• ዛራ ገጠምቲ ~
ገጣማይ ቦኽረ ፡ እስኪ ምስ ስነ~ጥበብ ብሓፈሻ ምስ ስነ~ግጥሚ ድማ ብፍላይ ብዝተተሓሓዘ ምስ ነብስኻ ኣላልየና ፡ ኣጀማምራኻ ኣብ ግጥምን ካልኦት ዓውደ~ጥበባትን ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘለካ ኣረኣእያን ዝፈጥሩልካ ስምዒታትን
*ቦኽረ~ የቐንየለይ። ካብ መባእታ ትምህርቲ ጀሚሩ ፈታዊ መዝሙር ነይረ። ኣብ ትምህርቲ ብሓፈሻ ጽቡቕ ተገዳሰነት’ኳ’ንተ ነበረኒ፣ ናይ መዝሙር ክፍለ-ግዜ ከይሰልቸወትኒ ትውዳእ ከም ዝነበረት ግን ብፍሉይ እዝክር። ኣርባዕተ በርባዕተ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ግጥምታት ውን ክጽሕፍ ጀመረ። ጸጽሒፈ ዝቐዶን ዝድርብዮን ድማ ብዙሕ ነይሩ – ክንዕቆ ስለዝጀመርኩ። እቲ ዝንባለ ግን ወትሩ ምሳይ ግዲ ነይሩ፣ ኣብ ከባቢ 2000 ዓ/ም መኣድታት ስነ-ጽሑፍ በብከተማታቱ ፈሊቐን። ተጠቃሚ ናይ መኣዲ ስነ-ጽሑፍ ዓዲ-ቐይሕ ድማ ኰይነ። እታ መኣዲ ምስ ተመስረተት ንውሑድ ግዜ ድሕሪ ምክትታል ግጥሚ ንምጽሓፍን ንምንባብን ክደፍር ጀሚረ። ካብ ናእሽቱን ዓበይትን መዓት ምትብባዕ’ኳ’ንተ ነበረ ንዝጽሕፎም ግጥምታት ሽዑ ውን እንዕቆም ነይረ። ሽዑ ግዜ ካብ’ቶም ኣነ ዝጸሓፍኩዎም ግጥምታት ንላዕሊ፣ ብናይ ብዙሓት ካልኦት ገጠምቲ እምሰጥን እቐንእን ነይረ።
ውትሩ ዝናፍቖ ግን ሓደ ጦብላሕታ ትዝ ይብለኒ። እቶም ዓበይትን ምኩራትን ገጠምቲ ነቶም ናእሽቱ፤ ልዕል’ቲ ነድንቖም የድንቑናን የተባብዑናን ይሕብሕቡናን ምንባሮም እዩ። ንበዝሕ ንጡፋት ናይ’ታ መኣዲ፤ ተማሃሮ፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምኡ ውን መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ኔርና። ኣብ ክልተ ሰሙን ተራኺብካ ግጥምታት ምንባብን ምስማዕን ጥራይ ዘይኰነ፣ ሕጽር ዝበለ ኣስተምህሮን ስልጠናን ዓሚቝ ምስትምቓርን እውን ነይሩ። ብቐረባ ዝዝክሮ፤ ኣቡዓምራ፣ መምህር ተኽለ ተኸስተ(ነብሱ ይምሓሮ)፣ መለስ ንጉሰ….ካብ ዝሃቡና ሓጸርቲ ዘይስሩዓት ስልጠናታት ብዙሕ ተሞክሮ ቀሲመ። ዕላማ ናይ’ቲ መኣዲ ውን ተሞክሮን ፍቅርን ምልውዋጥ እዩ ነይሩ። ሎሚ ፋሕ-ፋሕ ኰይኑ’ምበር ብዙሓት ኔርና። ንሕጂ ዘይዘከርኩዎም ገዲፍካ፤ መኮነን ተስፋይ፣ ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ብርሃነ ገብረሂወት፣ ተስፊት ዮውሃንስ፣ ኪዳነማርያም ዘፈሩ፣ ጸጋይ ኣስመሮም፣ መሓሪ ካሕሳይ፣ ባህልቢ ምኪኤል፣ ኣማኑኤል ኣብርሃ፣ ቴድሮስ ሃይለ፣ ፍዮሪ ዑቕባማርያም፣ ህጻናት ኣሕዋት ሳምራዊት ተኽለን ፊልሞን ተኽለን (ፊሊ ድሮ ጎቢዙስ ኣብ 2011 ግዳይ ህልቂት ማእከላይ ባሕሪ’ኳ’ዀይኑ!)፣ ግርማይ ዮውሃንስ፣ ሳሙኤል ረዘነ፣ ስምኦን ኳትሮ፣ ተኽለብርሃን ትኳቦ፣ ብርሃነ ማሞ፣ ቴድሮስ ገብረማርያም……ብሰንሰለት ግጥሚ ንራኸብ፣ ዘይንፈላለ ኣሕዋት ኔርና። ይትረፍ ስነ-ጥበባዊ ጥርናፈ ዋላ ማሕበራዊ ጥርናፈ(ክሳብ ደረጃ ስድራ-ቤት) ብመንጽር መለኽቲ፣ ናይ ተቓውሞ ምንጪ እዩ ተባሂሉ ስለዝእመነሉ እተን መኣድታት ውን ቀጢን ትእዛዝ መጺኡወን። መወዳእታኡ ድማ ሃማመተኤ ዝብሃል ቫይረስ ናብ ማሕበሩ ክንጥርነፍ ወይ ክንብተን ኣዚዙና። (ተኽሊጥ ኣሃዱታትን ምዝዛም ትምህርትን ተደማሚሩዎ) ተበቲንና ድማ። እንሆ ውን ይትረፍ ንጽሕፈሉ ንረግጸሉ ባይታ ስኢንና – ማዕዶ-ማዕዶ ኴንና። ግን ከኣ ብህይወት ምህላውናን በዚ መንገዲ ናይ ጽሑፍ ህላወና ምቕጻልናን ይመስገን ፈጣሪ።
