Mulubrhan Habtegebreil
ማይ ጸሎት’ ኣብ ‘ሰሓቕን ንብዓትን’ ዘርእስታ መጽሓፈይ እትርከብ ሓጻር ዛንታ እያ።
ኣብ መንጎ ኣቐዲሙ ብሓሳብ ዝሰኣሎን ብኣካል ዝርኣዮን ማይ ጸሎት ጋብር ደርዓንቶ፡ ብዙሕ ፍልልይ ጸኒሕዎ። ብኣካል ክትርእዮ ይውቅብ።
ብኣካል ክትበጽሖ ይኸብድ። ክብደት እቲ ቦታ፡ ምልክት ቅዱስነቱ’ዩ።ባህልቢ ዘካርያስ ምስ ኣዲኡ ካብ ኣስመራ ክበገስ አንከሎ፡ ንኽልተ ቕነ ኣብ ትሕቲ ገረብ ተዓቝቡ ማይ ጸሎት ዝሕጸብ መሲልዎ ነይሩ። ማይ ጸሎት ጋብር ደርዓንቶ ግዳ፡ ብጽዑቕ ገረብ ዝተሸፈነ፡ ብህዘቢ ዝዓመረ፡ ንእሽቶን ውቁብን ዓዲ ኰይኑ ጸኒሕዎ። ብመሳርዕ ፊት ንፊት ዝጠማመቱ ንኣሽቱ ኣባይቲ ምስ ተዓዘበ ፎኺስዎ። መሻቐጢ ድኳን ከጸንሖ ከቶ ኣይተጸበዮን። ክርስትያንን ኣስላምን
ብሓንሳብ ኣብቲ ማይ ጸሎት ክሕጸቡ ኣይተጸበየን። ኵሉ ነገር ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ጸኒሕዎ።
ኣብ ማአከል እቲ ኣባይቲ ጽብብ ዝበለት ክፍሊ ተዋሂባቶም። ንኽልተ ቕነ ቤቶም ከትከውን እያ። ኣብታ ከፍሊ መደቀሲ መንጸፍ፡ ናውቲ ቡንን ካልእ ንመዓልታዊ ናብራ ዝጠቕሙ ኣቝሑ ጸኒሕዎም። ቅድሚኦም ዝነበሩ
ብግቡእ ተጠቒሞም ዝገደፍሎም እዮም። ንሶም’ውን ብተመሳሳሊ ተጠቒሞም ናብቶም ብድሕሪኦም ዝመጽኡ ከመሓላልፍዎ ኣለዎም። ኣብ ጎረቤቶም ዘተወልዐት ሬድዮ፡ “ኣመሪካ ንኻልኣይ ሰሙና ኣብ ኣፍጋኒስታን ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺላቶ። …” ክትብል ሰሚዑ፡ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝኣኸለ ከረጋግጽ ሰዓቱ ተመልኪቱ።
ኣዲኡ ነቲ ተሰኪመንኦ ዝመጽኣ ሳንጣ እናፈተሻ እንከለዋ፡ ንሱ ንግዳም ወጺኡ። ካብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ ዝወጽእ ሽታ ዝተቐልወ ቡን
ተቐቢልዎ። ዝተፈላለዩ ሽታታት ጸብሒ ሃንገፍ ኢሎምዎ። መብዛሕትኦም ዘጋጠምዎ ሰባት፡ ኣብ ኣስመራ ርእይዎም ዝፈልጥ ኰይኖም ተሰሚዖምዎ።ናብኡ ገጻ ንእትመጽእ ዝነበረት ቀያሕ ጎርዞ ኣዳዕዲዑ ይፈልጣ’ዩ።ፊት ንፊት ጠኒኑ ተጸጊዕዋ። ሕሙም መሲልዋ ክትሃድም ኣንቂዳ ነይራ። ተገልቢጣ ምስ ርኣየቶ እያ ኣላልያቶ። እናሰሓቐት ተጠምጢማ ስዒማቶ።ባህልቢን ሶፍያ ጉዕሽን ኣብ ትያትር ዓለም’ዮም ዝፋለጡ። ኣብታ
ብባህልቢ ዝተደርሰት፡ ‘ኣቋራጭ’ ዘርእስታ ትያትር፡ ሶፍያ ከም ቀንዲ ጠባይ ኰይና ብምውሳእ፡ ህቡብነታ ዝያዳ ክብ ኣቢላቶ ነይራ። ብድሕሪ’ታ ትያትር፡ ብጸቕጢ ስድራ ቤታ መድረኽ ምርጋጽ ተሓሪምዋ። ኣብ መድረኽ ዘለዋ ፍቕሪ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ልባ ኣትዩ ይሳጽያ ኣሎ።
