8ይ ክፋል
ካብ ከረን ምስ ተመለስኩ ብቐጥታ ናብቲ ዝተበገስኩሉ ገዛ እንዳቤተሰብ’የ ኣትየ። ሰብ ገዛ ስራሕ ውዒሎም ዳርጋ ምሳይ’ዮም ገዛ ኣትዮም። ስክፍታን ጥርጣረን ሰብ ገዛ ንምንካይ ናብ መንደፈራ ሰራየ ገይሸ ሓዲረ’ኳ እንተበልኩዎም ሒዘዮ ዝመጻኹ ፉል ግን ኣፈዲሑኒ’ዩ። ብልምዲ ናብ ሓደ ከባቢ እንተጌሽካ እቲ ከባቢ ብብዝሒ ዘፍርዮ ምህርቲ ሒዝካ ክትምለስ ከም ቅቡል ኢኻ ትወስዶ። ናብቲ ገዛ ሸዊት ዕፉን ሒዘ ከይደ እንተዝኸውን እቲ መንደፈራ ገይሸ ኔረ ዝብል መመኽነይታ ቅቡል ምኾነ ሕጂ ግን ፉል’የ ናብቲ ገዛ ኣምጺኤ ፉል ከኣ ዓዱ ከረን’ዩ ምባል ይቐልል። ብዝኾነ እቲ ናብ ከረን ዝተገብረ መገሻ ነቶም ሰብ ገዛ መሊሱ ቆለዎምን ኣሻቐሎምን። ሽዑ ምሸት ናብ ከተማ ከይከድኩ እንዳ ኢንተርነት ከይኣተኹ ብድሮ ኣብ ከረን ዘጋጠመኒ ጉዳይን ካልእን እናሓሰብኩ ኣብቲ ገዛ ኣምስየ ኣብኡ ሓደርኩ።
ንጽባሒቱ ከም ሓደ በዓል ስራሕ ኣንጊሀ ተንሲኤ ተሓጻጺበ ናብ ከተማ ወረድኩ። ፈለማ ክገብሮ ሓሲበ ዝነበርኩ እንዳ ኢንተርነት ኣቲየ መልእኽታት ቸክ ምግባር ነበረ። ዝተጻሕፈኒ መልእኽታት እናንበብኩ ቀዳማይ ብስራት ካብ ካናዳ ካብ ሓወይ ትኩእ ተስፋይ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ነበረ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝሃቡኒ ፖስታ እታ ብ DHL ዝሰደድኩዋ ኣገዳሲት ሰታሪት ኣብ ሓጺር መዓልታት ብሰላም ናብ ኢድ ሓወይ ከም ዝበጽሐት ዘበስር ዜና ነበረ። ሓወይ ነታ ደብዳቤ ተቐቢሉ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ኣቐሚጡዋ ከም ዘሎ ድማ ኣረጋገጸለይ። እዚ ዜና እዚ ሓደ ዓቢ ተስፋ ሃበኒ። ግርም፡ ደብዳቤ ብሰላም ምብጻሓ እግዚኣብሄር “መንገድኻ ጽሩግ’ዩ ትባዕ” ዝብለኒ ዝነበረ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ዝቐጸለ መልእኽቲ ናይ ዑቕባይ ኮይኑ፡ ዑቕባይ ንሲራክ ረኺቡዎ ከም ዝነበረን ካብ ሓወይ ዝተላእከ ገንዘብ 1000 ዶላር ኣትሪፉ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝሃቦን፡ እቲ ዘትረፎ 1000 ዶላር ከኣ ኣነ ናብ ሱዳን ምስ ሰገርኩ ከስዕበሉ ከም ዝኾንኩ ዝሕብር ነበረ። ዑቕባይ ንሲራክ 1000 ዶላር ምሃቡ ኣይጸላእኩዎን። ብውሑዱ ድሉውነት ሲራክ’ዩ ዘረጋግጸለይ ኔሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣብ ከረን ዘጋጠመኒ ኩነታት ናበይ ከም ዘብል ስለዘይፈልጥኩ ሲራክ ከይጠልመኒ ስግኣት ሓደረኒ።
ስዒቡ ኣብ ኦፍ ላይን ዝጽንሓኒ መልእኽቲ ናይ ሲራክ ነበረ። ሲራክ ካብ ሽወደን ተሌፎን ከም ዝተደወለሉን ስለምንታይ ናብ ህይወት ከይደ ከም ዘይሓደርኩን ብሃለዋተይ ከም ዝተሻቐለ ዝገልጽ መልእኽቲ ነበረ። መልሲ ክጽሕፍ ብግስ ምስ በልኩ ሲራክ ኣብ መስመር ጸኒሑ መርሓባ ሞኬ በለኒ። ሓሪቑ ከም ዝነበረ ርዱእ እኳ እንተኾነ ካብቲ ጽሑፍ ኩነታቱ ክትፈልጥ ኣሸጋሪ ነበረ።
“ስለምታይ ደኣ እንዳ ህይወት ዘይሓደርካ᎒” ከም ዝወነኒ ሰብ ትርር ኢሉ ሓተተኒ።
“ እንዳ ህይወት ኬድካ ምሕዳር ኣገዳስነቱ ኣይተራእየንን፡ ነቶ ቆልዓ ሒዘዮ ናብ ተሰነይ ንዘይከይድ እሞ እንታይ ክገብር እየ ናብቲ ገዛ ተመሊሰ ክሓድር” መለስኩሉ
