መወናወኒ ሩባይ፡ ተፈታዊ ሳዕረይ ሰላም እብለካለ’ኹ
ናይ ስራሕ ድሌትን ፍሉሕ ስምዒትን ጸጥ ዝበለ ሂወትን ብኣኻ ገዚኤ’ለኹ!
ዕድመይ ዕድመ ሩባ፡ ዝወረደኪ መርድእ ከይሰምዖ
ብመልክዕ ተፈጥሮ ህይወተይ ሓጺረ እልክዖ
ኩሉ ኣረሲዕክኒ ንስምዒተይ ይግስጾ፡ የቖጥዖ!
ናትኪ’የ እብለኪ’ለኹ ናይ ሲያርጻድ ግምቢ
እወ ብናይ ሓጥያት ካባ ለዊጠኪለ’ኹ!
ሕሰም ኣይትርከቢ።
ቀበጥበጠይ ፈንጠዝያ ሓዊሰ
እዚ ግቡዝ ስሕተተይ መከራይ ዘቕመሰ
እነኹ እቕንዞ ዝርንዛሕ እናነባዕኹ
ብናይ ቀልዓለም ሓጎስ ቀይረኪ’ለኹ።
ጸጥ ዝበለ ቆጥቋጥ ፡ ዝለምለመ ቦታ ሰላም ዝዓለቦ
ስንፍና ብነጻ ናይ ሓሳብ ዕርክነት ዘሸንበቦ
ኮንቱነተይ ኣብ ዝፈለጥክሉ
ኣገናዕ እብለኪ’ለኹ
ናትኪ’የ እብለኪለኹ!
እዚ ናይ ገደና ግራት በትክልቲ ዝጸለመ
ዝሑል ኣየሩ፡ መኣዛ ዕንባብኡ፡
መንፈስካ ሰሓቢ ዕውዶዕውዶ ሩባ
እንተተዓጢንካዮ፡
በቶም ሓሰር ጌርካ ኣብቲ ሰፊሕ ሜዳ
ንመንፈስ ይዕብሉኽ ካብኡ ዝመጽእ ሽታ
ከም ኩሕሊ ዝጸሪ ጽባቐ ዘሰንብድ
ነኣሽቱ ወሓዝቲ እናኣሕሾኽሾኹ፡
እቶም ዓበይቲ ማዕበሎም ክነጒድ
ናብ ሜዳ ክፈሱ ሰብ ብጽባቐ ክዓብድ!
ትንፋስ ዘለዎም ናይ ተፈጥሮ ኣሳእል ጐነይ ከቢቦሞ
እቶም ሰመያዊ፡ ዝመልኡ ሓጽብታት ዓይነይ መሊኦሞ
ሰብ ጻዕዳ ባንዴራ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ምስ ጃልባኦም
ከንሳፍፉ ሓሓሊፎም
ኣብቲ ኮረቢት ሓጽቢ ሕልፍ ኢልካ
ዝተተለሙ ግራውቲ፡ ተሰሪዖም መስርዕ
ካብ ርሑቕ ይርኣዩኒ፡ ንሱርካ ዘናፍቕ!
ነኣሽቱ ኣጓዱ፡ ኣብ መሬት ተተኺሎም
ኣብቲ ረግረግ ቦታ ኩድም ኩድም ኢሎም
ኣፍራስ ክጋልቡ፡ ዘገርም ክትርእዮም!
ካብ ናይ እኽሊ ቆፎ፡ በነን ዝብል ትኪ
ንፋስ ዘዝሮ እንዳ ጣሓኒት እኽሊ
ኮሊለ ክጥምት ዝኸበበኒ ኹሉ
ስራሕ ኮነ ደስታ ልበይ ዘይዓግበሉ
ኣነ ኣብዚ ቦታየ! ብሓቂ ዝህሉ
ካብ ህውከትን ስቃይን ነጻ ወጺኤ ዝገላገለሉ!
ውሽጣዊ ፍስሃ፡ ብተመስጦ ስምዒት ኣሃዱ ዝብለሉ።
ብንጹህ መንፈሰይ ናይ ተፈጥሮ መልክዕ
ከም ሕጊ ፈጣሪ ዝሸማደድክዎ! ከም ልክዐ ልክዕ
ኣነ ኣብዚ ሓሰር መሰር፡ ቁጥመ-ቚጥሚ፡
ካብ ኮነ ተገብረ እዝነይ ዝዓጸኹ
ካብ ዘይኮነ ሃጠውቀጠው ልኮተ ልሳን
ናይ ኒኽኒኽታ ልማኖ፡ ካብ ልበይ ከጥፍኦ
ዝጸዓርክሉ ቦታ።
ኣነ ኣብዚ ዶብየ ! ቃል ዝኣተኽዎ ዘይቀንዐ ዕድል
ስራሕ’ቶም ጨቖንቲ፡ ናይ ሰነፋት ስራሕ!
