ብካልድ ኣበራ
* ኣብ 2001 ኣብ ኣስመራ ኣብ ቁርሲ ቐዳም ኣብ ጠዓሞት ዝተሃዋበ ኣስተምህሮ
ኩቡር ኣንባቢ እዚ ጽሑፍ ንገለ ሰባት ከም መወከሲ ክጠቅምን ንዓይ’ውን ከም መዘኻኸሪ የገድንሰንን’ዩ ብምባል ኣብ መዝገበይ ብምጽሓፍ ን13 ዓመታት ኮፍ ኣቢለዮ’የ ጸኒሐ። ሎሚ ግን ገለ ግዱሳት ብዛዕባ ሓጺር ዛንታ ዝሓቱ ስለዘይሰኣኑ ከም መበገሲ ክቅም ይኽእል’ዩ ብምባል ናባኻ የብሎ ኣለኹ። ኣብዚ ጽሑፍ ዘለካ ሕቶን ርእይቶን ሽሕ’ኳ ኣዳልዊ እዚ ጽሑፍ ካልድ ኣበራ እንተዘይመለሶ ነቶም ኪኢላታት ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ከም መዛተዩ ከጥቅምን ካብኦም’ውን ገለ መልሲ ክርከብ ስለዝኽእልን ዝተራእየካ ካብ ምሕታት ዘይምቑጣብ።
* * *
ስነ-ጽሑፍ ኣዚዩ ሰፊሕ ዓውዲ’ዩ። ዝተፈላለዩ ምድባት(category) ከም ስነ-ግጥሚ፡ድራማ፡ቴማ ልበወለድ፡ ታሪኽ ወይ ታሪኽ ህይወት(Bio+Autobio) ወዘተ ኣለውዎ። ንሎሚ ኣብ ሓጺር ዛንታ (short story) ከነተኩር ስለዝኾና ኣብቲ ካልእ ዓውድታት ከየጋፋሕና ኣብኡ ክንዛረብ ኢና። ብፍላይ እቲ imaginative leterature ዝብል ምድብ ብፈጠራዊኣዊ ስነ-ጽሑፍ ዝፍለጥ ንድራማ፡ስነ-ግጥምን ልበወለድን ዘጠቓለለ’ዩ። ስነ-ጽሕፉ ካብቲ ካልእ ጽሑፍ ዝፈልዮ ጸሓፊ ናቱ ውልቃዊ ራእይ ወይ ሓሳባት ንምትሕልላፍ ስለዝጥቀመሉ’ዩ። ዋላ’ውን እቲ ደራሲ ሓቀኛ ታሪኻዊ ነገራት እንተ ተጠቀመ ዕላም ኡ ተራ ሓቤርታ ንምትሕልላፍ ዘይኮነ ኣብ እዋናዊ ዜና ዝሓልፍ ፍሉይ መረዳእታ ራእይ ንምትሕልላፍ’ዩ ዝሰርሕ። ከም ኣበሃህላ ገጣማይ እዝራ ፓውንድ “ስነ-ጽሑፍ ዘይሃስስ ቀጻሊ ዝኾነ ዜና’ዩ”
እቲ ንሕና ንግደሰሉ ዘለና ሓጺር ዛንታ ኣካል ልበወለድ’ዩ። ሓጺር ዛንታ ሕጽር ዝበለ ክሳብ 10,000 ቃላት ማእክለይ ካብ 10,000 – 20,000 ቃላት ኖቨል ከኣ እቲ ንውሕ ዝበለ ካብ 20,000 ቃላት ንላዕሊ’ዩ። እዚ መዓቀኒ ካብቲ ብ1987 ብመማይት ሽማግለ 3ይ ውድድር ስነ-ጽሑፍ ኣብ ሜዳ መወከሲ ዝተወስደ ኢዩ። ኣብ ካልእ መገለጺታት’ውን ከም መወከሲ ተጠቒመ ኣለኹ (ኣቐዲመ አመስግን) እዚ ደረጃ’ዚ ሕጊ ኣይኮነን ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ክንወስዶ ንኽእል። ንዘተና መታን ክጥዕም ንሓጺር ዛንታ ከም ልበወለዳዊ (ውጹእ ፈጠራ) መስርሕ ጌርና ክንሕዞን ክንዘራረበሉን ኢዩ። እዚ ግን ከም ርዱእ ብሓጺር ዛንታ መልክዕ ንዝቐርብ ተራኺ ጽሑፍ ወይ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰ ርዑም ዘጠቓለለ’ዩ።
