ፈለማ ኣብተን ብዓቕመይ ዘበርክትኩወን ስራሕተይ ሒደት ተመርኲስኩም ፡ ካብ ውቅያኖስ ብፍንጃል ቅውምነገር ኣይሳኣንን ይኸዉን ኢልኩም ብምሕሳብ ፤ ዕዱም ጋሻ ደርዘን ሕቶ ንገጠምቲ ስለዝገበርኩምኒ (ክንደየናይ እኳ ኣዕጋቢ መልሲ ካባይ ከይትረኽቡ) ግና ንዓኹም ዘለኒ ዕዙዝ ምስጋና ከብጸሓልኩም ባህ ይብለኒ ።
ዛራ ገጠምቲ፡ ውቅያኖስ ጉዑሽ መን’ዩ ? ገጣማይ ዲና ክንብል ዘለና ስነጥበበኛ?
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ እምባእ! ኣቱም እንዳ ዛራ ስነ-ጥበብኛታት ግዳ ከይሰምዕኹም? ውቅያኖስ ጉዕሽ ደኣ ፡ ገጣሚ ኰነ ስነ-ጥበበኛ ክበሃል ጌና ዘይበቕዐ ፡ ግን ከኣ ኣብ ሓዲድ ጕዕዞ ጥበብ ሰለይ ዝብል ዘሎን ካብ ብስራሕቱ ብናይ መጻኢ ሕልሙ ተስፋ ዘንበረ ሓዉኹም ምበልኩኹም ።እቲ ዝሓናጥጦ ከዓ ፥ ጥበባዊ እኹል ርድኢት ሃልይዎ እንተይኮነስ ፡ ስምዒት ውሽጡ ዝገልጽ ንሱን ግጥምታቱን ናጽላታት እዮም። ገጣሚ ንሙኻን ግና ብፍርያትኩም እናደለበ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ፤ ኣብ ምብጋስ ዝርከብ ተጓዓዛይ እዩ።ይቕፅል ከዓ ኣሎ!
ብርሂን ጨለ (FB Brhin Chele) ፡ ምስ ብዙሓት ደረፍቲ ሃገርና ንጽል ደርፍታት ከም ትሰርሕን ከም ዝሃብካን ብኣካል ነጊርካኒ ኔርካ ፡ ዋላ’ውን ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበርካዮ ቃለ መሕትት ጠቒስካዮ ኔርካ ፡ ንኣብነት ንተስፋኣለም ኣራፋይነ (ቆርጫጭ) ክጥቀስ ይከኣል። ብንጹር ግን እንተተብርሃልና ጽቡቕ ኔሩ ማለት ምስ መነ መን ኢኻ ሰሪሕካ?
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ ብርሂን ሓወይ! ኣይተጋገኻን ፥ ኣብ ሕደማ(ግጥምታት ደርፊ) ኣብዚ ቀረባ እዋን እናፈታተንኩ እየ። ምስ ፍሉጣትን ጀመርትን ድምጻውያን እውን ሰሪሐ ኣለኹ። ዝተዘርገሑ ኣለው ጌና ብሕጂ ዝዝርግሑ እውን ኣለዉ። ስሞም ተትጠቕሰልና ካብ በልካኒ ግን! ምስ ራሄል ሃይለ፣ ማህሌት ገብረገርግስ፣ ዘመን ኣለምሰገድ፣ ተስፋኣለም ኣረፋይነ (ቆርጫጭ)፥ ኣያና ኣብራር ዑስማን፥ ሮቤል ሚካኤል፣ ሮቤለ ሃይለን ካልኦትን…. ሰሪሐን ኣብ ምስራሕን እርከብ ኣሎኹ። እዚኦም ክጠቅሰልካ ዝጸናሕኩን ካልኦት ኣብዚ ዘይጠቀስኩዎምን ከኣ ፤ ናታቶም ተበግሶን ሓገዝን ተወሲኽዎ ፤ ህዝቢ ዶዀን ብመጠኑ ይዓግበሎም ይኸዉን ኢልና ዝተሰማማዕናሎም ዕዮታት ብዓቕምና ነፍርይ ኣለና እብለካ።
ሰለሙን ገ/ስላሴ ኣንጎላ
ግጥምታት ኣብ ከመይ ዝበለ ግዜ ወይ ህሞት ይመጹኻን ብኸመይ ትሕዞምን?
