ወይኒ ሱሌማን
1 ሰነ 2015፡ ሊዛቦን፡ ፖርቱጋል
እቲ ትካል ኣዝዩ ጸቢብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብግዳም ንዝመጽእ ዓማዊ ዝኸውን መርገጺ እግሪ ኣይነበሮን። ፈጓፊጕና ቁሩብ ምስ ሰጎምና ክልተ መጻምድቲ ፍሕሽው ፍሽኽታ ብምልጋስ፡ ክንቀርበልኩም ንኽእል ኢና፡ ብዝመልእኽቱ ምልክት ዓደሙና። ቴንክዩ ምስ በልና፡ ጌርነ! ብምምላሶም፡ “እሞ ናይ ስጋ ገይርኩማ ኢኩም ቀሪብኩምልና፡” በልናዮም። ኵልና ሰሓቕ ደርጓሕናዮ። ካብታ ዝነበርናያ ክፍሊ ሕልፍ ኢልካ ክንዳኣ ዝምጽባባ ካልእ ገፊሕ ዝልዳታ ክፍሊ ኣላ። መናድቕ እተን ክፍልታት ፍጹም መፈላለይ ዘይብሉ ኣሳእል እተሰቕሎ እዩ፤ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ሕብሪ ቘርበትን ዓሌትን ዝደጋገሞ ኣሳእል። ሓደ ሰብ ግና ዳርጋ ኣብ ኩለን ስእልታት ይረአ፦ ዋና እቲ ባር።
ጠሚና ስለ ዝነበርና፡ ሜኑ ሃሰስ ክንብል ኣብቲ መን እዩ ተኣዛዛይ መን እዩ ዓሚል ዘይተለልየሉ እኩብ ሰብ ኣቋመትና። ስማት ሓደስቲ ጀርመናውያን መሓዙትና‘ኳ ከይተላለና፡ ዕብይ ዝበሉ ምዕሩግ ሽማግለ ኣብ ጥቓና ናብ ዝነበረ መንደቕ ቀሪቦም ናይቲ ትካል መብራህቲ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍእዎ። ኩሉ ሰብ ከምዛ ዝተነግረ፡ ኣነ ብዕንድተይ፡ ብሓንሳብ ጣቕዒት ደርጕሖ። ብቛንቛ ፖርቱጋል ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መፈላለዪ እታ ካልአይቲ ክፍሊ ተንጠልጢለን ዝነበራ ክልተ ጊታር ካብ መመስቀሊአን ተላዕላ። ብብርሃን‘ተን ተወሊዐን ዝነበራ ተለቪዥናት ተሓጊዝ ኣብ ቅድሚ እቶም ሙዚቀኛታት ደው ዝበለት ምልክዕቲ መንእሰይ ኣማዕደኹ። ኣይጸንሐትን ከኣ፡ ንዋዕዋዕ እቲ ባር ብሓደ ህሞት ጸጥ ዘበለ ድምጻ ኣጋውሐቶ። ቀጸለት…! ምስ ነፍስወከፍ ካብ ኣፋ እተውጽኦ ቃል ተለለወት…! ካብ መቓምጦይ ተንሲአ ደፋፊአ ምስ ካሜራይ ኣብ ጥቓኣ በጻሕኩ። ምስኣል ከም ዘይፍቀድን ዝኾነ ማሕታ ብርሃን ክገብር ከም ዘይብለይን ኣብ ጐድነይ ዝነበረ በጻሒ ሓበረኒ። ንምሉእ መንፈስ እቲ ዘያምን ተዓዛብን ስለ ዝርብሽ እዩ። ሓቂ! ኣነውን ካብ ክስእል ክሰምዕ ፈተኹ። ስዉንዋኖ፡ በቲ ከም ውኖኣ እትቈጻጸሮ ድምጻን ስምዒታዊ ምንቅስቓሳታን ንምሉእ ገዛ ተቘጻጸረቶ። ከም ደራፊት ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ናብ ተዓዛቢ ቛሕ ከይበለት ብዕሙት ዓይና ምስቲ እተፍስሶ ዝነበረት ዜማ ሒዛትና ተነቑተት።