ማለት ኣብ ቅርጺ ወይ ሳብስታንስ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን። ምስዚ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ብምዝማድ። ካልእ መልክዕ ስነ-ጽሑፍ ትሕዝቶን ቅርጽን’ዩ። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ወይ ቁምነገር ኮይኑ ከም ንጥረ-ነገር (ዓለባ ወይ መግቢ) ክንወስዶ ከለና ቅርጺ ከኣ እቲ ኣተሃናንጻ ማለት ኣሰፋፍያ ዓለባ ወይ ከኣ ኣከሻሽና ናይቲ መግቢ ጌርና ክንወስዶ ንኽእል።
- ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ
ጥንታዊ መበቆሉ ካብ ግብጺ 2000 ቅ.ል.ክ. ኢዩ። ከምኡውን ጽውጽዋያት ጊልያ ኤዞፕ ዳግማይ ትረኻ ብሮማውያን ወ.ዘ.ተ . . . . ከምኡ’ውን ናይ ህንዲ “ጋንቻታንትራ” 4ይ ክፍለዘመን ኣብ 1460 ናይ ቦካቾ ድርሰት “ዲካሜሮን” ኣብ ማእክላይ ደረጃ ዛንታ “ኖቬል” ኣለለዩ። ዳሕረዋይ እዋናት 19 ክ/ዘመን ነዚ ሕጂ ንርእዮ ወይ ንጥቀመሉ ዘለና ሓጺር ዛንታ ኣተኣታትዩ። ዝበዝሐ ጽልውኡ “ሮማንቲክነት” ዝኾነ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ ህቡባት ናይ ስነ-ጽሑፍ መጽሔት ተዘርጊሖም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ- ሄይንሪች ክላይስት ሆፍማን ኣብ ጀርመን ኤደጋር ኣላንፖን ናትኔል ሆውርተን ኣብ ሕ.መ. ኣሜሪካ ኒኮላይ ጎግል ኣብ ሩስያ ነበሩ።
ክውንነት (realism)፡ ኣብ 1830ታት ኣብ ፈረንሳ ሱር ሰዲዱ ባህርያውነት ኣስዒቡ። ካልእ ጽልዋታት ከም ምልክታውነት (symbolism) ዞባውነት ( regionalism) ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ተራእዮም። በብሃገሩ ሓያሎ ደረስቲ ከም ቼኮቭ ናይ ሩስያ ባልዚክ ፈረንሳ ክጥቀሱ ይኽእሉ።
20 ክፍለ ዘመን ካብ ዘፍረዮም ጸሓፍቲ ሓጺር ዛንታ፦ እዚ ኣብ ኣሜሪካ ብሰፊሑ ተዘውቲሩ ኔሩ። ስቲፈን ክራይን ኣንደርሰን፡ ማርክ ትወይን፡ ኦ ሄንሪ ካብቶም ዝጥቀሱ’ዮም። ተዓዋቲ ኖቨል ኤርነስት ሄሚንግወይ ሓይሉ ኣብ ኖቨል ኔሩ ግን ጽቡቕ ሓጺር ዛንታ’ውን ኣቕሪቡ’ዩ። ኣየርላንድ ጀምስ ጀይስ ተዓዋቲ ኖቬል ደፋርን ፈተነ ኣውን ዝኾነ መሃዚ ኣቀራርባ ኣተኣታትዩ። ካል ኦት ሲን ኦ፡ ፎሊያን፡ ፍራንክ ኦ ክነር፡ ዊልያም ትረቨርን ካል