ሎምስ ይኣኽለኪ
ዱር ጣሻ ዝዋኖ
መሬትኮ ባዲሙ
በራግጽኪ በኒኑ
ሽፋን ግርማኡ ሃዲሙ
መዕቀል ዝባንኪ ክኾኖ፡
ፍኖት ጓል በረኻ
እተዊ ከተማ
ሓደው ተመርዓዊ
ሓዚ ሓደ ሔማ
ሓደው ተጎምጎሚ
ጨዓ ህሮርማ
ግራጭ ክትኮንዮም
ነቶም ዝደልዩኺ ዘይትደልይዮም!
እምበር ንበይንኺ
ብዘይ ገለመለ
ኣብ ቱሽቱሽኪ ሒዝኪ
ዘህርፍ ሓኸለ
ጣሕሸም ግደፍዮ
የብሉን ጠገለ፡
ፍኖት ጓል በረኻ
ዓርኪ እንዶ ግበሪ
ሃደንቲ ክሃድሙ
ደቂስኪ ክትሓድሪ።
መለስ ንጉሰ
- ካብ መጽሓፍ ግጥሚ ዘሎ’ዩ ዝህሉ