ብግርማይ ዮውሃንስ
ኣብ ዘለኻዮ ሰላም ኣስመሪኖ ነብሲ። መርሓባ ሳሚ ዓርከይ። ኣለና ዶ? ሰላማት ዝዓርከይ-ሳሚ። ነብሲኮ! እንታይ ደኣ ስቕ ትብል? ስቕ መባህልቲ ዲና? ሰላም እባ’ታ! በል ዳሓን ኣብ ዘለኻዮ ሰላም።
ዳሃይ ማዘርካ ክህበካ እየ ካብ ዝብለካ ድሮ ክልተ ዓመት ኮይኑ። እዚ ክልተ ዓመት ደኣ ኣበይ ኔርካ? ከምዘይትብለኒ ርግጸኛ እየ። ዳሃይ ማዘርካ ዝህቡ መተዓብይቲ የለዉን። ሰብ የለን። “ቃሬት ሸቲቱ መጎጎ የለን ዝጉጎ. . .” ድዩ ዝበለ ገጣሚ? ኩሉ ይኸይድ ይኸይድ ይኸይድ በቃ! ኩሉ ይኸይድ’ዩ ዘሎ። ዳሃያ ስለዝጠፍኣኒ’የ ጠፊአካ።
ሳሚ ዓርከይ ጥዑም ዳሃይ ወይ ጥዑም ወረ ክህበካ ኣይትጸበ። ጥዑም ሕክያ የብለይን። “ቀደም ጥዑም ነይሩ” ትብል ነበርካ ንስኻ እንተኾንካ። ጥዑም የለን ሳሚ። ሂወት ካብቲ ጠጥዑሙ ከይተጥዕመና ኣብያ። ሌላን ጉሌላን ገይራትሉ።
ንዓኻ’ውን ተረዲኡካ’ሎ። ከመይ ኢሉ እዩ’ሞ ክጥዕማ ወደይ? ዘይመስል! ብድሕሬኻ!? ክላእ ዘይመስል! በል ዳሓን ካብ ሰብ ከይትሰምዖ ፈጺሙ ኣይጠዓማን። ጥቓ ምጥዓም ከማን ኣይቀረበትን-ፈጺማ። ተዳኺማ። ዓቕሚ ጉልበት ድማ ሓጺሩዋ።
ዓቕሚ ቁጠባ’ሞ ትሑዝን ርኡይን እንድዩ። ጉልበት ድማ ጠሊሙዋ። ሰለይን ትልኽን እናበለት ንዓለም ፈቲናታ። ክኾነላ ግን ኣይከኣለን። ዋላ በታ ዘላታ ክትቃለስ’ውን ዕድል ስኢና። ወስን ተንከስን ዝኸልእ ግዜ ዕድል ከሊኡዋ።
ጻሓይ ንፋስን ኣስሓይታን ከም ትሑዝ ወሲዳ መውዓሊ እንተኾናን ኣቋሪፋ ሂወት እተሕድረላ ባኒ እንተገዝአትን ትውዕለሉ ማርሻፔዲ ስኢናቶ። ምኑቹብዮ ኮፍ ምባል ከሊኦማ። ካብ ማርሻፔዲ ናብ ማርሻፔዲ እና ኣናጠሩ ዕረፍትን ሰላምን ከሊኦማ። ነቲ ሓደ ተልዕሎ ፍርቁ ናብ መሬት ዛሕ ይብል። ዝተረፈ ሒዛ ትሃድም።
ንጽባሒቱ ዝተረፈ ሒዛ ትወፍር። ሽዑ’ውን ከም ቀደሙ ፋሕፋሕ ይብላ’ሞ ዝተረፈ ሒዛ ትምለስ። በብቑሩብ ጥርሓ ተሪፋ። ዝርካበን ኣብተን ትሽቅጠን ኣስቤዛ ዝነበራ ቁንጣሮ መሻቐጢ ገንዘብ ፋሕፋሕ ኢለን ተወዲአን። ጥርሓ ተሪፋ። ናይ ቡን የለ ናይ ባኒ።
