ዛራ-ገጠምቲ፣ ሰላም ሓው ፋኑስ፡ ዕላማ‘ዛ መደብና ተረዲእካ ንዕድመና ብኣውንታ ብምቅባልካ፡ ብስም ኣዳለውቲ‘ዛ መደብን ኣባላት ዛራ-ገጠምቲን ምስጋናና ተቐበል። ብምቅጻል፡ ድሕረ ባይታኻ ምስ ስነ-ጥበብን ስነ-ቋንቋን ብዝተታሓሐዘ ኣውግዓና፧
* ፋኑስ፣ ሰላምታኹም ይጥዓም ዛራ-ገጠምቲ! ዕጽፊ እቲ ዝሃብኩምኒ ምስጋና ኪበጽሓኩም እናተመነኹ ድማ፥ ናብ ዓቕመይ ዚፈቕዶ ምላሽ ክሰግር!
እወ፥ ድሕረን ቅድመን-ባይታ፥ ክልተ ጫፋት ምንባር እንድዮም፤ ኣብ ውሽጦም ዚህልው ሕንባሰ ኸኣ፥ መቕርን ዕርዓረን ህይወት ኰይኖም ይስምዑኒ። ምስ ስነ-ጥበብ ከምኡ`ውን ስነ-ቋንቋ ተተሓሒዙ ዚተራእየ ተውህቦይ ከኣ፥ ኣብ ሸውዓተ ዓመታት ዝመላእኩሉ ዕድመይ ኪብጭቕ እዝክሮ። ሽዑ፥ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተኾለዐ ባርዕ ዕግርግር ኣስመራ ጽዑቕ ቶኽሲ ጠያይቲ፣ መዳፍዕ፣ ኪትኰስ ሓዲሩ፣ ኣብ ወጋሕታ ኬቋርጽ`ውን እዝክሮ። ንግሆ ድማ፥ (ኣብ ህይወተይ ፈለማ ምዉት/ታት ዝረኣኹላ) ኣብ ውሽጥን ቀጽርን፥ ሬሳታት ተዛሕዚሖም፣ ኣብ ትግሬቶታት ተጸፍጺፎም ክጓሓፉ ርእየ ዘይርስዖ ዝኽሪ እታ ቀዳም-ንግሆ ኰነ። ካብ`ዚ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎ ደማዊ ሩባ ዝተቐድሐት፥ ”ዓርቢ-ምሸት” ዝሰመኹዋ ግጥሚ፥ ኣብ ወረቐት ኪትከዓው ድማ፥ ድሙቕ ዝኽሪ ኣሎኒ። ጥበብ፣ ስነ-ጥበብ፣ ከምኡ`ውን ስነ ቋንቋ ግን፥ ከም ኣምር`ውን፥ እንታይነቶም እፈልጦም ኣይነበርኩን። ብቀይሕ ቀለም፥ ኣብ ደብተር-ቁጽሪ ክጽሕፋ`ውን፥ ዛጊት ካብ ዘይሃሰሱ ዝኽርታት እያ። ህይወት፥ ኣብ ቋሕታን ሰምታን ፥ ምብትታን ስድራ ስለ ዝሰዓበ ኸኣ፥ ናፍቖትን ሻቕሎትን ዝሓቑንዎም፣ ኣብ ምስትምሳል ዝምርኰሱ ግትምታት፣ እጽሕፍ ነይረ። ባዕለይ ጽሒፈ ባዕለይ ስለ ዝነ`ቦም ከኣ ፍሉይ ስምዒት ይህቡኒ ነበሩ። ምብሓት ከኣ፥ ስለ ጥበባዊ ርድኢት ዘይኰነስ፥ ስለ ውሽጣዊ ስምዒት ነይሩ። «ከም`ዚ እንተ ዝኸውን» ዘይኰነስ፣ «ከም`ዚ እንተ ዘይከውን» ዝመርሖ ከይዲ ጽንሓተይ ብዕሸሉ፣ ምስትምሳለይ ከዪረአይ፣ ቃንዛ ውሽጠይ ክሓብእ፣ ፍርሕን ጉርሕን ዘማዕበልኩሉ ጊዜ`ውን ነይሩ። ልዕሊ ኩሉ ግን፥ ኣብ ጥሙርን ውሕሉልን መከላኸሊ ምላሽ አድህብን እዓርድን ስለ ዝነበርኩ፣ ሕርያ ቃላትን ጥበብ ስውያን`ውን፥ ሽዑ ዝማዕበሉ ኰይኖም ይስምዑኒ። ምኽንያቱ፥ ድሕሪ ውሑድ ዘረባይ፥ ካብ መዛርብተይ ወይ ሰማዕተይ፥ «መጺጽ! ዛርቡን! ወዘተ» ዚብላ ቅጽል-ቃላት ይስዕባ ነይረን። ገለ ለባማት ከኣ፥ «ለባም!» ይብሉኒ ነይሮም። እንታይ ዘረባ`ለዎ፥ ዘይሩ ዘይሩ፥ መናፈሻ ድኻታት ምንባሩስ ኣይተረፎን። ብሓፈሻ ግን፥ ኣብ ትምህርቲ ዓቕሚ ነብሰይ ምክትታል ኣይሓደግኩን፣ ውጽኢቱ ኸኣ፥ ክልተ ደረጃታት ነጢረ፥ ምስ ዘይመዛኖይ (ብዕድመ) ክምሃር ስለ ጀመርኩ፥ ዕሸልነተይ ዕረፍቲ ረኸብኩሉ። መዓልተይ`ውን፥ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ተጸሚደ ክውዕል ስለ ዝደረኸት፥ ካልእ ምርጫ ኣይነበረኒን። ስለ ዝኾነ ኸኣ፥ ቁልዕነተይ ክነጥሮ ዚድርኹ ፍጻመታት ተኸሲቶም፣ ምሉእ ግዝኣት ሒዞም`ውን፥ ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮሙኒ ነበሩ። ኣብ ካልእ ሸነኽ ግን፥ እቲ፥ «እዝኒ መዘና ቀዳሞት!» እናተባህለ ዚንገረሉ ምሳለ፥ ዝኸሰብኩሉ ይመስለኒ። ምኽንያቱ፥ ኣብ ኩሉ ክውነተይ፥ ዳርጋ ዓርኪ ኣቦታተይን ኣያታተይን ክኸውን ስለ ዝኸኣልኩ። ማይ ሓጋይ ዘኒቡ ጸሪጉዋ`ምበር፥ «ኣባሓጎይ» ሳጓ ኰይና ዳርጋ ጠቢቓ ነይራ። መምሃራን እውን፥ ገለ ብልጭታ ግዲ ርእዮም፥ ኣብ ምድራስ ሓጸርቲ ተዋስኦታትን ግጥምታትን ክተናኽፉኒ ጀመሩ። (ትምህርተይ-ትምህርተይ! መን ኢልዎ እዩ!…ክክክ) እታ መነባብሮይ ርእዮም ግዲ ኰይኖም ግን፥ ክዋሳእ ኣይደፍኡኒን። ሓደ እዋን ግን፥ ሓደ ሰብ፥ ብርዱእ ምኽንያት ስለ ዝቦኾረ፥ ዳርጋ «ናዓ ነብሲ ኣውዕል!» ዝዓይነቱ ልመና ተለሚነ፥ ኣብ መድረኽ ተሰቐልኩ። ድርሰተይ ስለ ዝነበረ`ውን፥ እቲ ክብደት መድረኽን ኣዒንቲ ተዓዘብቲን ገዲፈስ፥ ክላበስ ኣይተሸገርኩን። አግዲ! ብጣቕዒት ስኽራን`ውን ኣይተረፈን፤ ምቕሚቕታ`ውን ሒዙኒ። የግዳስ፥ ኣብ ውሽጠይ ዝቕመጡ፣ ኣብ ጽምዋይ ዝውዕውዑ ረቀቕቲ ብጾተይ፥ ጣቕዒት ናብ ጽፍዒት ቀዪሮም፥ ኣብ ዝባን መድረኽ ከይትንክስ ኣገዱኒ። ቀጻሊ ቁጠዐኦም፥ ጐርሒ ናብ በልሒ፣ ፍርሓት ድማ፥ ናብ ትብዓት ኪቕይሩ ዚቃለሱ ብጾት እዮም። ሰሚዐዮም እንተ ዘይዓሪፈ ድማ፥ ዝድቅሱን ዘደቅሱን ኣይኰኑን። «ኣብ ውሽጥኻ ዕበይ!» ድማ፥ ምኽሮምን ለበዎኦምን እዩ። ኰነ ኸኣ፥ ወዮ ደኣ ኣነ ዘይዓብይ ኰይነ`ምበር፥ ወግዓውያን መድረኻት ካብ ክስቀሎም፥ ክዕዘቦም ዝፈትው ዓይነት ሰብ ኰይነ ቀጸልኩ። ሓፈሻዊ እምበኣር፥ ህይወት፥ ብዝተፈላለዩ ሸነኻታ ክርእያ ዕድል ዝረኸብኩ ሰብ እየ። ኣብ ቋንቋዊ መዳይ ድማ፥ ዛጊት 15 ዓመታት መመላእታ፥ ዕቱብ ውልቃዊ መጽናዕቲ ከካይድ ጸኒሐ ኣለኹ። ጎኑ-ጎኑ ድማ፥ ድሕሪ መዓልታዊ ስርሐይ፥ ኣብ ምምህርና ቋንቋ-ኣደ እነጥፍ ኣለኹ።
