“ሓደ ስነ ጥበበኛ፡ “ከምዚ እዩ ዝፈቱ ህዝብና፡ ከምዚኣ ስርሓለይ!” ኢሉ ካብ ምሕሳብ ክሳብ ዘይተገላገለ። ዓይኒ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።” ተስፊት ኣብርሃም
ተስፊት ኣብርሃም የብሃል ኣብ 1984 ዓም ዓዲ ጸጓር ተወሊዱ ዓብዩ። ናይ መባእታ ትምህርቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መባእታ ዓዲ ባሕሮ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ሚድልስኩል ዓዲ ዃላ፡ ዝተረፈ 10ይን 11ይ ኣብ ቤት ትምህርቲ 2ይ ደረጃ [ሓፈሻዊ] ቀይሕ ባሕሪ ኣስመራ። ኣብ ማይ ነፍሒ ብመራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይኝንነትን ተመሪቑ። ኣብ ናይ ስነጥበብ ዓለም ብቕብኣ ዝጀመረ ተስፊት ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ኤክስፖ ካብ 2005 -ክሳብ 2008 ብተኸታታሊ ተሳቲፉ። ኣብ 2008 ዓም ድማ ሳልሳይ ተዓዋቲ ኮይኑ ። ኣብቲ ውድድር 1ይ ሚኪኤል ኪዳነ፡ 2ይ ሮቤል ሰሎሞን። ቅብኣ ብጥዕና ጉዳይ፡ እቲ ሕብሪ ስለ ዘይተሰማምዖ ብሕክምና ክገድፎ ተሓቢሩ። ድሕሪኡ ምስ ቅብኣ ተፈላልዮም። ኣይደንጎየን ከኣ ብቲ ዘዕበዮን ዝፈትዎን ግጥሚ ተመሊሱ። ናብ ኣፍቀርቲ ግጥሚ ሓንቲ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ዘበርከተ ገጣማይ ተስፊት ኣብርሃም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መራኸቢ ብዙሃንን ብዘቕርቦም ግጥምታትን ምስትምቓር ግጥምታት ይፍለጥ። ተስፊት ናይ ሎሚ ዕዱምና ኣብ “ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ” እዩ። ሰናይ ንባብ!
ዛራ ገጠምቲ
ግጥሚ ብኸመይ እዩ ክጸልወካ ክኢሉ? ብኸመይከ ኣቲኻዮ
ተስፊት፡
ብቐዳምነት፡ ከመስግነኩም! ንዅሉኹም ኣባላት እዚ ገዛን ከምኡ እውን ኣድሚናትን…! ናብታ ዝሓተትካኒ ሕቶ ክምለስ፡
መንብሮና ወይ እውን ባህልና፡ ኵሉ ብግጥሚ ዝቘመ’ዩ። ኣብቲ መጓሰ ግጥሚ ኣሎ። ኣብቲ ማሕረስ ግጥሚ ኣሎ። ኣብቲ ጻህያይ ግጥሚ ኣሎ። ኣብቲ ዓጺድ ግጥሚ ኣሎ። ኣብቲ መኽያዳ ግጥሚ ኣሎ። ኣነ ከኣ፡ ምስ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ከምኡ እውን ምስ ዘዕበየኒ ሕብረተሰበይ ኣብ ውሽጡ ኣለና። ነዳምጾ ግጥሚ’ዩ። ንሰምዖ ድማ ግጥሚ’ዩ። እዚ’ዩ ከኣ፡ እቲ ጽልዋ ዘሕደረለይ። እዚ ጽልዋ እዚ፡ ንግጥሚ ከም ዝፈትዎን ከም ዘፍቅሮን ገይሩኒ።
ይዝከረኒ፡ ንእሽቶይ እንከለኹ፡ ሰሚዐ ናይ ምድጋም ክእለት ነይሩኒ። ኣብ ገዛና ምሸት ምሸት ምስ ሓወ’ቦታተይ ኮፍ ኢልና ከነዕልል እንከለና ክስዕስዕ፡ ክደርፍ ይሕተት ነይረ። ይስዕስዕ፡ ይደርፍ ድማ ነይረ። ኣብ ገለብ ዝደርፍኦ ኣደታትና፡ ኣብ ወፈራ ዓጺድ ዝደርፍዎ ኣቦታትና ምስ ምንቅስቃሱ ከም ዘለዎ ይደግሞ ነይረ። ብፍላይ እቲ ናይ ዓጺድ ደርፊ ክነውሕ መዓት እዩ፡ ከይተጋገኹ ግን ይወጾ ነይረ። ንኣብነት ከም እኒ ‘ብእምባ ሽላ ወረደ፡ እምቢያለ-ሆ፡ ብርየ-ሆሆ (ኣብ ዓውዲ ዝድረፍ ወይ ዝኽረር) ካልኦትን ንገለ ገሊኦም ኣስማቶም ረሲዐዮ ኣለኹ፡ ጽቡቕ ገይረ ግን፡ ይደግሞም ነይረ።
ዛራ ገጠምቲ
እሞ ካብዘን ኣብነት ጠቒስካየን ዘለኻ፡ ሓንቲ እምብያለሆ ወይ እውን ብእምባ ሽላ ወረደ ክትደግመለይዶ ምኽኣልካ?
ተስፊት፡
ጸገም የብሉን። ንብምልኡ ክዝክሮ ግን ኣይትጸበ። እምበር ምስቲ ዜማኡን ምንቅስቃሱን ወላ ዓጺዱ ዘይክእል እዩ ክኣቱ ዝደሊ።
እምብያለ… እምብያለ-ሆ
“እምብያለ… እምብያለ-ሆ”
እምብያለ… ማዕጺደይ ጎዘሞ/… ንዅሉ ትጎሞ/… ጎበዝ ኣበይ ኣሎኻ/… ‘ዓጻዳይ’ዩ’ ይብሉኻ/… ኣርእየኒ ማዕጺድካ/… እንተ ሐጒስካኒ/… ሓኸለይ ክበካ/… ደቕድቐሉ ኣጆኻ/… ግራት ሓወ’ቦኻ/… ዓማማይ ብዓልካ።
እምብያለ… እምብያለ-ሆየ
“እብያለ… እምብያለ-ሆ”
እምብያለ… መዓጺደይ በሊቃ/… ትኣቱ ተረቕሪቃ፡/… በዓል ዒቃ-ሚቃ/… ትዕቆብ ኣብ መሰቋ/… ምሸት የራክበና/… እንተ ረኺብካ ዱቋ።
እምብያለ… እምብያለ-ሆ
“እምብያለ… እምብያለ-ሆ”
እብያለ… ከም ኣዋሓዛ ማይ/… ተገደም ተርኣኣይ/… የማናይ ጸጋማይ/… ተጎናነጽ ከማይ/… ወዲ ማይ ሰመሞ/… ማዕጺዱ ጎዘሞ/… ንኣዳም ገረሞ/… መልዒሱ [ኣ]ገደሞ።
እምብያለ… እምብያለ-ሆ
“እምብያለ… እምብያለ-ሆ”
ኣብዚ ናይ ዓጺድ ጨፈራ ወይ ደርፊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንቲ ነግሒ፡ “እምቢያለ… እምቢያለ-ሆ” እናበሉ እዮም ዘሰንይዎ። እቲ ከራሪ ከኣ ኢዱ ንስራሕ እናወንጨፈ ነቲ ደርፊ ይመርሖ።
ዛራ ገጠምቲ
ሕራይ ጽቡቕ! ክገጥም’የ ኢልካ ዝሓሰብካሉ ግዜ ከ መዓስ እዩ ነይሩ፧
ተስፊት፡
1992/93 ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ናብ ካላኣይ ኣብ ዝሓለፍክሉ ግዜ እዩ ነይሩ። “ተጋዳላይ ብዓል ቁምጣ ስረ/ ጀብጀብ ጸጉሩ ፍሊስጤም ዝገበረ…” ትብል እያ ነይራ። ግን እቲ ኣሰራርዓ ግጥሚ ስለ ዘይፈልጦ፡ ነቲ ጥራዘይ ብምልኡ እየ ዝመልኦ ነይረ። ሽዑ ክትሪኦ እንከለካ ኣርቲክል ወይ ተራ ጽሑፍ እምበር ግጥሚ ኣይመስልን እዩ። ብዝዀነ፡ ግጥሚ ገጢመ ኢለ ነባሓጎይ ኣንቢበሉ፡ ኣቦሓጎይ ድማ ድሕሪ ምስምዑ፡ ነታ ጥራዝ ስሒቡ ድማ ደጊሙ ብዓሉ ኣንቢብዋ። ደሓር ነቲ ተስፋታተይ ተገንዚቡ’ዩ መስለኒ፡ ኣጻሓሕፋ ግጥሚ ክምህረኒ ጀሚሩ። ኣቃውማ ረምታን ናዕታን ከኣ ከለሊ ጀሚረ። ብዙሕ ግን፡ ኣይኰንኩን። ወላ እውን ኣይቅበሎን ነይረ። “ኣቦይ እዚ ትምህረኒ ዘለካ፡ ናይ ኣቕሽሽቲ እዩ።” ይብሎ ነይረ። እናስሓቐ ግን፡ ምርኣይ ምምሃር ኣይገደፈን። ብድሕሪኡ ናይ መባእታ ትምህርተይ ክውድእ እንከለኹ፡ ንእስነት ከኣ የርክብ ስለ ዝነበረ፡ ብግጥሚ ገይርና ደብዳቤ ፍቕሪ ምጽሓፍ ተላሚድና። [ምስ ኣዕርኹተይ።] ንሳቶም ግን ሕጂ ገጠምቲ ኣይኰኑን። ይዝከረኒ ንብዙሓት ዘፍቀሩ፡ እጽሕፈሎም ነይረ። ደሓር ብኸምዚ እናቐጸልኩ፡ ምስታ ኣብ ዓድና ዝነበረት ጉጅለ ባህሊ 24 ግንቦት ጥራሕ ‘ተቕርብ ምስኣ ተጸንቢረስ ግጥሚ ኣብ መድረኽ ከቕርብ ጀሚረ።
ዛራ ገጠምቲ
ግጥሚ ኢልካ ካብ እትጅምር፡ ኣብ ውድድር ተሳቲፍካዶ ትፈልጥ?
