AMAN TEKESTE W.
– Iይ ክፋል –
“ክቅጽል’የ …….. /ወሳንነት ግዜ ኣስተብሂለ /ዝሓሸ መልክዕ ናይ ናብራ’ሎ ኢለ /ግድን ዓቲረ /መለይ ኢለ፡ ክንደይ ኮሊለ /ከናድየኪ ክንደይ ፈቲነ ……….”
“ደርፍኻ ኣቋርጽ ወዲ ጉዑኖ፡ እዘን ኣሓትና ድማ ናይ መን መለይ ድኣ’ላ ተሸሪባቶ ከይብላኻ። ኣብ ‘ላቭ ስኴር’ መስሓቒአን ከይትኸውን። ክንደየናይ’ኳ ከይርድአን መዓሙቝ’ቲ ደርፊ። በል-ከ ኬፍ ኣዱንያ፡ ከመይ ኣሎ ‘ኤግዛማት’?” በለ ሓደ ‘ጆርናሊዝም’ ዘጽንዕ ፈላጢና። መዛዘሚ ዓመት ፈተና ድሕሪ ምውዓሉ፣ ፋዱስን ርብዕን ብምንባሩ፣ ምስ ገምሃሎ ወዲ ‘ዲፓርትመንተይ’ ብምዃን ናብ መመገቢ ካፈ’ቲ ዩኒቨርስቲ ኢና ኣምሪሕና። ምስ ገምሃሎ ዓርከይ ቅድሚ ዓሰርተ ደቃይቕ’ኳ ሪጋ እንተ ተሓወስና፡ ኣርከበ ግን በየን ሶሊኹ ኣትዩ ተጸንቢሩና – ኣይፈልጥን።
“ኣብሽርካ ኣርከበ! እጹብ ድንቂ ውጽኢት ስነ-ጥበብ ንመን ዘይስዕር?! ንመን ቀልቡ ዘይሰልብ?! ሓደ ሓሳቢ እንታይ ኢዩ ዝበለ፡ ‘ህይወት ብዘይ ሙዚቃ ስሕታን ምዀነት ድዩ ኢሉ?! ትኽክል። ኣዱንያ ደሓን’ያ፣ ግና ዕስራ ዓመት ናይ ሂወት ሚዛን ‘ሞመንተም’ ዘይሓለና – ‘ሞመንተም’ ስነ-ህንጻ ኣብ ሰዓት ሰሪሕኹም ኣዳልዉ እናበሉ፡ ‘ኤግዛማት’ እተረና’ሎ እምበር” በልኩዎ። ሪጋና ኣብ ፍርቂ ከባቢ በጺሑ። ናብቲ ካፈ ንምእታው ብየማንን ጸጋምን፡ ብኽልተ ሸነኽ ኢና ሪጋ እንገብር። እቲ የማናይ ሪጋ፡ ኣብ ‘ኮሪድዮ’ ናይቲ ካፈ ብምዃኑ ነቲ መንደቕ ክፍሊ ምምሕዳርን መኻዚኖን’ቲ ካፈ ተጸጊዕኻ፡ መስርዕካ ትሕሉ። ዝበዝሕ እዋን እቶም ብውልቂ ዘሎውንን እተን ደቀንስትዮንን ዝጥቀሙሉ ሪጋ እዩ። እቲ ጸጋማይን ዓብን ሪጋ ድማ ንሓጹር ‘ፋካልቲ ኦፍ ኢጁኬሽን’ ተጐዝጒዝካ ዝስረዖ ኮይኑ፡ እቲ መስመር ሪጋ ብገምጋም ሓምሳ ስሳ ሜትሮ ዝበጽሕ ቅርጺ ‘ቦ’ ዓይነት እዩ።
ኣነ ምስ ገምሃሎን ኣርከበን ኣብቲ ሪጋ ኮሪድዮ ብምንባርና፡ ነተን ምሳና ኣብኡ ተሰሪዐን ዝነበራ ኣዋልድ ጠሚተየን። ብመጽናዕቲ ዝደንዘዘ ዝመስል ገጽን ዝደኸመ ዓይንን እኳ እንተነበረን፡ እቲ ርእሰ-ተኣማንነተን ማለት ምስ ኣወዳት ይኹን ኣዋልድ ብዛዕባ ክልሰ-ሓሳባት፡ ብዛዕባ ማሕበራውን ኣህጉራውን ዛዕባታት ኣልዒለን ብርትዓዊ መዳይ ክካትዓ ክትሰምዐን ከለኻ ደስ ይብለካ። ነቲ ኣብቲ መንደቕ ዘሎ ብኢድ ዝተጻሕፈ ጥቕስታትን ዘንብበኦ ዝነበራ፡ በይነይ ክስራዕ ከለኹ ደጋጊመ አንብቦ’የ። ገለ ካብቲ ጥቕስታት፥
‘No matter how long the night is, tomorrow will come!’