“ኣይጠዓኽን ዲኺ ደኣ?” ካብታ ንመጨረሽታ ግዜ ዝርኣያ ብዙሕ ሓፊሳ ተራእያቶ። ቅይሓ ናብ ጸማልያ ተቐይርዎ። እቲ እትምክሓሉ ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ፡ ብጻዕዳ መንዲል ሸፊናቶ ነይራ።
“ኣምላኽ ይመስገን ኣነስ ጽቡቕ ኣለኹ። ንኣደይ ከሕጽባየ መጺአ። ብዙሕ ጥዕና የብላን። ኣብዚ ካብ እንኣቱ፡ ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ክልተ ቕነና ክንመልእ ኢና።” ነቲ ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ዝበቖለ ጭሕሙ ድሕሪ ምዕዛብ፡
“ንስኻ’ኸ ኣይጠዓኻን ዲኻ?” እናተሰከፈት ሓቲታቶ። ከም ዘይጠዓየ ኵሉ ሰብነቱ ባዕሉ ይዛረብ ነይሩ። ጽሙእ ምዕጕርቱ ልዕሊ ዕድሚኡ ኣእሪግዎ። ጸጕሪ ርእሱን ጭሕሙን ብዘይ ቅጥዒ ምንውሖም ናይ ነገር ጥዕና ኣይኰኑን።
“ቁሩብ ጭንቀት ገይረ ኣለኹ።” ክሓብኣላ ኣይደለየን። “ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተማሃራይ ሳልሳይ ዓመት’የ ዘለኹ።” ጸሓይ በርቲዕወን ኣዒንቱ ጨምጪመን። “ከም እትፈልጥኒ ክቱር ፍቕሪ ስነ ጽሑፍ ስለ ዘለኒ ምስቲ ዝመረጽክዎ ዓውዲ ትምህርቲ ማለት ‘ማትስ’ ተጋጭዩኒ። ክሳብ ትምህርተይ ዝዛዝም ኣብ ስነ ጽሑፍ ምንጣፍ ከቋርጽ ብሓኪም ተነጊሩኒ። ፍቕሪ ስነ ጥበብ ብቐሊሉ ስለ ዘይወጽኣለይ፡ ኣብ ጥዕናይን ትምህርተይን መሰናኽል ኣጋጢሙኒ።” ከንፈሩ ነኺሱ ስምዒቱ ክቈጻጸር ጽዒቱ።ሶፍያ ቁስሉ ዝጎድኣቶ ኰይኑ ተሰሚዕዋ። “ናብዚ ማይ ጨሎት ምምጻእካ ጽቡቕ ውሳነ ኢኻ ወሲድካ።” ከተጸናንዖ ነይርዋ።
“ንስኺ ኣብዚ ኣብ ዝጸናሕክሉ ዝሓወዩ ሕሙማት ሪኢኺዶ?” ኣብ ማይ ጸሎት ጥርጣረ ኣለዎ። ኣዲኡ ስለ ዘገደድኦ እምበር፡ ባዕሉ ናብ ማይ ጸሎት ፈጺሙ ኣይምመጽአን።
“ብ-ዙ-ሓ-ት!….” ኣረጋጊጻትሉ። “ሓንቲ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበራ ጓል፡ ብኣውያት ኣይተደቅሰናን ነይራ። በዚ ትሕት ኢልካ ኣላ ጽሉላት ተኣሲሮምላ ዝሓድሩ …” ብየማናይ ኢዳ ኣመልኪታትሉ። “ኣብኡ ኢዳን እግራን ኣሲሮም፡ ንበይና ገዲፎማ መጺኦም። ንለይቱ ግዳ ፈቲሑ ኣምጺእዋ።”
“መን?” ደቀቕቲ ኣዒንቱ መሊሰን ጨምጪመን። “ጋብር-ደርዓንቶ ግዲ!” ቀጢን ሰሓቓ ደርጒሓቶ። ክትስሕቕ እንከላ
