በየነ ሃይለ ዓቢዱዶ ትብልዎ?፣ ድኳን ትበርህ፣ ትጽቢት ባህጉ ዘርእስተን መጻሕፍቲ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ወግዒ ልቢ ዘርእስታ ናይ መድረኽ ድራማ ዝደረሰ ዓቢ ኤርትራዊ ስነ-ጥበበኛ እዩ። ብዘይካ’ዚ ሓያሎ ናይ ቅብኣ ስርሓት’ውን ኣለዎ። በየነ ሃይለ፡ ኣብ መንእሰያት ፍሉይ ግዳሰ’ውን ኣለዎ። ካብ’ዚ ብምቕጻል እምበኣር፡ ካብ ኣንበብቲ ጽሑፋቱ ዝኣከብናዮም ሕቶታት ክምልሰልና ዓዲምናዮ ኣለና። ዝርዝር ሕቶታት ምስ ሓተቱን መልሲ ደራሲ በየነ ሃይለን ቀጺሉ ይስዕብ።
ሕቶ፦ ሓደ ስራሕ ስነ-ጥበብ ንሕብረተ-ሰብ ኢልካ ዲኻ ተቕርቦ? መልስኻ “እወ” እንተ ኾይኑ፣ ስርሓትካ “ሰባት ኣይርድኡለይን እዮም፡” ትብል እንተዄንካ ደጊምካ ግን ከምኡ ትሰርሕ። ስለምንታይ? (ቢንያም ፍስሓጽዮን፥ ደሳለ በረኸት)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ብሓፈሻ፡ ስነ-ጽሑፋዊ ውጽኢት ድማ ብፍላይ (ንዛረበሉ ስለ ዘለና)፡ ጽማቝ ንእስነትና እዩ። እካበ ተመክሮታትናን እምነታትናን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ውጽኢት ርሑቕ ባህግታትናን ከምኡ’ውን ስእሊ ናይቶም ንምነዮም ንምርካብ ዘበራብሩ ውሽጣዊ ድፍኢታትናን እዩ። ስለ ዝኾነ፡ እቲ እኩብ ሓይሊ ቅዲ ዘውጽእ፣ ሜላ ዝፈጥር፣ ኣምርን ቋንቋን ዝኸውን፣ ምስጢር ህይወት’ውን ዘግህድ። ሰባት ኣይተረድኡለይን ኢለ ጉህየ ኣይፈልጥን። ዓለመይ ንምርኣይ ተዓዲምኩም ኣለኹም እንደኣለይ ዝብል። እምነተይ ስለ ዝኾነ ከይተሰከፍኩን ከይሓፈርኩን ብምሉእ ናጽነት ጽሒፈን ክጽሕፍን እየ። ንመንነተይን ኣንበብተይን ሓቀኛ ንምዃን እዩ ጻዕረይ።
ሕቶ፦ ኣንበብቲ ንቕዲ ኣጸሓሕፋኻ ከመይ ይርድእዎ ኢልካ ትግምግም? (ሰለሞን ጸሃየ)
ደራሲ በየን ሃይለ፦ እቶም ብዛዕባ ጽሑፈይ ዘዋግዑኒ ዘለዉ ከም ዝተፈተዎም እዮም ዝገልጹለይ። ቅዲ ኣጸሓሕፋይ ሓዲሽ መንገዲ ከም ዘመልክተሎም ዝነገሩኒ’ውን ሒደት ኣይኮኑን። ሓድሽ ቋንቋን ኣረኣእያን ሂብካና ዝበሉኒ’ውን ኣለዉ። ንቡር ስለ ዝኾነ፣ ቀጸላን ደረጃን ኣረዳድኣኦም ግና ክፈላለ ይኽእል ይኸውን፣ ኣይተረደኣናን ዝበሉ’ውን ኣይተሰኣኑን።
ሕቶ፦ ኣብ ሃገርና ናይ ካልኦት ደረስቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ወይ ቅዲ ከመይ ትግምግሞ? (ይስሓቕ ኣብርሃም)
ደራሲ በየን ሃይለ፦ ስርሐይ ኢለ ብዛዕባ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ የለን። ካብ ምግምጋም፡ ምስትምቓር እፍተወኒ። ቀንዲ ሓይለይ ኣብ ምፍጣር ከውዕሎ’የ ዝፍትን። ግዜ ረኺበ ንሓዋሩ ሒደት መጽናዕቲ እንተ ዝገብር ግና ባህ ምበለኒ።
