በረኸት ዑቕባጽዮን (Agape Bereket)
መእተዊ፡
“ዘይተማህረ ኣየድሕን፡ ዘይተወቕረ ኣየጥሕን”፣ “ምሁር ይቕተለኒ”፣ “ካብ ምህሮ ኣእምሮ”፡ “ምህሮ ምስ ኣእምሮ፡ ጠስሚ’ኸ ምስ ሽሮ”…..ካልኦትን፡ ንትምህርትን ኣገዳስነቱን፡ ንምሁርን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ኣኽብሮትን ዝሓዙ ምስላታት እናሰማዕና ስለ ዝዓበና፡ ኣገዳስነት ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ ምሁር ከኣ ብፍላይ ዓቢ ምዃኑ ኣይክሓድን።
“ምሁር ሰብ፡ ግን መን እዩ?” ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፡ ገለ ኣንፈት እንተሃበና፡ “ምሁር” እትብል ግሳዊ ቅጽል፡ መበገሲታ ክትከውን እትኽእል እንብላ፡ “መሃረ” እትብል ግስ እያ። ብመሰረት፡ ብተክአ ተስፋይ እተዳለወት “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ”፡ ምስ እንርእያ፡ “ፍልጠት ኣካፈለ፥ ናብ ካልእ ሰብ ኣመሓላለፈ፥ ኣለማመደ፥ ዓለመ፥ ኣብነት ኮነ፥ ኣርኣያ ኮነ (ዓቕለኛ ብምዃን፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ብምጽናዕ)፥ ገርሐ፥ ኣለማመደ” ዝብል ሰፊሕ መብርሂ ይህባ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ሓደ ምሁር ሰብ፡ ነዞም ኣብዚ እተጠቅሱ፡ ወይ ብኸፊሉ ወይ ብምልኦም ክገብሮም፡ ኲሉ ዝጽበዮ ሓሳብ እዩ። “ምሁር” ንእትብል ከብርሃ ከሎ ድማ፡ “ብምርምርን ብፍልስፍናን ዓሚቚ ፍልጠት ዘለዎ እተማህረ ሰብ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ሓደ ዓይነት ፍልጠት ዝቐሰመ ሰብ፣ ለባምን መስተውዓልን፣ እተማህረ ሰብ” ብምባል ትርጒምን ኣምርን ምሁር ይገልጸልና። ኣብ መብዛሕትአን እሰማማዕ‘ኳ እንተ ኾንኩ፡ ኣብታ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ሓደ ዓይነት ፍልጠት ዝቐሰመ ሰብ” እትብል ግን ኣይሰማማዕን።
ኣብ መብዛሕትና ዝርአ ግን፡ ኣብ መንጎ ምሁርን(Intellectual) ሞያተኛን(Professional)፡ ብዙሕ ኣይንፈላልዮን። ምሁር ከምቲ ጸሓፋይ ተክአ ኣብ መዝገበ-ቃላቱ ዝበሎ ክኸውን ከሎ፡ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ሓደ ዓይነት ፍልጠት ዝቐሰመ ሰብ” ንእትብል ኣገላልጻ ግን ኣብ ሞያተኛ መእተኹዋ። ሓደ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣትዩ፡ ደረጃኡ ሓፍ ዘበለ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዲግሪ ዝሰቐለ፡ ኣሕቢርና እንጥቀመሉ ግሳዊ ቕጽል፡ ምሁር ዝብል እዩ። እዛ ዝሰቐለ እትብል ኣብ ካልእ ኣረኣእያን፡ ላዕሊ ስለ ዝሰቐልናዮምን (ኣይግብኦምን ዘይኮነስ፡ እቲ ላዕሊ ምስቃል ኣብ ዘይቦትኡ ስለ እተጠቀምናሉ፡ ብተዘዋወሪ መገዲ ሰለ ዝሃሰየና)፡ ታሪኽ ምትዕብባይን ምግጋይን ኣብ ዞባና ልሙድ ስለ ዝኾነ፡ ነታ “ምሁር” እትብል ንታሕቲ ነውርዳ፡ ምናልባት ኣብ ምውራድ ሓደ ከፊላዊ ሓቂ ንረክብ ንኸውን።
ምውራድ(ብፈኲስ‘የ ዝነባ ዘለኹ)፡ ኣብ ሕብረተሰብና ዋላ‘ኳ ብዘይ መጽናዕታዊ መሰረት ክንዛረብ ድፍረት እንተመሰለ፡ ትርጒሞም ካልእ ይዂኑ፡ ኣብ ቃላቶምን ካልእ ሸነኻዊ ኣጠቃቕሞኦምን ርኢና፡ ኣብ ኣሉታዊ ጐኖም ጥራይ ኣተኲርና ርኢና ፍርዲ እንህቦም ኣባሃህላታት ብዙሓት እዮም። “ንታሕቲን ውረድ” ዝብሉ ድማ፡ ገለ ካብኣቶም እዮም።
