ናይ ሕልና ድሌት
ትዕድልታዊ ክስተት
ዘይተመለሱ ሕቶታት… ፡
ኣብ ዕምቆትካ እንከሎ !
ንኹሉ ክበጽሖ ፡
ዓቕሊ ትሓተኒ
ሕልና እንከይዓገበ
ዘገም ተብለኒ ! ።
በንጻሩ ድማ ….
ኣካይዳኻ ህዉኽ
ከም ንፋስ ትሕንበብ
ርሕቀትካ ዘይንጹር
ዘይብሉ ገደብ !፡
ትቖጽር…..
ምዓልታት ትትንትን
ምዕረፍ ዘይርከቦ
ዕምሪ ዝፈታተን ።
እሞ ድኣ ግዜ…
በዚ፡ ዓቕሊ ትሓተኒ..
በት’ን ትሃልል ትኸደኒ፡
እንተኾንካ ድኣ
ከመይ ከርክበሉ ፧
ኣይትዝረየኒ ግዜ
ዓቕሊ’ንተሓቲትካ
ንስኻ ውን ህዳእ ፡
ፍጥነት እንተኾይኑ ኣምርካ’ግን
ምስ መልስታትካ ምጻእ ፡
ግዜ ! ።
ማይኮ ተኽለ
02~2010