“ሞት ክዳን’ዩ. . . .” ዝብል መርገጺ’ኳ እንተሓዘት፡ ኣማራጺ ስለዘይብላ ግን ክትልምን ፈቲና-መሬት ኣጸልሚታ። ዝተኩብን ዝትኮበሉን ዘይፍለጠሉ ግዜ ግን ዕድል ከሊኡዋ። ነገራት ተኾሚሮም ምድፋእ ኣብዮማ። ልዕሊ ዓቕማ ኮይኖማ።
ወይለይ ወይለይ ረሲዐልካ ኻኣ’ባ። እቶም ኣይግዳዶም ዋና ገዛኹም፡ ገዛ ኽራይ ምኽፋል ስለዝሳኣነቶ ውጽእልና ኢሎማ። ትዝክሮም እንዲኻ? ተመሲሖም ከማን’ኮ ኣይድረሩን’ዮም ነይሮም። ባዓል ኩስቶ ካብ ጣዓሞትካ እዮም ዝምቀሉ ነይሮም። ነዲኦም ነደይ መንሽመን’ውን ማዘርካ ካብቲ ትሽቅጦ ሽሮን ሓምልን ሓፊሳን ዓቲራን ትህበን ነይራ። ዘይርሳዕ ምስክርነት ዝኽሪ ቁልዕነተይ እዩ እዚ።
ክዳና ተኸዲነን። ሳዓታ ሓልየን ቡናን ቁርሳን ተቛዲሰን። ኣሰይ እናበላ ካብ ልኻያ ተለኽየን-ተርኪሰን። ሳላ ማዘርካ ኣጉሲዐን። ከመይ ክንርሰዖ ሳሚ! ሕጂ ዳኣ’ሞ ቀዳመይቲ ጸላኢት ማዘርካ ተቐይረን ዘልዋ ንሰን እኳእየን። ንሰን እኳእየን ሳሚ ዓርከይ። ንሰን እኳ እየን “ገዛ ክራይ ክትከፍልዮ ዓቕሚ ስለዘይብልክስ ዓቕሚ ንዘለዎም ከነካርዮ ኢና ውጺ” ኢለናኣ። “ዝበላዕክዮ ቅድም ምለስላ” ዝብል እንተዝረኽባ’ኮ ቡኡነት ከም ብጽሒት ፍርቂ ካብቲ ገዛ ምተመቕለት ማማ ኣብረሀት። ግን. . . እንታይ’ሞ! ዓለም ብላሽ! ዝበልዓሉ ጻሕሊ ሰይረን። ዝበልዐኦ ይሕነቀን እንተብልኩስ ይበጽሐን ዶ ይኸውን ወደይ? ኣበይ’ሞ ቡኡነት።
“ሓደ ድልዱል ክስታይ ኣውዲቐን ክኾና ኣለወን” ይብል ዳንዱላ እንተኾነ። ሓቁ’ዩ። እዘን ንፈልጠን ኣደይ መን ሽመን፡ ኣዲኦም ንበዓል መንሽሙን መንሽማን ዳኣ’ሞ ካበዲአን ኣምጺአነኦ ክንብለን ኢና ወደይ!
“መንሽማ መንሽሙ እናበልካስ ፕሮናዉን ኣብዚሕካ ግርሜሶ” ዶ ትብለኒ ኣለኻ ሓቀይ? ሽሞም ክላዓል ስለ ዘይደለኹዎ እኳ እየ ሳሚ- ስሞም ትጥፋእ!
ሳሚ ዓርከይ ገዛውትና ተባላሽያ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ኣነ’ውን። “ጎደና ድኻ ተወገን” ይብሉዋ ኣለዉ ገሊኦም ተላገጽቲ። ተበላሽያ ተኸፋፊላ እያ መስለኒ። እንታይ ዳኣ’ሞ ክንብል ኢና!? ድኻ ተወገን ኢልካ ዘረባ ድማ’ሎ!? ወይ ጋዶ! ጉጅለ ሃብታማት ጉጅለ ድኻታት ማለት እኮ እዩ! ካብ ማዓስ? ምዃን ግዜ ከምኡ’ዩ!
