ቀዳማይ ክፋል
ብፍስሃየ ኪዳነ (ወዲ ፖሊስ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ)
3) መእተዊ፡- ዕላማ ገምጋም እንታይ’ዩ፧
ኣብ ዓለም፡ ቋንቋ መትኒ ህይወት ደቂ-ሰባት እዩ። ምናልባት፡ ቋንቋ እንተዘይፍጠር ተበጺሑ ዘሎ ዕቤትን ምዕባለን ክሳብ ክንድ’ዚዶ ምሰጐመ ኢልካ ሕቶ ክተልዕል ድማ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ፡ ስኒትን ሓድነትን ንምህዞታት ዝሕግዙ ሓሳባት ግድን ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ሰባት ኪምርኮሱ ኣለዎም። ንባዕሉ ሰባት ብስኒት ማሚቖም ኪነብሩ ዘኽእሎም መሰረታዊ ረቛሒ’ውን ሓይሊ ሓባራዊ ቋንቋ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ስለዚ፡ ቋንቋ ቀንዲ ህይወት ወይ እስትንፋስ ሓባራዊ ናብራ ደቂ-ሰባት ምዃኑ ኣየማትእን። በዚ መንጽር፡ ደቂ-ሰባት ማዕረ-ማዕረ ካልእ ንጥፈታቶም ንምዕባለን ዘመናውነትን ዚጥቀምሉ ቋንቋ’ውን ከይትሓለሉ ኪጽዕሩ ይግባእ።
ብርግጽ፡ ቋንቋ ምስ ግዜን ኩነታትን ኪምዕብል ናቱ ዳይናሚካዊ መስርሕ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ተጠቀምቲ ወይ ተዛረብቲ ሓደ ቋንቋ ብውሕዱ ንምዕቃቡ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንምዕባለ ዝግልገልሉ ቋንቋ ኣደኦም ክሳብ ህይወቶም ከሕልፍሉ ይረኣዩ’ዮም። ብመሰረቱ፡ ህላወ ይኹን ትንሳኤ ሓደ ቋንቋ ንህላወን ትንሳኤን ተጠቀምቱ’ውን ጸላዊ ስለዝኾነ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ሓደ ቋንቋ ኣጸቢቑ ኪዓዝዝ እንተኾይኑ፡ ትካላት ቋንቋ ኪምስረታን ኪንቀሳቐሳን ይግባእ። ብዘይካ’ዚ፡ ብፍላይ ትካላት ስርዓተ-ትምህርትን መራኸቢ ብዙሓንን ሓደ ልኡላዊ ሃገር ንዘመናዊ ቅርጺ ይኹን ምዕባለ ሓደ ቋንቋ ወሳኒ ግደ ኣለወን።
ኩሉ ሳዕ፡ ሚዛንን ስርዓትን ሓደ ቋንቋ ኪዕቀብ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንዕቤትን ምዕባለን ትጥቀመሉ ዕላዊ ቋንቋ ዘማዕብል ስርዓትን ውፍርን ኪምዕብልን ኪፈስስን ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሊቃውንቲ ወይ ክኢላታት ቋንቋ’ውን ዓቕሞም ዚፈቕዶ ኣበርክቶ ኪገብሩ ርሒብ ዕድልን ባይታን ኪፍጠረሎም ኣድላዪ’ዩ። ብሓርፋፉ፡ መበቆላውነትን ክብረትን ቋንቋ ኣደኻ ኪሕሎ እንተኾይኑ፡ ኩሉ ከበርክት ዚኽእል ኣካል ይኹን ባእታ ክተባባዕ ኣለዎ።
