ገማግምካ መዛወሪ
ትንፋስካ ዕግበት
ሽታኻ ፍቕሪ
ክትኮነኒ መጺኤካ
ባሕሪ።
ስጉመይ ብቐስታ
ድምጽኻ ሕሹኽታ
ሓሳበይ ይውድን
ኣብ ዕቚባ ህድኣትካ።
ጥልቀት ኣእጋረይ ንማይካ
ሑጻይ ንምንጋፍ
ጠለስታ ኣብ ዛሕልኻ
ጾረይ ንምርጋፍ።
ኣይከም ቀደሙን ግን ስምዒተይ
ማይካ ከቢዱኒ
ሕፍስፍስ ኢሉ
ለምምታ ኮይኑኒ።
ክብደት መንፈስካ
ሕፍሰት ድምጽኻ
ለውጢ ባህርኻ፡
ዝወሓጥካዮ ትንፋስ ዶ ይኸውን
እዚ ጐስዕኻ᎒
ወሓዚት ኣብርሃም