ሚኪኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)
ብድሮ፣ “ሓፍትኻ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሓ ፣ ኣብ ተሰነይ ኣላ፣ ደም ዝልግሰላ ተሳኢኑ፣ ምስ ደማ ዝሰማማዕ ደም ሒዝካ እንተዘይ መጺእኻ፣ ህይወት ሓፍትኻ ከብቅዕ’ዩ!” ዝብል መልእኽቲ፣ ንውነኡ ወሰዶ። እቲ ዝተነግሮ መልእኽቲ፣ ግዜ ዝህብ ኣይኰነን፣ ንኸይከይድ ዝዓግቶ ዅነታት ከኣ ብዙሕ’ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ’ውን ኣብ ገዝኡ ጥር ዝብል ገንዘብ የብሉን። እቲ ዝዓበየን መኻልፍን ኰይኑዎ ዘሎ ግና ንኣዲኡ’ውን በይነን ክሓድገን ተኽእሎ የለን።
ሰመረ፣ ቤቱ ኣብ ለጋስ ስፍራ’ዩ ተደዂኑ ዝርከብ፣ ብውሕዱ ሰብ ክረክብ እንተ ዀይኑ ኣስታት ክልተ ኪሎ ሜተር ክጐዓዝ ኣለዎ። ነዚ ዅሉ ኣገናዚቡ’ዩ ኸኣ ሓደ ኣነዋሪ ሓሳብ ውትፍ ዝበሎ። ኣደኡ ቐቲሉ ህይወት ሓፍቱ ንምድሓን፣ ገንዘብን ሰብን ከናዲ። ምኽንያቱ ኣደኡ ክትመውት ምዃና ብሕክምና ተነጊሩዎ’ዩ። ነየናይ ኸም ዘቐደም ግና ኣብ ቀራና ሓሳብ ተወጠሐ።
“ኣደይ ክቀትል” ነታ ዕረ ዝጠዓመቶ ሓሳብ ኣኳማሰዓ። ኣሰደሚሙዎ ውን ርእሱ ደፈኣ። ህይወት ሓፍቱ ከድሕን ተዀይኑ፣ ኣብታ መዓልቲ ኣደኡ ክትመውት ግድን ኰኖ። ሞት ብሞቱ ብኢዱ ኽቐትላ።
ካብታ ዝደቀሰላ ዓራት ብናህሪ ተሰአ፣ ጫማኡ ወድዩ ኣብቲ ምድሪ ቤት ዘወር በለ። ናብታ ኣብ መንደቅ ዝተንጠልጠለት መስትያት ቀሪቡ ምስሉ ተዓዘበ። ነቶም ብብኽያት ዝዓምጠሉ ፍሩያት ኣዒንቱ መቐረት ሰኣነሎም። እቲ ቐይሕ ገጹ ከሰል ተኸዲኑ፣ ኣብ‘ቲ ተረርቲ ኣፍንጫኡ ዝማደወ ዘይንቡር ሃሳስ ሕብሪ ርኣየ። ንገዛእ ነብሱ ድማ ጸለኣ። ከም ገበነኛ ኻብ ዝቅበላ ሰዓታት ኣቝጺሩ’ዩ። ኰይኑ ግና ነቲ ርትዒ ዝዀነ ሓሳብ ርእሱ ኽሳብ ዝዘሮ ሓሲቡሉ’ዩ። ኣማራጺ ግና ሰኣነ። ኣደኡ ናይ ግድን ኣብታ መዓልቲ ብኢዱ ክትመውት ምዃና ሓሲብሉ’ዩ።