ጸጕሪ መላእ ኣካለይ ክክየፍ ተሰማዓኒ። ብኣግርሞት ክዛረብ ኣብ ከባብየይ ቍሊሕምሊሕ ኣብዛሕኩ። መን ከዛርበኒ! ኩሉ ሰብ ርእሱ እናነቕነቐ ይቝዝም ነበረ። ‚ኣብዚ እነሀ ሌጣ ክእለትን ሙዚቃን!‘ ብዘስምዕ ዝንታ ንነፍስወከፍ ካልኢት የስተማቕር ነበረ። እዛ ለይለይ ኣልጊባ ብሰለስተ ደርፍታት ምስ ለብለበትና፡ ወዮ ሽማግለ ሕጂውን ሕልፍ ኢሎም መብራህቲ ወልዑ። ኣብ ሃለፍታ ዝጸንሐ ተዓዛቢ ንሓድሕዱ ብምግራም ክጭድር፡ ባር ኣብ ሓጺር ህሞት ሆጭ በለት።
ብሙዚቃ ንክትምሰጥ ቋንቋ ከምዘይጋርደካ ዘገንዝብ ክብሎ እደፍር፡ ብፍልይቲ ጊታር ፖርቱጋል (Guittara Pourtuguesa) ዝጽወት ልኡም ግን ከኣ እህህታ ዝረርዎ ቅኒት ቍዛም እዩ፦ ፋዶ። ፖርቱጋላውያን፡ ብሙዚቃ ፋዶ ንፍቕሪ፡ ንስእነት፡ ንምፍልላይን ንትዝታን የዝይሙዎ።
“ንሕና ፖርቱጋላውያን ከቢድ ጓሂ ኣሎና። ፋዶ ኸኣ ጓሂና፡ ምፍልላይና ፡ ስእነትና፡ ስዕረትና…ብሓፈሻ፡ ኵሉ ተሃንና እነስተንፍሰሉ ባህላዊ ሙዚቃና እዩ“ ትብል ካሎሪና፡ እታ ተርታኣ ሓልያ ሰለስተ ደርፍታት ዝጋበዘትና፡ ኣዘንጊዐ ክስእላ‘ኳ ዝኸኣልኩ ኻልእ መንእሰይ።
“ንሕና ከቢድ ጓሂ ዘሎና ህዝቢ ኢና!” ዕሽሽ ኢልካ ዘይትሕለፍ፡ ብብዙሓት ፖርቱጋላውያን እትደጋገም ሓረግ እያ። ኣብ ታክሲ ዀነ ኣብ ኣብያተ-ሻሂ ንዝጸንሑኒ ፖርቱጋላውያን ኣብ ዘዘራረብኩሉ፡ ከቢድ ጓሂ ከም ዘለዎምን ትጽቢቶም ከምዚ ከም ዘይነበረን ኣፍኣሙለይ። “ክልተ ጊዜ እተረኣና ህዝቢ ኢና” ክብሉ ንዕላል ካሎሪና የራጕዱ።
ኣብ መፋርቕ15 ክፍለዘመን፡ ንከም እኒ ብባሕሪ ንደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡውን ክሳብ ህንዲ መንገዲ ዝዳህሰሰ ዳህሳሲ ቫስኮ ዳ ጋማን ውሩይ መርከበኛ ልዑል ሀንሪን ዘፍረየት ፖርቱጋል፡ ሓደ እዋን ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝሃብተመን ዝዓበየን ርእሰ-ሓያላን ግዝኣት ዝነበራ እያ። በቲ ኻልእ መዳይ፡ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ኣቢሉ፡ ሃገራት ዓለም ካብ ዝረኣያኦ ዝሓሰመ፡ ምናልባትውን፡ እተራቐቐ ናይ ጭቈና ሜላ ዝኽተል ዲክታቶራዊ መሪሕነት ነጊሱስ ዓንዲሩላ። ፖርቱጋላውያን ንነዊሕ ዘመናት እተነየቱሉ ናይ ዳህሳስን ስልጣነን ታሪኾም እናደገሙ ምስ ሓበኖም ከይነብሩ ዝገበረ፡ ብማርሴሎ ኬታኖ ዝምራሕ ዝነበረ ዲክታቶራዊ ስርዓት፡ ኣብ 1974 ሮዛ ሰውራ (ካርኔሽን ሪቮሉሽን)“ ብእተሰምየ ቃልሲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ቅዋሙ ኣጽዲቑ ክነሱ፡ ጽልዋ ማሕበርነትን ጸጋማውያንን ተሓንጊጡ ዴሞክራስያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተኺሉ ስለ ዝነበረ ግና፡ ነዚ ሎሚ ብማሕበራዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ዝምራሕ ዘሎ ስርዓተ መንግስቲ ፖርቱጋል ባይታ ኣንጺፉ እዩ። እዚ ዳሕረዋይ ሰልፊውን፡ ንቓንዛን በሰላን ህዝቢ ብቐንዱ፡ ንቝጠባዊ ጠለብ ሓድሽ ወለዶ ከኣ ብዓብይኡ ዝምልሽ ከም ዘይኮነ ብዙሓት ይወቕሱ።
ከም ሳዕቤኑ፡ ሎሚ ሽቕለት-ኣልቦነት፡ ትሑት ክፍሊት ኩሉ ዓያዪ፡ ብፍላይ ንምሁራትን ንክኢላታትን ጐሊሑ ዝርአ ጸገማት እዩ። ፖለቲካዊ ፖሊስ (ንሃገራዊ ድሕነት እንካ ኣዘኻኸሩኒ) ብዝብል ስያመ፡ ንደቂቕ ምንቅስቓስ ውልቀሰባት እናተቘጻጸሩ፡ ክሳዕ ናጻ ናይ ስራሕ መሰል ዝነፍጉ፡ ብፍላይ እኳ ስነጥበብን መራኸብታት ብዙሓንን ዝዕፍኑ፡ ምስ መትከልና ይጻረሩዮም ንዝብልዎም ውልቀሰባት ብዘሕቅቁ ተለኣኣኽቲ ዲክታቶራዊ መሪሕነት ፍርሒ ወሪርዋ ዝነበረት ሃገር፡ ናይ ትማል ፖርቱጋል እያ፤ ቍጠባዊ ሕቶ ዘይምለሸላ፡ በሰላ ትማል እናሓኸኸት እትደምይ ከኣ ናይ ሎሚ ፖርቱጋል። መንእሰያት ነቒሖም ስለ መሰሎም ከይለዓሉ ብማለት፡ ዲክታቶራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ዕጸፋርስ 10 ዕጽፊ ትሕቲ ዋጋ ሽጋራ ከምዝሽየጥ ይገብር ምንባሩ ይዝንተው። ምናልባት ነዚ ሎሚ ተጠቃምነት ዕጸፋርስ ሕጋዊ ዝገበረ መንግስቲ ፖርቱጋል ባይታ ዘንጸፈሉ ድማ ይመስል። ህሉው ወለዶ፦ ብመንነቱ ዘይኰርዕ፡ ንለውጢ ወኒ ዘይብሉ፡ ንናብራ ጐረባብቲ ሃገራት ዘንባህቝን፡ ኣብ ባራት ፋዶ ብዝቝዘም ዛንታ ተስፋ ምቝራጽን ስእነትን ዝልሎ ኮይኑ ክትረኽቦ ኣየገርምን። ብሰሪ መሪር ሕሉፍን ዘይውሑስ መጻእን ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ፖርቱጋላውያን ምስቲ ካብ ኣስታት ሓደ ዘመን ንነጀው ምስ ህይወቶም ምትእስሳር ዘለዎ፡ እህህታኦም ዘስተንፍሱሉ መበቈላዊ ሙዚቃ ፋዶ ቃልኪዳኖም እናሻዕ ዘሐድሱ ዘለዉ።