‘ጸሓይና መሊኣ በሪቓ ኢሎም እምበር፡ ሃሩር ወዲኦምና!’
‘ህግደፍ መንደፍ’ – – ‘ቃልስና ነዊሕን መሪርን ዝበልዎስ እንኮላይ ነዚ ሓዊሶም ድዮም?’ ‘ብጽፍርና ዝብሉ …’ ወዘተ ወዘተ።
ምስ ግዜ ዝሃስስ ደኣ ይንበር’ምበር፡ ስምዒቱ ክገልጽ ዝፍትን ተማሃራይ ግን ካብ ምጽሓፍ ኣየዕረፈን። ሓሳብካ ብነጻ ምጽሓፍ ኣብዚ መናድቕ ካፌ፡ ኣብ መናድቕን ማዕጾታትን ዓይኒ-ምድሪ ኢዩ ጀሚሩ፣ ሰሌዳታት መግለጺ ነጻ ሓሳባት ክብሃል ይከኣል። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት መቐጸልታ ናይዚ መናድቕን ማዕጾታትን’የ ክትብል ትደፍር። ብዘይ ምግናን፡ እቲ ዝነበረ ጥቕስታትን ሓረጋትን እንተ ዝእከብ፡ መጽሓፍ ምሉእ ምኾነ።
ገምሃሎ ዓርከይ ገና ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲሙ ዝወዓለና ፈተና ይሓስብ ከም ዘሎ ካብ ግምተይ ኣይወጸን። “ኣታ እንታይ ዝበሉዎ ‘ኤግዛም’ እዩ’ዚ? ካን በቃ፡ ከምዚ ጌርካ-ዶ ንሰብ ኣጨንቕ ኣጨንቕ ተብሎ ኢኻ?! ሓደ ‘ስቱፒድ’ መምህር እዩ። ኣብ ‘ክላስ’ ዝመሃርካዮ ዘይብልካ፡ ‘ኤግዛም’ ምስ ኮነ ሴፍካ መዚዝካ ክሳድ ተማሃሮ ወስ ወስ ምባል እንታይ ኣምጸኦ።” ብዙሕ ዘየዘውትሮ ሕርቃን በጨቕ ኣበለ።
“ገምሃሎ ወዲ፡ ነዚ ‘ስቱፒድ’ ዘይኰነስ ‘ኢድየት’ ምበልኩዎ። ኣብዛ ‘ሰከንድ ሰመስተር’ ካብተን ኣብ ክላስ ዝመጸን፡ ዘይመጸን ይበዝሓ። ንሱ ኣብ ‘ክላስ’ ነቲ ‘ሳብጀክት’ ብ‘ቲኦሪ’ ክገልጽ ኣሕሊፉዎ፡ ሕጂ ግን ኣብ’ዚ ‘ኤግዛም’ ዘምጸኦ — ‘ኳልኩሌሽን’?! ይገርመካ’ዩ። እቲ ትምህርቱን ፈተንኡን ኣዛሚድካ፡ ሰማይን ምድርን ኢዩ ፍልልዩ። ሓያል መምህር ንምምሳል ድዩ ሓፍ ዘይብል ሕቶታት ገይሩ ዘዋጥረና?! … ግን’ኮ ገምሃሎ ዓርከይ፡ ‘ጽናዕ ከይትምናዕ፡ ድሎ ከይትዕሎ’ እኳ ተባሂሉ’ዩ። ኩሉ ነዚ ‘ወያል’ መምህር ከነላግበሉ ኣይግባእን። ምሒር ኣዳህሊሉና እምበር ካልእ ክንምልስ ይግባኣና’ዩ።” ግዜ ከመይ ከመይ ከም ዝሃጽጽ ኣይፈልጥን፡ 2006 ኮይኑስ ድሮ ሓምሻይ ዓመት ኣብ ምዝዛም በጺሕና።
