ተርጓሚን ደራሲን ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ቀሺ ወልደስላሴ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ወልደስላሴ ክፍሉን ኣደኦም ወይዘሮ ለተንስኤ ተስፋሚካኤልን ብ1942 ኣብ ዓዲ ባሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተወሊዶም።
ኣብ 1950 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲቦ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ሻውዓይ ክፍሊክመሃሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1957 ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ኣብ ቢዝነስ ኮሌጅ ትምህርቶም ቀጸሉ። ብምልእኣኽን ባዕሎም ብዘምበብዎመጻሕፍትን ተሓጊዞም ኣብ ስነልቦና፡ ቚጠባ፡ ምሕደራን ባህላዊ መድሃኒታትን ፍሉይ ክእለት፡ ጥበብን ርድኢትን ዝደለቡ ዓቢ ዜጋ እዮም።
ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ቐሺ ወልደስላሴ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጽፍሒ ምሕደራ ድሕሪ ምስርሖም፡ ብውልቆም ፥ ሱፐር ማርኬት ናይ ሳእኒን ክዳውንትን ናይ ጽዕነት መካይንን ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ንግዳዊ ንጥፈታ ዘካይድ ትካላት ይውንኑ ኔይሮም።
ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ዱባይ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ቻይና ሆንክ ኮንግ፡ ሲንጋፑር፡ ጃፓንን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኤስያን ንግዳዊ ምትእስሳር ክትገብር ካብ ዘኽኣልዋ ሓደ እዮም።
ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ኣብ ምትርጓም መጻሕፍቲ ስነ-ልቦና ኣብ ኢትዮጵያ ፈላሚ ተራ ዝነበሮም እውን እዮም።
ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ወልደስላሴ፡ ሓቀኛ፡ ዝተራእዮም ዝዛረቡ፡ ጻዕራም፡ ውፉይን ቅኑዕ ኣረኣእያን ዝነበሮም ኮይኖም፡ ወገንን ሃይማኖትን ከይፈለዩ ንዂሉ ብማዕረ ዝርእዩ፡ ሰናይ ግብሪ ዝውንኑ ዝመኽሩ፡ ዝምዕዱ፡ ዘጸናንዑ፡ ዝልግሱን ብዘለዎም ንዋት፡ ገንዘብ፡ ግዜን ሕልናን ወፍዮም ኣድማሳዊ ፍልጠቶም ብኹሉ ሰብ ክውነን ዝድርኹ ኣብነታዊ ኣቦ እዮም።
እዚ ባህሪ እዚ ክመጽእ ዝኸኣለ ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ኣብ’ታ ዝረኸብዋ ግዜን ቦታን ክቱር ምንባብ መጽሓፍ የዘውትሩ ስለዝነበሩ እዮም። ግዜ ከየጥፍኡ ምእንቲ መጻሕፍቶም ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፋል ገዛኦም ማለት በረንዳ፡ ኮረድዮ፡ ኣስካላኣስካላ፡ ሳሎን፡ መደቀሲ፡ ክሽነን ሽቓቕን ኣቐሚጦም ናይ ምንባብ ሸውሃቶም የርውዩ ነይሮም። መኪናኦም እንተኾነት እውን ተንቀሳቓሲት ቤት ንባብ እያ። ኣብ ድሕሪት ይኹን ኣብ ቅድሚት ብየማን ይኹን ብጸጋም መጽሓፍ ይጸንሓካ። ልዕሊ ኹሉ ደስ ዝብል ኣንቢቦም ንነብሶም ጥራይ ኣይኮኑን ዝጥቀምሉ። ናይ ምክፋል ባህሊ ኣለዎም። ግዜ ሂቦም፡ ገንዘብ ኣጥፊኦም ብተወፋይነትን ኮፍ ኣቢሎም ብተገዳስነት ዘንበብዎ የካፍሉ። ኣካፊሎም ከኣ ርእይቶ ናይ ምስማዕ ልምዲ ኣለዎም።