“ኣበይ ኣለኻ ሕጂ᎒” ሓተተ ሲራክ
“ኣስመራ ኣለኹ” ኣሕጺረ መለስኩሉ
“ምሽ ኣስመራ ከይትኸይድ ኢለካ፡ ስለምንታይ ኣስመራ ተመሊስካ᎒”
“ሲራክ ነጊረካ’የ እኮ ኣነ፡ እታ ዝወስዳ ስጉምቲ ናይ ሞት ዲያ ናይ ምትሓዝ እታ ኣብ ዶብ ተጋጥመኒ ሽግር ንምግጣም እንተዘይኮይኑ ብግስ ከይበልኩ ኣብ ብሎኮ ባረንቱ ዋላ ብሎኮ ዓዲ ቐሺ ክተሓዝ ኣይደልን’የ” በልኩዎ
ብድሕሪ’ዚ ከም ዘይንረዳዳኣ ስለዝፈለጠ ናብ ከረን ከወርድ ዝኽእል እንተኾይነ ሓቲተኒ። ኣነ ግን ናብ ተሰነይ እምበር ተመሊሰ ናብ እንዳ ሂወት ገዛ ክኸይድ ይኹን ንክፍሎም ምሳይ ናብ ተሰነይ ከም ዘይወስዶ ቁርጺ ነገርኩዎ። ብድሕሪ’ዚ ተሌፎን ክድውለለይ ከም ዝኾነ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ድሉው ክኸውን ከም ዘለኒ። ኣብ ከሰላ መኪና ተዳልያ ከም ዘላ፡ ሰባት ክውስኽ ይጽበ ከም ዝነበረ ሓቢሩኒ ደሓን ወዓል ተባሃሂልና ተፈላለና።
እዋኑ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገልጽኩዎ ተማሃሮን መምህራንን ኣብ ዕረፍቲ ስለዝነበሩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቦኽሪ ዋዕላ መምህራን ኤርትራ ኣብ ከተማ ባጽዕ ንምክያድ ክሸባሸብ ጸኒሑ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከካይዶ መዲቡ ስለዝነበረ ካብ ምሉእ ኤርትራ ዝተዋጽኡ ኣስታት 500 መምህራን ናብ ባጽዕ ዝወርዱሉ ግዜ መዓልታት ተሪፉዎ ነበረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለኹ ሓደ ዘኽብሮን ንሱ’ውን ኣብ ልዕለይ ደሓን ዝኾነ እምነትን ተስፋን ዝነበሮ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምኒስትሪ ትምህርቲ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጽዮ ናብ ባር ሮያል ገጽ ክሰግር ምስ ረኸበኒ “ሻሂ ንስተ” ኢሉ ሒዙኒ ናብ ባር ኣሜሪካ ኣተወ። ድሕሪ ናይ ዝተወሰነ ደቓይቕ ዕላል። ናብ ባጽዕ መኣስ ከም ዝብገስ ምስ ሓተተኒ ኣብቲ ዋዕላ ዕዱም ከም ዘይኮንኩ ሓበርኩዎ። “በል ኣነ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ኣይጥዕመንን’ዩ ንዓይ ዝተዋህበትኒ ናይ ዕድመ ካርድ ስለዘላ ግን ንሳ ክህበካ እየ፡ ሓደራ ካብቲ ዋዕላ ከይትተርፍ” ብምባል ከመይ ዝበለት ናይ ዕድመ ካርድ ሃበኒ። ንሱ ተገዲሱን ኣኽቢሩን ይህበኒ ስለዝነበረ ኣፍቃሪ መንእስያትን ኣፍቃሪ ስነጥበባውይንን’ዩ ብምንባሩ ሞራሉ ከይትንከፍ ክብል ነታ ወረቐት ተቐበልኩዎ። ኣብ ከምዚ ናይ ተጠንቀቕ ሰዓት ይትረፍ ናብ ዋዕላ መእተዊ ካርድ ረኺበ ክኸይድ ካብኡ ዝበለጸ ዕድል እንተዝጎንፈኒ ውን ኣይምኸድኩን። ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ እንተ ሒዝካ ከኣ ኣይትስድድ’ዩ ኔሩ ጉዕዞይ። ሓንሳብ ዝጀመርኩዎ ጉዕዞ ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሖ ኔሩኒ ዝብል ሓያል ኒሕ’ዩ ሒዙኒ ኔሩ። ካብቲ በዓል ስልጣን ምስ ተፈላለኹ። እታ ወረቐት ብኸንቱ ክትባኽን ስለዘይደለኹዋ ከይተደናጎኹ ንሓደ ምስ ርእሰ መምህር ካላኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሰገነይቲ ናብ ኣስመራ ዝመጸ መምህር ናብ ባጽዕ ክኸይድ ዝደሊ እንተኾይኑ ሓቲተዮ ብሓጎስ ስለዝተቐበለኒ ናቡኡ’የ ኣስጊረያ።
