በረኸት ዕቅባጽዮን
“ሕያወይቲ ሰበይቲ ኽብረት ትረክብ“ ይብል እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሙን ኣብ እኩብ መጽሓፈ ምሳሌኡ። ሓቂዶ ዀን ይኸውን? እዚ ኽብረት ዝብሎ ዘሎኸ፡ ግብራዊ ድዩ ወይስ ከምቲ መብዛሕትና ኣደይ፡ ሰበይተይ ወይ ሓውተይ አኽብርየ እንብሎ፡ ካብ ኣፋዊ ዘይሓለፈ ብወርቂ እተለበጠ ቓል ጥራይ እዩ። ነቲ ቓል ኣይኰንኩን ዝቃወም ዘሎኹ፡ ነቶም ነቲ ቓል ተግበርቲ ዘይኰንና እየ ዝሓትት ዘሎኹ። ንምዃኑ፡ መብዛሕትኡ ምሳሌታትና ይኹን ኣርኣያታትና፡ ብተባዕታይ ጾታ ጥራይ እተዓብለለ፡ ዘይሚዛናዊ ባህሊ እዩ ዘሎና። ነቲ ስንፍና ሰብኣይ ገዲፉ፡ ስንፍና ሰበይቲ ዘቈናጁ፣ ነቲ ንፍዓት ሰብኣይ ኰሓሒሉ፡ ንፍዓት ሰበይቲ ዘነኣእስ ባህሊ! ነቲ ስብእና ሰበይቲ ኽብል ሓሲበስ፡ ኣብ‘ቲ ስብእና ዝብል‘ውን፡ ተባዕታይ ጾታ ቅጅል ኢሉኒ። ሰብኣይ-ሰብኡት ከም ብርታዐ፡ ሰበይታይ ከኣ ኸም ሕምቀት ክርአ ዘይሚዛናዊ ምዃኑስ፡ ምሕባር ዜድልየና ኣይመስለንን። እምበርከ! ኣብዚ ዓለም ብምዕባለ ትውንጨፈሉ ዘላ ግዜ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኵሉ እቲ ወዲ ኺገብሮ ዚኽእል ሞያ እናገበራ፡ ማዕርነተንን ልዑላውነተንን የመስክራ እናሃለዋ፡ ‘ሰብኣይ ዚለዓለ፡ ሰበይቲ ኸኣ ዚተሓተት እያ‘ ክንብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ብቐደሙ‘ውን፡ ሰብኣይ ምዃን ከም‘ቲ ገጣሚ በዕውቀቱ ስዩም ዝበሎ፡ “ቃጭል ምንጥልጣሉ ጥራይ ዘምጽኦ ተጽዕኖስ“ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ልዕል ዘብሎ የልቦን። ንሱ‘ውን ከም ኣውሊ ንግሆ፡ ብሓያል ጸሓይ ብርታዐአን እናረገፈዩ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ንዅሉ ንጹር‘ዩ። ብወገነይ፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ ቋንቋናን ባህልናን ዘይሚዛናውያን፡ ኣድለውቲ ኰይኖም እረኽቦም። ካብ‘ቲ ኻዕቢ ዝኸውን ዝርዝር ወጽዐአን፡ ክልተ ንፍቂ ዝኸውን ድማ አቕርብ።
ውደሳ
እተን ብማሰታትን መልቀስን ዘዕለቅለቃ መጻሕፍቲ ሰለሞን ጸሃየን መኰነን ተስፋይን እንተ ደኣ ተዓዚብናየን፡ ውደሳ ንደቀ‘ንስትዮ ዳርጋ ኣይንረክብን ኢና። ነቲ ኣብ ሓማሴን ዘመሓድር ዝነበረ ራእሲ ወልደሚካኤል‘ውን እንተ ድኣ ተመልኪትናዮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓወቱ ይኹን ስዕረቱ ወይ ዘተባብዕ ወይ ዝምጉስ ማሰ ኣሎዎ። መብዛሕትኡ ኸኣ ብጥዑምእዝጊ ዝብሃል ማሰኛ‘ዩ ማሰ ዝብሃለሉ ነይሩ። ነተን ጅግና ዝነበራ ኣደኡ፡ ኣብ ኲናት ዓድ-ዘን ሰራዊት መሪሐን እተዓወታ፡ መሪሕነት ክሳዕ ደቀን ዝዓብዩ‘ውን ዝዓቀባ ወይዘሮ ኢለን ግና፡ እንኮ ወደሳ‘ኳ ኣይንረኽበለንን። ጥዑምእዝጊ፡ ኣብአን በጺሑስ ልሳኑ ተለኺታ። እዚ ኻብቲ ዘይሚዛናዊ ኣረእያና ሕብረተሰብና እዩ። ደጊያት ውቤ ግና ጓለ‘ንስተይቲ ኢሉ በቲ ዝነበረ ኣረኣእያ ኸየተረትዐ፡ እቲ ሓላፍነት ንዐአን ክሳዕ ምኽዓው ቆሎ ከም ዘመሓድራ ደኣ ገበረን። በቲ ግብሩ ግና ደጊያት ሃይሉ ሓባል፡ ‘ነዛ ብኾፋ ትሸይን ሰበይቲ መሪሕነት ሂብካያ‘ ኢሉ ሓፍ ፈጠቅ በለ።
ኣብ ዳሕረዋይ እዋን ማለት ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ‘ውን እንተ ደኣ ርኢና፡ ንኣቦታትና ዝያዳ ዘሕምሞም ዝነበረስ፡ ብጓል ኣንስተይቲ ትምራሕ ሃገር ምግዛኦም‘ዩ ዝነበረ። ብተወሳኺ፡ ነተን ክልተ ዓድታት ከም ዝዋግኡ ዝገበራ ፈላሲት ዕናጉዶ ብዙሕ ክብሃለለን ከሎ፡ ነተን ንኽልተ ኣሕዋት ከይብኣሱ፡ ዝፈትወኦ ዓቢይ ሓወን ደጊያት መኰነን ከም ዝዓረፈ ተረዲአን ከሎዋ፡ ኣብ ከብደን ጌረን ስለ ሰላም፡ ንኽልተ ተጻላእቲ ኣብ ውሽጥን ብደገን ቤተን(ገበላን) ንኽልቲኦም ብማዕረ ዝመገባ ውባ ማርያም ዘጸዓዘጋ፡ እተባህለን ማሰ ወይ‘ውን ኣብ መልቀሰን እተባህለለን ወየ የልቦን።
ኣብ ካልእ‘ውን፡ ነቲ ብስሙ ቤት ትምህርቲ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጀነራል ፖቴጎ፡ “እዚ ሃመማ ሽግር ክገብረልናዩ“ ኢሉ ኸምታ ዝበሎ ተርጓሚ ንሓድገ‘ምበስ ምስ ነገሮ፡ ሓድጊ ኣንበሳ ነቲ ጀነራል፡ “ሓው ግምጃኸ“ ኢሉ፡ ገጹ ኣላዲዱ ዝጸፍዐ፡ ታሪኽ ክዝክሮ እንከሎ፡ ነተን ኣንበሳ ዝወለዳ ኣደ፡ ወይዘሮ ጽገሮማን ግና እተወደሰለን ማሰ የለን።
ንድሕሪት ምስ እንምለስ‘ውን፡ እተን ኣርባዕተ ኣደታት ኣስመራ፡ ብዘርኣያኦ ሕውነት፡ ሰብኡተን ከም ዝዓረቓ፡ ዓሪቐ‘ውን ነዛ ሎሚ ኣብ ዩነስኮ እተመዝገበት፡ ክትርእያ እተብህግ ኣስመራና መስረታ። ከተማ ኣስመራ ኸኣ፡ ሰብኡት ብእተባእስዎ ዘይኰነትስ፡ ብሰናይ ግብረን ኣስመራ ተባሂላ፡ ግብረን ብዝሓንገጠ ስም ትጽዋዕ ኣላ።
ኣብ ብስም ሰበይቲ ኽትጽዋዕ ዝሕፈረሉ ባህሊ ምንባር መሸም ከቢድ እዩ። አረ ዓለም ምሉእ በቲ ዕብራዊ ኣቆጻጽራ ትውልዲ ስለ ዝኸይድሲ፡ ብስም ኣደኡ ዝጽዋዕ ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን። ሓደ እዋን፡ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ እንከሎኹ፡ “ወዲ መን ኢኻ?“ ኢሎም እቶም መምህር ምስ ሓተቱኒ፡ ኣቦይ አዐርየ እፈልጦ ስለ ዘይነበርኩ፡ ብስም ኣደይ ብምምላሰይ ኵሎም ተምሃሮ ምስሓቆም ይዝከረኒ። ነቶም ደቂ ኽፍለይሲ፡ ምሉእ ነገድ ጭዋ ብስም ሰበይቲ ማለት፡ “ስጋ ብግናይት“ ኢሎም ከም ዝምሕሉ መን ይንገረለይ?!
