ብርሃነ ገብረሂወት
1ይ ክፋል
ከውታ ለይቲ’ዩ። ድቃስ ስለ ዝኣበየኒ፣ ከም እትደጋገም ጌረ ንዘዳለኹዋ ደርፊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ምስትምቓር ተተሓሓዝኩዎ። ክስልችወኒ እንከሎ ዝጥቀመሉ ሜላ እዩ። መዐገሲ ቀጨውጨው ዝወስዶ ፍቱን መድሃኒት። ንዝመረጽክዎ ደርፊ ከምኡ ጌረ ንኽሰምዖ ባህ ይብለኒ። ናይ ሓደ ሰብ ዘይኰነ ናይ ዝተፈላለዩ ደረፍቲ ከከም ኩነታቱ’የ ዝጥቀመሉ። ናይ ኣብራሃም፡ ኣብራር ዑስማን፡ የማነ ባርያ ካብተን ብብዝሒ ዝደጋግመን እየን። ኣብዛ ለይቲ፡ እታ ‘ተሓምበለ’ ዘርእስታ ደርፊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ እያ ተረኛ ኔራ። ፍሉይ ኣጋጣሚ ስለ ዝነበረ ዘይኰነ ግን ነገር ኣጋጣሚ እዩ።
“ንሓዋሩ ከይንውጻዕ ከይንዀን መፍቶ ጓና
ዕቤት ክንጓናጸፍ ዓቕሚ ክህልወና
ብስዉር ሰንሰለት ፍቕሪ ተራኸቡ ኢላ ኣደና።”
እናበለ፡ ኣብራሃም ይደርፍ ነበረ።
ብጽሞና እከታተሎ ነበርኩ። ተምሳጥ ሓዊሰ’የ ዝሰምዕ። ውሽጠይ ብዝኣዘዞም መሰረት ኣእዛነይ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ’ዮም ተጸሚዶም። ‘መልእኽቲ ናይዚ ደርፊ ጽን ኢሉ ዝሰምዖን ዘስተማቐሮን ይህሉዶ?’ ሃንደበት ዝመጸኒ ሓሳባዊ ሕቶ’ዩ። ኣይመለስኩን። እንታይ ኢለኸ ክምልስ? በየናይ መጽናዕቲ! ካብ ሓሳብ ከይተገላገልኩ ግን እታ ደርፊ ትቕጽል ነበረት። እንተ ወዲኣ ደጊማ ስለ እትጅምር ዝሓለፈኒ እናመላእኩ፡ ሓንሳብ ማዕረኣ ሓንሳብ ገፈፍ እናበልኩ፡ ኣነ ውን ምስትምቓረይ እቕጽል። ሰማዒ ምዃን ክንደይ ይጥዕም!
“ድኽነትሲ ይብዳህ’ዩ ኣተሓሳስባ’ዩ እቲ ፈልሲ
ፍቕሪ’ንድዩ ሕመረቱ መሪር ናይ ምንባር ቃልሲ
ኣየ’ወ ነዚ ጽባሕ ሓመድ ዝበልዖ ነብሲ።”
ኣብራሃም ኣዳመጸ።
ኣድማሳዊ ሓቂ ኣብ ደርፉ ጐፍ በለኒ። ፈልሲ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብዳህ ድኽነት ንዝህልዎ ግደ ኣነጸረለይ። ኣድነቕክዎ ድማ። ‘ዘይድኽነት ኣተሓሳስባ እንታይ የሳቕየና ኣሎ። ኣየናይ ሕማም ዶ ኣሎና’ዩ?’ ሕጂ ውን ምስ ነብሰይ ተዛረብኩ። ምስ ነብስኻ ምዝርራብ መቐረት ኣለዎ። ሓይልኻን ድኻምካን ንምግምጋም የኽእል። ብማይ ዘይኰነ ብምስትንታት ተሓጺብካ ውሽጥኻ ይጸሪ። ተሓዲስካ ስለ ትፍጠር ድማ ጥዑም’ዩ።
“ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀት ሽምዓ ከይትቕህም
ዘዝበቖለት ተኽሊ ከይትቕምርር
ዘዝነቐለት ፍልጠት ከይትዳኸም
ንላዘብ ዶ ኣለና ንመኻኸር
