እስከልካ… እስከልካ
እስከሉ… ክሳድካ
ኣሻዕካ ደኣ’ሞ ማዕተብካ ቀዪርካ
ኣነ ዝፈልጠካ ትማሊ ትማሊ
ዕንቅፍ ከይበልካ ኣብ ባይቶ መሓሊ
ዓፍራ ክሳብ ተውጽእ መዳሪ መሓሊ
ምኩሕ’ዶ ኣይነበርካን ምኩሕ መሽካዕለሊ?!
ትብል’ዶ ኣይነበርካን “ስጋኹም ስጋኹም
ተውሳኸይ ዘይፈቱ… በጃኹም ቅድሜኹም”
ትብል’ዶ ኣይነበርካን እንታይ’ዶ ኣበይ’ዶ
“ወይልኹም.. ወይልኹም ብኣልመን’ዶ መን’ዶ”
ሎሚ ግን… ሎሚ ግን ከም ዝተዘርገት ማእዶ
መእሰሪ ስኢንካ መናህናህ በልካ’ዶ?
እቲ ኩሉ ፈዳሕዳሕ
ናይ ኣፍ መደረጋሕ
እቲ ኩሉ ጎሳዕሳዕ
‘ዶ ኣበልካዮ ርስዕ
ምሕል.. ጥልም
ሓወይ ምሕል ጥልም
ማሕላስ ኣይቕተልካ… ንመን ምስ ቀተለ?
“ቅጭጭከ” እንተ በለካ ሰብ ዘለ ‘ንተበለ
ሕልናኻ ግን እንታይ ይብለካ ገለ?
በየነ ሃይለማርያም
(1993)