ካልኣይ ክፋል
ብፍስሃየ ኪዳነ (ወዲ ፖሊስ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ)
2) ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ፡- ሀ) ቀንዲ ብልጫታት መጽሓፍ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ፡- ብርግጽ፡ ዝኾነ ብውጥን ተታሒዙ ብጥንቃቐን ብስሩዕ መቓን-ግዜን ዝተዛዘመ ፕሮጀክት ብልጫታት ኣለዎ። መጽሓፍ “ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ቋንቋ ትግርኛ”’ውን ከም ዝኾነ ድርሰት ናይ ገዛእ-ርእሳ ሓያል ጎኒ ኣይሰኣናን። ቅድሚ ዝኣገረ፡ ብቀሊል ንዘይድፈር ኣርእስቲ ክትጥሕስስ ምህቃና ጥራይ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ዝገብራ ስራሕ’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ እንትርፎ ሒደት ብኣጻብዕ ዝፍቀዱ መወከሲታት፡ ብፍሉይ ንምርምር ክሕግዙ ዚኽእሉ ዝተማልአ ብቕዓት ዘለዎም መወከሲታት ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ። ስለዚ፡ ሓደ ተመራማሪ ፈትዩ ጸሊኡ ኣብ ባዕዳውያን መጽናዕትታት ኪምርኮስ ይግደድ’ዩ። ምናልባት፡ ቍሩብ ንዓቕሙ እንተኣሚኑ ድማ፡ ናቱ ብልህነትን ብልሓትን ሓዊሱ ኣብ ኣቃውማ ስርዓተ-ቋንቋ ትግርኛ (ቋንቋ ኣደ) ኪፈላሰፍን ውዱዕ ባዕላዊ ትንታነ ኪጥቀምን ካልእ ዝኸበደ ምርጫ’ዩ። ሽሕ’ኳ እዚ ዳሕረዋይ ምርጫ’ዚ ክትጥቀም ከም ተኽእሎ ዝምረጽ እንተኾነ፡ ተቕርቦም ትንታነታትን መርትዖታትን ካብ ክውንነት ኪምሕድጉ የብሎምን። ከም ርዱእ፡ ተኣፋፊ ሕርያ ስለዝኾነ፡ ኣውራ ቅድመኻ ንዝተቐመጡ ኣምራት፡ ሓቅታት፡ መትከላት፡ ክልሰ-ሓሳባትን ወዘተ. ክተፍርስ እንተኮይንካ’ውን ጭቡጥ ኣማራጺ ክልሰ-ሓሳባትን መርትዖታትን ብጥንቃቐን ብዘአምንን መንገዲ ክተቕርብ ትግደድ። ብሓጺሩ፡ ውሕስነት ዘይህበካ መንገዲ ምምራጽ ግን ኣብ ዝኾነ ንጥፈት’ውን ንሓደጋ ካብ ምቅላዕ ኣይንሕፍን’ዩ።
ደራሲ መጽሓፍ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ ነዚ ከቢድ ምርጫ’ዚ ምድፋሩ እምበኣር ኣገናዕ ዝንእሶ ኣይኮነን። —- ብዘይካ’ቲ ዘይሕለል ጻዕሩ፡ ካልእ ዝበረኸ ብልጫ ደራሲ ኣብ ፍልጠት ሃብቲ ማህደረ-ቃላት ኮይኑ ትረኽቦ። ብሓቂ፡ ዓቢ ሰነድ ቃላት ትግርኛ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምናልባት፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝጥመት ተወሳኺ ሓይሊ ደራሲ ኣብ ፍልጠትን ምልከትን ቋንቋታት ግእዝን ኣምሓርኛን ከይኮነ ኣይተርፍን ኢልካ’ውን ከገምግመካ ዝኽእል ጭብጥታት ካብ ከርሲ መጽሓፉ ትረኽቦ። እዞም ማንታ ክእለታትን ጸጋታትን ዝተዓደለ ደርሲ ንቋንቋ ትግርኛ ከም ድላዩ ኪገላበጠሉ ርሒብ ዕድል ይፈጥር ምዃኑ ድማ ባዕልኻ ትድምድም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ደራሲ ኣብ ገለ ክፋላት ‘ስርዓተ-ዘረባ’ ብጥልቀት ኣንጊድዎም ዘሎ ባእታታት ሰዋስው ንኣሰሓኮ ወይ ጽኑዕ ሓቦኡ(stamina) ዘረጋግጽ ጻዕሩ’ዩ። ሓደ ካብቲ ከቢድ ምርምራዊ ዓቕሉ ድማ ኣብ መበል ሻሙናይ ምዕራፍ (ቃለ-ኣጋንኖ) ዘቕረቦ ስፍሓት መጽናዕቲ ይርከቦ። ብርግጽ፡ ኣብቲ ካብ ገጽ 100-104 ቀሪቡ ዘሎ ንዝተፍላለዩ ”ስምዒትን ኩነትን” ዝምልከቱ ክሳብ 40 ዝበጽሑ ዓይነታት ስምዒት (emotions) ብብልሓቱ ከሀብትሞ ምኽኣሉ፡ ዛጊት ኣብ ዝኾነ ካልኦት ድርሰታት ብጸቢብ ዓቐን ጥራይ ክትንከፍ ዝጸንሐ ምዃኑ ንርዳእ። በተመሳሳሊ፡ ምናልባት ብዓይነቱ ንፈለማ ግዜ ከም ኣካል ሰዋስው ትግርኛ ምስ መጽሓፍ ሰዋስው ተጸንቢሩ ዝቐረበ ብኣገላልጻኡ ‘ስውያ ንግግር’’ ተባሂሉ ዝቐረበ’ውን ንመጽሓፉ ተደራቢ ድርዒ፡ ንተጠቃሚ ድማ ንፍልጠቱ ከዳብር ይኽእል። ምናልባት፡ ኣብ ገለ ቃላት (ኣምራት) ዝተዋህበ ንክትሕዞ ቍሩብ ዝብርትዕ ኣሰያይማ (ከም ኣስተሰብኦ፡ ውከሳ ረቂቃን፡ ወካርነት፡ ኣስተልዝቦ፡ ኣስተደምቖ፡ ኣስተመቕልሎ ወዘተ) ግን ንምጭባጡ ከየሸግር ስክፍታ ይፈጥር።
ብተወሳኺ፡ ካብ ገጽ 123-138 ኣብ ትሕቲ “ኣነዳድቓ ቃላት ትግርኛ” ይኹን “ኣተዓቓቕባ ቃላት ትግርኛ” ዝቐረበ ‘ንድምጽታትን ፊደላትን’ ንኩነታት ‘ተረርትን ፈኮስትን ፊደላትን’ (ከ፡ ቀ፡ ኸ፡ ቐ) ዝምልከት ትንታነ’ውን መሃሪ ትሕዝቶ’ዩ። ካብዚ ከይረሓቕና፡ ደራሲ ኣብ ኣጠቓቓማን ዝውታረን ንመብዛሕትኦም ጸሓፍቲ ዘዕወንውኑን ብዙሕ ዘይምለኹን ምስ ‘ግዝያት(እዋን) ግሲን’ ኣካላት ስም ወይ ክንድ-ስም ተዋሲቦም ዝኸዱ ፊደላት “እ/ይ”፡ “ክ/ኪ”፡ “ዝ፡ዚ”፡ “እዩ/ኢዩ” ብስነ-ስርዓትን ብጥንቃቐን ብምልከት ከስርጾም ክኢሉ። ምናልባት፡ ነዚ ስነ-መጐት’ዚ ዘይቅበሉ’ኳ ዘይስኣኑ እንተኾኑ፡ ደርሲ ነቲ ዝኣምነሉ መርገጺ ስነ-ጽሕፈት ክቕየደሉ ምኽኣሉ ግን ኪምጐስ ይግባእ። ኣብ ቀዳማይ ኣካል “መጻኢ (ትንቢት) ግዜ” ( ኣነ ክሰርሕ/ክኸይድ/ክዘውር፤)፡ ሳልሳይ ኣካል ንጽል “መጻኢ እዋን” (ንሱ ኪሰርሕ/ኪኸይድ/ኪዝምር፤)፡ ሳልሳይ ኣካል ረባሕታ “መጻኢ እዋን” (ንሳቶም ኪበልዑ/ኪፍልጹ/ኪመጽኡ፤ ንሳተን ዚደልያ/ዚሓስባ/ዚምልሳ…፤) ወዘተ ብምጽጻይ ኣብሲልዎም ንምልከት። ኣብ ምሉእ 202 ገጻት መጽሓፍ ሰፊራ ዘላ ነፍሲ-ወከፍ ቃል በዚ ተገዲስካ ክትቆምላ እንተፈቲንካ፡ ደራሲ ንንጣር ፊደል ትኹን ቃል’ውን ካብዚ መሰረታዊ መትከል ሰዋስው (“መጻኢ ትንቢት ግዜ’) ክትመሉቕ ኣየፍቅድን። እምበኣር፡ እዚ ቀሊል ዝመስል ሕጊ ሰዋስው፡ ብልክዕ ክትጥቀመሉ እቲ ዝኸበደ መዳይ ምዃኑ ዘስተውዕሉ ይኹኑ ግዲ ዘይህቡ ጸሓፍቲ ኪመሃርሉ ድማ ለበዋ ኣይጽላእን። ብተወሳኺ፡ ደራሲ እምብዛ ንፉዕ ተመራማሪ ምዃኑ ዘረጋግጽ ካልእ መርትዖ ኣብ ዓምዲ “ስነ-ጽሑፍ” መጽሓፉ ንትንታነን ንመርኣያን ካብ ዝቐረቡ ካብ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን መጽሄታትን ዘዋህለሎም ግጥምታት ግርም ምስክራት’ዮም። ሓያል ባህልን ብልህነትን ስለዝኾነ፡ ንሱ ነዚ ብሉጽ ጎኒ’ዚ ክዕቅቦ፡ ዝተረፍና ድማ ንኣብነቱ ክንስዕብ ኣገዳሲ ለበዋ ከይኮነ ኣይተርፍን። ብርግጽ፡ እዚ ንከቢድ ዋጋን መስርሕን ሕትመት ሰጊሩ ንተጠቃምነት ኣንበብቲ ተዘርጊሑ ዘሎ መጽሓፍ “ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን” ኣገዳስነቱ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ፡ ርዝነቱን ዕዙዝነቱን ኪሽነን ከሎ’ውን ሓያል ጻዕርን ከቢድ ሃልክን ሓሊፍዎ እዩ። ደራሲ፡ ክሳብ 202 ገጻት ዝዕቤቱ መጽሓፍ ንህዝቢ ክቕርብ ምኽኣሉ ጥራይ ንጻዕሩን ንዘይሕለል መጽናዕታዊ ምርምሩን ይምስክር። ኣብ ከርሲ’ዚ መጽሓፍ’ዚ፡ “ን25 ባእታታት ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን” ከእንግድ ምብቃዑ ንባዕሉ ሞሳን ክብርን ኪረክብ ዝውሕዶ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ደራሲ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ተበግሶን ዕዮን ኣብ ቀጻሊ ጒዕዞኡ’ውን ከይተሓለለ ኪቕጽሎ ትጽቢት ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ክተኣማመን ድማ ይግባእ። ብዘይውልውል፡ ከም ወትሩ ዕቑር ዓቕሙ ከይበቐቐ ሃገርን ህዝብን ብሓቂ ኪምዝምዞን ኪጥቀመሉን ዝግባእ ተወሰኽቲ ፍርያት ድርሰት ኣብ ቀጻሊ’ውን ጆባእ ክብለና ድማ ብልቢ ንብህግ። ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ስራሕ’ዚ ይኹን ኣብ ቀጻሊ ንጥፈታት መደባቱ ዓይነትን ብቕዓትን ዝቐርበሉ ሃናጺ ሓሳባትን ርእይቶን ብዘየገድስ ከኣ፡ ካብ ሓዲድ መደባቱ ክዕጸፍ የብሉን። ብርግጽ፡ ካበየናይ ወገን ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ሃናጺ ሓሳባት ዝያዳ ይስሕል’ምበር፡ ካብ ጽኑዕ ምርምራዊ ጻዕርኻ ከጉድም ኣይክእልን። እኳ ደኣ፡ ድርሰትካ ድሮ ኣንበብቲ ረኺቡስ፡ ኣበርክቶኻ ጽልዋን ፍረን ስለዝሃበ፡ ዝያዳ ከሐብነካ ይግባእ። ኣብ ዓውዲ ስነ-መጐት፡ “ኣራእስ ኩሎም ፍላስፋታት ኣብ ሓደ ኣዳራሽ እንተዝራኸብ፡ ንዘልኣለም ከይተሰማምዑ ምቐጸሉ”ዝብል ብሂል ስነ-ፍልስፍና ተደጋጊሙ ይዝውተር’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ዘውክኦ እንተሎ ድማ፡ ክብሪ ሰባት ደኣ ይተሓሎ’ምበር፡
