መበል 15 ክፋል
ምስ ሓው ሰሚራ ካብቲ እንዳ ኢንተርነት ምስ ወጻእና ትኽ ኢልና ኢና ናብ ገዛ ኬድና። ኣብ ገዛ ሰሚራ ምስ ሓንቲ ምልክዕቲ ጓልን ሙባራካ እታ ሓጻቢትን ኮይነን ቡን ክሰትያ ጸንሓና። ሲራክ መጽዩን ኣይመጸን ንሰሚራ ሓቲተያ ከም ዘይመጸ ሓበረትኒ። ሰሚራ ኣብታ ፈለማ ዝተቐበልትና ገዛ ኮይና’ያ ቡን ተፍልሕ ኔራ። ሽሕ’ኳ ቡን ምስታይ ደስ ዝብለኒ እንተነበረ ምስተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብቋንቋ ክንረዳዳእ ስለዘይንኽእልን ዕላለን ከኣ ብዓረብ ስለዝነበረን ኣብ ደገ ወጽየ ምስቶም ቆልዑ ምጻዋት መረጽኩ። ኣብ ደገ ክፍሎም ምስ ሓደ መዘንኡ ወዲ ሰሚራ ከምኡ ድማ ወዲ 15 ዓመት ዝኸውን ቦኽሪ ወዳ ንሰሚራ ኮይኖም ይጻወቱ ነበሩ። ኣብ ደገ እናተጻወትና ሓው ሰሚራ ሞባይል ስለዝነበረቶ ግዜ ድማ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ኣቢሉ ስለዝነበረ ናብ ኣስመራ ክድውል ካርድ ክገዝኣለይ ሰልዲ ሃብክዎ። ሓው ሰሚራ ኣይደንጎየን ካርድ ገዚኡ መጸ።
እቲ ክድውለሉ ዝደለኹዎ ቁጽሪ ሂበዮ ቴሌፎን ክትጽውዕ ምስ ጀመረት ነታ ሞባይል ናብ ኢደይ ኣቐበለኒ
“ሃለው . . . . ሃለው . . . . .” በለትኒ ካብ ኣስመራ ዝተቐበለትኒ ዘመድ። ንሳ እታ ሰንበት ምሸት ገዝኦም ከይደ ሓንቲ ባልጃ ዝገደፍኩላን ዕዳጋ ሓሙስ ካብ ትሓድር ኣብዚ ዘይትሓድር ዝበለትኒ ቤተሰብ’ያ ኔራ።
“እዉይ ኣምላኽ ጥዑም ኣንታ ሞኬ ዳሓን ዲኻ᎒ እዉይ ኩሉ ስድራ እንድዩ ተሻቒሉ እዉይ ኣምላኽ ጥዑም ” ኩሉ ስልክታት ብሰለይቲ ህግደፍ ዝጥለፍ ስለዝመስለካ ተጠንቂቕካ’ዩ ኔሩ ዘረባ
“ ደሓን’የ ብሰላም ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ በጺሐ ኣለኹ” ኣበሰርክዋ
“ዕልል . . . . ዕልል . . . . . ዕድለኛታት’ዮም እዞም ቆልዑ እንቋዕ ብሰላም ኣተኻ: ሕጂ ጉዳይ መንገድኻ ግበር ብዛዕባ ስድራ ኣይትሸገር ኣለናዮም ንሕና” በለትኒ
“ ይኣምነለይ እዚ ደኣ ብዙሕ ኣይሽገርን’የ በቃ በሊ ንኹሎም ንገርዮም ብሰላም ኣትየ ኣለኹ ደሓር ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዝበጽሓሉ ምስ ኣተኹ ጽቡቕ ጌርና ከነዕልል ኢና” ቁሩብ ኣዕሊለ ተሰናበትኩዋ።