ንምሕጻር፡ እቲ ነዊሕ ዝርዝሩ ጥራይ’ኳ፡ ካብ ዕስክርና ትሪፖሊ ጀሚርካ፡ ንመትከል፡ ንህልኽ፡ ንመን መለኸን ስለ ሪምን ከየባተኸ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ እተኻየደ ውግኣት፡ ከይዱ ዘይተመልሰ፡ ተመርዕዩ ዘይተሓጸነ፡ ብዓብይኡ ዘይወለደ፡ ሕቝፊ ወላዲት ዘቝረረ ሓደ ከም ሓሙስ፡ ዘሪኡ ዘይሓቘፈ፡ ተማሂሩ ከየማእዘነ ዝቝጸየላ ሃገር እነሀት ናይ ሎሚ ኤርትራ። ተመርዕያ ዝማእመነት፡ ተጸብያ ዘይረኸበት፡ ሃንቀው ኢላ ዝቐበጸት፡ ተቘኒና ተሓኒና ረኣዪ ዝሰኣነት፡ ንዓመታት ንእዲ እናኣማዕደወት ብቝሪ እተበልዐት፡ ካብ መስዋእቲ ኣቦ መስዋእቲ ሓው፡ ካብ መስዋእቲ ሓው መስዋእቲ ውሉድ፤ ካብ ስደት ኣፍቃሪ ስደት ሓው፡ ካብ ስደት ሓው ስደት ውሉድ፡ ኵሉ መፈጸምታኡ ንብዓትን ቅባጸትን እናተበራረዩላ፡ ሒናን ኵሕልን ዘይጸገበት መርዓት፡ ሓብትን ኣደን ኤርትራ…፡ ንታሪኽ ኣመዓባብላ ሙዚቃ ፋዶ ምስ ተገንዘብኩ ኣብ ኣእምሮይ ብልጭ በለኒ። ግናኸ እዋንናን ኵነታትናን በቲ ናትና ፋዶ ቝዘማና እነስተንፍሰሉ ሙዚቃዶ ይፈጥር ይህልው? ወይስ ኣብቲ ዘሕዝን እናመሰለ ክነስቀጥቕጠሉ ዝወዓል ዘሎ ጓይላ። ኣብ ቀብርኻ ከም ምስዕሳዕ ክውሰድ ዝከኣል ሓደ እዋን፡ ድምጻዊ ዮሃንስ ትካቦ ሓድነት እትብል ደርፉ፡ ጌጋ ይኽልኣለይ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እናኣቕረባ፡ ሓያሎ ሰብ ወኒ ድዮም ሰብ ግኒ ኣብ መድረኽ ወሪዶም ከስቀጥቅጡላ ተዓዚበ።
ይኸደየለዉን ናይ ኣጋምሸትየ ደሃይ ስኢኖም ገለ ናይዞም ቈልዑትየ
ይጥቀሙናለ‘ዉ እንዳ ኢንተርነትየ ታይ መርበቡ ደኣ ታይ ሰክዒትየ
ኩሎም ይገፉለዉ ብዘይ መለሳየ ዓለምከ ባሕሪ ኮይና ንሕናኸ ዓሳ ዶ(2)
ንሕናስ ንዓሳ
ንሕናኸ ዓሳ ዶ(2)
እናኻኸሳዶ ይነኻኸሳ
ንሕናስ ንዓሳ
እናበለ እዩ ዝድርባ፡ መልእኽታ ኣታ እዚዶ ይግባኣና እንተ ዀይኑ፡ እዚ ደኣሞ ከሳዕስዓናዶ ይግባኦ እዩ? ተቘጢዑ ዘብኪ ንዘሎ‘ኮ፡ እንተ ወጽኣሉ ብኽያቱ ወዲኡ ዘፍ ክብል ትገድፎ። ኣብቲ ዝቑዘሞስ ንቖዝም ደኣ፡ ኣብቲ ዝድጐዖ ንደጉዕ፡ ኣብቲ ዝልቀሶ ከኣ ነልቅስ፤ ብጽሩይ ስምዒት ንመዓልቲ ሳዕስዒት ክንከውን ምእንቲ።