ሓንቲ ግዜ ኣብ ሳዋ ኣብ 16ይ ዙርያ 2002 ተወዳዲረ ነይረ። ውድድር ትሕሰብ እንተ ዀይና፡ ኣብኣ ተሳቲፈ ቀዳማይ ተዓዋቲ ከኣ ኰይነ ነይረ።
ዛራ ገጠምቲ
ኣብ ምንታይ ዘድሃበት እያ ነይራ እታ ግጥሚ? ቀንዲ ፍረ ሓሳብ ናይታ ግጥሚዶ ክትነግረና? ገለ ካብ ትሕዝቶኣ እውን ምደለና።
ተስፊት፡
እታ ግጥሚ ኣብ 1998 እያ ተገጢማ፡ ኣርእስቲ እታ ግጥሚ “ነይረ ይባጩ” እያ ትብል። ትሕዝቶኣ ድማ፡ ጠንቂ ፍኑው ጾታዊ ርክብ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ ምዃኑ እያ ተዘንቱ። እታ ግጥሚ፡ ብኣዘንታዊ ዓይነት ቅዲ ዝተዓየት ኰይና፡ እቲ መንእሰይ ብዘይ ቀይዲ ፍኑው ጸታዊ ርክብ ዝገብርን ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘይፈርህን ኰይኑ፡ ድሓር ግን፡ ተሰካሚ HIV ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ኣጣዒስዎስ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ክምዕድን ክግስጽን እዩ ዝፍትን። እቲ ናቱ ጌጋ ኣብ ደቂ ሃገሩ ንከይድገም’ዩ ዝጽዕር። ካብ ትህዝቶኣ ግን ፡ ክዝክር ኣይክእልን እየ። ብዘይካ ሓንቲ ወይ ክልተ ስታንዛ፡
ነይረ ይባጩ የሽካዕልል
ንእሽቶይ ‘ከለኹ ጎበዝ ዕሸል
(…)
“ኣብ ቅድሜካ ጸድፊ’ሎ ገደል
ኣብ ትሕቲኡ ተባላዒ ገበል
ቀስ-በል፡ ህዳእ ኣስተብህል።”
እንተ በሉኒ፡
‘ይብሎም ነይረ
በዓል ኣቦይ ፍቃዱ
ብንእሶም ዝንኣዱ
ዓለሞም ከይርኣዩ ዝተዓንዱ።”
ኪንዮ እዛ ማይቤት ፈጺመ ኣይዝክርን’የ። ኣብዚ እውን ሓንቲ ነግሒ ኣጉዲለ ኣለኹ። ብዝዀነ ግን፡ ብኸምዚ ኣገባብ እያ እታ ግጥሚ ትጅምር ነይራ።
ዛራ ገጠምቲ
ኣብ ሳዋ ከለኻ፡ ዝገጠምካዮ ግጥሚታት ከ፧
ተስፊት፡
ብዙሕ ኣይነበረን። ኣብኡ ከለና ንገጥሞ ዝነበርና፡ ነቲ ብሕሉፍ ሃገራውነት ዝተገጥመ ግጥሚታትን ሕደማታትን ገምጢልና፡ ንገጥሞ ነይርና። ንኣብነት “ሽዳ” ትብል ሕደማ፡ ይዝከረኒ ገምጢልካ ግጠመልና ኢሎምኒ፡ ብዓል እኒ መዋእል (ወዲ ባጽዕ)፡ ሳሚ ራስታ፡ ተስፋይ ኣስፋሃ (ሓው ንድምጻዊ ኪሮስ ኣስፋሃ) ገምጢለ ገጢመ ይህቦም ነይረ። ከምኡ ብዙሕ ነይሩ። ካብቶም ኣብ ምግምጣል ዝቐልጠፉ እውን ኣነ እየ ነይረ።
ዛራ ገጠምቲ
በል ሕጂ፡ ናብ ኣባላት ዛራ ገጠምቲ ከሕልፈካ፡ ሕቶታት ዘለዎም ኣለዉ፡ (ኣብ መንጎ እውን ክምለሰካ እየ።) ቀዳመይቲ ሕቶ፡ ኤርሚያስ ኣሮን እዩ ሰዲዱለይ ዘሎ ምስኡ ክገድፈካ።
ኤርሚያስ ኣሮን፡
መጀመርታ ክብ ዝበለ ክብሪ ንስነጥበበኛ ተስፊት ኣብራሃም ክገልጽ እፈቱ። ቀጺለ፡ ተስፊት ኣብራሃም ኣብ ስነ ጽሑፍ ብሓፈሻ፡ ኣብ ግጥሚ ካኣ ብፍላይ እትገብሮ ዘለኻ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን።ኣብ ህየሳን ምስትምቓር ግጥምን ኣዝዩ ዓቢ ትምህርቲ ነቶም ተውህቦ ‘ምበር፡ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ዘይብሎም ገጠምቲ ትህብ ምህላውካ መስክረለይ ዘድልዮ ኣይኮነን።ስነ ጥበብ ኤርትራ በብኢድካ ፡ምስ ድሩት ኣፍልጦ ይስራሕ ብምህላዉን ዘምጽኦ ዘሎ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ደረጃ ብቕዓት ፍርያት ግጥምታት ኤርትራ ብፍላይ ካኣ ሕደማታት ናብ ንቡር ንምምላስን ከም ናይ ቀደም ነባርን ዘይሃስስን ስራሓት ንምትራፍን እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል፧ ስቕታ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባትን ድፍረት (ምስ ታሕዋኽ) ተመክሮ ዝጎደሎም ስነጥበበኛታትን ጽልዉኡ ከመይ ትግምግሞ፡ ኣበርክቶኻ ኣብዚ መዳይ( ቅርጽን ደረጃን ፍርያት ስነ ጥበብ ክብ ኣብ ምባል) ኣታኣሳሲርካ እንተትምልሰልና ደስ ምበለኒ። ደጊመ ንዓኻን ኣዳለውቲ እዚ መደብን አመስግን! የቐኔለይ።
ተስፊት፡
ኤርሚለ ስለቲ ክብርኻ ዓጸፋ ክብሪ ድማ ንዓኻ…!
እዛ ሕቶ ኵሉ ሰብ ዝሓታ፡ ወይ እውን ኵሉ ሰብ ብምምራር ዝዛረበላ ከም ቀንዲ ዛዕባ እያ። እዚ ይኹን እምበር፡ “ስነ ጥበብ ዋና ኣለዎ፡ በብኢድኻ ኣይኰነን።” እናበልና እውን ሓድሽ ነገር ከነምጽእ ወይ ክንፈጥር ኣይንኽእልን ኢና። ንመን ኢና ከምኡ ንብል ዘለና፧ እዚ ኣባሃህላ ናይ ጭቘና እዩ። ልክዕ ከም በትረ-ሴንሱር፡ መንፈስ ናይ እምባገነናት ዝሓዘ መንፈስ እዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ። ስለዚ፡ እቲ ስነ ጥበበኛን እቲ ዘይስነ ጥበበኛን በብኹርንዑ ድሌቱ ክብል መሰሉ እዩ። እቲ ሰማዒ ግን መንፊት ክጥቀም ግድን እዩ። ቅድሚ ናብ ንቡር ምምላሱ ጌና፡ ሓሳብን ሓሰብትን ፊት ንፊት ብምግጣም ሓድሕዶም ክለዋወሱ ክኽእሉ ኣለዎም። ድሕሪ ምልውዋስ እዩ እቲ ውጽኢቱ ዝርአ። ስዋ ጉዕሽ ጥራይ ኣይኰነን። ግለት ኣሎዎ፡ ጉዕሽ ኣሎዎ፡ ድቋ ኣሎዎ፡ ጽራይ ኣሎዎ፡ ሓተላ ድማ ኣሎዎ። ኣብዚ ውሽጢ’ዚ ደረጃታት ኣሎ። በብደረጅኡ ከኣ እቲ ዝስተ ይስተ እቲ ዝጉሓፍ ይጉሓፍ። ኣብ ስነ ጥበብ ወይ ስነ ጽሑፍ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣተናውያን’ሲ ክሳብ ሕጂ ተሰመይቲን ኪንዮኡ እውን ፍሉያትን ልሉያትን ክዀኑ ዝኽኣሉ ክሳብ እዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ ዝነበረ ውግእን ወረ ውግእን፡ እቲ ሽግርን ሕሰምን’ዩ ከምኡ ንክዀኑ ኣኽኢልዎም። እቲ ህሉው መንብርኦም’ዩ ፍላስፋታት ክዀኑ ሓጊዝዎም። ስነ ጥበብ ወይ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ እምባገነን ስርዓት፡ መንብሮ እቲ ህዝቢ ክመሓየሽ ብዘይምኽኣሉ፡ እቲ ሕብረተ ሰብ ክንዲ እቲ ዝፈትዎ ዝነበረ ጽልኣት ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘርኣየ፡ ናይዚ ስዓቤን ከኣ እቲ ንኡስ ወለዶ ናበየ ኩርናዕ ዓለም ክበታተን ኪኢሉ እዩ። እዚ ዘሎ ወለዶ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሳጽዮ ዘሎ ሕቶታት ክብሎ ወይ ክጸውዮ ደኣ ብግቡእ ኣይኽኣል እምበር፡ ደርጎስጎስ’ሲ ይብሎ ኣሎ። ነቲ ዘሕለፎ ሕሰም፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ስደት ኣብ ምድረ-በዳ ዝተረፎ ዓርኩ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝስኣኖ ሓዉ፡ ሓብቱ ኮታስ ንዅሉ መዳይ ህይወት ስደት፡ ብምዝንታው ይፈታትኖ ኣሎ። ፈቲና ጸሊእና ከኣ ወላ’ኳ ሕጂ ኣይራኣየና ደኣ እምበር፡ እዚ ዘለናዮ ሓደ ምንቅስቃስ ናይ ስነ ጽሑፍን ስደትን እዩ። ካብቶም ብዙሓት ዝብሃሉ ዘለዉ ከኣ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ንዘልኣለማዊ መወከሲ ዝኸውን ተዘካሪ ስነ ጽሑፋዊ ዕዮ ከም ዘበርክቱልና ፍሉጥ እዩ። ኵሎም ኣተናውያን እኮ ፍላስፋታት ወይ ሊቕ ዘበሉ እዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ውሑዳት ዕዉታት ብዙሓት ከኣ ፍሹላት እዮም። ከምኡ እዩ ከኣ እቲ ሓቂ። እቲ ፍልልይ፡ (ናትናን ናይ ኣተናውያንን) ኣተናውያን ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕሉ ዝነበሩ ተብዓት ወለዶታት ኰይኖም፡ ሕቶን መልስን ከኣ፡ ብእንካን ሃባን ኣብ ጎደና [ኣደባባይ] እዩ ዝካየድ ነይሩ። ምኽንያቱ ሽዑ ትዊተር ይኹን ፋይስቡክ ኣይነበረን። እዚ መድርድኽ’ዚ ግን፡ ዘመነ መራከቢ ቡዙሃን (ኣእላፍ ሜድያታት) ዝሰሰነሉ ዘመን ክሳብ ዝኰነ ግድን እዩ ገልጠምጠም ክስማዕ። ካብዚ ክንደይ ሚኢታዊት እዩ መወከሲ ክኸውን ግን ተራ ሰብ ዝምልሶ እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ምናልባት ከም ሓደ ምንቅስቃስ ናይ ስነ ጽሑፍ ኤርትራውያን ኣብ “ዘመነ ፈይስቡክ” ተባሂሉ ከም መወከሲ ክውሰድ ይከኣል ይከውን እዩ። እዚ ግን፡ ምናልባት ምናልባት እየ ዝብለካ ዘለኹ። እዚ ማለት እውን ነቶም፡ “ደረፍናልኩም፡ ኣዳረንናልኩም፡ ጎስጐስናልኩም፡ ሕማቕን ጽቡቕን፡ ቅኑዕን እከይን ማሃርናልኩም” ዝብሉ ዘይኰኑስ ናይቶም ንሕብሪ ሓሳባት ብጥበብ ብምቕባእ፡ ንህሉው መንብሮ ሕብረተሰቡን ዓለሙን ብምርኣይን ብምልላይን ኣመት ናይ ዝህቡ ጥራሕ እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሓወይ ምዓረይ – ቅርጽን ደረጃን ከተትሕዝ ትሓልም እንተ ኣለኻ ኣይትድከም። ቅርጽን ደረጃን መደናገርቲ እዮም። ‘ቅርጽን ደረጃን ከነትሕዘልኩም።’ ኢሎም ክቐትልዎ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ብዓይንካ ትምልከት ስለ ዘለካ። ኣተናውያን ‘ቅርጽን ደረጃን ኣትሑዙልና’ ኢሎም ኣየዕገርገሩን። ቢቶቨን ‘ኣነ እየ እቲ ፍሉይ!’ ኢሉ ኣይደበለን። ግን ናጻ ጥበበኛ ኔሩ። ብናቱ ሙዚቃ ናቱ ናፍቖትን ስምዒት ውሽጡን ኣንጸባሪቑን ኣርእዩን። ከምቶም ናይ ጎስጓስን ውዳሳን ኣምላኽ ጥራይ ዘቕርቡ ዝነበሩ ከም እኒ ሀንደልን ባኽን ብምቕራብ ስለ ዘይተደረተ፡ ቢቶቨን ክሳብ እዚ ግዜ ሓደ ካብቶም ቀለስቲ ርክበታት ኣብ ሙዚቃ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ስለዚ ‘ከነማእዝን ኢና፡ ከነስተኻኽል ኢና ወይእውን ክንረብብ ኢና፡ ክንሰርዕ ኢና፡’ ጥራይ ኢልካ ምሕሳብ ዘይዀነ፡ ክንጽሕፍ ክንሓስብ ክንፋላሰፍ፡ ክንጭድር ፡ ክንውጭጭ ከምኡ እውን ክንሕጭጭ እንተኰይንና ከም ቢቶቨንን ኣተናውያንን ቀዳምነት ፍርሒ ከነወግድ ኣለና እየ ክብለካ ዝደሊ።
ክብሮም ጨዓይ
* ግጥምን ገጣማይን ከመይ ክኾኑ ይግባእ ዘመሳስሎምን ዝነጻጽሎምን ከ ኣሎ ዶ ትብል?
ተስፊት፡
ገጣማይን ግጥሚን ዘመሳስሎ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ዘነጻጽሎም ነገር ግን የለን። ንዓይ ኣይርኣየንን እዩ። ዝበዝሑ ፈጠራዊ ስርሓት ግጥሚታት ንገጣሚኦም እዮም ዝመስሉ። “ኣነ ገጣማይ እየ ግን፡ ንግጥሚታተይ ኣይመስልን እየ።” ዝብለካ ገጣሚ እንተልዩ፡ ምናልባት እቲ ሰብ ገና ገጣማይ ኣይበቕዐን ክኸውን ይኽእል እዩ። ካባና ርሒቕና ኣብነት ክንጠቅስ እውን ይከኣል እዩ። ንኣብነት ናይ ጆርጅ ጎርዶን ባይሮን (1788-1824) ግጥሚታቱ እንተ ደኣ ርኢናዮም ዝበዝሑ ስርሓቱ ንዕኡ ስመስሉን ንባህርያቱን ኣካይድኡን ዝገልጹ ኰይኖም ዝጸንሑኻ። ባይሮን ከም ሓደ ዀራዪ ወትሩ ዝትክዝን ዘስተንትንን ኰይኑ ናቱ ባይሮናዊ ጅግና ምስሊ ብምሓዝ፡ ኣብ ህይወትን ኣብ ስነ ጽሑፍን ናቱ ዓለም ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ባይሮን ሓደ ሓደ ግዜ ርህሩህ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቓጽ እዩ ኔሩ እዩ ዝበሃል። ከኣ’ባ ብሰንኪ ጽባቔኡ ኣሻሓት ኣዋልድ ሎኽሎኽ የብል ኔሩ እዩ። እዚ ከይዀነ ከኣ፡ ኣይተርፍን እዩ። መብዝሓትኦም ዝጽሕፎም ዝነበረ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕንደራታት እዮም እዩ ዝበሃል። [እዩ ዝበሃል ደኣ መሊአዮ እምበር፡] እዚ ከኣ፡ ነቲ ጽሑፉን ነቲ ገዛእ ባህርታቱን ብምልላይን ብምግንዛብን እዮም ከምኡ ዝብልዎ። (ምስኪናይ ናይዘን ሎኽሎኽ ዘብለን ዝነበረ ሄዋናት ከማን ይኸውን ብንእሱ [ወዲ 36 ዓመት] ኣብ ኲናት ናይ ናጽነት ግሪኽ ቅንጥስ ኢሉ ዝሞተ። ምበር ግሪኽስ እንታዩ ኸ ኰይናቶ፡ ንሱ ብርጣንያዊ እቲ ኲናት ናይ ግሪኽ፡ ዘይተፈልጠ ገዲም ቸኮ-ቬራ!። ከይህውትት!) ስለዚ ገጣማይን ግጥሚን ዘነጻጽሎም ምክንያት የለን። ዘመሳስሎም ግን ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ልክዕ ከም ውሉድን ወላድን ከም ማለት ሕሰቦ። የመስግነካ ክብሮም!
ሓበን ቃልኣብ፡
ግጥሚ ሓኸለ ስነ-ጥበብ ዶ ሓኸለ ስነ-ጽሑፍ ክብልዎ ይስማዕ። ብሓቂ ድዩ ሓኸለ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ጥበብን? ኩሎም ዓይነታት ስነ-ጥበብ፡ ጥበብ ዶ ኣይኮኑን? እቲ ስነ-ጥበበኛ ደኣ’ምበር እቲ ዓውዲ ኣይኮነን ወሳኒ ብሃሊ እየ። እቲ ዲንቂ ስነ-ጥበበኛ ኣብ ግጥሚ ይሃሉ ኣብ ቅብኣ ወይስ ድራማ፡ እቲ ፈጠራዊ ዓቕሙን ደረት ኣልቦ ብቕዓቱን/ጽላለኡን ደኣ’ምበር እቲ ዓውዲ ኣይኮነን ወሳኒ። ስለ’ዚ እምበኣር፡ ግጥሚ ሓኸለ ክብሃል ይከኣል ዶ?