ሰንበት ምሸት ካብ ገዝኦም ክኸይድ እንከለኹ ንሳን ደቃን ዞማይን ማለት ሓፍታ ንበዓልቲ ቤተይ እት ምሸት ናይ መወዳእታ ከም ዝኾነት ጠርጢሮም ኔሮም። ፈለማ ከረን ወሪደ ከም ዝነበርኩ መሐበሪ ፉል ሒዘ ገዛ ኣትየ። ደሓር ከኣ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ክሓድር’የ ኢለ ክፋነዎም እንከለኹ ስድራ ተኣኪቦም እናዕለሉ እንከለው’የ ተሰናቢተዮም። ክሰናበቶም እንከለኹ ኣብ ቦርሳይ ገዲፈዮ ካብ ዝኸይድ ዝነበርኩ ሙሩጽ ንህያብ ክኸውን ዝኽእል ፒሮታት ስለዝነበረ ኣውጺኤ ሓሓንቲ ሃብክዎም። ኣቦ፡ ኣደ ሓደ ወዶም ምስ በዓልቲ ቤቱ፡ ክልተ ኣዋልድ ደቆም ኣብኡ’ውን ዞማይ ነበረት። ዳርጋ እተን ዘነበራ ፒሮታት ዓዲለዮም’የ። ፒሮ ወይ ኖት ቡክ ከም መዘከርታ ምሃብን ምቕባል ኣዚዩ ደስ ካብ ዝብለኒ ነገር ነበረ። እቲ ህያብ ምዕዳል ንዕኦም ናይ ስንበታ ግዜ ከም ዝኾነ ጽቡቅ ጌሩ በርሃሎም። ነቶም ስድራ ብዛዕባ ጉዕዞይ ምሕባር ማለት ካብ ዝብገስ ክሳብ ዝኣቱ ኣብ ሻቕሎት ምእታዎም ማለት ስለዝኾነ’የ ሞሊቐ ዝኸይድ ኔረ። ሽዑ ምሸት እተን ፒሮታት ህብ ኣቢለዮም ካብቲ ገዛ ተሰናቢተዮም ምስ ወጻእኩ፡ ዞማይ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ኣትያ ከም ሕሱም ከም ዝበኸየት እዛ ብቴሌፎን ዘዕለልኩዋ ቤተሰብ ሓበረትኒ። ንሳ ድማ
“ስለምንታይ ከምዚ’ልኪ ትበኽዩ ኣምላኽ ኣሎ’ድዩ ኣጆኺ ብሰላም ክኣቱ እዩ፡ ይኺድ ቀንፈዘው በዚሑ’ዩ” ብምባል ከም ዘጸናናዓታ ኣዕለለትኒ።
እቲ ቀንዲ ኣሻቓሊ ኩነታት ዝነበረ ኣብቲ ናብ እንዳ ኣውቶቡስ ክኸይድ እንከለኹ ዝሓደርኩሉ ገዛ ናይ ዕዳጋ ሓሙስ’ዩ። ካብቲ ገዛ ንግሆ ሰዓት 4፡00 ሞሊቐ ክወጽእ እንከለኹ ተኸዲነዮ ዝነበርኩ ክዳን ጫማ ኣብኡ ገዲፈዮ’የ ከይደ። ሰብ ገዛ ንግሆ ምስ ተንስኡ ኣዚዮም ሰንበዱ። ጫማይ ኣብታ ዝነበረአን ክዳውንተይ’ውን ኣብኣ። ለይቲ ምድሪ ድምጺ ከይተሰምዐ ዝወስዶ ደኣ እንታይ ዝኾነ’ዩ። ብገለ ሰባት ተጨውየ ከይከውን ኣዚዮም ፈርሑ። በዓል ቤታ ነታ ቤተሰብ ብዛዕባ’ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ላዕልን ታሕትን ክብል ስለዝኽእል ፈለማ በዓልቲ ቤቱ ናብ ማይ ጭሆት ደዊላ “መኮነን ኣብ ገዛ የለን፡ ክወጽእ እንከሎ ድማ ኣይሰማዕናዮን ተኸዲኑዎ ዝነበረ ጫማን ክዳንን ኣብዚ ገዲፍዎ’ዩ ከይዱ።” በለተን እተን ስድራ ከኣ ነቲ ብድሮ ገሚተነኦ ዝነበራ ግምት ዘራጉድ ረኸባ። ንሳተን ብውሽጠን ተሻቒለን እኳ እንተነበራ መሊሰን ከሻቕላኣ ስለዘይደለያ
“ዳሓን ኣይትሸገሪ ክገይሽ’የ ኢሉና ኔሩ ትማሊ” ብምባል ኣጸናንዓኣ።
