መበል 16 ክፋል
ናይ ወሓዚት መልእኽቲ ንውሕ ዝበለ’ዩ ኔሩ። ዋዛ ስለዘይፍለያ ከኣ ኩሉ ግዜ ዋዛኣን ቁምነገራን ምፍላይ እሽገር’የ።
“ኣንታ ስዲ በል ደስ ይበልካ ናጻስ ከካላብትዋ ጀሚሮም” ኢላ’ያ ጀሚራ ሩሐይ ከተምሉቐኒ: ከም ሓቂ ከኣ ሰምቢደ ኔረ። ድሒራ’ያ ሰላምታ ጽሒፋትለይ
“ሰላም ሞኬ ኣሰምቢደካዶ᎒ ንዓኻ ደኣ እዚ’ኳ ክውሕደካ በል ክትሕጎስ ናጻ ናብቲ እንዳ ዲንዲን ዝበሃል ጎረቤትኩም እንዳ ድኳን ኣጸዊዐ ረኺበያ ኔረ። ብሰላም ከም ዝኣተኻ ኣቢሰረያ፡ ሓጎሳ ክትቆጻጸሮ ኣይከኣለትን። ጎኒ ጎኒ’ውን ምፍራሓ ኣይተረፋን። ብዛዕባ እቲ በዓል መኪና ነጊረያ ኣለኹ። ንዕኡ’ውን ደዊለ ነጊረዮ ኣዚዩ ከም ዝተሓጎሰ ገሊጹለይ። መኪና ስራሕ ስለዘይብላ ጽባሕ ክሰደላ’የ ኢሉኳ ኣሎ። ካልእ እታ ሞባይል ዝሸጥካላ መሓዛኻ መጺኣ ኔራ ኢላትካ ናጻ። እታ ጓል “ገንዘብ ከፊለዮ ስለዝኾንኩ ሞባይለይ ሃብኒ” ኢላታ ንናጻ ስለዚ መልሲ ብኣይ ጌርካ ክትሰደላ ትጽበየካ ኣላ። ዝብል መልእኽቲ ጸንሓኒ።
እዛ በዓልቲ ሞባይል መሓዛይ ኮይና ኣብ ሰገነይቲ’ያ ትነብር። ናብ ኣገልግሎት ስለዘይከደት ሞባይል ከተውጽእ ኣይትኽእልን’ያ ኔራ። ሞባይል ክትሕዝ’ውን ኣገልግሎት ክትከይድ ኣለካ። ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘይስማዕ የለን። እታ መሓዛይ ነታ ሞባይል ምስ ናይ ሲም ካርድ መውጽኢ ዋጋ ገሚታ’ያ ገንዘብ ሂባትኒ። ኣነ ከኣ ክሳዕ ካብ ሃገር ዝወጽእ ክጥቀለመላ እሞ ድሕሪኡ ክትወስዳ’ዩ ኔሩ ሓሳበይ። ካብ ሃገር ከም ዝወጽእ ኣይትፈልጥን’ያ። ጥራሕ እታ ሞባይል ክሸጣ ከም ዝደለኹን ካልእ ሞባይል ከም ዝቕይርን’ያ ትፈልጥ። ሞባይል ዋላ እንተቐይርኩ ሲም ዘቐይር ከም ዘይብለይ ትፈልጥ’ያ። ብዝኾነ ምስቲ ረቡዕ ረቡዕ ናብ ኤምባሲ ኣሜርካ ቆጸራ ዝገሾ ዝነበርኩ። “እንታይ’ያ እዛ ረቡዕ ረቡዕ መገሻ᎒” ትብለኒ ምንባራ ገለ ክትጥርጥር ትኽእል’ያ። ብዝኾነ ሞባይል ክትወስዳ ከም ዘለዋ ተሰማሚዕና ኢና። ዝቕጽል ከኣ ዝፍጠር ንርኢ።
ኣብ ከሰላ ምስ ኣተኹ ካብቲ ዝረኣኹዎ ዝገረምኒ ነገር ሞባይል ከተውጽእ እንተደሊኻ ከም ሽጋራ ወይ ማስቲካ ካብቶም ኣብ ጎደና ዝሸጡ ሰባት ክትገዝእ ምኽኣል ነበረ። ኣብ ርብዒ ሰዓት ዘይኣክል ግዜ ሞባይል ገዚእካ ቁጽሪ ክትሕዝ ትኽእል። ኣብ ሰገነይቲ እንከለኹ ነዛ ዝሸጣ ዘለኹ ሞባል ክሕዝ ናብ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ ኣመልኪተ ምምሕዳር ከተማ ከኣ ናብ ጨንፈር ኤሪ ቴል ዞባ ደበብ ደብዳቤ ኣገልገሎት ከም ዝወዳእኩን ካልእን ሓቢሮም ጽሒፎም ሞባይል ክወሃበኒ ኣፍቂዶምለይ። በዚ ከኣ ናብ መንደፈራ ከይደ’የ ኣውጺኤያ። ሞባይል ክትሕዝ ብውሑድ ናይ ሰሙን ግዜ ትጽቢትን ናይ ልዕሊ 100 ኪሜ ጉዕዞን ክትጓዓዝ ኣለካ።
ናይ በዓልቲ ቤተይ ጉዳይ ካብ ተላዕለ ናታ’ውን ማዕረ ናተይ ደኣ ኣይኹን እምበር ፓስፖርት ንኸነውጽእ ዘይፈንቀልናዮ እምኒ ኣይነበረን። ዲቪ ምስ በጽሓኒ ፈላማ ውጥነይ ስድራ ሒዝካ ምኻድ ዝብል’ዩ ኔሩ። ነዚኣ ክገብር ከኣ ጎኒ ጎኒ እቲ ናተይ መስርሕ ምስላጥ ናይ በዓልቲ ቤተይ ናጽነት የማነ’ውን ይሰርሓሉ ነበርኩ። ኣብ ክራማት ናይ 2006 ንሳልሳይ ወድና ናይ 7 ወርሒ ጥንስቲ እንከላ ኣብ ዓዲ ቐይሕ ፓስፓርት ከነውጽእ ደቅና ሒዝና ከድና። ናጽነት ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይና ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ማለት 199ዓ.ም ናብ ሳዋ ምስ ከደት ክሳዕ 2001 ዓ.ም ክሳብ ንምርዖ ኣብ ሰራዊት’ያ ኔራ። ስለዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡኣ ስለዘማልአት ፖስፖርት ክትክልከልያ ዝብል ግምት ኣይነበረንን።
ዓዲ ቐይሕ ምስ ከድና ፈለማ ንኣማሕዳሪ ምምሕዳር ከባቢና መንእሰይ ሃብቶም ግደይ ኣብ ገዝኡ ብምኻድ ብውልቀይ ረኺበ ኣዘራርብክዎ። ሃብቶም ንዝቕጽል መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ቆጸረኒ። እቲ መደብ ኣነ ካብ ነበርነት ናይ ስድራና ስለዘይተሰረዝኩ ኣብ ገዛና ከም ንነብር ጌሩ’ዩ ደብዳቤ ክጽሕፈልና። ንጽባሒቱ ኣንጊህና ናብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከድና ግን ሓሳቡ ቀይሩ’ዩ ጸኒሑና።
“ይቕሬታ ሞኬ ናይ ኣደይ ኣፎምያ ፋይል ኣይረኸብኩዎን ደልየ ስኢነዮ’የ” በለኒ ናይ ኣደይ ማለቱ’ዩ።
“እዋእ እንታይ ትዛረብ ኣለኻ ሃብቶም ከመይ ጌርካ ትስእኖ ኣደይ ዋላ ምውቲ ትኹን ደቂ ሓፍተይ ጓል ኣኮይ’ኮ ኣብቲ ገዛ’ለዉ᎒” ሓሳቡ ከም ዝለወጠን ከም ዝፈርሐን ተረዳኣኒ።
