ህብብቲ ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ፡ ካንሰር ጡብ ብዝሰበቡ ሕማም ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝለዓለ ሕክምና ኣብ ምክትታል ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ከርቱም እንከላ ብዕለት 19 ጥሪ ዓሪፋ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ቅዳሴ ሰዓት 9፥00 ቅድሚ ቐትሪ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፈተውቲ፡ ስድራቤት፡ ስነ-ጥበብን ቤተሰብን ኣብ ዝተረኽብሉ ቤተክርስትያን ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ሓዝሓዝ ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።
ፍትውቲ ስነጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ልዕሊ እቲ ኣብ ስነጥበብ ዝነበራ ፍቕሪ ኣብ ኣኽብሮት ህዝባ ዝነበራ ኣድናቆትን ፍቕርን እውን ተዘካሪት ይገብራ። እዛ ኮኾብ ኮኾባት ዝኾነት ስነ-ጥበበኛ ካብ መድረኽ ድራማ ዝጀመረ ሞያኣ፡ ናብ ሬድዮ ድራማን ፊልምታትን ብምስግጋር ብዝነበራ ፍሉይ ክእለት ኣብ ሜሎ ድራማን ኮሜድን ዓቢ ዝላ ተዋስኦነት ዘንጸባረቐት፡ ከምኡ እውን ኣብ ዕቱብ ድራማታት ፍሉይ ክእለትን ናይ ገጽ ምልውዋጥን ብብቕዓት እተንጸባርቕ ህብብትን ፍትውትን ተዋሳኢት ብምንባራ ካብ ንእሽቶ ክሳብ ዓቢ ኣድናቆቱ ዘይገልጸላ ዜጋ ኣይነበረን። ኣብ ዕለተ ቀብራ ልዕሊ ብዝሒ ቀባሪ ምርካቡ ነዚ ዝምስክር ኔሩ።
ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ካብ ኣቡኣ ኣቶ ሃይለ ኣብርሃን ወላዲታ ወይዘሮ በላይነሽ ኣባይን ኣብ መጀመርታ 1974 ኣብ ኣስመራ ገዛባንዳ ጥልያን ተወሊዳ። ብድሕሪ እዚ ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ምስ ስድርኣ ብምምጻእ ኣብኡ ተማሂራን ዓብያን፡ ወሊዳን ዘሚዳን። ወይኒ ሓረግ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ድራማ ንጥፈታት እናተዋስኤት ሞያኣ ብምምዕባል ብናይ ገዛእ ነብሳ ሓርኮትኮትን ናይ ጥበብ መማህራና ከም በዓል ስነ-ጥበበኛታት ኤፍረም ካሕሳይን ፍስሃየ ወርቅነህን ተሰንያ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምውሳእን ብቅዓትን በጺሓ ምንባራ ብስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ ይምስከረላ። ወይኒሓረግ ባራኺት መሶብ ስነ-ጥበብ ኔራ። “ስነጥበብ ግዜ እንተኾይኑ ወይኒሓረግ ሓይሊ መትንታት ልቢ ግዜ ኔራ!” ከምዝተባህለ፡ ንሞይኣ ዝገልጽ ቃል ተሳእነ። በቲ ኣብ መድረኽ፡ ሬድዮን ተሌቪዥንን ዘቕረበቶም ኮሜዲ፡ ሜሎ ኮሜድን ትራጀድን ድራማታት ኣብ ልቢ ሰብ ክትሰፍር ኣኽኢልዋ እዩ።