ሕቶ፦ ትልሚ (ፕሎት) ዘይብሉ ድራማን መጻሕፍን ኢኻ ተቕርብ። ስለምንታይ? (ሰለሞን ድራር)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ርቅቕ ይብል ደኣ ከይከውን እምበር ዝከታተል፡ ዝቀዳደም፡ ዝመላለስን ዝተኣሳሰርን ናይ ዛንታ ኣገጣሚታትስ ኣይሰኣኖን ይኸውን። መጀመርታን መወዳእታን እውን ከይሃለዎ ኣይተርፍን። ኣብ ፈጠራዊ ጽሑፋተይ ዘለዉ ጠባያት፡ መንነቶም ንምርካብ ብሓሳባት፡ ብስምዒት፡ ብግብሪ፡ ብሕልሚ ወዘተ ሃሰውሰው ክብሉ እንከለዉ፡ ዛንትኦም ኣይነግሩን ኣይብልን። ግዛኣት ናጽነቶም ኣገዲድዎም ዝገብርዎ ውሳኔታት ስጉምቲ ህይወቶም፡ ካበይ ናበይ ከም ዘበለ የመልክት ይኸውን፡፡ ፕሎት፡ መንገዲ ዛንታ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብኡ ኣሰር እግሮም ዘይኮነስ መንፈስ ውሽጣዊ ህላውነቶም ከመሓላልፍ እንከሎ’ውን መንገዲ ዛንታኦም ይሕብር እዩ፡፡
ሕቶ፥ እትኽተሎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ፍኑው ዋሕዚ ሓሳባት ኣለዎ። ገሊኡ ድማ ሌጣ (ናብ ክውንነት ዝመስል) እዩ። ፍልስፍናኻ ካብ ሕብረተ-ሰብ ናብ ሕብረተ-ሰብ ድዩ ዋላስ ካባኻ ናብ ሕብረተ-ሰብ? (ተስፋኣለም ገብረሰላሴ-ጫረ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ኣጻሕፋይ ፍኑው ወይ ሌጣ እዩ ብምባል ትርጉም ይረክብ ኣይብልን። እቲ ክገልጾ ዝብህጎ ግና ክውሕዘለይ ምደለኹ። እቲ ክብሎ ዝደሊ ዘግህድ ምንጪ ብርቱዕ ውሑጅ እንተ ዝኸውን ምተዓወትኩ። ስነ-ጥበብ ክዉን ወይ ክውንነት ተባሂሉ ድዩ ክግለጽ? እንድዒ! ዘይከውን ስነ-ጥበብ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ኪበሃል ዘለዎ ገና ዘይበልኩዎ ድማ፡ ብድፍኢት ብርቱዕ ማእዝን ፈጠራዊ ዕድልን ዝዕተር ንኽገብሮ ጽሉል ጋሻ ውሑጅ ዝጽበ ዘለኹ ‘መስለኒ። ካባይ ናብ ሕብረተ-ሰብ ወይ ካብ ሕብረተ-ሰብ ናብ ሕብረተ-ሰብ ዝብለሉ መንቀል ሓሳብ የብለይን። ስነ-ጥበባዊ ውጽኢት ድሕር ኣልዩኒ ግና፡ ምስ ሰብ ከዋግዓሉ እምነ። እነሆ ዓለመይ ምሳይ ሕለሙ ካብ ምባል ሓሊፈ ኣይፈልጥን።
ሕቶ፦ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብፍልስፍና ክትምልሶም ትፍትን፣ እዚ ይከኣል ድዩ? (እዮብ ብእምነት)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ሕሉፋት ሊቃውንቲ ምውካስ ደኣ ከድሊ እዩ’ምበር፡ ስነ-ፖለቲካ ካብ መሰንገለ ፍልስፍና ዝተኸስተ ኣካል ከይኮነ ኣይተርፍን። ስነ-ፖለቲካ ድማ ካብ’ቲ ከሳቲኡ ዝኾነ ሕቑፎ ፍልስፍና ተፈልዩ ኪንጸል ይምነ እዩ ኣይብልን። ኣብ ስነ-ጽሑፋተይ ነቲ “ኣይጭበጥን” ዝበለኒ ጽባቐ ብልግሲ ስነ-ጥበብ እየ ብሕልመይን ብትምኒተይን ኪሓቑፎ ሃሰው ዝብል። እቲ ዘይመልኮ ንቡር ፍልስፍና ንዕለታዊ ጉዳይ ንኸውዕሎ ዝእዝዘኒ ኣይመልሰንን። ንጉዳያት ፖለቲካ ኸኣ ግዝያዊ ውስንነቶም ርእየ ክምልሶም ይጽዕርን። ኪንዮኦም ንምርኣይ ኢለ እየ ዝምህዝን ዝፈጠርን። ኣብ ስርሓት ስነ-ጥበባተይ ብዛዕባ ናብራ ወዲ-ሰብ እንተ ተገደስኩ ድማ፡ ንህይወት ዘብርህ ትርጉም ናብራን ምዃንን ንምርካብ ኢለ እየ ዝኸውን።