# ኣማን ተኸስተ፤ “ሚዛናዊ ስርዓተ ቋንቋ” ንምህላው ብዙሓት ዝሳተፍዎ ዓውደ መጽናዕቲ’ኳ ይግብኦ እንተዀነ፣ ኣብ ስነ-ቋንቋ፡ ምርምራዊ ትንታነታት ክትህብ ተገዲስካ ከም ዝተበገስካ መጠን፡ ብወገንካኸ ናይ ብዓል ኣባ ያቆብ ገብረእየሱስ (1940ታት)፡ ኣባ ማቴዎስ ሓጐስ (1955)፡ ኣዲ ገብረ (1989)፡ ኣማኑኤል ሳህለ (1998)፡ ክፍሊ ቋንቋ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዘዳለዎ (1980ታት) – ካሪክለም ሚ/ት ዝኽተሎ፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ (2006)፡ ተክአ ተስፋይ (2015) ….. ወዘተ. ዝተሓትሙ ዝተፈላለዩ ምርምራዊ ጽሑፍ ‘ስዋሱው ቋንቋ ትግርኛ’ – ናይዚኣቶም ኣተሃናንጻን ኣወዳድባን ቋንቋ ምርኩስ ጌርካ ዝሓሸ ሚዛናዊ ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ድዩ ኣተኲሮኻ፧ ወይስ ባዕላዊ ስነ-ሞጐት ብዘበገሶ ፍሉይ ኲርናዕ ሒዝካ ስዋሱው ትግርኛ ክትክልስ’ሞ መጽናዕትኻ ክትዝርግሕ ድዩ፧ መልስኻ እቲ ኮይኑ እዚ፡ ስለምንታይ፧
* ፋኑስ፣ ፈለማ`ኳ፥ እታ ኣብ 80`ታት ኣብ ሜዳ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዳርጋ ብሓዳሻ እተዃቱኻ ነይረ፤ የግዳስ፥ ምስ ዝነበረኒ ድሩት ጊዜን ኣካይዳን፣ ዕድመን ጻዕቂ ስራሕን፣ መጽናዕታዊ ዕማም ነይሩ ክብል ኣይክእልን። ዝያድኡ ግን፥ ቀጻሊ ምስ ህዝቢ ዜራኽብ ኣጋጣምታት ይፍጠር ስለ ዝነበረ፣ ኣብ መውስቦን ሕንፋጸን ቋንቋ-ከባቢ ክግደስ ጀሚረ። ኣብ`ታ ጸባብ ጊዜ፥ ምፍታግ ስለ ዝጀመርኩ ኸኣ፥ ዳርጋ ኣብ ሃውርታት ተጸጊዖም፣ ስለ ህላወ ጥራሕ ዝህልዉ ቃላት ክውህልል ጀሚረ። ሽዑ`ውን፥ ምስ ገለ መምሃራን ክቋደሶ እኳ እንተ ፈተንኩ፥ ተግሳጽን ርግሒትን ዝዝውትሩ`ውን ኣይተሳእኑን። ምናልባሽ ኣብ ኣወሃህባ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፥ ሜላ ክቕይር ፈተንኩ። ሜላ ምቕያር ግን፥ ኣንጻር እቲ ትሕዝቶ ኪቐንዕ ስለ ዝጀመረ፥ ኣይሰለጠን። ኣብ ዓቃብነት ጥራሕ ዝተጸመዱ ኣራእስ፥ ክልወጡ ዘሎዎም ዕድል`ውን ምስ`ቲ ሓጎጽጎጻዊ ህይወትን ክውነትን ተዛሚዶም፣ ጸበብቲ ኰይኖም ተራእዮሙኒ። ዝተረኸበ ዕድል ተጠቒመ ዝተዓዘብክዎም ድምራት ከኣ፥ ብ መጽሓፍ ኣባ ኢሳቕ እንተ ኣሚኖም፣ ኣብ`ታ መጽሓፍ ይድረቱ፤ ዝትንክፈሎም`ውን ኣይደልዩን። ብመጽሓፍ ካልኦት`ውን ተመሳሳሊ፤ ዝበኣሰ ድማ፥ ኣብ ኣውራጃታት ዚዓለመ፣ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ወረዳ፣ ኰታ እናጸበቡ ዝኸዱ ስምዒታት ዝበዓጥዎም ረቀቕቲ ከይድታት ተዓዚበ እየ። እናሻዕ ክዝክሮ ከለኹ፥ ብፍላይ ካብ`ታ ብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፥ ጌጋ ምውጻእ ምፍታን፥ ዳርጋ፥ «ጎስጓስ ኣንጻር ሰውራ» ዝትርጉሙዎ ውልቀ-ሰባት ነይሮም። ኣብ`ቲ ጊዜ፥ ከም ”ጎቦ ፍርዲ ዓረይ፣ ወድ ሓደራ፣ ወዘተ» ዝነበራ መጽሓፍቲ፣ ከምኡ`ውን፥ መጽሔታት ”ፍጻመታት (ጸኒሓ ሳግም ዝተቐየረት)፣ ተዓጠቕ፣ ወዘተ” ምእራመን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ። ምኽንያቱ፥ ብ ቋንቋዊ መዳይ ዘይኰነስ፥ ብጎስጓሳዊ ሸነኹ ዝርእይዎ ኣካላት ነይሮም እዮም። ዝኾነ ኰይኑ፥ ውጽኢት መግዛእቲን ውልቃዊ ርድኢትን ክሻዕ ዝኾነ፥ ኣብ ቂምታን ሕርቅምታን ዚሓድር ኣይኰነን። እኳ ደኣ፥ ዓብዪ ትምህርቲ እቖጽሮ ነይረ። ድሕሪ ነጻነት`ውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝተኻየዱ ዋዕላታት-ቋንቋ እከታተል ነይረ። እቲ ምትእኽኻብ ግን፥ ርእሰ-ትሕዝትኡ ገዚፍ፣ እቶም ጸሓፍቲ`ውን፥ ዓብዪ ሽም ዝሓዙ እዮም። ይኹኑ`ምበር፥ ጠበቓታት ዝጸሓፍወን መጽሓፍቲ ኰይኖም ክከላኸሉ ዜርእይ መድረኽ እምበር፥ ኣብ ማእከላይ መስመር ኣልዚቡ ዜኽይድ መገዲ ክጸርጉ ኣይተዓዘብኩን። ካብ ዲጋ ህዝቢ ኪቕዳሕ፣ እኹል ምዋለ ዘይረኸበ፣ ውልቃዊ ኣካይዳ ኰይኑ`ውን ይስመዓኒ ነይሩ። እንሆ ኸኣ፥ ካብ ዝተፈላለያ ስንጭሮታት ኣኪቡ ዘይወረደ ሩባ፥ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ጥራሕ ተጓዒዙ ኣብ ሑጻ ኪስተይ ንርእዮ`ለና። ስለ`ዚ፥ እቶም ዝጠቐስካዮም መጽሓፍቲ፥ ብኽብረት እድህስሶም፣ እደጋግሞም፣ እመሃረሎም እውን። ንሓድሕዶም ስለ ዝገራጨዉ ግን፥ ምልኣተ`ውክስና ኣይረኽበሎምን። ጠቕሊለ ክህበካ ዝኽእል ምላሽ፥ ኩለን ዝጠቐስካየን መጽሓፍቲ እውከሰን፤ ሚዛናዊ ትሕዝቶ ክጥርንፍ`ውን እፍትን። ካብ መሰረት ከይረሓቕኩ፣ ዝሓሸ መቐይሮ ክፈጥር ዘካይዶም ጻዕርታት`ውን ኣሎዉ። ኣብ መወክሲ ዚምልከት ድማ፥ እተን ዝርካበን መጽሓፍቲ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ተበጊሰን ማእከል ክፈጥራ ዝፍትና`ኳ እንተኾና፣ ኣብ መስርሕ ግን፥ ክሓድያ ዝኽእላ ኰይነን ኣይረኸብኩወንን። ምኽንያቱ፥ ማእከል ገዛእ-ርእሰን ከድምቓ`ምበር፥ ካብ ሓደ ማእከል ዝተበገሰ ሰረት የብለንን። ውህላል ትሕዝቶአን`ውን፥ ኣብ «ይበሃል» እምበር፥ ቅኑዕን ዘይቅኑዕ ዚምርምር መስርሕ የብለንን። ኩለን ዝሰማማዓሉ ሓደ ነጥቢ ድማ ኣሎ፥ ንሱ ኸኣ፥ «ሱር ግስ» ክምህራና ከለዋ፥ ብጾታን ጊዜን ዝተገበተ ተባዕታይ ጾታ (ቀተለ፣ ወሰደ፣ ደየበ . . ) የቕርባ። ካብ ትርጉም ግስ፥ መጠን ክንደይ ርሒቐን ይዕንድራ ምህላወን ድማ፥ ክንግንዝብ ንኽእል። ጎነ-ጎኒ ዚኸይድ ከኣ፥ እቲ መጽሓፍ ምድላው እዩ። ምስ ዕዳጋ ስለ ዝተኣሳሰር፥ ስሕበት ውልቃዊ-ረብሓ ዘሎዎ ኰይኑ ይረኣየኒ። ስለ`ዚ ኸኣ፥ «ጉዳያት ቅድሚ ኣብ መጽሓፍ ቀሪቦም ዝሽየጡ፥ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክቕልዑ ኣለዎም! ብዋንኦም ዝኾነ ህዝቢ ድማ፥ ክምርመሩ ኣለዎም! ከይተመርመሩ መምርሒታት ኰይኖም እንተ ቐሪቦም ግን፥ ግዳያት ክበዝሑ እዮም።» ዝብሉ ርእይቶታ ሒዘ፣ ርእይቶይ እውን፥ ምስ ከባቢየይ እቋደሶ ኣለኹ። ልክዕ`ዩ፥ ውጽኢት መጽናዕተይ ዘካተተ መጽሓፍ ክጽሕፍ እሓስብ፤ ቅድሚ ዝኣገረ ግን፥ ኣብ ቃልዕ ብዘየሻሙ ዕዳጋ፣ ብፍላይ ድማ፥ ምስ`ዚ ንኡስ ወለዶ ሓሳብ ክለዋወጠሉ ገዚፍ ህርፋን ኣሎኒ። «ላዛ ትግርኛ» ኸኣ፥ ኣብ ቋንቋዊ መዳይ ክንዋሰኣሉ ዝኸፈትክዎ ቤት እዩ። ካልኦት ከም ”ዛራ ገጠምቲ” ዝኣመሰላ ገዛውቲ ኸኣ፥ ዘይንኡስ ተራ ይጻወታ ምህላወን ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልይን።
# ነጋሲ፤ ዝኸበርካ ፋኑስ ቋንቋን ቊንቊኚኡን ኣብ ስነ-ግጥሚ፡ ውጺኢቱ ማዕረ ክንደይ’ዩ ትብል፧ ኣብ ግጥሚ፡ ባዕዳዊ ቋንቋ ምጥቃም ነቲ ግጥምን ንቋንቋን የሀፍትሞዶ ወይስ ይደቑሶ ትብል፧ ግጥሚ ብዘይ ኣርእስቲ ንመልእኽቲ የፍኩሶዶ፧
* ፋኑስ፣ ሓው ነጋሲ፥ ወዮ ደኣ፥ ግጥሚ ዓብላሊ ስይም ሒዙ`ምበር፥ ቍንቍኛ እኳ`ዩ! ተጫሒጎም ዝተኾመሩ ሓሳባት ምቕዋድ፣ ገጣሞ ዘውጽእዎም ጭንግዓታት ከይረኣይና፥ «ዋሕኖ ግጥሚ!» እናበልና ክንንእድ ዚከኣል ኣይመስለንን። ስለ`ዚ፥ ቍንቍኛ ሓደ ካብ ብዙሓት ቀመማት ስነ ግጥሚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ባዕዳዊ ቋንቋ ዚምልከት፥ ብዙሕ ጊዜ ኣሉታዊ ጽልዋ ይውሕዝ እዩ። እንተ እቲ ጽሑፍ ወይ ግጥሚ፥ ባዕዳዊ ቃላት ኬብርህ ዚዓለመ ኰይኑ፧ ወይ`ውን፥ ኣብ ውሽጢ ግጥሚ ተመሪጹ ዘሎ ጠባይ፥ ጉራማለ ዚዛረብ ኰይኑ፥ ብሕሉው ስርዓተ-ነጥባዊ ኣገባብ ኪቐርብ ጉቡእ እዩ። ምልከት ባዕዳዊ`ቋንቋ ዚዕቅን ስርዓት ተኸቲልና ክንግምግሞ ድማ፥ ዚከኣል ይመስለኒ። እንተ ግጥሚ ትግርኛ ብትግርኛ ኰይኑ ግን፥ ካብ ባዕዳውያን ቋንቋታት ርሒቑ፥ ነጻነቱ ኪእውጅ ኣለዎ! ስለ`ዚ፥ ቋንቋን ሓሳብን ክልተ ዝተፈላለዩ ኣምራት ምዃኖም ገንዚብና፥ ብካልእ ቋንቋ ንፈልጦ ወይ ንሓስቦ፥ ኣብ ሓሳባዊ እምበር፥ ኣብ ቋንቋዊ ርዕመት ኣንተ ዘይዓለምና ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሱ ዝኸኣለ ቋንቋ ድቑሰት ስለ ዜምጽእ።
እግረ-መገደይ፥ እቲ «ኣርእስቲ» ዚብል ቃል፥ «ርእሰ-ትሕዝቶ» ምባሉ ዝሓሸ ኰይኑ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ፥ «ኣርእስቲ» ብዙሓት ርእስታት ዜስምዕ ትሕዝቶ ስለ ዘሎዎ። ከም`ቲ ሓደ ሰብ፥ ሓደ ርእሲ ዘሎዎ፣ ሓደ ጽሑፍ ብፍላይ ድማ ግጥሚ፥ ጠማሪ ርእሰ-ትሕዝቶ ኪህልዎ ኣገዳሲ እዩ። ስም፣ መንነት፣ እንታይነት፣ ወዘተ ዜካትት ሕሩይ ቃል ኪኸውን`ውን ኣይጽላእን። ስለ`ዚ፥ ስርዓተ ስምያ ርእሰ-ትሕዝቶስ ይሃልው ደኣ!