ኣብ ሕማቕ ንሃሉ ኣብ ጽቡቕ፡ ውረድ ዝብለና ኣይንፈቱን። እዚ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ዘማዕበልናዮ ጎባጥ ጠባይ ይመስል። ስለምንታይ፡ ኣበይ ድየ ዘለኹ ሕጅስ፡ ብኸመይ ወዘተ ዝብሉ ካልኦትን ሕቶታት ክምለሱ እዝኒ ብምኽላእ፡ ብቓላቶም ጥራይ ንፈርዶም። ምውራድ ከም ሕምቀት፡ ታሕቲ ድማ ከም ድኽመት ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ። ኣካል እቲ ሕብረተ ስለ ዝኾንና ድማ፡ መልሲ ክንደልየሉ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ንሓደ ኣብ ናሕሲ ኮይኑ ምስ ኣብ ባይታ(ምድሪ) ዝቋየቊ ሰብ፡ “ነኣ እሞ ንታሕቲ ውረድ፡ ክንረዳዳእ” ምስ እንብሎ፡ እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ፡ ንላዕሊ ምድያብ ስኢኑ ማለት ኣይመስለንን (ብናተይ ኣረኣእያ)። እንታይ ደኣ፡ ታሕቲ ምልክት ምርድዳእ፡ ካብ ሕርቆት ምውራድ ቢሉ ስለ ዝኣምንን፡ ኣብ ምድሪ ምስ ዝኾኑ ድማ፡ ማዕረ ሰብኣዊ ቊመና ስለ ዝህልዎምሞ ክሃድእ ይዕድሞ። ወዮ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ለባም እንተ ኮይኑ፡ ኣካሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣተሓሳስብኡ ኣውሪዱ ይወርድ። ወሪዱ‘ውን ይረዳዳእ።
ፍልሰት ትርጒም፤
ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን፡ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ዝጸሓፎ፡ ኣብ መጽናዕቲ እተሞርኾሰ ዓንቀጽ፡ ትርጒም ሕብረ ስሞም ዝቀየሩ ግሳዊ ስማት፡ ከም “ሓኪም”፡ “ደብተራ” ኣብዚ ሕጂ እዋን መልክዖም ቀይሮም ከም ዘለዉ ይትንትን። “ሕማቅ ግብሪ፡ ንጽቡቕ ስም ይብልሎ” ከም ዝብሃል፡ እዛ “ምሁር” እትብል ቃል‘ውን ከምኡ ጓኒፍዋ ከይከውን ይጥርጥር። ንሱ ኣብ ጽሑፉ፡ “ቀደም ዘበን፡ ሓኪም ዝብል ግሳዊ ስም፡ ንሓደ ጥበበኛ ሰብ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል እዩ ዝነበረ። ነቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ፡ ደብተራ እንብሎም ብዓለማውን መንፈሳውን ዝተማህሩ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዘገልግሉ ካህናት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰቦም ብዘምጽእዎ ለውጢ፡ ጥበበኛ ክብሉ ሓኪም ይብልዎም ነይሮም። ‘ወስመ መምህሩ ዘመሀሮ ጥበብ ኣርስጣጣሊስ ሓኪም- ጥበብ ዝመሃሮ ጥበበኛ ኣርስጣጣሊስ’ ከም ዝብል መጽሓፍ። ኣብቲ እዋን‘ቲ፡ ሓኪም ዝብል ንርእሱ ኣካል‘ቲ ፍልጠት ኮይኑ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰቡ ወሪዱ ትምህርቲ ዘስንቕ ንዝነበረ ሰብ ይጥቀምሉ። ብእብራይስጥ፡ ብዓረብ‘ውን ትርጒሙ ንሱ’ዩ – ጥበበኛ። ናይ እስልምና ወርቃዊ ግዜ ዝብሃለሉ ግዜ፡ “ሓኪም” ዝብል “ብሃይማኖት እስልምና፡ ስነ-ፍልጠት፡ መድሃኒት፡ ፍልስፍና፡ ኲሉ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ሓኪም ይብሃል ነይሩ። “ሕጂ ግን፡ ዋላ ዝጎድእ ኣቊጽልቲ ጨፍጪፉ ክፍውስ ዝፍትን፡ ‘ባህላዊ ሓኪም’ ዝብል ቅጽል ተሓንጊጡ ይኸይድ ኣሎ።” ደብተራ ዝብልውን፡ ‘ፈላጥ፡ ጥበበኛ፡ ዝተመርጸ’ ዝብል ትርጒም ይህብ። ሕጂ ግን፡ ዝፍውስ ወ ዘሕምም ካህን ደብተራ እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ።” ብምባል ኣብ ትርጒሞም ዘይጸንዑ፡ ግሳዊ ስም ይጠቅስ። ካብቲ ንሱ ዝጠቀሶ፡ ናይተን ሓኪምን ደብተራን ዝነበረ ትርጒመን እንተ ርኢናዮ፡ ምስ ምሁር ዝብል ትርጒም ኣዝዩ ይቀራረብ እዩ።
ኣመሪካዊ ናይ ቋንቋ፡ ፍልስፍና፡ ታሪኽን ሊቅ ዝኾነ ኖኦም ቸምስኪ፡ ምሁር ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ተራ ክገልጹ ከለዉ፡ “እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ሓደ ምሁር፡ ንሓቂ ምንባርን ሓቂ ምዝራብን እዩ፡” ይብል። ኣየናይ ሓቂ ዝብል ክምልሱ ከለዉ ድማ፡ ናይ ማርቲን ሃይደገር ናይ ሓቂ ትርጒም ብምውሳድ “ሕብረተ-ሰብ ርግጸኛ፡ ግልጺ፡ ሓያል፡ ፈላጥ ዝገብሮ ሓቂ” ይብል።