እዋን ናብ ምምሳዩ ገጽ ከደ። ሲራክ ኣብቲ ገዛ ኣእቲዩኒ ካብ ዝኸይድ ኣይተመልሰን። ተሌፎን ተጠቒመ ምስ ወዳእኩ ኣብ ካንቸሎ ናይቲ ገዛ ንቁሩብ እዋን ምስ በዓል ክፍሎም ኩዕሶ ተጻወትና። መምህር ናይ መባእታ ምዃን ምስ ቆልዑ ከም ትወሃሃድ’ዩ ዝገብረካ። ኣብ ዝኾነ እዋን ምስ ዝኾነ ቆልዓ ክጻወትን ክተዓራረኽን ጸገም ኣይነበረንን። ኣብተን ዝመሃርኩለን 8 ምሉኣት ዓመታት ካብ ዝደለብክዎ ዓቢ ፍልጠት ኣቀራርባን ኣተሓሕዛን ካብ 8 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ነበረ። ስለዝኾነ ከኣ እዞም ካብ ዝፈልጦም ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ዘቑጽርኩ ቆልዑ ኣዕሩኽተይ ኮኑ። ንሶም’ውን ከም ዓቢ ሓዎም ወይ ኣቦኦም ክርእዩኒ ጀመሩ።
ኣብቲ ቀጽሪ ኩዕሶ እናተጻወትና ሓደ ጉልቡት ከደራይ ሰብኣይ ማዕጾ ደፊኡ ናብተ ገዛ ኣተወ። ንዓና ብማዕዶ ሰላም ኢሉ ከኣ ናብተን ቡን ዝሰትያ ዝነበራ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣመርሐ። ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ንንውሕ ዝበለ እዋን ወጃዕ ጃዕ ምስ በሉ እታ ቆማት ብሒናን ዝተፈለለየ መመላኽዕን ጸቢቓ ዝነበረት በዓልቲ ልውየት ናብታ ኣነ ዝሓደርኩላ ክፍሊ ክትሓልፍ ኣስተብሃልኩ። ጸኒሑ ከኣ እቲ በዓል ጀለብያ ሰዓበ። ማዕጾ ክዕጾ እንከሎ ብጎቦ ዓይነይ ረኣኹ። ብድሕሪ’ዚ ግን ነቶም ቆልዑ ኣብ ጽዑቕ ጸወታ ምጽማዶም ይሓይሽ ካብ ዝብል ጸወታና ቀጸልና። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ድሕሪት ዝኣተወ በዓል ጀለብያ ቀዲሙ ቅድሚት ዝኣተወት በዓልቲ ልውየት ከኣ ድሕሪት ካብቲ ወጹ። በዓል ጀለብያ ካብቲ መደቀሲ ምስ ወጸ ብዙሕ ከይጸንሐ ገዲፉወን ከደ። ኣብ ኢዱ ሓያሎ መፋትሕ ሒዙ ስለዝነበረ በዓል መኪና’ዩ ዝመስል። በዓልቲ ልውየት መልክዐኛ ሕዳርበይቲ ከኣ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ካብቲ ገዛ ወጸት።
መሬት ኣዚዩ ዓይኒ ምስ ሓዘ ደሮናና ነጊፍና ናብ ገዛ ኣተና። ድራር በሊዕና ተሌብዥን ናይ ሱዳን ንቑርብ ግዜ ርኢና ከባቢ ሰዓት 9 ኣቢሉ ምስ ኮነ ንሰሚራ ክድቅስ ከም ዝደለኹ ሓበርኩዋ። ሰሚራ ነቲ መደቀሲ ክፍሊ ኣጸራሪያ መኮነን ንዓ ደቅስ ብምባል ናብ መደቀስየይ ኣሕለፈትኒ። ቆልዑ ኣብቲ ናይ ቴሌቭዥን ክፍሊ እናተጻወቱ’የ ገዲፈዮም። ሰሚራን ሙባራካን’ውን ምስኦም ኮይነን’የን ዝርእያ ኔረን። ኣብዛ ምሸት እዚኣ’ውን ድቃስ ከመይ ጌሩ ከም ዝወሰደኒ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን።