ስነጥበበኛ ኣቶ መለስ ኣብ ኣመዓባብላ ወለዶታት ስነ ቋንቛ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ገይሮም ንፍልጠቶም ይድርዕዎ ብምንባሮም ኣብ ኣገላልጽኦም፡ ኣተሓሳስብኦምን ኣመለኻኽትኦምን ኣእማንን ጸላውን እዮም።
ብተወሳኺ ኣቦ ይኹን ኣደ ዘይብሎም ከም ኣቦን ኣደን ኮይኖም የመርዕዉ፡ የጸናንዑ፡ ንሽጉራት የተባብዑ። ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ዝኣምኑ
ኣብ ደቀንስትዮ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ዝነበሮም እዮም። ኣብ ስነ-ኣእምሮ ደቀንስትዮ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ስለዝነበሮም ንብዙሓት ደቀንስትዮ ስነ ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ገይሮም ይሕግዝወን ነይሮም።
ቆልዑ ዝፈትዉ፡ ሰለማውን ትስፍዉን ኣእምሮ ነይርዎም። ጌጋታት ኣብ ዝርእይሉ እዋን ቅሳነት ስለዘይስምዖም ብግልጽን ብትብዓትን ምኽሪ ሂቦም ኣብ ምእራምን ምምሕያሽን ይዋስኡ።
ኣብ ምምዕባል ቋንቛ ትግርኛ ምሒር ግዳሰ ነበሮም። ቋንቛ ኢንግሊዘኛ ብዙሓት ቃላት ትግርኛ ከምዝወሰደ ብኣብነት የርእዩ ኔሮም።
“ቋንቛ ትግርኛ ናይ ኣገላልጻ ሓይሉ ዝበለጸ ምዃኑ ናኦም ቾሚስኪ ከምዝገልጾ የረድኡ። ኣብ ቻድ ሞሪታንያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ብዙሓት ቃላት ትግርኛ ከምዝርከብ ይገልጹ። ብሓጺሩ ስነጥበበኛ ኣቶ መለስ፡ ዝርግሐ ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ዓለምለኻዊ ብምዃኑ፡ መወከሲ ኣቦ እዮም ምባል ይቐልል።
ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ካብዚ ኩሉ ትምህርትን ተመክሮን ዘመንጨውዎ ክእለት፡ ተርጓሚን ደራሲን መጻሕፍቲ፡ የኣሸናፊነት ስነልቦና፡ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብእንግሊዝን ትግርኛን፡ ብጾታኺ ተሓበኒ፡ ድሓን ኩኒ ድኽነት፡ ናጽነትና የተሳካ ህይወት፡ ስነልቦና ዓወት፡ ጥዕናኻ ኣብ መኣድኻ፡ ሞደርን ቮካቡለሪ ቢልደርን ስነ-ኣደማምጻ እንግሊዘኛን ኣሕቲሞም ንኣንበብቲ ኣቅሪቦም እዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንማሕተም ተዳልየን ካብ ዘለዋ ዝበዝሐ ኣፍቃሪ መጽሓፍ ብህንጥዩነት ዝጽበየን ዘሎ ናይ ኤርትራ ባህሊ ምርኩስ ጌራ ዝተጻሕፈትን ምሕደራ ጃፓን( ጃፓኒዝ ማነጅሜንት)፡ መዝገበ ቃላት ብቀሊሉ ዘትሕዝ nursery dictionary , ስዋስው ቋንቛ ኢንግሊዘኛ ዘምህር nursery grammarን ስነ ኣደማምጻ ኢንግሊዘኛን እየን። ሓንቲ እውን 75% ወዲኦማ ዝነበሩ፡ The Way Forward for African Development እትብል ናይ ቁጠባ መጽሓፍ ናይ መወዳእታ ስርሖም ኔራ።
ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ልዑል ፍቅሪ ሃገር ዝነበሮም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ብዙሕ ዕድላት ክረኽቡ ዝኽእሉኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ዓዶም ኮይኖም ኣዝዩ ሃናጺ ኣበርክቶ ምእንቲ ክህቡ ካብ ዓዶም ናይ ምውጻእ ሃንቃ ዘይነበሮም ሃገራዊ ዜጋ እዮም ኔሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መንእሰያት ጸላዊ ዝኾነ ኣበርክቶ ገይሮም ብዙሓት ጸሓፍትን ደረስትን ኣብ ምፍራይ ርኡይ ስራሕ ሰሪሖም እዮም።
ንብዙሓት ትካላት እውን ኣብ ምሕደራ ምምራሕን ሜድያን ክኸውን ዝግባእ እዋናዊ ዛዕባታትን ሞያዊ ምኽርታትን እናሃቡ ከማዕብሉ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ግዱስ ዜጋ እዮም።
ስነጥበበኛ ኣቶ መለስ ቀሺ ወልደስላሴ ክፍሉ፡ ብ1973 ምስ ወይዘሮ ኣበባ ባህታ ተመርዕዮም ኣቦ ሓሙሽተ ውሉድ ማለት ክልተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ኰይኖም ብግቡእ ኮስኲሶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጸሑ ኣቦ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ስነጥበበኛ ኣቶ መለስ ቀሺ ወልደስላሴ ፍቕርን ሓልዮትን ብርክት ዝበሉ መጻሕፍትን ገዲፎም ብዕለት፡ 25 ሕዳር ዓርቢ መዓልቲ ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዓሪፎም ብዕለት 29 ሕዳር ሰሉስ መዓልቲ ኣብ መበቆል ዓዶም ዓዲ ባሪ መንደፈራ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ኣብቲ ደቆምን ቤዓልቲ ቤቶምን ካልኦት ኣዕሩኽቶምን ፈተውቶምን ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ስነጥበበኛታት ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንሞይኦም ዝምልከት ታሪኽ ሂወቶም ተነቢቡ። ነብሲ ይምሓር!!
* * *
..ወየ….ወየ. …ወየ !
ከመዓልኩም ኣቦዋይ ወለላይ
ከኣ’ዶ ነቒልኩም፡ መለሰይ ኩሕላይ
ብዘይስንብታ’ዶ፡ ተኻዊኑ ምፍላይ
ኣንቱም ወዲ ወልደስላሰ፡ክብለኩም ብላዕላይ
ወዲ ክፍሉ ፡ ክብለኩም ብላዕላይ
ወዲ ቦኽራይ’ከ ዘይብለኩም ብላዕላይ
ወዲ ተስፋጽዮን ኢኹም፡ ክብለኩም ብላዕላይ
ኣንቱም ወዲ ዓዲ ባሪ፡ ዓደ-ኣንበላይ
ወዲ መንደፈራ ኢኹም ፡ዓዲ ተመቅላላይ
ዕባይ ሳንጆርጆ’ምበር ኢኹም ቀለም ተማቓላይ
ኩሉ ዓጓጒኹም ከም ደባላይ
ዘይምሕር ወስታኹም ከም መንደላይ
ከኣ’ዶ ነቀጸ ፍልጠት ቀላይ!
ትኪ ዝኽዳንኩም ከም ሰንካላይ
ብዓይኑ ትፈልጥዎ ኔርኩም ንጠንቋላይ
ረኻብ ጻማ ኔርኩም ከም ሸቃላይ
ውዱዕ ዘይትስሕቱ ከም ስኣላይ
ሰለስተ ደቂ ሒዝኩም ጭልቅዕ ምስ ማእከላይ
ተዓጅብጁም ‘ዶ ነቂልኩም ከም ቃፍላይ!
….’ታይ ስምዑ’ዩ ኣንታ፡ እንታይ ምፍላዩ
መምህር መማህራን ኣኺሉኩም ድዩ?