ተስፊት፡
እዛ ሕቶ፡ ወትሩ ኣብ ርኢቶ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምብህሃል መድረኽ ክሰምዓ እንከለኹ፡ [ንዓይ እውን] ሓንቲ ካብተን ዘሰክፋኒ ኣባህላ እያ። ከምዚ፡ “ዓሻ ዝተኸሎስ ለባም ነይነቕሎ!” ኰይና እያ ትስምዓኒ። ስነ ጽሑፍ ነጸብራቕ ናይ ሕብረተሰባት እዩ። ከመይ ጌርካ ንጸገማቱ ንሽግራቱ፡ ንጭቆንኡ ንምረቱ ኣሪእኻዮ እዩ እቲ ዘገድስ። ነዚ እንተ ኣንጸባሪቕካዮ፡ ኩሉ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት ሓቐለ እዩ። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን፡ ነቶም መዝመዝትን ገበትቲን እዚ ተርእዮ ናይ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት ዲዲት እምበር ሓኸለ ዀይኑ ኣይፈልጥን። ስለዚ ናብቲ ጽብብ ዝበለ ሕቶኻ ክምለስ፡ ግጥሚ ብቑጡብ ቃላት ብዙሕ ሓሳባት ተሕልፍ፡ እቲ ግጥሚ እውን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክስማዕ ይከኣል እዩ። ብመልክሕ ሕደማ ብምህናጽ፡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ብቐሊሉ ክሰርጽን ርዲኢት ክህብ ስለ ዝኽእልን ከምኡ ክበሃል ይኽኣል ይኸውን እዩ። ብልክዕ ግን፡ “ሓኸለ’ዩ፡” ኢልካ ድርቕ ምባል ኣይክኣልን እዩ። [ኣነ’ኳ እታ ሓኸለ ትብሃል ዘላ፡ ሳላ ኣቕሽሽቲ ዓድና ቅርጻ እውን ኣይፈልጣን እየ።] ልክዕ’ዩ ግጥሚ ገላጺ እዩ። ላዛን ወዝን ኣለዎ። ሙዚቃ እዩ። ናቱ ዜማን ደሃይን ኣለዎ። ከምኡ እውን ብፍላይ እኳ ኣብ ሕብረተ ሰብና ኵሉ መንብርኡ ብግጥሚ ስለ ዘሰላስሎ፡ ኣብ ስራሕ ገዛ ግጥሚ ኣሎ። ኣብ ናይ በረኻ ዕዮታት ግጥሚ ኣሎ። ኣብ ጸወታ ቑልዕነት ግጥሚ ኣሎ፡ ኣብቲ መጓሰ ግጥሚ ኣሎ ኰታስ እቲ ትግርኛ እውን ናዕታዊ ቋንቋ ክሳብ ዝዀነ ፍቱው ስነ ጽሑፍ ክንብሎ ግን ንኽእል ኢና። እቲ ሓከለ ግን ደሓን ንግደፋ፡ ክሳብ ልብና ንፈልጥ።
ክፍለ ሃብተሚካኤል፡
ግጥሚ ሓይሉ ኣብ ምንታይ እዩ ንዓኻ፧
ተስፊት፡
ሓይሊ ግጥሚ፡ “ኣብ ሓይሊ ሓሳባት’ዩ” እየ ዝብል። ሓይሊ ሓሳባት በይኑ እውን ሓይሊ ግጥሚ ኣየርእን እዩ። ውቃበ ክህልዎ ኣለዎ። ወዝኡን ላዛኡን ክምስጥ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ምስ ዝህሉ ሓይሊ ግጥሚ ነጸብራቑ ክራኣየኒ ይኽእል’ዩ። ከምኡ እውን ኣገባብን ኣባህላን ስነ ጽሑፋዊ ቋንቋ ከማልእ ኣለዎ። ኣብ ግጥሚ ቃላት ጨረታ እዮም። እንታይ ዓይነት ቃላት ተጠቂምካ ንፈጠራዊ ሓሳብካ ኣንጸባሪቕካዮ ኣለካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ጽቡቕ ፈጠራዊ ሓሳብ ኣምጺኻ፡ እቲ ኣነዳድቃ ቃላትካ ግን ደረቕ፡ ኣሰራርዕኡ እውን ዝተሃዋወሰ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሓይሊ ግጥሚ ዝብሃል ፈጺምካ ክትረኽቦ ኣይክኣልን እዩ። ሓያል ግጥሚ ወይ እውን ዕምቆት ዘለዎ ግጥሚ ዝብሎ [ብኣይ] ፡ ውህደት ሓሳባት ሃልይዎ፡ ንኣንበቢ ድማ ክምስጦን ክሕዞን ምስ ዝክእል እዩ።
ክፍለ ሃይለሚካኤል፡
ካልኣይቲ፡ ግጥሚ ኣብ ኵሎም ዓይነት ኣንበብቱ (ንግጥሚ ብቐረባ ዝፈልጥዎን ተራ ኣንበብትን) ብዝፈጥሮ ጦብላሕታን ተፈታውነትን ዶ ወላስ ነቶም ርቀቱ ዝተልጡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ ዝህቦም ትርጉም ምለካዕኻዮ፧
ተስፊት፡
ሓደ ፈጠራዊ ስርሓት፡ ንኵሉ ኣማእኺሉ ዝተሰርሐ ምስ ዝኸውን ዝበለጸ እዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ኣንባቢ (ተራ ኣንባቢ ትብሎ) ሓያል ኣስተማቓሪ ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ዝበዝሑ ጥበባዊ ስርሓት ሃገርና ብፍላይ ብፍላይ’ኳ ናይ 1960ታት ኵሎም ብተምሳሌኣዊ (allegory) ዝተሰርሑ እዮም ነይሮም። እቲ ተራ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ግን፡ ቀልጢፉ ብምርዳእ’ዩ፡ ክደጋግሞ ዝውዕል ነይሩ። ወላ እውን ድሕሪ ናጻነት ኣዝዮም ፈኰስቲ ዝመስሉ ግን ከኣ፡ ኣካታዕቲ (controversial) ግጥሚታት ተመልኪትና ኢና። ንኣብነት ዝበዝሑ ናይ ዶክተር ርእሶም ሃይለ ግጥሚታት፡ ሓንቲ ክጠቅስ፡ “ደስታ” (ምንጪ፡ ዋዛ ምስ ቁምነገር ንትንሳኤ ሃገር ወይ’ውን ደሃይ ኣለና) እትብል ግጥሚ ምስ እንምልከት፡
ኣብ ስደት ወሊደያ/ ደስታ ጓለይ ዓደይ ወሲደያ/ ምስ ዓባያ ኣፋሊጠያ/ እነውለ ህዝብኪ! እነውለ ኣዝማድኪ!/ እንሆለ ዓድኺ ኢለያ!/ ከቀባጥር በብዓይነቱ፡ ናይ ጾም ናይ ስዕረት ኣብሊዐያ/ ከይትጠምየኒ ንጥዓሞታ፡ ሽንጦ ዅዕንቲ ወሲኸያ/ ኢላትኒ… ኣቦይ መዓረይ ፈትየዮ ኩሉ/ እቲ ህድሞና መስኰት ግበረሉ።
ደስታ፡ ንተራ ኣንባቢ፡ ደስታ ትብሃል ኣብ ስደት ዝተወልደት ቆልዓ፡ ሃገራን ህዝባን ካብ መግዛእቲ ናጻ ወጺኡስ ንቤተሰባን ኣዝማዳን ክትርኢ በቂዓ። እቲ ህድሞ ግን፡ መስኰት ብዘይምህላዉ ደስ ከም ዘይበላ እቲ ኣንባቢ ክርድኦ ይኽእል እዩ። ትርጕምን ዕምቆትን ግን ምናልባት ድሕሪ ግዜ ክርድኦ ይኽእል ይከውን።
እቲ ምስቲ ግጥሚ ዝነብርን ብዕምቆት ዘስተማቕርን ግን፡ “ደስታ” ብከምቲ ተራ ነባቢ ኣይዀነን ከስተማቕራ ዝኽእል። ደስታ ዀይኑ፡ ፌስታ ዀይኑ፡ “ደስታ” ደስ ትብል ሃገርን ህዝብን ርእያ። ተሓጒሳ፡ ተደሲታ ክትኸውን ትኽእል እያ። እዚ ይኹን እምበር ነቲ ተዓብዒቡ ከም ህድሞ ዝነበረ ህዝቢ ፍትሒን ዲሞክራስን ሰፊንዎ ናጻ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ንኽወሃቦ እያ፡ ጌና ብኣግኡ ትላቦ ዘላ።
ስለዚ እዛ ግጥሚ፡ ንዅሉ ዘማእከለት ዀይና፡ ንተራ ኣንባቢ ዓቕመ ፍልጠቱ ትርድኦ፡ ነቲ ርቀትን ዕምቆትን ግጥሚ ንክርዳእ ዘይጽገም ድማ ናይታ ግጥሚ ሓሳባት ስእልን ምስልን ንኸንጸባርቖ ኣየጸግምን። ግጥሚ ይኹን ኵሉ ስነ ጽሑፍ ስርሓት ብዅሉ መዳይ ክርአን ክልክዓን እንከሎ ጽቡቕ እዩ።
ዳኒኤል ሃብተ፡
ሰናይ ዘበለ ንዓኻ ይኹን ገጣሚ ተስፊት ኣብርሃም።ብዙሓት ግጥምታት ናትካን፡ብህየሳ ዘስተማቐርካዮም ናይ ካልኦት ገጠምቲ ግጥምን ኣንቢበልካ ኣለኹ። ብልቢ ከኣ የድንቐካን የመስግነካን። ዘረባ ከየብዝሓልካ ናብ ሕቶታተይ ክኣቱ።
እታ ቀዳመይቲ ሕቶይ፡ ግጥሚ ዶብ ክህልዎ ኣለዎ’ዶ ትብል፧ ማለት ብሃይማኖት ይኹን ባህሊ ወይ’ውን ፖለቲካ ክሕጸር ይግባእ’ዶ፧ ኣይፋል ክህልዎ የብሉን ወይ እወ ክህልዎ ኣለዎ፡ዝብል መልሲ ምስ ምኽንያቱ ክትምልሰለይ እሓትት።
ተስፊት፡
ከም ትዕዝብተይ፡ ግጥሚ ይኹኑ ካልኦት ስነ ጽሑፋዊ ዕዮታት ብዶብ ክሕጸሩ የብሎምን። ብሃይማኖት፡ ብባህሊ ከምኡ እውን መሳርሒ ፖለቲኻ ዀይኖም ክሕጸሩ የብሎምን። ግን ከኣ፡ ኣብ ፖለቲካ ወይ እውን ኣብ ሃይማኖት ከተኩሩ የብሎምን ማለተይ ኣይኰነን። ሓደ ደራሲ ወይ ሓደ ፈጣሪ ጥበብ ናጻ ናይ ምሕሳብ መሰል ክህልዎ ይግባእ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ፈጠራዊ ስርሓቱ ከርኢ ወይ ከንጸባርቕ ይድለ። እምበር፡ ‘ከየቐይም፡ ከየሕርቕ!’ ኢሉ ክሓስብ የብሉን። ንኣብነት ናይ ኣማኒኤል ኣስራት ግጥሚ፡ “ኣበሳ ኲናት” እንተ ርኢና፡ እቲ ሓሳብ ይኹን እቲ ኣብኡ ዘሎ ወሓዚ ሓሳባት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ ኩናት ጥራሕ ኣይዀነን ኣንጸባሪቕዎ። ምናልባት መበገሲ ሓሳብ ንሱ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም በብሃገሩ ንዝክፈት ኲናት፡ ኣበሳኡ ከቢድ ምዃኑ፡ ኣዕናዊ ምዃኑ እዩ ኣመታቱ ዝህብ። “ኣበሳ ኲናት” ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ዘለዉ ሕብረተሰባት ኣንብበሎም ወላ እውን ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ዓለም ዘለዉ ሕብረተ ሰባት ኣንብበሎም እቲ ርድኢትን ትርጕምን ሓደ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ኣድማሳዊ እዩ። ኣድማሳዊት ግጥሚ ስለ ዝዀነት ከኣ፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ትትርጐም ኣላ። ስለዚ ግጥሚ ክሕጸር ወይ ክድረት የብሉን። ናይ ዝዀነ ጸግዒ እውን ክከውን የብሉን። ጸግዒ እንተ ዀይኑ፡ ይድረት ወይ ይሕጸር ኣሎ ማለት እዩ።
