ዘርኡ ተሰማ ሓጎስ (ኣብ 2014 ዕድመ 75)
1ይ ክፋል
ሰላም ተኸታተልቲ ዛራ ጥበባት፡ ንሎሚ ሓንቲ ጽሕፍቲ ሒዘልኩም ቀሪበ ኣለኹ። እዛ ጽሕፍቲ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ወዲ 75 ዓመት ኣቶ ዘርኡ ተሰማ ሓጎስ ዝተላእከትለይ እያ። ኣቶ ዘርኡ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት” ትብል መጽሓፍ ናይ ማሰ ወጽያ ኣላ ምስ ሰምዑ ናብ ኣሚሪካ ደዊሎም ከምዚ ትብል መጽሓፍ ስደዱለይ ብምባል ነዛ መጽሓፍ ብመንገዲ ፈልጥቶም ኣቢሎም ካብ ኣማዞን ከም ትእዘዘሎም ብምግባር ኣብ ኢዶም ከም ትበጽሕ ጌሮም። ነታ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባብ ድማ እዚ ዝስዕብ መኣረምታን ገለ ኣብቲ መጽሓፍ ክወጽእ ዝነበሮ’ሞ ኣነ ዘየካተትክዎ ነጥብታት ብዓቢ ተገዳስነት ጽሒፎም ሰዲዶምለይ ኣለው። ነዚ ዝጸሓፉለይ ጽሑፍ ብዘይ ገለ መኣረምታን መወሰኽታን ከም ዘለዎ ናብ ኣናባቢ ከቕርቦ ዝኽእል እንተኾይነ ፍቓዶም ምስ ሓተትኩ፡ ሰባት እንተንበብዎ ሕጉስ ከም ዝኾኑ ሓቢሮሙኒ። ብመሰረት ፍቓዶም ከኣ እንሆ ናባኹም የብሎ። ሰናይ ንባብ !!
ዘርኡ ተሰማ ሓጎስ (ኣብ 2014 ዕድመ 75)
ዝኸበርካ ኣቶ መኮንን ተስፋይ በራኺ።
ዝኸበረ ሰለምታይን ምስጋናይን ተቐበል። ቀጺለ እዚ ዝስዕብ ርእይቶታት እሰደልካ ኣሎኹ፣ ይጠቅም’ዩ ዝበልካዮ ተቐበሎ። ኣይጠቅምን ዝበልካዮ ድማ ሕደጎ።ከምቲ ብኢምይል ዝሕበርኩኻ ኣነ ዘርኡ ተሰማ ሓጎስ እበሃል፣ወዲ ወዶም ንከንቲባ ሓጎስ እምነቱ ኢየ።
እምበኣርከስ ናብ ዋና ዛዕባይ ክኣቱ፣
1.ኣብታ ዓዲ ሽሁ እትብል ማሰን መልቀስን ናይ ኣቦይ ወለድንግል ኣብ ሽመዛና ዘይኮነስ ኣብ መስሓል ኣኽራን ኢዩ። ምኽንያቱ ሽመዛና ርእሱ ዝኸኣለ ወረዳ ኢዩ። ከማኡ ድማ መስሓል ወደከለን መስሓል ኣኽራንን ነንርእሱ ዝኸኣለ ወረዳታት ኢዩ። መስሓል ወደከለን መስሓል ኣኽራንን ድማ ድቂ ቦኽራይ ኢዮም። ( ቦኽራይ ንገዳይን ነውዓላን ወሊዱ።) መስሓል ወደከለ ደቂ ገዳይ ኢዮም፣ መስሓል ኣኽራን ድማ ደቂ ኣውዓላ ኢዮም። እቲ ኣብ መንጎ ከንቲባ እምነቱ መስሓልን ከንቲባ ያለው ኣኽራንን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ድማ ከንቲባ ያለው ነምበሰተ ገለባን ገለ ክፋል ቤት መጣዕን ናተይ ምምሕዳር ኢየን ክብሉ ከሎዉ ከንቲባ እምነቱ ድማ ናተይ ምምሕዳር ኢዩ ኢሎም ይኽልክሉዎም ነይሮም። ኣብ መንጉኡ ከንቲባ እምነቱ ንከባቢ ቀላይ በዓልቶት ቆላ ገይሾም ነይሮም። (ገለ ሰባት ምስ ሹማምንቲ ትግራይ ስለ ዘይተሰማምዑ ሸፊቶም ኢዮም ዝብሉ ኣሎዉ።) ኣብ ዓዲ ድማ ወዶም ከንቲባ ሓጎስ (መንእሰይ ኢዮም ነይሮም ዝባሃል) ምስ ናእሽቱ ኣሕዋቶም ከንቲባ መድሂንን ከንቲባ ናግስን ወዲ ሓዎም ከንቲባ ካሕሳይን ነይሮም። ከንቲባ ካሕሳይ ዓቢዪ ኢዮም ነይሮም ዝበሃል። ኣብዚ እዋን’ዚ ከንቲባ ያለው ድማ ሓሚሞም ስለ ዝነበሩ ወዶም ከንቲባ ባይሩ እዚኣቶም ኣይኽእሉንን ኢዮም ብምባል ነቲ ዘከራኽር ዝነበረ ቦታ ከመሓድሩዎ ጀመሩ። እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከሎ ኢዮም ከንቲባ ያለው ዝሞቱ። ኣቦይ ወለድንግለ ድማ ኣብ ዓዲ ሽሁ ቀብሪ ከይዶም እታ ጠቒስካያ ዘሎኻ መልቀስ ወየ ዝበሉ። ኣቦይ ወለድንግልን ኣቦሓጎታትናን ደቂ ሓደ ዓሌት ኢዮም።ማለት (ተኽለኣብን ዑቕባየስን) ኣሕዋት ኢዮም። ተኽለኣብ ንዓና ዝወለደ ኢዩ። ዑቕባየስ ድማ ንዓኣቶም ዝወለደ ኢዩ። እንተኾነ ምስ ከንቲባ እምነቱ ስምምዕ ስለ ዘይነበሮም ኢዮም ቁጮ-ምጮ ወይ ድማ ጢና ቁጮ ኣይትቀናዘዋ ያለው እንተሞተስ ባይሩ’ለዋ ክብሉ ወየ ዝበሉ። እታ ዓዲ ሽሁ እትበሃል ድማ ኣብ ከባቢ ኣኽራን እትርከብ ርእሳ ዝኸኣለት ቦታ ኢያምበር ከምቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንብምልኡ ቦታ ሳሆ እትውክል ኣይኮነትን። ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮም ዘሎኹ ከንቲባ ካሕሳይ ወዲ ዓቢዪ ሓዊም ንከንቲባ እምነቱ ወዲ ከንቲባ ሃይሉ ኢዮም። ቅድሚ ከንቲባ እምነቱ ድማ ኣመሓዳሪ ወደከለ ዝነበሩ ከንቲባ ሃይሉ ኢዮም። እቲ ኣብ መንጎ ኣቦይ ወለድንግልን ከንቲባ እምነቱን ዝነበረ ዘይምቅዳው ድማ ኣቦይ ወለድንግል ናብ ከንቲባ ሃይሉ የሻርዉ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። እምበኣርከስ ኣቦይ ወለንድግል እታ መልቀስ ኣልቂሶም ኣብቲ ዓዲ ሓደሩ’ሞ ከንቲባ ሓጎስ ነቶም ኣብ ቀብሪ ውዒሎም ዝተመልሱ ቀብሪ ከመይ ውዒሉ ምስ በሉዎም፣ ኣይዝረብን’ዩ ሕማቕ መዓልቲ ውዒልና ወለድንግል ንገለኹም ኣንጭዋ ንገለኹም ድማ ጣዕዋ ክገብረኩም ውዒሉ በሉዎም። ሽዑ ከንቲባ ሓጎስ ምስቲ መንእሰይ ምንባሮም ኣነ ኣባ ስበር ( ኣባ ስበር መፈክሮም ኢዩ ነይሩ።) ብምባል እታ እንኮ ዝነበረቶም ላሕሞም ኣሕሪዶም ንዓዲ ኣኪቦም ኣብልዑዋ፣ንዓኦም ድማ ምስ መጹ ኣሰሩዎም። ንሶም ተኣሲሮም ከሎዉ ከንቲባ እምነቱ ዓሶ ሓሚሞም ኣሻክሮም ሒዞሞም እናመጹ ከሎዉ ኣብ ደማጺ ዝበሃል ጥሪቶም ዝነብራሉ ዝነብረ ምሕዳር (ኣብዕረ ወይ ድማ ሓውሲ ቆላ) ኢዩ ዓሪፎም። ሽዑ ኣቦይ ወለድንግለ ነቶም ከየምልጡ ዝሕልዉዎም ዝነበሩ። ሓወይን ጎይታይን እናተደብየ ተኣሲረ ኣይውዕልን ለምኑዎ ነዚ ወዲ ጎይታና ይፍተሓኒ ክቐብር በሉዎም። ከንቲባ ሓጎስ ድማ እዚ ዋጣ ጎበር እንታይ ከልቅስ’ዩ ሕራይ ንስመዓዮ ኢሎም ፈትሕዎም።