ንሰምር ዶ ኣለና ንተሓናገር
ኣተሓሳስባና እንተ ሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ።”
እንደገና፡ ብመንገዲ እዛ ደርፊ መሊሱ ረዚን ሓቂ ኣብ ኣእምሮይ ደወለ። ምግራመይ ንኽውድእ ዕድል ኣይሃበንን። ኣብ ሓሳብ ራሕሪሑኒ፡ ኣብራሃም ቀጸለ። የርክቦ ኣየርክቦ ኣነ ውን ደድሕሪኡ። እና’ስተንተንኩ እስዕቦ። ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሳ ንበይነይ ምስ ኣስተማቐርኩዋ ድሕሪኡስ ሰብ ሓዊሰ። ንበይነይ ዝተመነኹዋ ደርፊ፡ ጸኒሓ ባዕላ መቛድስቲ ጸዊዓትለይ። በዚ መጺኦም ዘይበልኩዎም ሰባት፡ ከውታ ለይቲ ኣብ ጐድነይ ተቐሚጦም ክሰምዑዋ ጀመሩ።
“’ንላዘብዶ ኣሎና ንመኻኸር’ ዶ በልካ ኣብራሃም! ቁስልና እስከ ኣይተሕክኸና። እንታይ ክንማኸርን ክላዘብን ደኣ! ነዚ ዲኻ መልሲ ደሊኻሉ። ንጻረፍን ንካተርን እምበር።” ርእሱ እናነቕነቐ ሓደ ካብኣቶም ዝተዛረቦ’ዩ። ኣብ ገጹ ዝተወቀጠ ሕሰም ጐሊሑ ይንበብ። ሽበት ዘር ዘበለ ብዓል ጽሙእ ከደራይ ሕብሪ ገጽ። ሓላፍነት ዝኸበዶ ይመስል። ምሉእ ወተሃደራዊ ልብሲ እዩ ለቢሱ። ዝረአ ነብሲ የብሉን። ኣብ ክዳን እዩ ተዋሒጡ። ኣብ መዓንጣኡ ዝተሰትየት ቁልፊ ንነብሱ ከም ዝተገረሰ ክሻ እያ ኣምሲላቶ። ኣብ ክልተ መናኹቡን ብቁልፊ ዝተጸቕጠ ክፋሉን እንተ ዘይኰይኑ ክዳኑ ናብ ነብሱ ኣይጠበቐን። ገፍለውለው እዩ ዝብል። ከስዐኡ እኽሊ ዝሓልፎ ኣይመስልን። በላዒኡን ወጣጢኡን ብዙሕ እዩ። ኣብ ሓሳብ ውዒሉ ይሓድር። ዝተሸከሞ ጾር ክብደት ኣለዎ። ጒዳይ ሃገር፡ ጒዳይ ስድራ ኣብ ዝባኑ እዮም። ዕጥቁ ከይፈትሐ ሓለዋኡ ይቕጽል። ኣብ መንጐ ሓለዋኡ፡ ንዕርቃን ናተይ ኢሉ ሒዙ ቁራስ ዝሰኣነ ውላዱ ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለሶ። ዝዓነወ ቤቱን ንድሕሪት ዝተጐተ ናብራኡን ይሰኣሉዎ። ስለ ነብሱ ዝሓሰበሉ ህሞት ግን የሎን።
“ወሓጥዮ እንተ በልኩዋስ ትጐስሞ’ እዩ ዘሎ። እነሆናልካ ደገፍትን ተቓወምቲን ኣብ ዝብል ድፋዓት ዓሪድና። ሕልናና ጸልሚቱዎ፡ ትጠፍእ እምበር ትውላዕ ሽምዓ የላን። ደምበርበር ንብል፡ ትዳኸም እምበር እትብገስ ፍልጠት ኣበይ ክትህሉ? ክንዲ ንሰምር ንበታተን። ዘዝተወልደ ንስደት፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ምድረ-በዳን ብሞት ይኽተር። እንታይ ክንዛረበሉ። ንስኻስ እኳ ኣይትርእዮ ኣይትሰምዖ፡ ግዳ ዝስማዕን ዘስምዕን ገዲፍካልና ኬድካ። መን እሞ ይስመዓዮ? ኣብቲ ዘለኻዮ ብሰላም ሃሉ።?” ንስሪ ኣማረረ።