ኦትን ክጥቀሲ ዝግብ ኦም ልዑል ኣበርክቶ ዘገበሩ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤውሮፓ፡ ኤስያ፡ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ወዘተ ኣዚዮም ብዙሓት’ዮም። ገለ ካብ ኣቶም ኣዚዮም ፉሉያት ፍራንዝ ካፍካ ኩን ቸኮዝላቫኪያ፡ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጸሓፊ ኢሳክ ሲንገር ብእብራይስጥ (ዮዲሽ) ጸሓፊ ባዕሉ ንጽሑፉ ናብ እንግሊሽ ይትርጉሞ ኔሩ።
3 ቅርጺ ወይ ኣተሃናንጻ
ኩሉ’ቲ ዝቐርብ መግለጺታት ንሓጺር ዛንታን ኖቨላትን ኖቨልን ብማዕረ ይምልከት’ዩ። እቲ ናይ ሰለስቲ ኡ ፍልልይ ናብ ዓቐን ሕቶ ጥራይ’ዩ። ኣብ ሓጺር ዛንታ ዝወሓደ ጠባያትን ንጽል መልእኽቲ ግርንጭትን ክህሉ ከሎ ኣብቶም ካል ኦት ዝበዝሑ ካብ ኩሉ ይህልው ማለት’ዩ። ን ኣብነት ናይ ቶልስቶይ ኖቭል “ኩናትን ሰላምን” ኣማኢት ጠባያት ሒዙ ይርከብ። ቅድሚ ኣብቲ ዝርዝር ምእታውና ዓይነታት ልበወለድ ንር አ።
1ይ ክውንነታዊ (realistic)፡ ንጭቡጥ ናይ ህይወት ኩነት ከቕርብ ዝፍትን’ዩ። ንኣብነት ኣደ ናይ ማክሲም ጎርኪ ብትግርኛ ድማ “ሓላው መቓብር” ናይ ሚኪኤል በርሀ።
- ታሪኻዊ(Historical)፡ ሕውስዋስ ታሪኽን ልበ ወለድን ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰ ንኣብነት መሳኹቲ ማይ ምነ ናይ ሚኪኤል ኣዶናይ ወፍሪ ስግረ ዶብ ናይ ሰለሙን በርሀ።
3ይ ታሪኽ ህይወታዊ(Biographical)፡ ናይ ሓደ ሰብ ታሪኽ ህይወት ብኻልኦት ብልበ-ወለድ መልክዕ ክጸሓፍ እንከሎ። ንኣብነት ወዲ ሓደራ ብኣለምሰገድ ተስፋይ
4ይ ርእሰ ታሪኽ ህይወታዊ (Auto Biograhical)፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ታሪኽ ባዕልኻ ክትጽሕፎ ህይወት ባዕልኻ ክትጽሕፎ ከለኻ ብልበ ወለድ መልክዕ ፈጠራዊ ኣስማትን ካልኦት ነገራት ክሕወስ ይከኣል ንኣብነት ሽጎም ብገነት ስዩም።
5ይ ጽውጽዋይ(fable) ብእንስሳ ተጠቒሙ ሞራላዊ ኣስተምህሮ ዝህብ ዓይነት ኣጸሓሕፋ’ዩ። ንኣብነት ናይ ኤዞፕ ጽንጽዋይ
6ይ ምሳሌኣዊ ዛንታ (parable) ፡ ሞራላዊ ብፍላይ ድማ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ንምሃብ ዝዕላምኡ ዛንታ ንኣብነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ኣቦን ሸውዓተ ደቁን (ደበስ ኢዮም)
