ሕብረ ደምሃይ
ዘውግዓኻኒ ብቐዳማይ
ከይደገምካኒ ካልኣይ
ናበይ ናበይ
ሽዑ ኸ ‘በይ?
ከምቲ ሳሬት
ጭውይ ጭውይ
‘ኳ ንጨና
ዝውር ጥውይ
እንከይትብል
ህልም ስውር
ከምኡ ይግበር?
ሳሬትስ’ኳ
ኣቡኡ ዘፍለጠ
ጥርዘ ፍትወቱ
ምስ ተወጠጠ
ፍቅሪ ሞት’ዩ’ሉ
እንዳኣሉ ዝሞተ።
እንተ ናትካ
ግን
ማዕዶ ህሞት
ዘይ ዳርጋ ሞት:
ምስማዕስ’ኳ
እወ ሰሚዐ
መዓስ ዘንጊዐ
ብኣይ ምሳይ
‘ታይ ኣበሳይ
ዘስሓተኒ
ዘይ ቊንጅናይ።
መሕንቀቐይ
ሕብረ ደምሃይ
ተትመጸኒ እንኮ ናባይ
ኣይምደለኹን
ናብራ ምንባይ
እንተሊኻ ከም ቀዳማይ።
***
ኤልዳና ተስፋማርያም
2015