ናብ’ቲ ዛዕባ ክምለስ – ካብ ካልኦት ከተማታትን መኣድታትን እውን ብውልቅን ብሓባርን እናመጹ ተሞክሮኦም ዘቕስሙና ብዙሓት ነይሮም። ንኣብነት፤ ግርማይ ኣብርሃም፣ ዮናስ ወልደሩፋኤል(ዮኔ ሓወይ፣ እታ ‘ቀሺ’ ትብል ክብርቲ መዓርግካ’ምበር ክሳብ ሎሚ ምልማድ ኣብያትኒ!)፣ ግርማይ ሳንድያጎ፣ ሰሎሞን በርሀ(ዝዓበየ ተልእኾኡ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ገዲፍና ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ንኽንጽሕፍ ምስባኽ’ዩ ነይሩ ደኣ’ምበር)……ወዘተ። ንሕና ውን ብመንጽሩ ናብ ብዙሓት መኣድታት ተጓዒዝና። ይርጋኣለም፣ ሞኬ፣ ብርሂን፣ (ተስፊት ወይ ዘፌ)፣ ናብ ቁርሲ ቀዳም፤ ኣነ፣ ሞኬ፣ ይርጋኣለም መምህር ብርሃነ መጎስ(ሰኣላይ እዩ) ናብ ማህጸን ስነ-ጥበብ መንደፈራ( ምስ መንእሰያት መንደፈራ ጽቡቕ መዓልቲ ኣሕሊፍናስ፣ ንምሸቱ ናብ ኣስመራ እና ተመለስና ውን ኣብ መራጉዝ ንግደት ዝወዓሉ ኣቦ ኣብ መኪናኦም ይማልኡና’ሞ ካብ ዓዲ ሒዞሞ ዝመጹ ሕምባሻ ሰሰሊዖም ሂቦምና፣ ሕምባሻና እናዓጸድና ሰላም ተመሊስና)፤ ኣነን ብርሂንን ናብ ጋብላ ስነ-ጥበብ ደቀምሓረ፤ ባህልቢ፣ ተስፊትን ይርጋኣለምን ዝርከቡዎም ናብ ከረን (ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድ ድዩ ሓሊብመንተል ምስ በጽሑ ኬላ ይረኽቦም’ሞ ባህልቢ መንቀሳቐሲ ስለዘይነበሮ ካብ መኪና የውርዱዎ። ንናይ ግጥሚ ፕሮግራም ካብ ርሑቕ ከም ዝመጸ ምስ ሓበሮም ግን ግጥሚ ከንብበሎም ኣዚዞሞ፣ ሓንቲ ግጥሚ ምስ ጋበዞም መንገዱ ክቕጽል ፈቒዶምሉ – ሽዑ ቅነ ብዙሕ ንስሕቀላ ኔርና።) ስለዚ ብወገነይ ምስ ስነ-ግጥሚ በዚታት ቅሩብ ተሞክሮ ዘዋህለልኩን ብዙሕ ፍቕሪ ዝኸሰብኩን ብኡ ዝቐጸልኩን ኰይኑ ይስማዓኒ።
*****************
• ሙሴ ብርሃነ~
ግጥሚ ንፈታትን ሰባት ብዙሓት ኢና፡ እቶም ናይብሓቂ ብሉጽ ግጥሚታት እትገጥሙ ሰባት ግን ኣዚኹም ውሑዳት ኣለኩም። ካብ’ቲ ናታትኩም ግጥሚታት’ውን እቲ “መሳጢ” ዝብሎ ዝወሓደ’ዩ ብሃላይ’የ። ከም’ዚ ዝስመዓኒ ዘሎ ተመሳሳሊ ስምዒት እንተድኣ ሃልዮካ፡ ኣስተማቐርቲ ዛራ ዝያዳ ክዓግቡ፡ ብዓቢኡ ድማ ዘይምኖ ግጥምታት ሓድጊ ክህልወና፡ እንታይ ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ ትብል፧
* ቦኽረ ~ ኣብ መስርዕ’ቶም ውሑዳት ብሉጽ ግጥሚ ዘፍርዩ ክኣቱ ደረጃይ’ኳ’ንተ ዘይኰነ ስለ ኣድናቖትካ ግን ብልቢ አመስግን። ንዕግበት ዛራ ጥራይ ዘይኰነ ሓድጊ ብሉጽ ግጥምታት ክህሉ ክግበር ዘለዎ ነገር ግን……. እንድዒ’ታይ ክግበር ከም ዘለዎ። ማለተይ ብሓባር ወይ ብዘተ ዝፈሪ ብሉጽ ግጥሚ ኣሎ’ይለ ስለዘይኣምን እዩ። ሓደ ገጣሚ ብኸመይ ብሉጽ ግጥሚ ይጽሕፍ ንዕኡ ጥራይ ዝግደፍ ውራይ ይኸውን። ምስ ተሰርሐ ወይ ምስ ተጻሕፈ ኢና ደኣ ብዛዕባ ብሉጽን ዘይብሉጽን ግጥሚ ንዛረብ እምበር ብውጥን ንኸዶ ስራሕ ኣይመስለንን።
********************
• ያፈት ተኽለ~