# ዛራ-ገጠምቲ፤ ናብ ዛራ ገጠምቲ ካብ ዝተሓወስካሉ ክሳብ ሕጂ ትህቦ ነቅፈታን እርማት ኣብ ስነ-ቋንቋን ስርዓተ-ነጥቢን ዘተኮረ እዩ። ስሕት ኢልካ’ውን ኣብ ትሕዝቶ ግጥሚ ርእይቶታትካን ህየሳኻን ተካቲት ኢኻ። ኣብቲ ፈለማ በ‘ዞም ደሓን ኣፍልጦ ኣለዎም ዝብሃሉ ኣባላት ዛራ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶ ጽሑፋትካ ዘይዕግበቶም ዘርእዩ‘ውን ነይሮም። ምስቲ ናይ ፈለማ ዝነበረ ሃዋሁው ኣነጻጺርካ፡ ጎሊሑ ዝተራኣየካ ኣውንታዊ ውጽኢት ዝተዓዘብካዮ ኣሎዶ? ንእግረ መገድኻ፡ ሓው ፋኑስ እትርከቦም ገለ ገለ ነቀፍቲ፡ ንሓንቲ ስራሓት ክነቅፉዋ ምስ ኣንቀድኩም፡ ኣብ መቅድም እትጥቀምሉ ዓጸቅቲ ቃላት ኣለው። ቀንዲ ሃየስቲ ምስ ገጠምቲ ንኸይረዳድኡ መንደቕ ኮይኑ ዝጋረዶም ዘሎ ኸኣ ሽምጠጣ ዝተሓወሶ ነቕፈታ እዩ። ልዙብ ነቀፌታ የለን ድዩ ኮይኑ፧! ብዘይ‘ዞም ዓጸቅቲ ቃላትኸ ናይ ምንቃፍ ሸውሃቶም ኣይክፈተሎምን ድዩ፧ “ነቃፊ ነቂፉ ኣሎ፡ ገጣሚ’ውን ዘድልዮ ወሲዱ ዘይድልዮ ይገድፍ” ክንዲ ምባል፡ እቲ ዘድልዮ ነቀፌታ ከካትቱ ዘይክኣል ድዩ ኮይኑ፧
* ፋኑስ፣ ግደ ሓቂ፥ ኣብ ዛራ ቅድሚ ምምጸአይ ዝተመኰርክዎም ጋህዳውያን ፍጻመታት ሒዘ ስለ ዝጸናሕኩ፣ እቶም ፈለማ ዝተራእዩ ገርጨውጨዋት «ውሑዳት ነይሮም» ክብል እኽእል። ምኽንያቱ፥ ምስ ሓያሎይ፥ መጽሓፍ ጽሒፎም ዝተፈለጡ ደረስቲ ዘካየድክዎም ዝርርባት፥ እንትርፎ ሃውጽን ነፍጽን፣ ጸኒሖም ድማ፥ ህድማ ዕቡያት፣ ካልእ ኣይረኣኹሎምን። ኣብ ዛራ ገጠምቲ እንተ መጺእና`ውን፥ ፍሉይ ሕጊ ምህላዉ፥ ኩላትና ንፈልጦ እዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፥ ዋናታት ግጥሚ፥ ምስ ወሃብቲ ርእይቶታት ዝራኸቡሉ ዕድል ጸቢብ እዩ። እቲ ግርጭት ኪፍጠር ዘሎዎ ዕድል`ውን፥ ብኡ መጠን ጸቢብ ምዃኑ እግምት። ኣብ ካልኦት ገዛውቲ ግን፥ ተርእዮታት ኣሎ። እናሻዕ`ውን፥ ነጻነት ናብ ስድነት ቀዪርና፥ ክንህውትት ንረኣየሎም ቃልዓት ኣሎዉ። ይኹን`ምበር፥ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ድማ፥ ህውተታና እንተስ ተረሲዑ፣ ወይ`ውን ልቢ ኣዕብዩ፣ መንፈስ ምርድዳእ ሰፊኑ፣ ንርእየሉ እውን ኣሎ። ካብ ትመኩሮ ተበጊሰ ዝውስኾ ርእይቶ ኸኣ፥ እናሻዕ ነብሰ ምክልኻል፣ ካልእ-ሻዕ ህውተታ ኪኽሰት ምርኣየይ ኣይገረመንን። ምኽንያቱ፥ ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝተንከፍክዎ፥ ካብ ግዳይ ጸሓፍትን ካልኦት ክውነታትን ዝኾነ ሕብረተሰብ፥ ካልእ ክጽበይ ስለ ዘይጸናሕኩ። ብሓፈሻ፥ ድምር ሕሉፍ ክውነትና ስለ ዝኾንና፥ ገርጨውጨው ምፍጣሩ ምቕባል፣ ቅድሚ ሰቑርን ወቕርን`ውን፥ ነድሊ ምህላዉ ምፍላጥ፣ ዜድልየና ይመስለኒ። ኣነ ብወገነይ፥ ዋላ`ኳ እንተ ዘይከኣልክዎ፥ ኣምራዊ ቅብሊት ክህልወኒ`ውን ብዙሕ እጽዕር፤ ዝያዳ ድማ፥ ሰባት ሓሪቖምን ነዲሮምን ክምሉሽለይ ከለዉ፥ እንድዒታት ደርዲረ ከይሃድም፥ ብዝከኣለኒ እጽዕር፤ ገለ ጌጋታት ምሳይ፣ ገለ ጌጋታት`ውን ምስ ካልኦት ስለ ዝጸንሑኒ ድማ፥ መአረምታ ኣይስእነሉን። ነብሰ-ፍወሳ አካይድ፣ እቲ ርኽበት`ውን፥ ሳላ`ምበር ሰንኪ ከይቆጸርኩ እህብትመሉ። ኰታ ካብ ሕማቕ ጽቡቕ ምውጻእ ዝመስልዎ የሎን! እወ፥ ከም`ቲ መሳሎ፥ «ደንጎላ፥ እንተ ደልይና ቤት ንሰርሓላ፣ ወይ ርእሲ-ሰብ ንፈግኣላ!» ዝብልዎ፥ ካብ`ቶም ጌጋታት ዝመሃሮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ዝምልከት ከኣ፥ ዋላ`ኳ ምሳይ ቀጥታ ኣዪኹን`ምበር፥ ኣብ ሓድሕድ ካልኦት ዝረኣዩ ድኻማት ኣለዉ። ኬረዳድእ ዚኽእል መስመር ምምራጽ ከኣ፥ ግደ እቶም ምኩራት ኣካላት ኰይኑ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ፥ ኣብ ህዝባዊ መርበባት ንራኸብ ሰባት፥ ዕድሜና፣ ተመኩሮና ወዘተ ዝተፈላለዩ እዮም። ስለ`ዚ፥ ሕመቕናን ጽቡቕናን መምሃሪ እንተ ተጠቒምናሎም፧ ዝመሓይሽ ውጽኢት ንረክብ ኰይኑ ይስመዓኒ። ምስ`ዚ ተኣሳሲሩ ዚረአይ፥ ጉዳይ ዓቕሊ እዩ። ዓቕሊ ድማ፥ ኣብ ዓቕሚ ስለ ዚዓቅል፥ ዓቕምና ክነሐይል ዜኽእለና ጻዕሪ ክነካይድ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ`ታ ካልአይቲ ሕቶ ዘሎኒ ርእይቶ፥ ኣብ ርእይቶታትና ክንሕልዎም ዝግብኡና ከይድታት ምህላዎም እዩ። ንሳቶም ከኣ፥ ንጥቀመሎም ቃላትን ጽልውኦምን (ኣብ ስነ-ጥበብ፣ ዝያዳ ድማ፥ ደረጃ እቶም ግጥሚ ዝእንግዱ ገጠምቲ ወይ ጸሓፍቲ) ክንግምግም ምኽኣል፣ ጥበባዊ ርድኢት ዜዕብይ ትሕጃ ምሃብ፣ ተወሳኺ`ውን፥ ርእይቶ`ምበር፥ ውዱእ መምርሒ ዘይምዃኑ ምንጻር፣ ወዘተ እዮም። እቲ ምርጫ`ውን፥ ኣብ ደረጃ ገጠምቲን ትጽቢቶምን ስለ ዚምርኰስ፥ መጠን ክንደይ ይወስዱን ይጥቀሙሉን፥ ንዐኦም ዚሕደግ ይመስለኒ። ሓፈሻዊ ትዕዝብተይ እምበኣር፥ ኣብ መንጎ እቶም ነዊሕ ዝተፋለጥና፥ ክንናበብ ዝጀመርና ኰይኑ ይስመዓኒ፤ ኣብ እቶም ኣጋይሽ ግን፥ እቲ ዝሓለፍናዮ ይድገም ምህላዉ፥ ድሙቕ ምልክት ኣሎ። ነድሪ ዝሓዘለ ምላሽ ከዪመጽኦም ዝጥንቀቑ፣ ጠበርቲ ርእይቶታት`ውን እናገነኑ ይመጽኡ እለዉ። እዚ ኸኣ፥ ኣንጻር ወዲቕና ክንትንስእ ዜኽእል ጻዕሪ ዚኸይድ፥ ደናሲ ከይዲ ኰይኑ ስለ ዝረኣየኒ፣ ኣይድግፎን! ካብ እቶም ብጥዑማት ቃላት ብርኪ ዝሕምሽሹ ግን፥ ሓደ-ሓደ ጊዜስ፥ ተሃን እንተ ወጸአ`ውን፥ ከም ገለ ክፋል-ጥበብ ቆጺርና እንተ ሸለልናዮ ይሓይሽ! ምኽንያቱ፥ ነገር ስልሕም፥ ጥዕና ስለ ዘዪህብ!