ክብርቲ ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ሞይኣ ብብቅዓት ኣብ ምስልሳል እንከላ ኣብ 2013 ንጥዕንኣ ዝፈታተን ሕማም ተቐልቀላ። እዚ ሕማም እዚ ተመርሚሩ ኣብ ኣካላታ ምልክት ካንሰር ተራእየ። ንኹሉ ኣፍቃሪ ስነ-ጥበብ ዘሰንበደን ዝረበሸን ድማ ኔሩ። እዚ ምልክት ሕማም እዚ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ ን 9 ኣዋርሕ ክትሕከም ኣገዲዱ። ልዑል ሕክምና ተኻይዱ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ መጥባሕቲ ተኻይድላ ሓውያ እናተባህለ ኣብ 2014 እንደገና ተቐልቀለ። ሻቕሎት መሊሱ ገደደ፡ ንምፍዋሱ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ሃገረ ሱዳን ብምኻድ ሕጂውን ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረላ ብፈተውቲ ኤርትራውያን ውሽጥን ወጻእን ተዓጂባ ሕክምናኣ ኣካይዳ። ኣብ ከምዚ መስርሕ እንከላ “ዓሪፋ” ዝብል ዘሰንብድ ዜና ተፈነወ፡ እንተኾነ ሓሶት ኮይኑ ንኣፍቀርታ ሩፍ ኣበለ። ወይኒሓረግ ሓውያ ኣብ 2015 ናብ ሃገራ ተመሊሳ። ኣፍቀርታን ቤተሰባን ብፍላይ ድማ ደቃ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም። እቲ ሕማም ኣታውን ወጻእን ብምንባሩ ሕጂ እውን ወይኒሓረግ ሃይለ እቲ ሕማም ተቐልቀላ። እንደገና ንሱዳን ኣበለት። እንሆ ድማ ብዝገርም ሕማቕ ኣጋጣሚ ሓውያ ክትምለሰና እናተጸበና ኣብ መበል 41 ዕድሚኣ ብሞት ተፈልያትና። ስነ-ጥበበኛ ወይኒሓረግ ሃይለ ፍትውቲ፡ ተናፋቒትን ፈቃርን ኔራ። ሎሚ ስነ-ስርዓት ቀብራ ክንሳተፍ ከለና ሓንቲ ሓያል ስነጥበበኛ ጥራይ ዘይኮነስ ፍቕሪ ንቐብር ከምዘለና’ዩ። ወይኒሓረግ ፍቕሪ ንኣፍቀርታ ኔራ። ወይኒሓረግ ፍቕሪ ንደቃ ኔራ፡ ልዕሊ ኩሉ ፍቕሪ ንህዝባ ኔራ! ሎሚ ስግኣ ሓመድ ኣዳም እኳ እንተለበሰ መንፈሳን ፍቕራን ዘልኣለማዊ’ዩ። ብርክት ዝበሉ ፈተውትን መሓዙታን በብተራ ነታ ዕንባባ ጥበብ ንኾነት ፍጥረት ዕንባባ ኣንቢሮሙላ። ስነ-ጥበበኛ ወይኒ ሓረግ ሃይለ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ 7 ውሉዳትን እያ። ጽንዓት ንኹሎም ኣፍቀርታን ኣፍቀርቲ ስነ’ጥበብን ይኹን፡ ብፍላይ ወለዳን ደቃን በዓል ቤታን ንእዮብ ዝደበሰ ይደብሶም ንብል።
ወይኒ ሓረግ
ምንባር ይጽላእ’ዩ ቃንዛ እንተነዊሑ
ብዋጋ’ቲ ቃንዛ ግን ካልእ እንተረቢሑ
እወ እንተ ስሒቑ
ስነ-ጥበበኛታት ነዚ ይመርጹ።
ወይኒ ሓብተይ ሓረግ ወይኖ
ፍስሃ መንፈስ ሰቲ መስኖ
ኣንቲ ኣውድኣመት ልቢ
ክንዲ ፍቕሪዶ ክንዲ ውህቢ
ክንዲ ዓቢ ደብሪ ጻሕታ ወዝቢ
ኣንቲ ህዝቢ እናለመነዶ ረቢ ‘ኣቢ?!
እንታይ ፌስትኡ እንታይ ኣውድኣመቱ
ብዘይ ንስኺ እንታይ ድምቀቱ?
