ማይኮ ተኽለ
ሂወት ከም ጸወታ ዳማ/ ኣብ ክፉት ጣውላ/ ምሳይ ትጣላዕ !/ ኣብቲ ዝመልኮ-ናይ ምንባር ሜላ/ ክስዕራ’የ ንናብራ……………
እናበለ የዝዮም ድምጻዊ ግርማይ ዓንዶም ኣብታ ‘ሂወት’ እትብል ዜማኡ።
ወዲ ሰብ ንኽነብር እዩ ዝፍጠር፡ ዓውደ ምንባር ክኣ ኣዝዩ ሰፊሕ ዓውዲ ኮይኑ፡ ብዙሓት ባእታታት ኣብ ውሽጡ ይሓቁፍ። ስለዚ ድማ’ዩ ወዲ ሰብ ፍጥር ምስ በለ ኣብ ዓውደ ምንባር ተጸምቢሩ፡ ከከም እንታይነቱን ኣታሓሳስባኡን፡ ዝፈጠሮም ሜላታት እናተኸተለ መስርሕ ምንባር ዘሰላስል። ኮይኑ ግን፡ ናይ ምንባር ሜላ እናተበላሓተ ዝሓሸ ኣገባብ ናብራ ክነብር ‘ድኣሉ ዝቃልስ እምበር፡ ኩሉ ግዜ ብኸምቲ ዝወጠኖ ኣገባብ ይነብር ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ዘያማይ ዝበሎ፡ ‘ሂወት ናይ ምንባር ዕድል ትህብ እምበር-ከምቲ ትደልዮን ትብህጎን ኣገባብ ጌርካ ንኽትነብራ ኢዳ ኣጣሚራ ኣይትዕዘበካን’ያ።’ ናይ ምንባር ዕድል ፈጢራ-ንቕልስ እትዕድም መስርሕ እያ። ስለዝኾነት ድማ’ዮም ደቂ ሰብ ‘’ሂወት ቃልሲ’ያ’’ ክብሉ ኣሕጺሮም ዝገልጽዋ።
ይዝከረኒ፡ ኣብ ዳንተ (ውሽጢ ሲነማ ዳንተ እትርከብ መዘናግዒ ማእከል) ሻሂ እናሰተና ብዛዕባ ሂወትን ምንባርን ኣብ ነዕልለሉ ዝነበርና እዋን ፡”ምንባር! ንዘይተፈልጠ ገደብ ግዜ ንዝተመጠነትልና ሂወት፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ ኣገባብ ንኽንነብራ ብፈጣሪ ዝተዋህበትና ዓውዲ እያ” ኢሉ ክገልጻ። ኣይተጋገየን! ነብሱ ይምሓሮ፡ እዚ ሕጂ ናይ ምንባር ግዚኡ ዛዚሙ ድሮ ተፈልዩና ዘሎ ስነጥበባዊ ዮናስ ዮሃንስ(ወዲ ኪኮ)- ንምንባር ብልክዕ እዩ ገሊጽዋ። ከምቲ ንሱ ዝበሎ፡ ምንባር ናይ ገዛእ ርእሳ ስልጣን የብላን፡ በቲ ነዛ ትንፋስ ዝዓደለና ፈጣሪ፡ ነታ ሂወት ንኽንነብራ እትኽፈተልና ባይታ ጥራይ እያ። ግን ክኣ ወዲ ሰብ ስቕ ኢሉ ንዝተዋህቦ ገደብ ግዜ ክቖጽር ጥራሕ ስለ ዘይተፈጥረ፡ ምስ ምንባር ተፋጢጡ፡ ዕድመ ሂወቱን እንታይተንት መፈጠሩን ትርጉም ንምልባስ፡ ኣብ ሜዳ ምንባር ወሪዱ ዝቓለስ።
እምነቱ ዓቒቡ ተልእኾ ምንባር ከሰላስል፡ ፍቕሪ ሰኒቑ ሂወቱ ከመቅር፡ ሰሪሑ ዝሓሸ መልክዕ ናይናብራ ክነብር፡ ተማሂሩ ነብሱ ክፈልጥ፡ ነብሱ ፈሊጡ ቃና ውሽጡ ከዳምጽ፡ ስምዒታቱ ተረዲኡ ብሕልና ክግዛእ፡ ንፈጣሪኡ ተኣዚዙን ኣሐጒሱን ድሕነት ክጎናጸፍ፡ ነብሱ ኣድሒኑ ነቲ ቀንዲ ተልእኾ ሂወት ኣብዛ ዓለም ብምስልሳል- ናይ ዘልኣለም ሂወት ክረክብ ……. ይጽዕር፡ ይቃለስ፡ ይነብር። ወዲ ሰብ!
