ሓጻር ዛንታ
ሚካኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)
ኣብ ማእከል እቲ ዓብዪ ቐላይ ሞይቱ ጸብለል ዝበለ ሰብ ከም ዘሎ ጐሊሑ ተራእየ።
* * *
ኣብ’ታ ጸበብ ገዛ እንትርፎ ሓንቲ ዓራት ዝተቐመጠ ንብረት የለን። ኣብ ትሕቲ’ታ ዓራት ግን ዝተወድኡ ናይ ኣረቂ ጥርሙዝ ኣብ ባኮ መሊኦም ይረኣዩ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መሬት ዝተነጽፋ እጭርቕቲ፡ ዝተሓንዀኹ ልዓት ሽጋራ ተዀሚሮም ይረኣዩ። እቶም ዝተነጸፉ ኣጭርቕቲ’ውን መልክዖም ዝደወኑን ብርሰሓት ዘይሕብሮም ዝሓዙን’ዮም። ቐሪብካ እንተ ሸቲትካዮ ኸኣ ዝዳዕነወ ሃድሃዲ ሽታ ይስርስረካ። በሓቂ ሰብ ኣብኡ ይነብር’ዩ ክትብሎ ኣይትደፍርን ኢኻ። እታ ቤት ንመጀመርያ እዋን’ዩ ሰብ ዝውዕላ ዘሎ። ይዅን እምበር መንፈስ እቲ መንእሰይ ከይረገኣ፣ ቤቱን ውሽጡን ብባዶነት ተጐቢኡ ኣርፈደ። እዛ ቤት ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብዪ ዲጋ’ያ ተደኵና ትርከብ።
ኣማን፡ ውሉፍ መስተ ካብ ዝኸውን ኣርባዕተ ዓመት መሊኡ’ዩ። ዘስትዮ ዝሰትዮን ምስ ሰኣነ፡ ዓዲ ውዑል ኰይኑ ተሪፉ። እቲ ፍጻመ ከኣ ነፍሱ ፈቲሹ ዘለዎ ዕዳታት ንኽዝክር ኣክኢሉዎ’ዩ። ብዓንተቦኡ’ውን ሓደ ኻብቶም ዘለቅሑዎ ናይ መወዳእታ ገዘቡ ዘረክበሉ ግዜ ሸዓኣ መዓልቲ’ያ። ብሕጊ ገደብ ተገይሩሉ’ዩ። ኣለቃሒ ገንዘቡ እንተዘይ መሊስሉ ብጐነጽ ክረኽቦ ምዃኑ’ውን ኣጠንቒቕዎ’ዩ። እቲ ኣለቃሒ ንፈኸራ ዝኸውን ኣቃውማን ድምጽን ተዓዲሉ’ዩ። ኣማን ከኣ ንዕኡ ክዝክር ዝዀኖ’ዩ ዝጠፍኦ። ገለ ብልሓት ከናዲ ንኣእምሮኡ ፈቲሹ ፈትሹ ኣዕለበጠ። ካብቲ ዘለዎ ወጥሪ ዝዕቅል ብልሓት ግና ከቶ ኽረክብ ኣይከኣለን።
ኣብ ገዛኡ ዝነበረ ንብረት ሸይጡ ወዲኡዎ’ዩ። እታ ተሪፋቶ ዘላ ዝተጸንቐቑ ጠራሙዝ ኣርቒ ምሻጥ ጥራይ እዮም። ንሰን ከኣ ካብ ናይ ሓደ ምሸት ኣይሓልፋን እየን። ኣማን፡ ካብ ኮፍ ዝበሎ ተንሲኡ ኣብቲ ቤት ኰለለ፡ ክንዩ ምዅላል ዝገብሮ እንተ ኣለዎ’ውን ሓሰበ። ዝረኸቦ ምዕባለ ግና ኣይነበረን። ሃንደበት ሓደ ኣነዋሪ ሓሳብ ውትፍ በሎ። ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ዀይኑ ክዋሳእ’ሞ ኣለቀሕቲ ከሓድጉዎ ዝብል ብልሃት። እታ ሓሳብ ደስ በለቶ። ከምቕጽበት ከኣ ኣኽመስመሰ። ነቲ ዝሓሰቦ ፍጻመ ብከመይ ከምዝዓሞ ኣብ ህንደሳዊ ሓሳብ ተጸምደ። ኰይኑ ግን ንዘለዎ ትውህብቶኡ ገሚቱ ዝላበሶ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ካልእ ብልሓት ክደለ መሊሱ ኣብ ዓሙቝ ሓሳብ ሰጠመ። ቃላት እቶም ዝእውድዎ ሰባት ኣብ ኣእዛኑ መቓልሕ እናፈጠረ ረበሾ። ብድርብራብ ሓሳብ ውሽጡ ተሃወጸ። ከም ውጺኢቱ’ውን ብረሃጽ ተሓጽበ። እታ ዝተጸጋገነት ስልኩ ድምጺ ኣስመዐት። ክቕበላ ድዩ ኣይቕበላን ኣብ ክልተ ቐራና ሓሳብ ተመቅለ። መዘዙ ዘኪሩ ምቕባል እቲ ዝሓሸ ምዃኑ ተረደአ፡ ኣልዒሉ ድማ ተቐበላ።
“ሄለው!፧” መልሲ ተጸበየ።
“ ‘ኣማን መሓሪ’! እንታይ ገይርካ፡ ኣዳሊኻለይ ዶ፧” ኣብ ቃላት ደዋሊ ተርባጽን ቅርሕንትን ተነበ። እታ ‘ኣማን መሓሪ!’ እትበል ንስም ኣቦኡ እተጣምር ዝያዳ መልእኽቲ ዝሓዘለት መስለቶ።
“ናይ ምሸት ክድውለልካ’የ ስምኦን ሓወይ!” ትሑትን ቐጢንን ቅኒት ተጠቕመ።
“ስማዕ! ሕጊ ገለ ትጽበ ከይትህሉ፡ ብዝወስዶ ስጕምቲ ብናይ ክልተና ህይወት ሕሰብ! ናይ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ እዚኣ’ያ!!” ልዕሊ ቃላቱ ቅኔኡ ጐሊሑ ተሰምዐ። ኣማን ከም ዘይምሕሮ ዅለትናኡ ንጻረ ረአየሉ። ንዘይ ገብሮ ዝተዛረቦ ቃል ብኸመይ ከም ዝምለሶ ሓርበቶ። ንባእስን ነገርን ክፈርሖም ዝኸኣለ ናይ ህጻንነቱ ኣሰንበድቲ ፍጻሜታት ኣለዎ። ባእሲ ዝባሃል ክርእይ ኣይደልን እዩ።
ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣይደንጐይን ካልእ ኣለቃሒ ደውለ፡ ንዕኡ ከየልዓሎ ኣስቀጠ። ደጊሙ ደወለ መሊሱ ኣዕለበ። እቲ ዅነት ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ይኸይድ ከምዘሎ ገመተ። ብሰንኪ መስተን ዘይምዕሩይ ኣካይዳን ንቤተ ዘመዱ ኣይቀርቦምን’ዩ። ንሶም’ውን ኣይቀርብዎን’ዮም። ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ከኣ እታ ኽገብራ ዝኽእል ናይ መዳእታ ደቒቕ በጺሓ ምህላዋ ተሰወጦ። ኣይጸነሐን እቲ ዝበዘሐ ዝእውዶ ሳልሳይ ኣለቓሒ ደወለ። ነታ ክትንቚ ዝጸነሐት ስልኩ ናብ ምድሪ-ቤት ደርበያ። ተማቓቂላ ፋሕ-ፋሕ በለት። ኣብዛ ግዜ እዚኣ እታ ዝኸበረት ንብረቱ ንሳ ምዃን ዘኪሩ ውሽጡ ሕሩር ፍሽኽታ መጠወ። ፋሕ-ፋሕ ንዝበሉ ክፍሊ ኣክላት ስልኩ፣ ኣብ ምእራይ’ውን ተጸምደ። ኣብ ገዛኡ ዝብላዕ’ውን ኣይነበሮን፡ ጠንቂ እዚ ዅሉ ባዕሉ ምዃኑ’ኳ እንተ ኣመነ፡ ካብ ንድኽነቱ ምምራር ግና ኣይተዓግተን። ነቲ ብሃብቱ ዝልለ ጐረቤቱን ሓለቓኡን ነበር፡ ዝለብሶም ኣልባሳትን መጋየጺታትን ሓደ ብሓደ ብሓሳቡ ክግንጽሎም ጀመረ። መካይን ክለዋውጥ፡ ወገሐ ጸበሐ ደቂ ኣንስትዮ ከቐያይር’ዩ ዝርእዮ።
ኣማን፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ከይወደቐ። ማለት ናይ ስራሕ መንፈሱ ከይማህመነ ፡ ናይቶም ምዕሩጋት ቤት እቲ ሃብታም፣ ጀርዲነሪ እዩ ነይሩ። እቲ በዓል ጸጋ ንዝፈተዋ ጓል ጥማራት እናሃበ ከድዕሳ ከሎ ካብ ዓይኑ ዘይሃስስ ዝኽሪ ኣለዎ። ቤቱ ወትሩ ብኽቡራት መስተን ካልእን ዝመለኣ’ዩ። ኣማን’ውን ተዀነ ናይ መስተ ግዙእ ዝዀነሉ ኣብዚ ቤት’ዩ።
ካብ ደሞዙ ሳንቲም ቀያሕ ዘይትውሰኾ ክንሱ ንኽሰቲ ግና ከም ባህታኡ’ዩ ዝፍቀደሉ። ኣብቲ ‘ባር’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ ድማ፡ ድሕሪ ስራሕ ምስ’ቶም ክቡራት ኣልኮል ይጽመድ። ክበዝሕ ክበዝህ ድማ ንውሽማ ሓለቓኡ ስለ ዝደፈረ ካብቲ ስራሕ ተሓግሒጉ ተኣልየ። ድሕሪ’ዚ ምስ ዅሎም ሕሱራት መስተታት ዕርክነት ፈጠረ። ብዝነበሮ ብሰብ ተኣማንነት ከኣ ካብ ብዙሓት እናተለቀሐ ንወልፍታቱ እናርወየ ንነዊሕ ቐጸለ።
ነቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጀሚሩ ክሓሰቦ ዝቐነየ ክፍጽሞ ተደናደነ። ነቲ ፍጻመ ብመስተ ተሓጊዙ ፈተነ ኣካይድሉ ነይሩ’ዩ። ግና ኣተዓወተን። ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኸኣ መስተ ተሓጊዙ ክፍጽሞ እቲ ዝቐለለ ምዃኑ ተሰወጦ። ካብቲ ኣብ ኣብ ባኮ ዝተኣከበ ጠራሙዝ ጽንቃቕ እንተረኸበ ፈተሸ። ክረክብ ግና ኣይከኣለን። ብጽንቓቕ ክሰከር ወይ ዘድፈር ሓይሊ ከም ዘይረከብ እናፈለጠ ከምኡ ምግባሩ ኣርመሞ፡ ብውሽጡ’ውን ሓፈረ።
