ካልኣይ ክፋል
# ጨዓይ ወዲ ደቀምሓረ፤ ኣብ ሓጺር ግጥምን ነዊሕ ግጥምን ዘሎ ፍልልይን ብልጭኡን ዘሎካ መረዳእታ እንታይ ይመስል ፧
ግጥምታትካ-ከ ኣብ ምንታይ ይውከሉ፧ ርእይቶኻን ዝምባለኻን ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግጥምታት እንታይ ይመስል፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ግጥሚ ነዊሑ ሓጺሩ ኢልካ ክትግምግሞ ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ግጥሚ፡ ምንዋሕን ምሕጻርን ኣብ ግምት ከየእተኻ ብምልኣት ክንበብ ኣሎዎ። ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ብስምዒት ተነቚትና-ዶ፧ ተምሳጥ ኣሕዲራ-ዶ፧ ብስምዒት ጸፊዑ ንሓደ ጉዳይ ከም እንግንዘብ ገይሩና-ዶ፧ እዩ ዘገድስ። ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ሃውቲቱ-ዶ ዘብለካ ኣጋጣሚ፡ ዘይግባእ ምድግጋም ሓሳባት ምስ ዝህሉ’ዩ። ኣብ ግጥምታት ፈይስ-ቡክ ካብ ዘስተብሃልኩዎ እንተሎ፡ ኣብ ሓንቲ ነግሒ ክትጥርነፍ ዝግብኣ ሓሳብ፡ ብኣርባዕተ ዝመስመራቱ ማይ-ቤት የቊሙ። ከነስተውዕለሉ ዘለና ግን፡ ማይ-ቤታት እናነጠሩ ሓሳብ ዝደጋግሙ፡ ከም ድምጺ ሞደሻ እናበርትዐ ክስቈረና ከም ሜላ ዘላፍኑ ኣሎዉ።
ናይ በየነ ሃ/ማርያም ‘ኣስመራ’፣ ናይ ምሉእወርቅ ‘ንገርና ኣክሱም’፣ ቅያ ገድልን ቅያ ዓሰብን ዝገልጻ ክልተ ነዋሕቲ ኣዘንተውቲ ግጥምታት፣ ወዘተ ብየዐንትኻ ነዋሕቲ ግጥምታት ዝመስላ፡ እንተዀነ ብስምዒት ምስ ነውነዋኻ፡ እቲ ነግሕታት ከየቋረጸ እንተ ዝቕጽል እትብለሉ ‘ሙድ/ውነ’ ይፈጥራ። ብዓለምለኸ ተዘካሪ ግጥምታት እንተ ርኢናዮም፡ እቶም ነዋሕቲ ግጥምታት’ዮም። ናይ ሆመር፣ ናይ ህንዲ፣ ናይ ኢራን፣ ዳንተ፣ ጆን ሚልተን ወዘተ። ክንዲ ናይዚኦም ዝዕብዳኑ ነዊሕ ግጥሚ ክንጽሕፍ’ኳ እንተዘይተሓስበ፡ ግጥሚ ኣብ ምንውሑ፡ ሚዛን ዜማን ረምትኡን፡ ቴክኒካዊ ርቀቱ፡ ቅርጹ፡ ስጡምነቱ ንምሕላው ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ኣላን ፖ እውን፡ ኣብ ነዊሕ ግጥሚ ዜማ ምሕላው ኣሸጋሪ’ዩ ይብል ነበረ። ኣብቲ ቅዲ ኣዘናትዋ ናይ ነዊሕ ግጥሚ፡ ብሓደ ቅርጺ ጥራይ ጌርካ ከተቕርቦ ስለ ዘጸግም፡ ቅርጽታት እናቀያየርካ ከተዘንቱ ኣዝዩ ኣህላኽን ረቂቕ ክእለት ዝሓትትን’ዩ። ግጥሚ – ዜማ ክህልዎ፣ መንፈስ ሓይሉ ክሕሎ፣ ውዕዉዕ ስምዒት ክፈጥር ወዘተ ስለ ዝድለ ግን፡ ብቊጡብ መዳዩ ተሃኒጹ ክፍኖ ይምረጽ። ምስ መጠነ ስጓመ ሃልኪ ዓለም ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ሓጺርን ሓያልን ግጥሚ ምህናጽ ይምረጽ። ከም ኣብነት ናይ መኰነን ተስፋይ፡ “ስብራ” እትብል ግጥሚ ሰለስተ ነግሒ ዝሓዘት’ኳ እንተዀነት ሓይሊ መልእኽታ ግን፡ ሃብታምን ኣንጸባራቕን እዩ።