# በላይ፤ ሓው ፋኑስ ብመጀመራያ እንቋዕ ብሰላም መጸኻ ናብዚ ደርዘን ሕቶ ንገጣማይ። ብምቅጻል መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ግሲን ቋንቋን ኣተኲርካ ብዙሕ ግዜ ክትጽሕፍ ርእየካ ኣለኩ፡ ካብ መጽናዕቲ ድዩ ዝብገስ ወይስ ካብ ድልየት’ዩ፧ ብዛዕባ እዚ በብግዝኡ ትጽሕፎ ዘለኻ-ኸ ብመልክዕ መጽሓፍ ክትጽሕፎ እንታይ ዝተለምካዮ ኣሎ፧ ኣብ ግጥምን ስነ-ግጥምንከ ክትእርም ድዩ ዝቐለካ ክትገጥም፧ ከመይ ዓይነት ግጥሚ እዩ ደስ ዝብለካ፧ የቀንየለይ።
*ፋኑስ፤ ኣይተጋገኻን ሓው በላይ! ኣብ ስፍሓት ግስታት ቋንቋ-ትግርኛ ደጋጊመ እጽሕፍ ኣለኹ፤ ዘይእዱን ድልየት ድማ ኣሎኒ። ድልየት ጥራሕ እኹል ስለ ዘይኰነ ግን፥ ጻዕሪን መጽናዕትን ዘካተተ እዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፥ ምእንቲ ተመሊሰ ክምርምሮም ጽሑፋተይ እኽዝኖም፣ ምስ ህልው ክውነታት ኣዛሚደ`ውን ኣብ ላዛ ትግርኛ ዝልጥፎም ጽሑፋት ኣለዉ። ውጥን`ውን ኣሎኒ፤ የግዳስ፥ ከም`ቶም ካልኦት መጽሓፍቲ፣ ውልቃዊ መጽሓፍ ኰይኑ ከይተርፍ፥ ምእኩል መገዲ ዝጽበየሉ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ምግጣምን ምእራምን ዘሎኒ ብቕዓት ጽሩራ ክቕምጠሉ እጽገም፤ ርድኢተይ ግን፥ ግጥሚ ክጽሕፍ ይቐለ`ኒ። «ገጣሞ፥ መምሃራን እቲ ዘልዕልዎ ዛዕባ እዮም» ዚብል እምነት`ውን ኣሎኒ። ስለ ዝኾኑ ኸኣ፥ ኣምራዊ ስእሊ-ሓሳብ ደጊፎም፥ ውቁብ፣ ንጹር፣ (ዘይሕንቅሊታዊ) ግጥሚ ክገጥሙ ድማ፥ ውልቃዊ ትጽቢት ኣሎኒ፤ እድሰትሎም`ውን። ኣብ ምሃብ መአረምታ፥ ዝያዳ ኣብ ቋንቋዊ ሸነኽ፣ ዓቕመይ ዚፈቕዶ ርእይቶ ክህብ ይብረሃኒ፣ ዘዊሩ-ዘዊሩ፥ ኣካል ውስጠ-ትሕዝቶ ስለ ዚኸውን ከኣ፥ ካልእ ሸነኹ የርእየኒ`ሞ፥ ዳርጋ ከም ሕመረት ቆጺረ ዝኽተሎ መስመር እዩ።
# ቦኽረ፤ ሰላም ፋኑስ፥ ኣቐዲመ ኣብ ህይወትካ ጥዕናን ኣሳልጦን እምነየልካ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መስርዕ ርእይቶ ናይ ሓንቲ ምስትምቓር ግጥሚ ቀርቂረ ናይ ዘቕረብኩልካ ሕቶ፡ እቲ ሓሳብ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ከቕርበልካ። ኣብ ግጥሚ ከም ሓለፋ ዳርጋ ንቘጽሮ፡ ነቶም ካልኦት ባእታታት ግጥሚ ጠለባቶምን ሚዛኖምን ክንሕሉ ብምባል ኣብ ቋንቋን ስርዓተ-ጽሕፈትን ብፍላጥ ዋላ ይኹን ግህሰት ከም ንፍጽም ግን ዘካትዕ የብሉን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ይግባይ ዘይብሃሎ ብስርውና ንገብር ኢና። ሸለልትነትን ምናልባት’ውን ናይ ምልከት ሽግርን ኣብ ቦታኦም ኰይኖም፡ ሓደ ዝረኣየኒ ሓፈሻዊ ጠንቂ ግን ኣሎ። ብዘይካ እቶም ካብ ከባቢና ብቓል እንወርሶምን ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም መምሃሪ ተቐሪቦም ንረኽቦም ጽሑፋት ዘስርጹልና ጽልዋን፡ ካብኡ ወጻኢ ንቛንቋ ወይ ስነ-ጽሑፍ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዝጥቀስ ሰነዳት ዘይምህላዉ እዩ። በዚ ድማ ሰብ በብዝመሰሎ ክጽሕፍ ይግደድ ነይሩን ኣሎን፡ ናይ’ዚ ኣብነት ክንዲ ያሒት ዝኸውን ስም ዘለዎም ጸሓፍትን ደረስትን ኣብ ዝሓትሙዎ መጽሓፍ፡ ሓንቲ ገጽ ገንጺልና ቍጽሪ ዘይብሉ ናይ ቋንቋ ሽግራት ክንረክብ ልሙድ እዩ። ካብ’ኣቶም ድማ ምናልባት ጽባቐ ዛንታታቶም እምበር ቋንቋን ስርዓትን ክትከስብ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ይመስለኒ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር እምብኣር፥ ፋኑስ ብወገንካ ኣብ መንጐ ጸሓፍቲ/ገጠምቲ ዘሎ ውህደት ኣጠቓቕማ ቋንቋ ከመይ ትርእዮ፧ ማለተይ፡ ላህጃን ከባብያዊ ቋንቋን ንጐኒ ገዲፍና፥ ጸሓፍቲ ዝጥቀምሉ መሰረታዊ ስርዓተ-ቋንቋን ጽሕፈትን ተቐራራብነቱ ወይ ምርሕሓቑ ከመይ ትስእሎ፧ ካልአይቲ ሕቶይ፥ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንዘለካ ምልከት ኣብ’ዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ካብ ንዕዘቦ’ኳ ሓጺር ስለዘይኰነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ጽላል ቋንቋ፡ ወይ’ውን ፈሊኻ ኣብ ገለ ኵርናዕ ስነ-ጽሑፍ መምሃርን መወከስን ክኸውን ዝኽእል ሰነድ/መጽሓፍ ንምድላው ዝተጀመረ ወይ ብውጥን እተታሕዘ ነገር ይህልወካዶ፧
* ፋኑስ፣ የቐንየለይ ሓው ቦኽረ! ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገለጽካዮ ምውሳኽ፥ ዳርጋ ምድግጋም እዩ። ብፍልጠትን ዘይፍልጠትን ክዝውተሩ ዝጸንሑ ግጥምታት፣ ብ ምኽንያት ትኹረት ትሕዝቶ ጥራሕ እናተወንዘፉ፣ ስነ-ቋንቋዊ ሸነኾም ክደሃጹ ጸኒሖም`ዮም፤ ይደሃጹ`ውን ኣለዉ። እዚ ድማ፥ ግዳያት እቲ ጽኑሕ ከይዲ ምዃኖም ዜርእይ ውጽኢት ክንቆጽሮ ንኽእል። ትዕዝብተይ፥ ዳርጋ ኩሎም መጽሓፍቲ ሓደ እዮም፤ እንተ ረሓቑ ኸኣ፥ ሕደ እዮም። ምኽንያቱ፥ ዳርጋ ኣብ ኩሎም መጽሓፍቲ ዝጸንሑ ጽሑፋት፥ ቃል ዘይኰኑስ፥ ዘረባ ዝጽሕፉ እዮም። እዚ ዘርእየና ኸኣ፥ ስርዓተ ጽሕፈት፣ ስርዓተ ንባብ (ድምጺ/ዘረባ)፣ ከምኡ`ውን ኣገልግሎት ስርዓተ ነጥብታት፥ ዘየካተተ ከይዲ ስለ ዝኽተሉ ጥራሕ`ዩ። ኣብ ካልእ ሸነኽ ድማ፥ ብስም ፈንጠዝያ እናተጎልበቡ፥ ፍጮታት ቦቚሎም ኣለዉ። ከም`ቲ ዝገለጽካዮ፥ ዘልዕልዎም ዛዕባታት ቀለልቲ ኣይኰኑን፤ የግዳስ፥ ብክገልጽዎም ዝኽእሉ ቃላትን ስርዓትን ስለ ዘይግለጹ፥ ኣብ ኣእምሮ ክሓድሩ ዘሎዎም ዕድል`ውን ጸቢብ እዩ። እናሻዕ`ውን፥ ካበየናይ መጽሓፍ ሰዋስው ተሰሪሖም ምርኣዮም ኣይጽግሙን። ብሓፈሻ፥ «ካብ ድርሰት ናብ ጽሕፈት ንሰግረሉ ድልድል ዳርጋ ኣይተሃነጸን» ዚብል መደምደምታ ኣሎኒ። ፍልጠት ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ግን፥ ሓላፍነት ተሰኪምና ክንሃንጾ ክንብገስ እምበር፥ ኣብ ዓንኬል ትጽቢት ከይንዕንክል እላበው!