ሓው ቦኽረ ኣብ ልዕለኻ ዘለኒ ኣድናቖት ተረዲኦም ንዘሃቡኒ ዕድል ንኣዳለውቲ መደብ እናመስገንኩ ናብ ሕቶይ ከብል ፡ ንገጣሚ ”ገጣሚ” ዘብሎ ሮቋሒታት ኣሎዶ ትብል ወይስ ኩሉ ግጥሚ ዝሓንጠጠ‘ዩ ገጣሚ ዝጽዋዕ፧
* ቦኽረ ~ ኣዝየ አመስግን – ክብረት ይሃበለይ። ንገጣሚ ‘ገጣሚ’ ዘብሎ ረቛሒ ‘ግጥሚ ስለዝጽሕፍ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ርቀት ዘድልዮ መልሲ ኣይመስልን። ክንዝንግዖ ዘይብልና ነገር ግን፣ ግጥሚ ዘዝሓንጠጠ ይትረፍ እቲ “ኣነ ብቑዕ ገጣሚ እየ” ዝብል ወይ ብቐሊሉ ንነብሱ ከም ገጣሚ ዝቘጽር ገጣሚ ዘይክኸውን ይኽእል። ብቑዕ ምዃኑ ተመስኪሩሉን ተዘሚሩሉን ከብቅዕ’ኳ ናይ ብሓቂ ገጣሚ ዘይክኸውን ይኽእል። እቲ ጸገም ቅድሚ ብዛዕባ ግጥሚ፣ ብዛዕባ’ቲ ሰብ(ገጣሚ) ስለንግደስን ዝያዳ ኣድህቦና ነቲ ስራሕ ጐስዩ ናብ’ቲ ሰብ ስለዝዝንብልን እዩ። ንህቦ ፍርዲ ድማ ብኡ መንጽር ክዛባዕ ይኽእል። ንሓደ ግጥሚ ዝሕንጥጥ ሰብ ገጣሚ ዘብሎን ዘየብሎን እንኮ ረቛሒ ናይ ግጥሙ ብቕዓት እዩ። ብቕዓት ናይ ሓደ ግጥሚ ንምምዛን ግን ኣብ ግጥሚ ዘሎ ደረጃ ምስትምቓርን ምንባብን ፍቕሪ ’ቲ ሞያን ውን ምድህሳስ የድሊ።
*******************
• ሩማና ብርሃኑ~
ከምዚ ንዕዘቦ ዘሎና ምስ ቁልጡፍ ምዕባለታትን ለውጥታትን እዛ ዓለምና መጠን ፡ ሰባት ውን ነገራት ብቕልል ዝበለን መሳጥን ኣገባብ ንዝቐረበሎም ፍርያት ስለ ዝመርጹ፡ ገጠምትና ኪኖ እቲ ኣብ ገጸት ፈስቡክ ብጽሑፍ ዘቕርብዎ: ብመራኺ ድምጺን ውሕሉል ኣናብባን ተቀሪጹ ኣብ ዩቱብ ኮነ ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሾሻል ኔትዎርክስ ብብዝሒ እንተዝዝርጋሕ ፡ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ብዝተፈላለዩ ክአኢላታትን ጸለውትን ገጣሞ ሃገርና ዝተጻሕፈን ዝጽሓፍ ዘሎን ግጥምታት ፡ እቲ ውሕሉል ጥበባትን መልእኽትታቶምን ብግቡእ ኣብ ሕብረተሰብ ክበጽሕን ክወራረስን ምኽኣለ ዝብል እምንቶ እዩ ዘሎኒ ፡ ንስኻ ከም ገጣማይ መጠን ኣብዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ፧
*ቦኽረ ~ ግጥሚ ይትረፍ ብድምጺ ተቐሪጹ ኣብ ወረቐት እንክንበብ እውን ናቱ መሳጢ ዜማ ኣለዎ። ልክዕ ከም ሙዚቃ፣ ከም ድምጺ ኣዕዋፍ፣ ከም ሽውሽውታ ንፋስ……ግጥሚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብ ደም ዝኣቱን ዝሰርጽን ልስሉስ ዜማ እዩ። ልዑል ናይ ምንባብ ብቕዓት ብዘለዎም ገጠምቲ ዝተቐርጸ ግጥሚ ጽን ኢልካ ምስማዕ ካብ’ቶም ዘይመንዎም ድሌታት እዩ። ከም’ቲ ጠቒስክዮ ዘለኺ ብድምጺ ቀሪጽካ ናብ ሰማዕቲ ምቕራብ ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። ከምኡ ውን ኣገዳሲ ናይ ስነዳ ስራሕ እዩ። ጥራይ ገንዘብ/ኣታዊ ኣምሪሑ ክብገስ የብሉን – ዜማኡን ጣዕሙን ህይወቱን ተመራሪሖም ናብ ገደል መታን ከይኣትዉ። ካብ’ዚ ወጻኢ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ እዩ ኢለ እኣምን። ኣብ’ዚ ኣባና ብዙሕ ዘይተለምደ ንግጥሚ ብድምጺ ናይ ምቕራጽን ምዝርጋሕን ስራሕ ኣመልኪቱ ንዝግበር ውልቃዊ ኮነ ሓባራዊ ተበግሶታት ንምትብባዕ ቅድሚ ኵሉ ድጋፈይ መረጋገጽኩ።
