ብ ኣማኑኤል በርሀ
24/9/2015
ኣርእስቲ ግጥሚ፡ ካብ ሕማም ናብ ሕማም
ደራሲ ፡ ቦኽረ ገብረየሱስ
ዓመተ ሕትመት ፡ 2014 ዓ.ም
ነዛ ግጥሚ መጀመርታ ከንብባ ከለኹ፡ ቅድሚ ብልጫታታ ክእረም ዘለዎ ሸነኻታ’ዩ ተራእዩኒ። ሽዑ ቅልጥፍ ኢላ ሓንቲ ስነ ጥበባዊት ምኽሪ ቅጅል ኢላትኒ። “ብልጫታት ቅልጥፍ ኢሎም ብልጭ ኣይብሉን’ዮም፣ ኣበራት ግን ቅልቅል ውጥም’ዮም ዘብዝሑ። ስለ’ዚ፡ ንሓንቲ ጥበባዊት ስራሕ ጌጋታት ስለ ዝረኸብካላ ቅልጥፍ ኢልካ ኣይተወንዝፋ። እቲ ከቢድ ዕዮስ ኣበራት ምርካብ ዘይኮነ፡ ብልጫታት ምልላይ ኢዩ” ትብል ምኽሪ፡ ግንሕ ኣቢላ ነዛ ግጥሚ ደጋጊመ ከንብባ ከምዘለኒ ሕሹኽ ኢላትኒ – ከምኡ ድማ ጌረ።
ንሓንቲ ግጥሚ “ፈትየያ/ጸሊአያ” ክትብል ከለኻ፡ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ክትምልስ ኣይትግደድን ኢኻ። መንፈስ ናይ’ታ ግጥሚ ኣብ መንፈስካ ኣትዩ ዝፈጥረልካ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ስምዒት፡ ብቃላት ዘይክግለጽ ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ’ዛ ግጥሚ ክብሎ መዲበ ዘለኹ’ውን ቁንጣሮ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጠይ ዝስመዓኒ ዘሎ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ብዓቢኡ እዚ ጽሑፍ’ዚ ድኹምን ብሉጽን ጎድንታት ናይ’ዛ ግጥሚ ንምሕባር፡ ንምምስጋን ወይ ንምንቃፍ ዝዓለመ ኣይኮነን። ንኽንደይ ካብ ህዋሳተይ ተንኪፋቶምን ንሳቶምከ እንታይ ኢሎም መልሲ ናብ ኣእምሮይ ሰዲዶምን ጥራይ’የ ክገልጽ። ብመንገዲ ስምዒታተይ ድማ ኣብ ሞንጎ እዛ ግጥምን ኣንባብን ዝያዳ ምሕዝነት እንተ ዝፍጠር እብል። “እንታይ ማለት’ያ?” ዘይኮነ ግን፡ “ከመይ ማለት’ያ?” ኣብ ዝብል ፍተሻ’ዩ ከተኩር።
ኣርእስቲ ምምራጽ ኣብ ኩሉ ጽነ -ጽሑፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግጥሚ ግን ሓለፋ ይህልዎ’ዩ። ኪኖ’ቲ ናብ ትሕዝቶ ከም ትኣቱ ክገብረካ ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ንባዕሉ ኣካል ግጥሚ ኮይኑ፡ ናይ ግጥሚ ሽታ ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት ድራማታት ወይ ልብ ወለዳዊ መጽሓፍቲ፡ ኣርእስቲ ንበይኑ ርኢኻ ጥራይ ናይ ግጥሚ ከም ዘይኮነ ምግማት ይከኣል’ዩ።
ኣርእስቲ ናይ’ዛ ግጥሚ ከሎ ገና ሕቶታት ዝፈጥር’ዩ። ድሮ ክልተ መድረኻት ወይ ክስተት ከምዘሎ የአንፊቱ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዳዕዲዑ ሓቢሩ’ሎ። እዞም “ሕማም” ብምባል ብሓደ ስም ተጸዊዖም ዘለዉ ክልተ መድረኻት ሓደ ድዩ ሕብሮም ወይሲ ነንበይኑ? ብሓደ ዝነብሩ ድዮም ወይሲ ዘይፋለጡ? ኣብ ኩላ ህይወት ናይ’ዛ ግጥሚ ጥዕና ካብዘየለ፡ እንታይ’ዩ እቲ ጠንቂ? በዛ ኣርእስቲ ጥራይ ብዙሓት ሕቶታት’ዮም መልሲ ዝጽበዩ ዘለዉ። እሞ መእተዊኸ ንኣርእስቲ ተኸቲሉዶ መሪሑና ይኣቱ ወይሲ ናይ በይኑ ባብ’ዩ ዘለዎ?