ከም`ቲ ቀዲመ ዝገለጽኩዎ፥ ቀዳማይ ቅርጺ ዝሓዘ ውዱእ መጽሓፍ ኣሎኒ፤ ቅድሚ መወከሲ ኰይኑ ምቕራቡ ግን፥ ከም`ዚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘለኹ ስርዓት እናተጠቐምኩ፥ ምስ ግዱሳት ሰባት ከላልዮ ዚሓይሽ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፥ ናብ ማሕተም ኣይተሃወኽኩን። ተወሳኺ`ውን፥ ዝኽተሎ ዘለኹ ስርዓት ተኸቲለን ዝተዳለዋ ጽሑፋት፥ ዳግመ ምርመራ አካይደለን ስለ ዘለኹ፥ ውጽኢተን ርእየ ክውስን፥ ኣብ ጥርዚ ኣለኹ ክብል እኽእል።
# ዛራ-ገጠምቲ፤ ኣብ እሩም ኣጠቓቕማ ቋንቋ ትግርኛ፡ ካብ ባዕዳዊ ቃላት ተገላጊልና ብቃላትን ኣምራትን ቋንቋ ኣደ ክንሃንጽ ወይ ክንውድብ ኢዩ ጻዕርና። እንተዀነ ግን ከምቲ ኣባ ማቴዎስ ሓጐስ (ስዋሱው ትግርኛ 1955) ዝጽሓፍዎ፡ ኣብ ክንዲ ‘መስተዋድድ’ – “ወሳኒ መሳርዕ” ፡ ኣብ ‘ክንዲ መስተጻምር’ – “ጠራፊ መሳርዕ” ፡ ኣብ ክንዲ ‘ተወሳኽ ግሲ’ – “መስሓቢ መሳርዕ” ወዘተ ዘይንጥቀም፧ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተሓትመት መጽሓፍ ስዋሱው ተክአ ተስፋይ ድማ ተወላጠስም፡ ተሰልባጢ ተወላጠስም፡ ዓረፍተ-ነገር ወዘተ ዝብሉ ቃላት ባዕዲ ተጠቒሙ፧! ብዛዕባ ስዋሱው እናተመራመሩስ ኣምራት ስዋሱው ዝውክሉ ትኽክለኛ ቃላት ትግርኛ ድዩ ተሳኢኑ ብሓቂ፧! ንምንታይ ጉያ ናብ ባዕዳዊ ቃላት፧
* ፋኑስ፣ ጻዕሪን ውዳበን ምህላዉ ዘሐጉስ እዩ። ጻዕሪ ከንቱ ከዪተርፍ ምጥንቃቕ ግን፥ ጎኒ-ጎኑ ኬድልይ እዩ። ወዮ ደኣ ካብ ምትግባሩ ምባሉ ዚቐልል ኰይኑ`ምበር፣ ቋንቋና ኣብ ስብራ ዘይብሉ ኩዳ ይዕንክል ምህላዉስ፥ ዜማትእ ኣይኰነን። እኹል ዋጋ ከፊልና ስለ ዘይሃነጽናዮ ኸኣ፥ መርኣያ ድኽመትና እዩ። ካብ ቤት ወፊሩ፥ ኣብ ስራሕ ውዒሉ ድማ፥ ዚኣትው ቋንቋ ክንዲ ንሃንጽ፥ ካብ ባዕዳውያን ቋንቋታት እናጓረትና ነድክሞ ዘለና፥ ባዕላትና ዋናታቱ ኢና። ድፍረት ከይመስል እምበር፥ «ጸብረቕታ ባዕዳዊ-ባጀላ» ኪጽዋዕ ዜድፍር ክውነታት`ውን ኣሎ። ንኣብነት ሓንቲ ከባድ ቃል ወይ ስነ-ፍልጠታዊ ትሕዝቶ እንተ ሒዛ፧ ኣብ ጽሕፈት፥ ኣብ ሓጹር ኣእቲና፣ ኣብ ዘረባ`ውን እናተቐናጠስና ብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክንገልጻ ወይ ክንትንትና ዝቐርበና ብዙሓት ኢና። እዚ ኸኣ፥ ዛጊት ኣብ ዕሸላዊ ጽንሓትና ወይ ህላወና፥ መስሕብ-ህቡብነትን ጸወታ ፈሊጥ-ፈላጥን ክነርእይ ንዝውትሮ ጸብረቕታ እምበር፥ ካልእ ጣቋ የብሉን። ኣብ ስርዓተ-ስይም (ስም) ዝረኣዩ ዘለዉ ጅብራቐታት ከኣ፥ ሳዕቤን ጽኑሕ ከይድና ምዃኖም ዜተሓትት ኣይኰነን። እምበኣርሲ፥ ካብ ውጽኢትን ሳዕቤንን ጉጉይ ከይዲ ምእንቲ ክንርሕቕ! ጥልቀት መጽናዕትና፥ ብቋንቋናን ኣብ ቋንቋናን ክንምርኩሶ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግን፥ ኣብ ባዕዳውያን ቋንቋታት ዘሎ ፍልጠት ምንእኣስ ዘይኰነስ፥ ምእንቲ ተውለነት ክንውንን ዝዓለመ እዩ። ቋንቋና ምእንቲ ብቑዕ መሳርሒ ኰይኑ ከገልግለና፣ ራእዪን ዕላማን ክህልወና ይግባእ! ብሓቂ ኸኣ፥ ብራእዪን ዕላማን እንተ ተበጊስና፥ እዞም ሕጂ ዝረኣዩ ዘለዉ ጉድለታት ኣሪምና ክንጥቀመሎም፥ ከቢድ ኣዪክኸውንን እዩ።
ብፍሉይ ኣብ`ቲ ኣባ ማቴዎስ ተጠቒሞሙሉ ዘለዉ ኣገባብ ስያመ ገለ ክውስኽ፤ ዋላ`ኳ ካብ «ተውላጠ/መስተ፣ተውሳከ» (ግእዛዊ ከይዲ) ርሒቑ ናብ ትግርኛ እንተ ሰገረ፣ ኣብ ውሳነን መሳርዕን ዘሎ ዝምድና`ውን ክንምርምሮ ዝግበኣና ይመስለኒ። ምኽንያቱ፥ እቲ ዚወጽእ ስም፥ ትንቢታዊ ዘይኰነስ፥ መግለጽ-ተግባር ኪኸውን ስለ ዚግባእ። እሞ`ኸ ደኣ፥ «ካብ፣ ናብ፣ ጥቓ፣ ን፣ ብ፣ ወዘተ፣ ኣብ ምውሳን መስርዕ/መሳርዕ ንረኽቦም`ዶ፧» ሓቲትና ኪምለሸልና ኣለዎ!… ካብ ርድኢተይ ዚብገስ ምላሽ እምበኣር፥ እዞም ቀዲሞም ዝተጠቐሱ ቃላት፥ ጥቓ መሳርዕ ዚቐርቡ ኣይኰኑን። ስለ ዘይቀርቡ ኸኣ፥ ካብ «ምውዳድ» ክንወጽእ ንኽእል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፥ «ካብ» መበገሲ ዋዲዱ የበግሰና፣ «ናብ» ዚብጻዕ ዋዲዱ የማዕዝነና፣ «ኣብ» መዓልቦ ዋዲዱ፥ የዕልበና፣ ብሓፈሻ፥ ባይታ ከየዳለዉ (ከይዋደዱ) ስለ ዘይቀውሙ፥ ተግባሮም ኪንጽር ይግባእ። ርግጽ ከኣ፥ ማዕዝናቶም ይፈላለይ እምበር፥ ኣብ ምውዳድ ግን፥ ሕብረት ኣሎዎም። ኣብ ቅርጺ መሳርሒ ንጥቀመሉ ስያመ ኸኣ፥ «መ» ኣቐዲምና ስለ ነተስኦ፥ «መዋድድ» ማእከላይ ወይ ሓባራዊ ሮቛሒ ኪኸውን ዜጸግም ኣይመስለኒን። ስለ`ዚ፥ እቶም ተዋሂቦሙና ዘለዉ መወከሲታት፥ ክንምርምርን ክነመሓይሽን ሓላፍነትና ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ። እርጋን ቋንቋ ምህላዉ ኣብ ግምት ኣእቲውና`ውን፥ ኣብ ምዕቃብ ጥራሕ ከይተደረትና፥ ኣብ ምምዕል ክንነጥፍ ኣገዳሲ እዩ።
