ብዳኒኤል ክንድያ
ግንቦት 1991
ትርጉም ካብ ቋንቋ እንግሊዝ መኮነን ተስፋይ
1ይ ክፋል
ፈለማ ቅድሚ ናብቲ ዳኒኤል ክንድያ ዘዳለዎ ታሪኻዊ ጽሑፍ ምእታወይ ሓደ ሓደ ክጥቀሱ ዝግብኦም ነጥብታት ወስ ከብል። ነዚ ጽሑፍ ዘንበቡ ሰባት ሎሬንሶ ታእዛዝ ንኢትዮጵያውንን ንኢትዮጵያን እምበር ንኤርትራ እንታይ ጌሩላ ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ይኽእሉ’ዮም ። ገለ’ውን ሎሬንሶ ካብ መኣስ ክሳዕ መኣስ ዝነበረ ሙሁር ከም ዝኾነ ዘይፈልጡ ወይ ዝዘንግዑ ሰባት “ሎሬንሶ ደኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጸሊም ታሪኽ ዘለዎ ሰብ እንድዩ ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጨፍጨፈ እንድዩ” ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ሎሬንሶ እንተ ብተንኮል ንጉስ ሃይለስላሴ እንተ ብባህሪያዊ ሕማም ገና ቅድሚ ፈደረሽንን ስዒቡ ዝመጸ ጎበጣ ኤርትራን ኢዩ ሞይቱ እዚ ማለት ንጉስ ሃይለሳሴ ብ1960 ንኤርትራ ክጎብጣ እንከሎ ሎሬንሶ ካብ ዝመውት 14 ዓመት ኣቑጺሩ ነበረ። ካልእ ብቖልዓይ እንከለኹ ዓበይቲ ክዛረብዋ ዝስምዓ ዝነበርኩ ዕላል ከካፍለኩም። ከም ዝመስለኒ እቶም ኣቦታታት ነቲ ሃይለስላሴ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዘንበቦ ጽሑፍ ማለት ሎሬንሶ ታእዛዝ ዘዳልዎ ኣመልኪቶም’ዮም ዝዛረቡ ኔሮም እምስለኒ። ሎሬንሶ ጸዓዱ፡ “ጸለምቲ ህዝቢ ካብ ገጽ መሬት ክጠፍኡ ኣለዎም” ምስ በሉ “እሞ ጸሊም ዝበሃል ክትርእዩ ዘይትደልዩ እንተኾይንኩም ፈለማ ነታም ጸላም ዓይንኹም ኣጥፍእዋ” ከም ዝበሎም’ዮም ዝዛረቡ። ብዘይካዚ ብዛዕባ ኣማውታ ሎሬንሶ ክዛረቡ እንከለዉ ንጉስ ሃይለሳሴ መቕተሊ ዝኸውን መርፍእ ናብ ወጻኢ ኣሕሊፉ’ዩ ኣቕቲሉዎ ዝብል ነበረ። እዘን ክልተ ዕላላት ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ሎሬንሶ ካብ ዝዕለላ ዕላላት’የን ኔረን። ካልእ እታ ክሳብ 11 ክፍሊ ዝተማሃርኩላ ካላኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ግዜ ደርጊ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብላታን ጌታን ሎሬንሶ ታእዛዝ ተባሂላ ትጽዋዕ ከም ዝነበረት ክጠቅስ እፈቱ። ታሪኽ ሎሬንሶ ታእዛዝ ዝኾነ ኤርትራዊ እንተፈለጦ ሓበን እምበር ሕፍረት ኣይኮነን። ሎሬንሶ ብዝነበሮ ብልሕን ሙሁራዊ ኣተሓሳስባን ኣንጻር ወጽዓ ጸለምትን ኣንጻር ኢጣልያዊ መግዛእትን ተቓሊሱ ዝተዓወተ ሓርበኛ’ዩ ኔሩ።
እዚ ዝስዕብ ዳኒኤል ክንድያ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ኮይኑ ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ 9 ገጽ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ዘካየደሉ ጽሑፍ ንኣንባቢ ምእንቲ ከየስልችዎ ብምባል እቲ መወከስን ካልእ ዕሙቕ ዝበለ ትንተና ብዛዕባ ኩናት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ሰጊረዮ ኣለኹ።