“ወዲ ጉዑኖ ከኣ ኩሉ ግዜ ተዳህሊለ .. ተገሪሀ ምስ በልካ። ዘይውዳእ ግርህነት እንተሎካ ‘ኤክስፖርት’ ግበሮ። ናትካ ‘ዊክነስ’ መሸፈኒ ኢኻ ትጥቀመሎም ‘ኖ’ እዞም ቃላት። ረሲዓዮ’ስከ እዚ ናይ ‘ኤግዛም’ ጉዳይ። ናይዛ ሕጂ ጀማሚርካላ ዘለኻ ‘ዶና’ እንዶ የዕልለና? ኣይትቀየመለይ እምበር፡ ንፍቕሪ ዘለካ ወልፊ ማለት ከምቲ ጽምኣት ፍትወትካ ኣብ ትምህርቲ ወይ ኣብቲ ትግደሰሉ ስነ-ጥበብ እንተ ዝውዕል ዓቢ ኣበርክቶ ምገበርካ፡ ማለት ንሕብረተሰብካ። ሓደ ቀብዛር ኢኻ ግን።” ገምሃሎ ካብቲ ሰሪቡዎ ዝወዓለ ሕርቃን ከም ዝተናገፈ ዝሕብር ዋዛ ምስ ፍሽኽታ ኣሰንዩ ተዛረበ። ፍሽኽትኡን ዕላሉን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ለይለይ ቊመቱ’ውን ማራኺ’ዩ። ኣብቲ ናይ ዓዶም ቤተ-ክርስትያን ስሩዕ ተመላላሲ ብምንባሩ፡ ከይተጸገመ ንኽኣቱ፡ ቊመት ማዕጾኦም ብሰለስተ ስድሪ ኢድ ከም ዝነውሕ ጌሮም’ዮም እቶም ካህናት ዓዲ። ሓለንጋይ ቊመቱ ዘስተብሃሉ ደቂ ዓዱ፡ መጠራ’ኳ እንተበልዎ (ሓወልቲ መጠራ)፡ እዛ ገምሃሎ ትብል ሳጓ ረቲዓ።
ኣርከበ ክጸናጸን ጸኒሑ፡ ናባና ገጹ ልሕግ ብምባል “ኣነ’ውን ይድግፎ’የ ኣብዚኣ። እቲ ዘለካ ‘ፓሺን’ ድየ ክብሎ ‘ስፕሪት’ ናብ ስነ-ጥበብ እንተ ተውዕሎ’ኮ ጽባቐ ፈጢሩ፣ ቀለብ መንፈስ ዝዀኑን ክብደት ናብራ ዘፋኹሱን ስርሓት ጌርካ ሓፋሽ መነቓቓሕካ ኔርካ። ጽሑፋትካ ካብ ኣብ ዳያሪ ትሓብኦ፡ ንፋስ ዘይተውቅዖ? ስነ-ጥበብ ግን እንታይ’ዩ ነዓኻ? ምላሽ ካባኻ እዩ ወዲ ጉዑኖ።” ዘይተጸበኹዎ ድቦላ ሕቶ ኣውደቐለይ። ከምዚ ዓይነት ዕላላት ኣብቲ ኣብ ካፈታት ኮምሽታቶ እነዘውትሮ እኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግን ኣብ ሪጋ ናይ ካፈ ጀሚሩዎ። ወዲ ባጽዕ ኣርከበ ዓርከይ፣ ቊንጹብ ነብስን ማእከላይ ቊመትን’ኳ እንተሃሎዎ፡ ዘይረጎደ ወይ ቊሩብ ብርኽ ዘይበለ እትብለሉ ምኽንያት የለን፣ እታ መልሓሱ ከምዚ ዓይነት ነብስን ቊመትን እዩ ዘጸብቐላ።