እቲ ዝተወቀጠ ግርጻና ፍሉይ ግርማ ይህባ። “ኣብዚ ማይ ጨሎት ብዙሕ ተኣምራት ኢኻ እትርኢ። ገለ ኣበሳ እንተ’ልዩካ ገበል መጺኡ የለፋልፈካ።”“በየን ይመጽእ?” ግንባሩ ኣዕጢሩ ተወኪስዋ። ብፍርሒ ከም እተጎብአ፡ ከይትፈልጦ ልዑል ጥንቃቐ ገይሩ።
“በየን ከም ዝመጽእ ኣይርአን’ዩ። ከቢድ ሓጥያት እንተ’ልዩካ ናብ መደቀሲኻ ይመጽኣካ። ኣዴታት እቲ ገበል ከይመጽአን ምሉእ ለይቲ ክምህለላ’የን ዝሓድራ። ነቲ ዝተወሃበካ ክፍሊ እንተ ኣርሲሕካዮ ወይ ርስሓት ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ እንተ ደፊእካ ይመጽኣካ። …”
“ኣበይ ደኣ ክትጕሕፎ ኣለካ?” ኣብ መንጎ ምእማንን ዘይምእማንን
ተቐርቂሩ ይሰምዓ ነይሩ።
“በቲ ናብዚ ማይ ጨሎት ዝመጻእኩሙሉ መንገዲ፡ መአከቢ ጎሓፍ ኣሎ።” ብኢዳ ኣመልኪታትሉ። “ኣብዚ ከም ገለ ምስ ዝዀነ ሰብ እንተ ተቛይቕካ ወይ ተባኢስካ እውን እቲ ገበል ይመጽኣካ’ዩ።”
ባህልቢ ነቲ መንጫዕጫዕታ ክርእዮ ስለ ዝተሃንጠየ። ሶፍያ ከተርእዮ
ለሚንዋ። ነቲ መንጫዕጫዕታ ቁልቁል ወሪድካ ኢኻ እትረኽቦ። ኣብ መንገዶም ኣካሎም ዝለመሰን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎምን ሕሙማት ብሰብ ተደጊፎም ክድይቡ ረኺቦምዎም።
“ህዝብና ካብ ኣብ ሕክምና ንላዕሊ ኣብ ማይ-ጨሎት እዩ ዝኣምን ዝብል ዘረባ’ባ ሓቂ’ዩ።” ባህልቢ ነቲ ዘሰንብድ ስቕታ ክዘርጎ ነይርዎ።“ሓደ ዓቢ ሰብኣይ። ትማሊ ዘዕለሉኒ ዘይነግረካ። ሓደ ሃብታም ዶክተር ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ዓቢ ክሊኒክ ክሰርሕ መዲቡ ነይሩ። እንተዀነ፡ ‘ኣብ ጥቓኻ ማይ ጨሎት ጋብር-ደርዓንቶ እንከሎ፡ ዝሕከመልካ ኣይትረክብን ኢኻ።’ ምስ በልዎ ለባማት፡ እቲ ዶክተር ነቲ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ ዓቢ ሆቴል ሰሪሑ’ሎ።”
ባህልቢ ብዛዕባ’ቲ ገበል ክሓስብ ንዕላል ሶፍያ ብዙሕ ኣየቕለበሉን።ኣብ ህይወቱ ምሉእ ገበል ርእዩ ኣይፈልጥን’ዩ – እንትርፎ ብስእሊ። እቲ ገበል ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ጫካ ከይመጽኦ ምሒር ተሸቑሪሩ።
“ኣብዛ ቦታ’ዚኣ፡” ሶፍያ ብእግራ ንመሬት እናጻሕተረት ኣመልኪታትሉ። “እቲ ገበል ቅድሚ ሰሙን ንሓንቲ ሰበይቲ ተጠምጢሙ ሒዝዋ። ቡዳ እያ። ብዙሓት ሰባት ከም ዝበልዐት ተናዚዛ ምስ ወድአት፡ እቲ ገበል ብመልሓሱ ንመልሓሳ መዝሒቑ ኣውጺእዋ።”
“ሞ-ይ-ታ?!” ከይተፈለጦ ብዓውታ ወጪጩ።
“ሞይታ’ወ!!”