ሎሬንሶ ታእዛዝ ኣብቲ ካብ 1935-1941 ዓም ኢትዮጵያ ምስ ኢጣልያ ኣብ ዘካየደቶ ኩናት ሓደ ካብቶም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት ክቑጸር ዝግብኦ ሰብ’ዩ ኔሩ። ሎሬንሶ ካብ 1925 ንሃገሩ ኤርትራ ገዲፉ ክሳብታ ኣብ ሽወደን ዘሞተላ ዓመት 1946 ዘይንቡር ህይወት’ዩ ኣሕሊፉ። ኣብ እዋኑ ካብ ዝነበሩ ትውልዲ ኣብ ውሽጢ 21 ዓመት ከም ሎሬንሶ ኣፈረይትን ሕጉሳትን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ብኣጻብዕ’ዮም ዝቑጸሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣንጻር ኢጣልያዊ መግዛእቲ ካብ ግቡኡ ንላዕሊ’ዩ ኣበርኪቱ። እንተኾነ እቲ ንኡስ ወለዶ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ታሪኹ ደንቁሩ’ዩ ዓብዩ። ታሪኹ ብዝግባእ ክገልጽዎ ዘይደልዩሉ ምኽንያት ርዱእ ኣይኮነን። ኩነታት ኣማውትኡ ብዙሕ ኣታሓታቲ እኳ እንተነበረ ብስቕታ ክሕለፍ’ዩ ተመሪጹ።
ዕላማ እዚ መጽናዕተይ ኣብ ክልተ ነገር ዘተኮረ’ዩ። ቀዳማይ ንዶክቶር ሎሬንሶ ምስ ኣንባቢ ምልላይ’ዩ፡ ብኡ ኣቢሉ ከኣ እንተተኻኢሉ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝገደሱ ምሁራት ዝያዳ ዘተን ዝርርብን ዓዲሞም ብዛዕባ ሎሬንሶ ገለ ክብሉ። እቲ ካላኣይ ከኣ ኣብቲ ምስ ኢጣልያ ዝተኻየደ ኩናት 1935-1941 ናቱ ተራ እንታይ ከም ዝነበረ ንምምርማር’ዩ። ነዚ ንምግባር ፈለማ ሎሬንሶ መን’ዩ᎒ ከመይ’ሉ ኢዩ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ መጽዩ᎒ ድሕረ ባይትኡኸ ከመይ ኔሩ᎒ ነዝን ካልእ ሕቶታትን ክምልስ ኔሩኒ።
ታሪኽ ሎሬንሶ ከምቲ ዝበልኩዎ ለላህመቱ ጥራሕ’ዩ ዝቐርብ። ኣብ ዝኾነ ናይ ስነጽሑፍ ስራሕ ይኹን ምርምር ብዛዕባ ሎሬንሶ ብዝርዝር ዝግለጽ ነገር የልቦን። በዚ ከኣ እቲ ኣብ ግዜ ኩናት ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተጻወቶ ዓቢ ተራ ሃሲሱ ክተርፍ ክኢሉ። በዚ ምኽንያት’የ ድማ ንሓያሎ ሰባት ቃለ መሕትት ከካይድ ዝወሰንኩ። ገለ ካብ’ቶም ቃለ መሕትት ዘካየድኩሎም ሰባት፡ ጓሉ ንሎሬንሶ ማለት ወይዘሪት ሎሬንሶ፡ ካብ ፈለማ ናይ ቀረባ ዓርኪ ሎሬንሶ ዝነበረ ኤርትራዊ ነፍስሄር ኣምባሳደር ኤፍሬም ተወልደመድሂን፡ ሓው መብራህቱ ታእዛዝ፡ ከምኡ’ውን ዶክተር ጆን ስፔንሰር ኣብቲ ግዜ ኩናት ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበረ ሰብ ይርከቡዎም።
ድሕረ ባይታ ሎሬንሶ
ሎሬንሶ ታእዛዝ ብ 30 ሰነ 1900 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ( ከተማ ዓዲቐይሕ) ተወሊዱ። ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራን ከረንን ድሕሪ ምዝዛም ከኣ ኣዚዩ ንእሽቶ እናሃለወ ምስ ምምሕዳር ኢጣልያ ክሰርሕ ጀመረ። ብሳላ ብልሑን ህርኩትነቱን ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ጸሓፊ ኣማሕዳሪ ከተማ ኣስመራ ተሰጋገረ። እዚ ስልጣን ኣብቲ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ሓደ ኤርትራዊ ክበጽሖ ዝግብኦ ናይ መወዳእታ ስልጣን ነበረ። በዚ ከኣ ኣብ እዋኑ ኣብ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝለዓለ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን ተባሂሉ ዝተሰምየ።
ብ1924 ብናይ ስራሕ ዕረፍቲ ናብ የመን ከተማ ዓደን ምስ ከደ ንራእሲ ተፈሪ መኮነን (ዳሓር ንጉስ ሃይለስላሴ ዝኾነ) ኣብኡ ረኸቦ። ሽዑ ራእሲ ተፈሪ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ’ዩ ዝፍጽም ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ራእሲ ተፈሪ ንሎሬንሶ ታእዛዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእ ኣተባብዖ። ኣይጸንሐን ሎሬንሶ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብኢጣልያዊ መግዛእቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ራሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከደ። ራእሲ ተፈሪ ብጽቡቕ ተቐቢሉ ምስ ካል ኦት ኢትዮጵያውያን ን ትምህርቲ ናብ ፈረንሳይ ለኣኾ። ሎሬንሶ ዝቐጸለ 8 ዓመታት ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ትምህርቲ’ዩ ኣሕሊፉዎ። ንሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞንቶፕሌር ሕግንስ ፍልስንፍናን’ዩ ኣጽኒዑ። ሎሬንሶ ናብ ትምህርቲ ክኸይድ እንከሎ ድሮ ኣርባዕተ ቋንቋታት ማለት ትግርኛ፡ኣምሓርኛ፡ጣልያንን ዓረብን ብዝግባእ ይመልኽ ነበረ። ሞንቶፕሌር ብዝረሓወሉ ዕድል ተጠቒሙ ከኣ ቋንቋታት እንግልዝኛን ፈረንሳይ ብዝግባእ መለኸ።
ሎሬንሶ ብ 1933 ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ ኣብ ዝተፈላልየ ኣብ መንግስቲ ኢትይጵያ ኣብ ዝተፈለለየ ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ከገልግል ጀመረ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ክሳዕ ሚኒስተር ምኒስትሪ ፍትሒ ክበጽእ ከኣለ። ብዘይካዚ ኣብ 1934 ኣብ ዝተመስረት ንምሕጻጽ ዶባት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝውስን ኮሚቴ ኣባል ነበረ። ብዘይካዚ ፍሉይ ኣማኻሪ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ኣብ ማይጨው ኣብ 1936 ምስ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከኣ ልዑል ተራን ተወፋይነት ከም ዝነበሮ ይዝንቶ።
ኣብ 1936 ንጉስ ሃይለስላሴ ብሰንኪቲ ብመግዛእቲ ኢጣልያ ዝወርድ ዝነበረን ግፍዕን ጭቆናን ጉዳዮም ናብ ውዱብ ሕቡራር ሃገራት ንምቕራብ ብኣካል ክኸዱ እንከለው ሎሬንሶ ታእዛዝ’ዩ ኣሰንዩዎም ከይዱ። ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ኣውሮፓ ኮፍ ምስ በሉ ከኣ ሎሬንሶ ቀዋሚ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ተመዘዘ። ሎሬንሶ ኢትዮጵያ ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ሓራ ምስ ወጸት ካብ 1941-1943 ከም ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ናይ ፓስታ፡ ቴልግራምን ቴሌፎንን ሚኒስተር ፡ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ራሻ (1944-1946) ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዋዕላ ሰላም ፓሪስ (ግንቦት 1946) ድሕሪ ሓደ ወርሒ ማለት ሰነ 1946 ከኣ ኣብ ሽወደን ኣብ ሆስፒታል ስቶክሆልም ዓሪፉ።