ዝቐጸለ መዓልቲ ከም ኣመለይ ከባቢ ሰዓት 11፡00 እየ ተንሲኤ። ሽዑ’ውን ሰሚራ ምስቲ ቦኽሪ ወዳ ክትቋዮቕ’ያ ኣተንሲኣትኒ። ገለን ብማይ ገለን ሰኣን ማይ ዝበሃል ከምዚ’ዩ። ሰሚራ ትንፋሳ ብኣፋ ክሳብ ትወጽእ’ያ ነዲራ ትቋዮቕ ኔራ። ወዲ ሰሚራ ናብ ሳዋ’ዩ ክኸይድ ደልዩ። ክንደይ ሰብ ካብ ሳዋ ናብ ሱዳን ክትኣቱ ህይወታ ከም ዝሰኣነት እቲ ቆልዓ ዝፈልጥ ኣይመስለንን። ኣነ ዘየስተባሃልኩሉ ኔረ እምበር ኩሉ ኩነታቱ ናይ ወታሃደር’ዩ ኔሩ። ካኪ መሳሊት ስረን ሬንጀር ማልያን ባህጊ ናይ ውትህድርና ስለዝነበሮ’ዩ ዝኸደኖ ኔሩ። ልዕሊ 14 ሰዓት ደቂሰ ግን ኣጸቢቐ ከይጸገብኩ’የ ተንሲኤ። ነቲ ቆየቛ ከህድኦ ኣይከኣልኩን። በቃ! ሰሚራ ተዕገርግር ንሱ ከኣ “ሳዋ ክኸይድ’የ” ጥራሕ’ዩ ዝብል። ኣቡኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣብ ሰራዊት’ዩ ኔሩ።
ሰሚራ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ እዋን ሳልሳይ ወራር ካብ ተሰነይ ተፋናቒላ ስድራ ሒዛ ከሰላ ምስ ኣተወት ኣይተመልሰትን። ብዝኾነ ኣነ ምስቶም ክልተ ናኣሽቱ ቆልዑ ሰላም ተባሃሂለ ቆየቛ ክሳብ ዝሃድእ ደገ ሒዘዮም ወጻእኩ። ከም ሓቂ ሰሚራ እቲ ዋዕዋዕ ኣባህላኣ ሱዳናዊት እምበር ኤርትራዊት ኣይምስላን’ዩ። ደገ በጺሕና ምስ መጻእና ቆየቛ ዝግ ኢሉ ጸንሓና። ኣቲና ኮፍ ኮፍ ምስ ኮነ። ምናልባት ጸር ጸር ዘብላ ዝነበረ ናይ ናብራ ነገር ክኸውን ይኽእል’ዩ ብምባል ነቲ ዓቢ ሓዋ ጸዊዐ ካብተን ኣብ ኢደይ ዝነበራ ገንዘብ 100 ናቕፋ ናብ ናይ ሱዳን ገንዘብ ኣቐይሩ ፉል ገዚኡ ከምጽእ ለኣኽክዎ። እታ 100 ናቕፋ ዳርጋ ንቑርሲ’ያ ኔራ። ምኽንያቱ ሻሂ ንባዕላ ብሕሳብ ናቕፋ 5.00 ቅርሺ’ያ ኔራ። ሓው ሰሚራ ጥዕምቲ ፉል ሒዙ መጽዩ ኣርባዕቲና ጽቡቕ ጌርና ቆረስና። ሰሚራን ሙብራካን ሽዑ’የን ናብ ቡን ገጸን ዘብላ ኔረን። ድሕሪ ቁርሲ ከምቲ ዝሓለፈ መዓልቲ ሓው ሰሚራ ሒዙኒ ናብ እንዳ ኢንተርነት ዝኸደ ናብ እንዳ ኢንተርነት ክኸይድ ሓቲተዮ ንሱ’ውን ክጥቀም ስለዝኾነ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ ተተሓሒዝና ናብ እንዳ ኢንተርነት ከድና።
ኣብ መንገዲ እናኸድና ሓያሎ ኡኖ ዝዓይነተን መካይን ርእየ ኣዚየ ተገረምኩ። ሓዊ ሰሚራ ምግራመይ ርእዩ ታክሲ’የን ክብል ነገረኒ። ብጀካ እዘን ታክስታት ከሰላ ብሞቶር ብሽክልታ ዘዕለቕለቐት ከተማ ኮይና ረኸብኩዋ። ሞቶር ብሽክልታ ብዝሓለፍካዮ ኢኻ ትርኢ። ሓዊ ሰሚራ ቦታ ከርእየኒ ስለዝሓሰበ እንዳ ኢንተርነት ክንጥቀም ናብ ማእከል ሹቕ’ዩ ወሲዱኒ። ኣብ ሓደ ክለብ ዝመስል ህንጻ ምስ ኣተና ኣብኡ ሓያሎ መንእሰያት ቴብል ቴንስን ዳማን ክጻወቱ ጸንሑና። ናብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ምስ ወጻና’ውን ሓያሎ መንእሰያት ኮምፑዩተር ክጥቀሙ ጸንሑና። ሪጋ ከም ናይ ኣስመራ ኣይነበረን። ትኽ ኢልና ነናትና ኮምፑዩተር ሓዝና። ኮምፑተር ተረኪበ ያሁ መሰንጀር ምስ ከፈትኩ ፈለማ ዝጸንሓኒ መልእኽታት ምንባብ ጀመርኩ።