ስነ ቃላትና
ስነ ቃላትና፡ ንጽቡቕ እንተ ደኣ ዀይኑ ንሰብኣይ፡ ንሕማቕ እንተ ደኣ ዀይኑ ድማ ንሰበይቲ፣ ካብ ዘዘውትሮ ብዙሕ ክዝርዝር ምኸኣልና። ዋላ‘ኳ መጽናዕቲ ኣብ ስነ ልሳናት ኣይነካይድ ደኣ እምበር፡ ካብ እነዘውትሮም ብሂላት ውሑዳት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንምሳለ፡ ኣመንዝራ ዝብል ቅጽል፡ ንሓንቲ ዕለታዊ እቶት መታን ኽትረክብ ጾታዊ ርክብ ንእትፍጽም ዝውሃብ ቅጽል እዩ። ኢጣልያዊ ተመራመራ ልሳናትን ጥንታዊ ጽሑፋትን ኣብ ምድረ ሓበሻ ዝኾነ ኮንቲ ሮሲኒ ዝኣከቦ ባህላውያን ደርፍታት እንተ ደኣ ርኢናዮ ግና፡ ትርጕም ኣመንዝራ ቚሩብ ይበርሃልና። ኣብቲ እኽብካብ ደርፍታት፡ ከንቲባ ዘገርግስ በዓል ድግሳ ጅግና ስለ ዝነበሩ፡ ሓደ ማሰኛ ከምዚ ኢሉ ማሰ በለሎም፤
ጀገረ ጀገር ወድ ወልዱ
ኣመንዝራ የማነይቲ ኢዱ
ሽሕ ስብሕቲ ዚውዕል ሓሪዱ
ሽሕ መኰነን ዚውዕል ፈሪዱ ሽሕ ኣምበላይ ዚውዕል ቀዪዱ
…. እናበለ ክውድሶም ንርኢ። ኣብዛ ማሰ፡ እቲ ኣመንዝራ እተባህለት ኢድ፡ ብዙሕ ስለ ዝቐተለት ወይ‘ውን፡ ብዙሕ ስለ ዝቀየደት‘ዩ “ኣመንዝራ“ ዝብል ቅጽል ስዒብዋ ዘሎ። ስለዚ፡ እቲ ኣመንዝራ ዝብል ንኣሕዋትና ደቀ‘ንስትዮ እንህቦ ቅጽል‘ውን፡ ንሕና ንሳተፎ ስለ ዘሎናን ንብዙሕ ስለ ዘመልክትን፡ ንሳተን ጥራይ ዘይኰናስ ንሕና እቶም ምስአን ስጋዊ ርክብ እንፍጽም‘ውን ኣመንዝራውያን ኢና።
ካልእ፡ ንሓደ ሰብ ዝኾነ ኸነረድኣሉ ኣብ እተጸገምናሉ ግዜ እነዘውትሮ ቃል ኣሎ። ንኣብነት ዝብል መብርሂ። ንኣብነት መበቆሊኣ ኻብ ንኣቦነት እዩ። ኣቦ ከም ምሳሌ ይቐርብ፡ ኣደ ግና ኣይትቐርብን። ብዓይኒ ኣመኽንዮ፡ ከም ኣብነት እንተ ኢልና፡ ከም ኣደነት‘ውን ክንብል ንግደድ ኢና። እቲ ምስሊ ዝኸውን ኣካል፡ ጾታኡ ኸይተገለጸ ኽንጥቀም ምስ እንደሊ ግና፡ ንምሳለ ኽንብል ንግደድ።
ብተወሳኺ‘ውን፡ ኣብ ክርስቲያናዊ ሕብረተሰብ ኣብ ግዜ ጥምቀት እንጥቀመሉ ቓል ኣሎ። ባልገ ዝብል ቃል። ባልገ፡ እናተጨለፈት ናብ ዘይመኣዝና ትኸይድ ዘላ ቓል እያ። ብቕድሙ፡ ኣቦልደት እያ ነይራ፣ ገለ ጎኒጽዋ ኸኣ ኣቦልደ ተሪፋ። ፊደላት ገ፡ ደ፡ ጀ ኣኣብ ቦታኡ ምስ ዘመናት ዝጋመጠል ድምጺ ኣለዎም። ብዝኾነ፡ ነቲ ተባዕታይ ሕጻን ከም ክርስቲያናዊ ኣቦ ዝወስዶ ሰብ፡ ኣቦልደት፡ ነታ ኣንስተይቲ ሕጻን እትወስዳ ድማ፥ እመልደት፡ እኖልደት ወይ ኣደልደት ክትብሃል ምተገብአ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ንወዲ ይኹን ንጓል፡ “ባሊጋኡ እየ“ ምባል፡ ሰዋስዋዊ ርቱዕነት ዘይብሉ፡ ናብ ወዲ ጥራይ ዝዘዘወ፡ ሥነ ቃል ስለ ዝኾነ፡ ክዕረ ይግብኦ።
ብዘይካ እዚ‘ውን፡ ኣቤት ዝብል ቃል፡ ኣሕጽሮተ ናይ ኣቦ ቤት ዝብል ዋንነታዊ ቅጽል እዩ። ኣብዛ ዋንነታዊ ቅጽል እዚኣ፡ እቲ ኣቦ ንበይኑ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ተርኢ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝስማዕ ኣቦ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ፡ ንሱ ኣዛዚ ኻልእ ተኣዛዚ ምዃኑ ተብርህ። ኣደታትና‘ውን፡ ዝኾነ ነገር ምስ እትሓተን፡ “ንኣቦኻ ተወከሶ“ ኢለን፡ እቲ ሓላፍነት ናብቲ ሰብኣይ ይገድፋኦ። ብዓይኒ ኣመኽንዮ፡ ኣደ ቤት ክንብል ንኽእል ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኣደት ኢልና ብምሕጻር‘ውን፡ ናብታ ዝጸወዓትና ኣደ ኸነመልክት ንኽእል።
ዝኾነ ምስላ ኽምስል ዚደለየ ሰብ‘ውን፡ “ኣቦው ኸም ዝበሉዎ“፡ “ኣቦታት ከም ዝበሉዎ“ ብዝብል ዝመልአ እዩ። ንሰን እተን ኣደታትከ፡ ኣይምስላን ድየን። ይምስላ እባ! የግዳስ ኣቓልቦ ሂቡ ዝምዝግቦ ኰነ ዝዝክሮ የለን። እዚ ቁዉም ነገር ኣይዛረባን እየን ካብ ዝብል ዝብገስ ትሑት ሚዛን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምህላውና ዘርኢ እዩ። እቲ ፍሉጥ ፈጣራዊ ደራሲ በየነ ግና፡ ነዚ ትሑት ኣረኣእያ በንጢሱ ኣብ ትጽቢት ባህጉ፡ “ከምታ ሰበይቲ ዝበለቶ መልክዕ ይሃበኒ ደኣ እምበር ውሕልነትስ ካብ ጎረቤት ይልቅሖ ኰይኑ ነገራቱ። ምሉእ ፍልስፍና ጽባቐ ፍልጠት ጥራሕ ይሃሉ በሃላይ እየ፣” ክብል፡ ጥበብ እተን ምስላ ዝመሰላ ሰበይቲ የስተውዕል።