********************
• ፍቓዱ ሙሴ ~
ገጣሚ ቦኽረ ገብረየሱስ፡ ብርእይቶኻ ንፉዕ ገጣማይ ዝኽወን ብተውህቦ ድዩ ዋላስ ብትምህርትን ጻዕርን ፧
* ቦኽረ~ መንፍዓት ተመልሶ ቀለተ፣ ተወልደ መዓሾ፣ ገብረመድህን ብስራት ወይ ነጋሽ ሳግላ ምናልባት ምስ ተውህቦ ክነተሓሕዞ ንኽእል። ካብ ኣፋዊ ግጥሚ ወጺእና ብዛዕባ ጽሑፋዊ ግጥሚ ምስ ንዛረብ ግን እታ ‘ተውህቦ’ ትብል ኣምር ብጣዕሚ ክትከብደኒ’ያ። ተውህቦ ቦታ እንተ ዝህልዎ ሓንቲ ግጥሚ ክንጽሕፍ መዓልታት ወይ ሰሙናት ኣይመድለየናን። ኣብ ትምህርትን ጻዕርን ግን ምናልባት በብተሞክሮና ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል። ብወገነይ፣ ብዝኾነ መንገዲ ዝማዕበለ ዝንባለ ምስ ጻዕሪ ተሓናፊጹ ድኣ’ምበር ትምህርቲ ውን ብዙሕ ጽልዋ ዝህልዎ ኣይመስለንን። ስነ-ፍልጠት ምስ ትምህርቲ፣ ስነ-ጥበብ ድማ ምስ ጻዕሪ ከዋስቦም እመርጽ። ትምህርቲ (ስሩዕ ናይ ስነ-ግጥሚ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ንብል እንተ’ሊና) ዘፍርዮ ንፉዕ ገጣሚ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ግጥሚ ናይ ካልኦት ሰባትን ከባቢታትን ባህልታትን ምንባብ፣ ንግጥሚ ኣመልኪቶም ዝጽሓፉ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ምውካስ፣ ምስ ናእሽቱን ዓበይትን ገጠምቲ ሓሳብን ተሞክሮን ምልውዋጥ……ስለትምህርቲ ንምዝራብ እኹላት እዮም። ካብ’ዚ ወጻኢ ግን ኣብ ክፍሊ ላቢስን ወረቐትን ብምሓዝ ተማሂርካ ተምጽኦ ምዕባለ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ነታ ተማሂርካ ንፉዕ ገጣሚ ይኽወን ዶ ትብል ኣካል ኣብ ባይቶ ረቛሒታት ‘ንፉዕ ገጣሚ ምዃን’ ሓደ ካብ ሚእቲ(1%) ናይ ቦታ/ወንበር ዕድል ውን ዝበዝሓ ኰይኑ ይስማዓኒ።
*******************
• ዛራ ገጠምቲ~
ገጣማይ ቦኽረ ፡ግጥምታትካ ከምቲ ዕምቆት ትሕዝቶኦም ኣብ ዋሕዚ ንውሓቶም ውን ሰናፋት ኣይኮኑን ። ምስጢር ምንወዋሖም እንታይ እዩ፧ በቲ እተንቕሎ ሓሳብ ስለ እትግደድ ዲኻ ወይስ ብእምንቶኻ~ንጽባቐ ተባሂሉ ዝግበር’ዩ ፧
* ቦኽረ~ (……እምምምም) በቲ ዘንቅሎ ሓሳብ እንተ ዝግደድ ድኣ ግርም ነይሩ! ንሓንቲ ግጥሚ ብሓሳብ ደረጃ ምስ ሃነጽኩዋ ምጽሓፍ እጅምር። እቲ ሽግር ኣብኡ እዩ ዘሎ። ንዝሃነጽኩዎ ሓሳብ ብልክዕ ዝውክለለይ ቋንቋ ረኺበ’ይፈልጥን። እቲ ተጻሒፉ ንንባብ ዝበቅዕ ግጥሚ ሃሳስ ስእሊ ናይ’ቲ ድሙቕ ሓሳብ እዩ። ኰይኑ ግን ዝጽሕፋ ግጥሚ እናሓሰብኩ ብዛዕባ ምንዋሓን ምሕጻራን ኣይጭነቕን፤ ሓጻር ድያ ክትከውን ነዋሕ ኢለ ውን ኣይቅይስን። ብሓፈሻ ምንዋሕን ምሕጻርን ግጥሚ ከም ኣርእስቲ ብዙሕ ኣየቕልበሉን። እቲ መለክዒ፣ ናይ ጥበብ ጽባቐ ጥራይ እዩ።