ሰዓት ሹዱሽተ ኣብ ሓደ ቦታ ክንራኸብ ዝቖጸርኩዎ ዓርከይ እናንጸርጸረ ዝጸሓፈለይ’ዩ ዝመስል። ኣብቲ ቦታ ተመላሊሱ ምስ ሰኣነኒ ንዋሓዚት መሓዛይ ረኺቡዋ ነበረ። ወሓዚት’ውን ከምኡ ቆጺረያ ከም ዝጠልምኩዋ ሓበረቶ። ኣብ ምስጢር ምሓዝ ኣዚያ ሓያል’ያ። ብቐንጠብጠብ መኮነን ከሰላ ኣሎ ክትብሎ ኣይትኽእልን’ያ ኔራ። ብዝኾነ ሽዑ ምንጋሩ ይሓይሽ ብምባል ኣብ ከሰላ ከም ዘለኹ ንዝኾነ ነገር ግን ኣብ ውሽጡ ክሕዞ ከም ዘለዎ ጸሓፍኩሉ።
ቀጺሉ ዝጸንሓኒ መልእኽቲ ካብ’ቲ መጥባሕቲ ጌሩ ዝነበረ ዘመድ’ዩ። እዚ ዘመድ ገጀረት ንእሽቶ ናብ እትርከብ እንዳ ዓርኩ ገዛ ሒዙኒ ምስ ከደ ቡን እናሰተና እንከለና’ዩ ሲራክ “ናብ እንዳ ኢንተርነት እቶ” ኢሉ ዝደወለለይ። ነዞም ክልተ ሰብ ሒዘ እየ ኣደባባይ ኣብ ዝርከብ እንዳ ኢንተርነት ምስ ሲራክ ዘዕልል ዝነበርኩ። ሽዑ ስለዝደንጎኹዎም “ክንምለስ ኢና” ኢሎም’ዮም ኣብቲ ኣንዳ ኢንተርነት ገዲፎምኒ ከይዶም። ምስ ተመለሱ ግን ክርኸቡኒ ኣይከኣሉን። ኣነ ሽዑ ዕዳጋ ሓሙስ- ጎዳይፍ፡ ጎዳይፍ- ማይ ሽሆት፡ ማይ ጭሆት- ዕዳጋ ሓሙስ ይብል ነበርኩ። ንሶም ከኣ ናብ ሞባይለይ ደዊሎም ሞባይለይ ተዓጽያ ዝምልስ ኣይረኸቡን። ኣዚዮም ተሻቐሉ። ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ካልእ ከተማታት ሰብ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተጨውዩ ክውስደ ንቡር ስለዝነበረ ዝተጨወኹ ጥራሕ መሰሎም። ብፍላይ እቲ ዘመድ ንዝሓቶ ጠፍኦ። ንዝፈልጦም ሓደ ክልተ ኣዕሩኽተይ ሓቲቱ “ባጽዕ ናብ ጉባኤ’ዩ ከይዱ ዝኸውን” በልዎ። ብድሕሪ’ዚ ከም ኣማራጺ ምስ ዓርኩ ኮይኖም ብዛዕባ ሃለዋተይ ከም ዝተሸገሩ መልእኽቲ ጸሓፉለይ። ነዚ ቤተሰብ ኣሕጽር ኣቢለ ከሰላ ከም ዘለኹን ብሰላም ከም ዝኣተኹን እቲ ክብገስ እንከለኹ ዘጋጠመኒ ኩነታትን ጸሓፍኩሉ።
ቀጺሉ ዝጸንሓኒ መልእኽቲ ናይ ዳዊት ዝበሃል መንእሰይ’ዩ። እዚ መንእሰይ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝረኸብዎ መታዓብይተይ ኮይኑ ብዛዕባ መንገደይ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ብዓቕሙ ዝኽእሎ ክሕግዘኒ ዝፍትንን ዝነበረ ወዲ’ዩ። ኣጋጣሚ ኣብ ኦንላይን ስለዝነበረ ሰላም ዳዊት በልኩዎ።
