መበል 13 ክፋል
ሲራክ ኩነታት ደሓን’ዩ ካብ ምባል’ዩ መስለኒ ነታ ካብ ሰፈራ ኣውጺኡዋ ዝነበረ ካራ ናብ ቦታኣ መሊሱ ናብቲ ኣውቲስታ ቀረበ። መራሒ መኪና ኣብ ሱሳታት ኣቢሉ ዝርከብ ዕብይ ዝበለ ራሻይዳ’ዩ። ምስ ሲራክ ክዘራረቡ ምስ ጀመሩ ንሕና ነቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ ሰጊርና ንቕድሜና ሱቕ ኢልና ሰጎምና። ሲራክን እቲ ሰብኣይን እንታይ እዮም ዝበሃሃሉ ኔሮም ንፈልጦ ነገር ኣይነበረናን። ምስ ደንጎየና ግን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጽላል ኮፍ ኢልና ክንጽበ መረጽና። እቲ ኩነታት ምርዳእ ኣበየና። እንታይ’ዩ እቲ ሰብኣይ። ልኡኽ ህግደፍ ዋላ ስለያ መንግስቲ ሱዳን᎒ ወይ ከኣ ተራ ነጋዳይ᎒
ሲራክ ናብታ መኪና ክስቀል ረኣናዮ። ኣብ ውሽጢ ጋቢና’ዩ ምስኡ ኣትዩ። መኪና ዳርጋ በሪራ መጽያ’ዩ ክበሃል ዝኽእል ኣብ ቅድሜና መጽያ ደው በለት። ሲራክ እናተጓየየ መጽዩ ንክፍሎም ብኢዱ ሒዙ ንዓና ብምልክት ጌሩ
“ያላ . . . ያላ . . . . እዚ ሰብኣይ 300 ዶላር ክንከፍሎ ኢና ካብዚ ቦታ ከህድመና’ዩ” በለና ሲራክ
ኣነን እቲ ነጨበረርን ተሓጋጊዝና ንክፍሎም ናብታ ማይ ትመስል ቶዮታ ኣደየብናዮ። ሲራክ ኣብ ናይ ቀደም ቦቱኡ ምስ ኣውቲስታ ተሰቕለ። መኪና ከም ንፋስ ተሓምበበት። ታባ ዓሊግድር እናረሓቕናያ ከድና። ብርግጽ መሬት ሱዳን ረጊጽና ነበረና። የማነ ጸጋም ሰብ ገመል ሰብ ኣጣል ንርኢ ነበርና። ቶዮታ ኣስታት ርብዒ ሰዓት ብውሑዱ 100 ኪሜ ኣብ ሰዓት እናተሓምበበት ኣብ ሓደ ጫፍ ናይ ኣበርፍ ዝበሃል ዓዲ ኣውረደትና። ሲራክ ኣብ ጁባይ ዝነበራ 2000 ናቕፋ ወሲዱ ምስቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ናይ ሱዳን ገንዘብ ወሲኹ ነቲ ራሻይዳ ከፈሎ። ራሻይዳ እንተስ ካልኦት ከምዚ ከማና ከናዲ ወይ ናብ ቦትኡ ክምለስ ናብቲ ዝመጸናሉ ገጽ ተመርቀፈ።
መሐበሪ ከተማ ከሰላ ዝኾና በላሕቲ ጎቦታት ካብ ነዊሕ ርሕቐት ክንርእየን ከኣልና። እተን ጎቦታት ካባና ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ን ዓሰርተታት ኪሎሜትራት ርሒቐናና ነበራ። እቲ ራሻይዳ ኣውሪዱና ምስ ከደ ብእግርና ቁሩብ ሰጒምና ኣብ ሓደ ጽላል ናይ ጋባ ኮፍ በልና። ኣብ ኢድና ዝነበረ ማይ ይኹን ካልእ ስንቂ ወዲእናዮ ነበርና። ቁሩብ ተምሪ ጥራሕ’የን ተሪፈናና ኔረን። ነተን ተምሪ ኣብቲ ጽላል ኮፍ ምስ በልና ጦልቆል ጦልቆም ኣቢልና ወዳእናየን። ተምሪ ምስ በላዕና እቲ ጽምኢ ማይ መሊሱ ገደደና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ሲራክ ንሓዳ ካባና ርሕቕ ኢሉ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሱዳናዊ ሰብኣይ ከይዱ ኣዛረቦ። ሲራክ ናባና ምስ ተመልሰ እቲ ሰብኣይ ብዙሕ ከይደንጎየ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈልጦ ሰብ መታሕት ማይ ዘዝሕሉላ ብካሻ ዝተሸፈነት ማይ ዝመልአት ጃሎን ሒዙ መጸና። እታ ጃሎን ተቐቢልና ፈለማ ንክፍሎም ክሰቲ ሃብናዮ። ክፍሎም ኣብ ተጻዋርነት ከም ዕድሚኡ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። መንገዲ ማዕረና ተጓዒዙ፡ ጽምኢ ማይ ይኹን ጥምየት ማዕረና’ዩ ተጻዊሩዎ።
እታ ኣበርፍ ትበሃል ዓዲ ዓባይ ድያ ንእሽቶ ንምግማት ዘሽግር’ኳ እንተነበረ። ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝህነጽ ነዊሕ ዓመት ዝገበረ ዝመስል። ካብቲ ዝነበርናዮ ርሕቕ ኢልና ንርኢ ነበርና። ሓያሎ ገዛውቲ’ውን ኣብ ከባቢ’ት ቤት ትምህርቲ ነበረ። ሲራክ ኣብቲ ወሰን ናይ’ቲ ዓዲ ኮፍ ክንብል ዝመረጸሉ ምኽንያት ገለ ሰባት ነቶም ኣንሚ ወይ ጸጥታ ናይ ሱዳን ከይሕስውልና ካብ ዝብል’ዩ። ሲራክ ቋንቋን ባህልን ናይቲ ከባቢ ጽቡቕ ጌሩ ስለዘጽንዖ ነቲ ማይ ዘምጻኣልና ሰብኣይ ገንዘብ ክህቦ እሞ ብኣውቶቡስ ከሰላ ከይዱ ሰብ ክጽውዓልና ሓቲቱዎ እቲ ሰብኣይ ከኣ ተሰማሚዑ ካብ ሲራክ ገንዘብን ቁጽሪ ተሌፎንን መልእኽትን ተቐቢሉ ናብ ከሰላ ክኸይድ ኣብቲ ዓዲ ኣውቶቡስ ደው ናብ ትብለሉ ቦታ ከደ።
ግዜ ከባቢ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን። ካብ ተሰነይ ክሳብ ኣበርፍ ኣስታት 12 ሰዓት ተጓዒዝና ንኸውን ኢና። ኣበርፍ ብዋዛ ዋዛ ኢና ዱብ ኢልናያ። ካብቲ ዶብ ኣዚና ስለዘይረሓቕናን ኣብቲ ዝደለናዮ ቦታ ስለዘይበጻሕናን ግና ገና ናይ ዓወትና ኣይጸንበልናዮን። ትብጺት ኣዚዩ ከቢዱ’ዩ። እቲ ሰብኣይ ከሰላ በጺሑ ነቲ ሰብ ክሳዕ ዝድውለሉን እቲ ሰብ ከኣ መኪና ሒዙ ናብ ከሰላ ከእትወና ክሳዕ ዝመጽእ እቲ ግዜ ኣመና ነውሓና። ሲራክ ሞባይል ኣይነበሮን። ከምቲ ዝበሎ ናይ 500 ዶላር ዝዋግኣ ብልጽቲ ሞባይል ኣብታ ናብ ኤርትራ ከተእትዎ ተሰማሚዑ ዘምጻኣ እሞ ተሸኺላ ዝተረፈት መኪና’ዩ ረሲዑዋ። ስለዚ ነቲ ናብ ከሰላ ከእትወና ዝደልዮ ዝነበረ ሰብ ካብ ሞባይሉ ክድውለሉ ኣይክእልን ነበረ።