መብዛሕትኡ ንሰራሕተኛታት ዝወሃብ ቅጽል፡ ተባዕታዊ እዩ። እዚ ማለት፡ ነተን ደቂ‘ንስትዮ በቲ ናይ ወዲ ዝጽወዓሉ ቅጽል ሞያ ንጽውዐን። ቋንቋ ግእዝ ካብ ትግርኛ ኣዝዩ ዝፈልዮ እንተ ደኣ ሃልዩ፡ ንጓልን ንወድን እተፋላለዩ ቅጽላት ብምጥቃሙ እዩ። ንሓንቲ ጓል መምህርት ክብላ ከሎ፡ ንሓደ ወዲ ግና መምህር ይብሎ። ከባዝሕ ከሎ ከኣ፡ ንኣንስታይ ጾታ፡ መምህራት ንተባዕታይ ከኣ መምህራን ይጥቀም። ኣብ ትግርኛ ምስ እንምለስ ግና፡ መብዛሕትኡ ንወዲ እንጥቀሙ ቅጽላት ኢና ንደቀ‘ንስትዮ እንጥቀመሉ። እዚ ገለ ኻብ ድኽመታት ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ብተወሳኺ፡ ባሪስታ ዝብል
ቅጽል ምስ እነልዕል፡ ዝኾነ ሰብ ብኽፉእ እዩ ዝዝክሮ። ንሓንቲ ኣብ ባር ትሰርሕ፡ ዝኾነ ስሒቡ ዝኾነ ኽብላ ዝደሊ … ወዘተ. ጓል ንጽውዓሉ። ኣብቲ መበቆል ቋንቋ ጥልያን ምስ እንርእዮ ግና ኲኖ ሞያ፡ ዝኾነ ሰብ ካልእ ኣሉታዊ ትርጕም የብሉን። ስለዚ፡ ንሓንቲ ኣብ ባር ትሰርሕ ጓል‘ንስተይቲ ባሪስታ እንተ ኢልናያ፡ ንሓደ ወዲውን ባሪስታ ክንብሎ፡ ብሰዋስዋዊ መንገዲ የገድደና። ምኽንያቱ፡ ባሪስታ ኣብ ቋንቋ ጥልያን ብንጽል፡ ጾታ ኣልቦ ስለ ዝኾነ። ኣብ ብዙሕ ክንጥቀመሉ እንተ ደኣ ደሊና ኸኣ፡ ባሪስቲ ንደቂ ተባዕትዮ፣ ባሪስተ ከኣ ንደቂ‘ንስትዮ።
ሓደ ግዜ፡ እቲ ዘድንቆ ገጣማይ በዕውቀቱ ኣብ ዘቅረቦ ላዛ ዝመልኦ ሓጺር ልብወለድ፡ ከምዚ ክብል እዝክሮ። “በታ ሰሙን እቲኣ፡ እንታይ ከም ዘጓነፈኒ፡ ጡብ ጓል ጥራይ እጥምት ነበርኩ። እንታይ ረኺቡካ‘ዩ፡ ናብ ጡብ ጥራይ ኣተኲርካ ትጥምት ዝብል ሰማዒ ይህሉ ይኸውን። ሰበይ! ንመጀመርያ እዋን ብጡብ ጌርና ጊባቦ ከም እተላለና‘ባ ኣይትዘንግዑ።“ ክብል ነቶም ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ ብሰሓቅ ትዋሕ ኣበሎም። ሓቁ‘ዩ። ብኣዘራርባ በዕውቀቱ ፈለማ እተመገብናሉ ቤት መግቢ ጡብ ኣደና‘ዩ። ንሱ ጥራይ‘ውን ኣይኰነን፡ ሕቆአን ከም ዓራትናን መኪናናን፡ ክዳነን ከም ቤት ሽንቲ፡ ናይ መጀመርያ ሓኪምና ንሰን፡ ኮታስ እቲ ዘድልየና ነገር ብዘለወን መጠን ዝቐረባልና ንሰን እየን። እወ ንሰን! ስለ‘ቲ ዅሉ ዝገበራኦ ኸኣ ብመብዛሕትኡ ኣምስዩ ዝመጽእ ሰብኣይ፡ ቈይቁን ማህረምትን ዝስዕበን ኣደታት። ነዚ ዘስተውዓሉ ሓደ ማሰኛ፡ ከምዚ ኽብሉ ማሰ በሉለን። በዚ ሕጂ ዘሎ ኣደማምጻ ትግርኛ ምስ እነንብቦ፤
ኣንስቲ ማይ ጻዕዳ እተወቅዓ እንታይ ጌረን?