ሽዑ ከዓዶ ኢሎሙኻ ንድበዮን ንቕበሮን
ሓያል ሰብኣይ ቀጥቅጦን እሰሮን
መኸርትኻ ብሃምን ደንቆሮን
ሞያኻ ብዙሕ ነይሩ’ሞ ሎምስ ኣይነግሮን
ኣንታ ጅግና ሰብኣይ ወዮም ሓሳዎን ወቃሮን
ገዛዶ ሰሪሖሙልካ ብባደላን ጭዃሮን
እግዚኣብሄር ኮይኑ’ምበር ሰብስ ኣይምደፈሮን
እኖታትካ እትየን ወይዘሮን
ኣንታ ዘማት ቦርን ዘማት መሳፍሮን
ጅግና ሰብኣይ ነይርካ’ሞ ሎምስ ኣይነግሮን
በዓል ብዙሕ ሞያ ነይርካ’ሞ
ሎምስ ኣይነግሮን- ኣይነግሮን – ኣይነግሮን
ኢሎም ኣልቂሶም ይበሃል።
ነዛ መልቀስ ከልቅሱ ከሎዉ ብዙሕ እናስቆርቆሩ ኢዮም ኣልቂሶማ ዝበሃል።
ብድሕሪ’ዚ ከንቲባ ሓጎስ ፍትሑዎ ላሕሚ ምስ ምራኻ ድማ ተክእሉ ኢሎም ክሒሶምዎም፣ በዚ ድማ ተዓሪቖም ኢዩ ዝበሃል። እቲ ጽቡቕ ገይሮም ንኸልቅሱ ከንቲባ ሓጎስ ለሚኖምዎም ዝበሃል ግን ጌጋ ኢዩ። ቤተሰብ ንከንቲባ ሓጎስ ኢዮም ንክምሕሩዎም ዝለመኑዎም። ብድሕረኡ ኣብ ካልኣይ ቀብሪ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኣልቀሱ።
ገደ ከመዓልካ ገደ
ጎይታ መስሓል ንጉስ ዓዲ ዒደ
ጎይታ ዓዲ ኣውሊዕ ንጉስ ዓዲ ዒደ
ጎይታ ዓዲ በራሕ ንጉስ ዓዲ ዒደ
ጎይታ ደግፍኒ ኑጉስ ዓዲ ዒደ
ጎይታ ወደከለ ንጉስ ዓዲ ዒደ
ኡፍ ከይበሉዎ ዝነደድ
እንከይሰሓሉዎ ዝበለደ
ከይብልዑዎ ዝመንጎደ
ብንኡሱ ዝሰወደ
ገደ ከመዓልካ ገደ
ዘማት መሳፍሮ በዓል እልፊ ጽዕደ
ዘማት መሳፍሮ ምድሪ ከይረፈደ
ኣንታ ዘይጉህየ እዳኣለይ ብልበይ ፈሪደ
እምበር ደቂ ገዳይ እንዲና ደቂ ሓዳ ልደ
ይትረፍዶ ንኣኻ ናተይ ልደ
ንኻልእ’ኳ ዝኣቱ ንኢደ
ገደ ከመዓልካ ገደ
ንኣይን ንኣኻን ዘካሐደ
ኢደይ ኣእሲሩ ኳሕላ ላሕመይ ዘሕረደ
ኤህ በሉለይ ቀባራይ ከይከደ
ሾውዓተ ትውልዱ ትብደ።
ኢሎም ኣልቀሱ ይበሃል።
እታ እምባ እትብል መልቀስ ግና ገለ ሰባት ብርግጽ ናይ ከንቲባ ሓጎስ ኢያ ይብሉ። ገለ ኸኣ ንሳውን ናይ ከንቲባ እምነቱ ኢያ ዝብሉ ኣሎዉ። ገለ ድማ ናይ ከንቲባ ሃይሉ ኢያ ዝብሉ ኣሎዉ። በዚ ኮይኑ በቲ ግን ካባኣቶም ኣይወጸትን፣ ናታቶም ኢያ። ብተወሳኺ ኣብ ቀብሪ ከንቲባ እምነቱ ሹም ዑቕቢት ዝበሃሉ በዓል ዓሲራ’ውን (ዓርኮም ኢዮም ነይሮም ኢዩ ዝበሃል) ከምዚ ኢሎም ኣልቂሶም ኢዮም።