“ምላሽ ደኣ ኣብዚ መንደቕ’ኳ ምረኸብካ ኔርካ። ኣብዚ መንደቕ እንታይ-ከ ዘይጽሓፍ?! መዝገብ ስምዒታት ተማሃሮ’ዩ ብሓቂ። ኣብቲ መጀመርታ መዓልቲ ሪጋ፡ ዘንበብኩዋ ጥቅሲ እንታይ ‘መስለካ፥ “ክንደይ ሰብ ብዘለዋ ጂ.ፒ.ኤ. ነጥቢ ተዓሻሽያ፡ ኣብ ዘይዝምባሌኣን ዘይትፈልጦን ዲፓርትመንት ተደቕዲቓ ክትሳቐ ክትነብር’ያ” ትብል።
“ከምዚ ናትካ ማለትካ ድዩ?”
“ናብቲ ፋልማይ ሕቶኻ ክምለስ፡ ስነ-ጥበብ ኣብ ሃዋህው ቆዝሞስ ዘላ ህልውናይ፥ ዝጠነሰቶ ሓቂ ክትፈጥር፣ ምስጢር ህልውናኣ ክትገልጽ፣ ጽባቐ ክትምህዝ፣ ፍቕሪ ክትካፈል እተኽእል መድረኽ ምህዞን ፈጠራን’ያ። ህልውናይ፡ ኣብዚ ቆዝሞስ ዘሎዎ ግንዛበን ርድኢትን፥ ንምግላጽ – ንምፍጣር – ንምህናጽ ስነ-ጥበብ እጥቀመሉ። ከሕጽረልካ፡ ሰብኣውነትና እንገልጸሉ ወይ ናብ ዝበረኸ ሰብኣውነት ዝወስደና መድረኽ’ዩ ስነ-ጥበብ። ኣነ እንተ ተኻኢሉኒ ድማ እጽሕፍ። ኣብቲ ዝጽሕፎ፥ ዝሓረስኩዎ ትልምታትን ዝዘርኦ ነግሕታትን ክሕብር ዘይኰንኩስ ክምህዞም ዝደሊ ሕልምታትን ክፈጥሮም ዝሕልን ግጥምታትን እየ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎኹ። ጽሙቚ ኣቢልካ፡ ኣብቲ ገስጋሲ ባህሊ ንምስታፍ’ዩ ክኸውን ጉዕዞይ።” ዝመጸ ይምጻእ ኢለ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዳሕዳሕኩሎም።
“ሓያል ውሕጅ፡ ክንዲ ዘንቈልቍልስ የንቃዕርር። ኣገናዕ! በርኽ! ዝለል! ናይ ምእላሽ ህንጡይነትን ንሱ ዝፈጥረልካ ድጉል ረስኒ ናይ ምባልን፡ መተንፈሲ ብምርካብካ ተዓዲልካ ወዲ ጉዑኖ። ንዝተዓዘብካዮ ይኹን ንዝተመኰርካዮ በየናይ ሜላ፡ ዝልለ ቅርጺ ፈጢረ ይትፈኣዮ ካብ ዝብል ክርክር ውሽጢ ዝተበየንካ ትመስል። እዚ ጥዕና’ዩ! ምሉእ ጥዕና ከኣ ይምነየልካ።” ሰጋእ ከይበለ ኣርከበ ዝዛረቦ ዝነበረ ዝገረመን ኣዋልድ፡ ኩለን ናብኡ እናጠመታ እንከለዋ፣ ገምሃሎ ብግዲኡ “ኮርዒዳ ወዲ ጉዑኖ፡ ተስፋ ዘስንቁ ሓሳባት፡ ማራ ኬፍ ዘሎዎም። ሓቂ ግን እዚ ሓሳባትካ ኣይኣተወንን፡ ማለት ኣይተረደኣንን። እቲ ‘ፍሎው ኤንድ ፓሺን’ እዩ ደስ ኢሉኒ።”
