በኳር ብምንባርኪ
ብዙሕ ፈሪሀልኪ
ግን…. ዘይከምዝፈራህክዎ
…ከምዝተመነኽዎ…
ኮኾብኪ ተራእዩ
ቀደድ ኢሉ ወለል
ሰጊደ ኣብ ብርሃንኪ
ኮይነ ሰብኣ-ሰገል
ዕላልን ዕልልታን
ድርሳን ኩዳን ስብራን
መሬት ኣሕመድሚዱ
ብላዕሊ ነጒዱ
ባሕሪ ኣንበድቢዱ
ባብኪ ተኸፊቱ
ጋዓት ተጋዒቱ
ዋእ….ግና
ልደትን ጥምቀትን
ዓመትን መንፈቕን
ኣሕልፍ ምስ ኣበልክስ
ትሓናፍጥኒ??!
ተወጣዉጥለይ??!
ኣቋሚትኪ ዘሕለለወ
ረሲዕክዮ ዝሓለወ?
በሊ እስከ’ባ….
ከመይ….ስለምንታይ
ኣለኪ ድዩ ከማይ
ገሚዑ ዝህበኪ ልቡ ካብ
ዉንጭሕቲ
ሂቡ ሂበ ዘይብል……ዘይኮነ
ሕፍንቲ!
ስለ…ስለ…ሕጂ ግና
ናይ ብኡነት ብቕንዕና
ኣብ ጉንዲ እዝንኺ ሕሹኽ እየ
ክብለኪ
ቁሩብ ተሓሸኪ
ፈቲሐዶ ክምርዓወኪ?
በየነ ሃይለማርያም