ዳኒኤል ሃብተ፡
እታ ካልኣይቲ፡ ብዙሓት ገጠምቲ ኣለዉ፡ክገጥሙ’ምበር ግጥሚ ክህይሱ ዘይክእሉ፧ ብግምጣሉ’ውን ብዙሓት ሃየስቲ ግጥሚ ኣለዉ ክገጥሙ ግን ዘይክእሉ። እዚ ካብ ምንታይ ትብሎ፧ ንስኻ ዓቢ ገጣምን ሃያሲ ግጥምን እኻ። እዚ ክልቲኡ ጸጋ ብከመይ ከተማዕብሎ ኪኢልካ፧
ተስፊት፡
ግድን ኣይዀነን ገጣሚን ሃያስን ክትከውን። “ገጣሚ ክንሱ ክህይስ ዘይክእል ስለ ምንታይ!” እውን ክንብል ኣይንኽእልን። ሃያሲ ክንሱ ስለ ምንታይ ዘይገጥም እውን ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ ፈጠራዊ ስርሓት ምቕራብ ብተውህቦ ዝመጸ ምስ ተመኵሮን ትምህርትን ዝዓቢ እዩ። ምህያስ ግን፡ ብተውህቦ ዝመጽእ ኣይኰነን። ብተውህቦ ወይ ብተመክሮ ዝተበገሰ እንተ ኰነ ከኣ፡ ስምዒት ዘለዎ ህየሳ ደኣ እምበር፡ ውድዓውነት ወይ ኣድማሳውነት ዝሓዘለ ህየሳ ክንጽበ ኣይንኽእልን። ህየሳ ዓቢ ሞያ እዩ። ተማሂርካ እተምጽኦ ወይ እተዕብዮ ድማ እዩ። ግን፡ ሞያዊ ሃያሲ ወላ ኣይትኹን፡ ከም ሰብ ንዘንበብካያ ግጥሚ፡ ተመስጦኻ ወይ ትዝብትካ ክትህበላ ትክእል ኢኻ። ብስሩዕ ክትህይሳን ክትትንትናን ግን ይኸብድ እዩ። ምናልባት መበገሲ ናይዚ ሕቶካ ካብቲ ኣብ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ” ትርእዮ ዝነበርካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ግን ኪንዮ ኣካል ሰቢራ፡ ስሩዕ ናዕታ ዘይብላን። ቃላት ምቑማል እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓይሊ ሓሳባት ብምልላይ፡ ራእይ ገጣሚን ታብላሕታ ኣንባቢ እንታይ ይከውንን ዘካተተ ህየሳ ይቐርብ ኣይነበረን። ሕጂ እውን የለን። ስለ ምንታይ ዘየለ? ኵሉና ስለ እንፈልጦ ምድግጋሙ ኣሰልካዩ እዩ።
ኣስዕብ ኣቢልካ እውን፡ “ንስኻ ዓቢ ገጣምን ሃያሲ ግጥምን እኻ። እዚ ክልቲኡ ጸጋ ብከመይ ከተማዕብሎ ኪኢልካ፧” ኢልካ ኣለካ ዳኒ! እዚ ከይጋነን። ጌጋ ስእሊ እውን ከይህዝ ነባቢ። ኣብ ስነ ጽሑፍ ዘሎ ሰብ ዓቢ ወይ ንእሽቶይ ክብሃል ኣይክእልን እዩ። ኣብ ስነ ጽሑፍ እቲ ዓቢን እቲ ንኡስን ማዕረ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለዎም። ወትሩ ድማ ተማሃሮ እዮም። ኣነ ከኣ ወትሩ ተማሃራይ እየ። ንኽልቲኡ እውን ጌና እመሃሮን እምኰሮን እየ ዘለኹ። ወላ’ዃ ብ Professor Tej Nath Dhar ካብ ሕዳር 2012 ክሳብ ሕዳር 2013 ዝኸደ “Critical Writing” እንተ ተመሃርኩ፡ ጌና እውን ብዙሕ ነገር ከም ዝጎድለኒ እፈልጥ እየ። ብዝዀነ እቲ ህየሳ’ኳ ሞያይ እዩ ነይሩ። እቲ ምግጣም ግጥሚ ከኣ ዝንባለ’ዩ። እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምዕባይ ከኣ “Tej law” ዝብል ሕጊ ይኽተል እየ። መዓልታዊ ክጽሕፍ፡ መዓልታዊ ከንብብ ከም ዘለኒ ዝሕብሩ ሕግታት ኣሎዉኒ። ከምዚ እንተ ጌርካ ኣባህላኻ ይሰፍሕ፡ ይውርጽጽ፡ ወዝን ላዛን ድማ ይህልዎ። ማዕልታዊ ምንባብ ዘለዎ ጥቕሚ ከኣ ብዓልኻ መልኣዮ።
ዳኒኤል ሃብተ፡
እታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን፡ ሓደ ከም’ዚ ከማኻ ክህይስን ክገጥምን ዝኽእል ሰብ፡ ዝያዳ ካብ’ቲ ግጥሚ ክህይስ ዘይክእል ገጣሚ ንላዕሊ ጽቡቕ ዝኾነ ግጥሚ ክጽሕፍ ይኽእል’ዶ ትብል፧
ተስፊት፡
እቲ ሕቶ ዝደጋገም ዘሎ እመስለኒ። ብሕጽር ዝበለ ግን፡ ኣብ ፈጠራዊ ዕዮ ስለ ዝሃየስካ ዝያዳ ፈሊጥካ ማለት ኣይዀነን፡ ስለ ዘይሃየስካ ድማ ኣይፈለጥካን ማለት ኣይኰነን። እቲ ሃያሲ ናይ ምትንታን ሓይሊ ክህልዎ ግድን እዩ። እቲ ገጣሚ ድማ ሓሳባት ኣብ ምፍጣር፡ ኣብ ምፍታል ሓይሊ ኣለዎ። ክትህይስን ክትገጥምን ስለ ዝኽኣልካ ካብቲኦም ትበልጽ ማለት ኣይዀነን። ትድሕር እውን ማለት ኣይኰነን።
ዳኒኤል ሃብተ፡
ደርዘን ሕቶታት ንገጣሚ፡ ስለ ዝኾነስ ሓንቲ ሕቶ’ውን ክውስኽ፣ህየሳ ግጥሚ ይኹን ካልእ ሰነ ጽሑፍ ኣገዳስነቱ ዘይሰሓት’ዩ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ግጥምታትና ይህየሱ ኣለዉ’ዶ ትብል፧ ጥበብካ ይብዛሕ የቐንየለይ!
ተስፊት፡
ካባይ ጀሚርካ የለዉን። ብዙሓት ኣሰተማቐርቲ ግን ኣለዉ። ነቲ ምስትምቃር እውን ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይደፍእሉ ቀጻልነት የብሉን። ክርሳዕ ዘይብሉ ግን፡ ዝሓሸ ምስትምቃር ወይ’ውን መባእታዊ ህየሳ ናይ ስነ ጽሑፍ ዝካየደሉ ካብ ኣብ ውሽጢ ኣብ ስደት ዘለና ንሓይሽ። ካልእ ይትረፍ በቲ ድሩት ዓቕምና ኣዛዊርና ብምራኣይ ክንትንትን ኢና ንፍትን። እቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሃየስቲ ወይ ኣስተማቐርቲ ጽሑፋት ግን ካብቲ “ምልቃም ቃላት” ኣይተገላገሉን። ብዝዀነ ወላ ሕጂ እንተ ዘይሃለወ፡ ተስፋ እገብር ጽባሕ ቅኑዕ ህየሳ ክህሉ። ብፍላይ ብፍላይ’ኳ ኣብ ደገ ዘለና፡ ክሳብ ምሉእ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ዝሃለወና፡ ንዝፈረዩ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓትና ክስተማቐሩን ክህየሱን ኣለዎም እየ ዝብል። (ግን፡ ሓደ ሃያሲ ኣማእዛኒን ኣማቲን ደኣ እምበር ኣራሚ ክከውን የብሉን። ኣራሚ ናይ ኣርታዒ ስራሕ እምበር ናይ ሃያሲ ስራሕ ኣይዀነን።)
ቦኽረ ገብረየሱስ ( ሓደ ካብ ኣድሚናት ዛራ ገጠምቲ ናይዚ ዓመት)፡
ስነ-ጽሑፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዘለዎ ንጥፈታት ብተወሳኺ፥ ብሕትመት ደረጃ ዝእከበሉን ዝስነደሉን መገድታት ምፍጣር ናይ ብዙሓት ኣስተብህሎ እዩ፡፡ ንስኻ ኣብዚ ዘለካ ተሞክሮን ጠመተን ከመይ ይመስል? ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ኰንኩም ኣብ እስራኤል እትሕተም ጋዜጣ ቀይሕ ባሕሪ ጀሚርኩም ኣቋሪጽኩማ፡፡ ነዚ ሕቶ ብመንጽር ናይዛ ጋዜጣ፡ ዝነበረካ ተሞክሮ እንተ’ዕለልካና ኸ?
ተስፊት፡
ቦኽሪኖ፡ ጽቡቕ ኣለኻ ናይ ኵላትና ኣስተብህሎ እዩ። ብደረጃ ሕትመት ንኽስነድ ወይ ንክትሓዝ እውን ናይ ኵልና ሕልሚ እዩ። እዚ ሕልሚ ዘበገሶ እውን ሓንቲ ኣብ እስራኤል እትሕተም ጋዜጣ “ቀይሕ ባሕሪ” ጀሚርና ነይርና ኢና። እቶም ኣባላት እውን ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ኢና ኔርና። እቶም ሰባት ብዙሓት፡ ብዙሕ ከነበርክት እንኽእል ኢና እውን ነይርና። ኣስማት ክጠቅስ፡ ቦኽረ ገብሬሱስ፡ ሳባ ኪዳነ፡ ብርሃነ ገብርህይወት፡ ሽሻይ ሽመንዲ፡ ክብሮም ደሞዝ፡ ምሉእኣለም ገብረዝጋእብሔር፡ ተስፊት ኣብርሃም (ኣነ) ዓወት መድሃኔን ካልኦትን ኢና ነይርና። ጽቡቕ ግስጋሰ ነይሩና፡ ጽቡቕ ናይ ምብህሃል መንፈስ እውን ነይሩና። ዓወት መድሃኔ (ዓወተይ ዓወታ) ደኺመ ጸሚኤ ሓሚመ ዘይብል ሰብ፡ ነታ ጋዜጣ ተሓቲማ ኣብ መላእ ተልኣቪቭ ንኽትዝርጋሕ ዘክእላ ሰብ ዝነበረ ምስ ተኣስረ ግን ኤዲተር ሙላኣለም ገብረዝግኣብሔር ተስፋኡ ባይታ ስለ ዝዘበጠ ኤዲት ክገብር እውን ኣይከኣለን። ንግዚኡ ደው ነብሎ ተባሂሉ። እቲ ዝነበረ ገንዘብ እውን ብናይ ኣባላት ውሳኔ ንዓወት ክወሃቦ ወይ እውን ዘድሊ ነገር ተዓዲጉ ክወሃቦ ተወሲኑ እኳ እንተ ነበረ ዓወት ግን ክቕበለና ኣይከኣለን። ብድሕሪኡ እሞ፡ እንታይ ይገበር ተባሂሉ። ተታሒዙ ክጸንሕ ተወሲኑ። ዳግማይ ትንሳኤ ይገበረላ እንተ ተባሂሉ እውን እቲ ገንዘብ መበገሲ ነታ ጋዜጣ ዝኸውን ኣሎና። ከም ዓወተይ ዓወታ ውፉያት ንስነ ጽሑፍ እንተ ተረኺቦም ምቐጸለት እየ ዝብል። (ዝነበረኒ ተራ ወይ ዝነበረካ ተራ ኣብቲ ጋዜጣ ስለ ዘሎ ምጥቃስ ኣገዳስነት የብሉን። ምስ ኣኽብሮት ቦኽሪኖ!