“ኣላ ንስኻትኩም! ናይ ክልቴኹም መልሲ ኬፍ ሂቡኒ።” ብመልስታቶም፡ ብፍላይ ብመልሲ ገምሃሎ እናሰሓቕኩ ከለኹ፡ በቲ ዘረብኦም ከም ዝሰሓቐት ዝገመትኩዋ፡ ምስ ሓንቲ ሓጻር ምልእልእ ዝበለት ጓል፡ ካብተን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝድቅሳ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጠምና። ለሚሽ ዝጸጉራ ሓውሲ ህንዳዊት እትመስል ብምዃና ክላለያ ብሂገ። ህርፋን ፍቕርን ጽባቐን ግዲ ሃልዩንስ ኣብ ቀረባ እየ። እንተዀነ ግን እተን ጥቓኣ ዝነበራ መማጽእታ ኣሰኪፈናኒ፡ ገጸይ ናብ ኣዕሩኽተይ መለስኩዎ።
ድሮ ሪጋና ኣኺሉ፣ ጩራ እቲ ሓላው መስርዕ “ያላ .. ያላ፡ ስሕብ .. ስሕብ ኣብሉ፡ ሓምሻይ ዓመት ‘ተበጻሕኩም ሰማይ ዝጦንቆርኩም ከይመስለኩም፡ ገና’ዩ እቲ መገዲ” እናበለ ካብቲ ጁባ ናይ ካቦቱ ዝበሰለ እንቛቚሖ እናውጸአ ይበልዕ ነበረ። ጩራ ካብ ከደራይ ናብ ጽልሚ ዝኸደ ሕብሪ ገጽ ዘሎዎ፡ ማእከላይ ዚቊመቱ ብዓል ገዚፍ ከብዲ እዩ፣ ‘እቲ ባምብል ዝብሃል ንኦሊቨር ትዊስት ቊሩብ ዝያዳ መግቢ ዝኸልኦ ኢዩ ዝመስል’። ጩራ ዋላ’ኳ ኣብቲ ማዕጾ ኮይኑ ናይ ካፌ ‘ኣይዲ ካርድ’ ይሓትት እንተዀነ፡ ናይ ዝበዝሑ ተማሃሮ ኣይዲ ናምበሮምን ክንደይ ዓመት ይመሃሩ ኣሎውን ይፈልጥ እዩ። ሓያል ናይ ምዝካር ክእለት ኣሎዎ። ተማሃሮ ዘይኮኑ መንእሰያት (ካብ ደገ ዚመጹ የዕሩኽቶም ንገለ ተማሃሮ) ካብቶም ካልኦት ተማሃሮ ፈልዩ ይፈልጦም፣ እንተ ደልዩ ሸለል ይብሎም፡ ገለ ገለ እዋናት ግን የባርሮም (ኣስቤዛ ክትውሕድ ከላ’ዩ ዝኸውን)። ጩራ ብጉዳይ ጽቕጥቅጥ ሪጋ ወይ ምስ ተምሃሮ እንተ ሓሪቚ እናዓፈረ ክዛረብ ከሎ ነቶም ፋልማዮም ዝመጹ የፍርሖም ኢዩ። ከም ዝብሃል’ውን፡ ጩራ ካብ ተማሃሮ ዘዝቖለበን ቃላት እንግሊዝኛ እናተጠቀመ፡ ኣብ ባር ኦርየንተ፡ ‘መምህር ናይ ዩኒቨርስቲ እየ’ እናበለ’ዩ እምብልታ ዝነፍሕ – መምስሰተየ።