ገለ ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ ድምጹ ክስመዓሉ ኣብ ዝደሊ ክፋል ሕ/ሰብ እዩ ነዊሕ ግጥሚ ገኒኑ ዝርከብ። ዝተጸቕጠ ባህላዊ መንነቱ ብዓውታ ከቃልሕ ንዝደሊ፡ ግዝፊ’ቲ ግጥሚ ንግዝፊ ዘልዕልዎ ኣርእስቲ ምርኩስ ዝገብሩ ገጠምቲ ኣሎዉ። ነዊሕ ግጥሚ ከም መርኣያ ሓባራዊ ኣጠማምታ ናይ ዘሎዎም ድምጺ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል ድማ ይብሉ። ገለ ካብ ብሉጽነት ነዊሕ ግጥሚ፤ ፈጠራውነት ከተማዕብል ይሕግዝ፣ ቅርጽታት እናቐያየርካ ክትደርስ ይከኣል፣ ዓሚቚ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ፣ ቅያ ገድላዊ ሂወት፡ ዝና በሃራት ሰባት፡ ናይ ገጣሚ ፍሉይ ዓለም ወዘተ ብነዊሕ ግጥሚ ሓይሎም ተንጸባሪቚ ንረኽቦ። ምጥቅላል፡ ነዊሕ ግጥሚ ንትረኻዊ ቅዲ፡ ሓጸርቲ ግጥሚ ከኣ መልእኽቲ ዘገድሶ ዜማዊ እዩ። ነዊሕን ምልኣት ዘሎዎን ግጥሚ ከም ማስተር-ፒስ እዩ።
# ፊልሞን ምሕረትኣብ፤ ቅድሚ ሕጂ ትመላለሰኒ ሕቶ ነይራ’ሞ እዛ ዕድል ተጠቒመ ከቕርባ። ግጥምን ፍልስፍናን ዘመሳስሎምን ዝፈላልዮምን እንታይ እዩ? ከይተፈላሰፍካ ክግጠም ይከኣል-ዶ፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ግጥሚ፡ ጽማቚ ልብን ኣእምሮን እዩ። ግጥሚ፡ ሓያል ስምዒት ብስእለ ኣእምሮ ዝፍጠር ውክልና እዩ። ንስምዒትካን ሓሳባትካን ብናትካ ውክልና ጌርካ ምትፍኡ’ዩ። ፍልስፍና ግን ንዝተገንዘቦ ርድኢት ብርትዒ ወይ መጎተ ምቕራብ እዩ። ኣብ ግጥሚ፡ እቲ ህዋሳዊ ግንዛቤና/ ስምዒታት ጌና ሃፋ እንከሎን ተኸኸኽ እናበለን ተተፊኡ ነቲ ኣንባቢ ብዋዒኡ የርህጾን የሙቈን። ፍልስፍና ግን ነቲ ሃፋ ህዋሳዊ ተመኲሮ፡ ርትዒ/መጐተ ወሲኹ ናብ ማይ – ጸኒሑ ቅጥዒ ምስ ገበረሉ ናብ በረድ ምስ ተቐየረ፡ ‘ኣብዚ እነሀለኩም ከም በረድ ዝምጽዕዳዉ ስነ-ሓሳበይ’ እናበለ የቕርብ።
ግጥሚ ንስእለ ኣእምሮ ብኹሉንትናኡ ክጥቀመሉ ስለ ዝደሊ፡ ሰፊሕ ናጽነት ኣሎዎ። ፍልስፍና ግን ብስነ-መጐት ክሓልፍ ኣሎዎ፡ በዚ ድማ ናጽነቱ ድሩት’ዩ። ኣብ ግጥሚ ብዙሕ ምሕሳብ ኣየድልይን፣ ነቲ መዓሙቚ ህላውነትካ ዝተንከፈ ውዕውዕ ስምዒት ብፍኑው ክስኣል ኣሎዎ። ኣብ ፍልስፍና ግን፡ እቲ ተመኲሮ ይሕሰበሉ፡ ይኽለስ፣ እንደገና ነቲ ሓሳብ ብምሕሳቡ ምስ ኣተሓሳሰቦ – ቅጥዒ ገይሩ ጽማቚ ፍልስፍና የዳሉ። ሓቂ ግጥሚ፡ ህርመት ልቢ እዩ፣ ሓቂ ፍልስፍና ኸኣ፡ ህርመት ኣእምሮ’ዩ። ዝተፈላለዩ ዓለማት ወዲ-ሰብ ዝውክሉ’ኳ እንተዀኑ፡ ዕላምኦም ግን ሓደ’ዩ፣ ንዝበረኸ ናጽነትን ክብርን ሰብኣውነት’ዩ።
ንማዕበል ስምዒታት ከመይ ትተፍኦ፡ በየናይ ሜላ ኣዘናትዋ መልክዕ ተልብሶ እዩ ጽባቐ ግጥሚ። ፍልስፍና ድማ፡ ብውሕሉል መጐተ ከመይ ተእምን፡ ከመይ ቅጥዒ ሓሳብ ትሕግግ እዩ። ዓለም ግጥሚ ንባህጊ፡ ሕልሚ፡ ራእይ፡ ፍቕሪ፡ ተስፋ ስምዒት ውሽጢ የንጸባርቕ። ፍልስፍና ከኣ፡ ንዓለም ብሓደ ዝተወደበ ኣጠቓላሊ ስነ-ሓሳብ ከርኢ ይፍትን።
ፍልስፍና፤ ዘይፍጹምነት ኣካይዳ ዓለም ምስ ተገንዘበ፡ ንነገራት ጠንቊን ሳዕቤኑን ብኹሉ መኣዝናት ምስ መመየ፡ ብዝመስሎ መጐታዊ ኲርናዕ ርእዩ ይኸውን’ዩ ዝበሎ ኣገባብ ጠመተ-ዓለም የዳሉ። ንዝርርባት ናብ ዝተወሰነ፡ ናብ ሓንቲ ነጥቢ ይእክቡ። ስምዒት/ ቦቚባቊ ባህርይ ወዲ-ሰብ፡ ንርትዓዊ ፍርዲ ከዛብዖ ስለ ዝኽእል ብምባል፡ ብውስጠዘ ስምዒታት ኣይገልጹን።
ገጠምቲ፤ ናብ ጠንቂ ኣይምለሱን፡ ነቲ ዘሎ ህሉው ኲነታት ዘሕደረሎም ምልኣት ድዩ ኮንቱነት ግን፡ ብወሓለ ቋንቋ የመሓላልፉ። ብሓንቲ ዝርርብ ብዙሕ ነጥብታት የውክኡ። ዝተሰምዖ ብውክልና/ውስጠዘ ዘመሓላልፍ ኣዋጅ ስምዒት እዩ።
