎ እቲ ባእሲ። ስሕበት ግዳማዊ ድምጺ እምበር ስሕበት ውሽጣዊ ብርሃን ንእግሮም ከማእዝኖ ኣይገጠመንን። ኣነ ከኣ ንእዝኖም ዝበቅዕ ድምጺ ስለ ዘይብለይ ንበይነይ እቃናዞ ኣለኹ። ሓሶት ኣይትቀደም’ዩ ዘመኑ። ብሓሶት ንዝተጨውዩ ብሓሶት ክመልሶም ዓቕሚ የብለይን። ናብ ልቦም ክሳዕ ዝምለሱ ግን ክዕዘቦምን ክጽበዮምን እየ። ንስኻትኩም ቀጽሉ። ኣነ ስራሕ ኣለኒ ክኸይድ። ኣብ ዓወት የራኽበና።” ክፋነዎም ብድድ በለ።
“ኣነስ ናትካ እዩ ዘተሓሳስበኒ። ክሳብ መኣስ ኢኻ ኣርዑት ባርነት ተሰኪምካ ክትነብር? ተደንግጽ። ዘይንዓኻ ደኣ መን ምስ ነብሱ ምትዕራቕ የድልዮ ኣሎ? ናይ ብሓቂ ተደንግጽ!” ማዕበል ኣባጨወሉ።
“’ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ኣሎ’ ዝተባህለ ከምዚ ምስ ተረኽበ’ዩ ዝኸውን። ዘመድካ ብምዃነይ’ዩ ዝድንገጸኒ።”
“ዓሻ? ንዓይ ዓሻ ክትብለኒ?!” ማዕበል ተቘጠዐ።
“ይንእሰካ’ዩ ኣይብልን።” ንስሪ ብህዱእ መንፈስ መለሰሉ። “ዘረባ ዘረባ ካብ ወለደ፡ ብዘይቀልዓለም ክንዛረብ። ሓቂ ብጽሒታ ከተልዕል እንተ ደኣ ኰይና፡ ነቲ ዘደንግጽ እዩ ክድንገጾ ዘለዎ። ማዕበል፡ መን እዩ ንስኻ እትድንግጸሉ? ንኣይ ዘይኰነ ንኣኻ እዩ ዝድንገጸካ። ጊላ’የ ሓቅኻ ኣይተጋገኻን። ጊላ ናይታ ኣላትኒ እትብላ ሃገር እየ። ክትምስክረለይ ብምኽኣልካ እኾርዕ። ጾረይን ጾርካን ተሸኪመ ኣለኹ። ጽያፈይን ጽያፍካን ክዓጹ፡ ግቡአይን ግቡእካን ኣብ ምዕማም ኣለኹ። ሓላዊ ደረታ እምበር ሓላዊ ስልጣን ሰብ ኣይኰንኩን። እቲ ዘሕዝን ብረት ኣልዒልካ ትሃርመኒ ምህላውካ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዕሽነት ኣሎ ዲዩ?……. ንኽፋእካ ክሰትር ግን ድቃስ ርሒቑኒ እየ ዝሓድር። ንዕሽነትካ ከም ደም ስኒ ውሒጠዮ እየ ዝነብር። ክንደይዶ’ኳ ከይትምልሰለይ፡ ግን ሓደ ሕቶ ክሓተካ። ትማሊ ብሓደ ኔርና ሓቀይ? ሒዝካዮ ዝነበርካ ብረት ደርቢኻ ደኣ እንታይ ብረት ኣትሓዘካ? እንታይ መለሳ ኣለዎ? ንመን ንምርካብ? እቲ ትፍንዎ ማዕበል ድምጽታት ከ ሓሲብካን ነፊኻንዶ ትፍንዎ? ወይሲ ምላእ እዩ?” ኣዋጠሮ።
ማዕበል ኣይመለሰን። ርእሱ እናሓኸኸ ኣመት መልሲ ዘይኰነ ኣመት ሽጋራኡ ናብ ምግባር ኣተወ። ርግኦ ንንስሪ ቀው ኢሉ ይጥምቶ ነበረ። ንትብዓቱ፡ ጽንዓቱን ነብሰ ምትእምማኑን ኣድኒቑ ኣይጸገቦን። ኣንጸባሪቑዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ስምዒት ኣብ ገጹ የንጸባርቕ ነበረ።
ይቕጽል . . . . . . . .
3ይ ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 16 ታሕሳስ