“ማዕረ ክንድኡ ኣይተስተማስል ነብሲ።” ማዕበል ከደዓዕሶ ፈተነ። “ሰብኣይ ከስተማስል የብሉን። እንታይ እዩኸ ምስትምሳል? እንታይ ትጽበ ከም ዘለኻ እዩ ዝገርመኒ። ንምንታይ ኢኻ ተማርር። መፍትሒ ሽግርካ ዘይትደሊ? ዘይትቃወም? ምሳና ተሰሊፍካ እንዶ ግዳ እጃምካ ኣበርክት። እቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ብረት ናብቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ዝዀነ ጨቛኒ ስርዓት ኣቕንዓዮ።” ሽጋራ እናትከኸ፡ ህላወ ክልተ ድፋዓት ዘሕጐሶ በጽሒ ከጸናንዖ፡ ካብኡ ሓሊፉ ውን ክውድቦ ጀመረ።
ማዕበል ብርእሰ ተኣማንነት እዩ ዝዛረብ። ድፍረትን ዕሽነትን መለለዪ ባህርያቱ እዮም። ምስ ነብሱ ዝተጣበቐ ጻዕዳ ማልያ ዝለበሰ ድልዱል መንእሰይ እዩ። ብስጋ ኣብ ዝተጠርነቐ ጸጋማይ ምናቱ ንልቢ በሲዑ ዝሓለፈ ቀስቲ ተወቂጡ ይረአ። ጸጉሩ ነዊሕን ዝተቛጻጸረን፡ እዝኑ ድማ ዝተሰቑረ’ዩ። መዓልታዊ ኣብ ክፍልታት ‘ፓልቶክ’ ክምድር እዩ ዝውዕል። ውሩይን ብዓል ዝናን ንምዃን ዘኽኣልዎ እቶም ብስምዒት ዝፍንዎም ዘረባታት እዮም። ከም ሓዊ ዝሃብካዮም ዝቕበሉ ዘይመምዩ ተቐበልቲ ኣለዉዎ። ‘ማዕበል! ማዕበል! ማዕበል!’ ዝብሉ ማእለያ ዘይብሎም ኣጋፈርቲ። ኣብ ግንባራት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ዛጊት ሰለስተ ጽሩራ ሰቒሉ ኣሎ። ከም ንጥፈታቱ ኣብ ሰለስተ ጽሩራ ዝሕጸር ኣይመስልን። እቶም ሰቒሉዎም ዘሎ ከዋኽብቲ ክንደኦም ንኽውስኸሎም ይደፋፍእዎ ምህላዎም ኣብ ህዉኽ መደረታቱ እዩ ዝንጸባረቕ። ኩሉ ግዜ ኣነ ምስ በለ እዩ። ኣነ እዚ ምስ በልኩ፡ ኣነ እዚ ምስ ገበርኩ……… መወዳእታ ዘይብሉ ኣነነታት እዩ ዘለዎ።
“ዘረባ ረኺበ ኢልካ ዲኻ? ኣመዛዝን እስከ በጃኻ ወዲ ዓበይቲ። ኣነ ንባዕለይ ተቓዋሚ እየ። ግን ብመሰረቱ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይቲ ቃል ውን ኣይሰማማዕን እየ።” ቅድሚ ንስሪ፡ ሰየሞም ብድፍረት ተተሓሓዞ። “‘ደገፍቲ’ ዝብልስ እኳ ከም ርዱእ ምወሰድናዮ። ንነብሶም ዘይድግፉ ደገፍቲ ደኣሎም እምበር። ከመይ እንተ ኢልኩም፡ ‘ሰብ ዘይኰነ ሕጊ የመሓድረና፡ ንሰብ ዘይኰነ ንሕጊ ነኽብር፡ ሰብ ዝብሎ ዘይኰነ ሕጊ ዝብሎ ንስማዕ፡ ልዕሊ ንሰብ ንሕጊ ነምልኽ’ ዝብሉ ብዘይምዃኖም እሓዝነሎም። እዚኦም ካብ ሬሳ ብምንታይ ይፍለዩ? ብዝዀነ፡ ደገፍቲ ንበሎም ቲፎዞ፡ እቲ መጸውዒኦም ዘባእስ የብሉን። ‘ተቓወምቲ’ ዝብል ግን እንድዒ! እንታይ እዩ ‘ተቓዋሚ’ ኢልካ ዘረባ?” መልሲ ዝጽበ ክመስል ንኹሎም ዓይኒ ዓይኖም ጠመቶም።