ኣባ ሰሪ ( ናይ ከንቲባ እምነቱ መፈክር’ዩ ነይሩ)
ከመዓልካ እምነቱ ኣባ ሰሪ
ሰሪ እንተበሉኻ ዕሉም ኣባ ሰሪ
መልቀስካዶ ክስእን መስካሪ
ናብ መስሓል ክትድይብ ናብዚ ላዕሊ
ብፈረስዶ ወጺእካ ብበቕሊ
ብዓትራዶ ደይብካ ብእግሪ
ሰሪ እንተበሉኻስ ዕሉም ኣባ ሰሪ
ኣብ በዓቲዶ ሓሚምካ ከም ነብሪ
ኣብ ኣብዕረዶ ሞይትካ ከም ላም ሕድሪ
ንእሽቶይ ነይራትና’ያ ፍቕሪ
ብጭልቅዓ ሓሪራ ከይትፈሪ
እንዳ ስልጣን ስልጣን ነይበዲ
ኣታ ዓዃይ ሰዃዕ መዓጽዲ
ኣብ ዘይናትካ ኢድካ ከይትወዲ
ከይትሓጊ ተኣሲርካ ኣብ ጉንዲ።
እዛ እንዳ ስልጣን ስልጣን ነይበዲ
ኣታ ዓዃይ ሰዃዕ መዓጽዲ
ኣብ ዘይናትካ ኢድካ ከይትወዲ
ከይትሓጊ ተእሲርካ ኣብ ጉንዲ ዝበልዋ ድማ ( ንከንቲባ ባይሩ ንምውቃስ ኢዩ። ምኽንያቱ በዓል ከንቲባ ካሕሳይን ከንቲባ ሓጎስ ምስ ናእሽቱ ኣሕዋቶም በዓል ከንቲባ መድሂንን ከንቲባ ናግስን ስለ ዘሎዉ ኣይሓድጉኻን ኢዮም ማለቶም ኢዩ ነይሩ። ብድሕረኡ ከንቲባ ባይሩ ሰርዊቶም ኣኽቲቶም መጺኦም ከንቲባ ካሕሳይ’ውን ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ጎላጉል ገለባ ኣብቲ ዘከራኽር ዝነበረ ቦታ ገጢሞም፣ ክሊቲኦም ድማ ኣባኡ ሞይቶም። ነቲ ብወገን ወደከለ ዝነበረ ሰራዊት ድማ ኣብቲ እዋን መንእሰይ ዝነበሩ ከንቲባ ሓጎስ መሪሖም ተዋጊኦም ተዓዊቶም። እቲ ቦታ ድማ ክሳዕ ቀረባ ጊዜ ኣብ ምምሕዳር ወደከለ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ምምሕዳራት ተቐያይሩ ስለ ዝኾነ ከመይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን።
ኣብዚ ሓንቲ ክጠቕሳ ዝደሊ ኣላ። ንሳ ድማ ከንቲባ ካሕሳይ ቅድሚ ናብ ኵናት ምኻዶም ሓሊሞም ይበሃል። እታ ሕልሚ ድማ ከንቲባ ካሕሳይ በቕሎም ሰሪሮማ እናኸዱ ከሎዉ ፍንጥሪያዕ ኢላ ተውድቖም’ሞ ተሲኦም ከሕዙዋ እንተደለዩ ከኣ ትሃድም፣ ሽዑ ከንቲባ ሓጎስ ጎዮም ይስቀሉዋ’ሞ ስቕ ትብል። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ክልተ ዔላሉ ትወልድ። ምስ ተበራበሩ ድማ ኣነ ክመውት ኢየ ሓጎስ ሓወይ ግን ክዕወት ኢዩ ንሰበይተይ ድማ ክወርሳ ኢዩ ክልተ ቆሉዑ’ውን ክወልደላ ኢዩ ኢሎም ዪበሃል። ብሓቂ ድማ ከንቲባ ሓጎስ ካብ ሰበይቲ ከንቲባ ካሕሳይ ( ንሓውቦይ ልጅ በርሀን ንኣሞይ ጥሩወርቅን) ወሊዶም።