ንነፍስሄር ኣምባሳደር ኤፍሬም ተወልደመድህን ኣብ ኣስመራ ኣብ መንበሪኡ ከይደ (1983) ቃለ መሕትት ከካደሉ እንከሉ ወዲ 90 ዓመት’ዩ ኔሩ። እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ከኣ ካብኡ ዝረኸብኩዎ’ዩ።
I.ቃለ መሕትት ምስ ኣምባሳደር ኤፍሬም ተወልደመድህን
ሎሬንሶ ናይ መዋእል ዓርከይ’ዩ ኔሩ። ካብ ኤርትራ ካብ ንኸይድ ክሳዕ ብሞት ዝተፈልየኒ ሓጎስናን ሓዘናን ብሓደ’ዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኤርትራ ንኽልቴና መጻኢ ዝበሃል ኣይነበረናን። ኣብ 1925 ናብ ዓደን ሃዲምና ኬድና። ቅድሚ ዓመት ሎሬንሶ ንተፈሪ መኮነን ኣብ ዓደን ረኺቡዎ ኔሩ። ሽዑ’ዩ ከኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዓዲሙዎ። ኣነ ናብ ጅቡቲ ብጃልባ’የ ከይደ። ንሎሬንሶ ከኣ ኣብኡ ተጸብየዮ። ምስ መጻኒ ባቡር ጌርና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኬድና። ሽዑ ንንጉስ ሃለስላሴ ንትምህርቲ ናብ ወጻኢ ክሰደና ኢና ሓቲትናዮ። ከም ድልየትና ከኣ ንዓይ ናብ በይሩት ንሎሬንሶ ከኣ ናብ ፈረንሳይ ክንመሃር ሰዲዱና። ኣብ ግዜ ኩናት ንኢትዮጵያ እንታይ ጌርናላ ታሪኽ’ዩ ዝፈርደና። ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ዝጸናሕናሉ እዋን ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ዘይካየድናዮ ጻዕሪ ዕዉት ኔሩ። ሎሬንሶ ግን ፍሉይ ሰብ’ዩ ኔሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ኣብቲ ብኢጣልያ ተታሒዙ ዝነበረ ቦታታት ብምእታው ምስጢራዊ ተልእኾታት ይፍጽም ነበረ። ሎሬንሶ ፍልይ ዝበለ ጀግነነት ዝፈጸመ ሓርበኛ’ዩ ኔሩ። ኣብቲ ምሉእ ሙሁር ወለዶ ብፋሽሽታዊ ኢጣልያ ዝጸነተሉ እዋን ሎሬንሶ ንኢትዮጵያ ዓይናን እዝናን’ዩ ኔሩ። እንግሊዛውያን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልከት ጉዳይ ንሎሬንሶ ጥራሕ’ዮም ዘዛርብዎ ኔሮም።
ዶክተር ጆን ስፔንሰር ንሎሬንሶ ንኣስታት 10 ዓመት(1936-1946) ኣቢሉ ዝፈልጦ ሰብ’ዩ ኔሩ እዚ ዝስዕብ ቃለ መሕትት ከኣ ገለ ካብቲ ዝዝክሮ’ዩ
2. ቃለ መሕትት ምስ ጆን ስፔንሰር
ንሎሬንሶ ብ15 ጥሪ 1936 ኣብ ደሴ ርእሰ ምምሕዳር ንጉስ ሃይለስላሴ ንፈለማ ግዜ ረኺበዮ። ኩሉ ነገር ኣጸቢቐ’የ ዝዝክሮ። ዋላ’ቲ ዝተራኸብናሉ ቦታ ጽምዋን ጽልምት ዝበለን ኮይኑ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ኢጣልያ ከውሊ ክኸውን ዝተመርጸ’ዩ ኔሩ። ኣዚዩ ዓሚቕ ተምሳጥ’ዩ ኣሕዲሩለይ። ልክዕ’ዩ ብሓታዊ ናጽነት ዝደሊ ሰብ’ዩ፡ በሊሕ ኣእምሮን ተዛሪቡ ዘእምን ልሳንን ዝተዓደለ ሰብ’ዩ ኔሩ። ከም ሓደ ምሁር ኣዚዩ’ዩ ስሒቡኒ። ቋንቋታት ፈረንሳይን እንግሊዝን ኣጸቢቑ ይመልእኽ። ፈለማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ናይ ኩናት ቡለቲናት ምድላው ንተሓጋገዝ ኔርና። ደጊምና ኣብ ሰነ 1936 ኣብ ሎንዶን ተራኺብና፡ ሽዑ ኢና ከኣ ብሓደ ክንሰርሕ ጀሚርና። ምስኡ ዋላ’ውን ኣብ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳባት ኣተኩርካ ክትሰርሕ ኣዚዩ ቀሊል’ዩ። ኣብ 1936 ኣብ ዝተኻየ ኣኼባ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሃይለስላሴ መደረ ኣብ ምጽሓፍን ምጽፋፍን ክተሓጋገዝ እንከሎ ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ከኣ ተርጕሙዎ። ብተወሳኺ ነቲ ናብ ጀነቫ ዝኸደ ልኡኽ ጉጅለ ኢትዮጵያ መሪሑ ዝኸደ ምሁር’ዩ ኔሩ። ኣብ 1938 ሃይለስላሴ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ነቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝካየድ ቃልሲ ክመርሖ ምስ ደለየ ነቲ ኩነታት ከጽንዖን ገምጋሙ ከቕርብን ፈለማ ንሎሬንሶ’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዱዎ። ሎሬንሶ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ነቶም ኣርበኞች ዝበሃሉ ዝነበሩ ተዋጋእቲ ረኺቡ ኣብ ኩሉ ቦታ ተዘዋዊሩ ትዕዝብቱ ሒዙ ናብ ሃለስላሴ ምስ ተመልሰ ሃይለስላሴ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ክኣቱ ወሰነ። እንተኾነ እንግሊዛውያን ነቲ ውጥን ምምላስ “ዘይበሱል መጽናዕቲ’ዩ” ብምባል ኣትሪሮም ተቛወሙዎ። እቲ ሓቂ እንግሊዛውያን ምስ ኢጣልያ ብዛዕባ ማእከላይ ባሕሪ ዝምልከት ጉዳይ ይዘረረቡ ስለዝነበሩ ጉዳዮም ከይፈሽሎም’ዩ ኔሩ። ሎሬንሶ ደጊሙ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ነቲ ናይ ተቛውሞ ሓይሊ ወደቦ። ሎሬንሶ ኣብዚ ጉዳይ ኣዚዩ ኣደናቒ ስራሕ’ዩ ሰሪሑ። ኢጣልያውያን ኣብ 1941 ንኢትዮጵያ ሓደጉዋ። ኣብ 1943 ንሎሬንሶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረኺበዮ ኣብዚ ግዜ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ኮይኑ’ዩ ጸኒሑኒ። ጽቡቕ ስራሕ ከኣ ክሰርሕ ጸንሓኒ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልት ብዙሕ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ስለዝነበረ ነቲ ሕልኽላኽ ፈንጢሱ ክዕወትን ክወጽእን ክኢሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 1946 ኣብ ዋዕላ ሰላም ፓሪስ ኢና ተራኺብና ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከኣ ኣብ ሽወደን ዓሪፉ።
ገምጋም ምንጭታተይ
ብዛዕባ ፋሽሽታዊ ኢጣልያን ኢትይጵያን ዝድህስስ ስነጽሑፍ ማእለያ ዘይብሉ’ዩ ተጻሒፉ ዘሎ። እንተኾነ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገልጽኩዎ ንሎሬንሶ ታእዛዝ ዝተዋህቦ ሸፈነ ኣዚዩ ውሑድ’ዩ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ሎሬንሶ ኣበይ ትውከስ’ውን ንጹር ኣይኮነን፡ ብዘይካ’ዚ እቶም ዓሞቕቲ ሓበሬታታት ሰኣን ሓቢሮም ሓደ ዕብይ ዝበለ ነገር ዘቑሙ ተቖራሪጾም’ዮም ተሪፎም።