ካብ 1820ታት ኣትሒዙ ኣብ ፖርቱጋል ታሪኽ ዘለዎ ሙዚቃ ፋዶ፡ ፋቱም ካብ ዝብል ቃል ላቲን ዝመጸ ዀይኑ፡ ቃል ብቓሉ ጽሕፍቶ ተባሂሉ ይትርጐም። ዝበዝሕ እዋን ናይ ምስቍርቋርን ሓዘንን ህርመታትን ግጥምታትን እዩ ዘለዎ። ስእነት፡ ናይ ሓዋሩ ምፍልላይን ቅባጸትን እቶም ኣብ ሙዚቃ ፋዶ ብዙሕ ዝተባህለሎም ኣርእስታትዮም። ህይወት ባሕሪ፡ ምፍልላይ ባሕረኛታት ካብ ኣፍቀርቶምን ስድራቤቶምን፡ ድኽነትን ዘኸትሎ ከቢድ ጓህን ጽሕፍቶን ቀንዲ ዛዕባ ፋዶ እዮም። ፋዶ ምስ ህይወት ገባሮ ሰራሕተኛታት መራኽብ፡ ባሕረኛታት ገፈፍቲ ዓሳን ብትሑት ክፍሊት ዝዓዩ ናይ ጕልበት ሰራሕተኛታትን ሰፊሕ ምትእስሳር ዘለዎ ሙዚቃ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ብትሑታት ደርቢ ሕብረተሰብን ፋይቶታትን እተፈትወ ሙዚቃ ተባሂሉ ብላዕለዎት ደርብን ምሁራንን ፖርቱጋል ተቐባልነት ኣይነበሮን።
ከም በጻሒ ናብ ከተማ ሊዛቦን ክትብገስ ከሎኻ እትውከሶ ሓበሬታ፡ ህላወ ሙዚቃ ፋዶ ዘአንግዳ ትካላት ዘበስረካን ዘወናውነካን እዩ። ቅድሚ ንመገሻ ምብጋሰይ ክውከሶ ዝከኣልኩ እተመሰጥኩሉ፡ ውሩይ ኣመሪካዊ ከሻንን፡ ናይ ተሌቭዥን ገጸ-ባህርይን ኣንቶኒ ቦርዳይን፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዓለም እናተዘዋወረ ዘዳልዎ ” ኖ ሪዘርቬሽን” ዝኣርእስቱ፡ ባህላዊ ክሽነታትን ልምዲ ኣህዛብ ከንጸባርቕ ዝህቅን ሰነዳዊ ፊልም’ዩ። ፋዶ ኣለዎ ኣብ እተባህለሉ ኵሉ ቦታታት ኰሊልና ምስ ረብረብና፡ ሰሉስን ሓሙስን ጥራይ ፋዶ ኣብ እተአንግድ ባር ኣ ታስቻ ቺኮ ከምዘየለ ርጉጽ ወሲድናዮ፡ ክንበልዕ ምስ ኣተና ኢና ተጨዊና። ከምዛ ጭውያ እዚኣስ ይድገመና ደኣ! ኣማስያኡስ ድራር‘ኳ ኣይዘከርናዮ።
“ሎሚ ደኣ ኣብዚ ገዛ ፋዶ ኣሎድዩ?” ተወከስክዋ፡ ካብ ጥቃና ዝነበረት ጣውላ ተላዒላ መሳጢ ፋዶ ንዘቕረበት ካሮሊና።
“ከም ግቡእ ደኣ ኖ ኖ፡ ግና ሓደ ሓደ ጊዜ እቲ ሙድ ኣብ ዝዕምረሉ ካብ ዘዘለናዮ ተጸዋዊዕና ብዘይ ፕሮግራም ኣብ ሓደ ቦታ ፋዶ ነቕርብ ኢና።”
ውህደት ፋዲስታታትን ሰብ ትካላትን መሲጡኒ። ስለ እንጀራኦም ኢሎም ተሳንዮም ምስራሖም እቲ ኻልእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። እንጀራኻ‘ውን ስለ ኽብሪ ሞያኻ ምስ እትስዕቦ መልክዕ ኣለዎ። ነቲ መንፈስ ሓሊኻ ምቕራብ ንባዕሉ‘ኳ መግለጺ ኽብሪ ሞያ እዩ። ኣብዛ ናይ ሰሙን እዋን ምብጻሐይ፡ ኣብ እተፈላለያ ኣብያተመዘክር፡ ባህላዊ ማእከላትን ኵሉ ገጻት እታ ከተማን ምስ ብዝሒ በጻሕቲ ተጸቓቒጠ ክበጽሕ ፈቲነ እየ። ብዝሒ በጻሕቲ ኣብ ኩሉ ትካላትን ኣብያተመዘክርን ዝረኣኽዎ ከቢድ ዕዮ ቱሪዝም ፖርቱጋላውያን ተደሚርዎ፡ ዝጠንተወት፡ አረ ሓንሳእውን ዝሃብተመት፡ ሎሚ ግና ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኰይና እትርከብ ፖርቱጋል ብዓቢኡ፡ ታሪኻዊት ከተማ ሊዛቦን ከኣ ብፍላይ፡ ጊዜ ገጹ ዝመልሰላ ዘሎ ይመስል።