ዝቐጸላ ክልተ ወይ ሰልስተ ናይ ሰንፈላል መዓልታት ከም ሻሙ ኣብ ዕንክሊል’የ ኣሒሊፈየን። ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ዘወን እናበልኩ እንከለኹ። ምስ ወዲ ሃለቃ ማለት ካብ ምምሕዳር ሰገነይቲ ናብ ዓዲ ቐይሕ ዝተቐየረ ተጋዳላይ ጎፍ ንጎፍ ተራኸበና። ወዲ ሃለቃ ዕድመ ድፉእ ዘበለ ኮይኑ ኣብ ዘእትዎን ዘየእትዎን ጠቦሎቕሎቕ ስለዘይብል ምስ ረኽብኩዎ ብዙሕ ኣይተሰከፍኩን። “ኣንታ መምህር እንታ ደኣ በቢ ዝሓለፍናዮ ንራኽብ ዘለና፡ ከመይ ኣለኻ᎒” ኢሉ ኢዱ ንሰላምታ ሰደደለይ። ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ኣብ ናይ ሰሚስተር ዕረፍቲ ከም ዘለና ሓቢረዮ ከይደንጎኹ ተፈለኹዎ። ምስ ወዲ ሃለቃ ኣብ ጉዳይ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ምውጻእ ኢና ተራኺብና።
ዲቪ ምስ በጽሓኒ ሰኣን ኣፍልጦይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናይ ጥምቀት ወረቐት ዝቕበሉ ስለዝመሰለኒ ፈለማ ናይ ጥምቀት ወረቐት ክረከብ ናብ ቤተ ክርስትያን ዓዲ ቐይሕ’የ ከይደ። ኣብኡ ከይደ ናይ ጥርዓን ወረቐት ጽሒፈ ናብቲ ሰበኻ ጉባኤ ምስ ኣቕረብኩዎ ንኣበ ነብሲ ናይ ስድራና ንቀሺ ሓጎስ ተስፋይ ኣፈሪምካ ኣምጻዮ ተባሂለ ናብ ኣቦይ ቀሺ ሓጎስ ከድኩ። ኣቦይ ቀሺ ሓጎስ ጥዕና ስኢኖም ምስኡውን ብሓደ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸሲሶም ስለዝነበሩ። ንዓይ ከም ዘይፈልጡኒ ኮይኖም “ኣይፍርመልካን’የ” ብምባል ኣቕበጹኒ። ነዛ ወረቐት ናይ ጥምቀት ከሳልጥ ክንደይ ላሕ እናበልኩ እንከለኹ’የ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝመጽእ ናይ ዕለተ ልደት ምስከር ወረቐት እምበር ናይ ጥምቀት ከም ዘይቅበሉ ዝፈልጥ ዘለኹ።
ነዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ጉዳይ ኣወንዚፈ ድማ ናብ ምምሕዳር ምስ ኣመልከትኩ። ምምሕዳር ዕለተ ልደተይ ቅኑዕ ከም ዝኾነ ብሰለስተ መሰኻኽር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመስኪረ ከምጽእ ናብ ቤት ፍርዲ ለኣኸኒ። ኣነ ክውለድ እንከለኹ ብህይወት ዝነበሩ ሰለስተ ኣቦታት ስሞም ኣመዝጊበ በቲ ዝጠቐስክዎ ዕለት ማለት ኣብ መንነት ወረቐተይ ዝነበረ ዕለት ከም ዝተወለድኩ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲደ ኣፈረምኩዎም። ብድሕሪ’ዚ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ግብሪ ከፊልካ ምጻእ ስለዝበለኒ ብሽክለታ ጌረ ናብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር እናኸድኩ ምስ ወዲ ሃለቃ ብሸነኽ ታሕቲ ናብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ሃና ገጽ ክወጽእ ጎፍ ንጎፍ ተራኸብና።
“መምህር እንታይ ደኣ ኣምጺኡካ ናብዚ ዓዲ᎒” ሓተተኒ ወዲ ሃለቃ
