ሽንፋእ እንጣጢዕ እንተዕለለ፡
እናመሰሎ ዝዋሕለለ፡
ሓፍ ከይበለ ሃፍ ዝበለ፡
ኣብ ዓድና እንተ በርከተ፡
እሞ ኸኣ እንተ ሞጎተ፡
ስቕዶ ንበል እናዓፈረ፡
ወይስ . . . ንንገሮ ኸይሳዕረረ፡
“ወይስ . . . ንንገሮ ኸይሳዕረረ፡
ኣልቦ . . . መዓት . . . ዘይነልዕሎ፡
ሰኣን ኩዕት . . . ሕፍስ ኩምር
ሰኣን በንዚን ፍሕር ፍሕር፡
ሃገር ከላ ወርቀዘቦ፡
ተወዳእና’ባ ብዓጸቦ!
እምበርከ’ታ’ቲ ዓሳና፡
እንታይ’ሞ ምስ መን ኴንና . . .”
እናበለ ዝሓናኽር፡
ዚመጻደቕ ዚመዳደር፡
ኣይበዝሐንዶ ለማቕነ᎒
በዝን ከምዝን ክንዳነ።
ዕደታ ኣውዲቓ ኸይቀልዐት ጉልባባ፡
እናፈለጥካዮ ንጹፋ ሕሉባ፡
ክንዲ እተሕውየላ ሓማማ ገጸባ፡
ኣዛርኣ ጣፍዶ ጌርካዮ ዘረ!
ሕሰምና ኺወስዶ ውሕጅ መረብ፡
ቅድም ምስ ነብስና ንመሓሳሰብ፡
ካብኡ እጅገና’ሞ ይሰብሰብ፡
ደሓር ኣየኽፋልናን እንተበልና ዓገብ!
እምበር . . .
ዝጾመን ዘይጾመን ሰቲ ‘ንተኣሰረ
ማይ ናብ ወይኒ ይቀየር ኢሉ ‘ንተነደረ፡
ይጽናሕ ናይ ገሊላስ ናትና ደኣ’ወረ፡
ክንደይ ተኣምር ኣሎ ዘይተነግረ።
በየነ ሃይለማርያም
1994