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ ክቡር ሓው ሰለሙን ! ኣብ ከምዚ ዝተፈልየ ህሞት’የ ዝጽሕፍ ኢለ ክጠቕሰልካ የጸግመለይ እዩ። ስለምንታይ እንተደኣ ኢልካኒ ፥ ከምዝመስለኒ ግጥሚ ወይ ሓሳብ ከምዝዀነ ስራሕ መደብ ሒዝካ ብፕሮግራም ተዳሊኻ ትሰርሖ ነገር ኣይኰነን። ግጥምታት ደቂ- ስምዒታት እንድዮም ፤ መዓስ ትሓዝን መዓስ ትሕጐስ ወይ ትጽለል ኣይትፈልጥን ኢኻ ። ስቅ ኢልካ እናነበርካ ኣብ ስምዒትካ ገለ ጦብላሕታዊ ሓሳብ ቦሎቅ ይብለካ ፡ ሽዑኡ ተቀላጢፍካ ከይረሳዕካዮ ከለኻ ትምዝግቦ ። ኣነ ምስ ግጥሚ ዘሎኒ ምትእስሳር ከምዚ እዩ። ግጥሚ ኣብ ዝዀነ ግዘ እየ ዝጽሕፍ ፡ ግና ንስእለ ኣእምሮይ ሰሪቓ ናብ ተምሳጥ ስምዒት ተግይሸኒ ዝኾነት ምኽንያት ኣላ። እታ ምኽንያት እንታይ ሙኻና ክሳብ ሎሚ ኣይፈልጣን። ግን እረክባ የ ቀጻሊ ። ስለዚ ኣብዛ ምስ በይንኻ ኣስተንትኖ እተካይደላ ናይ ቅጽበት ስምዒት ኰይነ እቶም ሓሳባት ግጥምታተይ አስፍሮም እሞ ፤ ቀጻሊ ግን ናየ ምትዕርራይ መስርሕ እናካየድኩ ናብዝሓሸ ኢለ ዝኣመንኩሉ ቅርጺ አትሕዞም ማለት እዩ። ብዛዕባ ግጥምታትካ ናይ ምምዝጋብ ልምዲ ዝበልካዮ ፥ ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ ወረቐትን ቢሮን ካብ ጁባይ ኣይፈልን እየ። ወዝቢ ንቢሮን ወረቐት ምሓዙ ኣብ ዘይጥዕም ሃዋሁ ክኸዉን ከለኹ ግን ከም ኣማራጺ ኣብ ሞባይለይ እጽሕፍ ፤ ሽዑ ቀስ ኢለ ናብ ወረቀት የስፍሮም ማለት ‘ዩ።
ዛራ ገጠምቲ፡ ኣብ ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ ዝተሳተፍካሉ ግዜ ኣሎ፡ ሓደ እዋን’ውን ግጥምኻ ካብ ዕውታት ሓንቲ ኔራ? ብሓፈሻ ርእይቶኻ ኣብቲ ውድድር ከመይ’ዩ። ነቲ ውድድር ከመይ ትግምግሞ ? እንተተኻኢሉ እታ ግጥምኻ እንተትጋብዘና? ኣብ እትጽሕፈሉን ሓሳባት እትእክበሉን ግዜ እንታይ ሜላ ትጥቀም?