ናብራስ ክንደይ’ኳ
ፍቕረስ ክንደይ’ኳ
ኣንደበታ ፍቕሪ
በረኸታ ፍቕሪ
ፈገግታኣ ፍቕሪ
ቈላሕታኣ ፍቕሪ
ኩሉ ምላ ፍቕሪ።
እንታይ’ሞ ‘ግበር. . .
ከውሒ ናይ ዝዘርአት
መሊሳ ተፍቅር ንባህጋ እናቐጽዐት
ኣነ አሐንቅቓ – ኣነ አጨንቓ
ከም በደለኛ ግን
ንሳ’ያ ትልምን ኣብ ብርከይ ወዲቓ።
ኣብ’ዚ መእተዊ ሓንቲ ብኩምራ ቃላት ኩሉ ምላ ፍቕሪ ምዃና ዝተገልጸት ገጸ ባህሪ ተሃኒጻ’ላ። “ፈገግታኣ፡ ቆላሕታኣ” ዝብሉ ብዘይ ዋጋ ዝተዓደጉ ቃላት ንጎድኒ ገዲፍና፡ ብመንጽር ሳልሳይ ኣካል ከም ባህጋ ዘይኮነ ኣፍቃሪ ወይ መላፍንቲ ከም ዝገጠማ ተዘንትዩ’ሎ። ተበዲላ ክንሳ ተመሊሳ ይቕሬታ እትሓትት ፍጥረት ካብ ኮነት ’ምበኣር፡ እቲ ሕማም ንሱ ዘይኮነ ንሳ ትሳቐዮ ከም ዘላ’ዩ ዝገልጽ። እቲ ምንታይሲ. . .
እንታይ’ሞ ‘ግበር. . .
ከውሒ ናይ ዝዘርአት
መሊሳ ተፍቅር ንባህጋ እናቐጽዐት። መእተዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ ኣብ ኣርእስቲ ዝነቐለ ሕቶ ኣንፊ ክህብ ትጽቢት ሰዓቢ’ዩ። እቲ “ሕማም” ዝብል ቃል ድማ ከም ውክልና ናይ ስቅያት ወይ ምስኣን ባህጊ ወኪሉ ቀሪቡ ኣሎ ማለት’ዩ። ሓደ ሕማም ርኢና’ለና። ኣብ’ዛ ሕማም ግን ካልእ ናይ ኣበሃህላ ሕማም ዘሎ ይመስል።
ከውሒ ትዘርኣሉ ዲኻ ወይሲ ትዘርኦ? እቲ ዝዝራእ እቲ ፍረ’ዩ። ከውሒ ተቐባሊ ዘርኢ’ዩ። ስለ’ዚ፡ “ኣብ ከውሒ ናይ ዝዘርአት” እንተ ዝበሃል ጥዕና ዘለዎ ኣዘራርባ ምኾነ። ኣብ ዝቕጽል ማይ ቤት/ማይ ቤታት እቲ “. . .ናብ ሕማም” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ ካልኣይ ክስተት እንታይ ይመስል ኢና ክንጽበ።
ምልምማድ ማለት እንታይ’ዩ በጃኺ
ንዓኣ ሓቚፈ አዋግዕ ምሳኺ።
ኣብ’ዚ ግርህ ኢልካ ክትርእዮ ከለኻ ኣካል ዝተሰብረ’ዩ ዝመስል። የግዳስ ካልእ ገጸባህሪ’ያ ትፍጠር ዘላ። እቲ ዝርርብ ድማ ካብ ብሳልሳይ ኣካል ናብ ካልኣይ ኣካል ተሰጋጊሩ’ሎ። ኣየናይ ቅዲ ዝርርብ’ዩ ዝጥቀም ዘሎ ግን ኣብ ዝቕጽላ ነግሕታት ኢና መልሲ ከነናድየሉ።
‘ቲ ጥኒን ትብልዮ፡ እቲ ጸርጸር ዝብሎ
‘ቲ ገዛ ዓጺና መኘኽ ንባሃሎ
ፈሪሱ ሕልናይ ንሱ ምስ ጎደሎ
ከም ካብ ሕሱም ወልፊ
ሓኪም ዝኸልከሎ።