2.. ክንቲባ ሓጎስ ኣባ ስበርን ከንቲባ ባህታ ኣባ ጥመርን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ዕርክነት ነይሩዎምዩ ዝበሃል። ደጊያት ባህታ ምስ ጣልያን ተዋጊኦም ምስ ተሳዕሩ፣ ከንቲባ ሓጎስ ንደቆምን ንስድራ ደጊያት ባህታን ሒዞም ንትግራይ ሰጊሮም። ንእሽቶ ሓዎም ንከንቲባ ሓጎስ ከንቲባ መድሂን ግን ጣልያን ንናኹራ ወሲዶም ቀቲሎምዎም። ብድሕሪኡ ንሶምን ካልኦት ከማኦምን ካብ ሃጸይ ምኒሊክ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክረኽቡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም። ሃጸይ ምኒሊክ ግን ኣብ ክንዲ ሓገዝ ናይ ኣጽዋር፣ ንኹሎም ሽመት ሂቡ ናብ ዝተፈላለየ ቦታት ኢትዮጵያ በታተኖም። ሓደ ካባኣቶም ድማ ባሕሪነጋሲ ፋንታ ዝተባህሉ ሎጎታይ (ሓዎም ንኣቦሓጎኣ ነደይ ብንዳደኣ) ንሰላለ እተባህለ ቦታ ተሸይሞም ከዱ። ከንቲባ ሓጎስ ከኣ ንሻሸመነ ተሾሙ። ከንቲባ ሓጎስ ኣይተቐበሉዎን፣ ንባሕሪነጋሽ ፋንታ ንዓናይ ንዓድና በሉዎም’ሞ ምስ ኣበዩዎም እምበአር ድሕሪ ሕጂ ስለ ዘይንራኸብ ኣልቂሰልካ ክኸይድ በሉዎም። ባሕሪነጋሲ ፋንታ እታ መልቀስካስኪ ኣስመዓኒ ሓጎስ ሓወይ ምስ በሉዎም ድማ ከምዚ ኢሎም ኣልቀሱሎም።
ከመዕልካ ፋንታ በዓል እልፊ ገለ
ወዲ ዑቕባዝጊ ኢኻ በዓል እልፊ ገለ
ወዲ ካሕሱ ኢኻ በዓል እልፊ ገለ
ወዲ ዘርኢሰናይ በዓል እልፊ ገለ
ወዲ ቱርኳይ በዓል እልፊ ገለ
ኣታ ጎይታ ሾውዓተ ሎጎ በዓል እልፊ ገለ
ትግሮዋይ ንዓደይ እንዳበለ
ኣከለጉዘታይ ንዓደይ እንዳበለ
ሰረወታይ ንዓደይ እንዳበለ
ሓማሴናይ ንዓደይ እንዳበለ
እንታይ ኣሕሰበካ ንሰላለ
እቲ ዕብዳንካስ ሎሚ እንዳኣ ኣጥለለ
ምስ በሉዎም ባሕሪነጋሲ ፋንታ “ሓጎስ ሓወይ ኣማን ብኣማን ዓቢደ እየ ካባኻ ኣይፍለን” ኢሎም ተታሓሒዞም ተመልሱ ይበሃል። ብድሕሪኡ ከንቲባ ሓጎስ ኣብ በለሳ መሬት ትግራይ ዶብ ጸሮና ተሸይሞም ይነብሩ ነይሮም። ከምኡ’ውን ናብ መሬት ኤርትራ እናኣተዉ ሕነ መድሂን ሓወይ እናበሉ ብዙሓት ጠላይን ቀቲሎም ይበሃል። ኣብ መወዳእታ ምስ ኣረጉ ደቆም ማለት ንኣይ ኣቦይ ብላታ ተሰማ ሓጎስን ሓዎም ልጅ በርሀ ሓጎስን ጣልያን ዝገበረ ይግበር ኣብ ዓዶም ይሙቱ ብማለት ሒዞምዎም ንዓዲ ኣትዮም። ጣላይን ንምንታይ መጺእካ ምስ በልዎም ድማ “ኣታ ጻዕዳ መዓኮር ዓደይ ናፊቐ ኣንኳይዶ ኣነስ ንስኻኳ ትቕመጦ ኣሎኻ” ምስ በሉዎም፣ ጣሊያን ድማ ናፊቕካ ዘይኮነስ “ኣሪግካ ድኣ መንግስቲ ጣሊያን ድማ ኣረጊት ኣንበሳ ኣይቐትልን’ዩ ከምድላይካ ንበር” በሉዎም። ኣብ ዓዶም ድማ ሞቱ። ( ከንቲባ ሓጎስ እምነቱ ሓደ ሓደ ጊዜ መልቀስ’ውን ይፍትኑ ነይሮም ይበሃል።
- ካሊእ ኣቦይ ወለድንግል ማሰ ዝበሉዎ!