ናብቲ ማዕጾ ካፌ ክንኣቱ እናተዳለና ከለና፡ ኣብቲ ጸጋማይ ዓቢ ሪጋ፡ ከምቲ ሪጋ ክበዝሕ ከሎ ዘጋጥም፡ ሓደ ክልተ ተማሃሮ ጸሊቖም ክኣትዉ ብዝገበርዎ ፈተነ’ዩ መስለኒ፡ ሕንፍሽፍሽ ኣተዎም። ህዱዱ.. ዱ.. ድ.. እናበሉ ብጅምላ በቲ ዓቢ ማዕጾ ኪኣትዉ ጀመሩ። ጩራ ንዓና ገዲፉ ናብቲ ዓቢ ማዕጾ እናጎየየ ብምኻድ … ነቲ ቀጢን ፖሊስ “ዕጾዎ! … ዕጾዎ! … ክርእያኒ ኢየን እንተኣትየን” እናበለ ንሱ’ውን ማዕጾ ከተዓጹ ጀመረ። እቶም ክልተ ሓጸርቲ ደልዳላታት ፖሊስ ከኣ ነዚ ሕንፍሽፍሽ ናብ ቅጥዑ ክመልሱ ክብሉ ነዚ ተማሃራይ ብበትርን ኩርማጅን ኣተውዎ። ፋሕ …! ጥርንፍ። ሓደ ሓደ እዋን፡ ብሰንኪ ፈተናታት ዝበዝሑ ተማሃሮ ንደገ ወይ ገዛኦም ከይዶም ክበልዑ ግዜ ስለ ዝቃጸጾም፡ ኣብቲ ካፈ ኣብ ዝግልገሉሉ እዋናት፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ሪጋ እምብዛ ይነውሕ እሞ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዚኣትወሉ እዋን እዞም ብረት ዚዓጠቊ ፖሊስ፡ ምስ ውዑያት ተማሃሮ ስለ ዝበኣሱ፡ ምስ ሓረቚ ብረቶም ከይዕምሩ አፍርሑኒ እዮም።
ብደጌና እናሰሓቕና፡ ብውሽጥና ግን እንቋዕ’ባ ኣብኣ ኣይነበርና እናበልና ንውሽጢ ኣተና። ሎሚ ሓሙስ፡ ምሳሕ ዓሳ ብካውሎ ወይ ስጋ ምስ እንቛቚሖ’ዩ። እጃም ጸብሕና ክንቅበል ምስ ቀረብና፡ ሓደ ካብቶም ድሕሬና ዝነበሩ “ማሙሽ” ትብል ቃል ብምዝራቡ፡ ኣይጸንሐን ገጽ’ቲ ጸባሒ ክንፋሕን የዒንቱ ክፈጥጥን ተዓዘብኩ። “መን’ዩ ማሙሽ ዝበለ? መን’ዩ ማሙሽ ዝበለ? ደሓን ኣለልየካ ኣሎኹ፡ ወዲ-ሰበይቲ! ክትቀርብ እንዲኻ፡ ኩለን እተን ጸብሒ ኣብ ገጽካ ክደፍኣልካ’የ።” በለ እቲ በራሕ ጸባሒ መግቢ። ኣብቲ ከባቢና ዚነበሩ ተማሃሮ ኩሎም ስሒቖም። “ኦይ! ሓዲኣ ኣላ ሎምስ፡ ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ ኣብዚ ከኣ…” በለ ኣርከበ። “ኣቱም ንስኹም ትገዱ፡ ስቕ ዘይትብሉ?! ከም እትንድሩ እንተፈሊጦም ደኣ መፍተቶም መንእሰያት’ዚ ግዜ።” በላ እተን ጸላም ሰበይቲ፡ ኣደይ ርብቃ። “ኪዲ ንስኺ ድማ መን ፍለጢ ኢሉኪ፡ ኮምኳም።” ኢሉ፡ ብኣጻብዕቱ ናይ ቈልዑ ምልክት ገበረላ። ካብ ኣፍ ማሙሽ ጥዑይ ዘረባ ኣይወጽእን’ዩ። “ይዋእኻ! እንታይ’ሞ ክትገብር፡ ትዕድልትኻ ኮይኑ፡ ንሳ ኾይና ዓቕምኻ” ቀስ ኢለን ኣጉረምረማ። ወያ ፈኸራ፡ ፈኸራ ኮይና ተረፈት።