“ኣታ ሞካት ኣበይ ኣለኻ᎒” ሓተተኒ
“ኣብ ኣስመራ ኣለኹ ተጣፊእና ምሽ᎒” መሊሰ ሓተትኩዎ
“ክላ ኣብ ኣስመራ ደኣ የለኻን ሰሙን እንድዩ ቀሪቡ ኣብቲ ጎደና ሓርነት ካብ ዘይረኽበካ። ኣበይ ኣለኻ ጥራሕ᎒ ሞባይልካ ከኣ ትሰርሕ የላን” ሓቁ’ዩ ኣስመራ እንተሃልየ ብውሕዱ ኣብቲ ሰብ ናብ ጎደና ሓርነት ዝፈሰሉ ሰዓት ከባቢ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዘወር ክንብል ንራኸብ ኔርና ኢና።
“ከሰላ ኣለኹ በል ክትሕጎስ” ኣበሰርኩዎ
“ኣታ ኣምበሳው! ኣታ ከመይ ዝበልካ ኢኻ ዋው ! ብጣዕሚ ደስ ዝብል ኣዚኻ ዕድለኛ ኢኻ . . . .”
“ጽቡቕ ኣለኻ ዕድል’የ ጌረ” መለስኩሉ
“ናይ ብሓቂ ዕድለኛ ኢኻ ብጣዕሚ ዘገርም’ዩ” መለሰ
“የቐንየለይ ዳዊት ሓወይ!” ምስጋናይ ኣቕረብኩ
“ዕድለኛ ኢኻ . . . .” ንሳልሳይ ግዜ ደገመለይ። ዘረባ ክደጋገም እንከሎ ቁሩብ ዓቕሊ ይውድእ’የ
“እንታይ ደኣ ነዛ ዕድለኛ ኢኻ ትብል ቃል ደጋጊምካያ᎒ ዕድለኛ ስለዝኾንኩ እንድየ ዲቪ ሎቶሪ በጺሑኒ” ሓተትኩዎ
“ጽናሕ እንዶ ክንገረካ እየ፡ ዕድለኛ ዘብለኒ ዘሎ ካልእ’ዩ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብድሕሬኻ ቪዛ ምሃብ ደው ኣቢሎም፡ ትዝክሮምዶ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ 4 ደቆም ዲቪ ዝበጽሖም ምሳኻ ዝመለላለሱ ዝነበሩ᎒” ሓተተኒ
“እንድዒ ኣይዘከርክዎምን” ክመጹለይ ከኣ ኣይከኣሉን ብዙሕ ሰብ ዝርኢ ኔረ።
‘ብዝኾነ ንዓኹም ረቡዕ ቪዛ ሂቦም ዓርቢ መጺኹም ውሰዱ ምስ በሉ ንዝቕጽል ሰሙን ተቖጺሮም ዝነበሩ ሰባት ቪዛ ደው ኣቢልና ኢና ጉዳይኩም ኬንያ ኬድኩም ኢኹም ተስልጥዎ ኢሎሞም” በለኒ
ብስምባደ ፈጥ ፈጥ በልኩ። ሓቑ እንድዩ ደኣ ዕድለኛ ኢኻ ክብለኒ በልኩ
“እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ ᎒” ክኣምን ኣይከኣልኩን በቲ ሓደ ኣነ ቪዛ ወሲደ ምጽንሐይ ኣሐጎሰኒ። በቲ ሓደ ከኣ ናይ ስድራ ጉዳይ ሻቕሎት ፈጠረለይ። ብዝኾነ ምስ ዳዊት ድሕሪ እዚ ዕላል ሱዳን ክወጽእ ከም ዝደሊ ሓቢሩኒ ምስ ተረጋጋእኩ ዘውጽኦ ሰብ ክደልየሉ ከም ዝኾንኩ ሓቢረዮ ባይ ተባሃሂልና ተፈላለና።
ዝቐጸለ መልእኽቲ ናይ ወሓዚት’ዩ ኔሩ ወሓዚት ብዛዕባ ስድራ እንታይ’ያ ክትብለኒ እናተሃንጠኹ ከፈትኩዎ
ይቕጽል
መበል 16 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 7 መጋቢት