ንጽባቐ ኢለ ውን ኣየንውሖምን እየ። ነዋሕ ግጥሚ ከም ዝጸሓፍኩ፣ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩ እየ ዝፈልጥ። ሓቂ ንምዝራብ ግን ሓድ-ሓደ ግዜ ስስዕቲ ስለዘጥቅዓኒ እዩ መስለኒ ግጥሚ ዝነውሓኒ። ጕንዲ ናይ’ቲ ሓሳብ ትኽ ኢሉ ንላዕሊ ክወጽእ እናሓሰብኩ ብየማነ-ጸጋም ንእግረ-መንገደይ ናእሽቱ ጨናፍር እናተማላእኩ ክኸይድ እደሊ። እቶም ጨናፍር ልዕሊ’ቲ ጕንዲ ሰዊዶም ብናይ ገረብ ቅርጺ ንዝተሃንጸ ትልሚ ናይ’ቲ ግጥሚ ከየበላሽዉዎን መንገዱ ከየስሕቱዎን መዕለቢኡ ከየጥፍኡዎን ግን ክጥንቀቕ እፍትን። ስለ’ዚ ናብ ጨናፍር ዝገብሮ ምዅብላል ሓደ ጠንቂ ናይ ምንዋሕ እዩ ብምባል እኣምን። ብነንጽር ስነ-ግጥሚ ግን እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ናይ ምንዋሕ ግጥሚ ድኽመት(ስንፍና) እዩ።
• ፌቨን ዓንደማርያም…~
ሓደ ገጣሚ ስለምንታይ ይገጥም : እንታይ ምስ ረኸበ’ኸ ግጥሚ ገጢመ ይብል ፧
* ቦኽረ~ “ስለምንታይ ትገጥም” ትብል ሕቶ ንሚእቲ ሰባት እንተ ትሕተት ሚእቲ መልስታት ክወሃብ ስለዝኽእል ንነብሰይ ወኪለ ጥራይ ክዛረብ። ካብ’ቲ ንሓስቦ እልቢ ሓሰባት ብግጥሚ መልክዕ ክጽሕፎ ደስ ዝበለኒ መሪጸ ቅርጺ ከትሕዞን ክጽሕፎን እፍትን። ሓደ ግጥሚ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩ(ብፍላይ ብመጠኑ እንተ ዓጊበሉ) ናይ ሓሳባት ጽዕነተይ ብፍርቂ ዝጐደለ ኰይኑ ስለዝስማዓኒ ድማ ይሕመቕ ይጸብቕ ወትሩ ብፍቕሪ እሓስቦን እጽሕፎን። ስለ’ዚ ግጥሚ ቀዳማይ ተኻፋሊ ሽግረይን መማኽርተይን ስለዝዀነ’የ ዝጽሕፎ።
‘እንታይ ምስ ረኸበ ገጢመ ይብል’ ትብል ሕቶ ‘እንታይ ምስ ረኸበ ይገጥም’ ተስምዕ እንተዀይና፤ ብናተይ ኣረዳድኣ ዘይተረኽበ መንገዲ፣ ዘይተበጽሐ ርሕቀት፣ ዘይተጠመተ መኣዝን፣ ዘይተዳህሰሰን ዘይረቐቐን ሓሳባት ይገጥም’ምበር ገጣሚ ንዝረኸቦ(ዘጋጠሞ) ጕዳይ ክጽሕፍ ኣለዎ ኣይብልን። ዘጋጠመካ፣ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ምጽሓፍ ማለት ግጥሚ ምዃኑ ተሪፉ ጸብጻብ ወይ ዜና እዩ ክኸውን።
***********************
• ግርማይ መሑር~
ቦኽረ! ኣብ ልዕሊ ግጥምታትካ ዘሎኒ ኣድናቖት ልዑል እዩ’ሞ፡ ዝለመድክዎ ከይስእን ወትሩ ቅሳነትን ጥዕናን እምነየልካ ። ብምቕጻል …
ዋላ ‘ቶም “ድሓን’ዮም” ንብሎም ጽሓፍቲ፡ ነቐፌታ ጸላኢቶም ‘ያ። ካብኦም ዝገደዱ ኽኣ እቶም ነቐፍቲ ንባዕሎም ግበረ መልሲ ንቐፌታኦም ምስ ዝመጾም እምብዛ ክቑጥዑ ንዕዘብ ‘ሞ፡ እዚ ምጽውዋር ብኸመይ ክርዓም ኣለዎ ትብል ፧
* ቦኽረ~ ኣዝየ አመስግነካ! ኣብ ነቐፌታ ዘሎ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ብኸመይ ክረዓም ንዝብል ሕቶ፤ ንነብሰይ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ሽግር ነጻ ክገብራ እንተ በቒዐ ነቲ ካልእ ገዚፍ ሓገዝ እዩ። ኪንዮ’ዚ መዲረን ወርጺጸን ግን ዘድምዖ ነገር የሎን። ኣብ ነቐፌታን መልሰ-ነቐፌታን ክህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ምጽውዋር እሞ እንታይ መኻርን ተመካርን እዩ ተደልዩ፧ እዚ ክንብል ከሎና ግን ኣብ ነቐፍቲ ዘሎ ናይ ነቐፌታ ብቕዓትን ቅንዕናን ዘየሰክፍ ምዃኑ ምስ ንተኣማመን እዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ዝንቡዓት ነቐፍቲ ንሓደ ብሉጽ ስራሕ ባይታ ከም ዝዘብጥ ክንገብሮ ንኽእል፤ ሳላኦም ድማ ንሓደ ምህሙን ስራሕ ብጽቡቕ ስለዝተገምገመ ጥራይ ሰማይ ክንሰቕሎ ንኽእል። እቲ ናይ ምጽውዋር ሽግር