ኣደ ሰመረ ብሕማም ጸቕቲ ደም (ስትሮክ) ካብ ዓቐና ንላዕሊ ብምኻዳ፣ ምሉእ ብምሉእ ሓንጐለን ለሚሱ’ዩ። ሓንጐለን ስራሕ ኣልቦ ምስ ኰነ፣ ዕድሚኤን ምግንዛብ (ባክኣብ) ናብ ዝንበረኦ ክምለሳ፣ ኣብ ኮማ ክጸንሓ ኣብ ዘይክእላሉ ደረጃ ስለ ዝበጸሓ፣ ሓኪም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ክሞታ ምዃነን ነጊሩዎ’ዩ። እንተ ዀነ ግና፣ ሰመረ ሞት ኣደኡ እናተጸበየ 27 ኣዋርሕ መልአ። ኣደይ ንግስቲ፣ ክዛረባ፣ ክበልዓ፣ ክሓስባ ዀታስ በጀካ ከስተንፍሳ ካልእ ዝገብረኦ የለን። ቀልቀል ኰነ መግቢ ብትቦታት ይሓልፈን፣ ዝወስደኦ መግቢ ብትቦ ብምዃኑ ጽማቝ ጥራይ’ዩ። ካብ ጐነንን ሰብ ክፈለ ኸኣ ዘይሕሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ፈፍርቂ ሰዓት ዘይመልእ ከም ኣብ ገሃጽሃጽ ዝብል ሓዊ፣ ዝተሰኽተተ ሸዊት ዕፉን ክጋላበጣ ኣለወል።
ትጽቢት ሞተን ውን ከሙኡ ንደቃይቅ ሕጂ ዶ ደሓር እናበለ ክሕልወን ነይሩዎ። ሰመረ ኣብዘን 27 ኣዋርሕ ዝነበራኦ 29 ሽሕ ናቅፋ ሓንኲኹወን‘ዩ። ዝነበረ ንብረት ገዛ ውን ሸይጡ ወዲእዎ’ዩ። ዝተረፈኦ እንተ ሃልየን ሓንቲ ኣረጊት ፊስቶን 2 ዓራትን ጥራይ’የን። ንዐአን ከይሸጠን ድማ ካብ መዓልታት ኣይሓልፋን’የን። ስጒምቲ እንተዘይ ወሲዱ፣ ህይወት ክልቲኦም ኣብ ምልክትት ሕቶ’ዩ።
ብዓቕሊ ጽበት ኣብ ዝሩያ ኣደኡ ኣዕጠጠየ፡ ከም ዘይፈልጠን ብዓይኒ ፍቕሪ ጠመተን፣ እቲ ዝብርሆ ገጽ ወላዲቱ መቐረት ሰኣነሉ። ብጐረሮአን ዝሓልፍ ማይ ንኽትርእዮ ኣይትሽገርን ኢኻ። ብጀካ ዓጽሚ ዝተረፈን ኣካል የለን። ትንፋስ እንደሞ ምሕላፍ ኣብያ። ሰመረ ክሕግዞ ዝኽእል መቕርብ እንተ ረኸበ ኣብ ቆፎ ኣእምሮኡ ፈተሸ። ወላ ሓደ’ኳ ክረክብ ኣይከኣለን፣ ኵሎም ብርህረሀ ልዕሊ ዓቅሞም ሓጊዞምዎ’ዮም። ምስ ምንዋሕ ግዜ ንጸገም ኣደኡ ከም ልሙድ ወሲደምዎ’ዮም። ነቶም ኣለዎም ኢሉ ዝገመቶም ከኣ ሓቲትዎም’ዩ። ግና ብጀካ “ምጭጭ” ኢልካ ናይ ድንጋጸ ቃና ምልጋስ ተስፋ ኣይረኸበሎምን። ሓንቲ ተስፋ ዘንበረላ ሓፍቱ’ያ። ይዅን እምበር ‘ቅድሚ ክልተ ዓመት ሱዳን ተራእያ’ ዝብል ፈኵስ ወረ እንተዘይ ኰይኑ ኻልእ ዝረኸቦ ተስፋ የለን። ብሎሚ ጽባሕ ድማ ግዜ ተመጢጡ። ድሮ እኳ ሓፍቱ ካብ ቤታ ኻብ ትወጽእ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ሎሚ ኸኣ እነሀት ጸገም ሒዛ መጺኣ።
ሰመረ፣ ኻብቲ ዝነበሮ ኸቢድ ሓሳብ ወጽዩ ርእሱ መርጨጨ፣ ነቲ ዝሓሰቦ እከይ ሓሳብ ከፍርሶ ተዳናደነ።