እነሆ ፈታዊ የንጀርብብ ንብዓቱ
ሓብቱ ሲኢኑ ሓብቱ!
ቃንዛኺ! ኣኸለዶ ሰዓቱ?
ፍቕርናኸ ኣኸለዶ ሞቱ?
ሎሚ ርእየ ህያው ፍቕሪ ሞይቱ!
ዓለም ብውሉዳ ተበሊዓ
ማርያም ጽዮነይቲ ደም ነቢዓ
ንህራሰ ነብሲ ንዓኺ ጸዊዓ!
ኣብ ጎና ከተንብረኪ ኢዳ ሰሊዓ!
ወዲ ኣዳም ዓሻ! ጥበብ ፈጣሪ ዘንጊዑ
ኣብ ሓመድ ድበኺ ተባሊዑ
ሓቂ ሓይሽ ኣመና ሰሲዑ
ንዕኡ ደልዩኪ ንዕኡ
ሓቁ ድማ ሓቁ ብዘይ ፍቕርስ እንታይ ጣቁኡ?
እሞ ኣነዶ ዶግዓ ከንጎድጉዶ
ንፈጣሪ ናብ ቤትኪ ከውርዶ
ናብ ደቅኺ ከጠምቶ
ክብሎወ ከሰንብዶ
“ነዚኦምሲ ኣይትድንግጽንዶ?”
ኣስናንናስ ይከደና መን ስሒቁ ክንስሕቆ
እዞም ህጻናትከሞ መን ይኹኖም ሕቆ
ፍቅሪ ሓያል’ዩ’ሞ ንስኻ ግን ተሕምቆ
እንታይ ድኣ ወደይ ተስፍኦም ተርሕቆ
ፍቕርኻ ኣብዚኦም ትበቆ
ንሞት ካብ ፍቕሪ ዘይትሰጎ?
ኣባጅጎ ኣይተሻሩ ኩን ወዲ መንጎ
ምለሳ ንወይኒ ደም ነቢዕናኮ!
ኣስሓኮ የለን ድዩ ኣስሓኮ!
ምለሶ ምለሶ ኣይትበለኒ፡
ሎሚ ኣይመልሶ ጽባሕ ኣይመልሶ
ተደሊኻ ንስኻ ፍቕርና ምለሶ!
ተለመን ሕደግ
ምለሳ ንወይኒሓረግ!!
ወዲ ኣቢብ
22 ጥሪ 2016
ነጸብራቅ ጥበብ
ንፈጠራ ደቂ ሰብ
ምሃዝነት ጥበብ ፡
ሓሳባዊ ገጸባህሪ
እናልበሰት ምስሊ
ስነ-ጥበብ ኣንጽባሪቃ
ጩራ ጥበብ ኣድሚቃ!
እናስሓቀት’ናንብዓት
እናዘናገዕት’ናምሃረት
እታ ኮኾብ ፡
ፍጥርቲ ፈጣሪ
ብምልከት ጥበባ
ዕግበት እተዛሪ !፡
ጎኒ ጎኑ ድማ
ዕድሎት ፈጣሪ
ጽሕፍቶ ርዒማ
ብጥዕና ናመስገነት
ሕማም ተጸሚማ
ብፍጥረተ ‘ዝግሄር
ዝተዓደለቶ
ብብቅዓት ኣሳልያ
ኣብ ናታ ጽሕፍቶ ፡
እዋን መሰርከበት
ዕምሪ ተብቃዐላ !
ጽሑፍ ከተተግብር
ንዓኣ ውን ክትመስላ
ድሕር እንከይ በለት
ንሞት ተቀቢላ
ብሰላም ዓሪፋ
ኩሉ ከተካውን
ትውክልቲ ጽሕፍቶ
ጥበብን ፈጣርን ፡፡
ማይኮ ተኸለ
20 ጥሪ 2016