ሓሺሻዊ ዕጣን መሕጸር ዕምሪ ጉብጣን
ያኢ! ፍቕሪ ተቖጺሩ ነቲ ግብሪ ሰይጣን
በቲ ሕሱር ተግባሩ ዘይብሉ ጠገለ
ኩዑብ ድፍረት ኮይኑ እናተገለለ
ነቲ ቀይሕ ከንፈራ ክስዕሞ ዘህርፎ
ሓንሳብ ምስ ጀመሮ ገዲፉ ዘይገድፎ
ልቦናኡ ደፊኑ ወትሩ ይሕንፍፎ፡፡
ኣብ ዓንኬል መጻወድያ ብሃነይነይታ ተኣሲሩ
ንጥፍኣቱን ጥፍኣታን ሒዙዋ ዓንዲሩ
መርቂና! መርቂኑ! ህሞቶም ዓምቢሩ
እንታይ ዝናብራኡ’ሞ ተካል ህይወት
ሕሱም ፍትወት ንበናኒ ዕግበት
ሕመቑ ዝርኢ ይፍለጦ ኣይፍለጦ
ኣብ ዘዝገጠሞ ኩሉ እናሸምጠጦ
ከምዛ ዘይፍለጦ ፍጹም ዘይስወጦ
ከም እትሃሲ እናተረድኦ ከይርሕቕ ይፈርሓ
ኣብ ግዝኣታ ኣትዩ ንሳ ግዲ ካብኡ ጎሪሓ
ዝበለ ኢሉ ንስለ ምባሉ
ምሒሉ ጥሒሉ ምስኣ’ዩ ምውዓሉ
ምስታ ብልቡ ዘፍቅራ
እናሓረረት ተሕርሮ ሽጋራ
2008
ተስፉ ሓጎስ