“ግን ከኣ እ እ” ወታእታእ በለ። “ኖእ መርሃዊት ሓፍተይ ብህይወት ከርክበላ እንተ ኰይነ…..!” ክብሎ ዝደለየ ኣንጠልጢሉ ገደፎ።
ናብቲ ኣደኡ ዝነበረቶ ብምቕራብ፣
“ኣደ ልዕሊ ማንም ክትነብርለይ እደሊ’የ ግን….!?” ስምዒቱ ገቲኡ ቓና ብኽያቱ ኣነጸረ። ኣዒንቱ ቐዲመንኦ ጀረብረብ በላ፣ እቲ ሓሳብ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ውሳነ ዝደፋፍኦ ቅርምራም ሓሳብ ብዙሕ’ዩ። ነታ ብሰንኪ ጸገሙን ትምክሕትኡን ዝሓደጋ ኣፍቃሪቱ፣ ክድውለላ ተደናደነ። መሊሱ ንእትህቦ መልሲ ኣጋናዚቡ ኣዋደቖ። ሕማም ኣደኡ ዀይኑዎ እምበር ካብኣ ወላ ሓንቲ ደቒቅ ክፍለ ኣይደልን’ዩ። ስመረ ብባህሪኡ ብሰባት ክሳዓር ኣይደልን’ዩ። ውጽኢት ናይዚ ከኣ ጸገሙ ከይነግር ክብል ካብ’ታ ዝፈትዋ ኣፍቃሪቱ ንዓመታት ተፍልዩ። ካብ ካልኦት የዕሩዅቱ ውን ከምኡ። ሕጂ ድማ እንሆ ናይ ሓፍቱ ሽግር ተወሲኹዎ።
ኣብታ ጸባብ ቤቱ ተማላለሰ። ሓንሳብ ምስ ውሽጡ ክረዳዳእ ፈተነ። ኰይኑ ግና ዝልውጦ ሓሳብ ሰኣነ። ነቲ ኣጽዲቑዎ ዘሎ ሓሳብ ክፍጽሞ ኸም ዘለዎ ደምደመ። በቃ ህይወት ኣደኡ ብኢዱ ኸሕልፍ ሽዑ ህይወት ሓንቲ ሓፍቱ ኸድሕን፣ ተመሊሱ ከኣ ቐብሪ ኽእውጅ፣ 12 ምስሓለፈ ኸኣ ስራሑ ጀሚሩ ስሩዕ ህይወቱ ኽመርሕ።
ንኣደኡ ከመይ ገይሩ ከም ዘሰናብታ ኣይሓንጸጸን። እቲ ዝተናወጸ ኣእምሮኡ’ውን ሜላ ንኽፈጥር ዓቅሚ ሰኣነ። በዝተኻእለ መጠን ከየቐንዘወ ኸፋንዋ ሓሰበ። ጸኒሑ ግና ሓንጐሉ ሃሳስ ሓሳብ ኣፈለቐ። ንሱ ኸኣ ኸም ዘለውኦ ሓዲጉወን ክኸይድ ወሰነ። ድሓር ግና ብድሕሪኡ ስቓይ ኣደኡ ተራእዩዎ፣ ተመሊሱ ንኣእሮኡ ንዓቖ።
“እንታይ’የ ዝኸውን ዘለኹ ሞታ ንዘይተርፋ ኻብ ቃንዛ ተገላጊለያ እንታይ ጸገም የምጽእ!፧” ሓሳቡ ኸይመልአ ገደፎ፣ ኣብ መንጎ ዅሉ ኣተዓባብያኡ ተራእዩዎ ሓሳቡ ተዘርገ።