“እዋእ ንስኻ ደኣ እንታይ ኣሚጺኡኳ እምበር ኣነ ደኣ ዓደይ እንድ’ዩ” መለስኩሉ
“ዋይ ወዲ ዓዲ ቐይሕ ዲኻ፡ ኣነ ደኣ ናብዚ እንድየ ተቐይረ መጽየ ዘለኹ” መለሰለይ ወዲ ሃለቃ
“እንሀለኹልካ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ከውጽእ ኮለል የብሉኒ ኣብ ታሴራይ ንዘሎ ዕለተ ልደት ንምርግጋጽስ እንታይ ቤት ፍርድን ገለን ኣድልየ ወደይ” ነቲ ዝነበረ ናይ ቢሮክራሲ ኣካይዳ ከም ዘይተሓጎስኩሉ ገለጽኩሉ።
“ዋይ ናይ ዕልተ ልደትካ ምስክር ወረቐት ዲኻ ከተውጽእ መጺኻ᎒ ናባይ እንዲኻ ደኣ ክትመጽእ፡ በል ኪድ ከፊልካ ምጻእ ክጽበየካ’የ እምበር ሕጂስ ኦፊስ ዓጽየ ገዛ’የ ክኸይድ ሓሲበ ኔረ” በለኒ።
ተመስገን በልኩ ብልበይ። ተጓይየ ናብቲ ኣብ ፒያሳ ዝርከብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብምኻድ ናይ ሓደ ሰብ ሕሳብ 70 ናቕፋ ግብሪ ከፊለ ናብ ቤት ፍርዲ ተመለስኩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቅብሊት ናይ ዝኸፈልኩሉ ወረቐት ሂበ ቤት ፍርዲ ሰልሰተ ሰባት ከም ዘመስከርኩን ዕለተ ልደተይ ቅኑዕ ከም ዝኾነን ዘረጋገጹሉ ወረቐት ሂቦምኒ ናብ ወዲ ሃለቃ ተሃንፈፍኩ። እቶም ሰለስተ መሰኻኽር ዝተወለድኩሉ ዕለት ኣይኮነን ወርሒ ወይ ዓመተ ምህረት’ውን ኣይፈልጡን’ዮም። ክንጣየስ እንከለና ዕለተ ልደተይ ወርሒ ሓደ ዕለት ሓደ ኢለ ኣብ ወረቐት መንነተይ ምስ ኣመዝገብኩዎ ብኸምኡ’ዩ ዝኸይድ ኔሩ። ብዝኾነ ቤት ፍርዲ ዝሃቡኒ ወረቐት እናፈተሽኩ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ዓዲ ቐይሕ በጻሕኩ። ናብቲ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ቅድሚ ምእታወይ ከኣ ነታ ወረቐት ገለ ክጣበበላ ዝኽእል ነገር ኣስተብሃልኩላ። ኣብቲ ትሕቲ ስመይ ዝነበረ ከፋት ቦታታት ካልእ ኣስማት ንኸይጸሓፉ ብትኹል ሕንጻጽ ዝተሓንጸጸ ዝኾነ ምልክት ስለዘይነበረ እቲ ፍቓድ ንሓደ ሰብ ጥራሕ ከም ዝኾነ ዝሕብር ዝኾነ ጽሑፍ ኣይነበሮን። ኣብቲ ከፋት መስመር እየ እምበኣር ስም በዓልቲ ቤተይን ስም ክልተ ደቀይን መምስ ዕለተ ልደቶም ኣስፊረ ናይ 4 ሰባት ዕለተ ልደት ክወሃበኒ ከም ዝተፈቕደለይ ኣሚሲለ ናብ ወዲ ሃለቃ ዝኣተኹ። ወዲ ሃለቃ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ክጽበየኒ’ዩ ጸኒሑ። ምስ ኣተኹ ብቐጥታ እታ ናይ ፍቓድ ወረቐት ናይ ቤት ፍርዲ ኣቐበልኩዎ። ንሱ ውን ርእይ ርእይ ኣቢሉ “ኣንታ መምህር 400 ናቕፋ ደኣ ክበዝሓካ እንድዩ᎒” በለኒ
“እንታይ እሞ ክንገብር ኢና ኣምጽኡ ተባሂልና፡ ናብ እንዳ ዜና ዘረክቦ’ዩ” ኣልግቢ ኣቢለ ኣካበድኩዋ እታ ዘረባ
“እሞ ኩለን ምኒስትሪታተ’የን ኣምጽኡ ዝብላ ዘለዋ” በለኒ፡ ኣስዒቡ ከኣ
መምህራን ሞኽ ኣቢሎምና’ዮም ቀንዮም ኣምጹኡ ተባሂሎም ንሶም ከኣ”