ምስ ተዘዋወርኩ፡ ብሓያሎ ስነህንጻዊ ስርሓት ተመሲጠ እየ። ኣብ 1755 ዳርጋ ንምሉእ ክፋል እታ ሃገር ዘዕነወ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተ ዘየጋጥም፡ ስልጣነታት ጥንታዊ ስነህንጻ ፖርቱጋል ማዕረ ኽንደይ ካብዚ ንላዕሊ መደነቐኒ ዓጂቡኒ።
ፍርቂ መዓልቲ እየ ኣብዚ ቤተመዘከር ኣትየ፡ ፋዶ ፖርቱጋላውያን ዝገደፈለይ የብሉን። ቤተመዘክር ፋዶ ኣርፊደ ኣብ ገማግም ፈለግ ታጉስ ከዕርፍ ኣብራኸይ ምስ ዓጸፍኩ፡ ነቲ መዕረፊ ኣዒንቲ ዘይብሉ ኣድማስ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣብ ቦታ እቲ 2,509,000 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓቱ ማእከላይ ባሕሪ ብዓይነ-ሕልና ከቐምጦ ሃቀንኩ። ኣብ ሕምብርቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምስ ሓሳረ መከራ ንጣር ተስፋ ክርእዩ፡ብላዕሊ ሰማይ ብታሕቲ ባሕሪ ዀይንዎም ሓንትስ መሬት ክረግጹ ሃረር ዝብሉ ዕሸላት ኤርትራ፡ ትረኻኦም ብዝፈጠረለይ ስእሊ፡ኣብ ውሽጦም ኣትየ ስምዒቶም ክፈልጥ ደለኹ። ተዘከረትኒ እባ ከኣ ዝገደደ፡ ተዘከረትኒ እታ፡ ግብኣተ-ባህሪ ንዘይተርፋ ኣብ ቅልውላው ሕርስን ጻዕረሞትን ዝነበረት ሓፍተይ። ክተተንፍስ እናተጋደለት ትንፋስ ካብ ኣካላ ክፍለ! እናጐድኣንስ ሕሰብዮ ሕሰብዮ መጻኒ። ብቑዘማ እቲ ዳርጋ ምሉእ ረፍዲ ክቋደሶ ዘርፈድኩ ፋዶ ግዲ ተተባቢዐ፡ እምበር ምስ ውኖይስ ሞይተ‘ኳ ክዝክሮ ኣይደሊ። ኣብ ቁስልኻዶ ጨው ይንስነስ ኰይኑ።
ፋዶ ዓለምለካዊ ተፈላጥነት ንኽረክብ ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ስነጥበበኛታት፡ ኣሚልያ ረድሪጎስ ብኣብነት ካብ ዝጥቀሱ ሓንቲ እያ። ብዘዝየመቶም ሓያሎ ቅኒታት ፋዶ ተዘካሪ ስም ዘሕደረት ኣሚልያ “ንግስቲ ፋዶ” ብዝብል ቅጽል ትፍለጥ። ኣብ ምምዕባል ፋዶ ሓያል ተራ ተጻዊታ እያ። ኣሚልያ፡ ህብብቲ ተዋሳኢትውን ነይራ። ምስ ከም እኒ ፍሉጥ ደራስን ገጣምን ፈርናንዶ ፔሶዋ ሎሚ ሓወልቲ ከተማ ሊዛቦን ኰይና ትርከብ። ፔሶዋን ኣሚሊያን ካብ ኣሳእሎም፡ ብስሞም እተጸውዐ ህዝባዊ ቦታታትን ናይ ስነጥበብ ማእከላትን ዝሓልፍ፡ ጐደናታት እታ ኣብ ሓያሎ ስርሓቶም፡ ሊዝቧ እናበሉ ብፍቕሪ ዘስተንተኑላ ፍትውቲ ከተማኦም ፍርያቶም ብዝሸጣ ትካላት ዘዕለቕለቐት እያ።