“ፍጹም ክኸውን የብሉን!” ድምጹ ኣበሪኹ ጨደረ። መመሊሱ ኣብታ ቤት ተመላለሰ። ንዕድመኡን ንዕድመ ኣዲኡን ኣጕዲሉን ደሚሩን “74 ዓመት” በለ መሊሱ ታሴራኡ ርእዩ 29 ዓመት ከም ዝገበረ ኣወራረዶ። ድሕሪኡ ግና ዕድመ ምጽብጻብ ትርጕም ሰኣነሉ። ነታ ሒዝዋ ዝጸነሐ ታሴራ ደርብዩ ቓንዛ ርእሱ ምጽዋር ስለ ዝሰኣኖ ጸጕሪ ርእሱ መርጭጨ። ከበድቲ ሓሳበት እንክሓስብ ከሎ ርእሱ‘ዩ ዘሕምሞ። ነቲ ሓሳብ ናይ መወዳእታ ኽፍጽሞ ተበዐ። ኣብዛ ዕለት ከፋንወን ምዃኑ ኣይተጣራጠረን፣ ግና ብኸመይ ከም ዝገብሮ ሓርበቶ፣ ሕንቅንቅ ብምባል ኣዒንቱ ጀረብረብ በለ። ሃንደበት’ውን ኣውያት ፈነወ። ናብታ ዝድቅሰላ ዓራት ተመሊሱ ተደፊኡ ኣምሪሩ በኸየ። ነገራት ድብልቅልቅ በልዎ ኣእምሮኡ ስሒቱ ኸይከውን ተጣራጠረ። ግን ከኣ ኢዱ ኽህብ ኣይደለየን። ነቲ ኽፍጋእ ዝደለየ ርእሱ ኣትሪሩ ብጨርቂ ኣሲሩ ኣብቲ ዓራት ተገምሰሰ። እቲ ብንብዓቱ ዝጠልቀየ መንጽፍ ዛሕሊ ስለ ዝሰሓበሉ ኽትስእ ተገደደ።
ነቲ ገበን ጠኒኑ ኸኣትዎ ጅማውቱ ኣትረረ። ኣዒንቱ ዓሚቱ ነታ ኣብ ኣፍንጫአን ዝነበረት ትቦ ናይ መታሓላለፊ ፈሳሲ ኣለያ። ኣብ ገጽ ወላዲቱ፣ ጽላሎት ኣእዳዉ ዓለበ። ክሳዱ ብምንቅዕራር ተዓሚቱ ኣእዳዉ ሰደደ። ኣዒንቱ ኸፊቱ ኽሳደን ክሓንቐን ሓለነ። ኣእዳዉ ግን ክምእዘዛ ኣይከኣላን። ኣደኡ ኸናፍረን ደረቑ ኣዕጽምቲ ገጻን ሃጢሙ ረኣዮም። ብግዜ ጥዕናኣን ተራእዮ፣ ብሓቂ ሽዑ ኸዀነሉ’ውን በሃገ። ኣሻቡ ሓሳቡ ረሲዑ ነቶም ጭራሮ ዝመስሉ ኣጻብዕታ ጨቢጡ ሰዓሞም። ኣዒንቱ ምንባዕ ኣየቋረጹን፣ መሊሶም ጀርብረብ ስለ ዝበሉ ብኢዱ ሓንሰሶም። ኣብራኹ ዓጺፉ ኣብቲ ኣእዳዋ ተደጊፉ ተከዘ።
ኣእምሮኡ ኣእዊ ብዝብል መቃልሕ ተባሕተ። የማን ጸጋም ላዕሊ ታሕቲ በለ። ኣዋዲቁዎ ኸምዘይ ጸነሐ፣ ኣዕገርገረ ነቲ ብጨርቂ ዝኣሰሮ ርእሱ ፈቲሑ ደርበዮ። ናይ መዳእታ ተቢዑ ኽፍጽሞ ወሰነ። ነቲ ዝቃወሞ ዝነበረ ሕልናኡ ኽስዕሮ ተቃለሰ። ነታ ኣብ መንደቕ ዝተሰቕለት ሰዓት ተዓዘባ፣ ክብገሰሉ ዝግብኦ ግዜ ኸም ዝተጸንቀቐ ኣጭበጠ። ኣትሪሩ ኸኣ ርእሱ ሃረመ። ሃንደበት ብናህሪ ደገ ወጸ። ነቲ ቐጽሪ ብዙርያኡ ጠመቶ፣ ይትረፍ ሰብ እንስሳ ውን ኣይነበሮን። ጸጥታኡ ንልቡ ደሃሎ። እቲ ሃዋሁ ድማ መለኣከ ሞት ኰይኑ ተሰምዖ። ኣብቲ ኻንሸሎ ዘወር በለ። ነቲ ዝነፍስ ዝነበረ ጠሊ ዝሓዘ ንፋስ ከስተማቅሮ ጀመረ። ስጕምታኡ ቀኒሱ ብህድኣት ተንቀሳቐሰ። መንፈሱ በቲ ንፋስ ደስ በሎ። ኣእምሮኡ ውን ክናቓቕሕ ተፈለጦ። ንገለ ደቓይቕ ደው በለ።