ባህልቢ ትርግታ ልቡ ንእለቱ ክትውስኽ እንከላ ተፈሊጣቶ። ሳንቡኡ ብኣፉ ክትወጽእ ዝተረፋ ኣይነበራን።ኣብ ኣፈፌት ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ጋብር ደርዓንቶ ምስ በጽሑ፡ ሶፍያ ጫማኣ ኣውጺኣ ቀዲማቶ ኣትያ። ጫማኡ ኣውጺኡ ስዒብዋ። እቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ዝወስድ መንገዲ ብስሚንቶ ዝተለበጠ’ዩ። በቲ ዝነበረ ሙቐት ከብዲ እግሩ ሓው-ሓው ኢልዎ። ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትሮ ናብ’ቲ ቀጽሪ እትው ምስ በሉ፡ “እዛ እንዳ ኸልቢ እትመስል ገዛ፡” ሶፍያ ንሸነኽ ጸጋማይ መንገዳ ኣመልኪታትሉ። “ኣብዚ እዮም እምበኣር እቶም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዝእሰሩ።”
ቁሩብ ሕልፍ ምስ በሉ፡ ንእሽቶ ሩባ ሰንጢቖም ኣብ ቤተ-ክርስትያን በጺሖም። እቲ ሩባ ካብ ላዕሊ ካብ ዝወርድ መንጫዕጫዕታ’ዩ ዝምንጩ። ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ተደፊኦም ተሳሊሞም።
“እዚ መንጫዕጫዕታ ሓጋይን ክረምትን ኣየቋርጽን እዩ።” ሶፍያ መግለጺኣ ቀጺላ። “ንግሆ ደቀንስትዮ ኣብዚ መንጫዕጫዕታ እንተ ተሓጺበን፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ታሕቲ ካልአይቲ መንጫዕጫዕታ ስለ ዘላ፡ ኣብኣ ይሕጸቡ።” ናብታ ካልአይቲ መንጫዕጫዕታ ብኢዳ ኣመልኪታትሉ። “ኣብ ኣጋ ምሸት ካልኣይ ምሕጻብ ስለ ዘሎ ቦታ ይቀያየሩ። ሓደ-ሓደ ግዜ እቲ ገበል ጠጠው ኢሉ’ዩ በብተራ ክትሕጸብ ዝሕልወካ። ደቀንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት እንከለወን ክሕጸባ ኣይፍቀደለንን’ዩ። ወርሓዊ ጽግያት እንከለዋ ክትሕጸብ እንተ መጺኣ፡ ኣብ ተራኣ እቲ ገበል ነቲ መንጫዕጫዕታ ይሓትሞ’ሞ፡ ጥብ እትብል ማይ ኣይትህሉን። እታ ጓለንስተይቲ ምስ ወጽአት፡ እቲ መንጫዕጫዕታ ከም ንቡር ይቕጽል። ኣዚኻ ሓጥያተኛ እንተ ዄንካ፡ ንዅሎም ደው ኢሉ ከሕጽቦም ዝጸንሐ ገበል፡ ኣብ ሪጋኻ ምስ በጽሐ ይጠፍእ።”
ሰብነት ባህልቢ ብፍርሒ ከንቀጥቅጥ ጀሚሩ። ሶፍያ ምእንቲ ከይትርእዮ ነቲ ዘንቀጥቅጥ ዝነበረ ኣእዳዉ ኣብ ጁባኡ ኣእትዩዎ። ኣብ ጁባኡ ዝጸንሑ ሰናቲም፡ ብምንቅጥቃጥ ኣእዳዉ ብርቱዕ ድምጺ ኣስሚዖም። ካብቲ ሩባ ገጹ ምስ ተሓጽበ ቁሩብ ፍዅስ ኢልዎ።
“‘ሶፍያ’ ብቛንቋ ግሪኽ፡ ጥበብ ማለት ምዃኑ ዝነገርካኒ ንስኻ ኢኻ። ስድራይ ከማን ትርጕም ስመይ ኣይፈልጥዎን እዮም።” ሃንደበት ኣርእስቲ ዕላል ቀይራ። “ርእሰ ከተማ ቡልጋርያ እንታይ ከም እትበሃል ኣይፈልጣን እየ ነይረ። ንስኻ ኢኻ ሶፍያ ከም እትበሃል ነጊርካኒ።”
“ዋላ እኳ ኣይዝከረንን።”
“‘ገለ ሰባት፡ ሰብ ፖለቲከኛ እንስሳ’ዩ ይብሉ። ገለ ድማ ሃይማኖተኛ
እንስሳ’ዩ ይብሉ። ንዓይ ሰብ ስነ ጥበበኛ እንስሳ’ዩ። ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ።’ ዝበልካኒ ጠሪሸ ኣይርስዖን’የ።”
“ሓያል ናይ ምዝካር ተውህቦ ኣለኪ።”
“እታ ብቪድዮ ካሴት ዝዘርጋሕካያ ‘ሃዋርያ-ሰይጣን’ ዘርእስታ ድራማኻ፡ ብግብሪ ስነ-ጥበበኛ እንስሳ ከም ዝዀንካ ዘረጋገጽካላ ፊልም እያ። ብዙሓት ሰባት ከድንቑኻ ሰሚዐ ኣለኹ።”
“የቐንየለይ!”