ሰዓት 5፡00 ኣቢሉ ምስ ኮነ ሓንቲ እርግ ዝበለት ቶዮታ ሄሉኩስ ኣብ ጥቓና ደው በለት። እቲ በዓል ቶዮታ በዓል ደሓን ከም ዝኾነ በቲ ተላኢኹ ዝኸደ ሰብ ከነረጋግጽ ከኣልና። እቲ ልኡኽ ምስቲ ኣውቲስታ ኣብ ጋቢና ነበረ። መራሒ መኪና ካብ መኪንኡ ወሪዱ ናብና ገጽ ክመጽእ ብግስ ምስ በለ ሲራክ ካብ ዝነበሮ ተንሲኡ ከዶ። ክልቲኦም ተሰዓዒሞም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ምስ ተዘራረቡ ናባና ገጽ መጽዩ ሰላም በለና። እቲ ሱዳናዊ ማእከላይ ቁመት ዝነበሮ ኣዚዩ ጽሩይ ጀለብያ ተኸዲኑ ነበረ። ማዕጓር ክንሱ ኣፉ ኣመና ጸቢብ ኣዒንቱ’ውን ኣመና ደቐቕቲ’የን። ንሱ ኣባል ናይቶም ብኣንሚ ዝፍለጡ ክፍሊ ጸጥታ ሱዳን ኮይኑ ኣብ ከሰላ ደሓን ዝኾነ ስልጣን ኣለዎ። ምስ ሲራክ ከኣ መሳርሕቲ’ዮም። ሲራክ ዝገበረ ጌሩ ሰባት ካብ ኤርትራ ናብቲ ከባቢ የምጽእ እዚ ሕጂ ስሙ ዝረሳዕኩዎ ሱዳናዊ ከኣ በታ ዓርጋም መኪንኡ ጌሩ ናብ ከሰላ የእትዎም። ንሲራክ ዳርጋ በዓል ፍርቁ’ዩ ዝበሃል።
እታ ቶዮታ ሄሉኩስ ንኣርባዒትና ኣብ ውሽጢ ጋቢና ከተእቱ ትኽእል ስለዝነበረት። ሓደ ቆማት ቢናዓምር ዝመስል መንእሰይ በዓል ካላሽን ኣብ ቅድሚት ምስ ኣውቲስታ፡ ንሕና ኣርባዕቲና ከኣ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ኢልና ኣንፈትና ናብ ከሰላ ኣቕናዕናዮ። ሲራክን እቲ ኣባል ጸጥታን ብዓረብ የዕልሉ ስለዝነበሩ ብዛዕባ ምንታይ የዕልሉ ኔሮም ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። እቲ ጽርግያ ናይ ሓመድ’ዩ ኔሩ። ዘይረኣ ሕንጻጽ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝሰገርኩ ዘረጋግጽ ብዙሕ ፍሉይ ነገር ኣይረኣየንን ዝነበረ። ምናልባት ኣብ ዶባት ክልተ ሃገራት ኩሉ ግዜ ምምሳስል እንተሊዩዎ ከኣ ካልእ’ዩ እብል ነበርኩ። ብዝኾነ ሓደ ፍርቂ ሰዓት ኣቢልና ምስ ተጓዓዝና ኣብ ሓደ ዕምር ዝበለ ኣግራብ ዝነበሮ ቦታ ክንበጽሕ እንከለና ሓንቲ ዶሽካ ዝጸዓነት ቀጠልያ ወታሃደራዊት መኪና ምስ ሓደ ሓሙሽተ ዝኾኑ ወታሃደራት ጎፍ በሉና። ብቕድሜና ኢዮም መጽዮም ደው ዘብሉና ዘለው። እቶም ወታህደራት ካብታ መኪና ዝል ዝል ኢሎም ወረዱ። እቲ ኣብ ጋቢና ዝነበረ በዓል ጽሩራ ኢዱ ኣብ ሰፈር ሽጉጡ ጌሩ ተገቲሩ ደው ብምባል ናባና ገጽ ይጥምት ነበረ። መራሒ መኪናና ቅልጥፍ ኢሉ ወሪዱ ነቲ በዓል ጽሩራ ሰላም ኢሎዎ ተተሓሒዞም ካብተን ክልተ መካይን ርሕቕ ኢሎም ክዘራረቡ ኣልገሱ።
ክልተ ወታሃደራት ናባና መጺዮም ጋቢና ከፊቶም ታህዲድ ብዝተሓወሶ ኣገባብ “ውጹ . . .” ብምባል ዳርጋ ጎቲቶም ካብታ መኪና ኣውጹኡና። ፓስፓርት ዝሓዘት ጥራዘይ ኣብታ መኪና ገዲፈ ጥራይ ኢደይ ወረድኩ። ንእሽቶ ስለዝኾነት ብዙሕ ኣየስተብህሉላን’ዮም ካብ ዝብል ግምት’የ ኣቡኡ ገዲፈያ። ቡኡ ጌሮም እንትወሲዶምና’ውን እቲ በዓል መኪና ፍሉጥ ስለዝኾነ ኣይትጠፍ ኣንን’ያ ኢለ ሓሰብኩ። እቶም ወታሃደራት ን ኣርባዕቲና ናብ ድሕሪት ሸነኽ ናይታ ተሰቒልናላ ዝነበርና መኪና ወሲዶም በብሓደ ክፍትሹና ጀመሩ።