እቲ ኩነታት ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነበረ። ብዝኾነ መንገዲ ናብ ወጻኢ ክኸይድ የሳልጥ ከም ዘለኹ ዘየጠርጥር ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ ከኣ ተረዳኣኒ። “ስእሊኸ ኣምጺእካ ዲኻ᎒” በለኒ። ናተይ ድሉው’ዩ ኔሩ ናይ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ግን ጉርዲ ስእልታት እኳ እንተነበረኒ ከክልተ ሓደ ዓይነት ኣይነበረንን። “ ጽቡቕ ሓሓደ’ዩ ዘለኒ” ምስ በልኩዎ “ደሓን እቲ ጽቡቕ ኣብቲ ወረቐት ይኾነልካ እቲ ካልእ ግን ኣብዚ መዝገብ ዝጸንሕ ዝኾነ ግበር” በለኒ። በዚ ካብ’ቲ ኣብ ፖርቶ ፍሊዮይ ዝነበረ በቢዓይነቱ ስእልታት ኣውጺኤ ኣብቲ መዝገብ ኣስፈርኩዎ።
ብድሕሪ’ዚ ሓደ ካልእ መደናጉዩ ተፈጥረ። ምምሕዳር ከተማ ሓንቲ መዓልቲ እናጸቐጡ’ዮም መብራህቲ ዝረኽቡ ኔሮም። ኣብቲ እዋንቲ ዝጅምር ዝነበረ ጸገም ኤሌትሪክ ኣብቲ ምምሕዳር ዓቢ ሽግር ኮይኑዎም ነበረ። ኣነ ካብ ስራሕ ኣብኩረ ስለዝመጻእኩ ንጽባሒቱ ውዒለ ናይ ምሸት ወረቐት ክወስድ ዓቐብ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ካብ ስራሕ ከብኩር ኣይመረጽኩን። ኣብቲ እዋን ንዝኾነ ነገር ክትጠቕመኒ ትኽእል’ያ ኢለ ዝሓሰብኩዋ ንስራሕ ናይ ጽሕፈት ዝጥቀመላ ላፕቶብ ምሳይ ሒዘያ እየ መጽየ ኔረ። ንወዲ ሃለቃ ድማ እቲ ፎርማት እንተሂቡኒ ኣብ ላፕቶብ ጽሒፈ ኣሕቲመ ንግሆ ከምጽኦ’ሞ ንሱ ማህተም ጥራሕ ክገብረለይ ዝኽእል እንተኾይኑ ሓቲተዮ ጸገም የለን ብምባል ሓንቲ ናይ ካልኦት ሰባት ዝተመለአት ፎርም ሂቡኒ ነዓኣ ሒዘ ሰዓት 5፡30 ኣቢሉ ይኸውን ተፋንየዮ ናብ ገዛይ ከድኩ።
ኣብ ኮምፑተረይ ዎርድ ብዝግባእ ይጥቀም ስለዝነበርኩ ነተን ኣርባዕተ ፎርም ናይ ዕለተ ልደት ምስክር ወረቐት ከዳልወን ግዜ ኣይወሰደለይን። ነዚኤን ጽሑፈ ወዲኤ ከባቢ ሰዓት ሰዓት 9 ፡00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ ይኸውን ናብ እንዳ ነጋሲ ወዲ ቐሺ ብስራት ዝኸፈቶ እንዳኮምፑተር ከይደ ነተን ኣብ ፍላሽ ድራይቭን ኣብ ላብቶብን ሒዘየን ዝኸድኩ ምስከር ወረቐት ከሕትመለይ ሓተትኩዎ። ምስ ነጋሲ መታዓብይትን ኣብ 7ይ ክፍሊ ከኣ ንብልጫ መወዳዳርትን ኢና ኔርና። ነጋሲ ጸገም የለን ብምባል ነታ ፍላሽ ድራይቭ ወሲዱ ኣብ ኮምፑተር ሰኺዑ እናሕተመ እንከሎ ልክዕ ራባዓይቲ ገጽ ተሓቲማ ክትወጽእ እንከላ ኤሌትሪክ ከደት። ወዲ ቐሺ ነቲ ምኻድ ናይ ኤሌትሪክ ተለማሚዱዎ ስለዝነበረ ላምባዲና ኣምጺኡ ነተን ወረቓቕቲ ትኽክል ምዃነን ኣረጋጊጹ ኣብ ኢደይ ኣረኪቡኒ ብሩኽ ለይቲ ተባሃሂልና ተፈለላለና። ነጋሲ ነተን ወረቐት ኣመና ተገዲሰ ክስርሐን ምስ ረኣየ “ኣያዋ ገለ ኣላታ እዚኣስ” ጥራሕ ብምባል’ዩ ሸፈፍ ኢሉ ሓሊፍዋ ነታ ጉዳይ።
ንጽባሒቱ ዝተሓትመ ወረቓቕቲ ሒዘ ናብ ወዲ ሃለቃ ከድኩ። ወዲ ሃለቃ ነቲ ስእሊ ኣተሓሒዙ ማህተም ክግበረሉ ናብ ቤት መዝገብ ሰደደኒ።ቤት መዝገብ 400 ናቕፋ ኣኽፈልን ማህተም ክገብራ ምስ ቀረባ። እቲ ወረቓቕቲ ካበይ ከም ዘምጻኩዎ ሓተታኒ ኣነ ከኣ “ኤሌትሪክ ስለዘይነበረ ኣብ ደገ ኣጽሒፈዮ ክመጽእ ወዲ ሃለቃ ሂቡኒ በልኩዎን”
“ወይ ጉድ ሰይጣንስ በዓል ገጹ ኣለዎ ዝበሃል ከምዚ’ዩ ወዲ ሃለቃስ ወረቐት ኣውጺኡ ሂቡካ” ኢለን ተገሪመን፡ ክገብሮኦ ዝኽእላ ነገር ግዲ ዘይነበረን ኮይኑ ባህ ከይበለን ማህተም ሃሪመን ኣፋነዋኒ።ወረቐተይ ሒዘ ንወዲ ሃለቃ ኣመስጊነ ካብቲ ምምሕዳር ወጽየ ብቐጥታ ናብ ብሎኮ ከይደ ሰገነይቲ ንምሕዳር መኪና ናብ ምጽባይ ኣተኹ። ብዋዛ ዋዛ ሳላ ወዲ ሃለቃ ዝረኸብኩ ናይ ሓደ ሰብ ዝተሓስበ ናይ 4 ሰብ ምስክር ወረቐት ኣብ ኢደይ ሓዝኩ።