ግጥሚ፡ ምስ ተሰመዓካ ተቕልብ ዝዓይነቱ’ዩ፣ ግጥሚ መለሳ ሰብ’ዩ። ፍልስፍና ከኣ ምስ ፈለጥካ ትርዳእ’ዩ፣ ፍልስፍና መተካእታ/መለሳ ሰብ ዘይኮነስ ደረቕ ስነ-ሓሳባት’ዩ። ብዘይ ፍልስፍናታት ፕሌቶ፡ ካንት፡ ኒቸ፡ ማርክስ፡ ቪትገንስተይን ግን፡ ‘ዓለም ኣበይ ምሃለወት፧’ ክግምት እምብዛ አጸግመኒ።
“ከይተፈላሰፍካ ክግጠም ይከኣል-ዶ፧” ክትፈላሰፍ እንተኽኢልካ፡ ንምንታይ ናብ ግጥሚ ዘኺይድ ኣለካ፧! ግጥሚ ሰፈር ስነ-ሓሳባት ኣይኮነን፡ ብስነ-ስምዒታዊ ረምታ ዝፍጠር ንጽሕና ስምዒት ገጣሚ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣንበብቲ ከኣ ሓወልቲ ስምዒታትን ኣቓልቦን ኪትሃንጽ ምኽኣል እዩ። ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ግጥሚ ተንኪፈ ኣሎኹ። ዓበይቲ ፈላስፋታት ከም ፕሌቶ፡ ኒቸ፡ ኦስካር ወዘተ ግን ፍልስፍናዊ ጽሕፎም ግጥማዊ ህርመት ከም ዝነበሮ ዘይምርሳዕ።
ምትፍናን ፍልስፍናን ግጥምን፡ ልክዕ ከምቲ ምትፍናን ውድዓውነትን ባዕላውነትን፣ ባህልን ባህርይን፣ እከይን ሰናይን፣ ተባዕታውን ኣንስታውን፣ መጐተን ስምዒትን፣ ወዘተ እዩ። እቲ ባእሲ ኣይከብቅዕን’ዩ፡ ወዲ-ሰብ ከኣ ጽማረ ናይዞም ዘልኣለማውያን ክልተ ሓይልታት ህላወ’ዩ። እቲ ባእሲ ከብቅዕ’ውን ኣይምነይን፣ ከምቲ ጀርመናዊ ሄገል ዝበሎ፡ ክልተ ሓይልታት እናተፋሕፉሑ፡ ናብቲ ንደልዮ ‘ናጽነት’ ክወስዱና ኣሎዎም።
# ዛራ ገጠምቲ፤ ዓንቀጽ /ኣርቲክል ክንብል ከለና እንታይ ማለት እዩ? ካበይ-ከ ነቂሉ፧ ዓንቀጽን ቴማን ፍልልዮም፧ ምስ ስነ-ጥበብ ካብ መዓስ ክምደቡ ጀሚሮም? ኣብ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ኣብ ግጥሚ ዝጻወትዎ ተራ ኣሎ-ዶ፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ዓንቀጽን ቴማን (article & essay) ኣብ ብዝሒ ቃላቱ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትሕዝትኡን ኣቐራርብኡን እምብዛ ይፈላለ’ዩ።
ዓንቀጽ፡ ሓጺርን ብሩህን ሕጥበ ጽሑፋት ኮይኑ፡ ካብ 400 ክሳብ 1500 ቃላት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣሎዎ። ኣብ ፈይስቡክ፡ ጋዜጣታት፡ መጺሄታት ዝጽሓፉ ሕጥበ-ጽሑፋት ኮይኖም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ትዕዝብትኻ፡ ጦብላሕታ፡ ተራ ማሕበራዊ ጉዳያት ክኸውን ይኽእል። ሓጺርን ገላጽን ባህሪ ስለ ዘሎዎ ግድን ኣይኮነን ናይ ዝተፈላለዩ ኪኢላታት ዝበሉዎ ሓሳባት ከተካትተሉ። ግድነት መደምደምታ ዘድልዮ ጽሑፍ’ውን ኣይኮነን። ትዕዝብትኻ ወይ ርዲኢትካ ጽሒፍካ ብመልክዕ ሕቶ’ውን ክትዓጽዎ ትኽእል። ቴማ ግና ንውሕ ዝበለ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ጥልቕ ዝበለ ህየሳዊ ትንታነታት፡ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኣምር፡ ፍልስፍናዊ ኲርናዕ፡ ቊጠባዊን ባህላውን ዛዕባታት ኣልዒልካ ብዓሚቚ ምትንታን’ዩ። እወታውን ኣሉታውን ጎድንታት እቲ ዛዕባ ፈቲሽካ፡ ናትካ መጐት ኣቕሪብካ ርትዓዊ ፍርዲ እተቕርበሉ ጽሑፍ ከኣ’ዩ። ከም መደንፍዒ ጽሑፋትካ፡ ርዲኢታት ሊቃውንቲ’ቲ ዓውዲ ዝበልዎ ኣሰኒኻ፡ ጽሑፍካ ብዝተወደበን ኣእማኒ ስርዓትን ተቕርብ። ኣብ ዓንቀጽ፡ መደምደምታ ሓሳብ ከተቕርብ ኣይትግደድን ኢኻ። ርእይቶ ወይ ግምታዊ ሓሳብ ከም መደምደምታ ተዉክእ። ኣብ ቴማ ግን፡ ንመርትዖታትካ ጠርናፊ መደምደምታ ሓሳብ ክትገብረሉ ትግደድ። ቴማ፡ ዝልለ መልክዕ መረዳእታኻ ምውዳብ’ዩ።