“ምቅዋም? ንምንታይ ትቃወም? ንህዝቢ? ንሃገር? ንመንግስቲ? ንስርዓት? ንመምርሒ? ንመን? ብወገነይ ኣይርደኣንን’ዩ። መን ዘይቃወም? ደጋፊ ውን እኮ ይቃወም’ዩ። ተቓውሞ እንታይ ማለት ምዃኑ ምንጻር የድልዮ። ‘ደምበ ተቓውሞ’ ንመን ይሓቁፍ? ተቓዋሚ ክትከውን ዘጽድቕን ዘየጽድቕን መን እዩ? በየናይ መለክዒ? መን’ዩ ደላዪ ፍትሒ? መን ደላዪ ለውጢ? መን ለውጢ ይጸልእ? ርሑቕ ከይከድና ፍትሒ ንበይኖም ዝመስሎም ኣለዉ። ደለይቲ ፍትሒ ኢና እዮም ዝብሉ። መን ፍትሒ ዘይደሊ? ብዙሕ ኣይርደኣን’ዩ። መኣረምታ ዘድልዮ ኰይኑ ይስመዓኒ። ‘ኣማራጺ ሓይሊ’ ክበሃል’ዩ ዘለዎ። ካልእ ኣማራጺ መጸውዒ እንተሎ ከኣ ንድለየሉ።” ሰየሞም ብሕቶታትን ርእይቶታትን ንኹሎም ደብደቦም።
ሰየሞም ልክዕ ከም ስሙ’ዩ ስርሑ። ሓይሉ ስም ኣብ ምውጻእ የጥፍኦ። ካልእ ዕማም የብሉን። ሕማቕ መጸውዒ ስለ ዘይፈቱ ስም ኣብ ምምራጽ’ዩ ግዜኡ ዘሕልፎ። ዝሓርዮም ኣስማት ውን ቀለልቲ ኣይኰኑን። ዕግበት ድማ ይፈጥሩሉ። ኩሉ ክጽብቕ እንተ ተደልዩ ብመጀመርታ ስም ክጽብቕ ኣለዎ በሃላይ’ዩ። ሰብ ይኹን ትካል ብስም ክውጻዕ የብሉን ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ደሓን ዝዀነ መጸውዒ ስም ምስ ዘጓንፎ ሕጉስ እዩ ዝብል። ስለዝዀነ እዩ ድማ ኣብ ስምን ስያመን ጸቒጡ ዝሰርሕ።
“ኣብ መጸውዒ’ኳ ብዙሕ ዘከራኽር ኣይምሃለወን። ዝዀነ እንተዀነ ለውጢ ኣይመምጸአን። ወላ ከምዚ ሰየሞም ዝበልካዮ ‘ኣማራጺ ሓይሊ’ ንበሎ። ብልክዕ ብቑዕ ኣማራጺ ሓይሊ ግን ኣሎ ዲዩ? ‘ዝረኣናዮ ኣየዛርበና’ በለ ጉብጥሽ። ቅዋም ንኸምጽእ ቅዋም ዘጥፍእ ከመይ ኢሉ ከም ኣማራጺ ሓይሊ ይኸውን? ‘ርእስኻ ኣቐሚጥካ ብርእስና ስራሕ’ ዝብሉ ድዮም ኣማራጺ ሓይሊ? ኣብ ሓሳቦም ስለ ዘይረዓምካ፡ ህግደፍዶ ጃሱስዶ እናበሉ ዝውንጅሉ? ዝበልናዮ በል፡ ዝገበርናዮ ግበር ዝብሉ? ከምዚ እዩ ሽግርና ከምዚ ከኣ መፍትሒኡ ዘይብሉ፡ ‘ጭርሖና ዘይጨራሕካ ወይልኻ!’ እናበለ ዝጭርሕ ዲዩ ኣማራጺ ሓይሊ? ከምኡ ደኣ መኣስ ውሒዶም። መለኽቲ ብመለኽቶም ኔሮምናን ኣለዉናን። ሽሕን ሚእትን እኳ ደኣ! ንሳቶምስ እኳ፡ ማዕረ ጌጋታቶም ዘነይት ስራሕ ዝሰርሑ፡ ማዕረ ምኽሳዖም ዝዓበሩ፡ ማዕረ ዕረፍቶም ዝኸርተቱ፡ ማዕረ ምልውዋሆም ዝተጨኻኸኑን ዝጨከኑን። ‘ኣብ ሓሳበይ ስለ ዘይረዓምካ’ እናበለ ካብ ሎሚ ዝምንጉደልና ልሙስ ኣማራጺ ሓይሊ ግን ከሎ ገና ይትረፈና ዘብል’ዩ። ሓሳብናኸ ንመን ክንገድፎ? ንሓሳብናን እምነትናን ዘየኽብረልና ብኸመይ ነኽብሮ? ካብ ህግደፍ ብምንታይ ክንፈልዮ ንኽእል?” መስትያት ንዝረኣዮ ኣንጸባረቐ።