“እዝጊኦ ተሳሃለነ፡ እዚ ሰብኣይሲ ካን ኣኺሉዎ ምስ ኣንስቲ ጥራይ ክብኣስ ክነብር፡ እፍክር ከኣ፣ ጠባይ ተማሃራይ-ከ ዘይለምዶ?! ድሁል። ኣንታ ኣቦይ ኪዳነ ደኣ መኸየፍ እንድዮም፡ ዋዛኦምን ኣከሻሽነኦምን።” ገምሃሎ ናይ ተስፋ ምቚራጽ ፋጻ እናፋጸየ፡ ጸብሕና ሒዝና ሰለስተና ተመራሪሕና ንውሽጢ ናብቲ ክንዲ ፍርቂ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝኸውን መመገቢ ገዛ ኣተና። ኣብቲ ሪጋ ኩሉ ሰብ ጸማልያ መሲሉ ብድኹም ድምጺ የዕልል ከም ዘይነበረ፡ ጫቚጫቚታ ናይቲ እኩብ መንእሰይ ሰሚዕካ፡ ሰብ መግቢ ምስ ሓዘ መንፈሱ ከም ዝብሮሆ ይርደኣካ። ኣብ መንጎ ጽቡቕ መግብን ጽሩይ መንፈስን ዘሎ ዝምድና ኢለ ክመራመር ግን ኣይደልን። ብማዕዶ ኣዕሩኽትና ብዓል ዓድሎ፡ ዶጎል፡ ፎቶን ካልኦትን ብሓንሳብ ኮይኖም ክምገቡ ርኢናዮም፣ እኹል ስፍራ ስለ ዘይነበረ ግን ናብ ካልእና ኬድና።
“ከምቲ፥ ‘ንደማሙን ኣኻልብን ዝኸውን ስጋን ጅማትን ኣሎኩም-ዶ?’ ኢሉ ሓደ ምስ ሓተተ፡ ‘ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ቀዲሞምኹም’ ኢሎም መሊሶሞ፡ ኢሉ ሓደ ካርቱኒስት ዝሸርጠጦ’ዩ ዝመስል እዚ መግቢ ናይ ሎምስ። ሰስግኡ ኣይበልዖን’የ፡ ትደልዮዎ ዲኹም? እቲ መረቕ ምስ’ዘን ሰለስተ እንቛቚሖ ገይረ ክምሳሕ’የ”፡ እቲ ሓለንጋይ ዓርከይ ዘዳመጾ’ዩ። ኣይጸናሕኩን ሰስግአን ወሲደሉ።
“ስማዕ እንዶ ኣርከበ፡ እቲ ምስተን ሰለስተ ኣዋልድ ኣብ ናይ ኣዋልድ ስፍራ ኮይኑ ዝምገብ ዘሎ ወዲ፡ እቲ’ኳ ናይ ኦሾ ጽሑፋት ኣንቢቡ ጭሕሙ ዘንውሐ፡ ወዲ ‘ዲፓርትመንትኻ’ ድዩ ወይስ ‘ኢንግሊሽ’? ቀጻሊ እንትርፎ ምስ ኣዋልድ – ምስ ኣወዳት ክኸይድ ርእየዮ ኣይፈልጥን።”
“ኣሃ እቲ ዲኻ፡ ኖ ‘ኢንግሊሽ’ ኢዩ። ነቲኣ የዕልላ፡ ንከተማ የውጸኣ፣ ነቲኤን ናይ ፈተና ወረቓቕቲ የምጽኣለን። ምስቲኣ ጸኒሑ ምስቲኣ፡ ወዱ .. ‘ኣፕሮች’ ጥራይ ኢዩ ዚገብር፡ ምስ ዝኾነት ኣይወድአን፣ ዝውድእ’ውን ኣይመስልን’ዩ። ሓደ ነይርዎ ዓርኩ፡ ‘ማትስ ዲፓርትመንት’ ድዩ ገለ፡ መዓልታዊ ዕስራ ስዓታት እናጽነዐ ነዛ ‘ዲስሚሳል’ ምስ ቈሓማ እንታይ ድዩ ኢሉ መስለካ፡ ‘ስኣን ኣርባዕተ ሰዓታት መሊኤ ዘጽንዕ እኳ’የ ‘ዲስሚስ’ ገጢሙኒ’።”