ኣብ’ዚ ሓድሽ ስእሊ ተፈጢሩ’ሎ። መኘኽ ፥ ጥኒን ፥ ጸርጸር ፥ ዕጹው ገዛ.. .. ዝብሉ ቃላት ተዛረብቲ ቅብኣታት ኮይኖም ይስምዑኻ። ገለ ነገር ዝጎደሎም መጻምድቲ’ዮም ተሃኒጾም ዘለዉ። ዘየረዳድእ ነጥቢ’ኳ እንተ ሃለዎም፡ ምስጢሮም ብጎረባብቲ ክስማዕ ግን ኣይደልዩን። ንሳ መቑረምረሚት ንሱ መንጸርጸሪ፡ ግን ከኣ መላኽን ተመላኽን የብሎምን። እቲ ምንታይሲ፡ “ ‘ቲ ገዛ ዓጺና መኘኽ ንባሃሎ” ትብል ነግሒ፡ ንሚዛን ናይ ቆይቆም ምብህሃል ብማዕረ እትሕሉ’ያ።
እዛ ስታንዛ ንበይና ናፍቖት፡ ዕብራን ውሽጢ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ሃስያ፡ መልክዕ ናብራ. . . ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሕብርታት ዝሓቖፈት’ያ። “ጥኒን” “ጸርጸር” ከምኡ’ውን “መኘኽ” ዝብላ ቃላት፡ ድምጺ ፈጢረን ንኣእዛን ኣንባቢ ኣብ’ቲ ህይወት ከም ዝዋሳእ ይገብርኦ። እቲ ዕጹው ገዛ ድማ፡ ብኣዒንቲ ኣቢሉ ኣብ ኣእምሮ ስእሊ ይፈጥር። እቲ ገጸ ባህሪ ነዚ ምንፋቑ ድማ፡ ብድሕሪኣ ከም ዘይጥዓሞ ስለ ዝገልጽ፡ ዓሚቚ ድንጋጸ ይፈጥር። እቲ ዘለዎ ህይወት ምስ ዝተሳእነ ወይ ዝተኸልከለ ሕሱም ወልፊ ምምስሳሉ ድማ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ዕንወት ከም ዘኸተለሉ የመልክት። ስለ’ዚ እቲ ብሕማም ዝተወከለ ቃንዛ፡ ዘይ ከም ኣብ መእተዊ ዝተኣንፈተ፡ ናይ’ቲ ተባዕታይ ገጸባህሪ ደኣ’ምበር፡ ናይ’ታ ኣብ መእተዊ ብሳልሳይ ኣካል ተጠቒሳ ዘላ ኣፍቃሪት ኣይኮነን። ብዝኾነ፡ እዛ ማይ ቤት ሳላ ዝተዓደለቶ ግቡእ ኣመራርጻ ቃላት፡ እኹል ስእሊ ኣብ ምሃብ ተዓዊታ’ያ። እሞ ዝቕጽል ዛንታኸ ተወሳኺ ስእሊ ድዩ ክፈጥር ወይሲ መመላኽዒ ሕብርታት ጥራይ’ዩ ክውስኽ?
ሸጥ ኣንተበልኩኺ ክትልብሚ
. . .ይዝከረኪዶ
ምርር. . .ግዲ ኢሉክስ ብድሎ ክትገጥሚ
ኣቤት ምስ ሓለፈ ጥዑም!
ኣብ ዝቕጽል ዋሕዚ፡ ነታ መኘኽ መባህልቱ’ዩ ብዝኽሪ ዘዕልላ። በዓልቲ እንዳኡ ድፍረት ኮይኑ ዝተሰዖ ቃላት ምስ ወርወረትሉ፡ ተባዕታዊ ኒሕ ሒዝዎ፡ ንኽትእረምን ስብእነቱ ንከርእን ወስ ምስ በለላ፡ ንሳ’ውን ድሎ ክትገጥሞ ተላዒላ። ነዚ’ውን ብናፍቖት ይዝክሮ’ሎ። እታ ንከዘክራ ኢሉ ኣልዒልዋ ዘሎ ምሸት፡ በቶም ተጠቂምሎም ዘሎ መግለጺታትን ኣመራርጻ ቃላትን፡ ስእሊ ፈጢሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ’ታ ምሸት ዝነበርካ ኮይኑ ክሳብ ዝስመዓካ ዝገብር ሓይሊ ኣስኒቕዋ’ዩ።
ንስኺ ብድሕሪ ፊስቶ
ኣነ ብድሕሪ ማዕጾ
ደድፋዕና ሒዝና
ምስ ተሓላለና. . .