ኣካላቱ ኸኣ በንጻሩ ምእዛዝ ኣብዩ፣ ኸንፈርፍር ተራእየ። ኣብ’ቲ ጠሊ ዝሐዘ ንፋስ ምሉእ ኣካላቱ ርሃጽ ቲፍ ቲፍ በለ። ኣዒንቱ ኣጨምቲሉ ናብ እቶም ብቅድሚኡ ዝተቐመጡ ቐዳዳት ፊስቶታት ኣፍኪሱ ጠመተ። ማኣዝን ኣዒንቱ ኣብኦም ደኣ ይዕለቡ አምበር ቘላሕታኡስ ንውሽጢ ንብሱ’ዩ። ንደቃይቅ ምስ መንፈሱ ኣዕለለ። ኵሎም ዝገበሮም ፍጻሜታት ፈተሾም። ንገዛእ ነብሱ ጸለኣ፣ ንልበናኡ’ውን ንዓቓ።
ካብ’ቲ ዝነበሮ ውሽጣዊ ገምጋም ወጹኡ፣ ናብቲ ኣብ ጥቑ ዝነበረ ኣፍኺሱ ኽጥምቶ ዝጸነሐ ኣነጺሩ ጠመተ። ብውሕዱ ነቲ ዝኣረገ ፊስቶታት ሽይጡ ናብ ሓፍቱ ኽብገስ’ሞ ንኣደኡ ዝሕልወሉ ሰብ እንተ ለሚኑ ዝኣብዮ ኽምዘየለ፣ ወይ’ውን ወላ ንመዓልታት ይዅን ለውጢ ኽጽበ ኸም ዝነበሮ ተረደኤ። ናይ ጣዕሳ ንብዓት ከኣ ጀረብረብ ኣበለ። ገለ ክፋል ሓንጐሉ ግና ኣመራጺ ከም ዘይነበሮ ኣመኻነየ። ኣብ መንጎ ሕልናኡ ከኣ መጕት ተኸለ። ደሓር ግና ንእምሮኡ ብጽቡቕ ሓሳብ ክመልኦ ተጋደለ። ቀምሳል ፍሽኽታ ድማ ኣርኣየ። ጐዩ ንውሽጢ ገዛ ኣተወ። ናብ ኣደኡ ቐሪቡ ኣእዳወን ዓቲሩ ናይ ይቕሬታ ንብዓት ከዓወ።
“ማማ ኣይትሓዝለይ ኣእምሮይ ብሰይጣን ክደፋፋእ ጸኒሑ” ምቑር ንብዓት ኣፍሰሰ። ኣብታ መዓልቲ ዝጸልመቶ ተስፋ ኽዅላዕ ተራእዮ።
ካብኡ ተንሲኡ ንግሆ ንቑርሲ ኢሉ ዘፍለሖ ግና ዘይሰተዮ ኣብ ፈርኔሎ ተሰኺቲቱ ርኣዮ። ኣውዕዩ ክሰትዮ ሓዊ ንኽኣጕድ ኣብ ሸበድበድ ኣተወ። ክሳብ እታ ሻሂ ትፈልሓሉ ብኣዒንቱ ምስ ኣደኡ ኣዕለለ። ኣዕሚቑ ብዓይኒ ፍቕሪ ጠመተን፣ ነቲ ኣውጺኡዎ ዝነበረ ትቦ፣ ወጽዩ ከም ዘሎ ሽዑ ኣስተውዓለሉ። ብሸበድበድ ናብ ቦታኡ መለሶ። ካብቲ ንግሆ ዘዳለዎ ዝተበጽበጸ ትሕኒ ብስሪንጋ ኣስተየን፣ ንዕኡ ውን ሻሂ ሰተየ። ኣእምሮኡ ውን ዝያዳ ኻልእ ግዜ ሽዑ ተናቓቕሐ። ናብ ኣደኡ ብምምላስ ከም ዘይፈልጣ ብተምሳጥ ጠመታ።
“ማማየ ካብ ሕጂ ግና ኣይጠልመክንየ እመንኒ፣ ንመርሃዊት ሓፍተይ ግን…..” በለን መመሊሱ ኸኣ ተፈሸኸ ጣዕሳኡ እናተበረሆ፣ ኣደኡ ግና ትሰምዕ ብዘይ ምዃና ንከንቱ ጸዓት የህልኽ ከም ዘሎ ደሒሩ ተሰወጦ።