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤
እወ! ኣብ ውድድር ዛራ ገጠምቲ ተሳቲፈ ነይረ። ኣብ ዛራ ብዙሕ ገጣማይ ኣሎ። ስለዚ ናይ ዛራ ዘሎ ኣባል እቲ ገጣማይ ዘይኰይነ ከኣ ኣስተማቓራይ ግጥሚ ብምዃኑ ፤ ኣብ ዝዀነ መድረኻት ካብ ዝግበር ውድድር ግጥሚ ዝተፈልየ ስምዒት ይፈጥረልካ። ኣብ ናይ 2016 ውድድር ከኣ “ስእሊ” ዘርእስታ ግጥመይ ኣብ ሻድሻይ ተሰሪዓ። ፍሉይ ስምዒት ፈጢሩለይ ምንባሩ ኣይርስዖን። ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ዘለካ ርእይቶ ንዝብል ፥ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ዝካየድ ውድድር ብብዙሕ ሸነኻት እየ ዝርእዮ። ቀዳምነት እቲ ውድድር ዝህበካ ጽቡቅ መንፈስ ኣሎ። ምስ ንፉዓት ገጠምቲ ትወዳደር ምህላውካ ስለ ትኣምን ፥ ብዝከኣለካ ደሓን ዝዀነ ግጥሚ ሒዝካ ክትቀርብ ትገብሮ ምድላው ኣሎ። ኣብቲ መስርሕ ናይቲ ውድድር ዘሎ ሃንቀውታ ዝፈጥር ኣገባብ ኣዝዩ ማራኺ እዩ። ንነበብቲ እውን ዝሕዝ ኣካይዳ እዩ። ነዚ ናእዳይ ክገልጽ ደስ ይብለኒ። ናይቲ ኣባል ኣስተማቓርን ዛራ እዚኣ ትበልጽ ፣ እዚኣ ክትሽለም እያ እዚኣ ክትዕወት ያ ወዘተ ዝብል ርእይቶታት ዓቢ ምልዕዓል ዩ ዝፈጥር። እዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ እቲ ጽቡቅ ጎንታቱ እዩ። ናብቲ ዘይምዕቡል ጐንታት ክመጽእ ከለኹ ድማ ፥ ዳያኑ ዝህብዎ ፍርዲ እምበር ከ እዚ ስርርዕ ደረጃ ብሉጻት ግጥምታት ንግጥሚ ብዝፈልጡ ሰባት ድዩ ዝካየድ ዘሎ ኢልካ ሰገጥ ክትብል ይገብረካ እዩ። ናይ ብዙሕ ስምዒት ‘ዮም ዝሃስዩ። ብርግጽ ሰብ ዝተበርሆ ግጥምታት እዚኣ ክትዕወት ኣለዋ ኢሉ ክኣምን ይክእል እዩ። የግዳ፥ ክንደይ ዘወናውነካ ሓሳባት ዝሓዙ ግጥምታት እንከለዉ ኣብቲ ውድድር ምንባሮም ‘ውን ዘይትዝክሮም ግጥምታት ብላዕሊ ጸብለል ምስበሉ ፥ ብውሽጥኻ ኣነ ብልክዕ ግጥሚ የስተማቕር ኢልካ ክትጠራጠር ዝገብር ዳይነት የ ዝዕዘብ። እቲ መለክዒታት ወይ መዐቀኒ ተባሂሉ ዝወጽእ ምስቲ ዕዉት ግጥሚ ከተነጻጽሮ ከለኻ ፥ኣእማኒ ዀነ ነገር ኣይረኣየንን። ነቲ ዝብልዎ ሕጊ ዘፍረሰ ግጥሚ ደረጃ ሒዙ ትርእዮ። ኣብተን ከም ኣባል ዝነበርኩለንን ዝተሳተፍኩለምም ውድድራት እቲ ጸገማት ተደጋጊሙ። ከምቲ ዝጽበዮ ሓሳብ ዘለዎ ግጥሚ ክዕወት ብዙሕ ኣይረኣኹን። ኣብ ዳያኑ ስክፍታ ኣለኒ። እታ ግጥሚ ክጋብዘኩም ካብ ሓተትኩምኒ ፥ እነሀት አስተማርዋ። ናባኹም ከብላ
ስእሊ
እስእለካ ኣለኹ፥ ጥበብ ኣማእሪረ
ብውስጠዛኣዊ ፥ ምስልኻ ኣበሲረ
እስእለካ ኣለኹ ፥ ሕመቕካ ኣውሒደ
ሱር ቀለመይ ፥ ናብ ብርሃን ሰዲደ
እስእለካ ኣለኹ ፥ ኣንዊሐልካ ክሳድ