ኣብ ሓሳባት ንግዜኡ ምክርኻር ግን ኪጽላእ የብሉን። ምኽንያቱ፡ ውጽኢት ዓሚቝ ክትዕ ኣማስያኡ ንምዕባለን ዕቤትን ጠቓሚ’ዩ። ለ) ሓፈሻዊ ድሩትነታት መጽሓፍ ሰዋስዉ ቋንቋ ትግርኛ፡- ብሓፈሻ፡ ኣብ ህይወትን ጥፈታትን ደቂ-ሰባት፡ ኣውራ ድማ ኣብ ምህዞኦምን ፍርያቶምን ዕቤትን ድኽመታትን ዘይነጻጸሉ ልክዕ ከም ክልተ ገጻት ሓንቲ ሳንቲም ምዃኖም ዝጎስዮ የለን። ብተመሳሳሊ፡ ብፍላይ ሓደ ዓቢ ፕሮጀክት ድርሰት ካብ ሕጽረታት ይኹን ድኽመታት ሓራ ኪክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ከኣ እምብዛ ጸቢብ’ዩ። እምበኣር፡ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ’ውን ካብ ፍሩያትን ደቀቕትን ድሩትነታት ነጻ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ብሓርፋፉ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ጎሊሖም ካብ ዝረኣዩ ድኽመታት ካብ ‘መቕድም’ ይፍልሙ። ምናልባት፡ ካብ ምሒር ርእሰ-ተኣማንነት ደራሲ ዝነቅል ይመስል። ደራሲ፡ “…ብካልኦት ደቂ-ሃገር ንዝፈረየ መጻሕፍቲ ቋንቋ ከየናሕሰየ ብምትእምማን ይነቅፍ’። “…ንቋንቋ ትግርኛ ዝጎሰየ ርዕመት ካልኦት ባዕዳውያን ቋንቋታት ምዝውታር ኣይግድን፤ ደረስቲ በዘልማድ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ቀይደ-በተኽ ኣጸሓሕፋ ንምእራም ወይ ንምዕራይ ዝዓለመት መጽሓፍ’ያ…፤” ዝመስል ነቕፌታ ደራሲ፡ “እዚ’ከ ካብኣቶም ንላዕሊ እንታይ ዓሚቚ ትንታነ ኮን ይቕርብ ይኸውን፧” ኢልካ ንዝበረኸ ትጽቢት ኣንባቢ ይድርኽ። ሓደ ደራሲ ብፍላይ ኣብ መቕድም ብምቕሉልነት (euphemism) ንዕላማ መጻሕፉ ከላሊ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ። ዕምቈት ትሕዝቶ መጽሓፉ ባዕሉ ካብ ውሽጡ ኪምጒት ኪገድፎ ዝሓሸ’ዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፍ ንመጽሓፍ ተመሃሮ ሚ/ትምህርቲ ከም ዘይተወከሰ ንጹር ኮይኑ እናጎልሐ ክንሱ፡ “…ብሕልፊ መማህራን ቋንቋ ትግርኛ ከም ተወሳኺ መወከሲ ከዘውትርዎ ይግባእ” ተባሂሉ ብደረቑ ዝሰፈረ ሓረግ’ውን ንክትርዕሞ ይሕርፍፍ።
ካልእ ሓፈሻዊ ድኽመት’ዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ ክብደት ቋንቋ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ዘይዝውትራትን ዘይልሙዳትን ቃላት ድማ ብፍላይ ገኒኖም ይረኣዩ። ምናልባት፡ ንመሀብተሚ ኣምራትን ክልሰ-ሓሳባትን ተባሂሎም ኣብ ዝቐርቡ ኣሰነይቲ ኣብነታት ከበድትን ዘይልሙዳትን ቃላት ምዝውታር ኣይምተጸልአን። ምኽንያቱ፡ ኣንባቢ ንኣንፉ’ውን ሓደስቲ ቃላት ንክድልብ ኣገዳሲ ጥበብ’ዩ። ኣብ ኣሰያይማ ኣርእስትታት፡ ኣምራት፡ መግለጺታት (Definitions and Terms) ከይተረፈ ከበድትን ዘይዝውትራትን ቃላት ክስስኑ ግን ንምርዳኦም ንካልኦት ክትሓትትን መዝገበ-ቃላት ብተደጋጋሚ ክትውከስን ንግዜ ዘባኽኑ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣህለኽትን ኣሰልከይትን ኮይኖም ንኣንባቢ የትዕቡ። ምናልባት፡ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ሕጽረት መዝገበ-ቃላት ትግርኛ (ትግርኛ-ብትግርኛ) ኣብ ግምት እንተእቲኻ ይኹን መዝገበ-ቃላትካ ካብ ኢድካ ርሒቑ እንተሎ ድማ ካብ ንባብካ ክትሰናኸል ወይ ክትባዀር ትኽእል። ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ዘመን’ዚ ነዋሕቲ ምሉኣት-ሓሳባት ምጥቃምን ምዝውታርን ተሪፉ’ዩ። ብዓቢኡ፡ ሰባት ብዘረባ ክረዳድኡ ከለዉ’ውን ብልሙድ ሓጸርቲ ምሉእ-ሓሳባትን ሓረጋትን እናተጠቕሙ’ዮም ንሓሳባቶም ዘውክኡ። ብቐንዱ፡ መለለዪ ዘመናዊ ቋንቋ’ውን ክርትም-ክርትም ዝበለ ምሉእ-ሓሳባት ምጥቃም’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብዛ መጽሓፍ ሰዋስው’ዚኣ፡ ዋላ’ኳ ብዝተማልአ ስርዓተ-ነጥቢ ተዓጂቦም እንተኾኑ፡ ብፍላይ ንኣምራት ይኹን ንክልሰ-ሓሳባዊ ትንታነታት ንምግላጽ ተዘውቲሮም ዘለዉ ምሉኣት-ሓሳባት ኣዚዮም ነዋሕቲ ኮይኖም ምህናጾም ንትሕዝቶ ሓሳባት ንምርዳእ ዘጸግሙ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ንኣቀራርባን ትሕዝቶን ቁም-ነገር’ውን መቐረት የስእንዎ። ብመሰረቱ፡ ካልእ ቅሉዕ ድኽመት’ዛ መጽሓፍ ግን እንድዒ ንምንታይ ዕላማ’ዩ ክንድ’ዚ ተደሊዩ’ኳ ርዱእ እንተዘይኮነ፡ ካብ ባዕዳዊ ቋንቋታት ግእዝን ኣምሓርኛን ከም ዘለዎ ዝተራዕመ ብሓያለ ቃላት ኣምሓርኛ ተጎቢኣ ትረኽባ። ዕላማ ሰዋስው ሓደ ቋንቋ ብመሰረቱ ንቅርጽን ኣሰራርዓን ሓደ ቋንቋ ንምውዳን፤ ኪኖ’ዚ ሓሊፉ ድማ ንእሩም ኣጠቓቕማ፡ ንጽፈትን ጽሬትን ቋንቋ ኪሕሉን ኪከላኸልን ደኣ’ምበር፡ ዋላ ምንጪ መበቆል ሴማዊ ቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ካብ ግእዝ ዝበቁል እንተኾነ፡ ሓደ ደራሲ ከም ቃሕ ዝበሎ ብወለንታኡ ቃላት ኣምሓርኛ ኣመንጊጉ ከኾልስ ዘምሕር ኣይኮነን። ምናልባት፡ ኣድለይቲ ቃላት ካብ ካልእ ቋንቋ ብልቓሕ ኪውረሱን ኪዳቐሉን እንተተመሪጾም’ውን፡ ብሓባራዊ ክትዕን ስምምዕን(Consensus) ሊቃውንቲ ቋንቋ ወይ ወካሊ ትካል ቋንቋ ኪኸውን ከሎ ዝያዳ ውሕስነት ይህብ።
ምንጪ ሰኪዔት ሓበሬታ ሻባይት
ይቕጽል
3ይ ክፋል ዝመጽእ ሓሙስ 3 ታሕሳስ 2015