ቴማ ዓውደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ሓደ ዛዕባ ወይ ኣምር እዩ። ዓቐን ትሕዝቶኡ፡ ካብ 1500 ክሳብ 20,000 ወይ’ውን ልዕሊኡ ቃላት ክኸውን ይኽእል። ምንጽጻርን ምውድዳርን፡ ኣዕሚቚካ ብኹሉ ሸነኹ ምትንታን፡ ባዕላዊን ውድዓውን ፍርዲ ወዘተ ስለ ዝሓትት፡ ዓሚቚ መረዳእታ’ቲ ኣበጊስካዮ ዘለኻ ሓሳብ ክህልወካ ኣሎዎ። ቅርጺ ቴማታት — ብመልክዕ ሌጣ ጽሑፍ፡ ግጥማዊ፡ ጽዋ፡ ውልቀ ዝርርብ፡ ዳያሎግ፡ ድራማዊ፡ ፊልማዊ ኣቀራርባ ብጥበባዊ መገዲ ከተዳልዎ ይከኣል።
ብዓለምለኻዊ ኣጠማምታ፡ ቴማ ካብ ዘመነ ምንቕቓሕ ንድሓር ብንጡፍ’ኳ ክስርሓሉ እንተጀመረ፡ ግሪኻውያን ዳርጋ ዘይተንከፍዎ ዓይነት ስነ-ጥበብ ስለ ዘይነበረ ግን፡ ንሶም’ውን ይጥቀምሉ ነይሮም’ዮም። ኣብ ሃገርና ቴማ ምጽሓፍ ዝገነነሉ፡ ኣብ 1940ታት ብዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ብጾቱን ኣብተን ናይ ሽዑ ጋዜጣታት ዘሕትምወን ዝነበሩ ጽሑፋት’ዩ። ብዕምቈት ኣጠቃቕማ ቋንቋ፡ ዲስፒሊናዊ ኣዘናትዋ፡ ጽፈት ሓሳባት፡ ሞራላዊ መልእኽቲ ነቲ ናይ ሽዑ ዝተጻሕፈ ቴማታት ዝዳረጎ ኣይጸሓፍናን ዘለና። በዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ዝጽሓፉ ቴማታት፡ ዳርጋ ኩሎም ጎስጓሳዊ ዝትሕዝቶኦም’ዮም። ኣብዚ እዋን ሓደ ብርሃነ ገ/ሂወት ዝብሃል ጽሓፊ፡ “ዕላል ምስ ህያውያን ገጸ-ባህርያተይ” ኣብ ዝብል ጽሑፉን ካልእን፡ ንኢሰይ ብዝሓየለ መልክዑ ብሞኖሎግ፡ ዳያሎግ፡ ድራማዊ ኣዘናትዋ እናገበረ በዳህቲ ሓሳባት ክጽሕፍ ዝረኣኹዎ ስነ-ጥበበኛ እዩ። ፍሉይ ዝቕርጺ ቴማኡ፡ ማስተር-ፒስ እዩ።
ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ወይ ህየሳ ንኻልእ ስነጥበባዊ ስራሕ ስለ ዘነቓቕሕ (inspirational)፡ ካብ ምልኣትን ጽባቐን ዘሎዎ ቴማ፡ ግጥሚ ይኹን ካልእ ስነ-ጥበብ ከተዳሉ ዝከኣል’ዩ። እዚ ግን ስምዒት ብዝትንክፍ ዝተዳለወ ረቂቕ ምስ ዝኸውን፡ ካልእ ኣስተብህሎን ኲርናዕን ክትፈጥር ትኽእል እብል።
# በረኸት ታደሰ፤ ኣብዚ ቀረባ ቅንያት ንሙዚቃዊ ስእላዊ መሰነዪ (video clip) ንምግምጋም፡ ሓያል ጻዕሪ ዝወሰዱ ጽሑፋት ንምቕራብ ዝወሰድካዮ ተበግሶ የድንቐካ። ንዝያዳ ብልጹነት ግን ኣብ ሞንጎ ውልቃዊ ግምገማን ሽነናን (rating) ዘሎ ፍልልይ ንዝያዳ ልዝብን ምህብታሙን ከተብርሃልና። ከምኡ’ውን ምስኡ ብምትሕሓዝ ነፍሲ-ወከፍ ዓውዲ ጥበብ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቕምን ፍልጠትን ዝሓትት ምስ ምዃኑ፡ ሓደ ሰብ ከኣ ኣብ ኩሉ ምሉእ ፍልጠት ክህልዎ ስለ ዘይኽእል፡ ከም ኣባል መማይት ኮሚተ 3ይ ውድድር ግጥሚ ዛራ-ገጠምቲ ምንባርካ፡ ኣብ ሕደማ፡ ዜማ፡ ሲነማቶግራፊ፡ ብርሃን፡ ድምጺ፡ ዲረክቲን … ዕምቈት ፍልጠት ንዘለዎም ብምስታፍ፡ ዓሚቚ ትንተና ንምቕራብ ዝሓሰብካዮ ይህሉ-ዶ፧ ወይ’ውን ንምትግባሩ ዘሎ ተኽእሎ ከመይ ይመስለካ።