ናይ ቀደም ኣቦው፡ ዋላ‘ኳ ትምህርቲ (በዚ ንሕና ንህቦ መዐቀኒ) ፒሮን ጥራዝን ሒዞም ኣይምሃሩ፡ ኣብ ቃሎም‘ውን ዘይከም፡ ‘ምሁራት’ እንብሎም፡ ምህሮኦም ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ንጅብኦም ክብሉ ሕጊ ዝጉዕጽጹ ዘይኮኑስ፡ ጽኑዓት ነበሩ። ገጣሚ መም. ኣማረ ፡ ኣብ “መሳግሮ” እትብል ናይ ግጥሚ መጽሓፎም ከምዚ ክብሉ፡ ንምሁር ብግጥሞም ይገልጽዎ።
“ስለ እቲ ቓል
ብልሳን ዝብሃል
ካብቲ ሓቂ
ፍጹም ዘይንኪ”
ምደባ ምሁራን፤
ኣብ ናይ ፍልስፍናዊ ሓጸርቲ መሃርቲ ዛንታታት፡ ዛንታ- እንቋቕሖ፡ ድንሽን ቡንን ዝብል ንረክብ። ናብዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ዛዕባ ምስ እትርዕም፡ ሓንቲ ኣብ መንጎ ኣየኖት እዮም ሓቀኛታት ምሁራት? ሽግር ዝገጠማ’ሞ ምኽሪ ዝደለየት ጓል፡ ዝተዋህባ መልሲ ድማ ይሓዝል። እቶም መፍትሒ መልሲ ዝሓስቡ ኣቦ፡ ሰለስተ መፍልሒ ኣብ ክሽነ ከተዳሉ ነገርዋ። ኣብታ ሓንቲ እንቋቚሖ፡ ኣብታ ካልአይቲ ድንሽ፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ድማ ቡን ከተእቱ። ሰለስቲኡ ምስ ፈልሐ፡ ክፈትዮ በልዋ። ድሕሪ ምኽፋታ፡ እቲ እንቋቚሖ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ፈሳሲ ተሪሩ፡ እቲ ድንሽ ለምሊሙ፡ እቲ ቡን ድማ ጥዑም መኣዛ ሽታ ኣብቲ ቤት ዘርጊሑ ነበረ። እቶም ኣቦ ቀጺሎም፥ “ርኢኺ ዛጓለይ ገሊኦም ኣብ ሕብረተ-ሰቦም ብዘለዎም ሰንኮፍ ኣረኣእያ፡ ንርእሶም መሽሚሾም፡ ንሕዝቦም ኣብ ጸገም ይሸሙ። ገሊኦም ምሁራት ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ብርሃን ዝኾኑ ኣለዉ፡ ከም እንቁቚሖ ንበይኖም ጥራይ ይተሩ፣ እቶም ካልእ ከኣ ከምቲ ቡን ንገዛእ ርእሶም በሲሎም ከም ገጸ-ባህሪ ኣማኑኤል ኣብ ዓቢዱ ዶ ትብልዎ ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሶም ዘይኮኑስ ንዓለም ራኢ ዘለዎም፡ ስድራ ቤቶም ሰፊሑ ዝኾነ እዮም። ነቲ ዝዓበይሉ ሕብረተ-ሰብ መኣዛ ሽታ ፈጢሮም ድማ፡ ተኻፈልቲ ብርሃኖም ክኸውን የኽእሉ። ከምቲ ቡን ምስ ፈልሐ ኣብ ዓድታትና ንጐረቤት ጸዊዕካ ቡን ዝዕደም፡ ፍልጠቶም ድማ ነታ ቤት መሊኡ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት‘ውን ተጠቀምቲ ብርሃኖም ክኾኑ ይዕድሙ።
በየነ ሃይለ ብቓላቱ፡ ሓቀኛታት ምሁራንን ቀለም ቀመሳትን ክብል ፈላልዩ ይምድቦም። ብቋንቋ በየነ፡ ሓቀኛታት ምሁራት፡ ኣብ ዓቢዱ ዶ ትብልዎ ትብል ፋልመይቲ መጽሓፉ‘ውን፡ ንኣማኑኤል ዝተባህለ ናይ ጥበብ ሰብ ክገልጾ ከሎ፡ “ክንዲ ድንቁርና ሰብ ቢሉ ንነፍሱ ዳርጋ ባዕሉ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ቀንጢሱ” ብምባል ኣብ ሕዝቡ ዝነብሮ ኣኽብሮትና ናይ ለውጢ ድሌትን የዘንቱ። ጁልያን ቤንዳ እተባህለ ኣብ መጀመርያ ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ጸሓፋይ ከኣ፡ “በይዛ ሕዝቦም ክብሉ ሕይወቶም ዝሓልፉ፡” ክብል ይጠቅሶም። ነቶም ናይ ኣምሰሉ ምሁራን፡ ብቋንቛ በየነ፡ ቀለም ቀመሳት ድማ “ኣብቲ ቀደም ብጸላኢ ኣብ ዝተዃነየ ቦኽባዅ ስርዓተ-ትምህርቲ ዝዓረደ ተምሳል ምሁር” ቢሉ ኣብ ክልተ ይኸፍሎም።