ኣብ መደቀሲኡ ተጋደመ። እቲ ክውስነሉ ዝሕንጸጾ ግዜ እናተወንጨፈ ከደ፡ ወጥራዊ ጭንቀቱ’ውን ከምኡ ብናህሪ ዓረገ።
ሃንደበት መዓጾ ገዛኡ ተዃሕኰሐ፡ ልቡ ክጥመቖ ደለየት፡ እቲ ዝዃሕዀሐ ስምኦን ጥራይ ኰይኑ ተሰምዖ። ብፍርሒ ኸኣ ኸንቀጥቕጥ ጀመረ። ከም እንደገና ተዃሕዀሐ፡ ብርቡሽ መንፈስ ኣዕለበጠ። ከምዘይሰመዐ ከስቕጥ ወሰነ። እቲ ማዕጾ ግን ብዘይ ምቝራጽ ተደሰቐ። ድሓር ግና ከምዘይዋጸኦ ፈሊጡ ዝዀነ ክኸውን ክኸፍቶ ወሰነ።
“መን፧” ኣድመጸ ኣመን።
“ኣነ ኣበራሽ’የ!” ቀጢን ዝድምጹ ደሃይ ጓል ኣንስተይቲ ተሰምዐ። ብኡንብኡ መንፈሱ ረገአ። ኣብራሽ ዋና ገዛኡ’ያ። ተቐላጢፉ ከፈታ። ዝደቐሰ ክመሰል ኣዒንቱ እናሓሰየ ቀረባ። ኣብራሽ ኣብ ኢዳ ንዝኣሰረታ ሰዓት ተመልከተት።
“ሰዓት ትሽዓተ እኮ’ዩ ዘሎ፡ ካብ መዓስ ደኣ ብእዋንካ ትድቅስ፧ ምዃን ኣማን ከም ደቂ ኣሕድርትና እንዲኻ ቐትሪ ደቂስካ ለይቲ ትወፍር።” ጠመተ ኣዒንታ ዝያዳ ፈታሺ ኰኖ።
“እወ ሓቅኺ፡ ሎሚ ግና ተጸሊኡኒ ውዒሉ።” ብትሕትና መለሰ።
“ዶ. . . ፧ ኣማን፡ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ተጸሚመካ’የ፡ ደሓር ከኣ ገዛኻ ኣይተርከብን ኢኻ፡ ገዛ ኽራይ ናይ 7 ወርሒ ኣይከፈልካን ዘለኻ። ቅድሚ ዘኣገረ ናይ ትወጸሉ እዋን ሓሊፉ’ዩ። ሕጊ መድለዪ ግዜ ሃብዮ ኢሉኒ ሂበካ። ካብቲ ዝሃብኩኻ ሰለስት ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ። ‘ደሓን ገዛ ስኢኑ’ዩ ዝኸውን’ ኢለ ስቕ ኢለ ኸሪመ። ሕራይ ንሱስ ደለ ምዀነ ገዛ ምስኣንካ ኣይኰነን እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ፡ ኣብ ግዜኻ ዘይምኽፋል’ዩ።” ነቲ ብዘይ ዝክፍታ ዝደጐሎ ተወሳኪ ዕዳ ኣዘኻከረቶ።
“እወ ሓቅኺ፡ ቝሩብ ተሸጊረ ኣለኹ። በጃኪ ንቍሩብ መዓልታት ተጽመምኒ፡ ካብ ዝነበርኽዮ ኣይነውሓኪን’ዩ።” ተማሻኸነ።
“እ. . .ህ …! ሕጂ ኸኣ ኣይተበን ኢኻ፧ በል ስማዕ! ጽበሕ ኵሉ ንብረትካ ናብ ደገ ተውጽኦ፡ ናይ ዝተቀመጥካዮ 7 ወርሒ ኸኣ ዝገበርካ ገይርካ ጽባሕ ኣብዛ ኢደይ ትህበኒ፡ ኣይኰነን…!፧” ኣዒንታ ካብ ንብር ንላዕሊ ኣፍጠጠቶም።
