ማይኮ ተኽለ
ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ ብመጀመርታ ነዚ ቃል መሕተት ፍቃደኛ ብሙዃንካ ኣዚና ነመስግን ። ብምቕጸል ፡ንጽንኩር ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ጒዕዞ ሰደትን ሰጊርካ እንቋዕ ብሰላም ናብ ረጊኤሉ ትብሎ ቦታ ብሰላም ኣተኻ ። ብምቕጻል ምስ ነብስኻን ድሕሪ ባይታኻ ኣብ ስነጥበብ ብፍላይ ድማ ኣብ ግጥሚ ኣስፊሕካ ኣዋግዓና።
*ጸጋይ(ተመርዖ)~
ፈለማ ኣሜን ንሰናይ ምንዮትኩም። ዘልኣለማዊ ክብሪ ድማ ነዚ ዘብቃዓኒ ልዑል ፈጣሪ። ነዚ ኣብ ውቅያኖስ ስነ- ጽሕፍ ክንዲ ንጣብ ዘይኣክል ተመኩሮይ ምስ ቤተሰብ ስነ-ጥበብ ክካፈሎ መደብ ዝሰራዕኩም እዳልውቲ ድማ ናይ ጥበብ ምስጋና ይግብኣኩም’ዩ። ኣብ ለካቲት 1986’የ ጸሓይ ናይዛ እንነብረላ ዘለና ፕላኔት ርእየ። ምስታ ባናኣ ጥራይ ዝረኣየኒ ዝንበረ ጸሓይ ስነ ጥበብ ድማ ኣብ ፈለማ 2003 ተረኣኢና። በቲ ባናኣ ተሓጊዘ ጌና ኣብ ተመሃራይ መባእታ ከለኹ ብቅርጺ ግጥሚ ግጥሚ መሰል ይጽሕፍ ኔረ። ቅድሚ ፊደል ምቑጻረይ ኣደይ እትነግረኒ ዝነበረት ጽዉጽዋያት’ዉን ኣብዚ ዓቢ ተራ ኔርዎም። ኣብ መጻሕፍቲ መባእታ ዝነበሩ ዛንታታትን ግጥምታትን (ከም ግጥሚ‘ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና’) ፈታዊ ዛንታን ግጥምን ክኸዉን ጽልዋ ኔርዎም። ናይ መዝሙር ግጥምታት’ውን ከምኡ።እዚ ኩሉ ኣብ ውሽጠ እንከሎ ፍቓድ ኣምላክ ኮይኑ ፣መገዲ ሂወት ካብ ኣስመራ ናብ ሰገነይቲ ወሰደኒ’ሞ ምስታ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዋ ጸሓይ ስነጥበብ ተራኸብኩ። ኣብ ፈለማ 2003 ነቲ ግጥሚ መሰል ጽሑፋተይ ዘንብብ ዝነበረ ኣሮን ዝብሃል ዓርከይ ናይ ሰለስተ ወርሒ ስልጠና ስነ ጽሑፍ ብሓደ ግዱስ መምህር ክዋሃብ ምዃኑ ንዓይ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይንገረኒ’ሞ ተታሒዛና ከድና።ኮነ ድማ ነቲ እምነ ኩርናዕ ግጥሚ ኣብ ዉሽጠይ ዘቐመጠ መምህር መኮነን ተስፋይ ተላለኹዎ። ሞኬ ንልዕሊ ሰላሳ ናይ ስነ ጽሕፍ ዝምባለ ዘለና ሰባት ንሰለሰተ ወርሒ ዝኸደ መሰረታውን ተዘካርን ስልጠና ስነ ግጥሚ ኣቕሰመና። ነዚ ድማ ሞኬ ኣከዳምያዊ ትምህርት ክምህር ስለዝዉዕል ካብ ሽድሽተ ክሳብ ትሽዓተ ናይ ምሽት ንምሃሮ ነበርና።ባእታት ግጥሚ፣ቀመማት ግጥሚን ስርዓተ ነጥብን ዘማእከለ ምቁር ስልጠና ነበረ። ኪኖ’ዚ ግን ትውፊት ኣብ ስነጥበብን ፍቕሪ ሓድሕድን የርእየና ነበረ – ሞኬ።ከም መምሃሪ ዝጥቀመሎ ዝንበረ ግጥምታት በየነ ሃይለማርያም፣ መምህር ተኽለ ተኸስተ፣ መለስ ንጉሰ፣ ግርማይ ኣብራሃም፣ተስፊት ዮሃንስን ካልኦትን ክሳብ ሕጂ ዝበዝሑ ብቃለይ ይወጾም ኣለኹ። መድረኽ ኣብኡን ሽዑን ደፈርኩዎ። ግጥምታት ጽሒፍካ ምምጻኣን ሓድሕድ ምንቕቓፍን ኣካል’ቲ ስልጠና ስለዝነበረ ፣ ንምስትምቓር ዝበቕዑ ግጥምታት ክንጽሕፍ ጀመርና። ንምትብባዕና ድማ ገለ ግጥምታት ናብ ጋዜጣ ክልእከልና ጀመረ ሞኬ። ሓደ ምሽት እዚኣ ህያብ’ያ ኢሉ ጋዜጣ ሂቡኒ። ከፊተያ። ‘እንታይ ድኣ ትበኽያ’ ትብል ግጥመይ ኣብ ዓምዲ ካብዝን ካብትን ተሓቲማ ጸንሓትኒ። ሓጎሰይ ምቁጽጻር ሰእንኩዎ። ንጽባሒቱ ሓሙሽተ ጋዜጣ ዓደኩ። ንፈተውተይ ድማ ዓደልኩዎ። ብድሕሪ’ዚ ኣብታ ሓንቲ ካብ መእድታት ስነ ጽሑፍ ዝነበረት ዳዕሮ ስነ ስነጥበብ ሰገነይቲ ክስታፍ ጀሚረ። ኣብ ገለ ዉድድራት ዉን ክዕወት ጀመርኩ። ነዚ ሒዘ ድማ ናብ ሳዋ ወርደኩ። ኣብ ሳዋ ናይ ምንባብ ሸውሃተይ ኣዝዩ ተኸፍተ ‘ሞ ምስ መጻሕፍቲ ተዓራረኽኩ። ግጥምታት ምጽሓፍ ድማ ካብ ዝኾነ ካልእ ክረኽቦ ዘይክእል ውሽጣዊ ሓጎስ ክፈጥረለይ ጀመረ። እቲ ሂወት’ውን ግጥሚ ንክጽሕፍ ጥረ ነገር ይኾነኒ ነበረ። መገዲ ሂወት ካብ ሳዋ ናብ ኣስመራ ኣመጽኣኒ’ሞ ግጥምታተይ ኣብ ጋዜጣ፣ራድዮን ተለቭዥንን ክቃልሑ ዕድል ረኸብኩ። ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስነ ጽሑፍ ኣፍልጦይ ዘዕቢ ኣስተምህሮታት ድማ ተሳተፍኩ። ምስ ብማዕዶ ዘድንቖም ዝነበርኩ ስነጥበባውያን ብእካል ተራኺበ ከዕልል ስለዝጀመርኩ ፉሉይ ባህታን ወኒ ምጽሓፍን ፈጥረለይ። እቲ ዕላል ንባዕሉ ኣዝዩ ኣነቓቓሒ ስለዝኾነ ንኽትጽሕፍ ይድርኸካ’ዩ።ኣብ ማሕበር ቀይሕመስቀል ድሒራ ‘ፒዛ ድራማ ግሩፕ’ ዝተሰሜት ናይ ስነ ጽሕፍ ማሕበር መስረትና’ሞ ዳሓን ዝኽኑ ናይ መድረክ ድራማ፣ሓጸርቲ ዛንታትን ግጥምታትን ክንሰርሕን ክንጽሕፍን ጀመርና። ንሓዋሩ ክርስዖ ዘይክእል ናይ ስነጥበብ ጉዕዞ ድማ ኣሕለፍና።ጎኒጎኒ’ዚ ኣብ 2007 ድማ ሳሙኤል መንግስተኣብ ከም ናይ ድራማ መምህር ብመለስ ንጉሰ፣ግርማይ ኣብራሃም፣ በረኸት ጸጋይ፣ኢሳቅ ኣብርሃምን ዓብደልቃድር ኣሕመድን ንሰለስተ ወርሒ ዝኸደ ናይ ግጥሚ፣ ሓጺርዛንታ፣ናይ ሬድዮ ድራማን ኣጸሓሕፋ ዓንቀጽን ስልጠና ተዋህበና። ካብዚ ድማ ‘ ኣዱላይት’ እትብሃል ናይ ስነ ጽሑፍ ማሕበር መስረትና።ኣብዚ መምህር በረኸት ጸጋይ ፍጹም ዘይርሳዕ ተራ ኔርዎ። ካብቲ ዝገርመንን ኣብ ናይ ስነ ጥበብ ሂወተይ ድማ ዉፉይ ክኸውን ዝድርኸንን ክሳብ ዚ ዘዕልለኩም ዘለኹ ስልጠና ዝሃቡና ምምህራን ብዘይወለሓደ ክፍሊት ምንባሩ’ዩ።ኣብዚ ምቁር ሂወተ-ጥበብ እንከለና ድማ ግጥሚ ከም መስቀል ንሽይጣን ዘፍርሖም ኣካላት ምስ ናይ ስነ ጽሑፍ መምህራነይን ካልኦትን ሓዊሶም ለካቲት 2009 ኣብ ሽላታት ማይስርዋ ዳጎኑና። ግጥሚ ግን ኣብኡ ሓሊፉ ድሕሪ ምጽናሕ ተቐበለኒ።ኣብኡ ድማ ዕምቆት ብዘለዎ ግጥም ምስ ሂወትን ግጥምን ተጋጠምኩ። እዚ ግጥም’ዚ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ቀጽልኩዎ። ሕጂ ድማ እንሆ ኣምላኽ ፈቒድዎ ምሳኹም የውግዕ ኣለኹ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ጡዑመዝጊ ተስፋይ ~
ኣብ እትገጥመሉ እዋን፡ ቃልን ስምዒትን ብኸመይ ተራኽቦም?
ኣብ ግጥሚ – ቃላት፡ ንጽህናን (innocence) ስምዒትን እንክዋሰቡ ይሳነዩዶ፧ እዚኣቶም እንተ ዘይተሳንዮምከ “ግጥሚ ኣሎ” ክንብል ንኽእልዶ፧
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ጥዑምዝጊ ከምዚ ናትካ ምልከት ቋንቋ ትግርኛ እንተዝህልወንስ ክንደይኮን ነዛ ሕቶኻ ኣዕሚቘ ምግለጽኩልካ። ብዝኾነ ንዓይ ቃላት ኣብ ግጥሚ ከም ሕብርታት ንቀባኢ እዮም። ነቲ ኣብ ስእለ-ኣእምሮይ ዝቐርጾ ተምሳጠይ ድማ ብግብሪ ኣብ ወረቐት ይስእለሎም።ብዝተኻእለኒ መጠን ነቲ ኣብ ስእለ ኣእምሮይ ዘሎ ስእለ-ሓሳብ ዝስእሉለይ ቃላት ክጥቀም ይጽዕር’የ።ዝበዝሕ ግዜ ግን እቲ ስእሊ ስእለ ኣምሮይ ኣብ ግብሪ ይስእኖ’ሞ ድኽመት ምልከት ቋንቋይ ይረኣየኒ።ሓደ ሓደ እዋን ድማ ኣንበብቲ ንግጥመይ እንታይ ትብል ከምዘላ ይሓቱኒ’ሞ ኣቲ ኣብ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ከምዘይበልኩዎ ይበርሃለይ።ኣብዚ’ዩ ድማ ምልከት ቋንቋ ኣብ ስነ ግጥሚ ተካኢ ዘይብሉ ብቕዓት ምዃኑ ዝረአ። ከምቲ ናይ ምምራጽን ምዉህሃድን ሕብርታት ብቕዓት ዘይብሉ ቀባኢ ዝፈሰሰ’ምበር ዘይተወሃሃደ ሕብርታት ኣብ ቅብኣኡ ዝረአ ፣ኣብ ግጥሚ ድማ ዝፈሰሱ ቃላት ኣብ ግጥመይ ይጸንሑኒ’ሞ ኣብቲ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ቋንቋ ዘለኒ ኣፍልጦ ከዕቢ ናብ ብሉጻት ፍርያት ስነጽሑፍ ምንባብ ይጎዪ። ‘’ታሪኽ ሂወት ገጣሚ ኣብ ግጥሙ ኢካ እትረኽቦ እቲ ካልእ መወሰኽታ’ዩ’’ ዝብል ኣዘራርባ እዚ ቃላት፣ንጽህናን ስምዒትን ኢልካዮ ዘለኻ ምስ ዝውሃሃድ’ዩ ሓቂ ክኸዉን ዝኽእል። ግጥሚ ናይ ስምዒት’ዩ ። ጥልቀት ዘለዎ ስምዒት ። ንጽህና ብግርህና እንድሕር ሃንዝየዮ ነዚ ጥለቀት ዘለዎ ስምዒት ከይሓባእካ ኣብ ግጥሚ ምስናድ’ዩ። ነዚ ሰነድ ኩውን ዝገብሩ ድማ ቃላት’ዮም። ስለዚ እቲ ናይ ባሓቂ ታሪኽ ሂወት ገጣሚ ክስንድ ዝኽእል ግጥሚ ብዉህደት እዞም ዝጠቐስካዮም ዝፍጠር ግጥሚ’ዩ።ሮቦርት ፍሮስት ዉን ‘’ግጥሚ ፣ ስምዒት ንሕሳባት፣ሓሳባት ድማ ንቃላት ክረኽቦ እንከሎ’ዩ ዝፍጠር ኢሉ ኔሩ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ኣርሞን ወዲ ቢሮ~
ስነ-ጥበብ ክትበጽሖ እትኽእል ጫፍ ኣለዎ ዶ ፧ብርድኢትካ ፡እንተድኣ ስነ~ጥበብ ክብጻሕ ዝክኣል ጫፍ ሃልይዎ ፡ እንታይን ከመይን’ዩ ፧ ኣይፋል እንተኾይኑ ድማ ስለምንታይ ዳኣ መዐቀኒ ጫፍ ጌርና እዚኣ ዝጸበቐት እዚኣ ድማ ዝሓመቐት እናበልና ግጥሚ ካብ ግጥሚ ብምውድዳር ልዕልትን ትሕትን ክንብል ንፍትን፧ የቐንየለይ !
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ኣብ ፈተና ኣእቲኻኒ ኣርሞን ነብሲ። ብዝኾነ ግን ስነ ጥበብ ንዓይ ኣድማስ’ዩ። ክመቲ ኣብዚ ብምድራዊ ሓይሊ ወይ ኣኣምሮ ዘይዕቀን ኣድማስ ተዘርጊሖም ዘለዉ ኣካላት እንገብሮ ምውድዳር፣ንኣብነት ኮኾብ ዉን ካብ ኮኾብ ይበልጽ’ዩ ከምዝተባህለ ኣብዞም ኣብዚ ኣድማስ ዝኾነ ስነ ጥበብ ተዘርጊሖም ዘለዉ ስርሓት ድማ በዚ መልክዕ ኢና እነወዳድር። ወይ ድማ ብኽመዚ ክግለጸልካ ፣ ስነ ጥበብ ከም ዉቅያኖስ ንውሰዶ’ሞ። ግጥምታት ፣ ዛንታታት፣ድራማታት፣ደርፍታት፣ቅባታትን ቅርጻታትን ድማ ከም ኣብቲ ውቅያኖስ ተዘርጊሖም ዘለዉ ዓበይትን ንእሽቱን ደሴታት። ከምቲ እቶም ደሴታት ብዘለዎም ጸጋታት እንወዳድሮም ፣ማለት እታ ደሴት ካብታ ደሴት ትበልጽ እንብል እዛ ግጥሚ ካብዛ ግጥሚ ትበልጽ ብምባል ድማ ነወዳድር። ኣካላት ኣድማስ’ምበር ኣድማስ መወዳእታ ጫፍ የብሉን። ስነጥበብ ድማ ከምኡ።ርድኢተይ ተረዲእኽእለይ ትኸውን’ምበር ሕጅስ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ጆሲ ወዲ ወርቀ~~
ንደርፊ ዝኸውን ሕደማ ሓዲምካ ትፈልጥ’ዶ፧ እንተ ሓዲምካ ኮይንካ ንመን ሓዲምካሉ ወይ ሓዲምካላ፧ ኣብ ሞንጎ ሕደማን ተነባቢ ግጥምን ዘሎ ፍልልይ ድማ ገለ ከተብርሃልና ፡ የቐንየለይ !