ማዘርካ ማማ ኣብረሀት ሕሉፍ ዘኪራ ነዚ ክትጻወሮ ኣይካኣለትን-ሳሚ። ትኽ ትንፋሰይ ዓርከይ ትብሎ ዝነበርካ መንሽሙ ዓርክኻ’ውን ኣይዓጠጦን። “ትካል እኮ እዩ እዚ። ትካል ድማ ግድን ገንዘብ ከምጻልካ ኣለዎ። ሓቃ ኣላ ማማ” ከምዝበለ ሰሚዓ ኣላ እዝኒ-እዝኑ ዳኣ ትቆረጽ’ምበር። ኣነ’ኳ ካብ ቀደመይ’ውን ኣይፈትዎን’የ ነይረ-ስሱዕ ዘመድ ከብዱ ስለዝነበረ። ስሱዕ በላዒ! ዓማጺ! ትዝክሮ እንዲኻ “ቶቢ” ክንባሃሃል ከለና። ማዓልታዊ እንድዩ ቶቢ ዝብለካ ነይሩ። ሽዑ ክንዲ ንስኻ ትህቦ ባዕሉ ኣተርንዕ ኣቢሉ ቆሪሱ ክወስድ ክርእዮ እንከለኹ የሕርቐካ በቃ! ዓማጺ!
ሎሚ ግን ሳሚ ዓርከይ ተረሲዑ ኩሉ። ሽወያ ጉርሽ ገይሩስ “ድኻ ንሃብታም ከሸግር ኢሉ’ዩ ዝፍጠር” ክብል ይውዕል ኣሎ ትሰምዕ ኣላ እዝኒ-ተምትም ዓርከይ። ከሙኡ እያ ዓለም።
እዛ ተምትም ከ እባ ትዝክራ ዶ? ኣብ ግዜ ጸወታ፡ ንሓድሕድና እናተሓታተትና እንከለና “ኮሚደረ በምሓርኛ እንታይ ይባሃል” ኢልናካ “ተምትም” ክትብለና። ኮሪኻ ኢና ገዲፍናያ’ምበር ከይዳ ለጊባትካ ነይራ።
ናብ መንሽሙ ዓርክኻ ክመልሰካ ደማሙ ዳኣ ይዕረኻሉ’ምበር። ብጠዓሞትካ ከምዘይጎበዘ ኣይዘከሮን ኣይዘከረካን ካኣ።
ግዜ ድማ ከምኡ’ዩ መስለኒ በጃኻ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንብል ኢና!? ምጥልላምን ምክሕሓድን በዚሑ እንዶ ናዓ ራኣዮ ቅልቅል ኢልካ እዚ ሂወትና ቡኡነት። “ሶልዲ” ድዩ ዝብሎ ነይሩ እዚ በላዒ ዓርክኻ ሶልዲ ጸገም ፈጢሩ’ሎ ሳሚ።
ምዃን ንሱ እንታይ ገይሩ በጃኻ! ተሓዝቱ እዮም ከም ገለ ተቐይሮም። ራኣዮም እንዶ እዞም ንብሎም ዘለና ስድራ ሳሚ ዓርከይ።
ኩላትና ስኡናት ከለና ሓያል ፍቕሪ ነይሩና። ሎሚ ምስ ናይ ገንዘብ ኣፍልጦኦም ዝፍጠሩ በዚሖምስ ተገማሚዕና። ገዛውትና ከማን ከም ገለ ኮይና ኢሎማ ኣነ’ኳ ምስ ወጻኹ ኣይተመለስኩን’ምበር። ዝበጽሓኒ ዘሎ ወረ ግን ርእስኻ ዘሕምም እዩ። “ሱዳኔ ኣንቲ ምናምኔ ወረኽስ ኣይጠዓመንኔ የወየ!” ይብሉ ስመጃና እንተኾኑ። ወረ ገዛውትና ኣይጠዓመን ዘሎ። ክትጠላለምን ክትከሓሓድን ጀሚራ።
ከምዚ ዝበልኩኻ ጎደና ድኻ ተወገን ተባሂላ ኣላ። ኣንስቲ ገዛውትና ድማ ማሕበር ናይ ሰብ ትሕዝቶን ናይ ታሕተዎት ደረጃን ኣቚመን ሰሚዐ ኣለኹ። ሓቂ ዶ ይኸውን ትብሎ ኢኻ ወደይ እዝስ? እንድዒ ወደይ! ከመይ ከመይ ክኸውን ማለት’ዩ? እታ ናይ ሱኡናት ማሕበር ብጀለብያ እታ ናይ ርኹባት ድማ ብዙርያን ጥልፍን ማለት ድዩ!? ችድችድችድችድ! ክትሰምዮ’ኳ መልሓስካ ይጉምድደካን ይዕርዕረካን እዝስ! መወዳእታ ዓለም ዝባሃል ዳኣ’ሞ እዚ ክኸውን ኣለዎ ቡኡነት! እተን ፉልን ዓተርን ንማቐል ኔርና ዝብላና ዝነበራስ ተፈላልየን ብጎቦ ዓይነን ይጠማመታ ኣለዋ ማለት ድዩ ወደይ? ዋእዋእዋእዋእ! ኔው ንበሎ እዝስ ሰይጣን ከይሰምዖ’ሞ ሓቂ ከይገብሮ።
ግዜ’ውን ከምኡ’ዩ ዝገብር መስለኒ ስቒሉ ይገማጠል በቃ’ምበር ንሰን ዶ ከምኡ ምገበራ ንስኹም ከምኡ ምረኸብኩም!? ማዘር ዘይኢዳ ረኺባ ሳሚ።
ሳሚ ዓርከይ የዕሪኻ ደኣ ከይትጉሂ’ምበር ዘይፈልጠኦን ዘይሓሰበኦን ዝረኸባ ኣካራይትኩም ሃሃሃሃሃ. . . .ናይ ዝተካረየኦ ክኸፍላ ዘይክእላ ዝነበራስ. . . . ይገርም! ሓሊፉለን ግርም ምርሰዐን ግን ግናይ!
ኣደይ መንሽመን፡ ኣደይ መንሽመን ምባል ይሓይሽ ስመን ኣይትሰመ ድህልቲ በላዒት ክልተ ስጋ. . . .ቅድሜኻ ንማዘር ሓዋን ሓብታን መይቶማስ ኣብ ገዝኣ ሓዘን ገይራ ነይራ እያ። ናትካ መርድእ ሞትካ ንምድረ ሰማይ ናይ ገዛውትና ኣንቀጥቂጡዎ ጎደናና ብስንባደ እናተሓቑነት እንከላ፡ ብኣውያትን ጫቕጫቕን ተጨኒቓ እንከላ፡ ኣዳም ኩላ ዝሰምዓቶ ኣርሚሙዋ ምእማን ስኢና ኣፋ ሃህ ኣቢላ እንከላ፡ ጎደናና ብሓዘን ደቢኑ ዘፍርሕ ከባቢ ተቐይሩ እንከሎ፡ እንታይ ኢለን ይመስለካ? “እዚ ገዛና እምበር እንዳ ሓዘን ተቐይሩ” ኢለን ተበዲዐን ነዛ ነብሰን ዝሓዛላ ከምዘለወን። ክንዲ ምሕዛንን ምጉሃየንን እኮ እዩ መታዓብይቲ ነብሲ። ኤፐ! እንታይ’ሞ ይገበር ሳሚ ግዜ እንድዩ በዲሉ።
ማዘር ኩሉ ነገር ተደራሪቡዋ ሳሚ ዓርከይ። ኩሉ ነገር ልዕሊ ዓቕማ ልዕሊ ግምታን ትጽቢታን ኮይኑስ ስምባደ ፈጢሩላ። “ውጽልና” ምስ በላኣ ነብሳን ኣእምሮኣን ክትቆጻጸር ኣይካኣለትን። ብኣ ገይራ ካብ ሓንጎላን ካብታ ገዛን ምስ ወጸት ኣይተመልሰትን። ኣብ ዝዓበየትሉን ናዓኻ ዘዕበየትሉን ከባቢ ተኻፊኣ። መመክሒ ሰብ ኮይና’ላ። እንቋዕ’ኳ ኣይትርእያ ወደይ!