ካብቲ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ውጽእ ምስ በሉ። ካብቲ ዕሙር ጫካ ሓሸሽታ ናይ ዓቢ እንስሳ ሰሚዖም። እቲ ገበል ከይከውን ስክፍታ ናይ ባህልቢ ነይሩ። ሶፍያ በቲ ድምጺ ኣይተሰከፈትን።
“እዚ ዝረኣየና ዘሎ ዒላ።” ሶፊያ መብርሂኣ ኣየቋረጸትን። “ናይ ኣእምሮ ሕሙማትን ሰይጣን ዝሰረዮምን ዝጠልቁሉ’ዩ። ሰለሰተ ድልዱላት ሰብኡት ብገመድ ኣሲሮም ነቲ ሕሙም ናብዚ ዒላ የጥልቕዎ። እቲ ሰይጣን ምስ ወጽኣሉ ከኣ የውጽእዎ።”
“እቲ ሰይጣን ከም ዝወጽኣሉ ብኸመይ ይፈልጡ?” ነቲ ዓሚቝ ዒላ ብኣርምሞ ጠሚትዎ።
“እቲ ሕሙም፡ ‘በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ … ድሒነ እየ!’
እናበለ ይጭድር። እቶም ዘጥለቕዎ ድማ፡ ስሒቦም የውጽዎ።”
ሕቶኡ ብግቡእ ዝተመለሰሉ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ደጊሙ ካብ ምሕታት ግዳ ተቖጢቡ። ብውሽጡ ንመንፈሱ ዝርብሾ ሓደ ነገር ኣሎ። ሶፍያ ክትፈልጦ ኣይደለየን። መላእ ሰብነቱ ብርሃጽ ተሓጺቡ። ዑደቶም ቀጻሊ’ዩ። ቍልቁል ተነቚቶም።
“እዚ ዝርኣየና ዘሎ፡ እቲ ኣቐዲመ ዝጠቐሰክዎ ካልኣይ መንጫዕጫዕታ’ዩ።” ሶፍያ ብተገዳሰነት ብዛዕባ’ቲ መንጫዕጫዕታ ኣብሪሃትሉ። ቁሩብ ሕልፍ ምስ በሉ፡ “እዚኣ ማይ-ህይወት ትበሃል። ፋልማይካ ማይ ጨሎት ክትጅምር እንከለኻ ኣብዚኣ ኢኻ እትሕጸብ። ዝዀነ ሰብ’ውን … ማለተይ ዋላ እቲ ማይ-ጨሎት ዘይሕጸብ ኣብዚ ክሕጸብ ይኽእል’ዩ።”
“ጽቡቕ ገይርኪ ኢኺ ኣጽኒዕክዮ።” ኣድናቖቱ ገሊጹላ። ጕዕዞኦም ቀጺሎም።
“ናብታ ብማዕዶ ትርኣየና ዘላ ዒላ ማይ-ልቢ፡” ብኢዳ ኣመልኪታትሉ። “ዝዀነ ሰብ ክኸይድ ኣይፍቀደሉን እዩ።”
“ንመን ደኣሉ ዝፍቀደሉ?” ባህልቢ ጋን ተሰሪሑ ተወኪስዋ።
“ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ክዀኑ ኣለዎም። ካብታ ዒላ ዝተቐድሐ ማይ መብዛሕትኡ ግዜ ንምስታይ ጥራይ ኢኻ እትጥቀመሉ። ብሓዊ ከተሙቖ ክልኩል እዩ።”
ነታ ዒላ ምስ ሓለፍዋ ክዳውንቲ ዝሓጽባ ኣዴታት ጸኒሐንኦም።
“እዚ ሩባ ክዳውንትኻ እትሓጽበሉ’ዩ። ኣብዚ ማይ ጨሎት ዝረስሐ ክዳንካን መንጸፍካን ኣብዚ ሓጺብካዮ ንገዛኻ ክትከይድ ይግበኣካ።”