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ኣብ ፈለማ 2006 ሕደማ ክፍትን ጀሚረ።ኣብ ቀይሕመስቀል ንዝንበሩ ተስፋ ዝነበሮም ደረፍቲ። ሓንቲ ካብኣቶም ሕጂ ዳሓን ሰጊማ ዘላ ሄለን ጸጋይ።ጸኒሐ ምስ ፍጹም በራኺ ውን ሰሪሐ። ኣብዚ እዋን ድማ ናብ ሰማዒ ክዝርጋሕ ኣብ ምድላው ምስ ዘለው መንእሰያት ክብሮም፣ተመስገን መዓርግ ምስዝብሃሉ ሰሪሐ’ለኹ። ኣብ መንጎ ተነባቢ ግጥምን ሕደማን ዘሎ ፍልልይ ብዙሕኳ እንተኾነ ዉሑድ ንምጥቃስ ግን፣ ርእይ ምስ ኣበልካዮም ናይ ቅርጺ ፍልልይ ኣለዎም። ኣብ ዝጸርዎም ቃላት’ዉን ፍልልይ ኣሎ። ሕደማ ምስ ሜሎዲ ዝሰማሞዑ፣ልስሉሳትን ዘይተሓላለኹን ሓረጋት’ዩ ዝጥቀም። ኣብ ተነባቢ ግጥሚ ሓደ መስመር ዛንታ ኣበጊስካ ጨናፍር ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሕደማ ግን ሓንቲ ትኽ ኢላ እትኸይድ መስመር ዛንታ’ያ ።ሕደማ ብዜማ ምልኣቱ ዝጽበ ክኸዉን እንከሎ ተነባቢ ግጥሚ ግን ከም ዘለዎ ብረቂቕ ዜማኣኡ ምሉእ ‘ዩ። ሕደማ ሓንሳብ ሰሚዕካዮ ዝርድኣካ ክኸውን እንከሎ ተነባቢ ግጥሚ ግን ደጋጊምካ ከትንብቦን ከተስተማቅሮን ኣለካ። ዝተረፈስ ባዕልኻ መላኣዮ ጆሲ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ዛራ ገጠምቲ~
ኣብ ቤ/ማእሰርቲ ከለኻ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ሸውሃትካ ከመይ ነይሩ፧ ብፉሉይ፡ ግጥሚ ጽሒፈስ ንሂወተይ ዝፈታትን ኣጋጣሚ ተኸሲቱ ትብሎ መዓልቲ ኣሎዶ፡ ካልእ ኣብቲ ህሞት እቲ እንከለኻ እትጽሕፎም ዝነበርካ ጽሑፋት ፡ ንስለ ስምዒት ዶ ዋላስ እቲ ሃዋህው ታሪኽ ኮይኑ ክስነድ ይግበኦ’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረካ ኢኻ እትጽሕፍ ኔርካ ፧
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ብቃላት ከቕምጦ ይከብደኒ’ዩ። ኣብተን ናይ ፈለማ ኣዋርሕ ዝንበብ ስለዘይተፈቕደና፣ ክቱር ሸውሃት ምንባብ ዝፈጠሮ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ዝረኸብኩዎ ቁርጽራጽ ጋዜጣታት ሓጺበ ኣንቂጸ የንብቦ ኔረ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ፋዱስ ናይ ቀትሪ እቲ ሸላታት ጸት ስለዝብል ጽምዋ ስቕታ ፈጢሩ ምስ ውሽጥኻ ስለዘዛርበካ ዝንበብ ትደሊ። ኣብ ሂወት እቲ ዝከበደ ምስ ነብስኻ ምዕላል’ዩ ንዓይ። ኣብቲ ህሞት’ቲ ክልተ ጫፋት ሕልፉካ’ዮም ብረቂቅ ዝጸፍዑኻ። ክትሰርሖም ዝነበረካ’ሞ ዘይሰራሕካዮም፣ ክትሰርሖም ዘይነበረካ’ሞ ዝሰራሕካዮም፣ ፍጻሜታት እናተቓባበሉ ረቂቓን ማዕበል ኮይኖም ናብዝን ናብትን የላትሙኻ። ሽዑ’የ ድማ ካብዚ ዘውጻኒ መጽሓፍ ዝደሊ ዝነበርኩ ። ኣይረኸብኩን። ግጥምታተትይን ግጥምታት ዘድንቆም ገጠምትን ግን ኣካለይ ጌረ ሽምዲደዮም ስለዝነበርኩ በይነይ ኣቕራብን ሰማዕን ብምዃን ናይ ስነ ጽሑፍ መደብ የካይድ። ኣብታ ሸላይ። ብኸምዚ ድማ ክሳብ መጽሓፍ ዝፍቀደኒ ተጓዝኩ። ከም ቆሎ መሸላ፣ ኣርማድዮና፣ ርቀትካ ዕጣን፣ ሰብ ምዃን ግደፎ፣እቲ ዘርዓይ፣ናበይ ኢኻ ኣይትበሉኒ፣ናብ ዓርከተይ፣ማመት፣ዘርእስቶም ግጥምታት ዓው ኢለ ብቃለይ ይወጾም’ሞ ነታ ሸላይ ናብ ኣደራሽ ግጥሚ ይቕይራ ነበርኩ። እዚ ምሽታዊ ስሩዕ መደበይ’ዩ። ፋዱስ ድማ ኣብቲ ተባላዒ ጽምዋ ዝነግሶ ህሞት። ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ሕክምና ስለዝመጻኹ ኣብ ገዛይ ዝነበረ መጻሕፍተይ ብምላኡን ካልእ ሓደስቲ ብምውሳኽን ስንቂ ኣኣምሮይ ተስኪመ ናብ ሸላይ ተመልስኩ። ጾመ ልጓም ምንባብ ድማ ተፈትሐ። ኣብቲ ቦታ’ትን ኣብቲግዜ’ትን ክገብሮ ዝኽእል ምንባብ ምጽሕፋን’ዩ።’ክትወጽእ ምዃንካ እመን፣ ካብዚ እንታይ ሒዘ ይወጽእ ኢልካ ጥራይ ሕሰብ ’ኢሉኒ ኔሩ ሓደ ሰብ ኣብ ሳልስቲ ምእሳረይ።እዚኣ ተስፋ እትስተንፍስ ሂወት ዘለዋ ቃል ነበረት ንዓይ። ምንባብ ድሮ ተፈቒዱ ነበረ።ብፍሉይ ዝዝክሮም መጻሕፍቲ በየነ ሃይለ፣ ሶፍያ፣ THE ALCHEMST፣MAN’SERCHING FOR MEANING፣HEROS OF MY TIME፣ ናይ እንግሊዘኛ እኩብ ግጥምታት፣ ብበየነ ሃይለ ዝተተርጎሙ ግጥምታት ፑሽኪን ፣እኩብ ሓጸርቲ ዛንታታ ዝሓዘ መጻሕፍቲ፣ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ከንብብ ጀመርኩ።ብዓቢኡ ድማ እቲ ርእሲ መጻሕፍቲ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብኡ ኣንበብኩዎ። ምሩጽ መጻሕፍቲ ዳኣ ኣይነበሮን’መበር ድሕሪ ክልተ ዓመትስ ቤተ መጻህፍቲ’ውን ተከፍተልና።ነዊሕ ከይቀጸለ ግን ተዓጸወ። ምጽሓፍ ግን ሓራም ነበረ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅደመይ ኣቐዲመ ግን ሰሙን ድሕሪ ምእሳረይ ጀሚረ ይጽሕፍ ነበርኩ። ዕለታዊ ዝኽርን ግጥምታትን። ንሓጸርቲ ዛንታታ ዝኾኑ ትልምታት ድማ። ናይ ሸላይ ሂወት ከምዘለዎ ጥበብ ብዝተሓወሶ መገዲ ክስንዶ ‘የ ዝጽሕፍ ኔረ። ኣብቲ ሸላ ፒሮን ወረቐትን ልዕሊ ሓሽሽ ስለዝፍርሑ ኩሉ ግዜ ኣብ ፈተናኳ እንተኮና ካብ ምጽሓፍ ግን ኣብኲረ ኣይፈልጥን። ኩሉ ጊዘ ድማ ፈተና ኣሎ። ኣምላክ ግን ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኣይፈልጥን። ብፍሉይ ግን ሓደ መዓልቲ ናይ ፒሮ ጽሑፍ ዘለዎን ብመርፍእ ዝተስፍየን ጋዜጣ ምስ ጎርቤተይ ብሕቡእ ክንውሃሃብ ስለዝረኸበና ዋርድያ( ምስ ጎርቤትካ ዝኾነ ንብረት ምልውዋጥን ምዝራብን ሰለዘይፍቀድ)ሰልሰተ ወተሃደራት ናብ ሸላይ ብምእትው መርፍእን ፒሮን ከረክቦም ሓተቱኒ። ኣነ ድም ከምዘይበለይ መለስኩ። እቲ ኣብቲ ጋዜጣ ዝነበረ ናይ ፒሮ ጽሕፍን እቲ ስፋይን ድማ ኣብ ገዛ ቅድሚ ምእሳረይ ዝነበረ ምዃኑ ኣመክነኹ። ግዜ ከይቀተልኩን ነብሰይ ከይሕሰምኩን ከረከቦም ደጋጊሞም ሓተቱ። ኣብ ቃለይ ጸናዕኩ። ሓላፊ ነታ ሸላ ‘ከምቲ ዘየለ’ ጌሮም ክፍትሽዋ ኣዘዘ። ወተሃደራት ሸላይ ዝርግርግ ኣእትዉላ። ኣብቲ ሰዓት’ቲ ኣብ ሓንቲ ዘይትሕጸብ ቦርሳይ ልዕሊ ኣርብዓ ግጥምታትን ብርክት ዝበለ ጽሑፍ ዕለታዊ ዝኽርን ተሓቢኡ ነበረ። ክልተ ምሉእ ፒሮ ድማ ምስኡ። መርፍእን ፒሮን እናደለዩ እዚ ኩሉ እንተተረኺቡ ሂወተይ ከባላሹ ዝኽእል ጽሑፋት ኣብኡ ነበረ። ንሳቶም ሸላይ ፋሕጭንግራሕ ከእትዉላ ኣነ ኣብ ጸሎት ቆይመ ነበርኩ። ክብል ክብል እቲ ሓላፊ ነታ ኩሉ ዘለዋ ዘይትሕጸብ ቦርሳይ ኣልዓላ። ገማጢሉ ጠመታ። ኣምላክ ምስትውዓሉ ደፊንዎም’ምበረ ነቲ ፒሮታት ይሕዞ’ዩ ኔሩ።ነቲ ኣብ ሶፍት ወይ ወርቐት ዓይኒ ምድሪ ዝተጻሕፈ ግጥምታትን ዕለታዊ ዝኽርን ዉን ከምኡ። ልበይ ህርመታ ዛየደ። ሂወተይን ሂወት ካላኦትን ዩ ኣብኡ ዘሎ።ጸሎተይ ቀጸልኩ፣ሃንደበት ነታ ዘይትሕጸብ ቦርሳይ ደርበያ።ዘይተሓስበ ላማ ረኺቦም ድማ ወጽኡ። ናብ ሓይሊ ድማ ኣተዉ። ኣኣዳወይ ፌሮ ኣሲሮም፣ ኣብ ማእከል ኣእጋረይ ዕንጨይቲ ገበሩለይ። ኣምጻኣዮ ካብቲ ዝሓባእካዮ ገዓሩ። ኣብ ጸሎተይ ጸናዕኩ። ተዓወትኩ ድማ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ሙሉኣለም ገብረዝጋብሄር~
ክቡር ሓው ጸጋይ መሓሪ ፡ ትሕተ-ስሚዒትን ክንዮ -ግብኣትን ንዘሎ ርቀት ኣላፊኑ ምስ ተተርጐመልና ዲና ግጥሚ ተሰሪሑ ክንብል ንኽእል፡ ወይስ ንቀልብን ምንቅስቓስን ኣዋሃሂዱ ምስ ኣርኣየና ኢና ጽባቐ ኣሎ ንብል፧
ብኻልእ ኣባሃህላስ፡ ግጥሚ ትርጒም ድዩ ወይስ ጽባቐ? ክልቲኡ’ዩ ከም ዘይትብለኒ እምንቶይ’ዩ።