ቀልብኻ ክሰርቆ ፥ ምሳኻ ክዛመድ
እስእለካ ኣለኹ ፥ ስእልኻ ኣምሲለ
ንዘይወዓልካሉ ፥ ልቦና ዓዲለ
እስእለካ ኣለኹ ፥ ባህግኻ ለኪዐ
ሕብሪ እናወሰኽኩ ፥ ዓውድኻ መሊአ
ስእለይ ግን ፥ ኣይኮነን ስእሊ
መእተዊ ቤትካ ‘ዩ ፥ ንዓኻ መሳሊ።
ኣብ ግጥሚ ዝጽሕፈሉን ሓሳባት ዝእክበሉን ዝጥቀመሉ ፍሉይ ሜላ የብለይን። ከም ኣመጻጸኣኡ የ ዘስፍሮ። መጀመርታ ሓሳብ ክመጻለይ ከሎ ከም ኣመጻጽኡ ከም ዘሎ እጽሕፎ ። ድሕሪኡ ግን ናብ ምትዕርራይ ፣ ቅርጺ ምትሓዝ ፣ ዜማ ምፍጣር ፣ ቃላት ምምራጽ ፣ ምቍጣብ ወዘተ ይኣቱ ኣብ ከይዲ ከኣ እታ ሓሳብ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዝበልኩዎ ደረጃ ግጥሚ እገብራ። ናብ ነበብቲ ትቀርብ። ሰብ ‘ውን ነናቱ ርእይቶ ይህበላ ክሳብ ትዝርጋሕ ፥ ከምኡ እናበለት ትከይድ እምበር ከምዚ ዝተፈልየ ዓይነት ሜላ ዝብሎ የብለይን።
ተስፊት ኣብርሃም፡ ከም ተመኩሮን ርእየትን ናይ ደቂ ሰባት ምዕባሌታትን መንብሮን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስነ ጥበበኛታትን ፖለቲከኛታትን ሓደ ዘይልወጥ ትዕዝብቲ ይርአይ እዩ። ንሱ ድማ ስነ ጥበብ ወትሩ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ግዳይ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፖለቲካ ዝብሃል ዓውዲ ግን፡ ናይ ስነ ጥበብ መሳርሒ ኰይኑ ኣይፈልጥን። እዚ ተርእዮ ብፍላይ እኳ ኣባና ዝዓዘዘን ዝተሓዋወሰን እዩ። ብፍላይ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ፡ “ስነ ጥበበኛ እዩ።” ክብሃል ዝጸንሐ፡ ኣብ ፖለቲካ ብምእታው ዘየድሉ ጽሑፋት ክዝርግሕ ይርአ እዩ። እዚ ደረቕ ቃና ካብ ሓደ ስነ ጥበበኛ ክጋዋሕ ንቡር ድዩ፧ ሓደ ስነ ጥበበኛ ከ ብርዒ እምበር መርፍእ ወይ መስፈ ሒዙ መጋበርያ እምባ-ገነናት ክኸውን ይግባእ ድዩ፧ እዚ ትዕዝብቲ ንነብስካን ንነብሰይን ንኻልኦት መዛኑና ብምርኣይን ብምዕዛብን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክትምልሰለይ ምደለኹ።
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ ተስፊት ሓወይ ! ኣነ ከም ውቅያኖስ እቲ ቃለ-ሽፋን እናተጠቀመ ዝገልጽ ጥበብኛ ኣተኻኽስኡ ይማርኽኒ። ስነ ጥበብ ንኣገልግሎት ሓደ ስርዓት ተባሂሉ ተዘይውዕል ባህ ምበለኒ። እቲ ስርዓት ግን ንሓደ ፍርያት ስነ ጥበብ ከም መገልግሊ ክጥቀመሉ ይክእል ይከዉን። ስነ ጥበብ ነየናይ ስርዓት ክውዕል ኣለዎ ዝብል ምናልባት ከይትገፍሓኒ ፤ ኣጽብብ ኣቢለ ክምልሳ ግን ፥ ንሓደ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ደው ዝበለ ስርዓት ተዘይገልግል እመርጽ። ግን ስነ ጥበበኛ ኰላይ ኣካል ህዝቢ ስለዀነ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንዘጋጥሙ ብድሆታት፣ ዓወታት ግን ክድህስስ ይክእል ‘ዩ። ኣብቲ ህይወት ናይት ህዝቢ ኣትዩ ተዘይገሊጹ ፥ ስነ ጥበብ ካልእ ረብሓ ክህልዎ ኣይክእልን ‘ዩ። ብሓፈሻ ግን ስነ ጥበብ ንሰናይ ነገር ክውዕል ኣለዎ ዝብል መርገጺ ግን ኣለኒ። ኣብ ክንዲ ንሕንፍሽፍሽ ንስምረት ፣ ኣብ ክንዲ ንምብትታን ንጥምረት ፣ ኣብ ክንዲ ንምፍልላይ ንምቅርራብ ከተውዕሎ ከለኻ ህዝቢ በቲ ስነ ጥበብ ኣቢሉ ይርባሕ። እቲ ሓርፋፍ ኣገላልጻ በየናይ ኣገባብ ‘ዩ ዝጥቀመሉ ዝብል ከገድሰና ይኸዉን እዩ።ምኽንያቱ ጥበበኛስ ሓርፍፍ ኣገላልጻ ክጥቀም ዶ ኣለዎ ኣይብሉንሲ ናይ ሕጊ ጉዳይ ኣይኮነን። ናይ ባህርን ይገልጸለይ ‘ዩ ናይ እትብሎ ናይ ምምራጽ ጉዳይን እዩ። ሓርፋፍ ቃል ኣብ ቋንቋ ክሳብ ዝሃለወ፣ ገታር ኣገላልጻ ኣብቲ ማሕበረሰበይ እትብሎ ክሳብ ዘሎ፣ ናይቲ ህዝብኻ ሓደ ኣካል ላዝኡን ቋንቋኡን ክሳብ ዝዀነ እንተተጠቀምካሉ ዘኽፍእ ኣይኮነን። እዚ ክብለካ ከለኹ እቲ ሕብረተሰብ ዝጽየኖ ሓርፋፍ ኣገላልጻ ግን ክኸዉን የብሉን ኢለ ይኣምን። ባእታታትን ጸጋታትን ሓደ ቋንቋ እቶም ሰናይ ላዛታት ጥራሕ ኣይኮኑን፡ እንኮላይ እቶም ግትር ዝበሉ ንብረታት እቲ ቋንቋ እዮም። ሰልዚ ናይ ምርጫ ጉዳይ ምበር ሕጊ ኣይኮነን። እዚ እቲ ሳይንስ ክከውን ከሎ ከየንቲ ግን ከከም ስታይሎም ክጥቀሙ ይክእሉ። ከምኡ ምጥቃሞም ነውሪ ዘለዎ ኣይመስለንን። ይገልጸለይ ዝበልዎ እዮም ዝገብሩ።
ዛራ ገጠምቲ፡ ብጀካ ኣብ ግጥሚ ኣብ ፊልምን ካልእ ዓውድታትን’ውን ትነጥፍ ኢኻ? ብኸመይ ኢኻ ንኹሉ ተካውኖ ? ምትዕብባዕ ናይ ህዝቢ ኣብቲ ትነጥፎ ዓውዲ ከመይ ትርእዮ?
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ ግርም ብዛዕባ ብዙሕ ምክዋን፡ ወዲ ሰብ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ዓቕሚ ኣለዎ። ወዲ ሰብ ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ። ይትረፍዶ ኣነ ቁንጣሮ ዘይሰራሕኩስ ኣባላት ዛራ እኳ ኣብ ስደት ኰይንኩም ንኹሉ ተከናውንዎ ኣለኹም። ብዛዕባ ተቐባልነት ህዝቢ፡ ብሓቂ ፅሑፋተይ ዘንብብን ግጥምታተይ ብደርፊ ዝሰምዕን ህዝቢ የበረታትዓኒ እዩ። ቁሩብ ሰሪሐ ብዙሕ እዩ ዘወድሰኒ ክብል ይኽእል እየ። እዚ ድማ ዝበለፀ ንኽሰርሕን ካባይ ብዙሕ ከም ዝጽበ ኣሚነ ንክሰርሕን የለዓዕለኒ እዩ። ሰለይ ዘብለኒ ዘሎ እውን እዚ “ኣጆኻ” ዝብል ኣተባባዓይ ሞራል ህዝቢ ይመስለኒ። እዚ ማለት ግን ውሑዳት ኣብ ክንዲ እቲ ፅቡቕ ስራሕተይ ገለ ጉድለታተይ ፈሓሒሮም ንድሕሪት ክመልሱኒ ዝደልዩ የለውን ማለት ኣይኮነን። እዚኦም እውን እቲ ካለእ ገጽ ህይወት ደቂ ሰብ ስለ ዘርእዩኒ ኣካል ናይቲ ክብርትዕ ዝገብረኒ ተጓንፎ እዮም ኢለ ስለ ዝወስዶ ፤ ከም ሰብ ውዕለታይ እየ ዝቖፅሮም።
ኪዳነ ንጉሰ ፡ ተቐድም ገጣሚ ብጻይ ውቕያኖስ ጉዕሽ። ስበጥበብ ምስ ዓውሎማ ከመይ ኣሎ። ኣብ ምርግጋጽ ዘይተበከለ ጥበብ (non,baised art) እትገብሮ ጻዕሪ ክፈልጥ ምደለኹ። ቀጻሊ መደባትካ እንተትብረሃልና፡ ስረሓትኻ ናብ ዓይኒ ወይ እዝኒ ተኻታተሊ ወይ ኣፍቀርቲ፡ጥበብ ከይበጽሕ፡ዝዓግተካ ነገራት ኣንተሎ፡ ብሕጽር፡ዝበለ፡ ዝሓሰብካዮ ትገብር ኣለኻ። ህዝብኻ ንጽሑፋትካ ከመይ ይቅበሎ ኣሎ ፤ ማለት ጹሑፋትካ ወይ ጥበባውያን ወይስ ከምዝግባእ መልእኽቶም፡ናብ ሕብረተሰብካ የብጽሑ ኣለዉዶ? ፍርያትካ እንተዘይኮይኑኸ እንታይ ኣማራጺ ኣሎ፡ ብዘይካ ህዝብኻ ክሳብ ዝነቅሕ ምጽባይ? ኣብ መወዳታ፡ ምስ ከማኻ ስነጥበባውያን ተሓባቢርካ ኣብ ምስራሕ ማዕረ ክንደይ ሓያል ኢኻ?
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ ስላምታኻ ይጥዓም ኪዱን ሓወይ ኣብ ዘይተበከለ ጥበብ ዘለኒን ድልየትን ንኽዓቢ ዘለኒ ባህጊን ልዑል እዩ። ጥበብ ተፈጥሮ ምግላጽ እምበር ዘይተፈጥራዊ ነገር ምፍጣር ኣይኮነን ስራሓ ዝብል እምነት ኣለኒ። እኳ ደኣስ ንተፈጥሮ ጽባቐ ብዝተመልኦን ኣገባብ ሰሓባይን ጌራ ምግላጽ እዩ ስራሓ እብል። ስለዚ ጥበብ ፥ብሕሰም ወይ ስስዐ እንተተበኪላ ጽባቐኣን ተፈጥራውነታን ትስእን ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ስራሕቲ ጥበብ ሓቃውነት ስለዘይብሎም ገላፃይነትን ሰሓባይነት ዘይብሎም ይኾኑ። ቃላት ይኹመሩ ኣለው፤ ተኾሚሮም ዝፈጥሩዎ ፅባቐን ሓሳብን ግን የለን። ንምንታይ? ካብ ሓቃውነት ስለዝርሕቑ። ከም ዝፍለጥ ጥበብ ብገዛእ ነብሱ ዘፍቱዉዎ ባዕላዊ ዝኾኑ ባህሪታትን ቅመማትን (self-characters and spices)ኣለዉዎ። እቶም መማቕርቲ ኮይኖም ሕልና ደቂ ሰባት ዓንጊሎም ዘርውዩ ቅመማት – ጥበብ ካብቲ ተፈጥሮኣዊን ውህብቶኣዊን መንገዳ ኣውጺእና ክንጥቀማ ምስ እንጅምር መቐረቶም ንስእኖ። ብፍላይ ድማ ጥበብ ብገለ ስምዒት ዝተላዕጠጡ ሓሳባት ፖለቲካን ኩራን ንምግላፅ ክንጥቀማ ከለና – ናይ ወዝ ድርቀት ገጢሙዋ ፈጠራ እውን ክትቅምርር ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ ብፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ(political ideology) ዝተበከለን ልዕሊ ፈጠራ ብህንዱድ ስምዒት ዝግራሕ ክንሱ ጥበባዊ ዝስመ – ግን ድማ ጨው ጥበብ ዘይሓለፎ ስራሕ ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። ስለዚ እዚ ንከይኸውን ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ኩሉ ካብ ጽሩይ ባሕሪ ፈጠራ ዝምንጩ ዘይተዘርገ ዋሕዚ ጥበብ ክፈስስ ንምርኣይ ብቐጻሊነት ኣበርቲዐ ክሰርሕ ሓሳብ ኣለኒ። ስራሕተይ ናብ ዓይንን እዝንን ሰማዕቲ ከይበጽሕ ዝዓግተኒ የለን። ዘዐንቅፈንን ዘደናጉየንን ግን ኣሎ። እዚ ድማ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ እዩ። መጽሓፍ ንምድላው ኣይጽገምን። ግን እቲ ዝተዳለወ መጽሓፈይ ሓላፍነት ወሲዱ ዘሐትምን ዘከፋፍልን ትካል ሕትመት የለን። እቲ ቀንዲ ጽገም እዚ እዩ። ግን እዚ ፀገም ኣሎ ኢለ ደው ዝብል ኣይኮንኩን። ነዚ እየ ድማ እዚ ጸገም ከም ምዕጋት ከይኮነስ ከም ግዝያዊ ዕንቅፋትን ምድንጓይን ዝሪኦ። ቀጻሊ መደባተይ ኣብ ስነ-ግጥሚ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ምንጣፍ እዩ። ክገብሮ እየ ድማ። ክገብሮ እየ ኢልካ እንተተበጊስካን ፣ ኣብ ዕላማኻ እንተጸኒዕኻን ዘይትገብሮ ነገር የለን። ምስ ከማይ ዝበሉ ናይ ጥበብ ሰባት ንምስራሕ ዘለኒ ተበግሶ ድማ ክፉት እዩ። ክፉት እዩ ማለት ፥ ንሳቶም ምሳይ ክሰርሑ ተደልዮም ኢልካ ትገድፎ ነገር ኣይኰነን። ኣነ እውን ምሳይ ክሰርሑ ከለዓዕሎም ኣለኒ። ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ናይ ምግርጫው ኣጋጣሚታት ብዙሕ እዮም። ከም ቅድመ-ኩነት ሒዝካዮም ተጸኒሕኻ ግን ኣይትህሰይን ትኸዉን። በቲ ኰይኑ በቲ ግና ምስ ሰባት ክትስርሕ ከለኻ ብዙሕ መሰናኽል ከጋጥመካ እዩ። እቲ መሰናኽል ባዕሉ እውን ኣካል ናይቲ ጥበብ እዩ። ኣብ ህይወት ጽቡቅ ጥራይ ኣይኰነን ትጽሕፍ። እቲ ዘጋጥመካ እውን ትጽሕፎ ። ከምዚ እናበልኩ ብሜላ ኣብ ስነ ጥበብ ክምርሽ ትምኒት ኣለኒ።
ዛራ ገጠምቲ፡ ዝኸበርካ ውቅያኖስ ዕድመና ኣኽቢርካ ነዚ ሕቶታት ብምምላስካ ኣዚና ነመስግን፡ ካልእ ዘይተጠቕሰ ነገር ወይ ዝተረሰዐ ኣሎ ትብሎ እንተልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክንህበካ።
ውቅያኖስ ጉዕሽ፤ ኣብዚ ገዛ እዚ ገለገለ ሪኢቶ ወሃብቲ ንኣካይዳ ገጣሚ ዝሃሲ ሪኢቶታት ክወሃብ ይዕዘብ እየ። ርኢቶናስ ብቕንዕናን ንጽህናን እምበር ፥ ብባጫን ሽምጠጣን ተዘይከዉን ይምረጽ እብል። ኣብ መወዳእታ የቕንየለይ
ዝኸበርካ ውቅያኖስ ደጊምና ዕድመና ኣኽቢርካ ንሕቶታት ተሳተፊት ዝግባእ መልስታት ምሃብካ ምስጋናና ይብጻሕካ ኣብ ኩሉ እተካይዶ ንጥፈታት ድማ ዓወት ንምነየልካ።