“ኣርከበ ዓርከይ ንኹለን ኣዋልድ ደኣ ብኣልማማ ትሰሃለን ኴንካ’ምበር፡ ረኣየን’ሞ እቲኣተን፡ ጻልጣ እኳ’የን። ጽላእ እተን ‘ምስ ትሕቲ 3.8 ጂ.ፒ.ኤ. ዘሎዎ ወዲ ሻሂ ኣይሰትን’የ ዚብላ። እተን’ኳ ‘ኣይ ላቭ’ ፒሳ፡ ሃምበርገር፡ ላፒዝማ እናበላ ልቢ ወዲ ኣብ ጅባኡ ሸታሕ ዘብላ ጽልኣለይ።” ገምሃሎ ብሰሓቕ ዚኣክል ነቲ እንቛቚሖ ከይተረድኦ ኣውደቖ። ኣርከበ መመልከቲቶ ጽብዒቱ ናባይ ብምውጥዋጥ፡ “ኣብ ከምኡስ ፍልልይ ኣለወን ሓቅኻ። ክንደይ ድየን፡ ‘ሰብ-ዶ ካፌ ይኣቱ’ዩ፣ ሰብ-ዶ ፋታ ይበልዕ’ዩ ዝብላ። እቲ ዝገርመካ-ኸ ኣብዚ እዋን ፈተናታት፡ ኪድ እንዳ ገብራኣብ … ኪድ ገነት ካፍተርያ፡ ኣብ ፊትካ ኮፍ ኢለን ነቲ ፋታ ክድዕዂኦ ክትርእየን ኢኻ። ብኣምሆ ዘርኣኹኻ፡ እታ’ኳ ቀያሕ ቀጣን ጓል፡ ኣብቲ ‘ኮለጅ ኦፍ ኣርት’ ዘላ፡ ምስ ኣዲኣ ይኹን ኣቦኣ ክትረዳዳእ ይጽግማ ኢዩ ኢሎሙኻ። ነቲ ቊልፊ ቊልፊ ቃላት ብእንግሊዝኛ ስለ ትዛረብ፡ ተሰቢሉዋ፡ በቃ ብምልክት ኢድ እናሓወሰት ኢያ ትዛረብ ኢሎም።”
“ኣንታ ኣነ ፋልማይ ዚሓተትኩ ብዛዕባ’ታ ዓይኑ ኣውዲቚላ ዘሎ ዶና እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ንኹለን ኣረኻኺብኩምለን – ካልእ እንዶ የዕሉልና።” በለ ገምሃሎ። ብዛዕባ ተራ ማሕበራዊ ሂወት እናዕለልና መግብና ምብላዕ ቀጸልና።
ይቕጽል (ካልኣይ ክፋል ንሰንበት 17/04)
AMAN TEKESTE W. — March 2014
*- ተወሳኺ ሓበሬታ፥ እዛ ጽሕፍቲ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መጽሄት ዳዕሮ ተሓቲማ ብምንባራ፡ ኣብ ፈይስቡክ ብቴድሮስ ኣብርሃም ከፊላዊ ምቕራም ተገይሩላ እዩ)
ካልእ ቃላት እንግልዝኛ ቊሩብ ዚተጠቐምኩሉ ምኽንያት፡ መለለዩ ኣዘራርባ ዳርጋ ኩሎም ተማሃሮ ከም ዘሎዎ ከቕርቦ ብምባል’የ