ኣቶ ከበደ ተሰማ ናይ’ቲ ግዜቲ ኣገዳሲ ሓላፊ ስለያ ዝነበሩን ድሒሮም ዝተፈላለየ ናይ ሚንስተር ስልጣን ዝተዋህቦምን ኣብ 1955 ሓደ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ጽሒፎም ኔሮም። ኣብ መንጎ እቲ ካልእ ናይ ደባይ ተዋጋኢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከመይ ጌሩ ነቲ ብመካናዝይድ ዝተወደበ መግዛእቲ ኢጣልያ ከም ዝመከቶ ዝገልጽ ጽሑፍ ይርከብ። ንሎሬንሶ’ውን ኣብቲ ጽሑፍ ዘኪሩዎ ኣሎ። እንተኾነ ብዛዕባ’ቲ ሎሬንሶ ዝተጻወቶ ዓቢ ተራን ዑውት ስርሒትን ዋላ ሓንቲ ኣይበለን። ዴል ቦካ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ኣብቲ ብዛዕባ ውግእ ኢጣልያን ኢትዮጵያን (1935-1941) ዝጸሓፎ መጽሓፍ ንሎሬንሶ ሰለስተ ግዜ ጠቒሱዎ ኣሎ። ኣብቲ ጽሑፍ ሎሬንሶ ምስ ሃለስላሴ ናብ ስደት ከም ዘምርሐ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ውድቡ ሕቡራት ዘቕረቦ መደረ ከም ዝሓገዞ፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ 1939 ዓም ነቶም ናይ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋእቲ ብረት ከመይ ጌሩ ከም ዘከፋፈሎም ይጠቅስ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ሪቻርድ ግሪን ፊልድ ኣብ ኒውዮርክ ብ1965 ዝጸሓፎ ብዛዕባ ሓድሽ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝምልከት መጽሓፍ ብዛዕባ ሎሬንሶ ኣገደስቲ ነጥብታት ጠቒሱ ኔሩ። ንሱ ሎሬንሶ ነቲ ናይ ደባይ ኩናት ምስ ድኹም ፍናን ወታሃደራት ኢጣልያ ከመይ ጌሩ ከም ዝተጠቕመሉ ይገልጽ።
ምስ ሎሬንሶ ን10 ዓመታት ዝሰርሐ ዶክተር ጆን ስፔንሰር ኣብታ ብዙሕ ሓበሬታታት ዝሓዘት Ethiopia At Bay ( ምሽጋን፡ 1984) ትብል መጽሓፉ ብዛዕባ ሎሬንሶ ናይ ሃገረ ፈረንሳይ ትምህርቱ፡ ናይ ኩናት ቡሎቲን ንምሕታም ዝጥቀመሎም ዝነበረ ሓበሬታታት፡ ምትርጓም ናይ ሃይለስላሴ መደረታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ቋንቋ ፈረንሳ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ደባይ ኩናት ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዩ ብምውጻእ ናብ ዓለም ከም ዘቃልሖ፡ ብተወሳኺ ሃይለስላሴ ካብቲ ኣብ ስደት ዝጸንሓሉ ክሳዕ ናብ ኢትዮጵያ ንኽምለስ (1941) ሎሬንሶ ዝገበሮ ዘይተኣደነ ወታሃደራዊ ጎስጓሳት፡ ከምኡ’ውን ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ ኣደናቒ ስራሕ ሎሬንሶ ከም ዝሸለሞን ይጠቅስ።
ኣንቶኒ ሞክለር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝጸሓፎ ውግእ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝብል መጽሓፍ ንሎሬንሶ ዝምልከት ጽሕፉ ኣብ 6 መስመር ጥራሕ’ዩ ሓጺሩዎ። ሎሬንሶ ነቲ ኣብ ኬንያን ሱዳን ንዝነበሩ ኢትይጵያውያን ስደተኛታት ንምዕጣቕ ዘካየዶ ንጥፈታት ኣንቶኒ ኣብ ክልተ ሕጡበ ጽሑፋት ካብ ምጥቃስ ንላዕሊ ተወሳኺ ሓበሬታ ከይሃበ’ዩ ሰጊሩዎ። ካልእ ህይወተይን ምዕባለ ኢትዮጵያን 1892-1937 ዝብል ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ዝጸሓፎ (ሎንዶን 1976) መጽሓፍ ንሎሬንሶ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ዝነበሮ ፍሉይ ክእለትን ንኢትጵዮጵያ ዝገብረላ ዓቢ ውዕለትን የመስግኖ’ዩ።
ሎሬንሶ ስለምንታ’ዩ ካብ ኤርትራ ወጽዩ᎒