# ደጀን፤ ብመጀመርታ ሰላም ነዓኻ ሓው ፋኑስ። ብምቅጻል፡ ግጥሚ ዕምቈት ኣለዋ ዘብላ ቀንዲ ባእታ እንታይ’ዩ፧ ብሓፈሻ ‘ቀንዲ’ ባእታታት ግጥሚ ዝብሃሉኸ ኣየኖት’ዮም ትብሎም፧
** ፋኑስ፣ ዑምቈት ግጥሚ ንዕቅነሉ መሳርሒ ካብ ፍልጠት ሓሊፉ ካልእ ኪኸውን ግምት የብለይን። ኣብ ሓደ ግጥሚ፥ ላህመታዊ መልእኽቲ ጥራሕ እንተ ተገሊጹ፥ ኣይዓሞቐን ክንብል ንኽእል። ምኽንያቱ፥ ጭንጓዐ ፍልጠቱ ኣብ ላዕሊ ጥራሕ ስለ ዚህልው፥ «ላህመታዊ ወይ ዘይዓሞቐ» ክንብሎ ንኽእል። እንተ ደኣ፥ ኣብ ውሽጢ ትሕዝቶ ኣትዩ፥ ሰውኒ፣ መቕሪ፣ ከይኒ፣ ወዘተ ከየጥፈአ ተኖቒቱ ዚወጽእ ኰይኑ ግን፥ «ዑምቈት ኣሎዎ» ክንብል ንኽእል።
ኣብ ሕቶ ባእታ ክህልዉ ዝኽእሉ ቀንድታት ብዙሓት እዮም። ካብ ቀንድታት ቀንዲ ክነውጽእ እንተ ኴንና ግን፥ ዕላማ እዩ። ምኽንያቱ፥ ኣብ ዕላማ፥ ትልሚ፣ ዕማም፣ ከይዲ፣ ዛዕባ፣ ገጥሚ፣ ጥማተን ጭማተን፣ ክንርእይ ስለ ንኽእል፣ መስርሓዊ ትዕዝብቲ ሒዝና ክንመዝን የኽእለና እዩ። ተወሳኺ`ውን፥ ኣብ ኣፈጣጥራ ዛዕባን ኣመዓባብልኡን፣ ውህደት ቀመማት፣ ኣተኻኽላ ኣዕኑድ፣ ውሻላትን ድርቃቖኦምን፣ ወዘተ ኣካቲትና ክንርእይ ንኽእል። ጎነ-ጎኑ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መስመር፣ ካብ ቀዳመይቲ መስመር ናብ ካልአይቲ፣… ሰጊርና ድማ፥ ምልኣት ቤት፣ ካብ ቤት ናብ ቤት ዜስግር መሳልል ክንግንዝብ ንኽእል። ሓፈሻዊ እምበኣር፥ ካብ ርእሰ-ትሕዝቶ ክሻዕ ደምዳሚ ነጥቢ ዘለዉ ኣካላት፣ ከመይ ተሃኒጾም፧ ድሕሪ ምሕታት፣ ትኽለት ባእታት ከርእየና ዚኽእል ምላሽ ዜጸብይ እዩ።
# ቶማስ ይካኣሎ፤ ሰላም ፋኑስ፡ ብመጀመርታ ኣብ ስርሓትካ ዘለኒ ኣድናቆት ክገልጽ እፈቱ። ግጥምታትካ ምቁራትን ንጹር መልእኽትን ዝሕዙ ብምዃኖም፡ ንምርድኦም ዘየሸግሩ እዮም። ከም ቅዲ፡ ስዉር መልእኽቲ ዘለዎ ግጥምታትዶ ይሓይሽ ወይሲ ገለጽትን ፍኮስትን ትሕዝቶ ዘልዎም፧ ተቐባልነቱ-ከ ማለት ምስ ተመኩሮካ ብምንጽጻር፧ ኣብ ዛራ-ገጥምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ብርእይቶታት ዝተበገሰ ክሳብ ጸርፊ ክበጽሑ ትዕዘብ ኢኻ። ንስኻ ፋኑስ ኣብ ነቀፈታ ዘለካ ርድኢት ከመይ እዩ፧ ነዚኣ ትምልከት “ዓባይቶ‘ዶ ርእይቶ” ትብል ግጥሚ’ውን ነቢበልካ ኣለኹ። ብውልቅኻ ኣወሃህባ ነቀፌታ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል፧
* ፋኑስ፣ የቐንየለይ ሓው ቶማስ ይከኣሎ! ኣነ ብወገነይ፥ ሓደ ግጥሚ ሕንቅሊት ጥራሕ እናፈጠረ፥ «ተደረር» ክንብሎ ዚጽበይ እንተ ኰይኑ፥ ግጥሚ ኰይኑ ኣዪስመዓኒን`ዩ። ምኽንያቱ፥ ገጥሚ-ሓሳባት፣ ክውነታት፣ ፍጻመታት ወዘተ… ኣኾርኒዑ ዜማእዝን ከይዲ ስለ ዘይብሉ፥ ከም «ንእሽቶይ ጽልቓ፥ ኣብ ጎቦ ጠሊቓ» ዓይነት እዩ (ንዓይ)። ውክልና፣ ተምሳል፣ ወዘተ ምጥቃም ግን፥ ጽቡቕ ጥበብ እዩ። ምኽንያቱ፥ ኣምራዊ-ስእሊ ኣሎዎ። እናሻዕ ከም ብዑፍ፣ ካልእሻዕ ብኢራብ ወዘተ ዓይነታት እናወከሉ ዝግጠሙ ግጥምታት ሃገርና፥ ጽቡቕ ተቐባልነት ዘሎዎም ምዃኑ ድማ፥ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታት ነቢበ`ለኹ።
ኣብ ነቐፌታ ዘሎኒ ርድኢት ኣብ ምህናጽ ዝዓለመ እንተ ኰይኑ፥ እወታዊ ርድኢትን ቅብሊትን ኣሎኒ። ይኹን`ምበር፥ እናሻዕ ሂብና፣ ካልእሻዕ`ውን ተቐቢልና ስለ ዘይንኽእሎ፥ ጸላዕታ ኪፍጠር ዚኽእል ይመስለኒ። ደረጀኣታትናን ተመኩሮታትናን ከም`ኡ`ውን ዕድሜና እንተ ዘይተመዛዚኖም`ውን፥ ግርጭት ኣሓሳስባን እተራጓጕማን ኪፍጠር ንቡር ይመስለኒ። ሕጊ ተኺልና ንኽልክሎ`ውን ኣይመስለኒን። ፍልጠት ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ግን፥ ዝያዳ እቶም ፍልጠት ዘሎዎም ወገናት፥ ክጸውሩን ዕድል ክህቡን ዝሓይሽ ይመስለኒ። ግደ ሓቂ ኸኣ፥ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተራእዩ ኰደብደባትና፥ ዓበይቲ ተመኩሮታትን መምሃራንን ኰይኖም ንርእዮም ስለ ዘለና፣ ጸረፍቲ ጸርፊ እንተ ሓደግና፥ ጽቡቕ፤ ተጸረፍቲ`ውን፥ እቲ ጸርፊ ኣብ ውሽጥና እንተ ዘየሕዲርናዮ፣ ጽቡቕ ምብህሃል ኪምዕብል ጸገም የብሉን። ብፍላይ ኣብ ስነ-ጥበብ ድማ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዝህልወና ጠባይ፥ ኣብ ባህሪ ጥበብ እምበር፥ ውልቃዊ መግለጺና ዘይምዃኑ ክንግንዝብ ይግባእ። ከም`ቲ ዝጠቐስካዮ`ውን፥ ትሕዝቶ «ዓባይቶ`ዶ ርእይቶ፧» ኣብ ምሃብ ርእይቶ ክህልወና ዝግበኦ ሱታፌን ኣመልኪታ ዝተጻሕፈት እያ። ብዝኾነ፥ ኣኻእሎ ይሃበና ዘብል እዩ!
# ዛራ-ገጠምቲ፤ ምውሓድ መወከሲ ስዋሱው ቋንቋ ትግርኛ ዝፈጠሮ ኩነታት (ምናልባት’ውን እተን ዝርካበን ነናተን ቅዲ ስለ ዝሕዛ) ሓደ ኪኢላ ደራሲ/ጽሓፊ፡ ካብ ኣቋውማ ቋንቋታት ባዕዲ ምርምር ብምግባር፡ ካብቲ መሰረታዊ ቋንቋ ኣደ ከይረሓቐ፡ ተራ ድርሰታት ክጽሕፍ ይኽእል-ዶ፧ እንታይ ሜላ ክጥቀም ይግብኦ፧
* ፋኑስ፣ ጉዳይ መወከሲ፥ ተደጋጋሚ ካብ ዝቐርቡ ሕቶታት እዩ። ደረስቲ፥ ካብ ድርሰት ናብ ጽሕፈት ክሰግሩ ዘኽእሎም መወከሲ ክረኽቡ ድማ፥ ኣብ`ተን ዝርካበን መጽሓፍቲ ክውከሱ ቅቡል እዩ። ይኹን`ምበር፥ ቅድሚ ምውካሶም ቋንቋዊ መጽናዕቲ ከካይዱ እንተ ኽኢሎም ዝሓሸ ይመስለኒ። ልክዕ ከም`ቲ ኣብ ድርሰት ዘካይድዎ ጻዕሪ፥ ኣብ ምቕላትን ምግላጽ ስእለ-ሓሳባዊ ርትዓትን ክጸቕጡ ዝግበኦም ይመስለኒ። ከም`ዚ ዓይነት ከይዲ እንተ ተኸቲሎም፥ እግረ-መገዶም ኣብ ምምርማር መወከስቲ መጽሓፍቲ ይኣትዉ`ሞ፥ ድምቀት ጽሑፋቶም ክመዝኑ`ውን ክኽእሉ እዮም። ዛዕባ ብ ባዕዳዊ ቋንቋ ዝውህልልዎም ፍልጠታት ግን፥ ብዙሕ ዘካትዑ ኣይኰኑን። ምኽንያቱ፥ ፍልጠት ኣብ ሓደ ቋንቋ ጥራሕ ዝተደረተ ኣይኰነን። ናብ ካልእ ቋንቋ ከግዕዝዎ እንተ ደልዮም`ውን፥ ቃል ብቓል ዘይኰነስ፥ ግብረ-ገብነት ዝተኸተለ ከይዲ ክጥቀሙ ይግበኦም። ኣብ ዝፈርዩ ዘለዉ መጽሓፍቲ ዝርአዩ ጌጋታት ከኣ፥ ምርኩስ ሓንቲ ወይ ካልእ መጽሓፍ ዚጽብርቕ ኣይኰነን። እተን መወከሲታት ንጥቀመለን መጽሓፍቲ፥ «ቅኑዕ ትሕዝቶ የብለንን!» ክንብል ኣይንኽእልን፤ የግዳስ፥ «ሒዘነኦ ዘለዋ ሕውስዋስ ትሕዝቶኸ ይጥቀሙሉ ኣለዉዶ፧» ክንሓስብ ወይ ክንሓትት፥ ኣገዳሲ እዩ። ኣነ ብወገነይ፥ ቅዲ ሓንቲ መወከሲት ተጠቒሞም ዝውድኡ ጸሓፍቲ ኣይረኣኹን። እኳ ደኣ፥ ኪንዮ እተን መወከሲታት ዚኸይድ ዕንደራ፣ ክውነት ነበብቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ ከይዲ፣ ዝያዳ ድማ፥ ተሃን ጸሓፍቲ ጥራሕ ኣውጺኦም ዝድቅሱ ጽሑፋት ብዙሓት ምዃኖም ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልይን። እዋኑ፥ እዋን ምምርማር እዩ፤ ጸሓፍቲ መሳርሒኦም ክስሕሉን ሓላፍነት ክወስዱን ይግባእ! ክህቡ እንተ ኰይኖም፥ ክህልዎም ኣለዎ! እቲ ህያብ ድማ፥ ጽዒሮም ዝረኸብዎ ኪኽውን ምእንቲ፥ ክጽዕሩ ይግባእ።