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ሓው ምሉእኣለም ሕቶኻ ሰፊሕን ዓሚቕ ትንተናን ዝደሊ’ኳ እንተኾነ፣ ቅልል ብዝበለን ሓጺርን ግን ግጥሚ ጽባቐ’ዩ ንዓይ። ወይ ዉን ኣብ ጽባቐ’ዩ ዝግደስ። ግጥሚ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኢሉ ካብ ጎደና ጽባቐ ኣይእለን’ዩ።ስለዚ’ዩ ድማ እንታይ ይብል ዘይኮነስ ብከመይ ይብሎ ዘገድሶ። ንመልእኽቲ ሓደ ፍጻሜ ዘይኮነስ ንስምዒት ‘ቲ ፍጻሜ’ዩ ብጽባቐ ዝትርኽ። ስለዝኾነ’ዩ ድማ ክንሰብኽ ወይ ክንምህር ኢልና እንጽሕፎም ግጥምታት ጽባቐ ዝዓረቑ ኮይኖም ዝውለዱ።ኣንባቢ ዉን ክትምህር ኢልካ ከምዝገጠምካዮም ይፈልጠካ ሞ ዘይክደኖም።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ኤልዳና ተስፋማርያም~
ኣዳለውቲ’ዛ መደብ ፡ብዓቢኡ ድማ ዛራ ገጠምቲ፡ንተመርዖ ብግጥሙ እምበር ብኣካል ኣይፈልጦን፣ ኣብ ኮለጅ ከለኹ ግን ገለ ካብ የዕርኹቱን ደቕዝሩን ብዛዕብኡ ከዕልሉ ይሰምዕ ነይረ። በኣካል እንተተረፈኒ፣ ሎሚ ብ መርበብ ገዛ ዛራውያን ክንራኸብ ምኽኣልና ግን ነዓይ ግሩም ግምጃ ጥበብ እዩ እሞ የቐነለይ። ናብ ሕቶይ ከኣቱ።
ሕቶይ ብፉሉይ ናብ ሓንቲ ካብ ግጥምታትካ ኣተኩሮ ዝገበረት እያ “ሳርማታት ኣደይ” ትብል ። ደስ ተብል ግጥሚ እያ። ንመንብሮ ናብራን ኣዴታትና እተርኢ ኮይና፣ ነቲ ናተን ሃለኽለኽን ድኻምን እናገለጸት ነቲ ጥበባዊ ስርሐን ከኣ ምስ ሓዊ ፈፍርቂ ይማቐልኦ ብምኳነን ሕዛነት ድኻመን ዝተሰምዓካ ይመስል፣ ብዘይካ እዚ እውን እታ ግጥሚ ብውክልና (allegory) ዝተኣልመት እውን እያ። ኣብነት ኣደ ከም ፈጣሪት/ተፈጥሮ፣ ወይ ህይወት፣ እቲ ሳርማታት ከኣ ተፈጣሪ ሰብ ብፍላይ መንእሰይ ይመስል። እቲ ሓዊ ከኣ መከራ ከርተን ቤት መኣሰርቲ፣ ዘይተጸንዐ ታዕሊም ወዘተ እዩ ዘምስል እሞ፣ ብዛዕባ እዛ ግጥሚ ብዕምቆት ዶ ክት’ትንትነልና ፧ የቐንየለይ ።
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ኢልዳና ብውሑድ ዓቐን ንንብሰይ ይፈልጣ ግዲ ኮይነስ እዚ ናእዳኺ ኣነ ኣይበቕዖን’የ። ስለ ብግዳሰ ንግጥምታተይ ኣንቢብኪ ክንድዚ ምስትምቓር ምሓዝኪን ምትብባዕክን ግን ኣነ ዉን የቐንየለይ። ነዛ ጠቒስክያ ዘለኺ ግጥሚ ግን ከምዚ ማለት’ያ ብምባል ከጽብባ ኣይደለን። ከምዚ ንስኺ በጺሕክዮ ዘለኺ ውልቃዊ ምስትምቓርኪ ካልእ ኣንባቢ ድማ በብርድኢቱ ክርድኣ ክፉት ክገድፎ ይመርጽ።ግጥሚ ንዓይ ጸሓይ’ዩ። ትርጉማቱ ድማ ከም ጩራታት ጸሓይ ። ኣብ ግዜ ህጻንንተይ ኣደይ እትሰርሖም ዝነበርት ናይ ጭቃ ሳርማታትን፣ ንዓይ ሓዊሰ ብዙሓት ብሓዊ ሂወት ዝተረሩን ዝተሰባበሩን ‘’ሳርማታት’’ መበገሲ እዛ ግጥሚ ምዃኖም ግን ኣቲ ዝረአ ዘሎ’ዩ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ናቱወለላ መርባብ ሓበረታ~
ሰላም ጸጋይ ፡ ብውልቃዊ ርድኢትካ ፡ግጥሚ ተውህቦ ድዩ ወይስ ብጻዕርን ብቑዕ ምልምማድን
ዝጥረ ዓይነት ጥበብ እዩ ፧
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ክልቲኡ ። ኣየናይ ‘ዩ ዝያዳ ዝዓበየን ፈለማ ውህቡን እንተተባሂሉ ግን ተውህቦ ዝዓበየ ቦታ ይሕዝ። poetry is science and sens ዝብል መግልጺ ይወሃቦ ዩ ንግጥሚ። እዚ ማለት እቲ sens ተውህቦ ክኸውን እንከሎ እቲ science ድማ ብመሰረታዊ ስልጠናን ቀጻሊ ምንባብን ምጽሓፍን ዝጥረ ብቕዓት’ዩ።ብሉጻታ ግጥምታት ንምጽሓፍ ብሉጻት ግጥምታት ምንባብ የድለየና።ብዛዕባ ግጥሚ ዝተጻሕፉ ብምንባብ ድማ ንግትምታትና ብዓይኒ ህየሳ እናረኣና ክንጽሕፎ ንኽእል። ኣብ መሬትካ ማዕድን ኣሎ ንበል ኣተዓዳድና ግን ኣይትፈልጥን ኢኻ ፣ ብኸመይ ይውጻእ እቲ ማዕድን? ስለዚ ድምር ናይ ክልቲኡ ዩ ብሉጽ ግጥሚ ዘፍሪ።
~~~~ ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ዘፈሩ ጎይቶኦም~ ~