ሕቶ፦ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ሓይሊ ቃል ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ቀንዲ ቁውም-ነገሩ ኣብ መልእኽቲ እዩ። ጽሑፋትካ ግና ኣብ ሓይሊ ቃል ዝዛዘወ እዩ። ስለምንታይ? (ሽሞንዲ ዓንደማርያም)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ መን ከም ዝበሎ ኪብለካ ኣይደልን፣ ንሓደ ደራሲ፡ ቃላት ኪስከሙለይ ኢልካ ዝጸዓንካዮ መልእኽቲ ንኣንበብቲ ከይበጽሐ ተሪፉ፣ ስለምንታይ ቃላት ትጥቀም? ኣምራት መተሓላላፊ ዶ ስኢንካ ኢኻ? ስለምንታይ መልእኽትኻ ኣብ መገዲ ተሪፉ? እንድሕር ኣውጊዕኻዮ፡ እቲ ደራሲ ከኣ “እዚ ምበለ” እናበልና ንጸወታ ኪንግምት ንኽእል ኢና። እቲ ዝደንጸዎ ደራሲ፡ እቶም ቃላት መልእኽተይ ምጽዋር ስኢኖም ኣብቲ ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ስነ-ጥበበዊ ባሕሪ ድሕር ተዘርዮም፡ ግድን ንኣንበብቲ መልእኽቲ ዘይብሎም ቃላት ከጓንፍዎም ኢዮም። መልእኽቲ ወይ ኣምር ድማ ካብ ቃላት ሓሊፍካ ኣብ ምንታይ ደኣ ይጸዓን? ቃል እንድዩ እቲ መልእኽቲ፣ መልእኽቲ ድማ ቃል። ግዳስ ኣብ ጽባቐ ዝተሰወሩ መልእኽቲ ንምርካብ ዘብቅዕ ብልሓት መን ይሓብር? እናበለ ምሰሓቐ።
ሕቶ፦ ጽሑፋትካ ብናይ ግዜ መንጽር ንመዓስ ኢኻ እትጽሕፎም። (ሚኪኤል በርሀ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ንዘልኣለም! ሕጂ ክፋል ዘልኣለም ስለ ዝኾነ ድማ ንሕጂ!
ሕቶ፦ ቀለም ቀመሳትን መምህራንን ትጸልእ ኢኻ ስለምንታይ? (ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ንዓኻ ደኣ ዘይጸልኣካ? ንነብሰይ ኣይጸልእን። ግና ቀለም ቀመስ እየ፣ መምህር ከኣ እየ። ካብዚ እንፈልጦ ንላዕሊ ንፍለጥ፣ ካብዚ እነበረክቶ ንላዕሊ ነበርክት እዩ ዘረባይ። ንምሃዝ! ንፍጠር! ኣብ ጎደና ለውጢ ኣይንተዓነድ ንማለት እየ ጽዒረ። ሓድሽ ዘረባ እውን ኣይኮነን። መን እሞ ከምኡ ዘይበለ? ክንደይ ጸሓፍቲ ከምዚ ዘይበሉ!
ሕቶ፦ መን ኢኻ? (ዘርእሰናይ ተስፋይ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ሓውኻ! ከማኻ ኣብ ሓደ ዓለም ኮይነ ብስነ-ጥበብ ካልእ ዓለም ኣብ ምንዳይ ዝጎዓዝ ዘለኹ እየ። ናትካ ዓለም ረኺብካ ጉዕዞ ወዲአ ‘ድሕር ኢልካኒ ድማ፡ ስቅ ኢለ ዝቕጽል። መጋረዲ ጽባቐ ንኽገልህ ዝተረገምኩ ድየ ዝተመረቕኩ ኣይብልን። ነብስኻ ንምርካብ ካብ ዝግብር ዝጥዕም የለን። ንሓንሳብ ኣነ መገዲ’ቲ ዘልኣለማዊ ጉዕዞ ምሉእ’ኳ እንተ ዘይኮነ ገለ ሓቂ ዝሕብር ውጽኢት ስነ-ጥበብ እንተ ጎነፈኒ ድማ ሓቢርና ንኽንስሕቕ ኪደሃየካ እየ።
ሕቶ፦ ደራሲ፣ ኣማኻሪ፣ ቀባኢ ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ተወሃህዶ? (ኣዲብ ዓብዱ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ምውህሃድ ዘድልዮ ኣይኮነን፣ ፍልልይ የብሉን። ዝፈላልዮ ይኸውለልና ንበል። ስነ-ጥበበ ካብ ፍጥረት ብዙሕ እያ ትዕዘብ፣ ፍጥረት ድማ ካብ ስነ-ጥበብ ትወስዶ መሊኡ እዩ። ብዙሕ ናይ ስነ-ጥበበ ውጽኢት ኣብ ሓገዝ ስነ-ምሕደራ የውዕል እየ። ምሳይ ኮይኖም ዘውዕሉ ይቕልቀሉ ኣለዉ። ደሓር ዝምድናታቱ እናቀራረብኩ ፍቕሪ መሳቱን መሓዙትን ከሀብትም ክጽዕር እየ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምሕደራ ናይ ሓደ መዓልቲ፡ ውዕሎ መሳቱ ኪመርሕ ዝሓተተኒ ኣሎው’ሞ፡ ምሕደራ ብስነ-ጥበብ ከላሊ ይቕረብ ኣለኹ።
