መኮነን ተስፋይ
222 ገጽ ዝሓዘት ዕብይ ዝበለት መጽሓፍ “ገሞራው ዘርዓይ ደረስ” ሓያሎ ናይ ቀደም መጻሓፍቲ ብምዕቃብ ዝፍለጥን ኣብ መጻሕፍቲ ፍሉይ ተገዳስነት ዘለዎን ኣብ ከተማ ፖርትላድ፡ ኦሬጎን: ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝቕመጥ ኣቶ መኮነን ዳምጣው ሊኢኹለይ ኣብ ኢደይ በጺሓ’ላ። ፈለማ ንመኮነን ዳምጠው ስለቲ ተገዳስነቱን ንኤርትራውያን ደረስቲ ኣብ ምትብባዕ ዝገብሮ ኣበርክቶን ብስም ኣንበብቲ ዛራ ጥበባት ከመስግኖ እፈቱ።
መጽሓፍ “ጎመራው ዘርኣይ ደረስ” ብሓልዮት ንጉስ ሃይለስላሴ ተመዊላ ብደራሲ ይልማ ማናዮ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ከም ዝኾነት ኣብቲ መእተዊ ይሕብር። ኣብቲ መጽሓፍ ዘርኣይ ደረስ ኣብ ዓዲ ይሃይስ ኣውራጃ ሰራየ ተወሊዱ ወዲ 2 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ ስለዝሞተ ኣዲኡ ሒዛቶ ናብ ዓዳ ማለት ሃዘጋ ከም ዝኸደትን ኣብ ሃዘጋ ከም ዝዓበየ። ኣስመራ መጺኡ ቋንቋ ጣልያን ከም ዝተማህረ፡ ኣብ ዓዲ ወግሪ ናይ ክህነት ትምህርቲ ከም ዝቐሰመ፡ ኣብ ጋዜጣታት ኢጣላያ ብዝትፈለለየ ናይ ብርዒ ስም ይጽሕፍ ከም ዝነበረ፡ ጣልያናውያን “መን’ዩ እዚ ሰብ” ብምባል ከም ዝሽገሩ ዝነበሩን ክፈልጥዎ ከም ዘይከኣሉን። ኣብ ራማ ብመምህርነት ተቖጺሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ። ስራሕ ኣቋሪጹ ወዲ 20 ዓመት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ናብ ሃዘጋ ተመሊሱ ከም ዝተመርዓወ፡ ደሓር ከም ኣተርጓሚ ኮይኑ ካብ ኣስመራ ናብ ሮማ ከም ዝኸደ ይጠቅስ። ነታ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ወዲ 20 ዓመት ከሎ ጣልያናዊ ኣማሓዳሪ መቐለ ዝነበረ ኩማንዳተረ እስኩድሪ ሒዙዋ ዝረኣያ ደሓር ኣብ ሮማ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝሰቐላ እሞ ዘርኣይ ደረስ ሮማ ምስ ከደ ብጥበብ ዝሰረቓ ጉራዴ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝብል ስም ብኣማሓርኛ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ዘለዋን ኣብ ኩናት ዶግዓሊ 500 ወታሃደራት ጣልያን ዝቖረጸትን ከም ዝኾነት እሞ ዘርኣይ ደረስ ብኣኣ ጌሩ ኣብ ኣደባባይ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝቐተለን ከም ዘቑሰለን። ጣልያናውያን ማዕረ ኢትዮጵያ ወሪራትና ዘስምዕ ዓይነት ስምዒት ከም ዘሕደሩን ንሓድሕዶም ክታኾሱ ከም ዝወዓሉን ብዙሕ ሰብ ከም ዝሞተን። ዘርኣይ ደረስ ን6 ሰዓት ዝኣክል ከም ዘይተተሕዘ ደሓር’ውን ደፊሩ ዝሕዞ ስኢኑ ብ6 ጥየያት ምስ ተሃረመ ከም ዝተተሕዘ እቲ መጽሓፍ የዘንቱ።

ዘርኣይ ደረስ ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ ኣብ 7 ዓመቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞተ ድማ እቲ መጽሓፍ ይገልጽ። እቲ 172 ገጽ ብዛዕባ ታሪኽ ሂወት ዘርኣይ ደረስ እቲ ዝተረፈ 50 ገጽ ከኣ ንታሪኹ ዝምልከት ኣብ ዝተሰርሓሉ ድራማ ዝተጻሕፈ ናይ ድራማ ስክሪፕት ዝሓዘት መጽሓፍ ሓያሎ ስእልታትን ሰነዳትን ዘለዋ እያ። ኣብ ዝቕጽል ኣዋን ኣንባቢ ምሉእ መረዳእታ ክህልዎ ምእንቲ ስካን ጌርና ብመልክዕ ፒዲኤፍ ኣብ ኢንተርነት ከነውጽኣ ኢና:: ንሕጂ ግን ገበር ናይቲ መጽሓፍን ሓደ ክልተ ገጽ ናይቲ ፍጻሜን ኣብዚ ከቕርቦ’የ። ኣቐዲሙ ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ኣብዚ ሰኪዔት ሓበሬታ ዛራ ጥበባት “ሓቀኛ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፉ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እዚ መጽሓፍ ነቲ እስጢፋኖስ ዝበሎ ዝብድህ ድዩ ዘራጉድ ናብ ኣንበብቲ ዝሕደግ’ዩ።
4 Comments
😛
ኣነ ንባዕለይ ኣብ ሮማን ሚላኖን በጺሐ እቲ ዘርኣይ ደረስ ውዒሉዎ ዝተባህለ ቦታ ስኢለዮን ንገለ ሰባት ከጻርዩለይ ሓቱኢተን ኣለኹ። ኣነ መጽሓፍ ገሞራው ዘርኣይ ደረስ እንታይ ከም ዝብል እፈልጥየ፡ መንእሰይ ከለኹ ብመጠኑ ርእየዮ ስለ ዝነበርኩ። እቲ ሕቶ፡ መጽሓፍ ዘርእእይ ደረስ ካብ ጭብጢ ድዩ ተጻሒፉ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያ ንኵሕሓልን ኤርትራውያን ኢትዮጵያዊ ስምዒት ኣለዎም ንምባል ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝተኰረ እዩ። ነዚ ድማ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ዝርከቡ ጽሑፋትምበር ኢትዮጵያውያን ብዝጥዕሞም ዘውረዩዎ ወይ ድማ ኤርትራውያን ብንብሎ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ቀስ ኢሉ ክገሃድ ስለ ዝኾነ ኣይንተሃወኽ።
ቀዲሙ ብታህዋኽ ርእይቶ ካብ ዝሃቡ ሰባት ሓደ ኢኻ፡ እቲ “ሓቀኛ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ” ኢልካ ዘውጻእካዮ ጽሑፍ፡ ከም ቀዳማይ ቅድሚ መጽናዕቲን ጭብጢታትን ስለ ዝወጸ! እዚ ሕጂ ተካይዶ ዘለኻ መጽናዕቲን ምርምርን ፈለማ ቅድሚ ነቲ ጽሑፍ ምውጻእካ ክኸውን ነይርዎ ይመስለኒ፡ ብዝኾነ፡ ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን ታሪኽና ንኹልና ስለ ዝምልከት ተገዲስና ክንሓተሉን ዝከኣለና ክንጽዕርን ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ጽቡቕ እዩ።
ሎሚውን ተወሳኺ ፍልይ ዝበለ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ረኺበ ኣለኹ። ካብ መን እንተበልኩም ካብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መምህር ታሪኽ ዝነበሩ ኣባ ተወልደ። ንሶም ድማ ኣባ ዶመኒኮ ዝብሃሉ ካህን ብንእስነቱ ከሎ ንዘርኣይ ዘፍልጡዎን ኣብ ኢጣልያ ከሎ ምስኡ ዝጸሓሓፉ ዝነበሩን ከም ዘዕለሉዎ ሓቢሮምኒ ኣለዉ። ነዚታት ምስ ስእሊ ዘርኣይ ደረስ ኣሰንየ ኣብ ዛራ ጠባብት ከስፍሮ እየ። ዛጊት ካብ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ እሞ ይፈልጡ ካብ ዝብሃሉ ሰባት፡ ምስ ስእሊ ናይ ፒያሳ ቬነዝያን ናይ ዘርኣይ ደረስ ስእሊ ምስ መማህርቱን እዩ። ነዚ ድማ ንግዱሳት ከቕርቦ እየ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ተመሳሳሊ ግን ከኣ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መግለጺ ዝጻረር ሓበሬታ ናይ ዘርኣይ ደረስ ተረኺቡ ኣሎ። ገና ብሕጂ’ውን ተወሳኺ ክርከብ እዩ።