ኤድዋርድ ስዒድ እተባህለ ፍልስጢማዊ ጽሓፋይ ድማ፡ ኣብ “ውካሌነት ምሁር” ዝብል መጽሓፉ፡ ካብ ኢጣልያዊ ማርክሳዊ ኣንቶንዮ ግሪምሺ ውከሳ ብምግባር፡ ነቶም ጠቀምቲ ምሁራን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝብሎም organic intellectuals (ሓላፍነት ንምድላብ፡ ገንዘብ ንምኽዕባት ዝጽዕሩ) ከምኡ‘ውን Traditional Intellectuals (ከም እኒ መማህራን፡ ካህናት፡ ኣመሓደርቲ) ብምባል ኣብ ክልተ ገሚዕዎም ይርከብ። ንሱ ክጠቅስ ከሎ፡ “ሓቀኛ ምሁር ዝብሃል፡ ካብ በዓቱ ክወጽእ የብሉን። ገዛእ ርእሱ ዝኣሰረ ናይ ሕብረተ-ሰብ ግንጻል እዩ።”
ምሁርን ሕብረተሰብን፤
ምሁር ኣብ ሕብረተ-ሰብ ናይ ምዕራይ ዘለዎ ጽልዋ ዓቢ እዩ። ሕብረተ-ሰብ ንምዕራይ ግን፡ ገዛእ ርእስና ብምዕራይ እስከ ንጀምር፣ ኣዝዩ ውጺኢታዊ ስለ ዝኾነ። መብዛሕትኡ ‘ቀያሪ’ እየ ዝብል፡ ብገዛእ ርእሱ እንተ ዝጅምር፡ ናይ ኲላትና ድምር ብዙሕ ውጻኢት መምጽአ። ናይ ኲላትና ጥዑይ ኣእምሮ፡ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ክምስርት ዝከኣሎ፡ ኣብ ሓድነትን ፍቕርን ዝሕሉ፡ ሞራል ሰብ ዘኽብር መራሒ ኮነ ናይ ለውጢ ሚና ምስ ዝህሉ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኮነ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ብዙሕ ሽበራ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ይካየድ ብምህላዉ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዘጋጠመ ኲነት፡ ብኸመይ ኣጋጢሙ? ስለምንታይ? እንታይ ኮይኑ ንዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ዝምልስ ኣካል ተባሂሉ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝቀርቡ ብዝተፋላለየ ሞያ ዝተመረቁ፡ ‘ምሁራን’ ኣካላት ይዕደሙ። ገሊኡ ሓፋሽ ድማ ይሕተት እሞ፡ ገሊኡ ይረግም፡ ገሊኡ ……። “እተን ኣሓ ወሲዶመን፡ እንተ ጸርፊ ግን ዝገደፍናሎም የብልናን” ከም ዝብሃል፡ ዝዛረብዎ ቊሩብ ኣብ ዓይነት ቋንቛን መስርዕ ኣተሓሕዛኡን ይፈላለ ይኸውን‘ምበር፡ ተመሳሳሊ እዩ። መብዛሕትኡ ድማ፡ ኣብ ውጽኢት ጥራይ ዘተኮረ እዩ። ገጣሚ ብርሃነ ኣብ ግጥሚ እቲ ካልእ ዓረር ከም ዝብሎ፥ “ክምልዕሶ /ዓረር ከዀልሶ /ትንፋሰይ ሓቢአ /ትንፋሱ ከሕልፎ” ….. “ከንቅጾ፡ ከቃብጾ /ኣደኡ ክትቀብጾ” … እቲ ቅትለት ኣብ ኣእምሮኡ እዩ ተፈጺሙ። ብረት ዘይኮነስ፡ ብርእሱ እዩ ቀቲልዎ። ከነተኲረሉ ዝግባእ ድማ፡ ርእሲ ደኣ‘ምበር፣ ብረት ኣይኮነን። ኣብ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ዘይሰለጦ ነገር እንተደኣ ሃልዩ፡ ምግዳፍ (ንዘይምውናን) ብረት እዩ። ሓሳቡ ደሓን‘ኳ እንተ ኾነ፡ ክግደፉ ዘለዎምስ እከይ ኣተሓሳስብኦም እዩ። ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት፡ ሞያ እንተ ተማሃሩ ቢልካ፡ ኣፍራዛ እንተ ንህቦም፡ ብኣኡ‘ውን ምተዋድኡ።
ኣብ ዓዳትና፡ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ገረብ ኣኼባ ዝእከቡ፥ “ፍቕሪ ጽላልና፡ ሕጊ ዓራቒና” ቢሎም እዮም፣ ኲኖ ካብ ጸሓይ ምጽላል ይመስለኒ። ዋላ ክልተ ይዂኑ፡ ናብቲ ባይቶ ዓዲ ዝእከብሉ ይኸዱ‘ሞ፡ ብሕውነትን ፍቕርን ስምምዕን ይደያኑ። ኣብ ‘ምሁር’ ዘሎ ናይ ሕጊ ምንጻግ፡ ኣብቶም ዓበይቲ ኣይርአን። ካብቲ ሕብረተ-ሰብ፡ ከይብለኒ ዝብል ስለ ዝነበሮም ተማእዚዞም ይኸዱ ነበሩ። እቲ ዝፈርድ‘ውን ፍቕርን ሓቂን ስብእናን ዝነብሮ‘ዩ ዝነበረ። ንኣኡ ክምረጽ ከሎ፡ ዝጥቀምሉ መምረጺ ቅጥዒ፡ ፊደሉ ዘይኮነስ፣ ኣብ ገዛኡ ዘለዎ መሪሕነትን ኣብ ሕብረተ-ሰቡ ዘለዎ ተቀባልነት እዩ ዝነበረ።
መለለዪ ምሁር
ብኣገላልጻ ሮበርት ሮበርትስን ጀይ ውዱን ኣብ “ጠባያት ምሁራን” ዝብል መጽሓፎም፡ ሓደ ሰብ ምሁር ንምባል ክህልዎ ዝግብኦ፤ ፍቕሪ ፍልጠት፡ ጽንዓት፡ ትብዓት፡ ትሕትና፡ ርእሰ-ምሕደራ፡ ልውህናን ትግባርያዊ ወይ ብሓዊ ዝተፈተነ ጥበብን ክህልዎም ኣለዎ ይብል። ሓደ ስሙ ዘይዝክሮ ፍላስፋ‘ውን፡ “ኣነ ምሁር ዝብሎ፡ ነቲ ናይ ልበይ ዝነግረኒ’የ” ክብል፡ ምሁራን ድምጺ ህዝቢን ጸገማቱን ክሰምዑ ከም ዘለዎም፡ ይገልጽ።