ብዘይለበዋስ…..ኣይኣመልኩምን’ዩ
እንካብ ንጉስ ንስኩም ትዓብዩ
እንካብ ጀነራል፡ ንስኩም ትዓብዩ
እንካብ ምኒስተር፡ ንስኹም ትዓብዩ
ፍላስፋ’ምበር ኢኹም ንሂወት ተርእዩ
ብርሃን’ዶ ኣይነበርኩምን፡ ንጸላም ትኣልዩ
ዓይኒ ዶ ኣይነበርኩምን፡ ንዎዮም ዘይርእዩ
እግሪ’ዶ ኣይኮንኩሞምን፡ንዎይም ዘይጎዩ
ደበስ’ዶ ኣይነበርኩምን፡ ንዎዮም ዘእወዩ
ጽንዓት’ዶ ኣይነበልኩምን፡ናይቶም ዝጓሃዩ
ግር ንዝበሎም መገዲ ተርእዩ
የማን ‘ዶ ኣይነበርኩምን፡ ናይቶም ዝጋገዩ
“ኣሜን”‘ዶ ኣይነበርኩምን፡ ናይቶም ዝጽልዩ
ዎዮ ሞት ድዩ ፡ንስኹም ቀይሩ ጠባዩ?
ሓቅን ሓሶትን ኔርኩም ተለልዩ
“ዓገብ” ዝልማድኩም፡ ንዝሓምዩ!
ሓቂቅ’ዶ ክብለኩም ጽሩይ ብጽሩዩ
ንርእሶም ጸርዮም ፡ ሰብ ዘጽረዩ
ፍጥር እንክብሉ፡ ኣእምሮ ዝጥረዩ
ልዕሊ 10 መጻሕፍቲ፡ ሓቲሞም ዘፍረዩ
አረ ዘይታሓትመ’ሎ፡ ኣብሳጹን ታዓጽዩ
ኣቦይ መለሰን ሓንሳብ እንዶ ኣድህዩ
“ኣይትውጽኡ”‘ዶ ኣይበልኩምናን “ተጸበዩ”
ንምንታይ ደኣ፡ ደቅኹም ሒዝኩም ሎሚ ትእለዩ?
“ከይንጽሙ” ዝበልኩሞስ ፡ እንሀ ጸምዩ
ዎዮ ኣእምሮናስ ፡ ምኽርኩም ጠምዩ
ንቁጽ ኣዒንትና ከኣ፡ ንብዓት ኣብዩ
ጓሂ ሕሱም’ዩ፡ ልሳን ተኾርምዩ
ምቅብሕባሕና፡ እንቋዕ ኣይትርእዩ
ኣንቱም ዘተንፍስ’ምበር ዝነብር’ዶ ኣልዩ?
ኣምላኽ ደኣ ይቀበለና፡ ክልተ ማዕጾ ኣርሕዩ!
…አረ ‘ዚ ሰማይ እንታይ’ዩ’ዚ ነግዱ?
እዚ ምድሪ’ዚ እንታይ’ዩ፡ ‘ዚ ሓመዱ?
እዚ ቀላይ’ዚ እንታይ’ዩ’ዚ ባዱ?
እዚ ምህርቲ’ዚ ኣበይ’ዩ እቲ ዓውዱ?
እዚ ጉዕዞ’ዚ ናበይ’ዩ’ዚ መገዱ?
እዚ ረፍዲ’ዚ ከመይ’ዩ’ዚ ረፍዱ?
ኣርባዕተ ኮዋኹብትስ፡ ብእንኮ ክኸዱ!?
ኣንታ.. ሓድሽ ኣባጅጎ’ዶ ተወሊዱ?
እቶም ናይ ቀደምሲ ፡ ከምዚ ነይፈርዱ!
ባዕሉ ደኣ ይቀበልኩም፡ ኣብ የማናይ ኢዱ!!!
ግርማይ ኣስፋሃ/ዓንቂ/
29 ሕዳር 2016 ዙሪኽ።