ኪዳነ ንጉሰ ( ሓደ ካብ ኣድሚናት ዛራ ገጠምቲ ናይዚ ዓመት)፡
ኣብ ዓውደ ስነጥበብ ካብ እትጽንበር ነዊሕ እዋን ኣቁጺርካ ኣለኻ፡ ምሉእ ግዜኻ፡ከምዘይትሰርሓሉ ውን ይፍለጥ። እቲ ምኽንያታት ንምፍላጥ ኣይኮነን ሕቶና፡ ተግዳስነትካን ስነ ጥበባዊ ሓላፍነትካን ግን ክንድቲ ምሉእ ጊዝይኡ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ዘሕልፎ ኢኻ እሞ፡ ንውጽኢት (productivity) ዝምልከት ከመይ ትስርሕ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ዘለኻ ሓሳብ ከመይ ይመስል፡ ብኡ መጠን ኣንበብቲ እንታይ ኢና ንጽበ ካባኻ፡
ተስፊት፡
ጽቡቕ ኣለኻ ኪዱን፡ ዳርጋ 16 ሰዓታት ዝሰርሓሉ ግዜ ነይሩ እዩ። (ሕጂ’ኳ ቁሩብ እቲ ሰዓታት ቀኒሰዮ ኣለኹ።) ኣብዚ ውሽጢ ናይ 16 ሰዓታት ግን፡ ምስ ስነ ጽሑፍ ይፈላለ ማለት ኣይዀነን። ኣብ ናይ ሻሂ ሰዓታት ምስ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት እየ ዘሕልፎ። ኣብ ስራሕ ዝዝሕለሉ ግዜ እውን ምስኦም እየ ዘዕልል። ዝንበቡ መጽሓፍቲ ከኣ፡ ብዕድል ስኢነ ኣይፈልጥን። የንብብ እየ። ደሓር፡ ስነ ጥበብ ምስ ስራሕ እዩ ዝፍጠር መስለኒ። ኣብ መንጎ ስርሕ ዝመጹኒ ሓሳባት ብዙሓት እዮም። ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜይ ግን፡ ወላ ናይ ንባብ ባህሊ እውን የጥፍእ እየ። ብዝዀነ ፍሉይ ነገር ክሰርሕ እደሊ። ንግጥሚ ጸቂጠ ክሰርሓሉ እየ። ነቲ ዝጀመርክዎ፡ ህየሳዊ ኣጸሓሕፋ (critical writing) ክቕጽሎን ከዕብዮን ወይ እውን ከማዕብሎን መደብ ኣለኒ። እዚ ግን ሎሚ ኣይዀነን ምናልባት ጽባሕ – ግን፡ ብርግጽ! እዚታት ክትጽበ ካባይ ምደለኹ።
ኪዳነ ንጉሰ ( ሓደ ካብ ኣድሚናት ዛራ)
ተወሳኺት ሕቶ፡ ተራን ዕጫን ኤርትራዊ ስነጥበብ ብከመይ ይመሓየሽ ትብል?
ተስፊት፡
እምባገነናት ክሳብ ዝሃለዉ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ፡ ብፈሊጠ ኵሉ እዩ ክቕጽልን ክጽሓፍን። ዋና ጠባይ ርእሰ ሴንሱር ዝብሃል ኣብ ርእስኻ ኣቐሚጥካ፡ “ግናይን ሰናይን፡ ሕማቕን ጽቡቕን፡ እከይን ቅኑዕን” እናበልካ ምጽሓፍ እዩ። እዚ ሕማም እዚ ወላ እውን ምስ ወጻና ንቕጽሎ ምህላውና እዩ። (እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እምባገነን ዘለዉስ ደሓን።) ሓደ ደራሲ ፍርሒ እንተ ዘይኣወጊዱ ቀምሽ ኣዲኡ ተለቂሑ ጥሽ ይውባእ። ኣብ ሃገረ ናጻ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ተረይዑ፡ ሓለንጊ እምባገነናት ዝድህሎ እንተዀይኑ ዕንክሊል ኣይበል። “ገጣማይ እየ። ጸሓፋይ እየ።” ምባል የወግድ። ስነ ጽሑፍ ንተባዕ እምበር ንፈራሕን ላንግላንጋን ኣይናፍቕን እዩ። ኣመዓባብልኡን ተርኡን ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ብኸምዚ ዘለዎ ክምሓየሽ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ፡ ነቲ ሕሉፍ ክናፍቕ፡ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ድማ ብላንግላንጋ ሕቒቕ ክብል እዩ ዝነብር ዘሎ። ተባዕ ጸሓፊ ምስ ዝፍጠር እዩ ክመሓየሽ ወይ ክስጕም ዝኽእል። እዚ ማለት፡ ነቲ ህሉው ኩነት ብምልላይ፡ ነቲ ጭቁንን ርሱይን ገባራይ ብምርኣይ፡ ብዕምቆት ክብርበርን ክድህሰስን ምስ ዝካኣል’ዩ፡ ክመሃየሽ ዝኽእል።
ኣኽብረት መሓሪ ( ኣኽቢር ጋል ሃገረሰብ ሓንቲ ካብ ኣዲናት ዛራ ገጠምቲ)
ከም ዝፍለጥ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝተፈላለየ ኣተቃቕማ ቋንቋ ትግርኛ ኣሎ። ንስነ ጽሑፍ ወይ ንስነ ግጥሚ ተባሂሉ ንዅሉ ኣማእኺሉ ወግዓዊ ዝዀነ ትግርኛ ኣሎ ዶ ትብል? ህላውነቱ ኸ…!? ጥቕሙን ጉድኣቱን ኣሕጽር ኣቢልካ እንተ ትገልጸልና? የቐንየለይ።
ተስፊት፡
ዝተፈላለየ ኣቋውማ ዘይዀነስ፡ ዝተፈላለየ ላህጃ’ዩ ዘሎ። እዚ ናይ ላህጃ ፍልልይ ድማ ብዙሕ ዘሸግር ኣይመስለንን። ንኣብነት “ሕጂ፡ ሕዪ፡ ሕዚ…” ናይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዮም። ድርጕሞም ውን ሓደ እዩ። ግን ክንጥንቀቐሎም ዘለና፡ ኣብ ድርሰታትና፡ እቲ ዝህነጽ ዘሎ ገጸ-ባህርይ ወይ ጠባይ ኣዘናትዋኡ ብናይ ሓደ ከባቢ ላህጃ እንተ ተሃኒጹ፡ ንነባቢ ዘጸግም ኣይዀነን። ናይ ገጸ ባህርይ ምከና (setting) እውን ንጹር ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። እምበር ከምዚ ፊልም ናይ ዓድና “ናይ ገጠር ፊልም” ብምባል ሕውስውስ፡ ልውስውስ ዝበለ ላህጃ ብምጥቃም ኣልባቡ ነጥፋእሉ እንተ ደኣ ዀይንና እቲ ጥበባዊ ስርሓት ካብቲ ዝህቦ ጥቕሚ፡ ዝሕልፎ ጉድኣት ክበዝሕ’ዩ። ፍልልይ ናይ ላህጃ ኣብ ዝዀነ ቋንቋ ኣሎ። ዓረብ እንተ ኢልና ንኣብነት፡ ናይ ሱዳን፡ ናይ ምስሪ፡ ናይ ሶርያ፡ መቕረብ፡ ናይ ስዑዲ፡ ናይ የመን… ወዘተ ሕጂ ናይ ዓረብ ድርሰታት ፊልም ጅምር ከተብል እንከላ ናይ መን ላህጃ እዩ። ቀልጢፍና ኢና ንፈልጦ። ምክንያቱ ቅርጺ ናይ ላህጃ ሓልዩ ስለ ዝድረስ እዩ።
እታ ካልኣይቲ ምስኣ ዝሰዓበት፡ ‘መወከሲ ንስነ ጽሑፍ ኣማእኺሉ ዝኸይድ መጽሓፍቲ ክሳብ ሕጂ ዝተጽሓፈ ኣይርኣኹን። ኣብ ካልእ ቋንቋታት ግን መዝገበ ቃላት ስነ ጽሑፍ፡ መዝገበ ቃላት ስነ ህይወት፡ መዝገበ ቃላት ፖለቲካ ዝብሉ ተመልኪተ ኣለኹ። ኣብ ትግርኛ ግን ብልክዕ የለን። ኣብ 2012 ግን ሓንቲ መጽሓፍ፡ “ስውያ ንግግር” ብዶክተር ወልደ ገርግሽ (ስሙ ርግጸኛ ኣይዀንኩን፡ እታ መጽሓፍ ግን ነይራትኒ) እትብል ኣንቢበ ኣለኹ። ብዙሓት ናይዚ ዓውዲ ሞያውያን እውን ጽቡቕ ተበግሶን ከም መወከሲ ክትተሃዝ ከም ትካኣል እውን ተዛሪቦሙላ ኣለዉ። ንኹሉ ዘጣማረት ግን ኣይዀነትን። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ እውን ኣብ ኣይዶምስ (idoems) ኣትኵራ ዝተዓየት ስራሕ እያ። ተስፋ ይገብር ረኺብኪ ከተንብብያ። ብሕጽር ዝበለ ግን፡ የለን ዝቐለለ መልሲ እዩ። ደሓር ከኣ ቋንቋ ስምምዕ እምበር ሕጊ ኣይኰነን። ወላ ሓደ ንኹልና ዘማእኽል መወከሲ መጽሓፍ ይዳሎ፡ ካብቲ ላህጃ ተገሊልካ በዚ ኪድ ዝብል ሕጊ ኣብ ቋንቋ ይኹን ኣብ ስነ ጽሑፍ የለን። ኣነ ክቕይዕ ወይ ክሕጭጭ እንተ ደኣ ደልየ በቲ ዝመልኰ ላህጃ ክጽሕፍ እኽእል እየ። ዝበዝሑ ስነ ጽሑፋዊ ህጫጨ ከማን ብኸምኡ ክስርሑ እንከለዉ እዮም፡ ወዝን ጽባቐን ዝህልዎም። (እዚ ናተይ ርድኢት እዩ። ሓጺር ስለ ዝበልክኒ ሊንጎ ገይረ መሊሰልኪ ኣለኹ።)
ዛራ ገጠምቲ
(እዛ ሕቶ መን’ዩ ሰዲዱለይ ስሙ ኣጥፊአዮ ኣለኹ። ምስ ይቕሬታኡ እዛ ሕቶ ክትምልሰለይ።)