ስነ-ጥበበኛ ዮናስ ዮውሃንስ ውን፡ ከም ሰብ በዚ መስርሕ እዚ ሓሊፉ፡ ካብ እዋን ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስ ምንባር ተቓሊሱ። ኣብ እምነት፡ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ፡ ኣብ ስራሕ ዓለም፡ ኣብ ፍቕሪ፡ ኣብ ሓዳር፡ ኣብ ውላድን ፍቕሪ ዉሉድን በጺሑን ኣስተማቒሩን። ሓንቲ ምዓልቲ ኢዱ ከይሃበ፡ ንምንባር ተቓሊሱ ንሂወቱ ነቢርዋ።
ኣብ 2003፡ መበል 17 ዙርያ ወተሃደራዊ ተዓሊም ናብ ሳዋ ምስ ወረድና ኢና ተላሊና፡ ብሓደ ተዓሊምና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይክኣሎ ውን ብሓደ ተማሂርና። ዮናስ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ሓደሽቲ ሓሳባት ኣብ ምፍልፋል ሓያል ክእለት ከምዝነበሮ ሽዑ እየ ፈሊጠ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍን ግጥምን ኣዝዩ ብሉጽ ብቕዓት ከምዝውንን ኣብቲ ገለ ገለ ብሓንሳብ ንሰርሖ ዝነበርና ግዝያት ጽቡቕ ጌረ እናተዓዘብክዎ ክመጽእ ክኣኢለ።
ዮናስ ዘይከም ኣነ፡ ቀልጢፉ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ናይ ምፍላጥን ምውህሃድን ፍሉይ ክእለት ነይርዎ፡ ካብኡ ዝተበገሰ ፈለጥቱ ኣዝዮም ብዙሓት ምንባሮም እዝክር። ጉዳይ ሳዋ ተዛዚሙ 2005 ኣስመራ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ይዝክር። ብርክት ዝበሉ ድርሰታቱ ከንብቦም ይዕድመኒ ስለ ዝነበረ፡ ብልጸት ፈጠራታቱ ጽቡቕ ጌረ’የ ዝፈልጦም። ንፉዕ ገጣማይ ውን’ዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዋላ ኳ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ተላቢሱ ክዋሳእ ጀሚሩ እንተዘይነበረ፡ ኣብ ገለ ገለ ፊልምታት ሃገርና ዝውሃቦ ዝነበረ ሓጸርቲ ገጸባህርያት ናይ ምውሳእ ክእለቱ ይዕዘቦ ነይረ ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ኣዝዩ ዓቢ ተዋሳኣይ ክኸውን ምዃኑ ይፈልጥ ነይረ እየ።
ኣብ መወዳእታ 2006 ሓደ ሰንበት ኣብ ገዛና፡ በጋጣሚ ማንም ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ንመጀመርታ ግዜ ባዕለይ ንምሳሕ ዝኾነኒ መግቢ ከዳሉ ኣብ ዝፈተንኩሉ፡ ፓስታ ስፓጌቲ ንኸብስል፡ እቲ ፓስታን ዝሑል ማይን ብሓደ ስለዝሰኽተትክዎ፡ ብፋርኬታ ጠጠቕሊለ ክበልዓ ዝሓሰብክዋ ፓስታ ስፓጌቲ- ብማንካ እትብላዕ ጽብቕቲ ግዓት ኮይና። በዚ ተስፋ ቆሪጸ፡ መረሳስዒ ጥሜት ዝኾነኒ ፊልም ወሊዓ ነደይ ክጽበያ ኣብ ዝመረጽኩሉ ህሞት፡- ዮናስ ዓርከይ ሃንደበት ተጸንቢርኒ። ‘’ጠሚና ኢና መጺና ምሳሕ ደኣ የለን ድዩ?” ምስ በለኒ ድማ’የ ነታ የሕፊራትኒ ክሓብኣ ዝሓሰብኩ ዘጋጠመት ጉዳይ ዘዕለልክዎ። ዮናስ ስሓቑ ክቆጻጸሮ ኣይክኣለን፡ ግን ክኣ- ግዲ ተስፋ ክህበኒ ደልዩ “ኣምጻያ ጥራይ-ሓንቲ ኣይብለናን ‘ዩ” “ ደይ ሓይኽና ምስ ውሓጥናዮስ፦ ግዓት ‘ዩ ክቕየር….” እናስሓቐ ምብላዕ ምስ ጀመረ ኣነ ውን ስዒበዮ፡ ጥዕምቲ ግዓት ብስልሲ ተመሲሕና። ካብዚኣ ዝጀመረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ኣዕሩኽ ምሓዙት ሻሂ ቡን ኣብ ንብለሉ እዋን፡ ዘዝተላዕለ ኣርእስቲ ዕላላት ብምጥዋይ፡ ናይታ ጋዓት ብስልሲ ዕላል እናምጸ፡ ነታ ናይ ሽዑ እዋን ዝበለጸት ምህዞይ(ግዓት ብስልሲ) ፡ ዳርጋ ምስ ኩሎም ፈለጥትና ኣላልይዋ እዩ። ዮናስ ኣቦ ዋዛ!
“ወዲ ሰብ ቀንዲ ናብ ዓለም መምጽኢኡ፡ ንኽሰርሕ እዩ። ላዕልን ታሕትን እናበለ ድማ ሕጉስ ናብራ ንኸሕልፍ ይጽዕር። ካብቶም ጎደሎ ሓጎስ ዝውንኑ ፍጡራት ሓደ ኣነ’የ። ንሕሉፍ ዘመን ሂወተይ፡ ተጣዒሰ’ኳ እንተዘይመለስክዎ፡ ከም መወከሲ መጻኢ ሂወተይ ግን ክጥቀመሉ’የ። ግዴታ እዩ!” ኣብታ “ወዲ ኪኮ” ትብል ቀዳመይቲ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐት ድርሰቱ(ፊልሙ)፡ ኣብ መእተዊ ናይቲ ዛንታ ዝተጠቕመላ መሳጢት ሓረግ እያ። ዮናስ መብዛሕትኡ ሓሳባቱ፡ ዕላላቱን ድርሰታቱን ምስ ሂወት-ጻዕሪ-ምንባር ዝትሓሓዝ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ማለት እታ ብዛንታ(ካብ ድርሰታቱ) ዝፈልጣ ዝነበርኩ “ወዲ ኪኮ” ትብል ፊልሙ፡ ኣብ ሕትመት ክትበጽሕ እንከላ ኣነ ድሮ ኣብ ስደት ይርከብ ኔረ። ስለዝኾነ፡ እታ ወዲ ኪኮ እትብል ሳጓ ብድሕረይ ዝጠበቐቶ ሓዳስ ሳጓ እያ፡ እምበር፡ ንኽበልዕ ኮነ ንኽጽሕፍ ወይ ውን ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ንኽዓምም፡ ጸጋማይ ኢድ ስለ ዝጥቀም፡ ብኸምኡ ዝተዋህበቶን ምስኡ ዝዓበየትን ሳጉኡስ “ኣባጋ” ‘ያ ኔራ።
ስነጥበበኛ ዮናስ ዮውሃንስ፡ ብድሕሪ ፊልም “ወዲ ኪኮ” ውን፡ ተመኩሮኡን ትሕዝቶኡን ብምዕባይ፡ ባዕሉ ዝኣለያ “ሶፊሊ” እትብል ድርሰቱ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ። ጎኒ ጎኑ ውን፡ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ሃገርና ፊልምታት ዝተፈላለየ ገጸባህሪ ብምልባስ ተዋሲኡን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ካልኦት ደረስቲ፡ ዳይሬክተር ኮይኑ ኣልዩን ተዋሲኡን። ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሪ-ቲቪ ተኸታታሊ ፊልምታት ብብቕዓት ሰሪሑን ናይ ብዙሓት ደርፍታት ትግርኛ ቪድዮ ክሊፕ ዳይሬክተር ኮይኑ ኣልዩን ተዋሲኡን።
ዮናስ፡ ኣብ ድርሰቱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዋላ ኣብ ግብራዊ ሓሳባቱን ጠመትኡን፡ ንዝያዳ ዕቤትን ዕጋበትን ንምንዳይ፡ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ምንባር እናበለ እዩ ዝጓዓዝ። ክዕወት ሙኻኑ ውን ብርእሰ-ትኣማንነት እናነገረ ንቕድሚት ይስጉም። ኣነ ኣብ ስደት ንሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ውን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኩሉ እዋን ንራኸብ ስለ ዝነበርና፡ ኩሉ መደባቱ እዩ ዘካፍለኒ ኔሩ፡ ጥራሕ ዘይኮነ ውን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሓድሕድ ንተሓጋገዝ ኔርና። ብዓል ብዙሕ ተስፋ፡ ራኢን መደባትን ዝነበረ ስነ-ጥበባዊ ዮናስ ዮውሃንስ፡ ቅድሚ ካብ ሃገር ምውጽኡ ኣጻፊፉ ዝዛዘማ ሳልሰይትን ዓባይን ድርሰቱ፡ ፊልም “ፊደል ከይሲ” ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ከሕትማን ከዘርግሓን መደብ ስለ ዝነበሮ፡ ድሮ ሳምፕል ናይታ ፊልም ናባይ ምስ ሰደደ፡ ኣይጸንሓን ንሱ ውን ናብ ስደት ኣምሪሑ። ንዕኡ ዘይትኸውን ስደት!
ኣብቲ ንሱ ዝመልኮ ናይ ምንባር ሜላ፡ ሂወት ኣብ ክፉት ጣውላ ፊቱ ኮፍ ኢላ ተጣሊዓቶ! ስደት ካብ ዝወጽእ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሂወት ኣዘንጊዓ ኣብዘይተጸበዮ ህሞት ኮሊፋቶ! ግን ክኣ፡ ስዒርዋ እምበር ኣይሰዓረቶን። ተዓዊቱላ’ዩ! ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ፡ እቲ ንሱ ክነብሮ ዝተፈቕዶ ዕምሪ ነቢርካ ክብጻሕ ዘይክእል ዓወት ተጓናጺፉ እዩ ሓሊፉ። ብጥበባዊ ድርሰታቱ፡ ፍቕሩ፡ ትሕትንኡን ካልእ ብዙሕ ነገራቱን ዘይሃስስ ዝኽርን ህያብን ገዲፉ፡ ናይ ምንባር ተልእኾኡ ብግቡእ ዛዚሙ ሓሊፉ። ስነ-ጥበበኛ ዮናስ ዮሃንስ!!!
ጽንዓት፦ ነታ ገና ፍቕሩ ዘይጸገበት በዓልቲ ቤቱ፡ ርእያ ዘይጸገበቶ ህጻን ጓሉ፡ ገና ክትርእዮ ዘይተዓደለ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝርከብ ፍረ-ዘርኡን ሙሉኣት ስድራቤቱን ፈተውቱን ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብን። መንግስተ ሰማያት ድማ ንዓኡን ንድምጻዊ መርሃዊ ኮኾባይን ኩሎም ግዳያት ናይቲ ዘስካሕክሕ ሃንደበታዊ ሓደጋን።
01-12-2016