“እወ ጽቡቕ ኣለኻ ሞኬ ግን እቲ ፋይል ደልየ ቀቢጸዮ’የ፡ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት የለን፡ ምናልባት ግን ንብሪታዊት ዘይትሓቱዋ ናጽነት ምስ ኣደይ ስእላ ዓባያኣ ስለዝነበረት ንሳ ክትጽሕፈላ ትኽእል’ያ” ካብ ነብሱ’ዩ ከህድማ ደልዩ እታ ጉዳይ
“ብሪታዊት ደኣ’ሞ እንታይ ትፈልጣ ንናጽነት ክትጽሕፈላ ᎒” ሓተትኩዎ
“ደሓን ክዛረባ’የ ክትጽሕፈላ ትኽእል’ያ” ባዕሉ ዘይገበሮ ጉዳይ ከመይ ጌሩ ካልእ ሰብ ክገብረሉ ይጽበ ኔሩ ገረመኒ
ብዝኾነ ብሪታዊት ማለት ኣማሓዳሪት ካልእ ምምሕዳር ከባቢ ክሳዕ ትመጽእ ተጸበና። ምስ መጸት ናብ ቤት ጽሕፈታ ኣትየ እቲ ጉዳይ ገለጽኩላ። ሃብቶም’ውን መጽዩ ሓበራ። ብሪታዊት ጽቡቕ ጌራ’ያ ትፈልጠኒ ብቐንጠ መንጢ ክሓታ ከም ዘይመጽእ ክትርዳእ ትኽእል’ያ። ብጀካ’ዚ ሃብቶም ግብርሉ ስለዝብላ ዘሎ ከም መዛኑ መጠን ክትኣምኖ ኣይትኽእልን’ያ። ገለ ነገር እንተዘይህልዎ ግብረላ ኣይምበለንን ዝብል ግምት ከትሕድር ትኽእል’ያ። ብኸምኡ ከይኮነት ኣይትተርፍን ናይ ዓባያኣ ንናጽነት ፋይል ኣውጺኣ ኣብዚ ከም ጽግዕተኛ የላን ዝበለትና። ብሪታዊት ንባዕላ ንናጽነት ምስ ዓባያ እናተቐመጠት ትመሃር ከም ዝነበረት ትፈልጥ’ያ። ሳዋ’ውን ካብኡ እያ ከይዳ። ብዝኾነ ከረደኣ ፈቲነ ክትሰምዓኒ ኣይከኣለትን። ክልቲኦም ብገለ ነገር ዝተዳህሉ’ዩ ዝመስሉ። ዒሉ መዓኮርካ ሓሉ። ኣመና ተጠንቂቖም’ዮም ዝሰርሑ ዝመስሉ። ብኸምዚ ካብ ክልተ ምምሕዳር ከባቢታት ዓዲ ቐይሕ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክጸሓፈለይ ሓሲበዮ ዝነበርኩ ወረቐት ከይሰለጠ ተረፈ።
ዝቕጽል ናብ መንደፈራ ዓረት ማለት 11 ኪሜ ካብ ዓዲ ቐይሕ ርሒቓ ኣብ ኣትርከብ ዓዲ ኬድካ ምፍታን’ዩ። ሓማተይ ማለት ወላዲታ ንናጽነት ኣብ መንደፈራ’ያ ትነብር። ስለዚ ንምምሕዳር ናይ’ቲ ዓዲ ጓለይ ፓስፖርት ከተውጽእ ደልያ ጸሓፉላ ምባል’ያ ። በዚ መሰረት ናብ ምምሕዳር ዓዲ ጥርዓን ጽሒፍና ሒዝናዮ ከድና። ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ዓዲ ካብቲ ዓዲ ርሕቕ ኢሉ ሩባ ተባሂሉ ኣብ ጽፍለጥ ቦታ ኣብ ገምገም ጽርግያ ዓዲ ቐይሕ ሰገነይቲ’ዩ። ናብቲ ቦታ ምስ ከድና ኣብኡ ዝጸንሓና ኣማሓዳሪ መሰኻኽር ከንምጽእ ሓቢሩ ኣፋነወና። መሰኻኽር ካብ ቀረባ ኣዝማድ ጸዊዕና ብምምጻእ እቲ ዝድለ መስርሕ ተሳሊጡ ኣነ ፓስፓርት ከተውጽእ ከም ዘይቃወማ ፈሪመ። ናጽነት የማነ ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡኣ ዘመልአት ጓል ስውእ ስለዝኾነት ፓስፖርት ክወሃባ ከም ዘይንቃወም ንሕብር ዝብል ጽሑፍ ጽሒፉ ማህተም ጌሩ ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ናብ ምምሕዳር ከተማ ዓዲ ቐይሕ ሰደደና።
ናብ ምምሕዳር ከተማ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ዝቕጸለ መዓልቲ ኢና ኬድና። ኣብኡ ኬድና ነታ ሒዝናያ ዘመጻእና ደብዳቤ ንሓንቲ ካብተን ጸሓፍቲ ኣረከብናያ። እታ ጸሓፊት ሰብ ኣዚዩ’ዩ ዘምርራ። ነታ ደብዳቤ ክትከፍታ እንከላ ውን ኣብ ገጻ ዝረአ ዝነበረ ናይ ቅጭ ምምጻእ ምልክት ኣማጻጽኣና ባህ ከም ዘይበላ’ዩ ዝሕብር ኔሩ። እዛ ዝጠቕሳ ዘለኹ ሰብ እታ ቅድሚ ወርሒ ይኸውን ናይ ደቀይን ናተይን ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ከወጽእ እንከለኹ “ወዲ ሃለቃ ደኣ ከመይ ጌሩ ፎርም ኣብ ደገ ኣጽሒፍካ ክትመጽእ ኣፍቂዱልካ” ዝበለትኒ’ያ። ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዕለተ ልደት ሕጂ ከኣ ፓስፓርት፡ እዞም ሰባት ገለ መደብ ኣለዎም ኢላ ከም ዝኾነት ፍሉጥ’ዩ። ነታ ደብዳቤ ከፊታ ምስ ኣንበበታ ናብ ተኽልዝጊ ግደይ ምኽትል ኣማሓዳሪ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ከተእትዋ ሒዛታ ከደት። ንሕና’ውን ደድሕሪኣ ከድና። እታ ጸሓፊት ኣይደንጎየትን ግልብጥ በለት። ተኽልዝጊ ተሌፎን’ዩ ሒዙ ኔሩ። ክሳዕ ዝውድእ ክትጽበዮ ወይ ከኣ ነታ ደብዳቤ ኣብ ጣውልኡ ክትገብረሉ ትኽእል ኔራ። ግን ኣይገበረቶን።
“ተኽልዝጊ ስራሕ ሒዙ’ሎ ናብ ኣማሓዳሪ ከእትዋ’የ፡ይስራሕ እቲ ኣማሕዳሪ’ውን ዘይተረፊዑ’ዩ ዝውዕል ዘሎ” ስሙ ጠቒሳ ተዛረበትና። ናይ ሽዑ ኣማሕዳሪ ዓብዱ ድዩ መሓመድ ስሙ ረሲዔዮ ኣለኹ ብዝኾነ ንዓራፋት ዝበሃል ፍትሓዊ ኣማሓዳሪ ዝተከአ እዩ። እታ ጸሓፊት ነታ ደብዳቤ ሒዛ ናብኡ ምስ ኣተወት ኣማሕዳሪ ነታ ደብዳቤ ኣንቢቡ ክንኣቱ ሓበረና ። ምስ ኣተና ብዙሕ ከይትገደሰ
“ፓስፖርት ደኣ ንምታይ ኢልክዮ ᎒” ሓተታ ንበዓልቲ ቤተይ
“ክገሸሉ ካብ ሃገር ክወጻሉ” መለስትሉ
“ናበይ ኢኺ ክትገሽሉ’ሞ᎒ ናበይ ከም ትገሺ እኮ’የ ክፈልጥ ደልየ᎒” ሓተታ ሽዑ ኣነ ኣብ መንጎ ጣልቃ ኣተኹ