ኣብ ጨርሒ ዀይንካ ንኣስመራ ከም ምምዕዳው፡ ኣብ ኣልፋማ ከምኡውን እቲ ብባርዮ ኣልቶ (ናይ ቀደም ከተማ) ዝጽዋዕ ከባቢ ብምዃን፡ኣብ ጎቦ እተደኮነት ምልእቲ ከተማ ሊዛቦንን ገማግም ውቅያኖሳን ከተማዕድው ይከኣል። እቲ ብባርዮ ኣልቶ ዝፍለጥ ናይ ቀደም ክፍሊ እታ ከተማ ብደቀባትን በጻሕትን መዓልታዊ ይንገድ። ነቲ ጥንታዊ ላዕለዋይ ክፋል ከተማ ባርዮኣልቶ ምስዚ ሓድሽ ዘመናዊ ክፍሊ እዛ ኸተማ ዘራኽብ መደያይቦ (ኤለቫዶር) ካልእ ኣደናቒ ምስሊ እታ ኸተማ እዩ። ከተማ ሊዛቦን ኣብ ጎቦን ኵርባን ብምድኳና፡ መጐዓዝያ ብኣጋርን መጽዓኛታትን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ ሽግር ካብ ላዕላይ ወገን ከተማ ናብ ታሕተዋይን ሓድሽን ከባቢ ዝመላለስ ነባሪ ንምቕላል ሲቪላውን ወታሃደራውን ኢንጅነር ዝነበረ ሮበርቶ ኣርሜንዮ ድሕሪ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ኣብ 1896 ናይ ፈረንሳ መበቆል ዘለዎ፡ ራውል መስኒር፡ ብእተባህለ ካልእ ኢንጂነር እተነድፈ ዕዉት ስራሕ፡ ሊዝቦናውያን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፡ ወይ ውን ብኣንጻሩ፡ ብሒደት ደቓይቕ ክመላለሱ ኣኽኢልዎም ኣሎ።
ባርዮ ኣልቶ፡ ቢካ ባህላዊ ኤስፐረሶ ምስ ሕብስቲ ዘአንግዳ ናይ ልዕሊ 100 ዓመታት ታሪኽ ዘለወን ካፈታትን ኣብያተብልዕን ዝሓቘፈ እዩ። ውሩይ ፖርቱጋላዊ ገጣሚ፡ጸሓፊ፡ ሃያሲ፡ ፈላስፋን ተርጓምን ፈርናንዶ ፔሶዋ ኣብ ኣፍደገኣ ጸሓይ እናተጸልወ የንብብን ይጽሕፍን ከም ዝነበረ ዝዝንተወላ ካፈ ኣ ብራዚሊራ ኣብ 1905 እያ ኣገልግሎት ጀሚራ። ካፈ ኣ ብራዚሊራ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ዝናኣ ዓቂባ ትኸይድ ኣላ። ኣብ መበል 47 ዓመቱ ብሞት ንእተፈልየ፡ ብጽሑፋቱን ግጥምታቱን ንምስሊ ከተማ ሊዛቦን፡ ብዓቢኡ ምስሊ ፖርቱጋል፡ ዘጉልሐ ቐንዲ ዓሚላ ፔሶዋ፡ ናይ ኣስራዚ ሓወልቱ ኣብ ቅርዓታ ቀሪጻ ትርከብ። ንፔሶዋ እናኣቋመትካ፡ ወይውን መጽሓፉ እናኣንበብካ ቢካኻ ክትጭልጥ ምስ እትደሊ እምበኣር፡ ወትሩ ረፋድ ተመሃሮ እታ ኣብ ፊትታ ካፈተሪያ እተርከብ ናይ ፋይን ኣርት ዩኒቨርሲቲን በጻሕትን ኰራሲ ንምሓዝ ምቅድዳም ከይፈለሙ ክተንግህ የድልየካ።