ሕቶይ ናብ ኣበርኩቶ ስነ–ጽሑፍ ዝቐነዐ እዩ። ንኽእለትና ወይ ኣበርኩቶና: ህንጡይነትና ይዕብልሎን ይመርሖን ኣሎ። እዚ ብእኩብ ከም ጥሙር ሕርሻ ኮይኑ: እቲ ዝኸፈአ ሕማም ኣብ ልዕሊ ገጠምትን ጸሓፍቲን ሙሉእ ሰረት ዝሓዘ ይመስል። ንሕብረተ–ሰብ ከኣ እቲ ዝዓበየ ኣደራዕ (ወጽዓ) ኮይንዎ‘ሎ። ከም ገጣምን ጸሓፊን ኣብዚ እንታይ ስክፍታ ክህልወካ ይኽእል፧
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ዘፈሩ :ኣብ ስነጥበብ ኣመጻጻኣኻ ወሳኒ’ዩ። ነፍስ ወከፍ መደያይቦ መሳለል እናረገጽካ ዲካ ደይብካ ወይስ ነጢርካ ኢካ ኣብቲ ላዕሊ ተሰቒልካ?ነፍሰ ተፍትሽ የድልየና’ዩ። ዝላ ኣብ ስነጥበብ ኣዝዩ ሃሳዪ’ዩ። ነቲ ዝዘለለ ስነጥበባውን ነቲ ሕብረተሰብን። ሓንሳብ ሓንሳብ ኳ ባዕሉ እቲ ሕብርተሰብና ዉን ኣብዘይ ሰዓቱ ብዝህቦ ከንቱ ውዳሴ ነቲ ሰነጥበባዊ ሓፍ ከይበለ ሃፍ የብሎ’ዩ።እዚ ግን ኪኖ ኣብ ገጠምቲ ኣብ ደረፍቲ ዝረአ መስለኒ።ብሓፈሽኡ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ካብቲ ብሉጽ ጥበባዊ ዕዮ ንምስራሕ ዘለና ህንጡይነት እቲ ናብ ማዕከናትዜናን ኣብ መድረኽ ናይ ምድያብን ዘለና ሕንጡይነት ዝዓቢ ምዃኑ ከይተበገስና ከይንደክም ኣነ’ዉን ስግኣት ኣለኒ። ካብ ኤርትራ ብቐጥታ ናብ ኤውርጳ ዝመጸን ካብ ኤርትራ ብሳህራን ባሕርን ዝመጸን ሓደ ዓይነት ተመኩሮ ሂወት ከምዘይህልዎም ተረዲእና ኣብ ስነ ጥበብ እንተዘይዘለልና ጽቡቕ’ዩ ባሃላይ’የ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ተኽሊ ሮቤል ~
ንዝተዋህበኒ ዕድል ንኣዳለውቲ እዛ መደብ ኣዝየ እና’መስገንኩ ፡
ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ ፣ ግጥሚ ንዓኻ እንታይ እዩ፧ ንሓንቲ ግጥሚ ”ግጥሚ” ዘብላ እንታይ እዩ ፧ ንሓደ ገጣማይ ”ገጣማይ” ዘስምዮ ባእታ’ኸ እንታይ እዩ ትብል ፧ ሓፈሻዊ ብዛዕባ ግጥምን ፡ ብውልቕኻ ዘለካ ርድኢትን ብምትሕንፋጽ ገለ በለና ።
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ሓው ተኽሊ፣ግጥሚ ካብቲ ንዕኡ ዘለኒ ኣፍልጦ ንዕኡ ዘለኒ ፍቕሪ ብዕጽፍጻፍ ዝዓቢ ምዃኑ ይርድኣኒ’ዩ ምበር ነዚ ሕቶኻ ክምልሶ ብቕዓት የብለይን። ግጥሚ ንዓይ ኣብ ብርሃንን ጸልማትን ጉዕዞ ሂወተይ ዘይጠለመኒ ሓቀኛ ዓርኪ ሂወተይ’ዩ። ኣብቲ ጸላም ረቂቕ ጸሓየይ ኔሩ።ከይተሰከፍኩ ድንቁርናይን ዕሽነተይን፣ ሓጎሰይን ሓዘነይን፣ተምሳጠይን ኣግርሞተይን ዝነግሮ ዓርኪ ሂወተይ በቃ።ብዛዕባ ግጥሚ ዝተባህሉ ጥቕስታት ከንብብ ከልኹስ ነቲ ደረጃ’ቲ መዓስ ከምንበጽሖ ይሕርብተኒ።ነታ ንእሽተይ ርድኢተይ ከካፍለካ ግን ንሓንቲ ግጥሚ ግጥሚ ዘብላ ንዓይ እታ ግጥሚ ኪኖ እቲ ኩላትና እንፈልጦ ንግጥሚ ዝሃንጹ መዕቀኒታት ሃልይዋ፣’ታ ግጥሚ ረምታ ንብዓትን ሰሓቕን ኣብ ሓደ ህሞት ምስ እትፈጥረለይ፣ ንገነትን ጋሃንምን ብርቀት ሰንጢቓ ቀላሊዓ ምስ እተርእየንን ኣብ ኢርትራ ከይዳ ግጥሚ ኣብ ኣንታርቲካ ከይዳ ግጥሚ ምስ እትኸውን’ዩ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ና ኣና~ ~
ምስ ዝሓለፈ ተመኩሮኻን ህሉው ትዕዝብትኻን ኣተሓሒዝካ ፡ብ መንገዲ ኢንተርነት ዝዝርግሑ ከም ብዓል ፈይስ ቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፡ ኣብ ንስነ-ግጥሚ ዘለዎም ጽልዋ(ጥቕሚ ኮነ ጉድኣት) ከመይ ትርእዮም ፧
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