ባህልቢ ብተፈጥሮ እቲ ማይ ጸሎት ኣዝዩ ተደኒቑ። “ንፈለማ ገዜ ኣብ ህይወተይ’የ ብዓይነይ ማይ ጨሎት ዝርኢ ዘለኹ።” ዘገም እናበሉ ናብ መዕረፊኦም ምምላስ ተታሓሒዞምዎ። “ኵሉ ማይ ጨሎት ከምዚ ውቁብ
እንተ ዀይኑ፡ ፈላሲ ኴንካ ክትነብር ዘመኒ እዩ።”ኣብ ከባቢ ዒላ ማይ-ልቢ ምስ በጽሑ፡ ሶፍያን ባህልብን እዝኒ ዝልኩት ኣውያት ብሓንሳብ ፈንዮምዎ። ወዮ ገበል ነቲ መንገዶም ምልእ ኢልዎ። ገጹ ገዲፍካ ዝተዀመረ ናይ ማኪና ጎማታት’ዩ ዝመስል። ሶፍያ ንኣዒንታ ብኽልተ ኢዳ ሸፊና ተዓኒዳ። ባህልቢ ከም ንፋስ በሪሩ ካብቲ ገበል ከምልጥ ወሲኑ። ሰለስተ ስጕምቲ ምስ ከደ፡ እቲ ገበል ካብ ዓንካር ዓንካሪቱ ክሳብ ክሳዱ ተጠምጢሙ ቀጥ ኣቢልዎ። ገጽ ባህልብን እቲ ገበልን ፊት ንፊት ተፋጢጦም። መልሓስ እቲ ገበል ከም ሕሱም ናብዝን ናብትን ትንቀሳቐስ ነይራ።
ሶፍያ ብማዕዶ ነቒጻ ትዕዘብ ነበረት።ባህልቢ ብቕጽበት ሓጥያቱ ከናዘዝ ጀሚሩ። “ኣብ ሓጺር ግዜ ህቡብ
ደራሲ ናይ ምዃን ህርፋን ኣሎኒ። ሰለዚ ድማ እየ ነታ ዝፈትዋ ናይ በርናርድ ሾው ‘ሃዋርያ ሰይጣን’ ዘርእስታ ትያትር፡ ከም ናተይ ገይረ ናብ ህዝቢ ዘርጊሐያ ዘለኹ። ናይ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ‘እቲ ምሩኽ’ ዘርእስታ ግጥሚ፡ ከም ናተይ ገይረ ብስመይ ኣብ ጋዜጣ ኣውጺአያ’የ። ብሓቂ ብዙሕ ድርሰታት እየ ሰሪቐ። ሕጂ ግዳ፡ ስርቂ ድርሰት ሓጥያት ምዃኑ ተረዲኡኒ ኣሎ። …” እቲ ገበል ካብ ሰብነት ባህልቢ ተዘርዚሩ ክወርድ እንከሎ፡ ባህልቢ ከም ብፍሕሶ እተሽከርከረት ኮረር ዓካት ትሽከርኪሩ፡ በኣፍልቡ ጻሕ ኢሉ ወዲቑ። ወዮ ገበል ሰተተት እናበለ ኣብቲ ጫካ ተሰትዩ።ሶፍያ እናጎየየት ናብ ባህልቢ ተጸጊዓ፡ “በቃ ተስእ ይቕረ ተባሂሉልካ’ዩ
እምበር፡ ንመልሓሰካ መዝሒቑ ምቐተለካ ነይሩ። ክልተ ቕነ ማይ ጨሎትካ ምስ ተሓጸብካ፡ ዝያዳ ካብ ሓጥያትካ ክትነጽህ ኢኻ።” ብኢዳ ደጊፋ ኮፍ ከም ዝብል ገይራቶ። “ናብ ኣስመራ ምስ ተመለሰካ፡ ነቶም ብኣቋራጭ ህቡብነት ከጥርዩ ክብሉ ድረሰት እንዳማቶም ዝሰርቁ፡ ናብ ጋብር-ደርዓንቶ
መጺኦም ብማይ-ጨሎት ክናስሑ መዓዶም።”