እቲ ዛንታ ይደጋገም’ዩ ዘሎ። እቶም ተወሰኽቲ ኣበሃህላታት ግን፡ ተወሰኽቲ ሕብርታት እናሃቡ ነቲ ምስሊ ዝያዳ ኳዕ! የብልዎ’ለዉ። እዞም ቃላት ነታ ምሸት ልክዕ ብቪድዮ ተሳኢላ ትቐርብ ከምዘላ ኣምሲሎምዋ’ለዉ። “ደድፋዕና ሒዝና” ትብል ሓረግ ግን ካልእ ዝጸበቐ ቃል ክርከበላ ምተኻእለ። ሃንደበት እትረኽቦ መሕብኢ’ ካብ ብድፋዕ ብከውሊ ክትገልጾ ይምረጽ። ኣብ ውሽጢ ገዛን ኣብ ማእከል ሓዳርን ምስ ምዃኑ’ውን፡ ምስ ገዛ ወይ ማሕበራዊ ህይወት ዝሳነ ቃል ምምራጽ ምሓሸ። ዋላ’ኳ ይርኣእዩ እንተሃለዉ፡ ንፊስቶን ንማዕጾን ከም መሕብኢ ወይ መኸወሊ ክሳብ ዝሓሰብዎም፡ “ከከውልና” ትብል ቃል ዝያዳ ምወከለት። ወይ’ውን ካልእ ገጣሚ ሓሲቡ ክመርጾ ዝኽእል ምስ’ቲ ናይ ሓዳር ክስተት ዝኸይድ ቃል ክኣቱ ዝያደ መድምዐ።
ብድሕሪ’ዚ ንሱ ገለ ከይትውርውረሉ መከላኸሊ ወይ ዝስንዶ ቤዛ ሃሰው እናበለ፡ ብፈናጅልን መበኮርያን ክትሰሃሎ ጀሚራ። ዘዝቐረበላ ኣቑሑ ገዛ ወርዊራ ምስ ደኸመት፡ ናብ ድርዳር ጸርፍታት ኣትያ። “ብኢደይ ክዓግቶ፡ ደኒነ ከስሕቶ” ዝብላ መግለጺታት ከኣ፡ ነቲ ስእሊ ዝያዳ ድምቀት ይህበኦ። ነቶም ገጸ ባህርያት’ውን ብኣካል ትፈልጦም ኮይኑ ክሳብ ዝስመዓካ ይውሕዝ እቲ መግለጺታት።
ወግዒ ክጅምረላ ከሎ እቲ ምከና ኣብ ዕጹው ገዛ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ከኣ ንምስጢራውነቶም ዝገልጽ ምከና’ዩ። ብድሕሪ ውርወራን ጸርፍን’ውን ድምጾም ብጎረባብቲ ከይስማዕ’ዩ ፈሪሑ። ናውቲ ገዛ ወርዊራ ካብ ዘይሰለጣ ናብ ጸርፊ እንተ ኣትያ፡ ብድሕሪኡ ናብ ኣውያት ክትኣቱ ትኽእል’ያ። እታ ገጸ ባህሪ መጠን ክንደይ ነዲራ ከም ዘላን ብቐሊሉ ዝሃድእ ቁጥዐ ከም ዘይኮነን ድማ ይነግረና። ስለ’ዚ፡ ኣውያት ከይትድርጉሖ ጠኒኑ ኣትይዋ። ምስ ተተሓሓዙ ወይ ኣካላቶም ምስ ተተናኸፉ፡ እቲ ረስኒ ካብ ጥርዚ ናብ ፍታሕ ገጹ ኣንቆልቊሉ። ንእዶም ዓሪቕዎም ድማ ዛንታ ናይ’ታ ምሸት፡
ከይተሸማገልና ብጎረባብቲ
ጠኒነ ኣትየክስ ተዓሪቕና ኣብ ንእዲ” ብምባል፡ ዛንታ ናይ’ታ ምሸት ይዛዘም። ኣብ መእተዊ ከምዝርኣናዮ፡ እዚ ገጸባህሪ፡ ነዛ ናይ’ዛ ምሸት መኘኽ መባህልቱ ገዲፉ፡ ምስ ካልእ ኩላ ምላ ፍቕሪ ዝኾነት ኣፍቃሪት’ዩ ዝነብር ዘሎ። እንተ ፈኾሰሉ ኢሉ ግን ምስ’ታ ዝገደፋ/ዝገደፈቶ ብዝኽሪ ከዐልል ጸኒሑ። ደሓር ድማ ብዛዕባ ዝሰምዖ ደሃያ ይዛረባ።
ሓሚምኪ ሰሚዐ ጀሚርኪ ክትስሕቂ
ከሜሎ’ሞ ጭንቀት ናብራ ብዘይ ቆይቂ