“ናብ ካናዳ’ያ ክትገይሽ ደልያ ናይ ዕድመ ወረቐት መጽዩዋ ኣሎ” ኣብ ክንዳኣ መለስኩ
“እንታያ ኢኻ ንስኻ᎒” ኣብ ክንዳኣ ምዝራበይ ደስ ኣይበሎን
“በዓል ቤታ’የ” መለስኩሉ
“ተማም እሞ እቲ ናይ ካናዳ ወረቐት ኣምጽእዎ ፓስፖርት ክወሃባ ክጽሕፈላ እንተኾይነ፡ ኣይኮነን ግን ሰብ ሱቕ ኢሉ ፓስፖርት ኣውጺኡ ሒዙዎ ኮፍ እናበለ’ዩ፡ ስለዚ እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ከይረኣኹ ኣይህብክን’የ” በላ ነታ ቢክ ዝዓይነታ ቢሮ ናብ ጣውላ እናሃረመ።
ብድሕሪ’ዚ ተኻትዕና ነማሓዳሪ ዘስምዕ ሓይሊ ስለዘይነበረና ነቲ ቤት ጽሕፈት ገዲፍናዮ ከድና። ኣብ ደገ ዝጸንሑና ሓደ ሓደ ሰባት “ተጋጊኹም ካብ ፈለማ ናብ ተኽልዝጊ ክት ኣትዉ ኔሩኩም” በሉና። ነቲ ጉዳይ ዝሸንከረቶ እታ ጸሓፊት’ያ ኔራ። ንትኽልዝጊ ክትጽበ ትኽእል ኔራ’ያ። ግን መን የስልጥ መን ኣየስልጥን ጽቡቕ ጌራ ትፈልጥ’ያ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ተስፋ ቆሪጽና ሓሪቕና ኢና ወጺና።
ድሕሪ’ዚ ከም ዝሃበና ደቅና ሒዝና ናብ ሰገነይቲ ምምላስ’ዩ ኔሩ። ኣብ ሰገነይቲ ብኸመይ ከውጻኣላ እኽል እናሰላስለኩ’የ ዝኸይድ ኔረ። ኣብ ዓዲ ቐይሕ ዳርጋ ኣርባዕተ መዓልቲ ኢና ጌርና ነዛ ወረቐት ከነስልጥ። ይኹን እምበር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዘይ ፍረ’ዩ ተዛዚሙ። ኣብ ሰገነይቲ ዘጋጠም መስርሕ ምውጻእ ፓስፖርት ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክንመጾ ኢና።
ኣብቲ እንዳ ኢንተርነት ናይ ወሓዚት መልእኽቲ ምስ ኣንበብኩ ድሕሪኡ ብዙሕ ዝንበብ መልእኽቲ ኣይነበረንን። ነቲ መልሲ ዝግብኦ መልሲ ሂበ ከኣ ከም ዝሓለፈ መዓልታት ሕሳበይ ከፊለ ካብቲ እንዳ ኢንተርነት ወጻኹ።
ምስ ሓዊ ሰሚራ ነቲ ዕዳጋን ከባቢኡን ተዘዋዊርና ረኣናዮ። ካብ ኩሉ ዘገርመኒ ናይ ባኒ ነበረ። ባኒ ኣብ ከሰላ ኣብ ዝሓለፍካዮ ኣንጎሎ’ዩ ዝጸንሓካ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣንጎሎ ኣብ ገፊሕ ጠረጴዛ ዝተደርደረ ሸሊሕ ባኒ ንመሸጣ ድሉው ኮይኑ ይርአ። ኣነ ካብ ዓዲ ክወጽእ እንከለኹ ባኒ ዳራጋ ከም መድሃኒት’ዩ ኔሩ። ኣብ ፈቖዶ እንዳፈርኖ ዝነበረ ሪጋ ማእለያ ኣይነበሮን። በዓልቲ ቤተይ ሓንሳብ ሓንሳብ ክሳብ ሰለስተ ሰዓት ኣብ ሪጋ ተጸብያ ባኒ ተምጻሉ ግዜ ነበረ። ሓደ እዋን ንግሆ ተንሲኤ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻደይ ናይቲ ዕለት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ገዚኤ ናብ ቤት ትምህርቲ ፎርቶ እናደየብኩ ኣብ ሓደ ክልተ እንዳሻህታት ተማሃሮይ ሻሂ ሒዞም ባኒ ጌሮም ክሰትዩ ተዓዘብኩ። እቲ ፍጻሜ ቁሩብ ግር በለኒ። ኣብ ዝቐጸለ መዓልታታት ተደጋጋሚ ከምኡ ተርእዪ ምስ ረኣኹ ንገለ ካብቶም ተማሃሮይ ክሓቶም ተቐሰብኩ። ዝተዋህበኒ መልሲ ኣዚዩ ዘገርም ነበረ። ኣዴታቶም ካብ እንዳፎርኖ ባኒ ክረኽባ ስለዘይከኣላ እታ ሓንቲ ምርጫ ዝነበረት ንነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ሓደ ናቕፋ ሂበን ባንን ሻህን ኣብ እንዳ ሻሂ በሊዖም ናብ ትምህርቲ ከም ዝኸዱ ምግባር’ያ።
ብርስሓታ ኣዚያ ትልለ ከተማ ከሰላ ጋሕማጥ’ያ እምበር ውዑይ ምንቅስቓስ ዝነበራ ከተማ’ያ። ድኳናት ብቐረብ ምስ መልአ’ዩ። ኣብ ኣስመራ እታ ኮካ እኳ ብኽንደይ ወጠጥ ትርከብ ልስሉስ መስተ ኣብ ከሰላ ልዕሊ 10 ዓይነት ልስሉስ መስተ ኣብ ኣፍደገ ድኳናት ኣብ ዓበይቲ ፍሪጃት ተጠቕጢቑ ክትርኢ ንቡር ነበረ። ብሓፈሻ ከሰላ ብጀካ ርስሓትን ዘይምዕሩይ ፕላን ገዛውታን ኣዚያ ምዕብልቲ ከተማ ኮይና ጸንሓትኒ። ሕጂ ኣበይ ደርብየያ ኣይፈልጥን እምበር “ጽቡቕ ረኺበያ ከሰላ እንትርፎ ርስሓት ትብል ግጥሚ ጽሒፈ ኔረ። ነታ ግጥሚ ኣስማት ናይ ገዛዊት ከሰላ ኣካቲተ ስለዝጸሓፍኩዋ በዓል ሰሚራ ኣዚየን ይፈትዋኣ ኔረን።
ምስ ሓዊ ሰሚራ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰለስተ ሰዓት ዙረት ናብ ገዛ ተመለስና። ፋዱስ ምምሳሕ ዝለመደ ሰብ ኣብ ሱዳን ጥምየት’ዩ ዝውዳእ። ምኽንያቱ ቁርሲ ሰዓት 10 ኣቢልካ ኢኻ ትበልዕ፡ ምሳሕ ከኣ ሰዓት 4፡00 ከባቢ ድራር ከኣ ናይ ምሸት። ክሰላ ካብ ዝኣቱ ምጽዋር ስኢናያ ዝነበርኩ ናይ ምሳሕ ሰዓት ምንዋሕ ነበረት። ሕጂ’ውን ምስ ሓው ሰሚራ ቅድሚ ምሳሕ ናብ ገዛ ተመሊስና ብናይ ኤርትራ ናይ ጠዓሞት ሰዓት’ዩ። ኣብቲ ገዛ ምስ በጻሕና ሙባረካ ካብቲ ዝሓደርኩሉ ክፍሊ ክትወጽእ ረኣኹዋ። ኣብታ ቴሊቭዥን ንር እየላ ክፍሊ ሰሚራ ምስ ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ኮፍ ኢላ ጸንሓትና። ሰላም ሰላም ኢልናዮም ኮፍ ምስ በልና ሙባራካ ደድሕሬና መጽያ ምስቲ ዓቢ ሰብ ኣይ ብዓረብ ክትዛረብ ጀመረት። ኣይጸንሑን ከኣ ተተሓሒዞም ናይ ደገ ወጹ።