ክልተ ሰሙን ናይ ዕረፍቲ እዋን ክትውዳእ ሰምበት ናይ መወዳእታ መዓልቲ ነበረት። ኣርፊደ ተንሲኤ ሎሚስ ገለ ይሰምዕ ይኸውን እናበልኩ ናብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ መጥባሕቲ ጌሩ ዝነበረ ቤተሰብ ከድኩ። ንሱ ድሮ ሓውዩ ወጽዩ ስለዝነበረ ኣብ ከተማ ምስ ተራኸብና ብሓደ ሻሂ ሰቲና ተተሓሒዝና ናብ ገጀረት ናብ እንዳ ዓርኩ ከድና። እንዳ ዓርኩ ብፍሕሹው ገጽ ተቐቢሎምና ጥዑም ምሳሕ በሊዕና ናይ ሰምበት ተሌቭዥን እናረኣና ቡን ፈልሐት። ቡን ኣወል ሰቲና፡ ካላኣይ’ውን ደጊምና ጀበና ምስ ተሰኽተተት። ሞባይለይ ደጋጊማ ክትጽውዕ ጀመረት። ሰብ ከይርብሽ ብምባል ናብ ደገ ወጽየ ተቐበልኩዋ። ደዋላይ ሲራክ’ዩ ኔሩ።
“ሞኬ ደልየካ ስለዘለኹ ሕጂ ኣብ መስመር ንራኸብ” ተሪር ትእዛዝ’ዩ። ብቐደሙ’ውን ኣዘራርብኡ ኩሉ ነገራቱ ናይ ወታሃደር’ዩ ኔሩ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ኢንተርነት ክንራኸብ ከም ዝኾንና ሓቢረ ሞባይለይ ዓጽየ። ነቶም ሰብ ገዛ ቡን ከም ዘይውዳኣ ሓቢረ ክብገስ ምስ በልኩ። እቲ ቤተሰብ ምስ ዓርኩ ደሓን ንሕና’ውን ወዲእና ኢና ብሓደ ንኺድ ከነካይደካ በሉኒ። ሰለስቲና ተተሓሒዝና ኣደባባይ ኣብ ዝነበረት እንዳ ኢንተርነት ኣተና። ሲራክ ኣብ እንዳ ኢንተርነት ኮይኑ’ዩ ግዲ ደዊሉለይ ኮምፑተር ከፊተ ሰላምታ ምስ ጸሓፍኩሉ ሽዑ ንሽዑ መለሰ። ብዛዕባ መንገዲ ብዙሕ ክንመላለስ፡ ኣነ ክሓቶ ንሱ ክምልስ ልዕሊ ሰዓት ገበርና። ኣብ መንጎ እዚ እቶም ብተመስጦ ከዕልል ዝረኣዩኒ ዘመደይን ዓርኩን ድሮ ኮምፑዩተር ተጠቒሞም ስለዝወድኡ ኣነ ክሳብ ዝውድእ ዘወር ኢሎም ክመጹ ምዃኖም ሓቢሮምኒ ምስ ሲራክ ነጻ ኮይነ ከዕልል ገዲፎምኒ ከዱ። ምስ ሲራክ ብዙሕ ምስ ተዘራረብና ኣብ መወዳእታ
“ጽባሕ ንግሆ ናብ ተሰነይ ክትወርድ ኢኻ፡ ኣውቶቡስ ሰታዮ ኣለዋ ምስአን ኢኻ ክትወርድ። ሕጂ ኬድካ ቲኬት ቆሪጽካ ሕደር። ተሰነይ ይፈልጣ’የ ስለዝበልካኒ። ናይ ታሕቲ ሰማያዊ ስረን ናይ ላዕሊ ቀይሕ ማልያን ተኸዲንካ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን እንዳ ሚኪኤል ተረኸብ። ልክዕ ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት ኣብታ ኣፍደገ ደው በል። ካብ ሰዓት 7፡00 ዋላ ሓንቲ ደቒቕ እንተኣሕሊፍካ ኣነ የለኹን። በቲ ቦታ መኪና ጌርና ኢና ክንሓልፍ ንዓኻ መንጢልና ምዕዛር’ዩ። ሕቶ ኣለካ ዲዩ᎒” ትእዛዙ ቅድሚ ምዝዛሙ ንሕቶ ዕድል ሃበኒ።
“ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ፡ ኣነስ ቀይሕ ማልያ ክገብር’የ ንስኻ ኸ እንታይ ኢኻ ክትክደን᎒” ሓተትኩዎ
“ ደሓን ኣነ እንተለሊየካ ኣኻሊ’ዩ ጥራሕ ምስ ካልእ ቀይሕ ክዳን ዝተኸድነ ከይደናገር ኣብ የማናይ ኢድካ ንእሽቶ ነገር ሓዝ ዋላ ፌስታል” በለኒ።
ብድሕሪ’ዚ ካልእ ክግበር ዝግብኦ ነገር ተረዳዲእና ርክብና ዝቕጽል መዓልቲ ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት ኣብ ተሰነይ ክኸውን ወዲእና ደሓን ሕደር ተባሃሂልና ተፈላለና።