ካብ’ዚ ዝብገስ ይመስለኒ – ብዙሕ ግዜ። ነቲ ሰብ ስለዝጸላእናዮ ውይ ስለዘይተበርሃና ጥራይ ስርሑ ንኽንቀትል ከይደቀስና ንሓድር እንተዄንና ንጽህና ዘለዎ ነቐፌታ ስለዘይኰነ ብዛዕባ ምጽውዋር ቅድሚ ምዝራብና ክፍታሕ ዘለዎ ሸግር ኣሎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ሞያዊ ብቕዓትን ንጽህናን ዘለዎ ነቐፌታን መልሰ-ነቐፌታን ምስ ኣፍረና ድሕሪኡ ምጽውዋር ዝብሃል ልምዲ፣ ዕማም ናይ ማንም ሰብ ይኸውን። ብዘተ ይፍታሕ ኢለ ግን ፍጽም ኣይኣምንን። በቃ።
*************************
• መኮነን ተስፋይ~
ሰላም ቦኽረ ንግጥምታትካ ካብ ቅድሚ 15 ዓመት’የ ዝፈልጦም ኣዚየ ድማ አድንቖም። ገጣማይ ኣብ ምረት’ዩ ዝውለድ ዝብል ብህሎ ኣሎ:: ኣካል ናይዚ ከርተት ክብል ዝተፈርደ ኤርትራዊ ወለዶ ከም ምዃንካ መጠን ኣብዚ ምረት እዚ ዝያዳ ሓያል ገጣማይ ኮይነ ዶ ትብል፧
* ቦኽረ~ ብልቢ ክብረት ይሃበለይ! ምናልባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናእሽቱ ለውጥታት ይህሉ ይኸውን’ምበር ‘ሓያል ገጣሚ’ ዝብል ስያመ ግን ኣዝዩ እዩ ዝኸብደኒ፣ ምኽንያቱ ንዕኡ ዝበቅዕ ግጥሚ ፈጺመ ኣይጸሓፍኩን። ሓንቲ ግጥሚ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩዋ ዝስማዓኒ ዘይዕጋበት ንሰብ ክነግረሉ ዘሕፍር እዩ። ኣብ ሞንጎ ’ታ ዝሓሰብካያን ዝጸሓፍካያን ግጥሚ ዘሎ ፍልልይ ምድርን ሰማይን እዩ። ንዝሃንደስካዮ ሓሳብ ብቛንቋ(ብቓላት) ኣብ ምግላጽ(ምውካል) ዘሎኒ ናይ ጥበብ ዕርቃን ንምግላጽ’የ።
“ገጣሚ ኣብ ምረት’ዩ ዝውለድ” ንዝብል ድማ……..እንድዒ…….ግን…..ከቢድ ሽግር ብዙሕ ከም ትሓስብ ክገብረካ ይኽእል ይኸውን። ብዛዕባኻን፤ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ርግኣት፣ ፍቕሪ፣ ስራሕ፣ ምንቅስቓስ፣ ሃገር፣ ናይ ምንባር መሰል፣ ድራር እለት፣ ዝስተ ማይ….ወዘተ ብዛዕባ ዝተነፍገ ህዝቢ ወይ ሕብረተ-ሰብን፤ ትሓስብን ትጭነቕን እንተዄንካ ግድን ኢኻ ብዓቕምኻ ገለ ክትዛረብን ክትጽሕፍን። ኣሎ ንዝብሎ ኵነት ካብ ምግላጽ ሓሊፈ፣ ንብሩህ መንገዲ ጩራ ዝህብ፣ ሓድሽ መንገዲ ዝህንድስ፣ መፍትሒ ዘቐምጥ፣ ምስ ዘሎ ሽግራት ተስፋኡን ሞራሉን ሓይሉን ፍናኑን ዘይጸንቀቐ ግጥሚ ከም ዘይጸሓፍኩ ርግጸኛ ብምዃነይ ኣብ ከርተት ንዘሎ ወለዶ ኤርትራዊ መንእሰይ ተጠቒመሉ ኣይብልን። ንሕዙን ዘላቕሱ’ምበር ዘጸናንዑን ዘበራትዑን ዳሱ ዝቕንጥጡን ግጥምታት ንምጽሓፍ ክሳብ ዘይበቓዕኩ ድማ ይትረፍ ብዛዕባ ነብሰይ ብዛዕባ ’ቲ “ሓያል ገጣሚ” ዝብል ሓፈሻዊ ስያመ’ኳ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ኣይደፍርን። ምኽንያቱ ዝበጻሕኩዎ መንገዲ ትሕቲ ጽላሎተይ፣ ተሪፉኒ ዘሎ ጉዕዞ ግን ኪንዮ ርሕቀት ከዋኽብቲ እዩ። ኣብ ግጥሚ ዝሕበነላን ኣዝያ ትገርመንን ሓንቲ ነገር ግን ተስፋ ዘይቈርጽ ምዃነይ ጥራይ እያ።
***********************
• ረዘነ ጻዕዳ ፈረስ ~
ቦኽረ ኣብ ግጥምታትካ ፍሉይ ኣድንቆት እዩ ዘለኒ ። ከም ሙኩር ገጣሚ መጠን ነቶም ጀመርቲ ገጠምቲ ቡሉጻት ግጥምታት መታን ክንጽሕፍ እንታይ ትምዕደና፧