“ብውሕዱ ዓነይ ይርእየኪ። መን ይፈልጥ ኣነ ቅድሜኺ ይመውት ይኸውን” ኣዒንቱ ዓሚቱ ኣዕሚቁ ኣስተንፈሰ። እቲ ኸጨንቖ ዝወዓለ በዚ ኸይዱ ኸይበሎ ፍዅስ በሎ። ተመሊሱ ኻብታ ዝተሰኽተተት በራድ ውዕቲ ሻሂ ቐዲሑ ደገመ። ስለስተ ኣርባዕተ ግዜ ፊት ፊት በለ። መስርዑ ሓልዩ ንነገራት ክፍትሾም ጀመረ። ኣእምሮኡ ሓንሳብ ንጽቡቕ ስለ ዘንቀዶ ኸዐውቶ ፈተነ። ሃንደበት ናብ ኣፍቓሪቱ ክድውል ጀመረ። ኣካላቱ ግና ኣንቀጥቀጠ። መስመር ኣብይዎ ኣዕለበጠ። ደጋጊሙ ኽፍትን ድሕሪ ምጽናሕ ጻዊዒ ሰመዐ።
“ሄለው ስሙረይ” ዝብል ላህላሂ ላዛ ድማ ተቐበሎ። እቲ ቅኒት ተስፋ ዘቝርጽ ኣይዀነን። ስመረ ሃዲኡ ክምልስ ንምኽኒት ዝዀኖ ሓሳብ ፈተሸ። ኣብ ኣእምሮኡ ቀዳማይ ዝተቐጀሎ እንተ ነይሩ ጌጋኡ ኣሚኑ ጸገም ኣዲኡ ዀነ ማሕበራዊ ጸገሙ ኸም ዘለዎ ኸረድኣ ጥራይ’ዩ። ግን ከኣ ‘ኣበይ ነይርካ ክሳብ ሎሚ’ ንከይትብሎ ተሰከፈ። ኰይኑ ግን ኣመራጺ ሰኣነ። ሓሳቡ ኸይወደአ፣ “ሄለው ስሙር ኣሎካ ዶ?” ኣድሃየት መሊሳ ተስፍኡ ኣበረኸት
“ኣለኩ ሃኒ!” ወታእታኣ በለ። “እንታይ ድየ ኽብለኪ ደልየ፣ ከገርመኪ ይኽእል ይኸውን ኣብ ዝሓጸረ በጃኺ ጥብ በልኒ፧” ናብ ትእዛዝ ገጹ ዝኸደ ቃና ተጠቕመ፣
“ከመይ ኣይተረዳኣንን” ቃናኣ ቃና ስግኣት እናጥዓመት።
እቲ ፍጻመ ከምዘለዎ ኣዕለላ።
“ኵንትራት ታክሲ ገይረ መጻኹ፣” ቕሩብነታ ገለጸት። ስመረ ነታ ትመጽእ ጋሻኡ ንምሕጓስ ኣብ ጽዑቅ ስራሕ ተጸመደ። ኰይኑ ግና ዝውግኖን ዘላዕሎን ንብረት ኣይነበረን። ዝርካበን ሸይጥወን’ዩ። በቲ ዅነታት ተፋራረቀ። ወይ ጸገሙ ርእያ ክትድንግጸሉ ወይ ጸጉሙ ኣሰንቢድዋ ክትርሕቆ፣ ንሕብሪ ባህሪ ከለሊ ኣብ ሓስብ ሰጠመ።
ማይ ቀዲሑ ርእሱ ተሓጸበ ብመራሃጫኡ ብምንቃጽ ጸጉሩ መሸጠ።
ኣብ ጐኒ ኣደኡ ኾፍ ኢሉ ንጕንቦ ኢድ ኣዲኡ ዳህሰሰ፣ ክሳብ ኣፍቃሪቱ ትመጾ ዓቅሊ ኣጽበበ። ኰይኑ ግና ኣፍቃሪቱ ምስ መጸት እንታይ ከም ዝቕርበላ ኣሕነኾ። ዳሓር ግና ነብሰ ልዕልና ኸምዘይ የዋጸኦ ደጊሙ ኣመነ። እቲ ዅነታት ነቲ ዘጋጠመ ዝያዳ መረዳእታ ኸም ዝዀኖ ኣመነ። ሃሳስ ናይ ትሕትና ፈገግታ ድማ ሰደደ።
ካብ ሓሳቡ ኸይተኣልየ ግና፣ ሞባይሉ ኣድሃየት፣ ኣብ ደገ ኣፍቃሪቱ መጺኣ ኸምዘላ ተረዲኡ ብሸበድበድ ንደገ ወጸ።
