ግርም ‘ንዶ የለኻን
እንታይ ‘ልካዮ ምልባም
ውሽጥኻ ዘይንታይካ
ካብ ግዳም ንግዳም !
ክልብም ኣይትበል
‘ታይ ረኺቦም ለባማት!?
ነውልካ ‘ንዶ ኮይኖም
ዝሰምዑ ጸማማት፡፡
ዘለካ ዘይብልካ
ኩለንትናኻ እናዓገበ
ንስኻ ብእትበልዖ
ተዓዛቢ እናጸገበ ፡
ምልባም ትብህግ’ስ
‘ታይ ርኢኻሎም ለባማት!?
ክሳድ ዘየቅንዑ
ናይ ክብረት ግዙኣት፡፡
ድሩት ኣፍልጦኻ
ብዙሕ እናመሰለ
ንላዕሊ ዘውጸካ
ጸምበለል እናበለ፡
‘ታይ ኢልካዮ ምልባም
ብደውካ ዝቀትል
ክብደቱ ጸቃጢ
ናብ ውሽጥኻ ዘጥሕል!?
ጠባይ ሰብ ክትሕሉ
እንታይነትካ ዘይትሓብእ
ብድምቀት ሰሓቅካ
ደንገጽቲ ተንብዕ
ግርም እንዶ የለኻን.…
ወኒንካያ ዓለም !
ምፍጣርካ ዘረስዕ-
ታይ’ልካዮ ምልባም!?
ልቢ ልቢ ኣይትበል
ከምቲ ዝመስለካ ኣይኮነን
ይትረፈካ ዓሻ –
ደፋር ከይሰኣን ፡፡