* ቦኽረ~ ኣዝየ አመስግነካ! ናይ ግጥሚ ተማሃራይ እየ። መምህር ግን የብለይን – ክህልወኒ ውን ኣይደልን። ክምህር ’ሞኽኣ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ስነ-ግጥሚ፣ ተሞክሮ ምልውዋጥ (ብግጥምን ምስ ግጥሚ ብዝተኣሳሰሩ ስዲ-ጽሑፋትን) እምበር ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ስርዓት ኣይኣምንን። ተሞክሮ ምልውዋጥ ማለት ንርእሱ ትምህርቲ ስለዝዀነ ካልእ ሓንጀ-መንጂ ኣየድልን። ግጥሚ(ገጣሚ) ክዓቢ ዝኽእል ድማ ተሞክሮ ብምልውዋጥ እዩ – ብዝተፈላለየ መንገድታት። ስለ’ዚ ይሕመቕ ይጸብቕ በብዓቕምና ሞያዊ ተሞክሮ ሓድሕድ ክንለዋወጥ’ምበር ክንመዓዓድን ክንመሃሃርን የብልናን ንምባል’የ።
************************
• ፍቕረይ የማን ~
ሓንቲ ግጥሚ ንምስራሕ ነዊሕ ግዜ ከም ትወስድ ግጥምታትካ ይነግሩኒ እዮም። ኣብዚ ንውሓት ግዜ ሓሳብ ትልምኻ ኣይበታተኸካን ድዩ? ነቲ ግጥሚ ኸ ስጋኡ ዲኻ ትስእሎ ወይስ መንፈሱ ኣብ ውሽጥኻ? ሰሪሕካ ምስ ወዳእካ ከምቲ ዝሰኣልካዮ ዶ ይመጽእ? ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ነዊሕ ግዜ ምውሳድ ከ ንውህደት እታ ግጥሚ ኣይፈታተኖን ዶ፧
* ቦኽረ~ ነዊሕ ግዜ ተዋሂቡዎም ከም እተጻሕፉ ባዕላቶም ዝነግሩ ግጥምታት ጽሒፈ እንተ ዀይነ ዓጽምኻ ትኽበር – ክብረት ይሃበለይ። ብርግጽ ድማ ይጸብቑ ይሕመቑ ንነባቢ ዝግደፍ ፍርዲ ኰይኑ፣ ገሊኦም ሰሙናት ገሊኦም ውን ኣዋርሕ ዘህልኹኒ ግጥምታት ኣለዉ። ሰሙን ወይ ወርሒ ምሉእ ብዘይ ዕረፍቲ እሓስብን እጽሕፍን ማለት ግን ኣይኰነን። ግን እታ ዝተበገሰት ሓሳብ ሓደ ቅርጺ/ስእሊ ክሳብ ትሕዝ ኣብ ህልኽ እኣቱ። ድሕሪኡ ምጽሓፍ እጅምር። ኣብነት ክጠቕሰልካ፤ ካብ ሕማም ናብ ሕማም፣ ጣዕሳ፣ ንሳ’ኳ ዘላቶ፣ ድርብ ኵነኔ፣ ዝባን ሽፍትነት፣ ነዊሕ ምዕራፍ….. ዝብላ ግጥምታት ብዙሕ ኣድኪመናኒ።
ሓሳባት ኣይበታተኸካን ድዩ ንዝብል ሕቶ፤ ነቲ መበገሲ ሓሳብ ክትሃንጾ እዩ ጠንቂ ምንዋሕ ግዜ’መስለኒ። ቀልጢፉ ስለዘይዓኩኽን ኣብ ኣእምሮኻ ደልዲሉ ስለዘይረግጽን ይብተኸካ፣ ክትጽግኖ ካልእ ግዜ ትደሊ። እንተ ተጸጊኑ ግርም እንተ ኣብዩ ድማ ትጕሕፎ። ማለተይ መንገዲ ትቕይር። ዝሰማምዓልካ ተቐያሪ(ስፔር) ክሳብ ትረክብ ሓሳባት ክትቀያይር ትቕኒ። ሽዑ ወረቐትን ብርዕን ሃሰው ትብል። ብኸም’ዚ ክኸይድ እፍትን።
ስጋን መንፈስን፣ ብቓልን ሓሳብን እንተ ተርጒመየን ንፈላለ ኣይመስለንን። እምብኣር እቲ ኣቐዲመ ዝስእሎን ክሃንጾ ዝፍትንን ሓሳብ እዩ። ድሕሪኡ ነቲ ዝተሃንጸ ሓሳብ ዝውክሉ ቃላት ናብ ምስራዕ አምርሕ። ነዊሕ ግዜ ምውሳድ ንውህደት እታ ግጥሚ ብብዙሕ መንገዲ ክፈታተኖ ይኽእል እዩ – ብናተይ ንእሽቶይ ተሞክሮ። ብውሕዱ’ኳ ረሲኑ ዝተበገሰ ወኒ ዲና ንብሎ ሙድ(passion) ክዝሕለካን ክሞተካን ይኽእል። ብሓሳብ ደረጃ ጀሚርና ዘይወዳእናዮምን ብኡ ኣቢሎም ዝስወሩን ሓሳባውያን ግጥምታት ኣጋጢሞምና ይዀኑ። ዝሞተ ወይ ዝዘሓለ ወንና ናብ ንቡር ክሳብ ንመልሶ ድማ ካልእ ግዜ ክሓተና እዩ። ዋላ ዓመት ትውሰድ ብልዑል ተገዳስነትን ተምሳጥን ዝተሃንጸት ግጥሚ ግን ኣብ ውህደታ ንውሓት ግዜ ዘምጽኦ ዘዛርብ ሳዕቤን የሎን ኢለ’ኣምን።
**********************
• ዛራ ገጠምቲ~