ልክዕ ክፍትሹ ክጅምሩ እንከለው እቲ ኣባል ጸጥታ ምስቲ በዓል ጽሩራ ዝርርቡ ወዲኡ ናባና ገጽ መጸ። እቲ በዓል ጽሩራ ብዙሕ ከየንጸረጸሎም ገለ ኢሉ ምስ ተዛረቦም እቶም ወታሃደራት ምፍታሽ ደው ኣቢሎም ናብታ መኪነኦም ገጾም ከዱ። ኣባል ጸጥታ ያሉ ደይቡ ኢሉና ናብ መኪኑ ኣተወ። ሲራክ ኣብታ እዋን እቲኣ ማዕሬና’ዩ ምሳና ወሪዱን ናብ መኪና ተጸጊዑን። ቃንጫ ትመስል ካላሽን ሒዙ ዝነበረ ቢንዓሚራይ ዝመስል መንእሰይ እዚ ኩሉ ካብ መኪና ኣዳፊኦም ከውርዱና ከለው ይኹን ክፍትሹና ክጅምሩ ሓንቲ ናይ ተቛውሞ ምልክት ኣየር ኣየን። ካብ’ታ ዝነበራ ኮፍ መበሊ’ውን ኣይወረደን ።
እቲ ኣባል ጸጥታ ሱዳን ናብ መኪንኡ ምስ ተመልሰ ነቲ በዓል ካላሽን ብዘይ ዕረፍቲ ኣጉባዕባዓሉ። ዓረብ ዘይዛረብ ወይ’ውን ኣጸቢቐ ዘይሰምዕ’ኳ እንተነበርኩ ብዛዕባ እንታይ ይዛረቦ ኔሩን እንታይ ይብሎ ኔሩንስ እኹል ዝኾነ ግምት ኔሩኒ። ሓንቲ ካብተን ዝደጋግመን ዝነበረ ምሉእ ሓሳባት “እንታይ ዓይነት ወታሃደር ኢኻ ንስኻ᎒ ከመይ ጌሩ ወታሃደር ካብ ወታሃደር ሰብ ይወስድ’ዩ” ዝብሎ ኔሩ። ገዲፉና ክወርድ እንከሎ ንዕኡ ኣሚኑ’ዩ ከይዱ መስለኒ። ብሓፈሻ ግን ንዕኡ ደኣ የጉባዕባዓሉ እምበር እቲ ስራሕ ድራማ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ግምተይ ጌጋ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ምስቲ ባህርያት ወታሃደራት ሱዳን ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ በዓል ጹሩራ ወታሃደር ነታ ዶሽካ ዝጸዓነት መኪና ሒዙ ናብቲ ቦታ ምምጽኡ ነቲ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ክማቐሎ ዝመጸ ይመስል። እቲ በዓል ጽሩራ ልክዕ ከምቲ ነጋዳይ ንነጋዳይ ዝስልዮ ወይ ከኣ እቶም ኣብ ስግረ ዶብ ዝሳተፉ ሰባት ንሓድሕዶም ዝሰላለዩ፡ ምንቕስቓስ እዚ ናይ ጸጥታ ወዲ ተኸታቲሉ መጽዩ ክኸውን ኣለዎ።