በደል ኣብ ርእሲ በደል
ናይ ኮንቱ ዝንኦም ትኸል ንቐል።
ጥንታውያን ፈላስፋታት ኣብዚ ተሓተቱ ስምዑ ክሓተኩም
ኣብዚ በዓል ግርማ ብሕትውና ከቢቡኒ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይነ ክሰምዓኩም
ሓንሳብ ብድድ በሉ
በሉ መልሱለይ! ረጊአ ጽን ክብሎ
ቃልኩም ክደሃየኒ ይስምዓኒ’ሎ!
ስንፍና ትብዓተይ ጨምዲዱ ንዝሓዞ ሕልመይ፡
ቀዲምዎ ድምጽኹም! ኣስሪሑኒ
ኣብ ልበይ ዓሊቡ፡ ንቅሓት ፈጢሩለይ
ወኒኹም በጺሑኒ!
እዚ ናትኩም ጥበብ ሰሪጹ ኣብ ሂወተይ
ኣብ ልበይ በቊሉ በሲሉ ኣብ ኣካላተይ።
ኩሉ ጽቡቅ እንከሎ…………
ህይወተይ ዘቕሓሮ፡ ንልበይ ዘሕዘኖ፡ ክፉእ ነገር ኣሎ!
ሰብኣዊ እንታይነተይ፡ ኩሉ ኣጽኒዕዎ’ዩ፡ ብሓዘን ተሴሩ
ኩሉ ብምርኣዩ፡ ውርደት ድንቁርና ንሃገር ወሪሩ!
ንብዓት ከም ውሕጅ ክረምቲ፡ ኣንጀብጂቡ ክውሕዝ
ዶግዓን ዋይዋይታን ፡ እዝኒ ለሚድዎም፡
ሰማዒኦም ክጠፍእ! ክድንዝዝ
ፍጡር ንምጭፍጫፍ፡ ኣብ ደም ንምሕንባስ
ዕድል ዝመልመሎም ሓሰማ ዱር
ሰብኣዊ ርህራሄ ቕንጣብ ዘይብሎም!
እቲ ስርሖም ምግዱር
ደቀባት ኣራዊት፡ካብ ጫካ ዝመጹ ደም ውሒጦም
መስገደዲ ጮግራፍ ኣብ ኢዶም ጨቢጦም
ጉልበት ወዲ ድኻ፡ ግዜኡን ገንዘቡን
ጌረሞ ንውልቆም!
መሳኪን ሓረስቶት፡ ብማሕረሻ ናይ ሰብ፡
ወትሩ ተደፊኦም ሕቆኦም ጐቢጡ
እዚ ቐጢን ባርነት! ምስ ትልሚ ክዳፋእ ዘጢጡ
ዕድመኡ ተጎቲቱ፡ መጥፋእቲ ደቀባት፡
ብቐጢን ጎይታነት፡ ማይ ቀጠነ ክብሉ፧
ግፍዖም ተራእዩኒ ዝያዳ ጐሊሑ!
ኣብዚ ናይ ስቃይ ጉንዲ፡ ኣርዑት ናይ ባርነት
ካብ ዝባን ሓረስቶት፡ ከይወረደ ይመውት
ተስፋ’ውን ከይገብሩ፡ ክምነዩ ምንዮት፡ ዘይብሎም ፍቓድ!
ቅልቅል ቅልቅል እንተበሉ ሓደስቲ ዕንባባታት ዓንቢቦም ይረግፉ
ምዕንባብ ይዕንብቡ፡ ክትርእዮም የህርፉ
እንተኾነ ነቶም ሕንቁቓት፡ መዝሓሊ ስምዒት ኮይኖም’ዮም ዝተርፉ!
ነቶም ዝሸምገሉ ፡ ንወለዶም
ደገፍቲ ንምዃን፡ ዕዳኦም ንምኽፋል
ኣጉባዝ መንእሰያት፡ ናይ ስራሕ የማናይ ኢድ
ካብ ቤቶም ወጺኦም፡ ከርተት ዝብሉ
ስራሕ ክቑጸሩ ኣብ ጨው ቀትሪ
ንምብዛሕ እኮዩ ናይ ዓሳክር ቁጽሪ!
እንታይ ኔርዎ ልሳነይ፡ ግርማ ሞጐስ ረኺባ
ልቢ ሰብ ፈንቂቓ፡ እንተኣተወት ከፊታ፧!
እዛ ጸባብ ኣፍልበይ፡ ደቂቕ ንቅሓት ፈጢራ
ምቅጻል ገዲፋ፡ ንምንታይ ኣይተዓደለትን
ትንፋሰይ መንጪታ ፍጡር ከተርግእ፡
ሓይሊ-ቓል ኣውጺኣ!፧ ተርጊኣ ተርቢዓ!
እርኢዶ እኸውን!፧ ብጾት! ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ከይጨነቖ
ኣርዑት ናይ ባርነት ካብ ክሳድ ሰብ ወጺኡ፡
ተሴሩ፡ ወዲቑ ክርሕቆ
እርኢዶ እኸውን፧! ነጻነት ደሚቓ ከተብርህ፡
ኣብ ሃገረይ መሬት፧
ዝደመቐ ብርሃን ነጊሁ ክቕልቀል
እርኢዶ እኸውን ብሓቂ…………፧
ግጥሚ፡-ኣሌክሳንደር ፑሽኪን(1819)
ትርጉም፡- ወዲ ኣቢብ