“ሕራይ!” ከይሓሰበ ንኽትከደሉ ጥራይ ኢሉ ዝመለሰላ’ዩ። ገዛኡ ምስ ዓጸወ ውነኡ’ውን ተዓጽወ። ነቶም ድራብራብ ፍጻመታት ብኸመይ ከምዝፈትሖም ተጨነቐ። ኵሎም ዘለቅሕዎ ሰባት፡ ብኸመይ ኣብ ሓደ ዕለት ክግድድዎ ኪኢሎም ኣስደመሞ። ነቲ ክሓስቦ ዝቐነየ ትብዓት ዝሓትት ውሳነ ከኣ ዝደፋፍእ ምኽንያት ኰነሉ።
ሓደ ውሽጣዊ ስምዒት ድማ በዚ መጽኡ ከይበሎ ኣብ እዝኑ ኣሕሸዅሸዀ። “ንብስኻ ቕተል ንብስኻ ኣጥፍእ” ዝብል ሕሹኽታ። ኣማን፡ ዕድመኡ 36 ካብ ዝረግጽ ሰለም ኣይረኸበን።
ካብቲ ኮፍ ዝበሎ ተንሲኡ ኣብ ምድሪ-ቤቱ ኰለለ። ነቲ ዘሓሰቦ ስጕምቲ ክፍጽም ውሽጣዊ ምድላዋቱ ኣጻፈፈ።
ግዜ ኣብ ሽዑ በጺሑ ዝቕልጥፍ ዘሎ መሰሎ። ብኡንብኡ’ውን ፍርቒ ለይቲ ዀነ። ኣማን ከም በዓል ቈጸራ በተግ ኢሉ ተንሰኤ። ናብቲ ኣብ ጥቃ ገዛኡ ዝተደዀነ ዲጋ ንሕትሕል ሓሳቡ ኣጽደቐ። ርቅቅ ዝበለ ሸበጠ ገይሩ ብቕጽበት ካብ ካንሸሎ ወጸ። ንዅነት ኣእምሮኡ ዅሉ ከም ሕልሚ ዀይኑ ኰይኑ ከም ዝራኣዩ፡ ኣእመኖ ሓለነ።
እቲ ዲጋ ብጽምዋ ጻው ጻው በለ። ህድኣቱን ጸጠታኡን’ውን ካልእ ዓለም መሰለ። ኣማን፡ እናቐረበ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰፊሕ ቀላይ ጸንበለል ዝብላ ደርሆ ማይ ብርሃን ወርሒ ምስ ሃረመን ጐሊሐን ተራእያኦ። ጸጸኒሑ ጸጥታ እቲ ኸባቢ ንልቡ ደሃሎ። ነቲ መኽኒት ክፈጥር ዝጀመረ ገል ክፋል ሓንጐሉ ክማጐቶ ፈተነ። ካብ ሓሳቡ ከምዘይ ተርፍ’ውን ምስ ሕልናኡ ምጕት ገጠመ። ናይ መጨረሽታ’ውን ተቢዑ ተብገሰ። ካብቲ ዘለዎ ሰንፈላል ህይወት ናብቲ ማይ ጥራይ ብምንቁት ክዕርፍ’ውን ተርበጸ። ይዅን እምበር ሕርኽርኽ ዝብሎ ነገር እናተማለለሰ ብግድል ኣብ ገምገም እቲ ዓርሞሽሞሻዊ ዲጋ በጸሐ። ሃንደብ ድምጺ እንቝረዖብ ተሰምዐ። ነቲ ሃዲኡ ዝጸነሐ ሃዋሁ’ውን ረበሻ ፈጠረሉ። ኣማዕድዩ ካብ ደርሆ ማይ ዝገዝፍ ጸዕዳ ነገር ረአየ። ከምቕጽበት ፍርሒ ኵወሮ ኸኣ ተፈለጠ፡ እቲ ዝረኣዮ ዘይንቐሳቐስ ምዃኑ ኻልእ ፍርሒ ወሰኸሉ። ብልሓት እቲ ትርኢት ክፍለጥ ብቐስታ ናብኡ ቐረበ። እቲ ዝረአዮ ምስሊ፡ እናነጸረ ኸደ። እታ ደሚቓ ዘምሰየት ወርሒ ከም ባህታኡ ክሪኢ ሓገዘቶ’ያ። እቲ ዝረአዮ ጻዕዳ ነገር ንፋስ ምስ ኣንበድበዶ ኣብለጭለጨ። ክብብ ዝብለ ቅርጺ’ውን ረኣየሉ። ፍሉይ ምንቅስቓስ’ውን ዝረኣየሉ መሰሎ። ደሒሩ ግና ብንፋስ ምዃኑ ገመተ። መላእ ኣካላቱ ብረሃጽ ተሓጽበ። ብኡንብኡ ነቲ ዘምጸኦ ዒላማ ፈጺሙ ረሰዖ። ክሳብ መፈጸምታ እቲ ዅነት ክከታትል ተረበጸ። ስጕምታኡ ድማ ወሰኸ። ሃንደበት ምስ ናቱ ሸፋሕታዊ ምንቕስቓስ ዝሰጠመ ሸፋሕታ ሰመዐ። ልቡ ከይትመልቖ ዝፈርሐ ክመስል ብፍርሒ ንየማነ ጸጋም ኣግለጽለጸ። ጸኒሑ ግን፡ ዝዀነ ክኸውን ተቢዑ፡ ናብቲ ዝረኣዮ ጻዕዳ ንነገር ንኽቐርብ ኣንቐደ። ሰብ ኰይኑ’ውን ተራእዮ። ከረጋግጽ ድማ ብቐስታ ርሕቐቱ ኣጽበበ። ጸብለል ዝበለ ዝሞተ ሰብ ምዃኑ ኣጭበጠ። ቐጺሉ’ውን መልክዕ እቲ መዋቲ ነጺሩ ተራእዮ። ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ ከኣ ርግጸኛ ዀነ። ከመቕጽበት ከይተፈለጦ ኣውያት ደጐሐ። ኣተራቲሩ’ውን ኣውያት ቀጸለ።
ድሕሪ ገለ ድቓይቅ እቲ ዲጋ ብሰባት ተጐበ። ከህድእዎ ፈተኑ፡ ኣማን ግም ጽሉል ተቐየረ፡ ስለምንታይ የእዊ ከምዘሎ’ውን ኣይተረደኦን። ኣውያቱ መሊሱ ቐጸለ። ድሕሪ ገለ ደቓይ ግን ዘፍ በለ። እቲ ኣብቲ ዲጋ ዝሞተ ሰብ እቲ ሃብታም ጐረቤቱን ሓላቓኡን’ዩ። ኣብ ክሳዱ ሓደ ጽሑፍ ተኣሲሩ ጸነሐ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ዝብል ኰይኑ ተረኽበ።
“ኣብ ንግዲ ዓለም ካብ ዝኣቱ ሃብተይ ብፍጥነት ተወንጪፉ። ካብቲ ዝነብርኩዎ ዓጸቕቲ ድኽነት ወጽየ ክነብር ካብ ዝጅምር ዅሉ ሰብ ክፈትወኒ ኽምእዘዘኒ ጀሚሩ። ንዝደለኹዋ ጓል ሄዋን ከም ትግብሪተይ ክውንና ኣይጽግመንን፡ ኮታ ዅሉ ዝደልዮ ኣብ ግዜኡ ይኸነለይ ሳላ ሃብተይ። ሓደ ነግር ግን ሲኢነ፡ እቲ ግዳም ሓደር ከለኹ ምስ መዳቕስተይ ዝስምዓኒ ዝነብረ ቅሳነትን ፍቕርን ኣብ ልበይ የለን። ከብሕታት ልበይ ብጀካ ንዓምጽ ንፍቕሪ ቦታ ስኢነሎም። ንዝደለኹዋ ዛግራ ግና ብጥማራትን ብጥዑም ቃላትን ነጽየ ግዝያዊ ሓጐሰይ ገይረ ይሰዳ። መንፈሰይ በቲ ናይ ገንዘብ ሓይሊ ገይርካ ሰብ ርገጽ-ርገጽ ይብለኒ። ይዕምጽ፡ የጋፍዕ፡ ይብዳዕ ዅሉ እቲ ግናይ መንፈሰይ ዝብለኒ ይፍጽም፡ ግና ዕግበት ኣይህበን። ብዝኰነ ጥዕናይ ከንቘልቘል ስለ ዝጀመረ፡ ናብ ሕክምና ምስ ከድኩ። ብሕማም ካንሰርን ሕማም ኤድስን ስለ ዝተጠቓዕኹ ኣብ ሓጺር ግዜ ክመውት ምዃነይ ተነግረኒ። እዚ ዅሉ ገንዘበይ’ውን ጥዕና ክገዝኣለይ ኣዋፈርኩዎ ግና ጠቕሚ ኣልቦ ዀይኑ ተርፈ። ዝናይ፡ ትምክሕተይ፡ ጭካነይ፡ ጽልኣተ ኣብ ሰባት፣ ሃብተይ ክህመዅ ከሎ ንምንባር ረኸብኩዎ። ኣብ ውዱእ ግዜ ከኣ ክርህርህ፡ ክፈርሕ፡ ጽጉምን ድኻን ከቅር ጀመርኩ። ኣብ ውዱእ ግዜ ነቲ ንሓንቲ ደቒቕ ዘኪረዮ ወይ ኣመስጊነዮ ዘይፈልጥ ፈጣሪ ምሕረት ክገብረለይ ለመንኩ። ክዀነልይ ግና ኣይከኣለን። ዅሉ ሃብተይ ድማ በዚ ሕማም እዚ ንዝሳቐዩን መሕከሚ ንዘይብሎም ድኻታትን ዘገልግል ሆስፒታል ክሰረሓሎም ወፍየዮ ኣለኹ። ሞተይ’ውን መታን ነቶም ሕማቕ ንዝገብሩ መምሃርን መርዓድን ክኸውን እነሆ ኣብዚ ቀላይ ከምዝረከብ እገብሮ። ዅሉ መንገዲ ይወስደና’ዩ፡ ግና ዘጥፈኣናን ዘድሕነናን እንሓሪ ባዕላትና እና’ሞ ሓደራ ካባይ ተማሃሩ!፧” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ተነበ።
ንኣማን፡ ‘መን’ዩ ክመውት ዘለዎ፧’ ዝብል ሓሳብ ንኣእምሮኡ በሓቶ። ምስ ገዛእ ነፍሱ ሓያል ምጕት ኣካየደ። ኣብ ገለ ክፋል ኣእምሮኡ ርእይዎም ዘፈልጥ ሓሳባት ክፍጠሩ ከም ዝጀመሩ ኣስተብሃለ። እቲ ፍጻመ ኣብ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ፣ ንፍጥነት ኣተሓሳስባኡ ሓፍ ኣበሎ። ጽዋእ ዓወት ዝጭብጠሎም መንገድታ ኣብ ሓሳቡ ተጸፍጸፉዎ። ህይወቱ ብዙሓት ቐጠልያ መብራህቲ ክትውልዕ’ውን ኣስተብሃለ። ሞት ፍጹም ፍታሕ ከም ዘይኰነ ደምደመ። ንግዜኡ ኣብቲ ሓዘን ክዋሳእ ዝከኣሎ ዘበለ ገበር። እቲ ዅነት ንህይወቱ ዝቀየረ ኣጋጠሚ ምዃኑ ልዕሊ ማንም ደስ በሎ። ናበይ ምዃኑ ከይፈለጠ እግሩ ናብ ዝመረሖ ተሸርበ። ነቶም ዝተዓደየሎም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰሪሑ ገንዘቦም ክህቦም ወሰነ። ሕልናኡ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ቀሰነ።
ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ወልፍታቱ ኣወጊዱ ናብታ ዝነብራ ኸተማ ተመሊሱ ዕዳኡ ኸፈለ። ንህይወት ከኣ ብዅሉ መኣዝና ከስተማቐራን ብፍቕርን ሓጐስን እና ነብረ ክበለጸላን ጀመረ። ብሳላ ድሒሩ ዘፈለቖ ሰላማዊ ርድኢቱ፡ ምስ ገዛእ ነፍሱ ወትሩ ብምምኽኻር ሰራቒ ኣብዘይረኽቦ ፍልሖ ዀነ ነቐዝ ኣብዘይበልዖ፡ ኣብ ሰመያዊ መኽዘን ንዘለኣለማዊ ሃብቲ ከኻዕበት ፈለመ።