ካብቶም ሰብ ዶሽካ ምስ ተፈለና ነዊሕ ከይተጓዝና ኢና ከሰላ ኣቲና። ብሎኮ ብቕድሜና’ኳ እንተጸንሓና እቲ በዓል መኪና ካብቲ ብሎኮ ኣልዩ’ዩ ኣሕሊፉና። ንሸንኽ የማና ኣብ ዝገደፍናዮ ጽርግያ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መኪና ደው ኢለን ነበራ። ኩለን ተጻዒነን’የን። እቲ ኣባል ጸጥታ ብመንገዲ ሲራክ ጌሩ እተን መካይን ናብ ኤርትራ ሽኮር ጽዒነን ክኣትዋ ከም ዝተታሕዛ’ዩ። ሓደ ካብቲ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕንቅልቂሊተይ ንግዲ’ዩ። እቲ ሽኮር ናብ ከሰላን ከባቢኣን ክባጻሕ ብመንግስቲ ሱዳን ናብ ባጽዕ ዝኣተወ ኮይኑ ከሰላ ምስ በጽሐ እንደገና ብንጋዶ ተገዚኡ ናብ ተሰነይ ይኣቱ ነበረ። እቲ ሽኮር መኪና ጥራሕ’ዩ ዝቕየር እምበር ነቲ ዝሓለፎ መንገዲ’ዩ ዝምለሶ ኔሩ። ብጀካ እተን ሽኮር ዝጸዓና ካልኦት ቦጣትን በብዓይነተን መካይንን’ውን ንርኢ ነበርና።
ከሰላ ቅድሚ ጸሓይ ዕራብ ኢና ኣቲናያ። እቲ በዓል መኪና ናብ ከሰላ ቁሩብ እትው ኢሉ’ዩ ኣውሪዱና። ሲራክ ከፋንዎ እንከሎ ገንዘብ እንተሊዩኒ ሓተተኒ። ኣብ ኢደይ ዝነበራ ነቲ ካብ ዶብ ዘህደመና ራሻይዳ ክህቦ ከም ዝሃብክዎ ሓቢረ እቲ ናተይ እጃም ወይ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ወይ ከኣ ኣብ ካርቱም ክህቦ ከም ዝኾንኩ ሓበርኩዎ። በመሰረት ስምምዕና ነቲ ናተይ ብጽሒት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝተወሰነ ገንዘብ ሃቦ። እቲ ሓላፊ ጸጥታ በቲ ዝተዋህቦ ገንዘብ ኣይዓገበን። ኣነ እንተዘይንብር እኮ እቶም ወታሃደራት ሒዞም ናብ ሱዳን ምመለሱኹም ኔሮም። ሲራክ ነቲ ኣባል ኣንሚ ብሕሳብ ናቕፋ 7000 እዩ ሂቡዎ። በቲ ናይ ሽዑ ሸርፊ ከኣ 350 ዶላር ኣቢሉ’ዩ ኔሩ።
“ብርሃን ኮነ ባቓ ውልዕ ውልዕ!” ድዩ ዝበለ ወዲ ትካቦ። ካብ ግንቦት 2006 ክሳዕ ፈለማ ለካቲት 2007 ን ኣዋርሕ ላዕልን ታሕትን ኢለ ዝሰላጥኩዎ ስራሕ መወዳእትኡ ካብ ማእሰርቲ ወይ መቕተልቲ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣምሊጠ ከሰላ ብሰላም ኣተኹ። ሲራክ ፈለማ ነቲ ነጨበረር ኣብ ሓደ ቦታ ከብጽሖ’ሞ ሽዑ ንዓይን ንክፍሎምን ኣብቲ ዘዳለወልና ቦታ ክወስደና ከም ዝኾነ ሓቢሩ ብእግርና ናብቲ እቲ ዓርኪ ወይ ዘመድ ነጨበረር ዝነበሮ ቦታ ከድና። እቲ ነጨበረር ከሰላ ርግጽ ከነብልን መንፈሱ ክዳሃልን ሓደ ኮነ። ብድሮ ዶብ ክንሰግር ዝነበሮ ሓጎስን ህንጡይነትን ኣብ ሓደ መዓልቲ ክበንን ረኣኹዎ። ሓደ ሓው ኣብ ጀርመን ከም ዝለዎ የዕልለኒ ነበረ። ናብ ከሰላ ክሰግር ከም ዝኾነ ንሓዉ ዝሓበሮ ነገር ኣይነበረን። ብዝኾነ ኣብ ዘይሕጉስ መንፈስ እንከሎ ኣብቲ ክኣትዎ ዝሓሰቦ ቦታ ኣብጺሕናዮ ኣነን ክፍሎምን ሲራክን ናብ መዕፊና ከድና።
ይቕጽል . . . . . .
መበል 14 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 28 ለካቲት