ሲራክ ሕጂ’ውን ኣይመጸን። ሰሚራ ንባዕላ ሲራክ ምጥፍኡ ኣሻቒሉዋ ነበረ። ተሌፎኑ ስለትፈልጣ ግን ምናልባት እንተ ኣልዓላ ብምባል ደወለትሉ። ተሌፎኑ ደዊላ ደዊላ ዘልዓላ ሰብ ኣይነበረን። ስራክ ስለዘይመለሰ ኣዚያ ሓረቐት። ሕርቃና ከኣ ኣብ ሙባረካ ከተወጽኦ ዝደለየት ክትምስል ንሙባረካ ዓው ኢላ ጸውዓታ። ሙባረካ እታ ሓጻቢት ክዳውንቲ ነቲ ሕጽር ዝበለ ዓቢ ሰብኣይ ተፋንያቶ ተብ ተብ እናበለት መጸት። ምሳሕ’ያ ክትቅርብ ደልያታ። ምሳሕ ኣብ ናይ ሓባራ መኣዲ ተቐሪቡ በሊዕና ምስ ተንሳእና። ሲራክ ብደገ ተዳህየ። ምስ ክፍሎም’ዩ ዝዛረብ ኔሩ። ናባና መጽዩ ንሰላምታ ኢዱ ምስ ሰደልደልና። ሰሚራ ዘይከምቲ ሓሪቓቶ ዝነበረት ብጽቡቕ ተቐበለቶ። ምሳሕ ዝበልዕ እንተኾይኑ’ውን ሓተተቶ። ንሱ ግን ምስ ኣዕሩኽቱ ከም ዝበልዐ፡ ጸጊቡ ከም ዘሎ ሓበራ። ሲራክ ዳርጋ ብደዉ’ዩ ክምለስ ደልዩ። ሓደ ሓደ ዕላል ምስ ሰሚራ ብዓረብ ምስ ኣዕለለ ንዓይ ሒዙኒ ንደገ ወጸ።
ኣብ ደገ ምስ ወጻእና
“ስማዕንዶ ሲራክ መኣስ ዲና ካርቱም ንኸይድ᎒ ኣብ ከሰላ ነዊሕ ክጸንሕ ኣይደልን’የ መንገደይ ብሕጂ’ዩ ዘሎ” ሓተትኩዎ
“ጽቡቕ ኣለኻ ሞኬ እቲ ጸገም ናይ ተስሪሕ ጉዳይ ኢዩ፡ ብዘይ ተስሪሕ ካርቱም ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናብ ወዲ ሸሪፈይ ወይ ሸገራብ ከብጽሓካ ይኽእል’የ ናብ ካርቱም ግን ተስሪሕ የድልየና’ዩ” መለሰለይ
“እዋእ እንታይ ሸገራብ፡ ወዲ ሸሪፈይ ኢልካ ዘረባ᎒ ንሱስ ኣይትሕሰቦ ኣነ ካርቱም በጺሐ ኣብ ሒጺር ግዜ መውጺኢ ቪዛ ረኺበ ኣሜሪካ ክኣቱ’የ ዝደሊ። ስለዚ እቲ ትብሎ ዘለኻ ተስሪሕ ክንደይ ይውድእ ጥራሕ ንገረኒ’ሞ ብዝቐልጠፈ ኣስልጠለይ” በልኩዎ
“ ተስሪሕ ክሳብ 5000 ናቕፋ ክውድእ’ዩ 200 ዶላር ማለት’ዩ፡ እዚ ከኣ ነቲ በቐዳማይ ካብ ኣበሩፍ ዘምጻና ኣባል ጸጥታ ክሓቶ’የ”
“ኣሞ ተቐላጠፍ ኢኻ ብዝተኻእለካ መጠን ኣነ ግዜ ክቐትል ይደሊ የለኹን” በልክዎ