“እዚ ጠላም” ጥራይ እያ መውጽኢት ኣፋ። ፍሉጥ ናዓኻ እያ። ሓቃ እንድያ ሳሚ። ንዋና ገዛኹም ግዲ ኮይና ኻኣ’ባ “ካሓድቲ” ዝብላ ቃላት ሳሕቲ ተምሉቕ።
ኩዕሶ ንጻወተሉ ዝነበርና ጎላጉል ክትዘሮ ትውዕል ኣላ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ካኣ. . . .” ‘ኣምበሳ ዝወደይ. . . .በላ እንዶ’ታ. . . .ቅልዓያ. . . .ጎል! ኣትያ። ንፉዕ ዝወደይ. . . .’ እናበለት ተጣቕዕ። ምስ ደኸመት ካኣ ኣብታ ማእከል ጎልጎል ኮፍ ትብል’” እናበሉ ቆልዑ ገዛውቲ የዕሊሎምኒ።
እናደገፍካዮ ብስግረዶብ መጺኡ ንስኻ ኣብ ባሕሪ ክትተርፍ እንከለኻ ንሱ ኤውሮጳ ዝሰገረ መንሽሙ ድማ ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊሉ ሃገር ተመሊሱስ ገለ ቁሩብ ዶላራት ኣሽሪፉ ነስመራ “ኣይትጽርኒ” ይብላ ኣሎ ኢለሞ። እቲ ዝገርም ግን. . . .ግን ካኣ ዘገርም ኣይኮነን. . .ዘበኑ ከምኡ ስለዝኾነ. . ። ንማዘርካ ኣይረኣያን ሰሚዐስ ተደናጊሩኒ’ዩ ዘሎ። ሳይሞን መተዓብይቲ ግን ኣይጠለመን ሳሚ ዓርከይ። ክትሕጎስን ክትሕገዝን ኢሉ ሓሲቡ ያኢ ብሰብ ገይሩ ገንዘብ ሰዲዱላስ ንብሙሉኡ ጭርምርም ኣቢላ ሰንድያቶ። ኤፐ! ኦሮማይ! ሓቢአሉ’የ ነይረ። ጠጥዑሙ ጥራይ ይሕክዮ ነይረ። ሕጂ ግና እንኳዕ ኣይትርእዮ። ክጽለል ደልዩ። “ኦሮማይ ዝሓንቀቕናላ ገዛ ተዓጽያ” ኢሉ ሃተፍተፍ ኣድሂቡሉ ኢለሞ። ቆዚሙልኩም-ከምዘይሓልፍ። ንማማ ኣብረሀት “ኣንቲ ኩሉ ግዜ ውጽዕቲ ሓንሳብ እባ ጽንሒ ባዕለይ ኣለኩኺ እንዶ። ተስፋ ዲኺ ቆሪጽኪ። ኣነ ክኽእለኪ እንድየ. . . ተሃዊኽኪ እኮ ኢኺ. . . “ እናበለ ቆዚሙላ። ናትካ ምስ ሰምዐ’ሞ ሰሙን ዓራት ከምዝሓዘ ሰሚዐ። ደሪፉልካ ኻኣ’ባ። እታ ማማ ኣብረሀት ትደርፈልካ ዝነበረት ደርፊ-ሳሚ ወደይ ናዓ’ሞ ሱዋ ኣዴኻ ጣዓሞ ትብል ደርፊ ደሪፉልካ ሳሚ ዓርከይ።
ሳሚ ዓርከይ ኣነ’ኳ ቡኡነት ካብዚ ዘላቶስ ሞት ክዳን’ዩ ምበልኩ። ማማ ኣብረሀት ክልተ ግዜ ትረአ ኣላ። ሂወት ናይ መወዳእታ ፍርዳ’ስከ ድማ ንርአ ዳሓን። በል’ስከ ኣብ ዘለኻዮ ሰላም ሳሚ። “ኣብ ሞት ዶ ሰላም ኣሎ’ዩ ዓሻ እባ ኢኻ!” ዳኣ ከይትብለኒ’ምበር ሰላም እብል ኣለኹ። ኣብ ቀጻሊ ዳሃይ ኣደኻ፡ ዳሃይ ዝዓበናሉ ጎላጉልን ጎደናታትን ገዛውትናን ዳሃይ መታዓብይትን ኣርእስቲ ጌርና ምሕካይና ኣይክተርፈናን’ዩ መቸም። ስለዚ ሕጂ’ውን ሰላም። ሰላም ሳሚ ዓርከይ! ኣታ ሰላም እንዶ! ሰላም’ባ’ታ!