* ኣማን ተኸስተ፤ ሓደ ሃያሲ — ናይ ስነ-ጽሑፍ ይኹን ቅብኣ፡ ናይ ትያትሮ ይኹን ሲነማ፡ ናይ ቅርጻ ይኹን ስነ-ህንጻ — ህየሳዊ ጽሑፍ ብዝተፈላለየ ኲርናዕ ተንቲኑ ከዳልዎ ይኽእል እዩ፥ 1) ኣብ ቅርጺ ወይ መልእኽቲ ከድህብ ይኽእል 2) ባህሊ፡ ፖለቲካ፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ ታሪኽ ብኸመይ ተወኪሉ’ሎ ከገድሶ ይኽእል 3) ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ብንጹርን ቅንዕናን ክገልጽ ጥራይ ክደሊ ይኽእል፡ ፍርዲ ንኣንባቢ ይገድፎ 4) ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ምስ ካል-ኦት ስርሓት ከነጻጸር፡ ከመሳስል መለበሚ ይኸውን እዩ ዝበሎ ሓሳባት ኣበርኪቱ ክዓጹ ይኽእል 5) ነቲ ስራሕ እወታውን ኣሉታውን መዳያት ብዕምቈት ገምጊሙ፡ ፍርዲ ክህብ’ውን ይከኣሎ’ዩ።
ሓደ ሃያሲ፡ ክልቲኡ ጎድንታት ተንቲኑ ፍርዲ ክህብ ናጽነት ኣሎዎ። ዋና-ነገር ግን፡ እቲ ሃያሲ ኣብቲ ዘቕረቦ መርትዖታት፡ ቅንዕናን ንጽህናን ንዝዓበየ ኣበርክቶ ኣሎዎ ዶ የብሉን፧ እዩ ክኸውን ዘሎዎ እቲ ሕቶ።
ህየሳ ቪድዮ ክሊፕ ጽሒፈ ነይረ። ከም ኣብ ዓውዲ ህየሳ ናይ ሓጺር ዛንታ፡ ግጥሚ ወዘተ ዘሎኹ፡ ነዘን ቪድዮ ክሊፕ ንኽህይስ ኣየሸገረንን። ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ጽባቐን መልእኽትን ዘጣመረ’ዩ። ኣይኮነን ብዛዕባ ካሜራን ዳይረክቲንን ትምህርትን ተመኲሮን ንዘሎዎ፡ ዝበዝሐ ካብዘን ክሊፓትና ብተራ ተዓዛቢ (common sense) ዝምዘን ጌጋታት እዩ ዘሎወን። ምስቲ ግጥሚ ደርፊ ዘይከይድ ምከና፣ ዓቐን ብርሃን ምስ ሕመረት ዛንታ ዘይቃዶ፡ ማለት ብዛዕባ ክብደት ናብራን ጸልማታዊ ሂወትን እናደረፈ፡ ኣብ በጣዕጣዕ ዝበለ ጸሓይ ኮንካ ምድራፍ፣ ፍኹሰት ግጥሚ፣ ዘይቃዶ ሜክ-ኣብ ወዘተ ምስ ርኣኻ ግድነት ሽነና ከም ዘድልዮ ይበርሃልካ። እቲ ሽነና፡ ቃና ሃያሲ እዩ።
ዝተፈላለዩ ብቊዓት ሰባት ብምስታፍ ትንተና ንምቕራብ ዝበልካዮ፡ ምስዚ ዘሎ ዋጢጥ ስደት ንዘዝመጸ ክሊፓትን ፊልምታትን ሃይስካ ሽነና ክትገብር ክብድ ይብል’ዩ። ተበግሶ ምህላው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍቃድ ሓላፍነት ምርካብን ካልእ ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለ ዘሎዉን ኣብ ክንድኡ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ሲነማ ክልሰ-ሓሳብን ኣብነታትን እናገበርካ ብመልክዕ መጽሓፍ ድዩ እኩብ ቴማታት ክዳሎ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝተቐላቀለ፡ ምስ ዝምልከቶም ሰባት ክረዳድኣሉ’የ።
# ፉጹም ብርሃነ፤ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምህያስ ዳርጋ ምብኣስ ኮይኑ ኣሎ፣ ሓያሎ ድማ ካብ ሰብ ዝኸስሩ ስቅታ ይመርጹ። ኣብዚ እንታይ ሓሳብ ኣለካ፧ ብተወሳኺ ከምቲ ሓደ ንፉዕ ገጣሚ፡ ንፉዕ ሃያሲ ዘይክኸውን ዝኽእል፣ ሓደ ሓያል ሃያሲ ድማ ዘይንፉዕ ገጣሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ንስኻ ነቲ ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ክፍተት