ልበይ ዲግ፡ ዲግ በለት። ህርመታ ካብ ንቡር ንላዕሊ ኮነ። ካብቲ እንዳ ኢንተርነት ከመይ ኢለ ወጽየ ኣይተረዳኣንን። ዕድል ክገብር ሕሳብ ምኽፋል ኣይረሳዕኩን። ቀዳመይቲ ዕማመይ ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ኬድካ ናብ ተሰነይ ዘኺደኒ ቲኬት ምግዛእ’ዩ ኔሩ። ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ማለት ናይ ቀደም እንዳ ኣውቶቡስ ምስ በጻሕኩ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ ሓያሎ ኣውቶቡስ ደው ኢለን ጸንሓኒ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣውቶቡሳት ሰባት ስለዝረኣኹ እንተኸድኩ ሓደ ቆልዓ “ተሰነይ፡ ተሰነይ እናበለ ቲኬት ክቖርጽ ጸንሓኒ” ቲኬት ብ 100 ናቕፋ ገዚኤ ኣውቶቡስ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ ከም ትብገስ ተሓቢሩኒ። ቲኬተይ ሒዘ ናብ ጎዳይፍ ገስገስኩ። ኣብ ጎዳይ ኣብ ገዛ እንዳ ዓርከይ ላፕቶብ ገዲፈ ስለዝነበርኩ ኣብ መንጎ መንጎ ከይትጠፍእ ንብረት ከኣ ምስ ሰብ ስለዘቃያይም ክጥርንፋ ኣለኒ ብምባል’የ ናብቲ ገዛ ከድኩ። ኣብቲ ገዛ ከይደ ብዙሕ ደው ከይበልኩ ነታ ላፕቶብ ወሲደ ናብ ማይ ጭሆት ተበገስኩ። ማይ ጭሆት ቀዋሚ መደበረይ ጌረዮ ዝነበርኩ ገዛ እንዳ ቤተሰብ’ዩ ኔሩ።
ማይ ጭሆት በጺሐ ቅድሚ ናብቲ ገዛ እንዳቤተሰብ ምእታወይ ሞባይለይ ኣብታ ናብ ኣሜሪካ ኢለ ዘበገስኩዋ ባልጃ ገዲፈያ ስለዝኸይድ ፈለማ ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ብምባል ናይ ዝኾነ ሰብ ቁጽሪ ቴሌፎን ኣብ ሞባይለይ ከይጸንሕ ብምባል ነታ delete contacts እትብል ምርጫ ተጠቒመ ምስ ጠወቕኩ delete all ዝብል መጽዩኒ ነቲ ንኣስታት 2 ዓመት ዝኸውን መዝጊበዮ ዝነበርኩ ተሌፎን ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ካልኢት ደምሰስኩዎ። ጽቡቕ ነገሩ ናይ ልዕሊ 20 ሰባት ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ወጻኢን ተሌፎን ብሓንጎለይ ሒዘዮ ስለዝነበርኩ ብዙሕ ዝሽገረለኩ ነገር ኣይክኸውንን’ዩ። ብዓቢኡ ከኣ ኢንተርነት ስለዝነበረ ብዙሕ ክጽገም ኣይክእልን’የ ዝብል ተስፋ ነበረኒ። ብዝኾነ ብምሉኡ ቁጽሪ ተሌፎን ደምሲሰ ናብቲ ገዛ እትው ክብልን በዓልቲ ቤተይ ካብ ሰገነይቲ ክትድውልን ሓደ ኮነ
“ሃለው መን ክብል᎒” ሓተትኩዋ። ኣብቲ ሰዓት ሽመይ’ውን ክጠፍኣኒ ይኽእል ኔሩ ይኸውን’ዩ ስለዚ ድምጺ በዓልቲ ቤተይ ከለሊ ዓቕሚ ኣይነበረንን።
“ዋ ! ሞኬ ኣነ ናጽነት’የ እዛ ተሌፎን ኣይትፈልጣን ዲኻ᎒ ምሽ ናይ ተወልደ ተሌፎን ኣለካ᎒” ሓተተትኒ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት ዘለኹ’ዩ መሲሉዋ ኔሩ። ብዛዕባ ጉዕዞይ ሽሕ’ኳ ትፈልጥ ትንበር ሽዑ መዓልቲ ቆሪጸ ይኸይድ ምህላወይ ትፈልጦ ኣይነበራን። ምንጋራ እንትርፊ ሻቕሎትን ፍርሕን ካልእ ረብሓ ስለዘይነበሮ ሱቕ ምባል መረጽኩ። ስጊረ ድየ፡ ዶብ ክሰግር ድዮም ክቐትሉኒ፡ ዋላ ዶብ ክሰገር ሒዞም ክ ኣስሩኒ እቲ ዝኸውን ምስኮነ ምፋላጣ ይሓይሽ። ክሳብ ሽዑ ግን ኣስመራ ኣሎ እናበለት ምቕሳና’ዩ ጽቡቕ በልኩ።