ክልቲኡ ገጻት ኣለዎ ንዓይ። እቲ ኣወንታዊ ሸነኹ፣ ሽቑረራ ሳንሱር ስለዘይብሉ ጸሓፊ እቲ ግጥሚ ካብ ዘይድሊ ምቁርራጽ ይድሕን ኣሎ።ዕድል ናይ ሜድያ ብምስእን ምስ ኣንበብትን ከምኣቶም ስነ ጥበባውያን ናይምልላይ ባይታ ዘይነበሮም ጸሓፍቲ እዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ።መብዛሕትኻ ስለዘይትፋልጥ ድማ ከይተሰከፍካ ርእይቶኻ ክትህብን ምስትምቓርካ ከተካፍልን ተራ ኣለዎ እዚ ገጽ መጽሓፍ ይኹን ካልእ መራኸቢታት። ኣብዚ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ እልናሉ ዘለና እዋን እቲ እንኮ ብዛዕባ ስነጥበብ እንዘራረበሉ መእከቢና ኣደራሽ ብምዃኑ ድማ ወሳንን ኣገዳስን’ዩ። እቲ ኣሉታዊ መዳዩ ድማ ንስራሓትና ግዜ ሂብና ክንዲ ነብስሎም ብጥሪኦም ኣብዞ መርበብ ሓብሬታ ክንዝርግሖም ስለዝደፋፋኣና’ዩ። ምክንያቱ ሓንሳብ ጽናሕ ዝበለና ኣካል ስለዘየለ።ካልእ ናይ ድርሰትካ መሰል ‘ዉን ውሕስነት የብሉን። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ንዓና ካብ ሕማቑ ጽቡቕ ከምዝዛይድ ግን ይረኣየኒ።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
• ዛራ~ገጠምቲ~
ሰለቲ ሰፊሕን ገላጽን ጥበብ ዝዓሰሎ ሙቑር ዕላል ‘ና ኣመስገና። ኣብ መወዳእታ ምስ ካልእ ክትብሎ እትደሊ ሓዊስካ ርእይቶኻ ክትህበላ እንደልያ ነገር ኣላ ፡
ንስኻ ከም ገጣሚ ፡ ጉዳይ ህየሳ ኣብ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ከመይ ትርእዮ ፧ ብቑዕ ናይ ምህያስ ክእለት ዘለዎም ሃየስቲ ኸ ኣለውና ዶ ትብል ፧
* ጸጋይ(ተመርዖ)~
መረጼን ነቲ ክትርእዮ ዘይትኽእል ኣካልትካ ከርእየካ እንከሎ ተራን ትርጉምን መረጼን ይርኣየካ። ህየሳ ከም ኣብ ኩሉ ቋንቋታት ኣብ ትግሪኛ ዉን ወሳኒ’ዩ። ኣብ ዕቤት ቋንቋን ገጣምን ድማ ዓቢ ተራ ይጻወት። ግን ሃየስቲ ቅንዓናን ግርህናን ምስ ነብሶምን ምስቲ ዝህይስዎ ዘለዉ ፍርያትን ምስ ዝህሉ’ዩ። ነቲ ገጣሚ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚቲ ገጣሚ ዘሎ ሰማያት ጥበብ ምስዝርእዩ’ዩ። ነቲ ገጣሚን ኣንባብን ዘይበጽሖ ምስጢርን ጽባቐን እቲ ፍርያት ኳዕ ኣቢሎም ከርእዩና ከለዉ’ዩ መቐርትን ኣገዳስነትን ሃይሰቲ ዝግሃደልና።ክንደይ ዕምቆትን ብራኼኡን ምብጻሕ ስኢናዮ ዘለና ጥበባት ከብጽሑና ዝኽእሉ ሃየስቲ’ እምባሕ’ እንተዝብሉናስ ግጥምን ገጠምትን መመሰገናዮም። ብተስፋ ምጽባይ’ዩ።ንህየሳ ከም ሞያ ሒዞም ዝጉዓዙ ሃየስቲ የብልናን። በጻብዕ ዝቑጸሩ ናይ ሕደማ ኣስተማቐርቲ ግን ኣለዉና ። ኣብ ጸሓፍቲ ሕደማ፣ደርፍትን ሰማዕትን ናይ ምስትምቓር ዓቕሚ ኣብ ዳሓን ደረጃ ዘብጽሑ ድማ’ዮም።ጫረ፣ጥዑምዝጊ ተስፋይን ኣማኑኤል በርሀን ክጠቅስ ይኽእል’የ።ግን ናይዚኣቶም’ውን ስርዑን ዘይቋርጽን ኣይነበርን። ኣብ ናይ ተነባቢ ግጥሚ ግን ይትረፍ ንህየሳ ከም ሞያ ዝሓዝዎስ፡ውልቃዊ ምስትምቓሮም ስፍሕ ብዝበለ ዝጸሓፉ’ውን የብልናን።እተን ዘለዋና ብቋንቋ ትግርኛ ዝተሓትማ ናይ ግጥሚ መጻሕፍትና ክሳብ ሕጂ ብመልክዕ ህየሳ ይኹን ውልቃዊ ምስትምቓር ዝፈተሸን የለን። ብሓጺሩስ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተቐልቀሉ የብልናን። በቲ ሓደ ጫፍ ድማ እቶም ጸሓፍቲ’ውን ንናይ ብሓቂ ሃየስቲ ዝኸውን ተጻዋረነት የብልናን።ነዚ ኣንቢቦም ኣብ ስቕታ ዝሃሉ ሃየስቲ ይህልዉና ይኾኑ። ነቲ ስቕታ ክስብርዎ’ዩ ምሕጽንታይ።ወደሳ ዝለመደ ነቐፌታ ክቕብል ይዕርዕሮ’ዩ።ኣብ መወዳእታ ቅኑዕን ለዋጥን ብዝኾነ ነቐፊታ ንሓድሕድና ንመላላእ። ከምቲ”ዘረባኹምስ ብመንፈሳዊ ጨው ዝተቓመመ ይኹን” ዝብለና ቅዱስ መጽሓፍ፡ ዘረባና ብስነጥበባዊ ጨው ዝተቓመመ ክኸውን ናይ ጥበብ ለበዋይ’ዩ።ከምኡ እንተኮይናስ ፍቕርን ምክብባርን ድማ ኣብ ውሽጥና ክነግስ’ዩ። ስነ ጥበብ ዘፍቅሮን ዉፉይን’ዩ ዝፈቱን ዝግለጽን’ሞ ኣዳልውቲ’ዛ መደብን ኣካይድቲ ዛ ዓምዲ ዛራን ድሮ ፈጺምኩሞ ስለዘለኹም ዝያዳ በርትዑ ይብለኩምን የመስግነኩምን።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ንሕና ውን ኣዚና ነመስግን ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ(ተመርዖ)
ዛራ~ገጠምቲ
10~2015