ኣብቲ ስግር ጽርግያ ትምስጥ ጐርዞ ኣማዕደወ። ሃንደበት ዘይፈልጦ ስምዒት ወረሮ። ኣፍቓሪቱ ንክትከውን ብሃገ፣ ብርግጽ ንሳ ምዃና ኣጭበጠ። ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ዀይኑላ ዝነበረ ግርማ መሰጦ። ክልተ ዓመት ተፋላልዮም ከም ዝነበሩ ድሒሩ ተሰወጦ። ኣጸቢቓ ሃጢራ ከም ዘላ’ውን ኣስተውዓለ። ንሱ ግና በንጻሩ ብዕብራን ዘይምስሉ ኸም ዝሓዘ ተገንዘበ።
ካብኡ ዝተዛረቦ ቃል ኣይነበረን። መሪሕዋ ንውሽጢ ኣተወ፣ ብኣቃውማ እቲ ቤት ተዓኒዳ ጠመተት። ንሱ ግና ናብ ኣደኡ ሓሊፉ ምምዕርራያ ገበረ። ገጻ ኣደኡ ግና ካብ’ቲ ዝነበሮ ቀምሲሉ ርኣዮ፣ ግዲ ከይገበረ ናብ ካልእ ዕላሉ ኣተወ። ኣፍቃሪቱ ዅነታት ኣደኡ ኣሰምቢድዋ ተረበጸት። ነቲ ዅነታት ከዘንትወላ ናብ ኣፍቃሪቱ ተወተፈ። ነቲ ኾፍ ዝበለቶ ብመተርኣስ ኣጠዓዒሙ ነታ ዝዘሓለት ሻሂ ኣውዕዩ ብዘይ ዝኰነ ዝብላዕ ቀዲሑ ቀረበላ ሽዑ ኵሉ እቲ ታሪኽ ኣስፊሑ ኣዘንተወላ።
“ሃኒ እፈትወኪ’የ ከምትፈትውኒ ከኣ ኣይጣራጠርን’የ፣ ወሪዱኒ ዘሎ ጸገም ድማ ከምዚ ዘዕለልኩኺ‘ዩ እ…..” ንዘረባኡ ኣንጠልጢሉ ገደፎ።
“እርደኣኒ’ዩ ስሙረይ ጸገምካ ከይፈለጥኩ ርሒቐካ ነይረ፣ ሕጂ ግና ዝገብሮ ኣሎኒ።
“በሊ ኣነ ክኸይድ” በለ ኣእዳዉ ኣብ ጸጒሪ ርእሳ እናሰዀዐ።
ድሓን ሕጂስ ንግዚኡ ዝኸውን ኣብ ቦርሳ ኣሎኒ ደሓር ከኣ ምስ ማማ ተራዳዲኤ ካብ ገዛ ክምጽእ’የ። ንስኻ ዳሃይ መርሃዊት ግበር ንኣደኻ ባዕለይ ከኣልየን’የ።” በለቶ ክዛረብ እናፈለመ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ኣዲኡ ዀለፎ። ብስንባደ ክልቲኦም ቀረብዋ። ኣዲኡ ኣካላታ ኽንከርትት ተዓዘበ። ኣዒንታ ኽልተ ግዜ ሰም ሰም ኣበለቶም። ሰመረ ኵነታታ ንምፍላጥ ብምዕልባጥ፣ ለውጢ ተጸበየ። ሃንደበት ስልኩ ድምጺ ገበረት። ሓፍትኻ ኣስመራ ኣትያ ኣላ፣ ንደማ ዝሰማማዕ ደም ስለ ዝተረኽበ፣ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣላ። ሃዲእኻ ምጻእ!” ዝብል ልቢ ዝመልስ መልእኽቲ ሰመዐ።
ኣደኡ ግን ኣዒንተን ቀጠልያ ሕብሪ ሒዙ ደሪቐን ረኣየን። ትንፋሰን ፈተሸን ተስፋ ሰኣነሉ። ሓንሳብን ንሓዋሩን ትንፋሰን ከም ዝሓለፈ ድማ ኣረጋገጸ። ሕልናኡ ተማቓቐለ። ብውሽጡ “ምቁር ሞት” በለ፣ ኣሻቡ ንኣደኡ ክናፍቐን ጀመረ። ነተን ዘይረኽበን ኣደኡ ከልቕሰለን ጀመረ። ነቲ ክምነዮ ዝዋዓለ ምቁር ሞት። ንዕረፍቲ ኽልተኦም!፧