ዘይጻዕዳ ጣፍ ዝሃባ ገጋጊረን።
ኣንስቲ እገላኸ እንታይ ጌረን?
ዳጉሻ ዝሃባ ገጋጊረን።
ኣንስቲ ሓማሴን እንታይ ጌረን?
ዘይስርናይ ዝሃባ ገጋጊረን።
መቐጸልታ እዛ ማሰ፡ ማሰኛ ነቲ ክብልዎ ዝጸንሑ ገዲፎም፡ ነተን መገብቲ ኣንስቲ ህረመን ሰለ ዝብል፡ ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ ከይኰነኒ ኣትሪፈዮ ኣሎኹ። እምበርከ፡ መጋቦ ኽህረማ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ዝበሎ፡ ክኽበራ ምተገብአን። እንኮ 8 መጋቢት መጸ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ዕለት-ዕለት ደኣ! ወይለይ መጋቢት ከኣ እባ፡ እታ እንኮ ብስም ሰበይቲ እትጽዋዕ ወርሒ እያ። ብኸምኡ‘ዶ ይኸውን፡ ነታ ብቅጽል ኣንስተይቲ ዝኾነት መጋቢት፡ በዓለን ክትክውን መሪጸን?! ኣይመስለንን።
ኣብ መጠረስታ፡ ኣዝየ ዘኽብሮም ገጣሚ ዶር. ርእሶም ሃይለ ኻብ ዝገጠምወን ግጥምታት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ከነርእዮ ዘሎና ኽብረት ብእትጽውዕ ግጥሚ እጋብዘኩም። ነዚ ዘንበበ ነባቢ፡ ዕላማኻ እንታይ መልእኽቲ ኸተመሓላፍ ስለ ዝደለኻ ኢኻ ኣይብልን ይኸውን፡ እንተ ኢሉ ኸኣ፥ መልሰይ፡ ከምቲ ጥንታውያን ፍላስፋታት ዝብልዎ፡ “ንሰብ ከም ዝሓስብ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ክሓስብ ከም ዝኽእል ግና ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ“ ዝብል እዩ። ንኣንስትና፡ ንኣደታትና፡ ንኣሕዋትና ዀታስ ንዅለን ደቀ‘ንስትዮ ንሕሰበለን። ነተን ፍቕሪ ዝመገባናስ፡ ፍቕሪ ደኣ ንመግበን። ኣብ ፍቕሪ ኵሉ ኣሎ። መሰል ኣሎ። ከምኡ‘ውን ክብረት። ሓብትኻ
ጓል ኣደኻ
ጓል ኣቦኻ
ጓል ሓትነኻ
ጓል ሓወቦኻ
ጓል ኣሞኻ
ጓል ኣኮኻ
ጓል ሓውኻ
ጓል ሓውትኻ
ጓል ኣያኻ
ጓል ሳንዳኻ
ጓል መን እያ እዚኣ በጃኻ?
ጓል ገዛውትኻ
ጓል ዓድኻ ሓብትኻ
ዋላ ኣደ ዓባይካ
ዋላ ኣደኻ
ዋላ ሕጽይትኻ
ዋላ ሰበይትኻ
ዋላ ጓልካ መዓረኻ
ኵለን ቆመናኻ
ሳላ ባህልኻ
እሞ መሰልን’ዶ ትሕልወለን ኢኻ፧
(Dr, Russom Haile )