ብቑዕ ገጣማይ ዝበለ ከመይ ዝበለ እዩ፧ ከምኡ እውን ብቑዕ ገጣማይ ንምዃን ዝሕግዙ ነጥብታት ወይ ባእታታት እንተትገልጸለይ ጽቡቕ ነይሩ።
ተስፊት፡
ቶልስተይ’ሲ እንታይ ኢሉ መሰካ፡ ነታ “The War and Peace” ትብል መጽሓፉ ናብ ህዝቢ ምስ ኣቕረባ፡ ብኣንበብቲ ኣዝያ ተፈታዊትን ተነባቢትን እያ ኰይናትሉ። ሓደ ካብ ኣድነቕቱ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓቲትዎ፡ “ቶልስተይ ሕጂ ከ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ምስ በሎ። “ሕጂ ደኣ እንታይ ክገብር ሓንቲ ትራሽ ዝኾነት መጽሓፍ የዳሉ ኣለኹ።” ኢሉ መሊስሉ እዩ ዝበሃል። እዚ ናይ ቶልስተይ ኣባህላ ተረዲኡካ ኽከውን ተስፋ እገብር። ማለት ብቑዕ ገጣማይ ዝበሃል የለን። ኵሉ ኣብ ስነ ጽሑፍ ዘበርክት ደራሳይ ይኹን ገጣማይ ኵሉ ግዜ ተማሃራይ እዩ። ካብ ከባቢኡ ይመሃር ካብ ገዛእ ርእሱ ይመሃር… ወዘተ። ምኽንያቱ ስነ ጽሑፍ ወትሩ ፈጠራዊ ስራሓት እምበር፡ ቅማረ ፊዚክስ ወይ እውን ማተማቲክስ ኣይዀነን። ምናልባት እቲ ንኡስ ናይ ተማሃራይ – ተማሃራይ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዓቢ ከኣ ተማሃራይ እዩ። ስለዚ ኣብ ስነ ጽሑፍ ዓለም ወትሩ ትሕንጥት እንተ ዀይንካ፡ ብውሕዱ እውን ልዕሊ ሚኢቲ መጽሓፍቲ እንተ ኣንቢብካ ምላልባት፡ ወይ ንፉዕ ጽሓፊ ወይ እውን ንፉዕ ኣንባቢ ክትከውን ትክእል ኢኻ።
እታ ካልኣይቲ ሕቶ፡ እዞም ባእታታት ግጥሚ ዝበሃሉ፡ ብቑዕ ገጣሚ ንምዃን ኣይዀኑን ዝሕግዙ። ነቲ ኣጋውልን ኣገባብን ኣሰራርዓ ግጥሚን ወዝን ላዛን ንኽህልዎ ዝሕግዙ ጥራይ እዮም። ብቑዕ ንምዃን ዝሕግዙኻ ግን፡ ፈጣራዊ ሓሳባትካ እዮም። ፈጠራዊ ሓሳባት ጥራይ እውን ኣኻሊ ኣይዀነን። ፈጠራዊ ሓሳብ መጺኡ ወዝን ላዛን ዘይብሉ፡ መንፈስ ስነ ጹሑፋዊ ቋንቋ ዘየካተተ እንተዀይኑ፡ በናኒ ስነ ጽሑፍ ስርሓት እዩ ማለት እዩ።
ወዲ ገረብ (ሃብቶም)፡
ብመጀመርታ ሰላም ንዓኻ ይኹን ተስፊት!
ቀጺለ ንግጥሚ ኣመልኪትካ ኣብ ትጽሕፎ ጽሑፍ ብዙሕ ተማሂረሉ እየ’ሞ ቀጽሎ። ናብ ሕቶይ ክኣቱ፡ እዚ ሎሚ ግጥሚ ኢልና ንሰምዮ ዘለና ጽሑፍ፡ ኣባና ካብ መዓስ ኡ ተኣታትዩ፧ እቲ ግጥሚ ዝብል ሽም ይውክሎ ዶ፧ ብመሰረቱ ኸ ካብቲ ግጥም፡ ዝብል ናይ ኣምሓርይና ዝተወረሰዶ ኣይመስለካን፧ ምስ ዝጸንሐናን ዘሎን ማሰ ኸ እንታይ ኡ ፍልልዮም፧ ግጥሚ ምባል ገዲፍና ማሰ ተበልናዮ ኸ፧
ተስፊት፡
ግጥሚ ዝብል ቃል ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝነበረ ምስ ምምዕባልን ምስሳንን ቋንቋ ትግርኛ ዝመጸ ደኣ እምበር፡ ካብቲ ኣብ 13ይ ክፍለ ዘመን ዝበቖለ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ካብኡ ዝተርዓመ ወይ ዝተወስደ ኣይዀነን። ደሓር ትግርኛ ብዝተፈላለየ መግዛእቲ ተራስዩን ተረሚሱን ስለ ዝጸንሐ ደኣ እምበር፡ ናዕታዊ ቋንቋ ምዃኑ ከኣ ክንዝንግዕ የብልናን። ስለምንታይ ንነፍሲ ወከፍ ቃል እናኣረኻን እናለቐምካን፡ “ኣብ ኣምሓርኛ ኣላ፡ እዚኣ ኣምሓርኛ እያ።” እናበልካ። ንቋንቋ ትግርኛ ንምድካይ ይስራሕ ኣሎ እንድዒ!፧
እስከ እዛ ጥቕሲ ንመልከት፡ ብውሕዱ ምስ ምምዕባልን ምንቅስቃስ ስነ ጽሑፍ ኤርትራን ኪንዮኡን ከም ዝነበረት ኣመት እትህበና ንመልከት፡ “እዛ፡ ብትግርኛ፡ ልሳን፡ ብግጥሚ ገይረ፡ መሊኤያ፡ ዝኔኹ፡ ጻዕረይ፡ እንተየስገልካትኩም፡ ናብኣ፡ ኣድሂብኩም፡ ኣንብቡ፡ እሞ፡ ሐንቲ፡ እትድርበ፡ ቃል፡ ከምዜብላ፡ ኪርዳአካትኩም፡ ኢዩ። ናይዚ፡ ዂናት፡ ዐዲ፡ ፈረንጂ፡ ክሌው፡ ኣፍ-ኣፉ፡ ኣሕጽር፡ ኣቢለ፡ ግጥሚ፡ እናሐሎኹ፡ ጽሒፈዮ፡ ዝኔኹ፡ ዝርዝር፡ ገይረ፡ ኣስፋሕፊሔ፡ ጽሒፈዮ፡ እንተዝኾን፡ ታሪኹ፡ ገዚፍ መጽሃፍ፡ ምመልኤ። እዙ፡ ንእሽቶይ፡ ዕዮ፡ እዙይ፡ ጽሒፈ፡ ዝኔኹ፡ ወዮ፡ ኣብቱ፡ ደም፡ ህዝበ-ክርስትያን፡ እናፈሰሰ፡ ዜውሕጀሉ፡ ዘሎ፡ ሀገር፡ ኣብቱ፡ ጥቓ፡ ብደም፡ ወደማርያም፡ ክልዖ፡ ዚሕጸብ፡ ዘሎ፡ ባይታ፡ ኢየ፡ ዝኔኹ፡ እሞ፡ እዙ፡ ከምዙይ፡ ዝበለ፡ መስካሕክሒ፡ ጉብኤ-ጸሊም፡ ኣብ፡ ሕሊና፡ ብዝተሰቘረኒ፡ ክሳቦይ፡ ጫፍ-ጫፋ፡ ምእንቲ ክትፈልጥዋቶ ኢለ እየ።” (from; How the world was set ablaz because of two serpent) እዚ ጽሑፍ ኣብታ “A history of tigrinya literature” (212-213) እትብል ናይ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ እውን ምውካስ ይከኣል እዩ። እዚ ጽሑፍ መዓስ ተጻሒፉ ኢልካ ትግምግም፧ ብውሕዱ እዚ ጽሑፍ ኣብ ግዜ ትርቡሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ወትሃደር፡ ነቲ ዝሪኦ ዝነበረ ብርሰት ደቂ ሃገሩ ስለ ዘስክሓክሖ እዩ። ብግጥሚ ኣቢሉ ክስንዶ ዝሓስብ ዘሎ። ሰኒድዎ ድማ። (ኣገዳስነት እንተ ኣለዋ እታ ግጥሚ ከነስዕቦ እውን ይከኣል እዩ።) ስለዚ ግጥሚ ዝብል ቃል ሕጂ ዝመጸ ዘይዀነስ ዝነበረን ዝቕጽል ዘሎን እዩ።
ካልኣይቲ ኣብነት ክደግም “ግጥሚ ንቋንቋ ትግርኛና መልክዑ፡ ሕብሩ፡ ጽባቐኡ፡ ወዙ፡ ጣዕሙ፡ መቐረቱ፡ ኵሕሉ፡ ቂሐ-ጽልሙ፡ ክምስታኡ… ኪዀኖ ከሎ፡ ዘይስማዕ ዜማ ዘለዎ ዘማሪ ክፍሊ ስነ ጽሑፍ እዩ።” (ሕ-1992 ገጽ-10) እዚ መምህር ኣስረስ ተሰማ፡ ኣብታ ‘ደሃይ ባህሊ” እትብል መጽሓፎም ዝጽሓፍዎ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ውቃበን ኵሕልን ዘለዎ ጽባቔ፡ ስለምንታይ እዩ ናብ ካልእ ቋንቋ ብምጽጋዕ ክሽየጥ ወይ ክሕረጅ ዝድለ ዘሎ፧ እሞ “ዋካ” እትብል ቃል እውን ኣብ ቋንቋ ሉጓንዳ ስለ ዘላ ናይ ትግርኛ ቃል ኣይዀነትን ኢልና ክንጉሕፋ ኣለና ማለት ድዩ? ኣይዀነን። ስለዚ ቋንቋ ስምምዕ እዩ። ምህዞን ምዕባለታት ፊደላቱ እውን ከምኡ። እምበር፡ ከም ሓደ እምባገነን መራሒ ድርቕ ብምባል “ኖ!… እዚኣ ካብ ቋንቋ እገሊት ዝተወስደት እያ። እዚኣ ከኣ ካብ ቋንቋ…” እዚ ከምዚ ፍጽም ዘምሕረልና ኣይዀነን።
ናይ መወድኣታ፡ “ግጥሚ ምባል ገዲፍና ማሰ ተበልናዮ ኸ፧” ኣይፋልካን ከምኡስ ክንብሎ ኣይከኣልን እዩ። ግጥሚ ሓደ ገፊሕ፡ ንብዙሕ ዓይነታት ግጥሚ ዝሓቁፍ እዩ። ማሰ ከኣ ሓደ ካብ ዓይነታት ግጥሚ እዩ። ዓይነታት ግጥሚ ዝብሃሉ ኣዝዮም ብዙሓት እኳ እንተዀኑ፡ ውሑዳት ካብኦም ግን ክጠቕሰልካ፡ ማሰ፡ መልቀስ፡ ዝናኣዊ ግጥሚ፡ ሚሕሸ፡ ስምዕን ወርቅን (ስምዕ ወወርቅ [Wax And Gold poem])፡ ሕደማን ካልእን ክጥቀስ ይከኣል። ስለዚ ማሰ ሓደ ንኡስ ካብ ዓይነታት ግጥሚ እዩ። እምበር ነቲ ዓቢ ግጥሚ ዝብል ትርጕም ክውክሎ ኣይክእልን እዩ።
ኩመል ጎቦ-ጽሕዲ፡
እቲ ግጥሚታትካ ናይ ዓበይቲ ሰባት ማለት ናይ ማሰኛታት ኣሰር ዘለዎ እመስል። ካብቶም ግጥሚ ኣይግጠምን እዩ፡ ካብ ሰረት ቀዳሞት’ዩ ቀዲሑ ዝቕጽል ዝብሉ ከም በዓል ቲ.ኤስ. ኢሌት ዲኻ?
