ተውለ ዕዮኻ ንሓፋሽ ክትምስርሕ
ሞሳ ሓኾተኻ ሽሻይካ ከዕለቕልቕ
ተጊህካ መርሽ! ጊሓት ገስጊስካ
ክትስስን; ክትፍኽነንን ክትመልኦ ጽርሃኻ።
ኩርኳሕ መዳሚድካ መንገድካ ጽረግ
ትምሃቶም ኣበርዕኖ ጽግያትካ ከይሃጉግ
በርኽ! ሞሶብካ ሰቢሑ ክምእድድ
ሽነት ብልሕኻ ሶል እንግድዓኻ ከሰውድ።
መንጉዳይ!
ይኣክል ስቅያት፡ ኣሕጽሮ’ዚ ከርተት
ማዕጾ ጊላነት ስበሮ፡ ግልሃዮ’ቲ ግርደት
ንፋሱ ኣይጥዓመን፡ ቀይሮ’ዚ ወቕቲ
ፈርሲ ኣሻቲቱ ይንቊ ‘ሎ ዝብኢ።
እሞ፡
ቤትና ክንምለሶ፡ ስደትና ክጽሒ
ብዓረ መንጉዳኻ ብተኮ’ዚ ወጥሪ
ብዕራይ ልፍንቲ በሰላና ከየቓድሮ
መሳርዕኻ ጽመድ፡ በዱኻ ውፈሮ።
እወ!
ራሕሲ ደምቤኻ ሽሻዩ ክብርክት
እቶት ገደናኻ ሽርፋኻ ክመልእ
ዋልታ ጭማራኻ ዓይኒ ኣባይ ክምዝሕቕ
ኣኹባዕ! መንጉዳይ ቁልፊ ጅግና ዕጠቕ
ምበር፡
ብትሩ ኣይትድሃል፣ ኣይትተሃመል
ግዴኻ’ዩ ሕጂ፡ እጃምካ ኣበርክት
ኣርሆ፡ ሃዚል ግደፎ መዘነኻ ኣይኮነን
ንድሕሪት’ዩ ዝሰልጦ ከም ሽንቲ ገመል።
ስለዚ፣
ዕቱብ ኩን ብኹሉ፡ ብማንም ኣይትታለል
ፍልልያትካ ወጊድካ ኢደይ ኢድካ ዕመም
ጨናፍር ኣይተብዝሕ ሓንቲ’ያ ‘ታ ሰንደቕ
ሰውድ፡ መንጉዳይ! ኣባኻ’ያ ‘ዛ መሬት!።
ፍሻለ ተስፋይ
01.04.2013