ሓደ ጊዜ ኣብ ኣከለጉዛይ ሽግር ኣጋጢሙስ ምስ ካልኦት ክዋግኡ ይቀራርቡ ነይሮም ይበሃል። ሽዑ ዓዲ ሽሁ ( ኣኽራን) ጉቦ ተቐቢሎም ምስጢር ኣሕሊፎም ሂቦም ይብሉዎም። ዳሓር እቲ ሽግር ምስ ሓለፈ ኣቦይ ወለድንግለ ከምዚ ኢሎም ማሰ በሉ ይበሃል።
መስሓል ዓወት ዓዲ ሽሁ ክስፋን
ኳዕቲት ዓወት ዓዲ ሽሁ ክስፋን
ቆላ ዓወት ዕዲ ሽሁ ክስፋን
ዓረት ዓወት ዓዲ ሽሁ ክስፋን
ሽመዛና ዓወት ዓዲ ሽሁ ክስፋን
እንደገና መስሓል ዓወት ዓዲ ሽሁ ክስፋን
ጠልቆም ዝለመደስ ምጥልቋም ኣይገድፋን
ነሕዋቱ ዝሸይጥ ምእንቲ ህርፋን።
ተወሳኺ
- ኣብ ገጽ 80 ጠቒስካያ ዘሎኻ ናይ ኣንስቲ ማሰ ናይ ካሊእ ዘይኮነትስ ብርግጽ ናይ ኣቶ ተመልሶ ቀለተ ኢያ ሰሚዔ።
- ኣብ ገጽ 89 ሃይለማሪያም ደበና ዝበሃል ምስሌነ ዝበልካዮም፣ ቀናዝማች ሃይለማሪያም ደበና ኢዮም ዝበሃሉ ወዲ ባሕሪነጋሲ ደበና ሃይሉ ኣመሓዳሪ 7 ሎጎ ዝነበሩ ኢዮም። ቀናዝማች ሃይለማሪያም ደበና ብጊዜ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ናይ ኤርትራ ክ/ሃገር ላዕሎዋይ ቤት ፍርዲ ፕረሲደንት ዝነበሩ ሕጂውን ብሂወት ዘሎዉ ኢዮም።
- ኣብ ገጽ 94 እቲ ጉዳይ ከምቲ ዝበልካዮ ኮይኑ እቲ ሓያል ሰብኣይ ግን ኣረይ ጋፎ ኢዩ ዝበሃል።
- ኣብ ገጽ 106 ኮሎነል ገብረማሪያም ገረየሱስ (ሓላው ወሰን) ኣዚዮም ሓያል ዝነአበሩ ኢዮም ኣብ ጊዜ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ኣብ ሚኒስትሪ ጸጥታ ዳይረክተር ጀነራል ዝነበሩ ኢዮም።
- ኣብ ገጽ 232 ከንቲባ/ባሕሪነጋሲ ትኩእ ዘርኣት (ወዲ ዝራእ) ንኣከለጉዛይ ብዙሕ ቁምነገር ዝሰርሑ ኢዮም። ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ዝበልካዮ ባእሲ እገላ ሐመስ ምስቶም ካልኦት ኢዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣቦይ ወለድንግል ንባሕሪነጋሲ ጎደፋ በዓል ጉራዕ ከምዚ ኢሎም ማሰ ኢሎሙሎም ዪበሃል።
ወዮ ወዲ ቀሺምበር ንበዓል —–ኣንደዶን ለኮሶን
ወዮ ጎደፋይምበር ንበዓል —– ኣንደዶን ለኮሶን
ኣብ እገላ ሐመስ ሰብኣይ እንተተረኺቡ ደው ኢሉ ዝሸን
ትኩእ ወዲ ዝራእ እንካ ጽባሕ ኣኻዕቢቱ ይኽሕሰን።
ይቕጽል . . . . . .
2ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም ባሕቲ ሕዳር
1 Comment
I can’t wait for the 2nd part.