ተስፊት፡
ኣሰር ክህልዎ ግድን እዩ። እቲ ጽልዋ ኣሎ። እቲ ባህልን ልምድን ኣሎ። ስለዚ ኣሰር ክህልዎም ግድን እዩ። ከም ናይ T.S. Eliet እምነት ግን፡ የብለይን። ግጥሚ ይፍጠር፡ ይግጠም ድማ እዩ። ከምቲ ፕሮፌሰር ተጅ ዝበሎ ከኣ፡ “ዛንታታት ስነ ጽሑፍ ኣብ ዙርያና እዮም ዘለዉ። እቲ ኣገዳሲ እንታይ ተቕርብ እዩ።” እምበር፡ ንጥሚ ወላ በዓል ሶቕራጦስ ይኹን ካልኦት ፍላስፋታት ግሪኽ ከም ሓደ ተደጋጋሚ ቅዳሕ ደኣ እምበር፡ ሓድሽ ክፍጠር ኣይክእልን እዩ እዮም ዝብሉ ነይሮም። ደሃር ግን በዓል ፕላቶ ምስ መጹ፡ ቁሩብ ቅይር ዝበለ ይመስል ነይሩ። “ግጥሚ፡ እቲ ዘይተተንከፈ ናይ ኣነቃቓሕቲ ኣማልኽቲ እዩ። እዚ ከኣ ብጽላለ ናይ ሰባት ምንቕቓሕ ዝግሃድ ፈጠራ እዩ።” ይብል ነይሩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ዝርሃቐ ኣይዀነን።
ገጣማይ ሽሻይ ሽመንዲ
“እቲ ኣብ ዓዲ ዘሳለየን ዝቕጽል ዘሎ ዝመስልን ናይ ስነ ጥበብ ‘ሲስተም’ [ኣገባብ] ንምብዳህ፡ ኣብ ስነ ልቦናዊ መረዳእታ ዓንኬል ስነ ጥበባውያን ኣተኲርካ፡ እንታይ ክግበር ይከኣል ትብል፧”
ተስፊት፡
ኣብቲ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበረ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት ብቐሊሉ ክትርድኦ እትኽእል፡ ቀጥታዊ ኣዘናትዋ ዝሓቘፈ፡ ኣብ ክውንነት (realism) ዝተመርኰሰን ብፈሊጠ-ኵሉ ዝዀነ ኣዘናትዋ ዝንገር፡ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ዘልዕሎ ዛዕባታት እውን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ደረስቲ ነቲ ቅኑዕን ግጉይን፡ ሰናይን እከይን ብምርኣይን ብምልላይን፡ ማሕበራዊ ክብርታት ንምምሃር፡ ምቕሉልነት ንምህናጽን ስነ ምግባር ንምስራጽን ነቲ ሕብረተሰብ ንምንቃሕ ዓሊሞም እዮም ዝጽሕፉ ነይሮም። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት ከኣ፡ ልዑል ምትእትታው ናይ ደረስቲ ዝረኣየሉ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እዚ ከኣ፡ ነቶም ገጸ ባህርያት ውሑድ ናጽነት ጥራይ ዝህብ ኣገባብ ኣቀራርባ ይንጸባረቕ ነይሩ እዩ። ደረስቲ ነቶም ግጉይ ኣካይዳ ዘለዎም ገጸ ባህርያት ወይ ጠባያት ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ዝተፈላለየ መቕጻዕቲታት ከውርድሎም ይረኣዩ ኔሮም። በዚ ከኣ፡ እቲ ኣንባቢ፡ ካብቲ ግጉይ ኣካይዳታት ንኽቑጠብ የጠንቅቑ ነይሮም። እዚ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ኣብቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ እዩ።
ድሕሪ ናጽነት እንተ ዀነ እውን እዚ ዓይነት ኣገባብ ስነ ጽሑፍ’ዩ ቀጺሉ። ወላ’ኳ ብዙሓት ጸሓፍትን ምሁራን ናይ’ዚ ዓውዲን ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ክዕምብብ ባህግን ሃንቀውታን እንተ ነበሮም፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ግን፡ ከይቀነየ ተቒጽዩ እዩ ተሪፉ። ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ንኸይድቆስ፡ ንኸይርመስ ከይርምሰስ፡ ንደረስቲ ሓድሽ ወለዶ፡ ኣብታ “ናይ ደረስቲ ናጽነት” እትብል መደርኡ ናይ 1992 ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡ “ብሕልፊ’ኳ ደረስቲ፡ መንግስትና ከይነቐይም፡ ወይ እውን እቲ መንግስትና ኣይፈትዎን ይኸውን’ዩ፡ ወይ እውን ከምዚ እንተ ጽሓፍኩስ ከምዚ ስለ ዝዀነ’ዩ ክብሉኒ እዮም ናይ ዝብል ረማሲ ርእሰ ሴንስር (Self censorship) ግዙኣት ከይኰኑ ምጥንቃቕ ከድልዮም እዩ።[(Recorded video 00፡31፡25 – 00፡31፡41) ምስማዕ ይከኣል።] ስለዚ እቲ ከሳሊ ዝጸንሐ ይሓይሽ ካብዚ ናይ ሕጂ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት ክበሃል ይከኣል እዩ።
ኣብ መዳይ ስነ ልቦና፡ ዘሕዙኒኒ፡ እቶም ካብ ሃገር ምሳና ተሰዲዶም ክንሶም ንእምባገነናት ሶፍት ከቐብሉ ናብ እንዳ ሽቓቕ ዝመላለሱ ደረፍቲ እዮም ዘሕዙንኒ። ካብ ስድራኻ ካብ ቤትካ በርቊቑ ንዘባረረካ እምባገነን ስርዓት ክትናፍቖ ዘይኰነ ዘለካስ፡ ክትቃለሶ እዩ ዘለካ። ደገ ወጺካ ተሰዲድካስ ኢድካ ኣጣሚርካ “ኰሸምሸማዊ ሕደማ” ሰሪሐ ኢልካ፡ ዘርጉሑለይ ሸር በሉለይ እናበልካ ጎስጓስ ከ ካበይ ዝመጸ ባህሊ ወይ ባህሪ እዩ። ሓደ ስነ ጥበበኛ፡ ነቲ ህሉው ኩነት መንብሮ ሕብረተ ሰቡ፡ ነቲ ምረትን ጭቆናን ነቲ ርስየትን ፍልሰትን እዩ ከሪአና ዝግባእ።
ብሓፈሻ ስነ ጥበበኛታትና ደረፍቲ ይኹኑ ተዋሳእቲ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣማእዘንቲ ሕብረተ-ሰብ ዘይዀኑስ ንብዓላቶም ተማእዘንቲ በቲ ሕብረተሰብ እዮም ኰይኖም ዘለዉ። ምኽንያቱ ሓደ ስነ ጥበበኛ፡ “ከምዚ እዩ ዝፈቱ ህዝብና፡ ከምዚኣ ስርሓለይ!” ኢሉ ካብ ምሕሳብ ክሳብ ዘይተገላገለ። ዓይኒ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ህዝቢ ዓይኒ እቲ ስነ ጥበበኛ ድማ ኦኣይነ ስዉር እዩ ኰይኑ ዘሎ። እቲ ህዝቢ ቀዲሙ ይስጉም፡ እቲ ስነ ትበበኛ ድማ ኣሰር ናይቲ ህዝቢ እናተኸተለ እዩ ዝስዕብ ዘሎ። እቲ ኣቐዲሙ ዘሳሊ ዝነበረ ግን፡ እቲ ጥበበኛ መራሒ ወይ ኣማእዛኒ እቲ ህዝቢ ድማ ስዓቢ እዩ ነይሩ። ስለዚ ስነ ልቦና ስነ ጥበበኛታት ክዓቢ እዩ ዘለዎ። ደሓር ሓድሽ ፈጠራዊ ዕዮ ንምስራሕ ደኣ እምበር፡ ንዝተሰምዐ ምድጋምን ንብሁል ምባልንስ ክደክም የብሉን።
***
ዛራ ገጠምቲ
ብስም ዛራ ገጠምትን ብስም እዛ መደብ ደርዘን ሕቶታት ንገጣሚን ከመስግነካ ደስ እብለኒ።
ተስፊት፡
ኣነ እውን ስለቲ ኣኽብሮትኩም፡ ኣጸፋ ክብሪ ንዓኹም እናበልኩ ከመስግነኩም ደስ እብለኒ።