ሲራክ ነቲ ጉዳይ ከቀላጥፎ ከምዝኾነን። ብዝተኻእለኒ መጠን ግን ከሰላ እሙን ስለዘይኮነ ዋላ ናብ እንዳ ኢንተርነት ኢለ ክወጽእ ከም ዘይብለይ ኣጠንቀቐኒ። ብፍላይ ናብቲ ማእከል ሹቕ እሞ ክኸይድ’ውን ከም ዘይነበረኒ ሓቢሩ ዝቕጽል መዓልቲ ንግዚኡ ዘድልየኒ ገንዘብ ሒዙለይ ክመጽእ ከም ዝኾነ ቃል ኣትዩለይ ምስ ኣዕሩኽቱ ክሓድር ኣብቲ ገዛ ገዲፉኒ ከደ።
ግዜ ናብ ምምሳዩ ገጽ ምስ ከደ ቀልጢፈ ክድቅስ ደለኹ። ዝንበብ መጽሓፍ ኣይነበረንን። እቲ እቶም ቆልዑ ዝርእይዎ ናይ ሱዳን ቲቪ’ውን ብዙሕ ይስሕበኒ ኣይነበረን። ገና ሰዓት 8፡00 ከይ ኣኸለ ክድቅስ ደለኹ። ድኻም ወጽዩለይ’ዩ። ኣእምሮይ’ውን ተረጋጊኡ’ዩ። ሽሕ’ኳ ሻቕሎት ስድራ እንተነበረኒ ክንድቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከለኹ ከይሕዙኒ ዝሰግ ኦ ዝነበርኩ ኣይኮነን። ነቶም ቆልዑ ደሓን ሕደሩ ኢለ ንሰሚራ ድማ ክድቅስ ከም ዝኾንኩ ሓቢረ ካብቲ ናብታ ዝድቅሰላ ክፍሊ ከድኩ። ሰሚራ መሕጸቢ ነብሳ ዝኸውን ማይ ደቃ ናብ ሻወር ኣብጺሖምላ ንስካ ከኣ ርቕቕ ዝበለ ክዳንን ሳምናን ካልእ ሒዛ’ያ ክትሕጸብ ትኸይድ ኔራ። ብእዋነይ ክድቅስ ምድላየይ ደስ ዘይበላ መስለኒ። ብዝኾነ ብሩኽ ለይቲ ኢለያ ናብ መደቀሲየይ ከድኩ።
ኣብ ዓራት ደይበ ሽዑ ንሽዑ ድቃስ ኣይወሰደንን። ኣስታት ሓደ ሰዓት ይኸውን ሱቕ ኢለ ተገላበጥኩ። ብዙሕ ዘሕስበኒ ነገር ኣይነበረን ግን ከኣ ቀልጢፈ ኣይደቀስኩን። ገና ድቃስ ከይወሰደኒ እንከሎ’ዩ ድማ እቲ ንእሽቶ ወዳ ንሰሚራ ማዕጾ ከፊቱ መጽዩ
“መኮነን ማማ ትጽዋዓካ’ላ” ዝበለኒ መብራህቲ ከየጥፋእኩዎ’የ ጎቦ ኮይነ ኔረ። ካብ መደቀስየይ ተንሲኤ ናብቲ ሰሚራ ዝጸውዓትኒ ቦታ ከድኩ። ሰሚራ ረቂቕ ክዳን ጌራ ተዛንያ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢለ ጸንሓትኒ። እታ ክፍሊ ኣትየያ ኣይፈልጥን’የ። ሳልሳይቲ ወይ ራብዓይቲ ክፍሊ ናይቲ ገዛ’ያ መስለኒ። ብዙሕ ግዜ ተዓጽያ ዝርእያ ክፍሊ’ያ። ናይ ሰሚራ ቀንዲ መደቀሲኣ ክፍሊ’ያ። ናብቲ ክፍሊ ምስ ኣተኹ ሰሚራ
“ኣብዚ ኮፍ በል ሞኬ” ብምባል ናብ ሳሎን ኣመልከተትለይ። ናብ ዝሓበረትኒ ሳሎን ከይደ ኮፍ በልኩ። ምስቶም ቆልዑ’ምበር ምስ ሰሚራ ኣጸቢቕና ኣይተለማመድናን ኔርና። ስለምንታይ’ያ ናብቲ ጽምዋ ገዛ ጸዊዓትኒ ግር በለኒ
ይቕጽል . . . . . .
መበል 17 ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 10 መጋቢት