ብዛዕባ ሎሬንሶ ካብ ኤርትራ ዝወጻሉ ምኽንያታት ንሓድሕዶም ዝጋራጨው ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት’የ ሰሚዐ። እቲ ብዝተፈልላዩ ሰባት ዝቐረበለይ ሓበሬታ መረጋገጺ ስለዘይረኸብኩሉ ከኣ ንጓሉ ማለት ንወይዘሪት ሎሬንሶ ስለምንታይ’ዩ ሎሬንሶ ኣብቲ ኣብ ሲቪላዊን ፓለቲካውን ክፍሊ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይረኸቦ ሓለፋ ረኺቡ እናሃለወ ን ኤርትራ ጠንጢኑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ንዝብል ዘቕረብኩላ ሕቶ ወይዘሪት ብኸምዚ ትምልሶ።
ሓደ መዓልቲ ሎሬንሶ ኣብ ስራሕ ፋይላት እናገላበጠ እንከሎ ሓደ ምስጢራዊ ሰነድ ረኸበ፡ እቲ ምስጢራዊ ሰነድ ውጥን ኩናት ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጠቅስ ኮይኑ ገለ ካብቲ ሓበሬታ ኣብቲ ኩናት መርዛም ጋዝ ምጥቃም ዝብል ነበረ። በቲ ምስጢራዊ ሰነድ ዝሰንበደ ካብ ፍርሕን ጭንቀትን ንብዓት ዝመጾ ኣቦይ ከይተረደኦ ናብቲ ወረቐት ኣንጠበሉ’ሞ ገለ መስመራት ናይቲ ሰነድ ተበለለ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኢጣልያዊ ሓላፊኡ ብዛዕባ’ቲ ዝተበላሸወ ሰነድ ምስ ሓተቶ ሎሬንሶ ከይሓበአ ኣብቲ ሰነድ ዝፈሰሰ ማይ ዘይኮነ ንብዓቱ ከም ዝኾነ ገለጸሉ። እቲ ኢጣላያዊ “ስለምታይ ደኣ ነቢዕካ᎒” ክብል ሕቶ ኣቕረበሉ።
“ምኽንያቱ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከተካይድዎ ወጢንኩሞ ዘለኹም ወታሃደርዊ ምስጢር ስለዘንበብኩ’የ” እቲ ኢጣልያዊ
“እወ ጽቡቕ ኣለኻ እዚ ግን ምሳኹም ምስ ኤርትራውያን ዘራኽብ የብሉን ብዛዕባ ካልእ ህዝብን ሕብረተሰብን ኢኻ ትጭነቕ ዘለኻ እዚ ከኣ ንዓኻ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን” መለሰሉ እቲ ኢጣልያዊ በዓል ስልጣን። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣቦይ ብዛዕባ’ቲ ዘንበቦ ንኤፍሬም ተወልደመድህን ኣዕለሎ። ብድሕሪ’ዚ ክልቲኦም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተዘራሪቦም ናብ የመን ሃዲሞም ከይዶም። ካብኡ ከኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም።
ብዛዕባ’ዚ ወይዘሪት ሎሬንሶ ዝበልቶ ዘረባ ብዙሕ መረጋገጺ ዝርከቦ ኣይኮነን። እንተኾነ ሞሶሎኒ ኣብ 1925 መርዛም ጋዝ ክጥቀም ከም ዝኾነ ዝሕበር ጽሑፍ ኣሎ። ንሱ ናብ ጀነራል ማላድራ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ኢድ ጽሑፍ ብዛዕባ ምጥቃም ማስታርድ ጋዝ ጠቒሱ ኔሩ’ዩ። ስለዚ እዚ ናይ ሎሬንሶ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዘይካዚ ናይ ሎንዶን ታይምስ ጸሓፊ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ከም ዝጠቐሶ ሎሬንሶ ካብ 1920-1925 ኣብ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዝነበሮ ሓደ መዓልቲ ኢጣልያዊ መሳርሕቱ ናብ ሲነማ ሒዙዎ ምስ ከደ ኣብኡ ዝጸንሖ ዓርኩ ስለምንታይ ጸሊም ሒዝካለይ መጺእካ ብምባል ነቲ ወዲ ዓዱ ከም ዘጓጠጠሉ ሎሬንሶ በቲ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዝሓዘነን ብሓፈሻ ድማ በቲ ዘረኸቦ ዝለዓለ ስልጣን ሕጉስ እኳ እንተነበረ በቲ ዝግበር ዝነበረ ዓሌታዊ ኣድልዎ ግን ሕዙን ከም ዝነበረ በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ጠንጢንዎ ክኸይድ ከም ዝኸኣለ ይጠቅስ።