7ይ ፋንታዝያ (fantasy) ፡ ብዛዕባ ብግብሪ ክረአ ዘይከኣል ፍጻሜታት እናዘንተወ ንህይወት ዝምልከት ገለ ዕቱብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝኽእል ዓይነት ዛንታ ንኣብነት “መገሻታት ጽንዒ ታሪኹ” ብኣግኣዚት ባህታ (ሜዳ)
8ይ ስነፍልጠታዊ ለበ-ወለድ (science fiction)፡ ንምህዞታትን ዝተፈላለዩ ፍልጠታዊ ኣምራት ናይ ህዋ፡ ናይ መጻኢ ናይ ግዜን ካልእ ፍሉይነታትን ብምምርኳስ ዝዳሎ ጽሑፋት ንኣብነት ብእንግሊዝ ኤች ወልስ ዝጸሓፎ ዘይርአ ሰብኣይ (The Invisible Man) . . . ወዘተ
9ይ ገበናዊ መርመራ (Detective) ብዛዕባ ገበናት ስርቂ ቅትለትን ወዘተን ኣፈታትሕኡን ዝምልከት ጽሑፋት ኢዩ:: ንኣብነት ኣጋታ ክሪስት እትጽሕፎም መጻሕፍቲ
10ይ ደፍርን ሓደጋዊ ፋጻሜታት ስለያ(suspense thriller) እዚ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞታት ስለያ ቅልስን ካልእን ብመሳጢ ኣገባብ ዘቕርብ’ዩ:: ንኣብነት ናይ ጀምስ ቦንድ መጻሕፍቲ ጆን ዘ ካር ወዘተ ካልኦት ዓይነታት መጻሕፍቲ’ውን ክህልው ይኽእሉ’ዮም።
ባእታታት ሓጺር ዛንታ
ትረኻ ( Narative) እዚ ብሓደ ስሩዕ ወይ ዝተወደበ ስነ መጎታዊ(logical) ኣገባብ ፍጻሜታት እናቕረብካ ዛንታ ምንጋር ማለት’ዩ። ገለ መበገሲ ሓቂ ካብ ታሪኽ ወይ ካብ ታሪኽ ህይወት ደራሲ ወይ ዘጋጠመ ፍጻሜ ክህልዎ ይኽእል ግን ብቐንዱ እቲ ተገባብሮን ኣዘረጋግሓን ናይቲ ትልሚ ምህዞ ናይቲ ደራሲ’ዩ። ብሓጺሩ ናይታ ንሱ ዝፈጠራ ዛንታ (ዓለም) “ፈጣሪ” ወይ ተቖጻጻሪ ንሱ’ዩ።
ሓጺር ዛንታ ካብ ብዙሕ መዳያትን ነገራትን እናወረሰ ስለዝማዕበለ ብንጹር ኣመጻጽእኡ ኣይፍለጥን’ዩ።
ትኽእሎታት ሓጺር ዛንታ ሰፊሕ’ዩ መስሓቕ ወይ መሕዘኒ (ትራጂክ) መልክዑ ልሙድ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዎ ወይ ፍሉይ መልክዕ ከም መልሰ ድሕረት (ፍላሽ ባክ) ብመልክዕ ደብዳቤ መዝገብ ዝኽሪ (ዲያሪ) ወይ ተራ ጽሑፍ ወይ ትረኻ ኣብ ውሽጢ ትረኻ ወዘተ ኣሎ።
ስለዚ ናብተን ቀንዲ ባእታታት (elements) ክንኣቱ
1 ትልሚ (plot)
2 ጠባይት (characters)
3 ምከና (setting)
4 ናይ ርእይቶ መስመር (point of view ወይ መንጽረ ዛንታ)
5 ቅዲ፡ ቃና፡ ቋንቋ ( style, tone, language)
6 ምልክትን ዛንታኣዊ ምስላን (symbolism and Allgory)
- ትልሚ (plot)