# ፍቃዱ ሙሴ፤ ሓው ፋኑስ ኣብ ልዕሌካ ዘለኒ ኣድናቖት ክገልጸልካ ይፈቱ፡ ብሳድስን ራብዕን ዝሃርሙ ናዕታታት ግጥሚ ኣዝዮም ድኹማት’ዮም ይብሃል’ሞ ከመይ‘ዩ ርዲኢትካ፧ ድኹማት እንተኾይኖም፡ እቶም ግጥምታት ሓያላት ንኽኾኑ፡ እቲ ገጣሚ እንታይ ክጥቐም ኣለዎ ትብል፧
* ፋኑስ፣ መራዕርዒኡ ከይመድመደ ዚንዕብ ናዕታ፥ ተመኒዑ ዚተርፍ ምዃኑ እኣምን። ምናልባስ ኣበሃህላኻ እንተ ተረዲኤዮ፥ ኣብ`ቶም ፊደላት ዚዓለመ ይመስል። ኣብ ግምተይ ድማ፥ እቶም ፊደላት፥ ከም ካልኦት ፊደላት ክገጥሙን ክሰጥሙን እንተ ክኢሎም፥ ጸገም የብሎምን። ኣብ ቃለ ጥምረኦም`ውን ከም ኩሎም፥ ቃላት ግደ ኣሎዎም። ምናልባሽ ግን፥ ኣብ ጸብረቕታ ዋናነት ንጥቀመሎም፥ «ይ፣ኒ . . .» ልምጸት ግጥሚ ይፈጥሩ እዮም። ንኣብነት፥ ራዕታ ግጥሚ፥ ካብ መስመር ናብ መስመር፥ ሃሪመካኒ፣ ጎዲእክኒ፣ ሓላላይ፣ መዓረይ፣ ሽኰረይ ወዘተ እንተ ኰይኖም፥ ተራ ንባባዊ ቅርጺ ስለ ዜትሕዞም፥ እቲ «ፍኹሰት» ኪኽሰት ይኽእል`ዩ። እቲ ጸገም ግን፥ ኣብ ሳድስን ራብዕን ጥራሕ ዚድረት ኣይኰነን። ኣብ ከም`ዚ ዓይነት ኣጋጣሚ፥ ብኩለንተናዊ ዋንነት ዚገልጽ ጸብራቒ ቃል ኣሕጺርና፥ ናብ ተምሳል ክንሰግር ዝሓሸ ይመስለኒ።
«ኣንቲ ወራሲት ልበይ
ገዛኢት ቀልበይ
እናበልኩኺ ናተይ
ገዲፍክኒ በይነይ
ንዒባ ምጽ`ኒ
ኣለኹ በልኒ
ሎምስ ጨኒቑኒ»
….ዓይነት ግጥሚ ክንዲ ንጽሕፍ፥ ኣብ ጥምረት ሓሳብ ኣቲና ቃላት ክንቅይር ዝሓሸ ይመስለኒ። ንኣብነት፥
ወራሲት ቀልበ-ልቢ
ድምጽኺ`ባ ሃቢ
ነዊሑኒ ትጽቢት
ተወሲኹ ጭንቀት
አማዕድው ኣለኹ፥
ምጽኣትኪ ክቛምት!
…. ኣብ ትሕዝቶ ብዙሕ ምፍልላይ የብሉን፥ ኣብ መርጺ ቃላትን ስዅዓትን ግን፥ ገፊሕ ጋግ ክንርእይ ንኽእል። ሓፈሻዊ እምበኣር፥ ፊደላዊ ጸገም ዘይኰነስ፥ ቃላታዊ ምዃኑ ክንግንዝብ ጽቡቕ ይመስለኒ።
# ዛራ-ገጠምቲ፤ ምስቲ ተረሲዑ‘ሞ ክብሃል ኣለዎ እትብሎ ሓዊስካ ብዛዕባ፥ “እ/ይ” ፡ “ክ/ኪ” ፡ “ዝ/ዚ” ፡ “እዩ/ኢዩ” ኣሕጽር ኣቢልካ-ዶ ገለ ትብለና: ሓው ፋኑስ
* ፋኑስ፣ ኣብ ”እ/ይ፣ ክ/ኪ፣ ዝ/ዚ” መልኪተ ዝገልጾ ቀንዲ ነገር፥ ፈለማ፥ ኣብ ትሕቲ ስምያ ”ለዓት” ዝጥርነፉ ምዃኖም እዩ። ውሁባትን ዘይውሁባትን ከኣ፥ ኣብ መስርሕ ዚፈላለዩሉ ቅርጻዊ ስም እዩ። ውሁባት፥ «እ፣ ን፣ ክ፣ ይ፣ ት፣ ዝ፣» እዮም። ድሕሪ ጾታዊ፣ ብዝሓዊ መስርሕ ግን፥ ቅርጺ ዝቕይሩ ለዓታት ስለ ዘለዉ፥ «ምስሩሓት» ንጽውዖም። ሕጂ ከይገፍሓና ግን፥ ኣሕጺረ ክዓጽዎ ይሓይሽ። ኣብነት፥
ኣነ፥ እ መጽእ ኣለኹ። ኣንሕና ን መጽእ ኣለና።
እስኻ ት መጽእ ኣለኻ። እስኺ፥ ት መጽእ+ኢ ኣለኺ።
እስኻትኩም ት መጽእ+ኡ ኣለኹም። እስኻትክን፥ ት መጽእ+ኣ ኣለኽን።
እሱ ይ+ኢ መጽእ ኣሎ።)
እሳቶም ይ መጽእ+ኡ ኣለዉ።
እሳ፥ ት+ኢ መጽእ ኣላ።
እሳተን፥ ይ መጽእ+ኣ ኣለዋ።
(ስለምንታይ «ዪ/ቲ» ተደልዩ፥፧ ኣብ ላዛ ትግርኛ ብሰፊሕ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፥ ምውካስ ይከኣል።)
ሓፈሻዊ እምበኣር፥ ዚበሃል`ኳ ካብ ምሉእ-ጎደል ተባሂሉ እንድ`ዩ፤ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዓለመ ግን፥ ቁሩብ ክውስኽ! እወ፥ ቋንቋ ትግርኛ፥ ከም`ቲ ገለ ጸሓፍቲ «ብቕዓት የብሉን» እናበሉ ዝገልጽዎ ዘይኰነስ፥ ኣዝዩ ብቑዕ፣ ግን ከኣ፥ ዘይብቑዓታ ዋናታት ተሸኪምናዮ ዘለና ቋንቋ እዩ። ብሓቂ፥ ኣዝዮም በላሕቲ፣ ዕምቈት ፍልጠቶም ሱር ዝሰደደ ሊቃውንቲ ዝሃነጽዎ ምዃኑ ድማ፥ ዛጊት ዘይሃሰሰ ኣሰር ኣሎዎ። ሰሪ ጎምዛይ ኣተሓሕዛ ተደፊኑ ከዪተርፍ ድማ የስግእ። ኣነ ብንኡስ ዓቕመይ፥ ኣብ ጥቓ ሰለስተ ከባብያዊ ቋንቋታት፣ ከምኡ`ውን ካልኦት ሰለስተ ርሑቓት ቋንቋታት ሰሪዐ ክምርምሮ ዘፈተንኩሎም ኣጋጣምታት ኣሎዉ። ውጽኢቶም ድማ፥ ሓይልን ብቕዓትን ዝወነነ፣ ግን ከኣ፥ ሰሪ እኹላት ምርመራታት ዘይምክያድ፥ ዝተደፈኑን ዝተበተኑን ቅርጽታት ሒዙ ምህላዉ ክግንዝብ ክኢለ ኣለኹ። ኣብ ምውቃር ለሚጹ ዘሎ መዲድ፥ ዓቕመይ ክትግብር`ውን ዘይጋነን ነቕዲ ሒዘ`ለኹ። ካብ፥ «ነይሩኒ፥ እንሀኒ» ስለ ዚበልጽ ከኣ፥ ኣብ ዓመት፥ ኣስታት ሰላሳ ዝተፈላለዩ መጽሓፍቲ ትግርኛ ነቢበ፣ ኣብ ምቕራም ዝዝውተሩ ጌጋታት ካብ ዝነጥፍ`ውን ኣይወሓደን። ትሕጃን መተካእታን፥ ኣብ ሕዳሰ-ቋንቋ ኪኽሰት ድማ፥ ኣዝዩ መስዋእቲ-ጊዜ ዚሓትት ምዃኑ፥ ተሞኲረ`ለኹ። ነገሩ፥ ነገር፥ «ጭሩስ፥ ዓቕማ ብ ቃንጫ ስገም ቲሕጎም» እዩ`ሞ፥ ደረስቲ፣ ጸሓፍቲ፣ ስነ-ጥበባውያን ወዘተ፥ መምሃራን ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ፈሊጦም፣ ዕቱብ ግደ ክጻወቱ እላበው! ዛራ ገጠምቲ ኸኣ፥ መደብኩም ይዓንብብ! የቐንየለይ!
ዛራ ገጠምቲ
ሚያዝያ 2016