ብኸመይ ምመላእካዮ፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ከምቲ ቅድም ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ስነ-ጥበብ ጽባቐን መልእኽትን ስለ ዘጠቓልል፣ ጽባቐ ከም መወዳእታ ዕላማ ምስ ዝረኣይ፡ ዓለም ስነ-ጽባቐ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ኣምልኾ ኣሎዎ። በቲ ሓደ መዳይ ስነ-ጥበብ ምስቲ ጽባቐ፡ ዓሚቚ መልእኽቲ ክመሓላለፈሉ ዝድለየሉ እዋን ኣሎ። እቲ መልእኽቲ፥ ብጥምሩ ንንጽህናን ቅንዕናንን ዕብየትን ሰብኣውነት እዩ። ስለዚ ኣምልኾ ጽባቐ ዘይትንክፈካ፡ ዕብየት/ንጽህና ሰብኣውነት ዘይግድሰካ እንተኾይኑ፡ ስቕታ ምረጽ። ካብ መትከላት ስነ-ጥበብ፡ ቅንዕናን ትብዓትን ናጽነትን ዓቢ ቦታ ኣሎዎም። እምበኣርከስ፡ ሓደ ሃያሲ ንስለ ምሕዝነት ኢሉ፡ ነዞም መትከላት ስነ-ጥበብ ዝጎስዮም እንተኾይኑ፡ ጌና ሃያሲ ኣይበቕዐን ኣሎ ምባል ይሓይሽ። እቲ ተነቂፈ/ ተሃይሰ ኢሉ ዝኹሪ ወይ ዕርክነት ዝበትኽ’ውን፡ ጌና ስነ-ጥበበኛ ኣይበቕዐን። ምኽንያቱ፡ ንዓለም ስነ-ጥበብ ኣይተገንዘቦን ኣሎ። ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ፍልጠት ክትውንን ዓሚቚ መረዳእታ ክህልወካን በበይኑ እዩ። ንስነ-ጥበብ ከም ፍልስፍና ህይወት ንዘይርኢ ሃያሲ/ገጣሚ፡ ምሕዝነት ይዓብዮ፡ ብሓቂ ድማ ምሕዝነታቱ እንተ ኣሐየሎ ይሕሾ። እቲ ስነ-ጥበበኛ ድኻም ኣተሓሳስባ፣ እቲ ሃያሲ ድማ፡ ዘይምርዳእ ሓይልን ሓላፍነትን ስነ-ጥበብ የንጸባርቚ ስለ ዘሎዉ፡ ናይ ስነ-ጥበብ ስነ-ምግባርን ስነ-ጽባቐን ከንብቡ ምምኸርኩዎም።
ትብዓት ዘይብሉ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ፡ ሓቂን ጽባቐን ይጎድሎ’ዩ፣ ናጽነትን ዕንደራዊ ሕልምታትን’ውን የብሉን። ፍጹምነትን ምልኣትን ክህልዎ ድማ ዘይሕሰብ’ዩ። ሓደ ስነ-ጥበበኛ ግን፡ ኣይኮነን ዕርክነት ከይብተኾ፡ ሓጢኣት’ውን ክፈርሕ ኣይግብኦን’ዩ ሓደ ስነ-ጥበበኛ። እከይ ግብሪ ንኽዘርእ ክፈርሕ የብሉን ዘይኮነስ፡ ንስለ ሓቂን ጽባቐን ናጽነትን ግን፡ ወትሩ ደው ክብል ኣሎዎ። ስነ-ጥበብ ብፍቕርን ብሓቂን እዩ ተዘሪኡ ዝበቊል። ኩሉ ገጣሚ ድማ፡ ሓያል ኣፍቃሪ እዩ።
ኣብ ስነ-ጥበብዊ ህየሳ ቋንቋ ትግርኛ፡ ስነ-ኣገባባት (Set of Standards) ብዘይ ምድላውና ዘምጽኦ ዘሎ ስነ-ጥበባዊ ደንበርበር/ ምድንጋር ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ስነ-ጥበብ ብናጽነት ዝዕየ ዓውዲ እኳ እንተኾነ፡ ቅጥዒ-ኣገባባትን መትከላትን ክህልዎ ኣሎዎ። ኣገባባት እንተ ዘይነብሮ’ሞ፡ ኣብታ ስነ-ጥበብ እትብል ቃል ንርእሳ፡ ‘ስነ’ ዝብል ጥብቆ ኣይመእተናን።
ኣብዚ ፈይስቡክ ካብ ዘስተውዓልኩዎ፡ ንሓደ ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታ፡ ነዊሕ ዛንታ – ብ14 ዓይነታት ቅርጺ ህየሳ ከም ዝትንተን ወይ ዝዳሎ ዘይግንዘቡ ጀመርቲ ጽሓፍቲ ኣሎዉ። ኣብ ቅርጺ ኣድሂቡ ዝትንትን፣ ብመንጽር ኣንስታዊ ውክልናታት ዝርኢ (ፈመኒስት ክርቲስዝም)፣ ኣብ ሞራላዊ መልእኽቲ ዘተኩር፣ ብዓይኒ ማሕበረ-ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝትርጒም፣ ብመንጽር ታሪኻንው ሃይማኖታውን ምልክታት ዝፍትሽ፣ ፈናጢሑ ዝምርምር (ዲኮንስትራክሽን)፣ ደራኺ ምኽንያት ገጸ-ባህርያት’ቲ ድርሰት፡ ኩነተ-ኣእምሮኦም ዚምርምር (ሳይኮሎጂካል ክርቲስዚም) … ወዘተረፈ ዓይነታት ህየሳን ሃየስትን ኣሎዉ። እቲ ሃያሲ፡ ካብዞም ዓይነታት ህየሳ ንሓደ ወኪሉ ምስ ዝጽሕፍ፡ “ከምዚ’ባ ዘየእተኻ ከምቲ’ባ” እናበልካ ተመሊስካ ንዝተሃየሰ ካብ እትነቅፍ፣ ነቲ ፈጢርዎ ዘሎ ‘ትርጒም ዘሎዎ ስእሊ’ ከተለልዮ ይግባእ። ዝኾነ ህየሳ፡ ካበየናይ ኲርናዕ ዓይነታት ህየሳ ምዃኑ ተረዲእካ፡ ኣብታ ዝተኸተላ ኲርናዕ እንታይ ኣጒዲሉ ኣሎ ምንቃፍ ይከኣል። ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን ኣረዳድኣን ስለ ዘሎዎ፡ እቲ ዝተራእዮን ዝተሰምዖን ብሰናይ ተበግሶ ንዝጸሓፈ ሃያሲ፡ “ብናተይ ዓይኒ ዘይትርኢ፡” ብዝዓይነቱ፡ ብርዖም ከስሕሉ ዝደልዩ፡ ጥበብ ኣይኮነን እሞ ናብ ጥበብ ንመለስ እብሎም። ንዝበለጸ ውጺኢት ግን፡ ካብ ንዝተሃየሰ ምህያስ፡ ነቲ ቀንዲ ስራሕ ስነ-ጥበብ ብኻልእ ጠመተ ኣልዒልካ ምጽሓፍ ይበልጽ። ዓይነታት ህየሳ፡ ዓይነታት ግጥሚ፡ ዓይነታት ሓጺር ዛንታ፡ ቴማታት [ብሓፈሻ ስነ-ኣገባባት ኢለዮ ኣሎኹ] ክንርድኦም ይግበኣና። ነዚ ከይተረድኡ ንዝተሃየሰ ክነቕፉ ዝጓየዩ፡ ልቢ ንጹሃን ጀመርቲ ኣዕንዮም፡ ጽሑፎምን ነብሶምን ከይዓነዉ እንከለዉ፡ ዝግ ኢሎም ከስተባህሉ ይምረጽ።
ነቀፌታ፡ ህየሳ፡ ምስትምቓር፡ ምልብባም ክፈላልዩ ዘይክእሉ ጽሓፍቲ፡ ብስም ምስትምቓር ንሓንቲ ግጥሚ ክመናንሁ ምስ ረኣኻ፡ ‘ሓደ-ዶ ተሳኢኑ ኣገባብን መትከላትን ጽሒፉ ዓይኒ ኹልና ዝኸፍት፧!” ትብል።
ኩሉ ሃያሲ – ገጣሚ ክኾነሉ ዝድለየሉ ምኽንያት ኣይተበራሃንን፣ እቲ ሓሳብ’ውን ኣይዓጀበንን። ምናልባት፡ ግደ ሃያሲ ኣብ ምዕባይ ገጣሚ/ ስነ-ጥበብ ኣቃሊልካ ስለ ዝተራእየ ድዩ፧ ኣብ መንጐ ሃያስን ገጣምን ዘሎ ክፍተት እንተዘይተመልአ ይምረጽ በሃላይ እየ። ብዝምባለኦምን ብብቕዓቶምን ገይሮም እናተመላልኡ፡ ብስነ-ጥበብ ይፈውሱና ምበልኩ። ሃያሲ ግድነት ክገጥም ምስ ዝደሊ ግና፡ ሓያሎ ግጥምታት ድሕሪ ምንባብን ምህያስን ድሕሪ ግዜ፡ ‘ግጠመኒ ወይ ኣገጣጥመኒ’ ዝብል ሓያል ስምዒትን ሓሳብን ፈንጺጉ ክሳዕ ዝትፋእ ብዓቕሊ ይጸበ። ክሰምረሉ ከኣ ምተመነኹሉ!
# ዛራ ገጠምቲ፤ እሞ እናዛዘምና እንዲና፡ ካባኻ ናይ ቀረባ መጻኢ ስራሕ እንታይ ክንጽበ ኢና? ንእግረ-መንገድኻ፡ ትዕዝብትኻ ኣብ ዛራ-ገጠምቲ ከምኡ’ውን ቅሉዕ ነቕፈታ ይኹን ለበዋ ናብ ኣድሚናት እንተለካ’ውን ኣይትንሓፈና።
* ኣማን ተኸስተ፤ ዝተኣከበ ጽሑፋት፥ ትልምታት፡ ቴማታት፡ ህየሳዊ ዓንቀጻት፡ ጦብላሕታታት’ኳ እንተሃለወኒ፣ ጽሑፋተይን ርዲኢተይን ክበስልን ክሰፍሕን ኣሎዎ ዝብል ኣረኣእያ ስለ ዘለኒ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መጽሓፍ ንምሕታም ኣይመደብኩን። በብግዚኡ ኣብ ዛራ-ገጠምትን ዛራ-ጥበባትን ጽሑፋት ምብርካት ግን ኣውራ ነገር’ዩ።