ሓደ ሰብ ካብ ትምህርቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ጥቕሚ ዝህልዎ፡ ኣብ ሕይወቱን ሕይወት ካልኦትን ለውጢ ምስ ዘምጽእ እዩ። ናይ ምሁር ፍልጠት፡ ኣብ ናብራ ሰባት ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከብጽሕ ማሕበረ-ሰብ ብዙሕ ይጽበዮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕታዊ ምርምራት፡ ሕይወት ወዲ-ሰብ ንምምሕያሽ ለውጢ ከምጽኡ ክኾኑ ኣለዎም። ስለ‘ዚ ሓደ ሰብ ምሁር ንምባል፡ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ ይዂን ናይ ናብራ ለውጢ ምስ ዘምጽእ እዩ።
ኤድዋርድ ስዒድ፡ ኣብታ ቀዲምና ዝጠቀስናያ መጽሓፉ፡ ኣብዚ ጉዳይ‘ዚ ሰፊሕ ትንታነ ይህብ። ንሱ፡ ምሁር ንዝብል ክገልጽ ከሎ፥ “ምሁር ማለት ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ እናነብረ፡ ናይ ሕዝቢ ሕቶ(መልእኽቲ)፡ ኣመለኻኽታ፡ ፍልስፍና ወይ ከኣ ሓሳብ ንምውካል፡ ንምሓዝን ምግላጽ ዘኽእል ብቕዓት ዘለዎ ተራ ሰብ እዩ። እዚ ናይ ምሁራን ክፋል ናይ ባዕሉ ደረጃ ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዘሕፍሩ ሕቶታት ንምልዓል፣ ድሑራት ኣመላኽኻታትን ደረቅ ቆኖናታትን ንምውጋእ፣ ንመንግስትን ትካላትን ብቐሊሉ ኢድ ዘይህቡ፣ መሰረት ‘ምሁራን‘ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብምግላጽ፡ ናይ ሕዝቢ ሕቶታት ዘንጸባርቑ፣ ድሑራት ኣመለኻኽታት ዘትርፉን ብግልጺ ዝቋወሙን እዮም።” ኢሉ ትንተንኡ ይህብ።
ምሁራትና
ከም ትዕዝብተይ፡ መብዛሕትኦም ምሁራትና ብትዕቢት ስንጡቃት እዮም። ምናልባት፡ ኣብ ንኡሽተይ ሃገር ከም ኤርትራ፡ ምሁር ምዃን ዘምጽኦ ሕማም ከይከውን እጠራጠር። ኣብ ከም ምዕራባውያን ሃገራት ግን፡ ዝጋነን “ኣነ ፈላጥ” ዝብል ኣረኣእያ የብሎምን። ብስጉዱምናን ትዕቢትን መን ከም ኣነ በሃሊ ዝሓበጡ፡ ከም መሬት ዋላኻ፡ ብትሕትና ምትኳስ የድልዮም። ብ1953 ካብ ጥንታውያን ገዳማት ናብ ኣምሓርኛ ጸኒሑ ድማ ናብ ትግርኛ ብሊቀ መዘምራን መጐስ ዑቕባ ጊዮርግስ ዝተተርጐመ መጽሓፍ ኣንጋረ ፍላስፋ፡ ንምሁር፡ “ፈላጥ ከሎ ንርእሱ ዘይፈልጥ መሲሉ ንተግባሩ ዝምህር ሰብ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ፍጹም ፈላጥ/ምሁር ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ተመሃሩ።” ብምባል፡ ኣብ መንጎ ምሁርን ትሕትናን ዘሎ ኢድን ጓንትን ሕብረት ይገልጽ።
ገለ ካብ መለለዪ ምሁራትና ንምጥቃስ፦
ዓቕሊ ኣልቦ፤
ብዙሕ ዓቕሊ ዘይብሎምን ቁጥዓትን (Hot Tempered) እዮም። ቁጥዐን ጽን ቢልካ ዘይምስማዕን፡ ነቲ ዘይተማህረ መለለዩኢ ክኸውን ምተገብኦ። ግን በንጻሩ፡ ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ከም ንዕዘቦ ቊጥዓትን ንኣይ ስምዑኑን ገጻት ይረኣዮም፣ ምስ መዛንኦም ኣብ ዓድን ዓሌትን ሃይማኖትን ዘተኮረ ምግንጫብ ይጅምሩ። እንቋዕ ብኣካል ኣይተራኸቡ ድማ ትብል። ዓቕሊ የብሎምን፡ ከምኡ‘ውን ጸዋራት ኣይኮኑን። ምናልባት ዓበይቲ መጽሓፍቲ ይጾሩ ይኾኑ! ከም ምኽንያት ዝግለጽ፡ ዋላ‘ኳ መጠን‘ቲ ዝተማህርዎ ምስ ደረጃ ምህሮ ሕብረተ-ሰብ ዘይመዓራረ እንተ ኾነ፣ ብኣኡ መሰረት ድማ፡ ናይ ሓሳባት ምርዳእን ናይቲ ዘይተማህረ ሕብረተ-ሰብ ሓሳብ ንምስማዕ ዓቕሊ ምስኣንን ይጥቀስ። ነቲ ሕብረተ-ሰብ ዘይሰምዑ እንተ ኾይኖም ደኣ‘ሞ፡ ንመን ድዩ እቲ ለውጢ? ከም ግራት እንጣጢዕ ዝፈኾሰ ርእሲ፡ ብግሩም ድዂዒ ምጽውዋር ምድኳዕ መድለዮ!
