ኣብቲ መገዲ ‘ርብዓ፡
ኣብቲ ጎደናይ፡
ፍቕሪ ጠግ ከብለኒ ኸሎ
ብሕዝ ድሎ።
ሰጥሖ ነይረ፡
ጸሓይ የጽልዎ፡
ንሰብ የሳግሮ
ከም ሆያ ሆዮ
ከኣ ሃልሃልት ኡ
ኩሉ ይቋደሶ
2
ኣብዚ ስደት፡
ኣብዚ ዘለኹዎ ሕዛእቲ፡
ልበይ ልምዱ ኣይገደፈን
ዞኽዞኽታ ብፍቕሪ።
ግን መስጥሒ ስለዘየለ
ኮይኑ ቐዝሒ፡
ፍቕሪ’ውን ጥሽ ኮይኑ
ቀይሩ ጠባዩ፡
ከቦርታ ሸፊነ እውቦኦ ‘ለኹ።
ሃይለ ቢዘን
ጥሪ 2015