“ኦ ሶሪ ሱቕ ኢለ’የ ኣልዒለያ ጸልማት ስለዝነበረ ስም ኣይረኣኹን” ኣልዕል ኣቢለ’የ ዝምልሰላ ኔረ። ብዝኾነ ተወልደ ዝበሃል ዓርክና ጥምቀት ውላዱ ስለዝነበረ ኣብኡ ኮይና’ያ ደዊላትለይ። ናይ ተወልደ ቁጽሪ’ውን ምስተን ዝተደምሰሳ’ያ ኔራ።
ገዛ ኣትየ ሞባይለይ ኣብ ባልጃ ኣእትየ። ንበዓልቲ ቤተን ንግዚኡ ከጻንሓ ዝኽእል ገንዘብ ኣብቲ ባልጃ ኣቕሚጠ። ካብ ባልጃይ ዝነበራ ኣርባዕተ ዝኾና ጽቡቓት ፒሮታት ኔረን ከም ሓውሲ መዝከረታ ነቶም ቤተሰብ ሓሓንቲ ሂበ።
“እሞ ጽባሕ ናብ ጸሮና ዝኸይድ ዝፋኖ ሰብ ስለዘለኒ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ክሓድር’የ” ኢለዮም ነቲ ገዛ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ይኸውን ገዲፈዮ ብእግረያ ናብ ዕዳጋ ሓሙስ መረሽኩ። ኣብ ኢደይ ኣብ ሓንቲ ፌስታል እተን ሲራክ ክኽደነን ዝሓበረኒ ቀያሕ ማልያን ሰማያዊ ስረን፡ ኣብ ከረን ዝገዛእኩወን ሰንደል፡ ፓስፓርተይ ዝትሓብኣትላ ንእሽቶ መጽሓፍን’የ ሒዘ ኔረ። ከምቲ ናብ ከረን ክኸይድ ከለኹ ሒዘዮ ዝነበርኩ ኣስታት 2000 ናቕፋ ዝኸውን ከኣ ገንዘብ ነበረኒ። ዕዳጋ ሓሙስ ከባቢ ሰዓት 10 ይኸውን’ዩ በጺሐ። ብቐጥታ ከኣ ናብቲ ካብ ሹዱሽተ ሰዓት ዘይሓልፍ ዝጸንሓሉ ገዛ እንዳዘመድ ኣምራሕኩ። ሰብ ገዛ ድራር በሊዖም ኮፍ ኢሎም ቴሌቭዥን ይርእዩ’ኳ እንተንጸንሑ ድራር ክድረር ወጠጥ በሉኒ። ድራር ከም ዘይበልዕ ግን ሻሂ ከም ዝሰቲ ሓቢረ ሻሂ ፈሊሑለይ ምስ ቅጫ እናካፈኹ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ዝኸውን ኣዕሊለ ናብ መደቀስየይ ከድኩ። ቅድሚ ምድቃሰይ እተን ናብ ተሰነይ ተኸዲነየን ዝኸድይ ክዳውንቲ ኣብ ጥቓይ ገበርኩወን።
ዝደቀስኩለን ሰዓታት ካብ ሰለስተ ኣይሓልፋን’የ። ንሰን’ውን ከም ሕሱም እናተገላበጥኩን ከብደይ ከኣ ናይ ፍርሕን ጭንቀትን ከም ሓዊ እናቃጸልንን’የ ደቂሰለን። መብራህቲ ዝነበራ ሰዓተይ ግዜ ሰዓት 3፡30 ናይ ወጋሕታ ከም ዝኾነ ምስ ኣበሰረትኒ። ቀስ ኢለ ተንሲኤ መብራህቲ ከይወላዕልኩ ነተን ኣብ ጣውላ ዝቐረብኩወን ክዳንውቲ ስሕብ ኣቢለ ተቐላጢፈ ቀየርኩ። ነተን ተኸዲነየን ዝመጻእኩ ጫማ ኣብቲ ገዛ ሓዲገ ከኣ ሰንደል ተኸደንኩ። ጃኬተይን ስረይ ጫማይን ካልእን ኣብቲ ገዛ ሓዲገ ማዕጾ ቀስ ጌረ ከፊተ ካብቲ መደቀስየይ ወጻእኩ። ማዕጾ ካንቸሎ’ውን ቀስ ጌር ከፊተ ብምዕጻው ካብቲ ከባቢ ረሓቕኩ። ቁሪ ስለዝነበረ ዋላ’ኳ ጃኬት ክኽደን ዘይክእል እንበር ሓንቲ ጎልፎ ወታሃደር ትመስል ሃሳል ቀጠልያ ብላዕሊ ደሪበ’የ ናብቲ እንዳኣውቶቡስ ከይደ። ኣውቶቡስ መብራህታ ወሊዓ ተሳፈርቲ ክትጽዕን ጸንሓትኒ። ብድሮ ዝገዛእኩዋ ቲኬት ቁጽሪ መንበሪ ከይተረፈ ተመዝጊቡዋ ስለዝነበረ ትኽ ኢለ ኣብታ ቁጽሪ 23 ትብል ዝነበረት መንበር’የ ኮፍ ኢለ። ተሳፈርቲ ዝበዝሑ ዓብይትን ደቂ ኣንስትዮን’ዮም። ካብ ኣስመራ ዝወርድ ኣስቤዛ ዝሓዛ ኣዴታት ምስ ቆልዑተን ገለ ገለ ከኣ ኣሃዱኦም ኣብ ከባቢ ተሰነይ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊትን ከምዚ ኸማይ ስግረ ዶብ ዝፍትኑ ዝነበሩ ሰባት’ውን ኣይሰኣኑን ይኾኑ ብዝኾነ ኣውቶቡስ ተሳፈርቲ ጽዒና ጉዕዞ ጀሚራ ድሮ ኣብ ዓዲ ኣብየቶ ንፈተሻ ደው በልና።
ይቕጽል . . . . . .
9ይ ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 10 ለካቲት