ሕቶ፦ ናይ ስነ-ጥበብ ፍልስፍናኻን ናይ ህይወት ኣረኣእያኻን ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመት ኣይተለወጠን፣ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ በየነ ሃይለ ወዲ ክንደይ ዓመት ኮይኑ እዩ ዝኸይድ ዘሎ? (ኣብርሃም ተስፋልኡል)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ገሊኦም ከይዓበዩ ዝኣርጉ ኣለዉ። ስነ-ጥበባዊ ፍርያቶም ከኣ ኣይስስንን። ገሊኦም ድማ ሓንሳብ ዝረኣይዎ ጽላላቶ ጽባቐ ንምዕታር ንግዜ ፍቓድ ከይበሉ ንልቦናኦም እናሐደሱ ይነብሩ። ብዝሒ ዕድመ መለክዒ ለባም ወይ ከኣ፡ ዋሕዲ ዕድመ መዐሽዊ ጥራይ ኣይመስለንን። ኩሉ እንተ ኣሕደረልካ እዩ። መሃዝን ፈጣርን ኣብ ኩሉ ክልል ዕድመ እዩ ዝርከብ። ምውሓድን ምብዛሕን ዕድመ ንርእሱ ዋጋ የብሉን። ኣይኮርዕ ኣይሓፍር ዕድመይ ሃብተይን ፍቕረይን እዩ።
ሕቶ፦ ኣብ መንጎ “ዓቢዱዶ ትብልዎ”ን “ድኳን ተብርህ”ን ዘሎ ግዜ ትጽሕፍ ዶ ነይርካ? (ግርማይ ሳንድያጎ)
ደራስ በየነ ሃይለ፦ ሒደት ግጥምታትን ሓጸርቲ ፈጠራዊ ዛንታታትን ነቲ ግዜ ዘመስክራ ኣለዋ። ግራት ግጥምታት’ኳ ይብርክታ። ዘይተዓያ ጅሙራት ተዋስኦታት ወይ ስክሪፕት፡ ዘይተደረፈ ደርፊታት ኣብ ገለ ተሸዂዐን ይኾና። ዘስከአ መሊኡ እዩ። ዘይተዛዘመ ጽሑፍ’ውን ክሳዕ ሕጂ ተጋዲሙ ኣሎ። ዝበዝሐ ሓይለይ ናብ ስእሊ’ኳ እንተበለ ስነ-ጽሑፋዊ ጉዕዞይ መሰንዪ ህይወተይ ካብ ምዃን ኣይተፈለየንን። ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጠይ ኮይኑ ብኣተሓሳስባይ ኪፈጥርን ኪዝርግሕን ኪገላበጥን ነይሩ። ናጽነት ምስ ረኸበ ኪቕልቀል ይጅምር ኣሎ። ነቲ ዝዓበየ ክፋሉ ደፊኡ ዘውጽእ ሓይሊ እመነ።
ሕቶ፦ መጻሕፍቲኻ ብመልክዕ ኢሰይ ኪትጽሕፎ ትሓስብዶ? (ካልድ ኣበራ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ን“ዓቢዱ ዶ ትብልዎ” An author in search of a character ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪበዮስ፡ the road less traveled ኣብ ዝብል መጽሓፍ ኣብ ኣመሪካ ተሓቲሙ ኣሎ። ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ መዋግዒ ዝኸውን ጽሑፍ ንሕትመት ንምብቃዕ ድማ እቀራረብ ኣለኹ። ናተይ እኹል ኪኸውን ስለ ዘይግባእ ግና ዘስክኡ ዝመስሉ ወስ ክብሉ እምነ።
ሕቶ፦ ንመንእሰይ ናይ’ዚ ወለዶ ከመይ ትገልጾ? (ቴድሮስ ማርቆስ)
ደርሲ በየነ ሃይለ፦ እቲ ሕቶ ሰፊሕ እዩ። ኣብ ዓብይ መድረኽ ታሪኽ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ብዘይገጠሞ ተኽእሎታት ዝተኸበበ መሲሉ እረኣየኒ። ውላድ ናጽነት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝጸንሕዎ ክልል ዕድመ ጸኒሖም መንእሰያት ኢና ዝብሉ ከይበጽሑዎ የስግእ። ከሐንቅቕዎን ክምህርዎን እጽበዮም፣ “ብጹሓት ክንዳኻ ኢና” እናበሉ የግርምዎ ይኾኑ። ዘቕንእ ፍሉይ ወለዶ እዩ። ሃብታም ብድሆታት ዝበዝሕዎ ወለዶ እዩ። ኣፍቀርቱ ብዙሓት፡ ጸላእቱ ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ቅድም ንላዕሊ ረቂቕን ብሉጽን ፍልጠት ተጠቂሙ ኣምራት ህይወት ከለሊ ኣለዎ። ኣብ ወግዒ ልቢ ኪገልጾ ከም ዝፈተንኩ፡ ኣብ ሸዊት ዕድመይ ሽማግለ ፍላስፋ ኪኸውን ኣለኒ እንተበለ የምሕረሉ እዩ። ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ጸሓየይን ደው ኢሉ ዘታልለኒ ናይ ኮንቱነት ህርፋን የለን ዘብል ልቦና ዘለዎ መንእሰይ ሽማግለ ንኽኸውን እመነየሉ።
ሕቶ፦ “ድኳን ትበርህ” ንመንእሰያት ኢልካ ከም ዝጸሓፍካያ ገሊጽካ ነይርካ፣ እንታይ ማለትካ እዩ? (ዓብደልቃድር ኣሕመድ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ብሓፈሻ ጽዋእ ፍልጠተይ ገና ኣይመልአን ክብሎ ንዝኽእል እዩ መጽሓፈይ። ንሕሉፍ ኣበራቢራ ምስ ቀረባን ርሑቕን መጻእን ቃልሲ ተጋጥም ዛንታ ኪትኮነለይ እየ ብሂገ። እታ ዛንታ ብጽዑቕ ኣእላፋት ሕብሪ-ህይወት ሞቑሕ ግዝኣትን ጥልቁይ ሓሳባትን ከተባርዕ ኢለ እየ ኣዳልየያ። ካብ ሓሙኹሽቲ ሕልፈትና፡ ትስፉው ስልጣነ ኪንፈጥር ኢለ እየ ብዕቡድ ፍቕሪ ነቲ ዛንታ ነዲቐዮ። ኣንበብቱ ድማ ደቂ መጻኢ ግዜ ኪኾኑ ስለ ዘሎዎም፡ ንልቢ መንእሰይ እናሓሰብኩ እየ ጽሒፈዮ። “ስለምንታይ ንደቅና ወይ ንናኣሽቲ ኣሕዋትና ትጽሕፈሎም” ዝብለኒ ይገጥመኒ ኢለ ኣይሓሰብኩን። እቶም ኣባጽሕን ወለድን ምስ መንእሰያቶምን ደቆምን ከንብቡ ዝኽእሉ መሲሉኒ። እቶም ዕብይ ዝበሉ ነቲ ሓቂ ዝጸምኦ ሕቶ መንእሰያት ብምምላስ፡ ሓድሽ ስልጣነ ኣብ ምምሃዝን ምፍጣርን ምህናጽን ክሳተፉ ድማ ተመንየ እየ።
ሕቶ፦ መልእኽትኻ በየናይ ናይ ስነ-ጥበብ ኣካል ኢኻ ከተሕልፎ ትመርጽ? (ምስጉን ዘርኣይ/ወዲ ፈራዳይ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ሓደ መዓልቲ ምሳኻ ተማኺረ ንፊልም ዝኸውን ዛንታ ከቕርብ እምነ። መልእኽቲ ኣለኒ ንምባል’ኳ ኣይደፍርን እምበር፡ ዛንታታት ዓለመይስ ንግዚኡ ብዝወጠጠኒ ናይ መተሓላለፊ ወጥሪ ተሳሒበ እየ ዝሃንጽ።
ሕቶ፦ ኣብ መጻሕፍትኻን ተዋሶኦኻን እትጥቀመሉ ፍልስፍናዊ ሓሳባት ናይ ቀደም ፍላስፋታት ድዩ ናትካ? (ቴድሮስ ማርቆስ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ናይ ቀደም ይኹን ናተይ ፍልስፍና ይኽተል እየ ክብል ኣይክእልን። ስነ-ጥበብ፡ ናይ ፍልስፍናታት ግዙእ ክኸውን ኣይምነን። ናይ ገዛእ ርእሱ ህልውና ስለ ዝውንን ንፍልስፍናታት ዘበራብር ሓይሊ ኣለዎ እየ ዝብል።
ሕቶ፦ እዚ ዘሎካ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ንኽትክተል ጽልዋ ዘሕደሩልካ ጸሓፍቲ ወይ ሰባት ኣለዉዶ? (ግርማይ ሳንዲያጎ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ጽልዋ ዘሕደሩለይ ጸሓፍቲ ብዙሓት እዮም። ናይ ፈጠራዊ ጸሓፍቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ናይ ካልእ ሩባታትን ፈለጋትን ፍልጠት ጸሓፍቲ’ውን ቁጽርን ስፍርን የብሎምን። ንኹሎም ብጥምየትን ጽምእን ውሒጠ ኣኾምሲዐዮም እየ። ናይ ኩሎም ሃብቲ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣእተኹ ግና ኣይተገዛእኩዎምን። ቀልጢፈ ናጽነተይ ኣዊጀ። ናተይ ቅዲ ድማ ምሂዘ።