መዛዘሚ
ኣቐዲመ ከም ዝሓበርኩዎ ተራ ሎሬንሶ ኣብቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዓቢ ክንሱ ብዘይርዱእ ምኽንያታት ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ከም ዝጸንሐ’ዩ። እዚ መጽናዕቲ ከኣ ንምርምር ዝኸውን ገለ በሪ ንምኽፋት ዝዓለመ’ዩ። ካብቲ መጽናዕተይ ከም ዝተገንዘብኩዎ እዚ ዝስዕብ መደምደምታ ክህብል እኽእል። ሎሬንሶ ካብ ኤርትራ ዝሃደመሉ ምኽንያት ዋላ ሓደ ራእይ ስለዘይነበሮን እቲ ተስፋ ምቑራጽ ከኣ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ከም ዝተገደደን ይገለጽ። እቲ ረኺቡዎ ዝነበረ ዓቢ ስልጣን ገዲፉ ከሰድዶ ዝኸኣለ ግን በቲ ድሒሩ ዝወረዶ ናይ ዓሌታዊ ኣድልዎን ተነጽሎን’ዩ። እቶም ኣቐንዘውቲ ትዝታታት ምስ ሎሬንሶ ንነዊሕ ዓመታት ተጓዒዞም’ዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ሃይለስላሴ ነቲ ክሃንጾ ሓሲቡ ዝነበረ ዘመናዊ መንግስቲ ምሁራት መንእሰያት ሃሰስ ይብል ስለዝነበረ ሓያሎ ካብኣቶም ንትምህርቲ ናብ ኣውሮፓ ሰደደ። ሎሬንሶ ከኣ ከም ኣካል ናይዚ መስርሕ ናብ ፈረንሳይ ለኣኾ። ኣብዛ ነጥቢ ንጉስ ሃይለስላሴ ጽቡቕ ውሳኔ’ዩ ወሲኑ። ጻምኡ ከኣ ብሎሬንሶ ተፈድዩ’ዩ።
ሎሬንሶ ዝፈጸሞ ታሪኽ ጸብጺብካ ኣይወዳእን’ዩ። ሎሬንሶ ዲፕሎማት፡ ናይ ስለያ በዓል ስልጣን፡ ኣማኻሪ፡ ናይ ሕጊ ጠብቓን ሚንስተርን’ዩ ኔሩ። ንሱ ኣሽሓት ሓረስቶት ኣብ ሓደ ለይቲ ናብቲ ዝካየድ ዝነበረ ተቋውሞ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ እንተተጸንቢሮም መግዛእቲ ጣልያን ክሰዓር’ዩ ዝበለ ሰብ’ዩ። ንሱ ምስ ኢጣልያ ዝዓጠቑ ኤርትራውያን ወታሃደራት ንኢጣልያ ገዲፎም ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝስለፉ እንተተጌሩ ዓወት ናይ ግድን’ዩ ዝበለን ንሓያሎ ኢዶም ዝሃቡ ኤርትራውያን ጎስጉሱ ናብቲ ደባይ ተዋጋኢ ዘሰለፈን ሰብ’ዩ። ሎሬንሶ ከም ናይ ሕጊ ጠበቓ ዶክተር መጠንን ብዝነበሮ ልዕሉ ምልከት ኣውሮፓውያን ቋንቋታትን ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ተኻቲዑ ከእምን ስለዝኸኣለ ኢትዮጵያ ሓገዝትን ተደናገጽትን ክትረክብ በቒዓ’ያ።
ጽሑፈይ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንዳልካቸው መኮነን ኣብቲ ሎሬንሶ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ዝተዛረቦ ዘረባ ጠቒሰ ክዓጹ’የ። ሃይለሳሴ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ተመሊሱ ክመርሕ ንኢንግሊዛውያን ኣብ ዘማኸረሉ ግዜ እንግሊዛውያን በቲ ውጥን ኣይተኣማመኑን ኔሮም። ሎሬንሶ ግን ነቲ ኣተሓሳስባ እንግሊዛውያን ከቐይር ዝኽእል እኹል መሳርሒ’ዩ ኔሩ። ሎሬንሶ ናብቲ ብኢጣልያ ዝተታሕዘ መሬት ኢትዮጵያ ሰሊኹ ብምኻድ ናይ 10,000 ኣገደስቲ ኣባላት ናይቲ ተቋውሞ ፌርማ ብምእካብ እቶም ተቓለስቲ ሃይለስላሴ ክመርሖም ከም ዝደልዩ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ሒዙ ብምምጻእ ንእንግሊዛውያን ኣእመኖም። በዚ ከኣ እንግሊዛውያን ኣብ ድልየት ሃይለስላሴ ርዒሞም ከዱ።
2ይ ክፋል ይቕጽል