ይኹን’ምበር፡ ብሓፈሻ ኣብ ዕቤትን ወፍርን ቋንቋ ንዝግበር ድምር ጻዕርን ኣበርክቶን ንምዕቃን፡ ኣውራ ድማ ውጽኢት ኩሉ ዓይነት ጻዕርታት ንምምዛን ይኹን ንምድራጅ (Language Standardization) ኣገዳሲ ሞያዊ ብቕዓት ክጥረ ይግባእ። እዚ ብቕዓት’ዚ እንተዘይ ማዕቢሉ ግን፡ ብሓፈሻ ንሕብረተ ሰብ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን፡ ብዓቢኡ ድማ ንቋንቋ ዘጠጥዕ ዲዩ ዘርስሕ ፍርያት ከይመመኻ ምቕባል ኪመጽእ ይኽእል’ዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ሃገርና ብቋንቋታት ኣደ ዝፈርዩ መጻሕፍቲ ይስስኑ ኣለዉ። እዚ ዝንባለ’ዚ ክተባባዕ ይግባእ። ማዕረ-ማዕረኡ ግን፡ ዓይነትን ብቕዓትን ዝፈርዩ ጽሑፋት ምምዛን ኣገዳሲ እዩ። ካብኡን ናብኡን ብፍላይ ብመልክዕ ትርጒም ካብ ካልኦት ቋንቋታት ዝዳቐሉን ዝረዓሙን ዘለዉ መጻሕፍቲ ፍሉይ ኣድህቦ ይደልዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ብፍላይ ካብ ዓሚቚ ምርምርን መጽናዕትን ዝፍልፍሉ ድርሰታት ከም ንስነ-ሰዋስው፡ ሰነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ትርጒም፡ ፍልስፍና፡ ስነ-ፍልጠት ወዘተ ዝምልከቱ ፍርያት ከኣ ዝያዳ ጥንቓቐን ጽባቐን ይሓትቱ። ስለዚ፡ ብዓቢኡ፡ ኣብ ብቕዓት ትሕዝቶ፡ ዝሓለፎም መጽናዕታዊ ጻዕርን ኣእምሮን፡ ኣገባብን ሜላን መጽናዕቲ፡ ዓይነትን ዓቐንን መወከሲታት (Methodology and Bibliography) ወዘተ ኣውራ ድማ ኣብ ብቕዓት ቋንቋን ቅዲ ኣቀራርባን ኣተረጓጒማን ወዘተ ኣተኵሮ ኪዓዝዝ ይግባእ። እዚ ዓይነት ገምጋም ድማ ካብ ኣፍቃዲ ኣካል ይኹን ኣንባቢ ይሕተተ።
ብድብዱቡ፡ ሰባት ከም ፍጡራት መጠን፡ ንኣካላቶም ኮነ ንጥዕናኦም ዘርብሕ ዝተመጣጠነ መግቢ ይጠልቡ። ብተመሳሳሊ፡ ኣእምሮ ሰባት’ውን ዝተመጣጠነ ዓይነት ፍልጠትን ሓበሬታን ኪሰንቕ ይግባእ። በዚ መጠን፡ ብተዛማዲ ብቕዓቶም ዝተሓለወ ድርሰታት ኪርከቡ ዳርጋ ዘይብህግ የልቦን። ካብኡን ናብኡን ግን ብፍላይ ምስ ቋንቋ ዝተሓሓዙ ፍርያት መጻሕፍቲ በቲ ሓደ ወገን ኪዳብሩ፡ በቲ ሓደ መዳይ ድማ ከይጭቕድሩ ጥንቃቐ ይድለ። ምናልባት፡ እንተ ዘይኣጸጊሙ ድማ፡ ስርዓተ-ህየሳ (Critical Reviewing) ኪምዕብልን ኪሕይልን ኣይምተጸልአን። ብሓጺሩ፡ ፈታሽን ሓታትን ኣእምሮ ዜጋታት ኪዓሙቕን ከዳቕቕን መድረኽ ዝጠልቦ ዕማም ዓማዊል ኣንበብቲ ምዃኑ ኪዝንጋዕ የብሉን። ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ ብስም ድርሰታት ኣእምሮን ገንዘብን ዜጋታት ንብላሽ ኪባኽን ኣየምሕርን። ኣብ ሃገርና ዝፈርዩ ድርሰታት ብዓይነቶም ኮነ ብብቕዓቶም ርዝነት ኪህልዎም ዘይምነ የለን። በዚ መንጽር፡ ከብሕታት መጻሕፍትና ብዝፍቀዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሸውሃት ኣንበብቶም ዘዕግቡን ዚስነጉን ዓይነታውያን ኪኾኑ ይምረጽ።