ሕቶ፦ ጸሓፋይ ኣራኻቢ ወይ ኮሚኒከተር እዩ። ብብሩህ መገዲዶ ኣይኮነን ከቕርቦ ዝግባእ፣ ወይስ ኣንበብቲ ተሸጊሮም ይረድእዎ ኢልካ ኢኻ? (እዮብ ብእምነት)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ስለምንታይ ንፈጠራዊ ጸሓፋይ ኣብ ጸቢብ ሓጹር ርእይቶ ንውስን? ጸሓፋይ ኣራኻቢ ጥራይ እዩ ኢሉ ሩፍ ዝብል ጸሓፋይ ይርከብዶ? መን ምስ መን እዩ ከራኽብ? እቲ ጸሓፋይ መዓስ ደኣሉ’ሞ ኪምህዝን ኪፈጥርን? ዘለዎ ጻዕቂ ወይ ሳሕዊ ሕብሪ ትርጉማት ገይሩ እኮ እዩ ዘይተራእየ ዘርእይ፡ ዘይተዓትረ ዘዕትር፣ መዓስ ደኣ እዩ’ሞ ብፍቕሪ ኪዓብድ? ብምሉእ ናጽነት ንምፍጣር ክዕንድር?
ሕቶ፦ ኣብ ጽሑፋትካን ዕላልካን መንእሰያት ምባል ተብዝሕ፣ ብዛዕባ መንእሰያት ዘሎካ ራእይ እንታይ እዩ? (ኣብርሃም ተስፋልኡል)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ንኻልእ ወለዶ ዘይተዋህበ ዕድል ዝረኸበ ስለ ዝኾነ ሃናጺ እዩ። ሓድሽ ዓለም ኪሃንጽ እዩ ዝረኣየኒ፣ ሓቅን ፍቕርን ጽባቐን ከንግስ እዩ ዝረኣየኒ። ኣብ ህይወት እንከሎኹ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ተኣኻኺቡ፡ ብፍልስፍና ዕምባባ እምንን ብብልሓት ቪድዮን ሓርሚዙ፡ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት ሃኒጹ ክረኣየኒ ስለ ዝትስፈው፡ ካብ ጥቕኡ ክርሕቕ ኣይደልን። ‘ሓወልቲ ሕርይቲ’ እንተ ተኻኢሉ ድማ ናይ ‘መዝገበ’ ቀሪጹ ንዓ ረኣይ እንተ በለስን እንታይ ይፍለጥ እብል።
ሕቶ፦ እትኽተሎ ወይ እትደፍኣሉ ፍልስፍና ድርሰት እንታይ እዩ? መሰረታዊ መልእኽቲኻ እንታይ እዩ? (ካልድ ኣበራ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ዝኽተሎ ወይ ዝደፍኣሉ ፍልስፍና ኣሎኒ ዘብሎ የብለይን። ፍቕሪ እዩ ዝመርሓኒ። መልእኽቲ ዘይኮነስ ፍቕረይን ባህገይን ንምግላጽ እየ ዝጽዕር። ናተይ እየ ዝኽተል። ንፍጠር፡ ንምሃዝ ካብ ዝደጋግሞ መልእኽተይ እዩ።
ሕቶ፦ ኣብ ሕጊ ኣጸሓሕፋ ቃላት ዘሎካ ኣረኣእያ እንታይ እዩ? (ጴጥሮስ መንግስ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ኣጸሓሕፋ ቃላት ተጸኒዖም ኣብ መዝገብ ክጥርነፉ ከም ዘለዎም እኣምን፣ ንጸሓፋይ ይኹን ንኣንባባይ ጽቡቕ እዩ። ብሕጊ ክዕነድ ግና ኣይደልን። እቶም ሕጊ ዘውጽኡ፡ ናጽነት ቅዲ ከይዓንዱ እሰግእ።
ሕቶ፦ ዘየንብብ ሰብ ከምዚ ናትካ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ክጽሕፍ ይኽእልዶ? (ተስፋኣለም ገብረስላሴ -ጫረ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ እንታይ ገዲስዎ ከማይ ከምዚ ናተይ ዝብል? “ሓደ መዝገበ ሰዊእና ዘይኣኽለና” ዝብል ሓሳብ ገሊጹ ተስፋይ ኣኮኡ ንመዝገበ ኣብ ‘ዓቢዱዶ ትብልዎ’። ካባይ ዝለዓለ ክጽሕፋ ዝኽእላ፣ ክደርሱ ዝኽእሉ ክርእይ እምነ። ክህልዋ ድማ እየን፡ ክህልዉ ድማ እዮም፡ ሓቀኛ ንስነቶም ፍሒሮም ምስ ረኸቡ፣ ራእየን ከይፈራሓ ምስ ሰሓባ። ምንባብ ይጠቅም እዩ፡ ብዙሕ ዘየንብብ ኣይጽሕፍን ግን ኣይብልን። ክንደይ ዘየንብብ ዕድመ ንመጽሓፍ ንኢንተርነት፣ ጻውዒት ድርሰት ግና ንባብ ጥራሕ ኣይኮነን። ትሕተ-ልዕለ-ኣድማስ ስለ ዘሎ፡ ፍሉይ መስምዒ ዝውንኑ ሊቃውንቲ የድልዩ። መንእሰያት ማሰ፡ ኣውሎ፡ ወየ፡ ምባል እንተ ዝጅምሩ ብመጽሓፍ ክብሃል ዘይከኣል ምብሉ። ካብ’ዚ ራፕ፡ ሂፕ ሆፕ፡ ምብላጽዶ ዘይከኣል ኮይኑ።
ሕቶ፦ ትጽቢት ባህጉ መቐጸልታ ድኳን ትበርህ ድያ፡ እንታይ ፍልልይ ኣለወን? (ተስፋኣለም ገብረስላሴ – ጫረ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ኩሉ ግዜ ከም ንበሃሃሎ እንተ ኾይኑስ፡ ሓደ መዓልቲ ኮፍ ኢልና ምዝራብ ከድልየና እዩ ዝኸውን። ክልተአን መጻሕፍቲ ናይ ሕብሪ ትርጉም ጻዕቅን ስሕወትን ይፈላልየን እየን። ርሕቀት ግዜ‘ውን ኣብ መንጎአን ኣይሰኣንን። ዘመናት ግርህነትን ጉርሕን ይውጡጥወን ይኾኑ፣ ካሜራ ሃብተ እናረኣየ ካብ ዘስሕቕ መድረክ፣ መሓመድ እድሪስ ካብ ጎዱፍ ሓቂ ክኣርይ ናብ ዝቐረበ መድረኽ ምኻድ፡ መቐጸልታ ጉዕዞዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ምምላሽ ከድሊ እዩ።
ሕቶ፦ ጽሑፍካ ምስ ጀመርካዮ ስቕ ኢልካ ዲኻ ትውድኦ ወይስ ተመሊስካ ሪቫይዝ ትገብሮ ኢኻ? ጻዕቅን ምድግጋምን ሓሳባት ኣሎ። (ተስፋኣለም ገብረስላሴ/ጫረ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ እቲ ጽሑፍ ኣብ ጻዕቅን ኣብ ስሕወትን፡ ኣብ ምድግጋምን ብዝርከብ ሕብረ ሓሳባት እዩ ተቐቢኡ። ጻዕቂ ኮነ ስሕወት ነደቕቲ እዮም፣ ምድግጋም ከኣ (ከምዚ ኣብ ሙዚቃ ሮንዳ) መድገም ዝኽሪታት ዛንታ እዩ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ጸወታ ድማ ቅዲ እዩ። ተመሊሰ እንተ ኣንበብኩዎ ድማ ሕቑፎ ሕብረቱ ንምህብታም ኢለ እየ።
ሕቶ፦ ሓደ ሰብ ንፉዕ ጸሓፋይ ኪኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ? (ኣዲብ ዓብዱ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ እቲ ሕቶ እምብዛ ገፊሑ። ሓደን ቅቡልን ምላሽ ዘሎ ኣይመስለንን። ብወገነይ ነዚ ሕቶ ንምምላሽ ዝሕግዝ ጽሑፍ ኣብ ምቕራብ እርከብ። መዓስ እውድኦ ግን ኣይፈልጥን። ንስኻ ግና ጸሓፍን ኣንብብን። ዓናዲ ሓሳባት ከይገጥሙኻ ድማ፡ ብማህዛዊ ናይ ፈጠራዊ ክእለትካ ተኣማመን።
ሕቶ፦ ፍቕርን ሓቅን እደልየን ኣለኹ ኢኻ ትብል። ፍቕርን ሓቅን ብናትካ ኣረኣእያ እንታይ እየን? (ነጃት ኣደም)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ፍቕርን ሓቅን ካብ ናትኪ መረዳእታ ብዝተፈልየ ዓይኒ ዝርእየን ኣይመስለንን። ንኹልና ሓደ እየን ዝኾና። ብሕልፊ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ደሚቐን ክቐርባ ኣለወን ስለ ዝብል ግና ይደጋግመን እየ። ስነ-ጥበብ ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ ንሓቂ ድሕር ወሊዑ፡ ጽባቐ ይፈጥር ዝብል ትጽቢት ኣሎኒ። ንኣብነት ምቕዳሕ ዘይኮነስ ምፍጣር፣ ምንባር ዘይኮነስ ምዃን፣ ምምሳል ዘይኮነስ ምምሃዝ፣ ምኽታል ዘይኮነስ ምምራሕ ወዘተ ክብል እንከለኹ ምስ ሓቅን ፍቕርን ጽባቐን እንተ ተዛመደ ጽቡቕ እናመሰለኒ እዩ።