እዚ ፍጻሜታት ናይቲ ዛንታ ዝስርዕሉ ወይ ዝውደብሉ ኮይኑ ጠንቃዊ (casual) ምትእስሳርን ተገባብሮ (interaction) ኣብ መንጎ ጠባያትን ናይ ተግባራት ምምዕርራይ (ጎኒ ጎኒ ምኻድ) ዘለዎ’ዩ። ኣቀራርብኡ ንኣንበብቲ ይጸልዎም: ደራሲ ኣብዚ ምሉእ መሰል ወይ ናጽነት ሃልይዎ እቲ ዝሓሸ ውጽኢታዊ’ዩ ዝብሎ ኣገባብ ይመርጽ። ነቲ ፍጻሜ ብንጹር ወይ ከፊላዊ ንጹር፡ ብግዚያዊ ቅደም ተኸተል ወይ ብወዝቢ ዝመስል ዋላ ብሕልሚ፡ ብሓደ ተራኺ ወይ ሓያሎ ተረኽቲ . . . . . ወዘተ ተጠቒሙ መልእኽቱ ናብ ኣንበብቱ የመሓላልፍ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ከትርፍ ይጽዕር።
ኣብ ሓጺር ዛንታ እቲ ምርጫ ጽብብ ከሎ ኣብ ኖቭል ስፍሕ ይብል። ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ዝርአ ግርጭት (conflict) ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ጠባያት፡ ጠባይ ምስ ባህሪ፡ ወይ ሓደ ጠባይ ምስ ውሽጣዊ ኩነታቱ፡ ሞራላዊ ምርጫ ሕልና፡ ድኽመት፡ ኪኸውን ይኽእል:: ንኣብነት ሓንቲ ጓል ንሕምምቲ ኣዲኣ ኮፍ ኣቢላ ክትኣሊዶ ወይ ገዲፋታ ብምኻድ ሓዳራ፡ ስርሓ ወይ ትምህርታ ክትቅጽል ብዝብል ናይ ሕልና ምርጫ ትሳቐ። ኣብዚ እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ እታ ጓልን ኣዲኣን ዘይኮነ ምስቲ ውልዳዊ ሓላፍነት፡ ሕልንኣ ወይ ነብሳ’ዩ እቲ ግጭት ማለት’ዩ።
ደረጃታት ትልሚ
መጀመርያ እቲ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ምቅላዕ ወይ መብርሂ ምሃብ (exposition) ኢዩ። እዚ ዋላ ብውሑዳት ምሉእ ሓሳባት ኪቐርብ ይኽእል። ዝለዓለ ደረጃ ግጭት ቅልውላው (crisis) ኮይኑ ልዕሊኡ ጥርዚ (climax) ኢዩ። ኣብዚ እቲ ጉዳይ ብኣወንታ ወይ ብ ኣሉታ ክፍታሕ የድሊ። ናብ ፍታሕ (resolution) ከኣ የምርሓና። ውጽኢት ናይቲ ዛንታ ይሕብር፡ እንሓንሳእ ደራሲ ዘይተጸበናዮ (unexpected) መደምደምታ ክህበና ወይ ከኣ ነቲ ግጭት ምሉእ ፍታሕ ከይሓበረ ኣብ ጠልጠል ወይ ግድላዊ ፍታሕ ክገድፈና ይኽእል። መስርዕ ቅደም ተኸተል ቀጥታዊ ወይ ብመልሰ ድሕሪት(flash back) ወይ ብማእከል ምጅማር ወይ ቅድመ ሓበሬታ (fore shadowing) ምሃብል የጠቓልል።
2 ጠባይ (character)