ፋዶ፡ ቢካ(ሓጻር ቡን)፡ ህይወት ባሕሪን ትራምን (ጥንታዊት ባቡር ከተማ) ምስሊ ፖርቱጋልዮም። ቀባእትን ዘየምትን ዘይሓልፍወን ኣርእስታት ከኣ እየን። ብምቹእ ኩነታት ኣየራ፡ ደግነትን ምቕሉልነትን ነበርታ ንኣስመራ ተዘኻኽረካ። ኣብ ምዕራባዊ ኣይበርያዊ ፐኒንዙላ፡ ፈለግ ታጉስን ኣትላንቲክ ውቅያኖስን ዝቕናታ ርእሰ ከተማ ፖርቱጋል፡ ሊዛቦን፡ ተቐማጦኣ ሊዝቧ እናበሉ እዮም ብቕብጥሮት ዝጽውዕዋ። ካብ ፖርቱጋላውያን ዘይትሰንፍ ኣስመረይቲ፡ ኣስመራይ፡ ኣስመራና ኤርትራና እናበልና ብመበቆልና ልዕሊ ሓለፋ እንንየት ኮይኑ ዝስመዓኒ ኤርትራውያን፡ እዛ ኤርትራና ዘመን ተመሊሱላ ክራር፡ ጭራዋጣ፡ ውህደት ወኻዕታን ምዕባለን ዝኣርማኣ፡ ንበጻሕቲ ይኽፋእ ይሕመቕ፡ ከም ሊዛቦን እተማህረትሉ ዀነ እተዳህከትሉ ሕሉፋ ክትምጥው ተተስፈኩሞ፡ ትሕግዙኒዶ?
ሰሌዳ ሓበሬታታት ጎደና ሓርነት፡ መርድእ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡ ተሰሊሙ ዝነበረሉ ሓደ ቅንያት፡ ብሰንፈላል ምስ ዓፍራ እቲ ዝኣዘዝናዮ ካፑቺኖ እናተጻወትና ዝዕለል ስኢንና ስቕ ምስ ኣብዛሕና፡ ሓንቲ ካብ መንጐና፦ “በጃኻትክን ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ገዛ ምስ ከድክን ኣንብባኦ። እግዚኣብሄር ነዛ ዓዲ ገጹ ክመልሰላ እዩ፡ ተስፋ ጥራይ ኣይንቝረጽ“ ዝበለቶ ወትሩ እዝክሮ፦
ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኪወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኪርአ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኵሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለዉ፡ ኣወዳትኪ ካብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ። ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኪምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ክተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ። ትንቢት ኢሳይያስ፡ 60፡1-5