ሕቶ፦ ስርሓትካ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይትትርጉሞ? (ጴጥሮስ መንግስ)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ትምኒት ኩልና እዩ። ኣገባብራ እዩ ጸጊሙ። ባዕልኻ ተርጉሞ ዝብሉኒ ብዙሓት እዮም። እቲ መጽሓፍ ብጻዕቅን ስሕወትን ሕብረ-ትርጉም ዝደመቐን ዝሃሰሰን ቅብኣ ህይወት ብምዃኑ፡ ናይ ክልተ ቋንቋ ምልከት ከድልዮ እዩ። ኤውሮጳ ዘለዉ ናብ ቃንቋታት ኤውሮጳ፣ ኣብ ካልእ ዘለዉ ድማ ከምኡ ክገብሩ እዮም ዝብል ትጽቢት የብለይን ኣይብልን። ግን መዓስ ኮን ቋንቋ ይመልኩ ይኾኑ መዓስከ ንስነ-ጥበብ ምፍቃር ይመሃሩ?
ሕቶ፦ ብዓይኒ ስነ-ጥበብ ንመንእሰያት ኪትጥምቶም ከለኻ እንታይ ኮይኖም ይስምዑኻ? (ግርማይ ኣብርሃም)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ኣብ ወግዒ ልቢ ናብ ውሽጥና ኪንስደድ ኢና ትብሉ ኢኹም፡ ምስ ኣተኹም ናብ ውሻጠ ንእስነትኩም፣ ምስ ገንጸልኩም ሃብቲ ተኽእሎኹም፣ ከምዚ ክመስሉ እዮም ምስ ጠለቑ ኣብ ውሽጦም፣ ከምቲ ክመስላ እየን ምስ ተመልሳ ናብ ንስነተን እናበሉ ብዝደለይዎ ክፍሊ ስነ-ጥበብ ዝገልጹ ፈጠራዊ ምሃዝቲ ክርእይ እጽበ። ‘ክኸውን’ዩ ከመይ ዘይከውን” እናበልኩ ድማ ምስታ ጽብቕቲ ደራፊት እደርፍ።
ሕቶ፦ ብድራማ “ወግዒ ልቢ” ንመንእሰያት እንታይ ኢኻ ኪትብለና ደሊኻ? (ኤርሶም ሃብተማርያም)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ብዙሕ እያ ትብሎም ንመንእሰያት። ሓደ ካብኡ፡ ኣብቲ ጎደና ሓርነት ብገዛእ ዓድና ኢልኩም ሸናዕ እናበልኩም ኪትዛወሩ እንከለኹም፣ ንሓንሳብስ ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ኣዋግዑ። ብዛዕባ ዘይነበረ ክነብር ዘለዎ ሓድሽ ስነ-ጥበብ፡ ብዛዕባ ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ምዃን ብሓጎስ ኣዋግዑ።
ሕቶ፦ እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ እንታይ ኪኸውን ኢኻ ትደልዮ? (መስፍን ገብረሂወት)
ደራሲ በየነ ሃይለ፦ ኣብ ኣሳእለይ ይኹን ኣብ ስነ-ጽሑፈይ ከምኡ ድማ ኣብ ዘተ ምሕደራይ፡ ብዛዕባ ገና ዝህነጽ (ህንጸት ምስ ምሉእ ትርጉሙ) መጻኢ እየ ዝገልጽ። መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት ብህይወት እንከለና ኣርእዩና እብል። ኣብ ዘለኹሞ ሃሊኹም ዘለኩም ሓቢርኩም ህነጽዎ። መምርሒ ህይወት ዕምባብ እምኒ ኪሕግዘኩም እምነ። ብልሓት ቪድዮ እንታይ ከይበልኩም ብፍልጠትን ብልሓትን ክእለትን ምምሃዝን ምፍጣርን ምሕርማዝን ድማ ኣይትጽልኡ።
ኣብ መጽሔት መንእሰይ (ኣስመራ) ተሓቲሙ ዝነበረ፣
ከም ዘሎዎ ካብ ኣብ እስራኤል እትሕተም ጋዜጣ ማእዝን ዝተወስደ