ኣብ መንጎ ጠባያት ዝህሉ ርክብ ተገባብሮ(ወይ ምውሳእ) ንትልሚ ናይ ዛንታ የንቀሳቕስ። ጠባይ ፈጠራዊ ምስሊ ናይ ሰብ ኣብ ዛንታ’ዩ። መብዛሕት ኡ ግዜ ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ ክውንነታዊ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ግድን ግን ኣይኮነን።
ምህናጽ ወይ ምምዕባል ጠባያት (characters) ጸሓፍቲ ንኣንበበቶም ዓይነት ወይ ባህሪ ናይ ጠባያቶም ዘላልዩሉ ሜላ’ዩ። እዚ ብመንገዲ ተግባራት ጠባይ መልሰ ተግባር ንኩነታት ወይ ካልኦት ጠባያት፡ መልክዕ ኣዘራርባ ምንቅስቓስ፡ ወስታ፡ ወይ ስሞም ይገሃድ።
ጠባያት ከከም ኣድላይነቱ ምሉእነት ዘለዎም ወይ ለማጽ (flat) ይኾኑ። ኣብ ኖቭል ጠባያት ብሰፊሕ ክምዕብሉ ይኽእሉ። ሓጺር ዛንታ ነዚ ዕድል ኣየፍቅድን’ዩ። ካልእ ኣከፋፍላ ጠባያት ንጡፋት ወይ ልኡማት ተባሂሎም በቲ ዝጻወትዎ ተራ ይምደቡ። ጠባያት ቀንድን ካል ኣውን ከም ኡውን ተጻይ ማለት (protagonist-Antagonist) ይበሃሉ’ዮም። እዚኣቶም ብመሰረት ኣብቲ ትልሚ ናይቲ ግጭት ዘለዎም ዝምድና’ዩ ዝውሰን። ዛንታ ተኣማኒ ክኸውን መበገሲ ዕላማ (motivation) ናይ ጠባያት ነጺሩ ክሕበረና ኣለዎ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ቀጻሊ ዝፍጸምዎ ተግባር ወይ ስጉምቲ መታን ክርደኣና(ክወሓጠልና)
ምከና (setting)
እዚ እቲ ታሪኻዊ፡ ጂኦግራፊያዊ ኣካላዊ ኩነታትን’ቲ ዛንታ ዘነጽር’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ መዓስ፡ ኣበይ ማለት’ዩ። በዚ ከይተወሰነ ንባህላውን ኣከባቢያውን ኩነታት ናይቲ ዛንታ ብመንገዲ ድማ ነቲ ትልምን ንኩነታት ጠባያትን ንምብራህ ሓጋዚ’ዩ። ከምቲ ኣድላይነት ናይቲ ዛንታ (ትልሚ) ደራሲ ንኩነታት ቦታ ብዝርዝር ወይ ብጽብብ ዝበለ ክትንትኖ ይኽእል። ግን ንኣንባቢ እቲ መሰረታዊ ሓበሬታ ኣነጺሩ ክሕብሮ ናይ ግድን ዋላ ኣብቲ ፋንታዝያ ወይ ሳይንሳዊ ልበወለድ’ውን ገለ ንጹር መበገሲ ኪሰፍር ኣለዎ።
4 ናይ ርእይቶ መስመር (መንጽረ ዛንታ ወይ point of view)
እዚ ነቲ ዛንታ(ትረኻ) መን ይገብሮ’ሎ ንዝብል ዝምልስ’ዩ። ደራሲ ዕላም ኡ መልእኽቱ ብንጹር ንምትሕልላፍ ብጥንቃቐ ክመርጾ ኣለዎ። ገለ ካብ’ቶም ዝዝውተሩ
- 1ይ ኣካል ተራኺ
ኣነ ወይ ንሕና ዝብል’ዩ፡ እዚ ኣብ ክልተ ይምቀል።
ሀ. ቀንዲ ኣካል ተራኺ ለ. ንኡስ ተራ ዘለዎ ተራኺ
ብልጭኡ ጥልቕ ኢሉ ኣትዩ ብዘእምን ኣገባብ ከዘንቱ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ሓደ ስግንጢር(Irony) ዝበሃል ኣብ ሰልስተ ዝምቀል ኣሎ:: 1. ድምራማዊ 2. ኩነታዊ 3. ናይ ቃል ዘጠቓለለ ኣምር ኣሎ። ኣብ መንጎ’ቲ ኣዘንታዊ ዝብሎን ዝገብሮን ኣንባቢ ዝርድኦን ዝፈልጦን ንዘሎ ፍልልይ ዝሕበር’ዩ። ነቲ ዛንታ ተወሳኺ መቐረት ይህቦ:: ኣብ ሃገርና ብዙሕ ኣይተኣታተወን። ዘየተኣማምን ተራኺ ኣዘንታዊ(ኣነ ዝብል) ጽሉል ወይ ገበነኛ፡ ቆልዓ ወይ ካልእ እንተኾይኑ እቲ ዝህበና ዘሎ ሓበሬታ ዘይተኣማምን ምስ ዝኸውን’ዩ ደራሲ ፍሉይ መልእኽቲ ንምትሕልላ ፍ ዝጥቀመሉ ሜላ’ዩ።
2 ሳልሳይ ኣካል
እዚ ደራሲ ዘዘንትዎ ወይ ንሱ /ንሳ እናበልካ ዝዝንቶ’ዩ።
ሀ. ፈሊጠ ኩሉ ኣብ ሓንጎልን ኣብ ካልእ ቦታን ዘሎ ፈሊጡ ዘዘንቱ።
ለ. ዝተወሰነ 3ይ ኣካል ናይ ሓደ ቀንዲ ወይ ካልኣዊ ጠባይ ዛንታ ተኸታቲሉ ብግዳም ዝርአ ወይ ናይቲ ሰብ ጥራይ ኩነታት ዘዘንቱ’ዩ ካልእ ነገር ኣየዘንቱን።
ሐ. ውድዓዊ/ንጹል ካብ ሓንጎል ጠባያት ወጻኢ ኮይኑ ከም ካሜራ ንግዳማዊ ተግባራትን ዝርርብን ጥራይ ዘዘንቱ’ዩ።
ካብዚታት ደራሲ ዝሓሸን ዝያዳ የድምዕ’ዩ ዝብሎ ዓይነት ይመርጽ ብኡ ተቐይዱ ከይዘባረቐ ክቕጽል ኣለዎ። ሓደ ብኻል ኣይ ኣካል “ንስኻ” እናበለ ዘዘንቱ ኣሎ እዚ ግን ከቢድን ዘይልሙድን’ዩ።
5 ቅዲ፡ ቃና፡ ቋንቋ
( style, tone, language)
ንሓደ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሕ መቐረት ወይ ፍሉይነት ዝህብ እቲ ፍሉይ ቅዲ ናይቲ ደራሲ’ዩ። እዚ ንኣመራርጻን ኣሰራርዓን ቃላት፡ ንውሓት ምሉእ ሓሳባት ኣወሃሂዱ ወዘተ ዘጠቓልል’ዩ። ምስኡ ዝመሳሰል ቃና(መንፈስ) ኢዩ። እዚ ደራሲ ነቲ ኣርእስትን ንጠባያቱን ብኽመይ ይርእዮምን ይሕዞምን ዝሕብር’ዩ። ናይ ቀረባ ወይ ርሕቕ ዝበለ ንጹል ኣተሓሕዛ ብሕርቃን (ምስትምሳል) ወይ ብፍትወት ጥንቁቕ ወይ ቀጥታዊ ደገፍ ናይቲ ጠባይ ወይ ነቓፊ፡ ኣኽብሮት ወይ ምንእኣስ የመልክት። ከምኡ’ውን መንፈስ (mood) ናይ ደራሲ ነቲ ታሪኽ ከቕርብ ከሎ ዕቱብዶ ዋዛኣዊ፡ ሕጉስዶ ጉሁይ፡ ንኽምህር ወይ ንኸዘናግዕ፡ ንኽፈላሰፍ ወይ ንኽሕብር ይደሊ’ሎ ዝእምት’ዩ።
ኣብቲ ቋንቋ ዝብል ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ወይ ምዕራብ ደረጃታት ናይቲ ኣጸሓሕፋ ሰዋስው ማለት ወግዓዊዶ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ዘመልክት’ዩ: ንዓና ዘገድሰና ምልከት ቋንቋ ምህላው፡ ኣተሃናንጻ ቃላት ሰዋስው ማለት ግዜ ረባሕታ፡ ሓረግ ወዘተ ምሕላው’ዩ።