“ግደፍ ግደፍ በጃኻ ኢልናካ መስትያት። ክኢለዮ ኢልካ ዲኻ? በቲ እትዕዘቦ ዘለኻ ሓፈሻዊ ስእሊ መደምደምታ ኣይትሃብ። ኣተኲርካን ኣቕሪብካን ክረኣዩ ዘለዎም ጒዳያት ኣለዉ። ንዘይነጻጸሩ ከተነጻጽር ኣይትፈትን። ኣበይ ምስ ተራኸቡ? ህግደፍ ምስ ኩሉ ኢንታታቱ ኣማራጺ ሓይሊ ኔሩን ኣሎን። ነዚ መን ይኽሕዶ? ትማሊ ህግሓኤ ኔሩ፡ ሎሚ ድማ ህግደፍ። ዘይናቱ እንተ ሃብናዮ ኣይጽቡቕን እዩ። ከመይ ኣቢልካ ዘሎ ምስ ዘየለዉ ተነጻጽሮ?” መነጸር ኣትሪራ ተቓወመት። “ንምዃኑ እንታይ ኢኹም ከተዛርቡና ትደልዩ ዘለኹም? ሃገርን ህዝብን ካብ ስርዓት ፈላልዩ ዘይርኢ ኣተሓሳስባ፡ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንዘውርድ ዲኹም ‘ኣማራጺ ሓይሊ ኣለና’ ትብልዎ ዘለኹም? ዝበልኩም በሉ፡ ብወገነይ ከም ኣማራጺ ሓይሊ ዝህቦ ክብሪ ይዂን ኣፍልጦ የብለይን።” ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዘለዋ ትዕዝብቲን መርገጺኣን ደርጐሓቶ።
“ንስኺ እኮ ልእኽቲ ህግደፍ ኢኺ ፈሊጥናኪ ኣለና። እንዳ ‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና’ ደኣ እንታይ ከ ዘይትብሉ? ልእኽቲ ህግደፍ ዲየ ኢለኪ? ተሃዊኸ’የ ተጋግየ። እንታይ ልእኽቲ ደኣ ቅምጥ ኢልኪ’ምበር ህግደፍ። ጽቡቕ ጌሩ እንድዩ ወጊኡኪ። ብኡኡ ዝመጸኪ ከም ዘይትፈትዊ ንፈልጥን ፈረቓን።” ማዕበል ነዲሩ መለሰላ።
ገዛ ምውቕውቕ በለ። ምቁልላብ ዘረባ ነገሰ። ብፍላይ ማዕበልን መነጸርን ኣብ ምጥምማት ኣተዉ። ብዘይካ ብስነ-ሂወታዊ ፍሉይነት ተባዕታይን ኣንስታይን ምዃኖም ብኣካላዊ ኣቃውማ ኣይራኸቡን እዮም። ክነጻጸሩ እንከለዉ ዳርጋ ጻጸን ሓርማዝን። መነጸር ቀጣን ጸማልያ ክትከውን እንከላ ማዕበል ድማ ከራሽ እዩ። ምስ ማዕበል ብምውድዳር ጥራይ ዘይኰነ ወላ ምስ ካልኦት ኣዋልድ ክትነጻጸር እንከላ፡ መነጸር ኣብ ቁመት ብዙሕ ኣይተዓደለትን። እኽሊ ጽላል፡ ቃቔጣ፡ በሊዓ ኣሉ፡ ስቴኪኒ …. ወዘተ እናበሉ ዝጽውዕዋ ብዙሓት እዮም። ዘይከም ቅጥና ግን ረቂቕ ናይ ምስትውዓል ክእለት ትውንን። ኣብ እለሻ ሓቂ እያ ትነጥፍ። ሓቂ ተራእያትሉ ኣብ ዝበልዋ ግዜን ቦታን ብቕጽበት ትነጥብ። ሓቂ ተመሲሎም ኣብ ቅድሚኣ ንዝተገተሩ ኩምራ ሓሶታት ኣይትንሕስየሎምን’ያ። ብሓዊ ኣቃጺላቶም’ያ ትሓልፍ። ዘይበጽሓቶ ቦታ የብላን። ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ ኣይተዓደለትን። ኣብ እንዳ ጐሓፍ ከይተረፈ፡ ንሓቂ ንምድላይ ጨው ቀትሪ ምዝዋር ኣየጽልኣን። ‘ከይትጉነፊ፡ እዋን ምረጺ’ ንዝብልዋ እዝኒ ኣይትህቦምን’ያ። ሓቂ ልዕሊ ጥዕናኣ እተገድሳ፡ ብቐሊሉ ዘይትዛረብ፡ እንተ ተዛሪባ ከኣ ዘረብኣ ኣብ ባይታ ዘይወድቕን ዕቃበታት ዘይብላን ሰብ’ያ።