ስለቲ ልዙብን ኣረዳእን መልስታትካ ኣዚና ኢና እነመስግን ገጣሚ ቦኽረ ፡ ኣብ መወዳእታ ካልእ ክትብሎ እትደሊ እንተድኣ ሃልዩ እቲ ዕድል ናባኻ ንገድፎ፡ ምስኡ ኣጠቓሊልካ ድማ ፡ሓንቲ ካባኻ ክንሰምዓ እንደሊ ውልቃዊ ርእይቶኻ ኣላ~ ፡በዚ ኣብዚ እዋን ተፈጢሩ ዝርከብ ዘርሎ ዕድላት ምዝርጋሕ ጽሑፋት ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ብሓፈሻ ኣብ ጉጅለ ዛራ ገጠምቲ ድማ ብፍላይ ተጠቒሞም ግጥምታቶም ናብ ግዱሳት ኣንበብቲ ዘብጽሑ ብዙሓት ጀመርትን ገዳይምን ጸሓፍቲ ንርእይ ኣሎና ፡ ንስኻ ካብ ትዕዝብትኻ ነቶም ገዳይምን ምኩራትን እዮም ዝብሃሉ ንጎኒ ገዲፍካ ፡ ኣብ ጀመርቲ ብምቱካር ፡ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዞም ኣለዉ እሞ ብዝሐየለ መልክዑ ክሰርሕሉን ክጽዕሩሉን ኣለዎም እትብሎም ገጠምቲ ፡ ንምትብባዕን ዘለውዋ ባይታ ንምርዳእ ሚዛን ንኽኾኖም ዝኣክል፡ እስኪ ገለ ገለ ኣስማቶም ብምጥቃስ ኣታባብዓልና ግጣማይ ቦኽረ፡ ናይቶም ፍሉጣት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ገና ዘይተፈለጡ ኣስማት እናጠቐስካ ምትብባዕ ውን ከም ልምዲ ክትኣታቶ ኣለዋ ዝብል ርድኢት ስለ ዘሎና ።
* ቦኽረ~ ኣብ መስርዕ ’ቶም ደርዘን ሕቶ ክሕተቱን ተሞክሮኦም ከካፍሉን ዝተሓርዩ ገጠምቲ ቦታ ስለዝተዋህበኒ ደጋጊመ አመስግን። ሓንቲ ክብላ ዝደሊ ድማ፤ እቶም ናብ ገጣሚ ክቐርቡ ዝሕረዩ ሕቶታት ብመጠኑ ቅርጡዋት ክዀኑ እምሕጸን። ሓፈሻዊ ሕቶ እንተ ድኣ ዀይኑ ሓፈሻዊ(ግምታዊ) መልሲ እዩ ክወሃቦ። ጽብብ ዝበለን ብቐጥታ ወይ ብቐረባ ነቲ ገጣሚ ዝምልከትን እንተዀይኑ ግን ነቲ ገጣሚ ካብ ዘይንጹር መልስን ምህውታትን የድሕኖ፤ ተኸታተልቲ ድማ ጭቡጥ/ቅርጡው መልሲ ክረኽቡን ዘዕግብ ተሞክሮ ክቐስሙን ሓጋዚ ኰይኑ ይስማዓኒ። ንኣብነት (እዛ ርእይቶ ውን ንርእሳ ንጽርቲ ክትከውን መታን) ንዓይ ካብ ዝተሓተቱ ሕቶታት ብተዛማዲ ቅድመይ ኣብ ዝተሓተቱ ክልተ ገጠምቲ ከምኡ ዓይነት ተርእዮ ዘስተብሃልኩ ይመስለኒ (ምስ ነብሰይን ንዓይ ምስ ዝሓተቱ ሰባትን ድኣ ጸግዒ ይሕዝ ከይህሉ’ምበር (እውይ ኣነስ ክደፍር…..!))
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሓፈሻ ኣብ ዛራ ግን ብፍላይ ዝፈለጥኩዎም ብዙሓት ናእሽቱ ገጠምቲ ኣለዉ። ምናልባት ግን ኣነ ሕጂ ስለዝፈለጥኩዎም ጥራይ ናእሽቱ ዘይክዀኑ ይኽእሉ። ዋላ ድኹም ይኹን ኣብ ግጥምታቶም ዓቕሞምን ተኽእሎታቶምን ተረዲአ ድማ ንግጥምታቶም ወተሩ እነቦን አስተማቕሮን። ነዛ ሕቶ እናመለስኩ ኣብ ቀረባ ተዘክሮይ ዝጸንሑ ውሑዳት ንምጥቃስ፤ ካልድ ኣልኣሚን፣ ገሬ ሃብቶም፣ ሜሮን ዓጽመገርግሽ፣ ሙሴ ብርሃነ፣ ባሕሪ ሓድጉ፣ ፍሻለ ተስፋይ፣ ሽሻይ(ሲስ ማሳዋ)፣ ሽሻይ ሹመንዲ፣ ሃብተስላሰ(ኣዝማሪኖ ሆፕ)፣ ሩማና ብርሃኑ፣ ማይኮ ተኽለ፣ ስምረት ኣማረ፣ ሙኒር ሰዲግ፣ ወዲ ጉልጉላ፣ ክብሮም ደሞዝን ካልኦት ንግዚኡ ዘይዘከርኩዎምን፤ ኣጆኹም ሓድሕድ ተሞክሮ ብምልውዋጥን ብምፍቓርን ብምጽሓፍን ኣብ ህንጸት ስነ-ጽሑፍን ስነ-ግጥምን ንእሽቶይ እምኒ ደርቢና ክንከይድ ንፈትን ክብል እደሊ። የቐንየለይ!!
*******************************
ንሕና ውን ኣዚና ነመስግ
ዛራ~ገጠምቲን
07~2015