ካልኦት ኣብዚ ዝኣትው ኣምራት፡ ስእላዊ ቋንቋ ከም ምስላታት ዝኣመሰሉን ታሪኻውን መንፈሳውን መረዳእታን ዝጠቕሱ’ዮም። ንኣብነት ምስላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ፡ ከም ንኢዮብ ዝደበሰ ይደብስኩም ዝብል ታሪኻዊ ወይ ስነ-ጥበባዊ ተምሳል ሼክስፒር፡ ፔለ፡ ዓዋተ፡ ወዘተ ዝብሉ ቅጽል ክንጥቀም ከለና።
6 ምልክትን ምሳሌ ኣዊ ዛንታን (symbol and allgory)
ምልክት፡ ብሰብ ውዱዕ ተግባር ወይ ሓሳብ ፍሉይ ምልክት ክህብ ከሎ’ዩ፡ ንኣብነት ጸላም፡ ኣደ መሬት፡ ረሃጽ፡ ሰዓት “ኣቦይ ሞት” ወዘተ ብጉቡእ ክንጥቀመሎም ክንክእል ኣለና። ምሳሌኣዊ ዛንታ ከምቲ ዝተጠቕሰ ብእንስሳዊ ጠባይ ወይ መንፈሳዊ እንተኾይኑ እኹል ኣፍልጦ ከነጥረየሉ ይግባእ፡ ካብ ኣብ ሓጺር ዛንታ ዝያዳ ኣብ ኖቨል መገላበጢ ኣለና ማለት’ዩ።
- መልእኽቲ ቁምነገር (theme)
እዚ እቲ ቀንዲ ወይ ዓብላሊ ሓሳብ ወይ ራእይ ኮይኑ ደራሲ ብመንገዲ ድርሰቱ ዘመሓላልፎ’ዩ። መልእኽቲ ካብቲ ኣርእስቲ ወይ ዛዕባ ናይቲ ዛንታ ዝተፈልየ እዩ። ማሕበራዊ፡ ሃገራዊ፡ ወይ ሞራላዊ መልእኽቲ የመሓላልፍ። ገለ ዘመናውያን ነቐፍቲ መልእኽቲ ስነ-ጽሑፍ ብደራሲ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ብኣንበበቲ’ውን ይወሰን’ዩ ይብሉ። ብዝኾነ መሰረታዊ ነጥቢ ናይ’ቲ ጽሑፍ ኮይኑ መሃሪ ሓበሬታ ብመሳጢ ኣገባብ ንኸንመሓላልፍ ዘኽለና’ዩ። መልእኽቲ ንምልላይ ካብ ውሽጢ’ቲ ጽሑፍ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክንድህስሶ ወይ’ውን ብናትና (ናይ ኣንባቢ) ገምጋምን ትዕዝብትን ይብጻሕ።
ኣብ ሓጺር ዛንታ ሓደ መልእኽቲ ጥራይ ክመሓላለፍ ከሎ ኣብ ኖቭል ሓደ ቀንድን ካልኦት ብንኡስ ደረጃ ተደራረብቲ መልእኽትታትን ክሓቁፍ ይኽእል።
ነቲ ቁም ነገር ቀልጢፍና ንምልላይ ዝሕግዙና ሕቶታት
- ቀንዲ መልእኽትን ካልኣዊ መልእኽታትን ኣየኖት’ዮም᎒
- ኣርእስቲ ናይቲ ጽሑፍ ነቲ መልእኽቲ ይእምቶዶ᎒
- ገለ ካብቶም ምልክታት ናይቲ ዛንታ ምስቲ መልእኽቲ ይተኣሳሰርዶ᎒
- ቀንዲ ግጭት ናይቲ ዛንታ ነቲ መልእኽቲ ይሕብርዶ᎒ . . . ወዘተ
መደምደምታ
ሓጺር ዛንታ ምጽሓፍ ከም ኩሉ ካልእ ስነ-ጽሑፍ ናይ ደራሲ ፍሉይ ፈጠራን ምትዕጽጻፍን ዝሓትት’ዩ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓጺርን መባእታውን ሕጊ: እቶም ጀመርቲ ከም መእተዊ መላለዩ ነቲ ምኽርታት ከኣ ከም መዘኻኸሪ’ዩ።
1 Comment
😡