ብሓፈሻ፡ ደራሲ ዝደክምን ዚመራመርን ንውልቁ ንምዕጋብ ጥራይ ኣይኮነን። ቀንዲ ዕላማን ኣተኵሮን ድርሰቱ ኣውራ ንዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ ሰብ ፍልጠትን ሓበሬታን፤ ስግር’ዚ ድማ ልቦናን ክብርታትን ንምስናቕ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ኣብ ሕንብርቲ’ዚ ተልእኾ’ዚ ድማ ብጽባቐ ዝጥቀመሉ ቋንቋ፡ ጥበብን ውሕልነትን ትልሚ ጽሑፋቱ ክተኣማመን ኣለዎ። ነዚ ደረጃ’ዚ ኪበጽሕ ድማ ፈለማ ንርእሱ ክምልምል ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ምጽሓፍ ማለት ዘይተመስርሐ ጥረ ሓበሬታ ምስግጋር ጥራይ ከም ዘይኮነ ብሩህ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ መጀመርያ መትከላት ቋንቋን ስነ-ድርሰትን ንክትመልኽ ጻዕርታት ይሓተካ።
ብቅርጡው ኣበሃህላ፡ ብቑዕ ደራሲ ኪኖ ዕቑር ዓቕሚ ምውናን፡ ስግር ጥልቀት ምስትውዓሉን ምግንዛቡን ሰጒሙ ብቋንቋ ኪራቐቕ ኣገዳሲ’ዩ። ካብዚ ዝነቅል፡ ንስሉስ ኩርናዓዊ ኣተሓሕዛ ቋንቋ ተመርኵሱን ተማእዚዙን ጥዑይ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይግባእ። እዚኣቶም ድማ፡ ቀዳማይ ሃብቲ ቃላት፡ ትርጒሞምን ኣጠቓቕማኦምን፤ ካልኣይ፡ እሩም ቋንቋ ንምዝውታር ዝሕግዝ ሰዋስው ምምላኽ’ዩ፤ ሳልሳይ ድማ፡ መሳጢ ጥበብን ኣዘናትዋን’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ርእሲ ሃብትን ፍልጠትን ቃላት ዝያዳ ምልከት ሰዋስው ይኹን ፍልጠት መትከላት ስነ-ጽሑፍ ንሓደ ጸሓፊ ወሳኒ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ስእነትን ሕጽረትን መወከሲ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ቋንቋ ትግርኛ ቀንዲ ማሕልኾ ምዃኑ ዝዝንግዖ የልቦን። እዚ ብመጠኑ ክቃለል እንተኾይኑ ድማ፡ ኣፈናዊ መወከሲ ደረስቲ (Style Book) ኣገዳሲ’ዩ። ኣብዚ ሓጺር ግዜ ንሕትመት በቒዑ ዘሎ “መጽሓፍ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን” ድማ ነዚ ሽግር’ዚ ከቃልል ተባሂሉ ምዃኑ ተኣሚቱ ኣሎ።
ብርግጽ፡ እዚ መጽሓፍ ‘ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ምፍራዩ ኣገዳሲ ጸጋ ሃገር’ዩ። ደራሲ ብተበግሶኡ ይኹን ብጻዕሩ ክምስገን ይግባእ። ይኹን’ምበር፡ ብውሕዱ ላህመታዊ ገምጋም ኪግበረሉ ግን መድረኽ ዝጠልቦ ዛዕባ ይመስል። ብርዱእ፡ ገምጋም ድማ ዝያዳ ንመህጠርን ንመዐንተርን ሓደ ስራሕ እምብዛ ሓጋዚ ምዃኑ ኣየካትዕን። በዚ መንጽር፡ እዚ ዓቢ ስራሕ’ዚ ንመጽናዕቲ ዝድርኹ ኣገደስቲ ሕቶታታ (Specific Research Questions) ንምልዓል ክቕስብ ባህርያዊ’ዩ።