ኢዶም ኣይስኣኑ ይትረፍኪ ዝበሉ
ንሰብ ዕጋበቱ ልማዱ’ንደኣሉ።
ሰባት’ዮም ንዕኣ ምዒዶም ፈላልዮሞም። ብድሕሪኡ ንሱ ካልኡ ረኺቡ፡ ንሳ ግን ናብ ጽላለ ገጻ ከይዳ። ነቲ ዘላቶ ህይወት ድማ “ከመይ ኣሎ” እናበለ ይሓታ። እቲ ዛንታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ’ዚ ተዛዚሙ’ዩ። ግን ከኣ ገለ ተወሳኺ መልእኽቲ ሂቡ ክፋነዋ ደልዩ’ሎ። ከም ሰብኣይ ትቖጽሮ ስለ ዘይነበረት፡ ስብእነቱ ክትርኢ ንገዛኡ ክትመጽእ ይጽውዓ’ሎ። ስብእነት ዝብሎ ዘሎ ካልእ ሰበይቲ ምሓዙ’ዩ። ነታ ሓዳስ ኣፍቃሪት ርእያ ብቅንኢ ክትሕመስ ምዃና’ውን ይነግራ’ሎ። ደሓር ግን ተጣዒሱ፡
. . .ወረግ ከይትመጺ
ወውራይና ንግበር በዓል ሓዳር’የ
እነግረኪ’ለኹ
‘ተምጺአ ሰይጣን’የ። ቢሉ ዛዚሙ’ሎ።
እዛ ዝገደፈቶ ገጸ ባህሪ ኣእምሮኣ ናብ ምስሓት ገጻ ከይዳ ክንሳ፡ እሞ ድማ ምስ’ዚ ኩሉ ናፍቆቱ፡ ዝኾነ ድንጋጸ ግን ኣየርእን። ያእይ ከኣ ከም’ዛ ዘይትፈልጦን ተጓይዮ ከምዘይነበረትንሲ፡ “እንተምጺአ ሰይጣን’የ” ኢሉ ይፍክር ኣሎ።
እዛ ድራማዊት ግጥሚ፡ እቲ ገጸባህሪ ምስ ሓንቲ ወትሩ መኘኽ ትብሎ ዝነበረት በዓልቲ ሓዳሩ ተፋቲሑ፡ ምስ ካልእ ፍቕሪ ዝኾነ ኣንደበታ ይቋረን’ሞ፡ እንተኾነ እንታይ ምዃኑ እቲ ሓድሽ ሓዳር ኣይማእምኦን። ብዝኽሪ ናይ’ታ ወትሩ ኣብ ቆየቛ ዝነበረ ኣፍቃሪቱ ይሕመስ። እቲ ናይ ግዜ ምከና ድማ ካብ ርሑቕ ሕሉፍ (ይዝከረኪዶ ስለ ዝበላ’የ ‘ርሑቕ ሕሉፍ’ ኢለዮ) ክሳብ’ዛ ዘላ ህሞት’ዩ።
እዛ ግጥሚ ዝርርባዊት ኮይና፡ ዳያሎግ ዝበሃል ግን ኣይተጠቅመትን። ዓው ኢሉ ምስ ነብሱ (ሞኖሎግ) ወይ’ውን ንበይኑ ብዘይ ድምጺ (ሶሎሎግ) ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ። ዝምልሰሉ ኣካል ዘይምህላዉ ድማ ነቲ ቃንዛኡ ዝያዳ ቃንዛ ይድረቦ።
እዛ ግጥሚ ንህዋሳት፡ ልብን ኣእምሮን ብማዕረ እተሳትፍ’ያ። ዝበዝሑ እቶም ቃላትን ሓረጋትን ስእላውያን ብምዃኖም ድማ፡ እቲ ክልተ መድረኻት ናይ’ቲ ገጸ ባህሪ ብንጹር ይርአ።
ነቲ ብቆይቂ ዝተመልአ ናብራ ብሕማም ወኪልዎ – ግን ከኣ ይናፍቖ’ሎ ነገር ልማድ። ነቲ ዳሕረዋይ ዘይግሉጽ ሓዳር’ውን ብሕማም ወኪልዎ – እንታይ ጎዲልዎ ግን ንጹር ኣይኮነን። ብዝኾነ ግን፡ ኣነ ነታ ገዛን ነታ ቀዳመይቲ ገጸ ባህርን ዝፈልጠን ኮይኑ ይስምዓኒ’ሎ። እቲ ክብሎ ዝደለኹ ገና ኣይበልክዎን ዘለኹ’ሞ፡ ተስፋ እገብር ተመሊሰ ምስ’ዛ ግጥሚ ዘዕልለሉ ኣጋጣሚ ክረክብ።