“ማዕበል፡ ቅዲ ናይዚ ዘመን ስለ ዝዀነ ከምኡ ምባልካ ኣይጸላእክዎን።” መነጸር ሰኺና መለሰትሉ። “ደሓን ዝበልካ በል፡ ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ እዩ። ምድጋፍን ምቅዋምን ናይዚ እዋን ፍልልይ የብሉን። ብፍላይ ከኣ ንኣይ። ከምዚ ዘለዎ ኩሉ ሓደ እዩ መገዱ። ናይ ምውጋእን ዘይምውጋእን ካብ ተላዕለ ግን ኣበይ ምስ ተረኽበ’ምበር፡ ካብ ዘይምውጋእ ክትውጋእ ይሓይሽ’የ ዝብል። ኣይመስለኩምን? ካልእ እንተ ተረፈስ ረዘንቲ ኣምራት ትኸስብ። ምስቲ ገነታዊ ሓሳብ ዝዀነ ሃገራዊ ቻርተር ትላለ። ሃገር፡ ህዝቢ፡ ድሕነት ዝብሉ ኣምራት ቀለልቲ ኣይኰኑን። ምድግጋሞምን ኣብ ውሽጥና ምስራጾምን ኣይጽላእን። ሓደ ዘይስገር ነገር ኣሎ። ክንፈቱ ክንጸልእ፡ እታ ኣላትና እንብላ ሃገር ህግደፍ እዩ ኣምጺእዋን ሓቚፉዋን ዘሎ። ማዕበል ነዚ ትኽሕዶ ኣይመስለንን። ኣተሓቛቑፋ ኣየጸበቐላን፡ ኣይከኣሎን ዘሎ እንተ ኢልካኒ ክቕበለካ እየ። ብልክዕ’ውን ኣይከኣሎን። እንተ ኽኢልካ፡ ብኸመይ ከም እትሓቑፋ ዘርኢ ንድፊ ኣቕርብ። ኣማራጺ ሓይሊ ናይ ምዃን ብቕዓትካ ከተረጋግጽ ፈትን። ደፋኢኻ ዘይፍለጥ ከም ውሕጅ ደፋእፋ እናበልካ ምጒዓዝ ዘይኰነ፡ ካበይ ተበጊስካ ኣበይ ከም እተዕርፍ ውጥን ክህልወካ ኣለዎ። ራኢ ክህልወካ ኣለዎ። ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ማይ ኮዖ ኣከቦ ቅዲ ምንቅስቓሳት ድማ ንእመኖ ንኽሓዶ ካብ ማይ ኮዖኡ ኣይሓልፍን’ዩ። ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ምምላስ’ዩ ፋይዳኡ።
ይቕጽል
2ይ ክፍል ዝመጽ እቀዳም 13 ታሕሳስ
2 Comments
ስምካ ምስረኣኹ ህንጡይነት ውሽጠይ ብብልሒ ጥበብካ ከምእተህጥረኒ ኣይተማታእኩን።ብልክዕ ድማ ካብ Berhane Gebrhiwet ዝተጸበኽዎ ሓቂ ፈልፋሊ ዛንታ ጥበብ ባህጊ ብዘንጠልጥል ህጥራን ተስፋ ጥበብ ዝረኣዮ ጋኖት ሓቂ ዘይሙካና ካብቶም እንጽበዮም ዝውለዱ ዛንታን ፍርድን ከማእዝነና ምኻኑ መልክዕ ትዕዝብቲ ሓቅናን ውሽጥናን እተርኢ ወሓለ ስራሕ!ከምዚ ሓውና ፍሻለ ዝበሎ ብርዕላ ትባረኽ!ክፋላት ከይድንጉዩና ግን ሓደራ።
ጽምእኻ ዝውርዊ ብጥበብ ተቐበኤ ጽሑፍ ባህ በል ብርሂን፡፡