ኣንነት፤
ነንሕድሕዶም ዘለዎም ቅንእን ዘይምስምማዕን ድማ፡ ካብ ንኣይ ስምዑኒ ሓሊፉ ደገፍቲ(ቲፎዞ) ምጥራይ ኮይኑ። ኲኖ ቲፎዞ፡ ንለውጢ ምጽዓርን ኣርኣያ ምዃንን ኣይርአን። ንዓይ ስምዑኒ ዝብል ኮንቱነት፡ በየነ ሃይለ ኣብ መጽሓፍ ትጽቢት ባህጉ፡ ብማሰ መልክዕ ክገልጾ ከሎ፤
መሪሕነት እንተ በልካ ናቱ እምበረ፣
ፍልጠት እንተ በልካ ናቱ እምበረ፣
ኣይ ፈላስፋ እንድዩ ሊቅ ዘበለ፣
ኣይ በሊሕ እንድዩ ጭው ዝበለ፣
ኣይ ረቂቕ እንድዩ ስውር ዝበለ፣
ብዘይካኡ ዓለም ናበይ ከብለ፣
ድሕሪኡ ህይወት እንታይ ከብለ፣
ካልእ ዝለበሰ ካባና ይፈለ፣
ሓድሽ ዝርኣየ ካባና ይፈለ፣
ሓድሽ ዝሓለመ ካባና ይፈለ፣
ሓድሽ ዝተመነየ ካባና ይፈለ፣
ሓድሽ ዝሓሰበ’ሞ ብሞት ይፈላለ።
ብምባል ኣብ ነንሕድሕዶም ዘለዎምን፡ ነቲ ሕዝቢ ናቶም ኣምለኽቲ ክኾኑ ከም ዝደልዩን ይገልጽ።
ተኣፋፍነት፤
ሓሳብ ሰብ ኮነ፡ ጽን ቢልካ ናይ ምስማዕ ክእለት ባዶ እዩ። ጠንቂ ኣብ ነንሕድሕዶም ዘሎ ዘይምስምማዕ እውን፡ መበገሲኡ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ፡ ጽን ቢልካ ዘይምስማዕ እዩ። ናይ ብዙሓን ‘ምሁራን’ ጠባይ እዚኣ እያ። ኣብ ማእከል ሕብረተ-ሰብ ኮይኖም፡ ናይ ምዝታይ ዓቕሞም ውሑድ ስለ ዝኾነ፡ ብኡ መንጽር ካብ ሕዝባውያን ብዓላት ኮነ፡ እንዳ ሓዘን፡ መርዓ ኣብ ዝብጽሓሉ፡ ተኣፈፍትን ዓቕሊ ኣልቦ ስለ ዝኾኑ፡ 5 ደቂቕ ትኣክል ኮፍ ክብሉ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ሓደ ግዜስ፡ ምሁራት ዓድና ደሞዝን ሰርቲፊኬትን ጥራይ ድዮም ዝውስኹ? ይብል። ዝተስታረረ ካምቻ ገይሮም፡ ዘይተስታረረ ጠባይን ስግንጢርነትን ሒዞም ይዛወሩ። ርግጽ’የ፡ ካብ ዝተስታረረ ካምቻ ጥራይ ጌርካ ምኻድ፡ ከም ኣቦታትና ርሃጽ ርሃጽ ዝሽትት ነጸላ፡ ግን ከኣ ንጹህ እእምሮ ምሓዝ ይበልጽ!!
ሓደ ግዜ እስክንድር ንሶቕራጦስ ብጥስጣስ ክዳን ተኸዲኑ ምስ ረኣዮ፡ ብንዕቀት “ኣንታ መን እዩ እዚ? እቲ ሕጊ ጥበብ ተናጋሪ ሶቕራጦስ ድዩ?” ክብል ብባጫ ሓተተ። ሶቕራጦስ ግን፡ “ዝጸበቁን ሓደስቲ ክዳንን ካብ ምኽዳን፡ ሕጊ ምልባስዶ ግዳ ኣይምሓሸን?!” ክብል ንስድነቱን ብዕልግነቱን ገለጾ። ሓደ እዋን ኣብ ከባቢ ዝነብሮ ከተማ ናይ ‘ምሁራን’ ኣኼባ ነበረ‘ሞ፡ ኣብቲ ወግዓዊ መግለጺኦም ዝልጥፍሉ ብሎግ፡ “እቲ ኣኼባ ብትግርኛ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ተወዲኡ።” ዝብል መስደምም ሓሳብ ነበሮ። ብትግርኛ ኣብ ግዚኡን ኣብ ነጥብን ከይዛረቡ ዝገብሮም ናቶም ናይ ለውጢ ዕላማ እዩ። ትግርኛ ያኢ፡ ብሰንኪ ህዱኣት ዘይምዃንና፡ ናይ መቋየቚ ቋንቛ፡ ደረቕ ቋንቛ ኮይኑስ፡ “ትግርኛ ንፍቕሪ ዝኸውን ቋንቛ ኣይኮነን፡ ትግርኛን ንጸርፊ ደኣ ተጠቀመሉ” ዝብል ካብ ትግርኛ ዘየጽረዩ ክዝረብ ይውዕል ኣሎ። ንሓደ ቋንቛ መሰማምዒ ቋንቛ ዝገብሮ፡ ውሽጣዊ ፍቕሪ ደኣ‘ምበር፡ ቃላቱ ወይ ርዝነት ቋንቛኡ ኣይኮነን። ኲኖ ሓደ ቋንቛ ምህላው፡ ሓደ ልቢ ክህልወና ምተገብኦ፣ ፍቕሪ ዝቛንቋኡ ቋንቛ! “ብእንግሊዝኛ ጥራይ እየ ዝረዳዳእ ወይ ልኡም ኣዘራርባ ዝዛረብ፡ ብትግርኛ ግን ኣይካኣል፡” ዝብል ምኽንኒት ጥራይ ከይንሰምዕ፡ እግዚኦ ዘብል እዩ።
ስስዐ፤