ስለዚ፡ ብሓቂ ብቕዓትን ትሕዝቶን’ዚ መጽሓፍ’ዚ ኣዕጋቢ ዲዩ፧ ብልክዕ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ ነየናይ ወለዶ ዝዓለመ ኮን ይኸውን፧ ንምዕባለን ዘመናውነትን ቋንቋ ትግርኛ ንቕድሚት ኪደፍእ ዘሎ ተኽእሎን ተስፋን እንታይ ይመስል፧ ጻዕርን ድኻምን ደራሲ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ንኣገደስቲ ትካላውያን መጽናዕትታትን መውከሲታትን ቋንቋ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግምት ኣእትዩ ኮን ተዳሊዩ ይኸውን፧ ካብ ሰውራ ጀሚሩ ገና ኣብ ንጡፍ ስራሕ ምስ ዝርከብ ስርዓተ-ትምህርትን መምሃሪ መጻሕፍትን ሚ/ትምህርቲ ኪቃዶ ይኽእልዶ፧ ብፍላይ ንህጻናት ተመሃሮ ይኹን ንመማህራኖም ንመወከሲ ከገልግል ዘሎ ዕድልን ተኽእሎን’ከ ብኣጋ ተሓሲብሉዶ ይኸውን፧ ንባዕሉ፡ ክብደት ኣቀራርባኡ ንምርዳኡ ይኹን ንምስትምቓሩ ይሕግዝዶ፧ ልዕሊ ኩል ድማ፡ ትካል ኣሕተምቲ ሕድሪ ዝሃቦ ሚዛን ስግር ደረቕ መኽሰባትዶ ዝሓልፍ ይኸውን፧ ምናልባት፡ ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታት’ውን ምስ’ዚ ተኣሳሲሮም ኪለዓሉ ይኽእሉ ይኾኑ።
ብዘይጥርጥር፡ ከም ዜጋ መጠን፡ ሕትመት’ዚ መጽሓፍ’ዚ ምስ ሰማዕካ ንክትድህስሶ ምሒር ትህንጠ ኢኻ። ኣብ ኣእምሮኻ ዝውተፉ ሕቶታት ኪምለሱልካ’ውን ልዑል ትጽቢታት ተሐድር። በዚ መጠን፡ ኣብ ሚ/ትምህርቲ ከም ዝተሰለፍኩ ሞያዊ ካድር ትምህርቲ መጠን እዞም ዝተጠቕሱ ሕቶታት ንኣእምሮይ ምሒር ኣሻቒሎሞ። ካብዚ መጽሓፍ’ዚ ግን እንታይ መልሲ ረኺበ፧ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ እዚ ዓንቀጽ’ዚ ብከፊል ዝምልሶ ጉዳይ ክኸውን’ዩ። ብወገነይ፡ ኣብ ውሽጠይ ዝስፈረ ስክፍታን ዕቃበታትን’ዚ መጽሓፍ’ዚ ንካልኦት ኣንበብቲ ከካፍል ዝሓሸ ምርጫ ኮይኑ ረኺበዮ። ሃናጺ ግብረ-መልሲ ካልኦት ግዱሳት ድማ ንግዜ እገድፎ…። እዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ንግዱሳት ኣንበብቲ ንምርዳእ ይኹን ሓሳባት ንምውዳን መታን ኪጥዕም ድማ፡ ንትዕዝብታዊ ገምጋመይ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኣርእስታትን ሸውዓተ ንኡሳን-ኣርእስታትን መቓቒለ ከቕርቦ እመርጽ።
1) ድሕረ-ባይታ ገምጋም መጽሓፍ (Reviewing Rationale)፡-
ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ሃገርና ዝተፈላለዩ ቴማታት ዝሓቖፉ ድርሰታት ዕለት ድሕሪ ዕለት ክፈርዩ ይረኣዩ። ብሓቂ፡ ዘኹርዕ ተበግሶታትን ጻዕርታትን ዜጋታት ኣውራ ድማ መንእሰያት ዝምስገንን ዝምጐስን’ዩ። ምናልባት፡ ላህመታዊ ትዕዝብቲ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ብፍላይ ኣብ ብቕዓት ቋንቋ ገለ ዝፈርዩ ድርሰታት ግን ጻዕርን ውሕልነትን ዝጎድል ምዃኑ ተስተብህል ኢኻ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተኣመተ፡ ምናልባት’ውን ብፍላይ ንብቕዓት ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ ዝጸርቡ ብቑዓት መወከሲ ምስኣን’ውን ነቲ ዝረአ ጉሉሕ ጸገማት የጋድድ ይኸውን። ኣብ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ መጠናዊ ተገዳስነትን ምልከትን ዘለዎም ክኢላታት ኪቀላቐሉ ዘይብህግ ጸሓፊ ይኹን ኣንባቢስ መኣስ ኪሰኣን ኢሉ፧ ብዝኾነ፡ ንግዜ ዝሕደግ ዕዮ-ገዛ ግዱሳት ወይ ክኢላታት ኪኸውን እንተተገድፈ ተመራጺ ዛዕባ’ዩ።
ከምቲ “ከልብን ዝናብን ከይጸዋዕካዮም ወሆይ ይብሉ” ዝብሃል ግን፡ ኣብ መፈለምታ ዓመት ጥሪ 2015 ሓንቲ ‘ንሰዋስውን ንስነ-ጽሑፍን’ ክትሕግዝ ዝዓለመት መጽሓፍ ብሓደ ግዱስ ዜጋ ንማሕተምን ንዕዳጋን በቒዓ ኣላ። እንትተኻኢሉ፡ ነዚኣ ዝመስላ ካልኦት መሰልታ ኪሰስኑ ትጽቢት ኩሉ ምዃኑ ብዙሕ ኣየማትእን። ብርግጽ ድማ ኪስዕብ’ዩ። ብዝኾነ፡ ኣብ ገበር መጽሓፍ ጥራይ ሰፊሩ ዘሎ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ርኢኻ ጥራይ ንምንባባ ሃረርታ ይወረካ። ስለዝኾነ ድማ፡ ካብ ጻት ንጻት ክትጉርጉራን ክተስተማቕራን ትድረኽ። ብወገነይ፡ ብደቂቕ ከንብባን ክፍትሻን ሃቂነ። ኣብ ስነ-ቋንቋ ምስ ዘሎኒ መጠናዊ ተገዳስነትን ተዛማዲ ኣፋፍኖትን ኣገናዚበ ድማ ብዓቕመይ ንክግምግማ ኣይተጸገምኩን። ኣማስያኡ ድማ፡ ብዛዕባኣ ዘሎኒ ላህመታዊ ትንታነን ዝሓደረኒ ትዕዝብትን ገምጋምን ንክጽሕፍ ተቐሲበ።
ምናልባት፡ ኩሉ ከም ዝርድኦ፡ እዛ ብኣቶ ተኪአ ተስፋይ ዝተደርሰት “መጽሓፍ መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ቋንቋ ትግርኛ” ብዓይነታ ቦኽሪ መጽሓፍ ኣይኮነትን። ብዓቐን ደኣ ሒደት ይኸውን’ምበር፡ ቅድመኣ ደሓን ትሕዝቶን ብቕዓትን ዘለወን መጻሕፍቲ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ ተደሪሰን እየን። ምናልባት፡ ፍሉይ ዝገብራ እንተሎ ግን፡ ኣውራ ዝናን ህቡብነትን ደራሲ ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ብፍላይ ምስ ምምዕባል ቋንቋ ትግርኛ ተኣሳሲሩ ስለ ዝረአ’ዩ። ካብ ኩሉ ንጥፈታት ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ብፍላይ ‘ዘመናዊ መዝገበ-ቃላት ቋንቋ ትግርኛ” እቲ ዝፈረየ ፍርያት ምዃኑ ኩሉ ዜጋ ዝምስክሮ እዩ። ኣብዚ ዕዮ’ዚ ደራሲ ብልሂ ክኢላ መዝገበ-ቃላት (lexicographer) ብምዃን ጎብለልነቱ ባዕሉ ከዘንቱ ተዓዊቱ’ዩ። በዚ መንጽር፡ ሕጂ’ውን ካብ ሓደ ህቡብ ክኢላ ወትሩ ልዑል ትጽቢት ይግበር’ዩ። ልዑል ትጽቢት ተንብረሉ ስራሕ ድማ ኣብ ሞያዊ ዕቤትን ትንሳኤን ስነ-ጽሑፍ ዝለዓለ ጽልዋን ኣበርክቶን ኪህልዎ ትብህግ። ከምቲ ኣብ ‘መቕድም’ መጽሓፍ ዝሰፈረ’ውን ከም ሓጋዚት መወከሲት መጽሓፍ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ክተገልግል ርሒብ ዕድል ይፍጠር። ብዓቢኡ ድማ፡ እዋናዊ ፍርያት ‘መጽሓፍ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ቋንቋ ትግርኛ’ ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ንቅርጽን ስርዓተ-ኣቃውማን ንነዊሕ ዓመታት ብመግዛእቲ ዝተዳህኸ ቋንቋና’ውን ብመጠኑ ኪትቐርጽን ከተማእዝንን ትጽቢት ይግበር’ዩ። ብልክዕ ነዚ ዕላማ’ዚ ክትበቅዕ እንተኮይኑ ግን፡ መጽሓፍ ተማልኦም ረቛሒታትን መምዘኒታትን ኪድህሰሱን ኪምዘኑን ይግባእ።
በዚ መሰረት፡ እዛ ሓድሽ መጽሓፍ’ዚኣ ብደቂቕ ምስ እትድህስሳ፡ ክትጎስዮ ዘጸግም ትሕዝቶን ኣቀራርባን ትረክብ። ብፍላይ ምስ ካልኦት ቅድመኡ ዝፈረዩ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ዝርከቡ ተመሳሰልቲ መጻሕፍቲ ኪህልዋ ዘለዎ ዝምድናን ተመሳሳልነትን (Comparative Analogy) ክተነጻጽር እንተፈቲንካ፡ ቅሩብ ርሒቑ ትረኸቦ። ካብዚ ዝብገስ፡ ምናልባት ንሃናጺ ክትዕን ገምጋምን ባይታ ዝኸውን ሓሳባት ምልጋስ ኣገዳሲ’ዩ ኢልካ ከኣ ትኣምን። ዝኾነ ቋንቋ ሓባራዊ ዋንነት ወይ ንብረት ተጠቀምቱ’ዩ። በዚ መንጽር ድማ፡ ቋንቋ ከም ሓባራዊ ሃብቲ ብሓባር ይዓብን ይምዕብልን። ብርግጽ፡ ንሓደ ዓቢ ስራሕ ዝጠፍአ ጻዕርን ወፍርን ቀሊል ኣይኮነን። ህዝቢ ኪግልገለሉ ንዕዳጋ ዝቐረበ ድርሰት ግን፡ ልክዕ ከም ደረቕ ኣቕሓ መሸጣ ጽቡቑን ኣበሩን ኣርእስቲ ኪኸውን ባህርያዊ ተርእዮ’ዩ። እምበኣር፡ ሃናጺ ላህመታዊ ገምጋም ‘መጽሓፍ መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ቋንቋ ትግርኛ’’ውን ካብዚ ስነ-መጎታዊ ድሕረ-ባይታ’ዚ (Rationale) ዝወጽእ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ውልቃዊ ገምጋመይ ብዙሕ ከይገፍሐ ንመሰረታውያን ብልጫታትን ድሩትነታትን መጽሓፍ ሰዋስው ብዓቕመይ ክድህስስ ክፍትን’የ።
ይቕጽሎ
2ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 28 ሕዳር
ምንጮ ሰኪዔት ሓበሬታ ሻባይት