እታ ዝነበረትና ‘ቡክ ክለብ’፡ ናታ ዌብሳይት ከፊታ ጽሑፋት ከተበርክት ምስቶም ደርዘን እንኸውን ኣባላት ኣብ ምርድዳእ ስለ ዝተበጽሐ፡ ኣብዚ ዝመጽእ 4-6 ሳምንታት ስርሓ ክትጅምር’ያ። ቀንዲ ማሕንቈ ስደትን ስነ-ጽሑፍን፥ ካብቲ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ ምግላልና፣ ብዝሒ ስዓታት ስራሕ፣ ንኽትጽሕፍ ዝደፋፍኣካ ንያት ዘዳኽም መስርሕ ሂወት ብምህላዉ፡ ነዚ ፈንጢስና ኣብ ከብሕታት ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ገለ ከነበርክት ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ክንጽመድ ኣለና (ለበዋ ንኹልና ጽሓፍቲ’ዩ)። ጽሓፍቲ፡ ብፍላይ’ቶም መዛኑ፡ ነንሕድሕዶም ክተባብዑን ንዝበረኸ ስእሊ (መድረኽ) ከማዕድዉን እላቦ።
ሓደ ኣብ ስደት ዘሎ ጽሓፊ፡ እኩባት ሓጸርቲ ዛንታታት ወይ ግጥምታት ከም ዘሎዎ እናረኣና፡ “ጽሑፋትካ ክንእርመልካ፡ መወልቲ’ውን ኣይሰኣኑን’ዮም እሞ ነዚ ዘሎ ወለዶ ራእይ፡ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ መምሃርን ሰነድን ክኸውንሲ፡ ሃየ ንኸተሕትሞ ድሉውነትካ ኣርእይ፡ ምስሊ ዓለምካ ኣርእየና፡” ወዘተ ዝብል ምኽሪ ናይ ስነ-ጥበብ ዓርከ-መሓዛ ክበዝሕ እምነ። ኣብ ግጥሚ፡ ቴማ፡ ሓጺር ዛንታ ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ዓንኬል ስነ-ጽሑፍ ጽቡቕ ጌሮም ዘካውኑ ወሓለታት ጽሓፍቲ፡ ከም ብዓል ብርሃነ ገ/ሂወት፡ ዮሃንስ ኣብርሃም፡ ቦኽረ ገ/የሱስ በዚ ኣጋጣሚ ምስሊ ዓለምኩም ብመገዲ መጽሓፍ ኣቕርቡልና ክብሎም እደሊ። ከምኡ’ውን፡ ነቶም ትስፉዋት ገጠምትን ደረስትን።
ከም መጠቓለሊ፡ ግጥሚ ምስ ሕያውነት ባህሪ ወዲ-ሰብ፡ ዓሚቚ ምትእስሳር ዘሎዎ ስነ-ጥበባዊ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ኣብ ልቢ ኣንበብቲ ሓወልቲ ስምዒት ብዝገድፍ ይተሃነጽ። ህየሳ/ሃየስቲ፡ ሕመረት ስነ-ጥበባዊ ዳይናሚካዊ ለውጥታት ብምዃኖም ነቲ ዓውዲ ክንምዝምዞ የድሊ። ፍልስፍና፡ ማስተር-ፒስ ቴማ፡ ሓጺርን ነዊሕን ዛንታታት ድርሰት፡ ድራማዊ ጽሑፍ፡ ግጥሚ፡ ህየሳ ሓደ ካብ ሓደ ዘይሓምቕ ንሕብረተ-ሰብ ዘማእዝኑ ሓይልታት እዮም’ሞ፡ ከከም ዝምባሌና ንጠቀመሎም። ናይ ስነ-ጥበብ ስነ-ምግባርን ስነ-ጽባቐን ዓሚቚ ርድኢት ክህልወና ግን፡ ‘ይውዓለለይ ዘይብሃሎ’ እዩ። ንገለ ካብ’ዚ ጽሑፍ ንኽምልስ፡ ካብ ዳያሪ ሰለስተ ጥቕስታት ናይ ዊልያም ዎርድስዎርዝ፡ ኦስካር፡ካንትን ከም ዝተወከስኩ ክሕብር እፈቱ።
ዛራ ገጠምቲ፡ ሒዛቶ ዘላ መደብ መጽሓፍ ግጥምታት ክትደፍኣሉ እምሕጸን። ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ከይተሓጽረት፡ ምስ ግዜ 2ይቲ፡ 3ይቲ፡ 4ይቲ እናበለት ናይ ሕጅን ቀደምን ግጥምታት ጠርኒፋ ጽምኢ ንባብና ከተርውዮን ክትስንድን እትስፎ። ኣድሚናት ዛራ ገጠምቲ ከም ኩሉ ኣብ ስደት ዘሎ፡ ብስራሕን ማሕበራዊ ናብራን ተታሒዞም ክነሶም፡ ንተገዳስነቶም እናመስገንኩ፡ ነዛ ገዛ ፉሕፉሕ ዘብሉ መደባት ከም ዛዕባ ህየሳ ግጥሚ፡ ምስትምቓር ግጥሚ፡ ክትዓት ከተልዕልን ክትውድብን እብህግ።
ኣብ ስነ-ጥበብ ዘሎ፡ ንስነ-ጥበብ ከም ፍልስፍና ሂወት ኣቊሙ፡ ንዝበረኸ ተመጣጠር ክብሎ እደሊ። ከምቲ በየነ ሃይለ ዝበሎ፡ ‘ስነ-ጥበበኛታት፡ ነዚ ዘሎ ጸልማት ሂወት ኤርትራውያን ብርሃን ራእዪ ገይሮም ከሳጒግዎ እምብዛ እምነ።
ስነ-ጥበብ ይዓንብብ! የቐንየለይ………!
ሓው ኣማን ስለቲ ሰፊሕን ዓሚቅን መልስታትካ ብስም ዛራውያን ደጊምና ነመስግን ።
ዛራ ገጠምቲ
ሚያዝያ2016