‘ምሁራትና’ ኣብ ‘ዘይተማህረ’ ሕብረተ-ሰብ ዝገብሮም ኣኼባታት ኮነ ህዝባውያን ጉዳያት ተሳተፍቲ ኣይኮኑን። ምናልባት፡ “መዛኑና ኣይኮኑን” ብዝብል ጸሊም ዳቢስታ ርእዮም ይኾኑ። መዘና ምስ መዘና እንተ ተኣኪቡስ፡ መን ንመን ደኣ እዩ ክቕይሮ? ዘይከምቲ ኣብ ጠባያት ሓቂ ምሁር ዝረኣናዮ፡ ስስዐ ገንዘብን ህርፋን መዓርግን ኣለዎም። መብዛሕትኡ ዘውጽእዎ ዓንቀጻት ኮነ መጽሓፍቲ፡ ብቋንቛ እንግሊዝ ዝቀርብ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዝበዝሐ ሕብረተ-ሰብ ኣየሳትፍን። ከም ምኽኒት ዝቀርብ፡ ኣብቲ ዝተመሃርሉ ዓውዲ ክሕግዞም ንዝብል እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ጎረቤትካ እኽሊ ዘሪእኻ፡ ኣብ ግራትካ ምህርቲ ምጽባይ ከም ዘይከኣል፡ ኣብ ሕብረተ-ሰቦም ምህርቲ ክጽበዩ የብሎምን። መዐቀኒ ዘይብሉ ህርፋን ሓላፍነት ድማ መመለይኦም ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣይገበረን። ካብ 60ታት ጀሚሩ ዝርአ ዝነበረ ግናይ ኣካይዳ ድማ እዩ። ኲሉ ተመራሒ ከም ዘይከውን፡ ኲሉ መራሒ‘ውን ክኸውን ኣይክእልን። ህርፋን ሽመቶም፡ ነዊሕ ከይከድና፡ ኣብዚ መራኸቢ ብዙሓን ዘሎ ምዕዛብ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ንምቊጻረን ዘሸግር እምብዛ ብዙሓት ሰልፍታት ፖለቲካ፡ ረድዮታትን ተለቪዥናት፡ ዌብሳይታት፡ ጉጅለታት ፈይስቡክ ወዘተ. መብቈሊአን እንታይ እዩ እንተ ተባህለ፡ ህርፋን ሓላፍነት ዘንቀሎን ተጻወርቲ ኣልቦ ምኻኖምን የርኢ።
መብዛሕትኡ ዕላማታቶም ውልቃዊ ደረጃ ንምዕባይ ስለ ዝኾነ፡ ኣበል ዘለዋ፡ ትብልዓ ዓውደ መጽናዕቲ ኣበይ ኣላ ኣብ ዝበልዋ፡ ኣብ ቅድሚት ይሰርዑ። እቲ ክልወጥ ተደልዩ ዘሎ ኣበይ ድዩ? ገጣሚ ቦኽረ፡ ኣብ ግጥሙ ኣዋሽ እትብል፡ ምሁራትና ከም ፈለግ ኣዋሽ ፍልጠቶም ንደቂ ዓዶም እንተዝኸውን ሰናይ ነይሩ። ንመን ክልውጡ ከም ዝደልዩ ዘይርድኣኒ ግን፡ መብዛሕትኡ ጽሑፋቶም ኮነ መጽሓፍቶም ብቋንቋ ባዕዲ እዩ። እዚኦም ኣብቲ ግጥሚ ከም እተጠቅሱ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ካልኦትን ዝፈሱ ኣፍላጋት እዮም። ከም ፈለግ ኒል፡ ብዙሕ ሃገራት ሰንጢቆም ኣብ ግብጺ እንተልምዑ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍቶም ከም ምኽንያት ዝግለጽ፡ እቲ ዝተማህርዎ ዓውዲ ብኻልእ ቋንቋ ስለ ዝኾነን ኣብ ደረጃኦም‘ውን ምምሕያሽ ዘምጽእን ምዃኑ እዩ። እዚ ግን ስስዐን ንኣይ ይጥዓመኒን ዝብል ርድኢትን እዩ ዘምጽእ።
ጾር ሕዝቢ፤
ጅቡቲ ዝሃገሩ፡ ዓሊ ሙሳ እተባህለ ብዛዕባ ኣፍሪቃውያን ምሁራን ኣዝዩ ኣተሓሳሲብዎ፡ “ክሕደት ምሁራን” ዝብል ሓጺር ጽሑፍ ኣብ ዘቕረበሉ፡ ኣፍሪቃውያን ምሁራን ራኢኦም ኣይጨመቱን። ደድሕሪ ብርእሰ ሓያላን ጽምኢ ሓላፍነት ዘለዎም እዮም ዝኸዱ” ክብል ይገልጾም። ጋናዊ ፕሮፈሰር ጆርጅ ኣይቴ ድማ፡ ካብዚ ሕልፍ ብዝበለ መልክዑ፡ “ኣመንዘርቲ ምሁራን” ይብሎም። መብዛሕትኡ ጸገማት ህዝብና፡ በየን ይለዓል፡ ዝመጽእ ጸገም ኣብ ምፍትሑ መን እዮም ቀንዲ ሓንኮልቲ? እንተ ተባህለ ንሶም እዮም- እዞም ‘ምሁራን’። ብሰንኮም ድማ፡ “ኣያ ሃንስ ገዲፍና፡ ናፖልዮን ይሕሸና” ከይንብል ዘስግእ እዩ።
ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ካብ ጸሓፋይ ተክአ ተስፋይ ናይ ቃል ምብርሂ ካብ ዝረኣናዮ፡ “ገርሐ” እትብል ቃል እያ። ክንደይ ደስ ትብል!! ንሓደ ሕብረተ-ሰብ፡ ካብ ኣጉል ባህሉ፡ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባኡ ክገርሕዎ ዝግብኦም፡ እዞም ‘ምሁራን’ ዝበልናዮም እዮም። ንፍቕርን ምዕባለን ዝጽዕሩ፡ ታሪኽ ገናጺሎም ሕውነት ክተኽሉ ዝግብኦም ንሶም እዮም ነይሮም። ኣቦታትና፡ ንሓደ ብማእከል ዓዲ ዝሓልፍ ገያሻይ ጸዊዖም፡ ማይን እኽልን ምስ ሃቡ ቀዲሞም ዝሓትዎ ሕቶ፡ “ኣበይ እዩ ዓድኻ?” ዝብል እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ግን፡ ዘይከም ሎሚ ተፈሪህሉ ዘሎ ሕቶ ዘይኮነስ፡ ንፍቕርን ምትእስሳርን ስለ ዝኾነ፡ ገያሻይ ኣብ ዝምልሰሉ፡ ጸባጺቦም ወይ ዘመዶም ይገብርዎ፡ ወይ ድማ ኣብኡ ሓደ ዘመድ ከም ዘለዎም ነጊሮም፡ ኣሕዋት ምዃኖም ይነግርዎ። በንጻሩ ኣብዞም ‘ምሁራን’ ቢልና ንጽውዖም ዝርአ፡ ዋላ‘ኳ ኪንዮ ራብዓይ ወለድኦም ክሓልፉ ዘይክእሉ እንተ ኾኑ፡ ብዓድን ወረዳን ዝፈላለዩ፡ ኣብ ቅድሚት ጽልኢ ዝስርዑ ንሶም እዮም። እቲ ዘሕዝን፡ ታሪኾም ብግቡእ ዘይፈልጡ‘ውን ንሶም እዮም። ኣቦታትና፡ ታሪኽ እናፈለጡ፡ ከቀራርቡ ይጽዕሩ እዚ ማለት ግን፡ ፍልልይ ኣይነበሮምን ዘይኮነስ፡ ካብቲ ዘፈላልዮም እቲ “ሰብ” ምዃኖም ዘራኽቦም፡ ደቂ ሓንቲ መሬት ምዃኖም ኣመና ስለ ዝተረድኦም ኣብ ሕዝባዊ ምብጽጻሕ ኮነ ሕውነት ኣብ ምፍጣር ዘርክቦም የብሎምን። እሞ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮስ፡ ክገርሑ ዘይኮኑስ፡ ክግርሑ ዝግብኦም እዞም ናይ ሕጂ ምሁራትና ይመስለኒ።
‘ምሁራትና’ ከምዚ ካብ ኮኑ፡ ምህሮ ዶ ይሓይሽ ወይስ ካብ ምህሮ ምሕሮ?
ከም መዛዘሚ ወይ መጠቓለሊ ጽሑፈይ ክትከውን እትኽእል፡ ገላጺት’ያ ዝበልክዎ፡ ግጥሚ ብርሃነ ገብረህይወት ኣቕሪበ ክፋነወኩም።
“ምድንቋር ይሕሾ”
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ!
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ!
ጸልማት ድንቍርና ይቕንጥጦ፡
ዓሌት ወዲ ዓሌት
ኣብቲ ርእሱ ኣቐሚጡ ግለት።
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ፡
ነዛ ሓንቲ እንዳ
ዘርኢ ኣዳም ኢሉ ንዘይወስዳ፡
ንዘየቀራርባ
ንዝበታትና ብቐቢላ።
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ!
ጻህያይ ድንቍርና ንዝስዕሮ
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ!
ክንዲ ሰናይ ክፋእ ንዝሕለብ።
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ!
ነቲ ቀለም ፍልጠት ከም ማይ ይጭልጦ
ይነቅሕ ኣሎ ይብሉዎ ነዚ ሰብ!
ብሓይለ ፍልጠቱ ኣድማስ የንቀጥቅጦ፡
ካብ ኣዚለ ክሳዕ ዩኒቨርሲቲ
ይመላለስ ይኸይድ ትምህርቲ፡
ክንዮ ምቝጻር ክፍሊ
ሽንፍላ ኣእምሮኡ ንዘይጸሪ።
(መጽሓፍ፥ ድምጺ ልቢ)
2 Comments
ሰላም በረኽት፡ ስለ ምሁራን ኤርትራውያን ዘቅረብካዮ ርእይቶ ኣንቢበዮ። ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ ኣብዚ ንምዝርዛሩ። ካብ ተሞክሮይ ከም እተረዳእኽዎ፡ ዳርጋ ኩሎም ምሁራት ኤርትራውያን ብቋንቋ ትግርኛ ንምጽሓፍ ኣዝዩ ኢዩ ዘሸግሮም። በዚ’ውን ኣብ ፍርዲ ከይኣትው ኣዝዮም ኢዮም ዝጥንቀቁ። ማዕረ ሰላሳ መጽሓፍቲ ብትግርኛ ደሪሰ። እቶም ዝገዝኡለይ ግና መብዛሕትኦም ብመጠኑ ትምህርቲ ዘለዎም ወይ ብዝለዓለ ደረጃ ዘይተምሃሩ ኢዮም። ዝገርም ወጻእተኛታት ሓሊፉ ተሪፉ ትግርኛ ዘየንብቡ ክነሶም ክዕቅብዎ በብግዚኡ ይገዝኡለይ። ብዛዕባ ድኽመት ህዝብና ብስነ-ጽሑፍ መዳይ ክትርእዮ ከሎኻ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘተሓሳስብን ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ’የ ኣሰር ንግደፍ ዝብል። በዚ’ውን ምጽሓፍና ኣይተርፍን።
ክቡር ኣቶ ሃይለ!
እዛ ኣርእስቲ ብገለ ወገና ጌጋ ኣላታ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።
ካብ ምህሮ ኣእምሮ !
(ገለ ሰባት እውን “የእምሮ” ይብልዎ እዮም)።